Monday, March 24, 2008

You can find a spare for an old garment, but never a spare for a coutry!


ቅያር ክዳን እምበር ቅያር ሃገር የለን!
(ቁሩብ ዶ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ክንዛራረብ?)

ኣብዘለኹሞ’ሊኹም ሰላምታና ይብጻሕኩም። ሎሚ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ቁሩብ ሃሰሰስ ክንበል’ሞ ዓርሰነትና ክንፈትሽ። ብዛዕባና ንዛራረብ ክብል ከለኹ<ትግራዋይነት ድዩ ዝፍልም ወይስ ኢትዮያዊነት> ፤ <ደርሆ ድዩ “ቦኹሪ” ወይስ እንቁላሊሕ? > ናብ ዝብል ከም “ሰንቲ - ኣሸንዳ> ናብ “ምጭዳድ ጨጉሪ” ኣይንኣቱን። ስለምንታይ ከምዚ ዝዓይነቱ ሞጎተ ንቤት ትምህርቲ “ንኣካዳሚ ተምሃሮ” ንግደፎሞ ፤ አቲ ኣብ ቅድሜና ኮፍ ኢሉ ዝራኣይ ዘሎ ካባና ካብ ነነብስወከፍና ዝኣከብናዮ ናይ ስንፍናና <ኩምራ /accumulation> ጎዲፍ ቀዳምነት ሂብና እቲ ከይንሰምር ፤ እሂን ምሂን ከይንባሃሃል “ከዉሊ” (ሓበላ) ኮይኑ ዝኽዉለና ዘሎ ስንፍናና ንዛራረብ።

ብዛዕባ እንታይ’ና ንዛራረብ ዘለና? ስለምንታይከ ምዝርራብ ኣደላይ ኮይኑ? ከምቲ ዓንተዎይ ዝበለኩኹም፤ ንሕና ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያዉያን እንዳበልና በብዝጥዕመና ኣጻዋዋዓ ንባዕልና እንተጸዋዕና፤ ዘንዉር የበሉን። ስለዚ ንሕና “ተጋሩ” ወይ ንሕና “ኢትዮጵያወያን” ኢለ እንትረቁሕ ወይ ፈሊና እንትንዛረብ ንመን ንዛረብ ከምዘለና ክጥዕመና መመልከታይ ኮይኑ ስለዝረድእ ክጥቀመሉ እየ። እዚ መድረኽ’ዚ ንኹሉ <ዋላ ንሳዓብቲ ወያነ-ትግራይ(ዉድብ መለስ-ስብሓት) እዉን ነጻ ምይይጥኩም ክትህቡ ኩፉት ስለዝኾነ -አእሙኑና ወይ ክነእምነኩም ሃየ!!) ነዛራረብ። ናብቲ ዋና ዛዕባና ንእቶ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንነዊሕ ዘበን መስተነክራት እነዳሰርሐት ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ። ደቃ’ዉን ኮሪዕና “ደቂ ኣበይ ኢኹም? እንትብሉና፤ <ደቂ ኢትዮጵያ> ንብል (ደቂ’ታ ብሕማቕን ብጽቡቕን እትልለ!)
እታ ሃገርና ኢልና እንጽዋዓ ሃገርና - “ሓጎታትና” (ወለዲና ኣቦታትን ኣዴታትን) ብደም፤ብራሃጽ፤ብሸቓሎት ብዉርደት፡ ኮታ ብኽንደይ ጸበባ እዮም ሃኒጾም ኣረኪቦሙና። ጂኦግራፊያዊ ዝርጋሐ መሬት ሃገርና፤ ከምታ ዘረከቡና ዶ’ላ? ባህልናኽ ኣሎዶ ተለዊጡ? አቲ ዘረከቡና ምትሕግጋዝ፣ እህን ምህን ባህሊና ፡ ካልእ ቀርዩ፡ እቲ <ሓቦ> ምሳና አሎ’ዶ? ወየንቲ እወ ምሳና’ኣሎ የብሉና’ለዉ (ብደርፎም)፤ እንተዳኣ እቲ ሓቦ ኣቦቱኡ ሃልዩ፣ ስለምነታይ ዳኣ ንሕና ብኣንጻር ወያነ ደዉ ዝበልና ተጋሩ ሓድነትና ከምትጉቡኡ ኣቦቱኡ ዘየለ? ክምርመር ዝግባእ ነገር ይመስለኒ!

