Thursday, February 3, 2022

ዋዕላ ጋንታ ሞሶሎኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ 2ይ ጌታቸው ረዳ ካብዝሓለፈ ቀዳማይ ክፍሊ ዝቐጸለ፤… ETHIOPIAN SEMAY 2/3/2022

 

ዋዕላ ጋንታ ሞሶሎኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ

2ይ

ጌታቸው ረዳ

ካብዝሓለፈ ቀዳማይ ክፍሊ ዝቐጸለ፤…

ETHIOPIAN SEMAY

2/3/2022

ምስ’ዚ ጽሑፍ እዚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ጽራብ እምኒ ኣብ ቤተመንግሥቲ ንግሥተ ሳባ (ድንጉር) (ኣብ ትሕቲ ጎቦዱራ-ማለት ኣብ ምቕማጥ ዒፎይ) ዝተረኽበ ጥንታዊ ጽርበት ምስሊ ሰብ እዩ። እቲ “ምስሊ ሰበይቲ” እያ ኢሎም ተመራመርቲ ይጽሐፉዎ እምበር፤ ኣነ ግና “ምስሊ ተባዕታይ” ኮይኑ ረኺበዮ ኣለዅ። ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ምስሊ “ምስሊ ሐበሻ” ዘይኮነስ “ይሁዳ ወይ ዓልየት ጻዕዳ” ክመዝኾነ ካብቲ ጽርበት ጨጉሩ ምርኣይ ይካአል እዩ። ነዚ’ውን እየ “ተጋሩ” ደምና ካበይ ከምዝተዳቐለ ስለዘይንፈልጦ “ጸረይረይ” ምባል ግደፉዎ ዘብለኒ ዘሎ።

 

እዚ ካብ’ቲ በቐዳማይ ዘቕረብኩዎ “ጋንታ ሙሰሎኒ” ዝጃሃሩሉ “ጽርየት ዘርኢ” ከም ተወሳኺ መረዳእታ እዩ።

ንሕና ተጋሩ ምስዓር እምበር ተሳዒርና ኣይንፈልጥን ዝብል “ብታሪኽ ዘይተረጋገጸ ሕሶትን ትምክሕትን” ብተጋሩ ክድጓሕ ሰሚዕና ኢና። ሰዓራይ “ጊዜ እምበር ናይ ሰብ ጅግና” ከምዘየለ ደጋጊምና ዝብልናዮ ይኹን እምብር እዚ ብዝምልከት ኣብ “ሳልሳይ ክፍሊ” ክንርእዮ ኢና

ካሊእ ድማ ኣምሓራ ገዚኡና፤ ተጋሩ ተወጺዕና ኢና ስለዝኾንና፤ ሃገር ክንምስርት ተገዲድና ይብሉ ኣለው። እቲ ዘቕርቡዎ ሙጉት ድማ “ንሕና ተጋሩ ሥልጣን እንትንሕዝ “ሰላምን ዲሞክራሲን” ዝመስረትና፤መሰል ህዝቢ ዝሓለና ሰብ ጥንታዊ ታሪኽ ፤ ቁኑዓት መማሓደርቲ ነይርና ዝብልዎ ሕሶት፤ ኣብ ዝመጽእ ሳልሳይ ክፍሊ ክንርእዮ ኢና።

ንሎማዓንቲ ግና  እቶም “ጋንታ ሞሶለኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ” በቲ “ኣቦ ሕሶት” ዝነበረ “መምህሮም መምህር ገብረኪዳን ደስታ” እንዳተመልኡ “ሽዋውያን የይሁዳ ኣምበሳ ነገደ እስራል” እንዳበሉ ኣብ ማሕተሞም ዘቕርቡዎ ንግሥና ሕጋዊነት የብሎምን ፤ ደቂ እስራል ነገሥታት ንሕና ጥራሕ ኢና ንዝብሉ ሎሚ ንርኣዮ።

እታ  ሕማሞ  ናይ “ደቂ ሞሶሎኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ” ፍልጥቲ እያ። ንሳ ድማ  “ሸዋ” “ሸዋ” እተብሎም ባዕሎም ዝማሃዝዋ እተእውዮም ዘላ “ቃንዛ” እያ። ንሳድማ ርድእቲ እያ። ንምንታይ ብናይ ሽዋ ንጉሥ ብሃጸይ ምኒሊክ “ተምበርኪኽና ንግሥናና ተመንጢልና” እያ። ንምንታይስ ‘ተሳዓርና’ እያ እታ “ሒሕ” ተብሎም ዘላ።

 

እዞም ደናቑር እዚኦም ታሪኽ “ዝድርጽጹ” ሓሰውቲ እዮም።  ነገሥታት ትግራይ ራእስታትን ነገሥታት ይንበሩ እምበር ንተጋሩ “ረገጽቲ መሰል” እዮም ነይሮም።ንሕድሕዶም ብዓልየትን ንግስና ሐረግን እንዳተማዘዙ ምእንተ “ዙፋኖም” ክብሉ “ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን” ብድሕሪኦም ጠባናጁ እንዳሓንገጡ ሕድሕድ ዘዋድኡዎ ነበሩ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ዘምጽኡሉ ሓንቲ ጨና ዲሞክራሲ ኣይነበረትን።  ሕድሕዶም ራዕሲ ሓጎስ ምስ አሉላ ደበብ ምስ መንገሻ ወዘተ…….እንዳተናቖቱ ሕድሕድ ይቃታተሉን ዝንበሩ እዮም።

እታ ትግራይ ተዘይንውለደላን ተዘይንፈልጣን እኮ ብማዕዶ ንዝሰምዖም  ሰብ ዘስምዑዎ “ዋጭ ዋጭ” ሓቂ ይመስሎ ይኾን።

ኣብ ዶጋሊ፤ሰሓቲ፤ጉንደት…ወዘተ ተጋሩ ጥራሕ ዝተዋጉኡሉ ውዕሎ ኣይኮነን ኢለ ካብ ጎንደር ፤ጎጃም፤ ናይ ወሎ ተዋጋእቲ  ወዘተ.. “መጻዋዕታ ዮሃንስ” ሰሚዖም ኣብ’ቲ ውግእ ዝተዋግኡ ሰራዊት አምሓራ፤ናይ የጁ (አሮሞ) ፈረሰኛታት ብወዲ ልዕልቲ ወለተ እስራል (ዮሃንስ- ንመንገሻ-መንገሻ- ንሥዩም ሥዩም ንወለተእስራል- ንዘውዴ ገብረስላሴ) ወዲ ደጃዝማች ገብረስላሴ ዝኾኑ “ዶ/ር ደጃዝማች ዘውዴ  ገበረስላሴ ብ ቋንቋ እንግሊዝ ዝጸሐፉዎ  ምጽሐፍ ከም ማስረጃ ዝጠቐስኩዎ መረዳእታ “ሓደ ብዘበን ወያነ ዝጸመመ ኹርኩር ወያነ” ዝጻሓፈለይ መልሲ ብእግረ መንገደይ ክነግረኩም።

ክምትዝፍለጥ ደጃዝማች ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ሃገረ እንግሊዝ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝተምሃሩን ዘምህሩን ዝነበሩ ሊቅ እዮም። እሞ እቲ ኹርኩር እንታይ ይብል “ዘውዴ ትግራዋይ ትውልዲ ይንበሮም እምበር አዲስ አባባ ስለዝዓበዩ ናይ ሸዋ ባህረ ሒዞም ሸዋውያን ዝበሉዎም ሒዞም እዮም ጽሒፈሞ” እንትብል ካብ ወዲ ወዶም ንአጼ ዮሐንስ ንላዕሊ ውዕሎ ኣባሓጉኦም ዘናኣእስ “ትማሊ ዝተወልደ ውልዶ ጋንታ ሙሶሎኒ” ንሱ ፈሊጡስ መልሲ ጽሒፉለይ ማለት እዩ።እዚኦም እዮም “ትግራይ፤ትግራይ ሸዋ ሸዋ፤አምሓራ” እንዳበሉ ዝንቁው ታሪኽ ዘባላሽው ዘለዉ ዳናቑር።

እስቲ ናብ እታ ንግሥና ዘርኢ ሰለሞን ናትና ናይ ተጋሩ እምበር ሽዋውያን አምሓሩ ደቂ ወሎን ጎንደርን ንግሥና “ውልዶ ሰለሞንን ይሁዳን” የብሎምን ናብ  እትብል ክትዖም ክትዕ “ኣትባን ደቂቀ ገብረኪዳን ደስታ” ንእቶ።

እታ ንግሥቲ ሳባ ትግራወይቲ ኣኽሱማዊት እያ ኢሎም ዝምኩሑላ ንግሥቲ ሳባ ካብ ኣይሁዳዊ ሰለሞን ዝወለደቶ “ቀዳማዊ ምንሊክ” ኣብ’ቲ ላዕሊ ዝራኣይ ዘሎ ምስሊ ክኸውንን ዘይክኸውንን “ንታሪኽ” ክገድፎ’ሞ ምስ ሽዋን ከምኡውን ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ከምዝተዘርኡ መጽሐፍ “ዛንታ ሀዘጋን ጸዓዘጋን” ከመይ ከምዝመዝገቦ ንርኣይ።

እቲ መጽሐፍ ካብ እቲ ናይ ሎሚ “ትግርኛ” ብብዙሕ መንገዲ “ኣዳማምጻን አጣቓቕማ ፊደል “ጽሕፈትን” ምስ ናይ ሎሚ ዘበናይ ትግርኛ ዘይጣዓዓም ብሙኻኑ ጥንታዊ ትግርኛ ንምንባብ ልምዲ ንዘይብልኩም ኣንበብቲ ንክጥዕመኩም ብዝብል ከይለወጥኩ ከምዝርዳኣኩም ገይረ ከቕርቦ እየ።

“ዶ/ር ፓስተር ዮሃንስ ኮልመዲን” ዝተብሃለ ወዲ ሽወደን  “ዛንታ ሀዘጋን ጸዓዘጋን” ኣብዝተብሃለ ካብ 16ከፍለ ዘመን-ክሳብ 19 ክ/ዘመን ታሪኽ ተጋሩን ኤርትራን ዝነበረ “ኩነታትን ውግእን፤ሐረግ ወለዶን” ብዝምልከት ብትግርኛ ዝጸሐፎ ዘገርም መጽሐፍ ከምቶም “ጋንታ ደቂ ሙሰሎኒ” ዝብልዎ ዓልየትና ጽሩይ፤ ወይ ንግሥና “ንግሥቲ ሳባ” ናትና ናይ ተጋሩ ጥራሕ ዝብልዎ “ሃተፍተፍ” ናቶም ታሪኽ ጥራሕ ከምዘይኮነ ንርኣይ።