እወ፤ ዘበን ተቐይሩ’ዩ!! ኢቲ ዘበን ንምንታይ ተቐይሩ? ዘበናት ናቶም ፈለግ ሂዞም ምምሐዳር፡ ኣናባብራ ክቕይሩ ናይ ግድን’ዩ። ዘይልወጥ <ሬሳ> ጥራሕ እዩ/ ህይወት ዘይብሉ! ካብ ህልዊ ናብ ዘይምህላዉ።ኮይኑ’ግና ኩሉ ነገር ኣይቕየርን። ክቕየሩ ዘይበሎም “ሀግጋት ኣለዉ። ”ባህላዊን ጉዳይ ሉኣላዊነትን”! ኣብ ጊዜ ማሕበራዊ ለዉጢ ካበቶም ብዕቱብ ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝገባእ ነገራት እዮም ።

ሎሚ ሃገርና ኣ’ምንታይ ትረከብ? መሰረት ዘለዎ ዓንዲ ሕቶ እዩ። እታ ሃገር ኣብ ምንጋጋ ዉድብ “ወያነ ትግራይ” ኣትያ ካብ ብተሪር እትንከስ ደጊም 17 ዓመት ኮየኑዋ’ሎ። ኣብ ዓሰርተ 17 ዓመት በዙሕ ካብ ሰብኣዊ ግህሰት ጀሚርካ ክሳብ ባዓልቲ ገምገም ባሕሪ (ወደባት) ዝነበረት ሃገር ከልኤቱ ወደባታታ ክትምንጠል ተገይሩ’ዩ።መራሕቲ ወያነ ሀገራዊ ክድዓት ወንጀል ፈጺሞም እዮም!! ወያነ ዉድብ’ዩ።<ሳኣን> ተሪር ድምጺ ሓድነትን፤ ፖለቲካዊን ፡ በርገስ (ስቪክ) ማሕበራትን ፡ ሎሚ ብጽንዓት ዝጋታገቶ ስኢኑ ካብ ምሽዳን ሓሊፉ <ወያነ ትግራይ> ናብ <መለኮትነት> ተለዊጡ ዝኣርሞን <ያእ! ሕማቅ ግብሪ ትፍጽም’ለኻ!> ኢሉ ክእርሞ ዝፍትን ትግራዋይ፡ ከም ደመኛ መዲቡ ፍጹም አብዘይገባእ <ሕሪካ> ኣእትዩና እነሆ ኣብ’ዚ ሕዚ ዘለናዮ ኩነት ንረከብ።