ወዲ ንጉሥ ሰለሞን ካብ እስራል ሒዝዎም ዝመጸ 6 ትውልደ ዓልየተ እስራል ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተዘርኡ ይገልጽ። “ደቂ ሽዋ” “ዘእምነገደ ይሁዳ” እንዳበሉ ንግሥና ሰለሞን ናይ ተጋሩ እምበር ናይ ሽዋ ኣይኮነን “ሰሪቖሙና እዮም” እንዳበሉ “ኣትባን ደቂቀ ገብረኪዳን ደስታ” ኣብ ዝብል ኣብ ምስራሕ ዘለኹ ሓዲሽ መጽሐፈይ ብዝርዝር ዝግለጽ ይኵን እምበር ን “ኣትባን ደቂቀ ገብረኺዳን” ብዘገርም ታሪኻዊ ጽሑፍ ኮልመዲን ዝሃቦ ሰነድ “ንኤርትራዊያን ዓበይቲ ዓዲ” ሐቲቱ  ዝጸሐፎ ጥንታዊ ናይትግርኛ መጽሐፍ ብዘካየዶ ምርምር ካብ ንግሥቲ ማክዳ (ንግሥቲ አዜብ) እንትጅምር፤ ንወዳ “ንምለሊኽ” (በቲ ጊዜ ዝነበረ ትግርኛ ምለሊኽ ማለት  “ምንሊክ” ማለት እዩ። ምንሊክ ካብ ንጉሥ ሰለሞን ወለደቶ ይብል።

 ምስወለደቶ፤ ጎበዝ ኮይኑ “ወዲ ሰበይቲ” ኣቦኻ መን እዩ እንዳበሉ ቆሉዑ ኣኽሱም ስለዘጸገሙሉ፤ ኣቡኡ ንጉሥ ናይ እስራል ሙኻኑ ምስ ፈለጠ፤ ኣዲኡ ፈቒዳ፤ ምስ ወላዲኡ ንኽፋለጥ ናብ “እስራል” ምስ ከደ ምስቶም ጸገም ከይረክብ “ዓጅቡዎ” ኢሉ “ንጉሥ ሰለሞን” ዝሃቦም ካብ 6 ነገደ እስራል ዝውለዱ ደቂ ሌዊ (ሌዋዊያን) “ተማሳጢሩ” ታቦተ ሚካኤል ውሰድ ተባሂሉ ዝተፈቕደሉ ንሳ ገዲፉ ን“ጽላት” ዓልዒሉ ምስ ዓጀብቱ ናብ ሃገሩ ተመልሰ”።  ይብል።

እቶም “ዐበይቲ ዓዲ” ከምዚ እንትብል ናይ 300 ዓመት “ኣፋዊ ያታታት” ዝሰምዑዎን ዘንበቡዎን ከምዚ ይብሉ፡

“ንሕና ደቂ ሓማሴን ኣቦታትና ደቂ እስራል እዮም።

ምለሊኽ ግና ምስ ስድርኡ ናብዚ ወጸ። ሽዑ እቶም ደቂ ይሁዳ ምስ ቤተ መንግስቲ ንሸዋ አበሉ። ካብኦም ግና “ዛጓ” እተብሀለ ሐው ምለሊኽ ሐጸይ ሰለሙን ካብ ገረድ ንግስቲ አዜብ ዝተወለዶ አብ ላስታ ተረፈ። ደቂ ሌዊ ኸአ ዝበዝሑ ንተምቤን አበሉ።ገለ ኸአ ንሸዋ ሰዓቡ።

ደቂ ስምኦን ካአ ንሰለዋ ኸዱ። ደቂ ሮቤል ድማ ንቋራ፤ደቂ ሞሴፍ ከአ ናብ ዓጋመ ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ደቂ ሚናብ አብ ደምቢያ ሰፈሩ። ከመዚ ኢሎም አብዚ ምድሪ አትዮም ሰፈሩ። ካብኡ ክምኡ እናበሉ፤ እናበሉ፤እናበሉ በብቑሩብ አብ ኩሉ ምድሪ ኢትዮጵያ ፋሕ በሉ።”

“ ገለ ኸአ ከምዚ ዝበሉ አለው። ብጀካ እቶም ሽድሽተ ዘርኢ  ካልኦት አርባዕተ ደቂ ያዕቆብ፤ዳን፤ንፍታሌም፤ጋድ አሴር እተብሃሉ አብዚ ምድሪ አለው።(ገጽ 5 ዘንታ ሀዘጋን ጸዐዘጋን)።

እሞ መብዛሕትና ተጋሩ ሃይማኖትና “ኦርቶዶክስ ተዋህዶ” ኢና ንብል። ብተዋህዶ እምነት ዝተጽሐፉ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን መጽሐፍቲ ንቕበል ዲና ኣይንቕበልን? እንተዳአ ተቐቢልና ሸዋውያን (ነገደ አምሐራ) ካብ ተጋሩ ዝተፈልየ ታሪኽን፤ ዘርእን ሃይማኖትን ከምዘይብሎም “ሊቃውንቲ ቤተክህነትን” “ዓበይቲ  ዓዲን” ዝመስከሩዎ ሓቂ ሎሚ “ብኸመይ” ትግራይን አምሐራን እንዳበልና ኣብዘሕፍር “ሕምባጠ ጥልያን” ኣብ ጽልእን ውግእን ኣቲና ህዝቢ ነዋድእ ኣለና? እስኪ እዚኣ ምለሱለይ? እስኪ ታሪኽ ተጋሩ ካብ ዘርኢ ነገደ አምሐራ ዝፈልየኩም ነገር ንገሩና?

ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘይኮኑስ ኣብ ልዕሊ ሰገነት ኢትዮጵያ ኮፍ ኢሎም ዝነበሮም ንግሥናን ምቸታን ዘስዐቡዎ ጨካን ግዝኣትን ዘርኢ ምጽናትን ሃገር ብዘይ ባሕሪ ምዕጻውን ፤አፓርታይዳዊ ግዝአቶምን ንንሎሚ ከቕርቦ እየ ኢለ ዝነበርኩዎ ትሕዘቶ ኣብ ሳልሳይ 3ይ ክፍሊ ከቕርቦ እየ…….

3ይ ክፍሊ ይቕጽል……….

ወዳሓንኩም

ጌታቸው ረዳ

ETHIOPIAN SEMAY

 

 

 

ዋዕላ ጋንታ ሙሶሎኒ ሃገረ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ቀዳማይ ክፍሊ ETHIOPIAN SEMAY) 2/3/2022

 

ዋዕላ ጋንታ ሙሶሎኒ ሃገረ ትግራይ

ጌታቸው ረዳ

ቀዳማይ ክፍሊ 

ETHIOPIAN SEMAY)

2/2/2022

ኣብ ዝሐለፈ ቅንያት ብተጋሩ ዝተዘርገሑ “ትግራይ” ኢትዮጵያዊት ኣይኮነትን፤ ውዕሎ ዶጋሊን፤ ሳሓቲን ፤ ጉንደትን፤ማይጨውን፤ ዓድዋን ውዕሎ ተጋሩ እምበር ውዕሎ ካልኦት ኣይኮነን ዝብል ብሰፊሑ "እንተንፈ" ርኢና ቀኒና ኢና። ንገሊኡ መልሲ ሂበሉ እየ ንገሊኡ ድማ ብይውጋሕ ኣጽኒሐዮ ነይረ። ሎሞ ፍልይ ዝበለ ርዕሲ ሒዘ’ለኹ።

 ሥልጣነ 'ታሪኽ አኽሱም' ብሕታዊ  ናይ ተጋሩ ውዕሎ እምበር ታሪኽ ኢትዮጵያዊያን ኣይኮነን ብምባል ከም ሓቂ ተገይሩ መብዛሕቶም ተጋሩ ዝተቐበሉዎ “ብመጭበርበሪ ኵሕሊ ዝተዅሓለ” ፈጠራ/ምህዞ/ ከምዝኾነ ብታሪኻዊ መረዳእታ ብቐሊሉ ዝፈርስ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ሰሪሐሉ እየ። ለሚ ድም ክንትንክፎ ኢና።

 ነዚ ሕሶት እዚ መንቀሊ ገይሮም ቀደም “ሃገር” ነይርና ሕዚ’ውን ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተፈንጪላ “ጠስምን ማዓርን” እትዕንግለና ርግኣት ዘለዋ “ቅሳነታዊት ትግራይ” ክንምስርት ኢና ኢሎም ዝተበገሱ ኣብ ከተማ መቐለ  “ዋዕላ ሸፋቱ” ዝመርሑዎ  “ብጽልኣት ኣምሓራን ኢትዮጵያን ዝሰኸሩ “ዑሱባት ጥልያን” ሓደ “መሐሪ ዱቸ” (መሐሪ ዮሐንስ)  እዩ።

እዚ ሑሙም እዚ ብዓርሰ ቅልውላው ሕማም ዝሳቐይ ከምምኻኑ ካብ’ቶም ዝዛረቦም መርዛም፤ ዘይጥቁዊ “ዘረባ ዕዋሉ” ምርዳእ ይካአል።

 ንሱን ጋንትኡን ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝሕምትልዎ ዝነበሩ “ባዕዳዊ ገዛኢ” ኢሎም ዝሰመይዎ ማሕበረሰብ ድማ “ማሕበረሰብ አምሓራ” እዩ። እዚ ማሕበረሰብ እዚ “ኣያታት መሐሪ” ናብ ሥልጣን ምስደየቡ ኣብ ኢትዮጵያ “ስርዓት ኣፓርታይድ” ዘርጊሖም  ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ “ብርሰት፤ቅትለት፤እስራት፤ሞት፤፤ክትራን፤ስደትን፤ዘርኢ-ምጽናትን፤ሓሳረ መካራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ፈጺሞም እዮም”።

ኣያታቱ እዚኹሉ ወንጀል ፈጺሞም እንተብቅዑ- ህዝቢ ኢትዮጵያ “ጡፍ” ኢሉ “ኣዋሪዱ” ካብ መንበሮም ምስኣውረዶም ብግብሮም ኣይተናስሑን። እኳዳኣ መሊሶም ንህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ብርሰትን ሞትን ወግእን ንጥምየትን ንመከራን ዳሪገሞ።