ገምገም ባሕሪ ወደባታታ ኣስኢኑዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም <እተን ኣባጊዔይ ሓሉወን ተባሂሉ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ዝተዉሃቦ ሃዋረያ ጴጥሮስ> ገይሩ ነባዕሉ ስለ ዝሸመ፤ ብዛዕባ ተጋሩ አሕዋተናን ወለድናን መነባብሮን መሰላቶምን ኣየእትወኩምን <ናዓይ ጥራሕ ግደፉለይ ክዉንኖም> ይብለና’ሎ። “ካሊእስ ይትረፍ” ናይ ዉልቀ ዉድብ (ድረጅት) ባንዴራ’ዉን ብዘይ ሕጋዊ አግባብ ብብረት ዕንትርና ተመኪሑ “ቅዳሕ” ኮሚኒሰታዊት “ባንዴራ ቻይና” ቀዲሑ ናይ ህዘቢ ትግራይ ባንዴራ ኢሉ ብኣርማነት ካብ ምሰቃል ጀሚሩ ክሰብ ህዘቢ አትዮጵያ በብ ዓልየትኩም “ብቜንቜ” ተሰርዑ ኢሉ፡ ብሄረሰባት ነናቶም ኣጉዶ ሒዞም ዘይነበረ፤ዘይተገብረ <ዘየድሊ> ባንዴራታት ክተኸሉን ከምልኹን ገይሩ ሓደሽቲ ዓይነት ባንዴራታት ኣምሂዙ ክዉኩሉዎም ብምትግባር ባዕዳዊያን ዝማዓዱዎ ዑሱብ ስራሕቱን ኮሚኒሰታዊ መደቡን ብግብሪ ይፍጽም ኣሎ። እታ ክብርቲ ኣርማ ንጉስ ኣመደጽዮን ሒዞማ ፎቖዶ ጎቦታት ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተኽሉዋ ዝነበሩ <ቆጻል፤ቀያሕ፤ብጫ> ባንዴራና ከም’ትስነግ ቀስ በቐስ በቲ ሓዱሽ ወለዶ ንክትፍንፈንን ንከየትፍለጥን ይጽዕር ኣሎ።ቅድሚ ምኒሊክ ኢትኦጵያ እትባሃል ሃገር ኣይነበረትን ዝበል ዑሱብ ክሕደቱን፤ ባንዴራና’ዉን <ብጣቕ - ጨርቂ> ብምባል ጸረ-ኢትዮጰያ ደዉቱዑ ጋህዲ ገየሩልና እዩ። ናይ ዑሱብነት ተርጉም ካብዚ ንንየ ደሊኻ ኣይርከብን!!!

ኣህዛብ ነንሕድሕዶም ኣባሊዑዎም (ማስረጃ ኣለና!)፤ ብዙሓት ተጋሩ (ቁጽሮም ዘይናዓቕ) ብርክት ዝበሉ ኣሕዋትና’ዉን ኣንጻር “ኣምሓሩ” ኣራኣእያ ክሓድሮም ወያነ ዘይገበሮ የለን። ንሕና ከምተጋሩ መጠን ን ፋሽታዊ ዑሱብ ዉድብ ወያነ ስለዝተቓወምና ፤ብዘስደምም <ሂትለራዊ> ባህረታቶምን መትከሎምን ትግራዋይነትና ክግህሱዎ ዘይገበሩዎን <ብኤልክትሮኒክ ኢመይል> ኣምሓሩ ኢኹም፤<ሽዋዉያን ተጋሩ ኢኹም>፤ እንዳበሉ ዘይተዛረቡዎ “ግስሩጥ” ናይ በረኻ ኣንደበት ኣይነበረን።ዱሑር ሂትለራዊ ጎጣይነቶም እንትንዕዘብ፤ ክሳብ ከንደየናይ ከም’ተጫማለቑ ዘህዝን እዩ። መን ትግራዋይ መን ዘይተግራዋይ <ብመጻረያ ክፍሊ ደም መርመራ ወያነ > ዋሃባይን ከላኣይን መን ከምዝገበሮም ይገርመና’ሎ። አቲ ፋሽታዊ ጎጣይነቱ ድማ ፍትሒ ምስሰፈነ ክሕተተሉ ሙኻኑ ድማ ክበርሃሉ ይግባእ። መገዲ ሂትለር ንሂተለር ንባዕሉዉን ኣይራሃዎን!ሽዑ መን ትግራዋይ መንከ ዘይትግራዋይ ክሙጉተና ነሰምዖ! <ዓሻስያ ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቡኽራ ትናፈስ>!

ሕማም “ለበዳ” ጎጣይነት ንተጋሩ ኣይለበደናን አይትበሉ ! ኩሉ ትግራዋይ ጎጣይ እዩ ኣብዝበል ሙጉት ተዘይኣተናዉን (እቲ ገርሂ “ሃገረስብ” ገዲፈና) ኣብከተማ ኣብ ዓዲ፤ ኣብ ወጻእ’ዉን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ተጋሩ <ብጉህዶን> <ብዉሸጦም ኣንጻር ኣምሓራ ሑቡእ ስምዒት> “ዝደጕሒ” ከምዘለዉ ከነስተብህል ይግባእ። እቶም ብርክት ዝበሉ ቁጽሮም ደገፍቲ ወያነ እዮም።እቶም ዝቐረዩድማ፤ ካብ ኣባላት ወያነ ዝነበሩ ሎሚ ንወያነ ዝቃወሙን፤ ከምኡዉን ደወታኦም ዘየነጸሩ ኣብ መንገዲ ዝታዓነዱ ገለ ካብቶም ሙሁራት ተጋሩ እዮም። ጽርየትና (ደዉታና) ካብ ወየነ ዝተፈለየ እዩ እነተዳአ ንብል ኮይንና ፡ካብ ጎጣይ ባህርያት ምድጓሕ ክንርሕቕ’ለና። ኩላህና ተጋሩ ስለዝኾንና እቲ ዝዓበናሉ እተወለድናሉ ማሕበረስብ ትግራይ <መስራታይ> መስፍናዊ ስርዓት ከም’ሙኳኑ፡”መስፍናዊ ማሕበረ ሰልፍታትናን ”መዉሱቦታትናን ማህበራዊ ርክብናን ባህረታትና’ዉን ከመይ ይመስል ፡ “መን መን “ሙኻኑ እንፋለጥን፤ እንታይ ይመስልን ኣጸቢቕና ስለ’ንፈልጦ ፣ነነራእስትና <ኩኩ -ዕንዱቡ> እነዳተጻወትና ድነቁርናና ኣይንድጓሕ።

ወያነ ጸረ- ሀዘቢን ሀገርን እዩ ዝብል ደዉታ እንተዳኣ ሃሊዉና፣ ንወያነ ስለምንታይ ንጽመሞ ኣለና? መርገጺና ዓዉ ኢልና ዘይንጋልሆ እንታይ እዩ’ቲ ዑጉመጉም ፤ ሰንከልከል፡ ዝበለ ቃልሲ እንገብሮ ዘለና? ኣረጋዊ በርሄ አብ ኣዉሮጳ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ኮይኑ <ወየነ ንደገፍቱ ጥራሕ> ብሚሽጥር ንዝገበሮ ኣኼባ ብጽንዓት ብድፍረት ናብቲ ኣዳራሽ ኣትዩ ፤ንሕናዉን ኢትዮጵያዉያን ተጋሩ ኢና ብዛዕባ ሃገርና የእትወና’ዩ ኢሉ እቶም መሳርሒ ናይቲ ጎጣይ ዉድብ ኮይኖም ነቲ ኣኼባ ዝኣከቡዎ ሹማምንቲ ወያነ ፤ <ኣስማቶም> እንዳጸወዔ ፤ ዝምስገን መስተነክራዊ ዘረባ ገይሩ ከምዘፍሸለሎም ዝዘከር’ዩ ።የዒስ ኣቦ! ፡(ብራቮ!) ንብሎ። አቲ ቪድዮ ምስክር’ዩ። ከምዚ ዝበለ ስጉመቲ ደወታ ኣብ ሞንጎና ሎሚ የለን። ተፋላሊና ስለዘለና ብቐጻሊነት ከነርእዮ ኣይካኣልናን።