 ን27 ዓመት ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ “ጣሊያናዊ ጸሊም” መግዛእቲ ገዚኦም እንተብቅዑ “ንምንታይ ሥልጣን ተመንዛዕና” ብዝብል “ሱሱዕ” ባህረ ተበጊሶም  ናብ መቐለ ሓዲሞም ኢትዮጵያ “ንሕና ተዘይገዚእናያን ሰሪቕናያን ትበተን” ኢሎም ብጋህዲ ኣዊጆም እንደገና ብደቆም ብእኒ “መሓሪ ዱቼ” ኣቢሎም ሃገር ከፍርሱ ላሕ ይብሉ ኣለው።

እቲ ዘገርም ነዚ ጋንታ እዚ ዘዳምቑሎም ድማ እንመን እዮም? እንተተብሃለ ኣብ ከባቢ ጉምዝ ዝርከቡ “ስጋ ኣምሓራ” ጡዑም እዩ ኢሎም ቀቲሎም ጠቢሶም “ሰብ ስጋ” ዝበልዑ “ሑንጉጋይ” ዝኾኑ “ጋንታ አራዊት”ን ከምኡድማ 

 “ነብሰጹራት ብዱዉለን ከብደን ብሳንጃ ቀዲዶም ፣ እተን ነብሰጹራት ምስ ሞታ ነቲ ጽንሲ “ሽል” ኣብ ኣፈን ወቲፈሞ ዝኸዱ “ኦነግ” ዝባሃሉ ጋንታ ኦሮሞን፤

ብወገን ኤርትራ ድማ "ከኒና" ዝውሕጣ “ኣብ ወጻእ ዝዓበዳ” ዓለም ሙሉእ እንዳራአየን “ልኻይ ጠስሚ” እንዳላሓሳ ኣብ “መስቲያት-ዩቱብ” ቀሪበን “ትግራይ ትዕወት” ዝብላ ተሓኪመን ዘይሓወያ ኤርትራዊያን ኢና ዝብላ “ሰብኡት ዝሳአና” ባዝራታት አለዎኦም።

እቶም ካልኦት ድማ  ን ኢሳያስ አፈወርቂ ከነሰኩን ኢና ኢሎም “ብራዲዮን ብቲቪን” ዝዝርግህሑዎ መናፈሕ ፍረ ምስ ሳአኑሉ፤ ኵናት ዕዳጋ ዝሕልሕል ዝበሎም “ዝጠልዑ” ፤  ኵናት ትግራይ "በበይ መጸትልና" ኢሎም ተሓጚሶም ኤርትራዊያን ኢና ክብሉ ጸኒሖም “ተጋሩ ኢና” ኢሎም “ኦርቶዶክሲያዊት አጋአዝያን ትግራይ ትግርኚ” እንዳበሉ፤ ሞራሎም ዝዓነወ “ሓርበኛ ምፍጣር ምስኣበዮም” ባንዴራ ወያነ እንዳሳዓሙ ኣብ እግሪ ወያነ ዝወደቑ “ኤርትራዊያን  ነበር” (ናትናኤል አስመላሽ “ኣርቲፊሻል ተገሩ ዝብሎም) ኤርትራዊያን ኣለውዎም።

ዋዕላ ጋንታ ሙሶሎኒ ሃገረ ትግራይ ብወገኖም ኣብ ከተማ መቐለ “ዕስለ ኣጋአዚያን” ኣኪቦም ሕዝቢ ኣምሓራ ኣብ ኢትዮጵያ ‘ንዘበናት ገዚኡና እዩ’ እንዳበሉ ኣብ’ቲ ኣዳራሽ መቐለ እንትሕስው ብቪዲዮ ሰሚዕና ኢና።

 እታ “መግዛእቲ” እትብል ቃል ካብ “ኤርትራዊያን” ተለቂሖም ተጋሩ እውን ቃል ብቓል ኮሪጆም ከም “ሃገረ ኤርትራ” ክንክውን “ሃገር ትግራይ” ኢሎም ሰምዮም ከም ምራኽ ካብ ኤርትራ ክጠቡ ንርእዮም ኣለና።

እታ ምጥዋብ ትካአል እያ፤ ግና ኤርትራኸ ካብ ስም ንላዕሊ እንታይ ረኸበት? ኢሎም ኣይመርመሩን።

ኣብ “ጎቦታት ሳሕልን” ኣብ “ወጻእን” ኮይኖም “አምሓራ” ካብ ሃገርና ሰጚጉና’’ ግና ግን “ተጋዲልና አምሓራ ካብ ኤርትራ ምስ ሰጎጉናዮ” ኣብ “ኮምቢሽታቶ “ፈጣዕ”  ኢልና ክንላሃይ ”ኢና“ ኢሎም ዝዝርጉሑዎ ዝነበሩ “ፊክቲሸስ ፈስቲቫል“፤ ኣምሓራ ዝባሃል (አምሓራ ዝባሃል ነይሩ ኢልና ንቀበሎም እሞ) ምስተሰጎገን “ሃገረ ኤርትራ ምስተግሃደት” “ወያ ኣብ ኮምቢሽታቶ ፈጣዕ” ከንብል ኢና ዝተብሃለላ "ሕልሚ" ናብ “ስደት፤ናብ ሞት፤ናብ ምቕጥቃጥ ፤ናብ ልቕሶ፤ ናብ ብኽያት፤ ናብ ብርሰት፤ናብ ንዴት ፤ ናብ ውርደት፤ጥምየትን፤ ወያ ኤርትራ ናብ “ሃገረ ማእሰርቲ” ተቐይራ “ዋይ ዋይ” ጃንሆይ! በበይ ዕድልና” “ዋይ ደርጊ ምሓሸና ተባሂሉ።