እተን ኣለዋ ዝባሃላ ናይ ፖለቲካ ዉድባት ከም’ኒ <ታንድ> ኮና ከም በርጌሳዊ (ሲቪክ) ማሕበራት ከም <ትግራይ ሶሊዳሪቲ>፡ <ጋሻ ለኢትዮጵያ> ወዘተ,, ናይ ተጋሩ ማሕበራት ምህላወን ዘመስግነን እነተኾነ’ዉን ፡ ካብ ዝምስረታ ጀሚረን (ወያነ ኣብ ክለተ ምስተመቕለት እየን ተመስሪተን- ቅድሚኡ ኣይነበራን) ኣብ ዉሽጢ 7 ዓመት ናብ ኢትዮጵያ፤ ናብ ህዝቢ ትግራይ ሸሊኸን ምእታዉስ ይቕረ፤ ኣብ ወጻእ ንዘለዉ ወያነ ንዝኸስበሎምን ንዘዒሽዎምን ዘሎ ተጋሩ’ኳስ ክስሕቦኦ ኣጸጋሚ ኮይኑወን ይራኣያ’ለዋ። ብሕጽበት ኣእምሮ (ብሬይን ዋሽ) ዝተሰብከ ሕልና ቀለጢፉ ክሳሓብ አጸጋሚ እነተኾነዉን፤ (ምስ’ቲ ወያነ ዘለዎ መንግሰታዊ ምልኪ፤ ሓይሊ ገንዘብን ፤ ተጋሩ ንትግራይ ስድራ ክርእዩ ምስ ዝደለዩ ዘለዎም ፍረሒ፤ ጥርጣረ ፡..ወዘተ ኣጋናዚበካ) ፤አቲ ትግራዋይ “ጋእታ” ንርእየሉ’ለና”። ኣብ ሞንጎ’ተን ማሕበራት ኮነ አባላታተን እዉን ጹኑዕ ርክብ የብለንን (አዚ ድማ ብዝገበርኩዎ ናይ ዉለቀሰባትን ማሕበራትን ናይሑደት ሰሙናት ጽንዓት ተደሪኸ’የ)።

ካልእ ቀርዩ ፤ ናይ ባዕለን ዝኾነ ንተጋሩ ከምህርን ከካትዕን ዝኽእል ብትግርኛ ዝዳሎ ጋዜጣ፤ መጽሄትን፣ ወይ ድማ ብትግርኛ ዝዳሎ ድረ -ገጽ (ዌብ ሳይት) የብለንን። ነቲ ማሕበረስብ ተጋሩ ብዝርደኦ ቓንቋ እንተዳኣ ዘይኣቕረባሉ ብየናይ መንገዲ ክራኸባኦ ኢለን ይግምታ?

ወያነ ትግራይ ብድምጺ ወያነ ን ፤ ብጋዜጣ ወይንን ብተሌቪዥንን ዘቕርቦም <ነፍሕታትን፤ ዘቕርቦም ዘሎ ዝተዛብዑ ታሪኻትን፤ ከም ዑሉላት ኣጋይሹ ገይሩ ናይ ታሪኽ ተማራመርቲ ገይሩ ዝቖጽሮም ብኣጋይሽነት ዝዕድሞም ናይ ባዕሉ ተጋደልቲ ፤ ብሕሶትን ብጎጠይነት ዝተመረዙ ፤ ጸረ ኣምሓራ ነፍሒ (ፐሮፖጋንዳ) ኮነ ኢሎም ዝነፍሑ ከም’ኒ ተጋደለቲ ፡”ኣታኽልቲ ሓጎስ” ዝበሉ ዉለቀሰባትን ‘ዘርአዊነት’ ዝሰበኩ መጻሕፍቲ ጽሒፎም ዝዘርጉሑ፤ ን ኣእምሮ መንእሰያት ተጋሩ ዝምርዙ ፡ ናይ ግድን፡ ዘን ንወያነ ንቃወም ኢና ዝብላ ማሕበራት በትግርኛ ዝሕተም ጋዜጣን መጽሄትን እንተዝምስርታ፡ ንማሕበረስብ ትግራይ ብቐሊሉ ነቲ ብ ካድረታት ወየንቲ ዝተነዝሐ መጣቖሲ ነፍሒን፤ ጉጉይ ታሪኽን ብቐሊሉ ከምህራን ኣባላት ከራብሓን ንቐለለን ነይሩ። ግን መራኸቢ ሚድያ የብለንን። አዚ ክሓስበሉ’ለወን ንብል።ኢቲ ኣለና ዝብላኦ መራኽቢ ሓበሬታ’ዉን ብቓነቋ እንግሊዝ እዩ። ከምኡ ኮይኑ’ዉን ዑቱብ ቀጻላይ ሓበሬታ እንተቕረባዉን፤ <ቢቢሲ፤ ከምዚበለ፤ <ሲ-ኤን-ኤ> ብዛዕባ ህንዲ ከምዚበለ; እዩ እመበር ዘቕርበኦ ሓበሬታ ወድዓዊ ዝኾነ ኣብትግራይ እንታይ ኩነታት ኣሎ ነቲ መንበባይ ክሕብረኦ ኣይካአላን። ህይወት ዘለዎ (አብቱዴት) ሓበሬታ የብለንን።