እቶም ካብ ማህጸን ትግራይ ዝቦቖሉ “ቅዳሕ ሞሶለኒ” ድማ “ኣያታቶም” ኣብ ስልጣን ደይቦም ካብ ካልኦት ነገዳት ብዝኸፍአ መንገዲ ን27 ዓመት ከጥፍኡዎ ላሕ ኢሎም “ምውዳእ ዝኣበዮም ህዝቢ ኣምሓራ" እዞም “ሑንጉጉ ትግራይ”  ካብ ስልጣን ምስተፈንቀሉ ካብ መግዛእቲ ኣምሓራ ክንናገፍ  “ሃገረ ትግራይ” ምምስራት ተበጊስና ኣለና ዝብሉ ዘለው፤ ኣብ መወዳእታ “እንተዳ” ጋህዲ ኮይና "ሃገረ ጠስሚን ማዓርን እተዕንግል ትግራይ ዘይኮነት እትፍጠር “ ሃገረ ሕንፍሽፍሽ፤ ስደት፤ ጥምየት፤ ቅትለት ማእሰርቲን ውርደትን፤ሓፍረትን፤ጛህን ጣዕሳን” ዝተግሃደላ “ሕንፍሽቲ ትግራይ” ከምትሃጋድ ነግ ፈረግ ዘየብል ሓቂ እዩ።

መጀመርታ ነገር ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍንጫል ምሕሳብ ንባዕሉ ሰብ ከውድኡ ተዘይኮይኖም ናይ ታሪኽ መሰረት የብሎምን።  

እዞም “ጋንታ ቅዳሕ ሞሶለኒ” ኮነ ኢሎም ታሪኽ ኣኽሱም ታሪኽ ኢትዮጵያ ሙኻኑ እንዳፈለጡ ትግራይ “ሃገር ናይራ” መንግሥትን ሥልጣነ ኣኽሱም ናይ ተጋሩ ጥራሕ እምበር ናይ ማንም ኣይኮነን፤ ስለዚ ሰብ ዋናታት ንሕና ኢና’ እንዳበሉ ብዘይነበረ ብዘየተጽሓፈ ታሪኽ ነበረያ ነበረ “እንዳቖዘሙ ንኻልኦት ቆዛሞት ከቖዝሙ ንርእዮም ፤ንሰምዖም ኣለና”።

እዚ ሕሶት እዚ መበገሲኡ መሰረቱ “ጥልያን” እዩ። ጥልያን ንኤርትራዊያን ሕሶትን ሓዲሽ ስምን ምስሃቦም ብሕሶት ጸዲፎም። እቶም ኤርትራዊያን ድማ ነቶም እኒ “መሐሪ ዱቼ” ኣያታትና ንዝብሉዎም ኣያታቶም ሕሶት አምሂረሞም። እዞም “ቅዳሕ ጋንታ ደቂ ሙሰለኒ” ድማ ካብ’ቶም “አያታትና” ዝብሉዎም “ሕሶት” ቀዲሖምን አራጚዶምን “እነሆ ታሪኽ ኣኽሱም ወነንቱ “ተጋሩ” እዮም” ስለዚ ‘ሃገረ ትግራይ’ ምምስራት ንኽእል ኢና ፤ይብሉ ኣለው።ኣኽሱም ናይ ተጋሩ ብሕታዊ ውዕሎ ኣይነበረን፤አይተጽሐፈን።

ኣኽሱም ወይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰማይ ከም ደበና እዝጊ “ናብ ጎቦታትን ሜዳታትን ትግራይ ሸሪቡ ኣንጠብጢቡ ዝተዘርአ ህዝቢ ኣይኮነን”: ከም ፍጥረት ከም ካልእ ህዝቢ ምስከባቢታቱን ምስ ሩሑቕ ምስ ዘለው ኣህዛብን ተዳቒሉ እንዳተባዘሐ ዝመጸ  ብሕጊ ፍጥረት “ብዝሁ ተባዝሁ ለመሬት ምልኡዋ” ከምቲዝተብሃለ ፤ ተጋሩ እውን ምስ ኣማኣት  ሚልዮን ዝተፋላለዩ ዘርኢ ተዳቒሎም ዝተፈጥሩ እምበር “ተጋሩ” ዝባሃሉ ካብ ላዕላይ ሰማይ ዝተልኣኹ “ዘይተዳቐሉ” “ፍጡራን” አይኮኑን።

ኡርክ፣ ሜሶፖታሚያ፣ ኢያሪኮ፣ ግሪኮ ሮማን፣ ባቢሎን፣ ሮም፣ አቴንስን ካልኦትን ብዙሓት ኣብ’ቲ ዘበን ዝነበራ ከተማታት ካብ ዝተፈላለዩ  ዓልየታት (ከም’ቲ ኢዛና ዝጸሐፎም ዝተፈላለዩ ዓልየታትን) ባህልን፤ ቋንቋን ዝዛረቡ ማሕበረሰባት መንበሪትን መታሓላለፊት ( “ማዕከል” ዝነበረት እምበር “ትግራይ” እትብሃል ተቐሪጻ( ተኸርኪማ ) ካብ ፈጣሪ ዝነጠበት ዝተፈለየት መሬት ኣይኮነትን።

እኳ ዳኣ ህዝቢ ኣገው፤ዓፋር፤ቤጃ፤ሕዝቢ የመን፤ሓበሻ፤… ናይ ኣኽሱም ስልጣኔ ቀዳሞት  ተሳተፍቲ ከምዝነበሩ እቶም ነገሥታት ጽሒፎም ገዲፎምልና እዮም።

ተጋሩ ብሕታዊ ወነንቲ ኣኽሱም ክኾኑ ፈጺሞም ብታሪኽን ብስነፍጥረትን ዝድገፍ ኣይኮነን። ግዝኣት ኣኽሱም “ውጽኢት ናይ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ እምበር ናይ ተጋሩ ጥራሕ ኣይኮነትን። ከተማ ኣኽሱም ኣብ ከባቢኣ ንዝረከቡ ኣካል ምምሕዳር ዝካየደላ መናገሻ ከተማ ነይራ። ካብ ከተማ ኣኽሱም  ወጻእ ኣብ ካልእ ከተማታት መናገሻ ገይሮም አውን የማሕድሩ ነይሮም። ነበርታ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊያንን ካልእ ሃገራትን ከባቢታትን ዝመጹ እዮም። እንኳይ ዶ ሽዑ ሎሚ’ውን ኣብ ትግራይ እቲ ስዕሊ ምርኣይ ይካአል እዩ።

ሐበሻ ኢልና እንጽዋዕ ጸለመቲን ከደረቶትስ ግደፉዎ “ጻዓዱን/ሮማዊያን” “አይሁድን” “ዓዕራብን” ፤ “ግሪኻዊያን” ህንዳዊያን፤ሶሪያዊያን…መንበሪት እያ ነይራ። ሓደ ህዝቢ እቲ ሕዚ ሒዝዎ ዘሎ ከባቢ ይነብረሉ ስለዘሎ ካብ መቦቆሉ ናቱ እዩ ነይሩ ክባሃል ኣይካአልን። ኦሮሞ ኣብ መበል 16ክ/ዘመን ካብ ጫፍ ባሌ ተበጊሶም ዘበን ምስተቐየረ፤ ዳሓር መጺኦም ክሳብ መሬት ትግራይ መጺኦም፤ ሎሚ “ራያ” ኢሎም ስም ሂበሞ ይነብሩ ኣለው። ክሳብ ወሎ ከምኡ ፤ክሳብ ጎጃም፤ ከምኡ ጎንደር፤ ክሳብ ሽዋ ወሪሮም “መሬት አሮሞ” ገይረሞ። ገጠራትን ከተማታትን ጎቦታትን ሩባታትን አስማት ኦሮሞ ሰምዮም ከም “ኦርጋኒክ” መበቆሎም ከም ናቶም ገይሮም “ናትና እዩ” ክብሉ ንርዒን ኦሮምኛ ዝዛረቡ’ውን ኣብቲ ዝወረሩዎ ከባቢ ይነብሩሉ ኣለው እዮም። ኣኽሱም እውን ታሪኽ ታገሩን ካብዚ ታሪኽ እዚ ንበይኖም ፍሉያት ኣይኮኑን።

ካልእስ ግደፉዎ፤ በቲ ጊዜ ዝነበሩ ነገሥታት ናብ ሩሑቕን ቀረባን ከባቢታት እንዳመረሹ “ብኣሻሓት ሚኢታት” ዝቑጸሩ ዝተፈላለዩ ናይ ሩሑቕን ቀረባን ሙሩኻት ምስ እታ ኣኽሱም እትብሃል ግዝኣት ሓዊሶም “ንብረት ሰሪቶም ግራትን ንግድን እንዳካየዱ  ምስቲ ህዝቢ ተዳቒሎም ከምዝገበረ ኢዛና ኮነ ሃጻኒ ዳኒኤልን ካልኦትን ጽሑፍ ገዲፎሙልና እዮም። ን ሽዋን ንመሬት ወላይታን ዝኸዱ ተጋሩ ሎሚ ተዳቒሎም ኣለው።ደቆም ደቂ ደቆም ትሕተ ደቂ ደቆምን  ትግራይ ኢና ኣይክብሉን።

ኣብየት! መመርመሪ ደም (ላብራቶሪ) ኣዳሊኻ  "ሙሉእ ትግራይ ደምካ ተመርመርመር ተዝባሃል" እኮ “አብየተ! አብየት! ገሌና ንሶርያ፤ገሌና ንቤጃ፤ገሌና ንእስራል’ ንግብጺ፤ገሌና ንግሪኽ፤ ገሌና ንሮም፤ ገሌና ናብ ህንዲ ገሌና ናብ ፐርሺያ፤ቱርኪ፤ ዳርፎር፤ ቱኽሪር፤ገሌና  ናይ የመን፤ ገሌና ናይ ሳዑዲ………………. ገሌና……..…ዓልየት እገለ ኣለካ ምስተባሃልና።

“ብዘርኢ ጽርየት” ዝዓበደ "ፉልሖ ዝበልዖ"  ‘ጋንታ ጽርይርይ’ ግና ከም ደቂ ሂትለር “ብጽርየት ዘርኢ” ስለዝምድር “ሕጊ ዘፍጥረት” ኣይርደኦን ።

ካብ’ዚ ድንቁርና ፅርየት ዝተበገሰ እዮም ንገሌና “ኣኢዱግ” ንገሌና ድማ “ዓጋመ” ንገሌና “ኡንጉይ” ንገሊኦም ድማ “ሚያው” ምርር እንተይሉዎም እውን “ቆርጫጭ” እንዳተባሃሃልና “ኵሩምራም ጽርየት” ክንኣሪ እንራአይ ዘለና። እታ ሓቂ ግን መን ሙኻኖም ይፈልጡዋ እዮም።

ኣኽሱመታይ “ሱቕ ጡዑም” ዝሽሙ መማልከቻ ጻሓፊ እዩ።ብዕድመ ካባና ዝዓበየ ኮይኑ ጽሕፈተይ ስለዝንእዶ ግና ብዙሕ ቅርርብ ነይሩና። “ሱቕ ጡዑም” ተወላዳይ ዝባሃሉ ዝተወልደ እዩ። ግን ጸሊም እዩ። ከም እኒ “መሓሪ ዱቸ” ዝበሉ “ጋንታ ጽርይርይ” በቲ እዋን እቲ እውን ስለዝነበሩ፤ “ሱቕ ጡዑም” ብመንገዲ እንትሓልፍ ዝራኣይዎ ሉኹፋት “ርእሶም ዘሳሔዮም ኣምሲሎም “ጨጉሮም እንዳሓምተሉ” ( እንዳፋሓሱ) ክመዝርእዮም ገይሮም ዓው ኢሎም “እሕሕ!!” ይብሉዎ ፤

ሱቕ ጡዑም ድማ

ክትንክፍዎ ከምዝደለዩ ስለዝፈልጦም;

“እሕሕ!!- ሱቕ ጡዑም” ኢሉ ንሱ’ውን “ድርብይ” አቢልሎም መንገዱ ይቕጽል ከምዝነበረ እዝክር። ሱቕ ጡዑም ወላዲኡ እዮም አውጺኦሙሉ። ሎሚ ድማ ዝገደደ “ጋንታ ሙሰሎኒ” እታ  አኽሱም እትባሃል ብጀካ ተጋሩ ምስ ካልኦት ኣይተዳቐልናን ክብሉ ንሰምዕ ኣለና።

ኣኽሱም እኮ እታ ናይ ሎሚ ኤርትራ እትበሃል ዘላ ገምገም ቀይሕ ባሕሪን ዓረባዊ ልሳነ ምድርታትን ሶማሊያን ዝሓቖፈ ምምሕዳር ዝነበሮ ገፊሕ ግዝኣት እዩ።ብየናይ ታሪኽ “ስልጣነ አኽሱም” ናይ ተጋሩ ጥራሕ  እዩ ነይሩ ክባሃል ይካአል? ከመይዝበለ መሕፈሪ፤ ሱሰሱዕ ኮዳምነትን ድንቁርናን ዝዓሰሎ ሓዲሽ ወለዶ ብኸመይ ሎሚ ኣብ ከርሲ ትግራይ ክቦቁል ካአለ?!

ያውም እኮ ብሔረሰብ ቤጃ ነበርቲ ኣኽሱምን ከባቢኣን ምንባሮም ተጋሩ አይፈልጡን (ወይ ክፍልጡዎ ኣይደልዩን- “ክዛረቡላ ዘይደልዩ ምኽንያት ድማ ኣለዎም)። እቲ ዘገርም ነገር “ተጋሩ” “ትግራይ” ዝባሃል ስም ብዘበነ ኣኽሱም  አይሰማዕናን።

 ትግረ ዝብል ኣሎ ንሶም ድማ “ቤጃ” እዮም። ተጋሩ ቤጃ ዝባሃሉ ዓልየታት ናብ ኣኽሱም መጺኦም ንግሥና ሒዞም ከምዘማሓደሩ ዝፍለጥ እዩ።ቤጃዊያን ንነገሥታ አኽሱም ኣሕዲሞም 300 ዓመት ምስ’ቲ ናባሪ ተዳቒሎም መስነበሩ “ትግራይ” “ትግሬ” “ትግርኛ” ዝባሃል ቋንቋን ስምን ናብ መድረኽ ተጋሂዱ። እዚ ብኸመይ ኮነ? ዝብል ተጋሩ ክምልስዎ ሕዚ’ውን “ቤት ዕዮ” እህበኩም ኣለኹ። ሃየ!!

ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘይኮኑስ ኣብ ልዕሊ ሰገነት ኢትዮጵያ ኮፍ ኢሎም ዝነበሮም ንግሥናን ምቸታን ዘስዐቡዎ ጨካን ግዝኣትን ዘርኢ ምጽናትን ሃገር ብዘይ ባሕሪ ምዕጻውን ፤አፓርታይዳዊ ግዝአቶምን ንርኣይ፤………….

 ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ንራኸብ ……….

ጌታቸው ረዳ (ኢትዮ ሰማይ-ETHIOPIAN SEMAY)