እቲ ካሊእ ክሕሰበሉ ዘለዎ ዱኹም ጎኒና ድማ፤ እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ ዉሽጥና ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ካብቲ ሑምቱል ምንቅስቓሳትና ክንርደኦ ንኽእል ኢና ።ምኸንያታቶም ድማ <ኣዉራጃዊነት ኣሎ > <ጽርየትን ምፍሑሓቕ ዓጽሚን ጽርየት ደምን ቤተሰባዊ ከባቢያዊ ስምዒታትን ሕምየትን ኣሎ>፤ <ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዉዳበ ዝታኣኻኸብና ስለዝኾንና ዘይ ምርድዳእን ኣልቦ ምትእምማንን ኣሎ> ፡ <ኣካዳሚያዊ ብርጣጠ ዝተሓወሶ አቲ ሓደ ነቲ ሓደ ምንዕዓቕ ኣሎ>፡ <ታ ማሕበር ኣነ ተዘይ መሪሔያ ፋሕ ትበል ዝብሉ ኣለዉ>፡ ወዘተ…ወዘተ.. ባህረታት ነቲ ፋሕታና ምኽንያታት ዕንቀፍቲ ኮይኖም ከምዘለዉ አቲ ዝረኽብኩዎን ዝተዓዘብኩዎን ሓበረታ ክገልጸለኩም እደሊ።

እቲ ዝራኣይ ዘሎ ስንፍና ብኡዋኑ ተዘይተኣራሪምናን፤ ነነራእስትና ናይ ከብዲና ኣብ ከብዲና ሒዝና ‘፤ ፖለቲካዊ እምነትናን ኣራኣአያታትናን ናይ ብሕትና (ከምዘሎ) ኮይኑ ነቲ ብዓልየትብሰንኪ ነፍሒ ወያነ ዝጻባእን ዝዳናገርን ዘሎ ዜጋ ከነህድኦ ተዘይኪኢልና ፡ወያነ ብዘለዎ ዑሱብ <ኤርትራዊ መርገጹ> ቀስ ብቐስ እታ ሀገር ከም ግራቱ ይልዉጣን ይሻኾተላን ስለዘሎ፡ አብ መጨረሽታ ምስቶም ካልኦት ኣሕዋትና ኢትዮጵያዉያን አናቒቱ ናብ ዘልኣለማዊት መንጠቢቱ ምንጣቡ ኣይቐርዮን። ከም’ቲ ስብሓት ዝበሎ’ዉን አቲ ብሓይሊ ዝገበትዎ ስልጣን ዝጻበኦም’ተዳ ረኺቦም (ካብ ስለጣን ወሪዶም) “ኣዉቶማቲካሊ” ትግራይ ከም እትፍንጨል ተናዚዙ እዩ። ሃገር ምስ ተበተነት፤ ኣደዳ በጋሚዶታት ኮይና ኣናርኪ ምስ ዓሰላ <ያ ዓዉይ! ሃገረይ> ምባሉ ትርፉ <ዝብኢ ምስ ከደ፤ከልቢ እንተነብሔ> ዝተጨዉየት ዝተበልዐት ላሕሚ ምስ ምራኻ ኣይትርከብን። ጥሪትን ኣብዝባንካ ዝዓረቐ ክዳንን እንተበሊዩኳ ይትካእ፤ዩ፡ ሃገር እንተጠፍአት ግን ኣይትትካእን። መቐየረታ ኣይርከባን! <ቅያር ክዳን እመበር ቅያር ሃገር የለን> ንስመር፤ንዛራረብ። ሰላም ንምነ !!! ጌታቸዉ ረዳ ሳንሆዘ ካሊፎርኒያ // -//

You can find a spare for an old garment, but never a spare for a coutry!

ቅያር ክዳን እምበር ቅያር ሃገር የለን! (ቁሩብ ዶ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ክንዛራረብ?) ኣብዘለኹሞ’ሊኹም ሰላምታና ይብጻሕኩም። ሎሚ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ቁሩብ ሃሰሰስ ክንበል’ሞ ዓርሰነትና ክንፈትሽ። ብዛዕባና ንዛራረብ ክብል ከለኹ<ትግራዋይነት ድዩ ዝፍልም ወይስ ኢትዮያዊነት> ፤ <ደርሆ ድዩ “ቦኹሪ” ወይስ እንቁላሊሕ? > ናብ ዝብል ከም “ሰንቲ - ኣሸንዳ> ናብ “ምጭዳድ ጨጉሪ” ኣይንኣቱን። ስለምንታይ ከምዚ ዝዓይነቱ ሞጎተ ንቤት ትምህርቲ “ንኣካዳሚ ተምሃሮ” ንግደፎሞ ፤ አቲ ኣብ ቅድሜና ኮፍ ኢሉ ዝራኣይ ዘሎ ካባና ካብ ነነብስወከፍና ዝኣከብናዮ ናይ ስንፍናና <ኩምራ /accumulation> ጎዲፍ ቀዳምነት ሂብና እቲ ከይንሰምር ፤ እሂን ምሂን ከይንባሃሃል “ከዉሊ” (ሓበላ) ኮይኑ ዝኽዉለና ዘሎ ስንፍናና ንዛራረብ። ብዛዕባ እንታይ’ና ንዛራረብ ዘለና? ስለምንታይከ ምዝርራብ ኣደላይ ኮይኑ? ከምቲ ዓንተዎይ ዝበለኩኹም፤ ንሕና ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያዉያን እንዳበልና በብዝጥዕመና ኣጻዋዋዓ ንባዕልና እንተጸዋዕና፤ ዘንዉር የበሉን። ስለዚ ንሕና “ተጋሩ” ወይ ንሕና “ኢትዮጵያወያን” ኢለ እንትረቁሕ ወይ ፈሊና እንትንዛረብ ንመን ንዛረብ ከምዘለና ክጥዕመና መመልከታይ ኮይኑ ስለዝረድእ ክጥቀመሉ እየ። እዚ መድረኽ’ዚ ንኹሉ <ዋላ ንሳዓብቲ ወያነ-ትግራይ(ዉድብ መለስ-ስብሓት) እዉን ነጻ ምይይጥኩም ክትህቡ ኩፉት ስለዝኾነ -አእሙኑና ወይ ክነእምነኩም ሃየ!!) ነዛራረብ። ናብቲ ዋና ዛዕባና ንእቶ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንነዊሕ ዘበን መስተነክራት እነዳሰርሐት ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ። ደቃ’ዉን ኮሪዕና “ደቂ ኣበይ ኢኹም? እንትብሉና፤ <ደቂ ኢትዮጵያ> ንብል (ደቂ’ታ ብሕማቕን ብጽቡቕን እትልለ!) እታ ሃገርና ኢልና እንጽዋዓ ሃገርና - “ሓጎታትና” (ወለዲና ኣቦታትን ኣዴታትን) ብደም፤ብራሃጽ፤ብሸቓሎት ብዉርደት፡ ኮታ ብኽንደይ ጸበባ እዮም ሃኒጾም ኣረኪቦሙና። ጂኦግራፊያዊ ዝርጋሐ መሬት ሃገርና፤ ከምታ ዘረከቡና ዶ’ላ? ባህልናኽ ኣሎዶ ተለዊጡ? አቲ ዘረከቡና ምትሕግጋዝ፣ እህን ምህን ባህሊና ፡ ካልእ ቀርዩ፡ እቲ <ሓቦ> ምሳና አሎ’ዶ? ወየንቲ እወ ምሳና’ኣሎ የብሉና’ለዉ (ብደርፎም)፤ እንተዳኣ እቲ ሓቦ ኣቦቱኡ ሃልዩ፣ ስለምነታይ ዳኣ ንሕና ብኣንጻር ወያነ ደዉ ዝበልና ተጋሩ ሓድነትና ከምትጉቡኡ ኣቦቱኡ ዘየለ? ክምርመር ዝግባእ ነገር ይመስለኒ! እወ፤ ዘበን ተቐይሩ’ዩ!! ኢቲ ዘበን ንምንታይ ተቐይሩ? ዘበናት ናቶም ፈለግ ሂዞም ምምሐዳር፡ ኣናባብራ ክቕይሩ ናይ ግድን’ዩ። ዘይልወጥ <ሬሳ> ጥራሕ እዩ/ ህይወት ዘይብሉ! ካብ ህልዊ ናብ ዘይምህላዉ።ኮይኑ’ግና ኩሉ ነገር ኣይቕየርን። ክቕየሩ ዘይበሎም “ሀግጋት ኣለዉ። ”ባህላዊን ጉዳይ ሉኣላዊነትን”! ኣብ ጊዜ ማሕበራዊ ለዉጢ ካበቶም ብዕቱብ ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝገባእ ነገራት እዮም ። ሎሚ ሃገርና ኣ’ምንታይ ትረከብ? መሰረት ዘለዎ ዓንዲ ሕቶ እዩ። እታ ሃገር ኣብ ምንጋጋ ዉድብ “ወያነ ትግራይ” ኣትያ ካብ ብተሪር እትንከስ ደጊም 17 ዓመት ኮየኑዋ’ሎ። ኣብ ዓሰርተ 17 ዓመት በዙሕ ካብ ሰብኣዊ ግህሰት ጀሚርካ ክሳብ ባዓልቲ ገምገም ባሕሪ (ወደባት) ዝነበረት ሃገር ከልኤቱ ወደባታታ ክትምንጠል ተገይሩ’ዩ።መራሕቲ ወያነ ሀገራዊ ክድዓት ወንጀል ፈጺሞም እዮም!! ወያነ ዉድብ’ዩ።<ሳኣን> ተሪር ድምጺ ሓድነትን፤ ፖለቲካዊን ፡ በርገስ (ስቪክ) ማሕበራትን ፡ ሎሚ ብጽንዓት ዝጋታገቶ ስኢኑ ካብ ምሽዳን ሓሊፉ <ወያነ ትግራይ> ናብ <መለኮትነት> ተለዊጡ ዝኣርሞን <ያእ! ሕማቅ ግብሪ ትፍጽም’ለኻ!> ኢሉ ክእርሞ ዝፍትን ትግራዋይ፡ ከም ደመኛ መዲቡ ፍጹም አብዘይገባእ <ሕሪካ> ኣእትዩና እነሆ ኣብ’ዚ ሕዚ ዘለናዮ ኩነት ንረከብ። ገምገም ባሕሪ ወደባታታ ኣስኢኑዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም <እተን ኣባጊዔይ ሓሉወን ተባሂሉ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ዝተዉሃቦ ሃዋረያ ጴጥሮስ> ገይሩ ነባዕሉ ስለ ዝሸመ፤ ብዛዕባ ተጋሩ አሕዋተናን ወለድናን መነባብሮን መሰላቶምን ኣየእትወኩምን <ናዓይ ጥራሕ ግደፉለይ ክዉንኖም> ይብለና’ሎ። “ካሊእስ ይትረፍ” ናይ ዉልቀ ዉድብ (ድረጅት) ባንዴራ’ዉን ብዘይ ሕጋዊ አግባብ ብብረት ዕንትርና ተመኪሑ “ቅዳሕ” ኮሚኒሰታዊት “ባንዴራ ቻይና” ቀዲሑ ናይ ህዘቢ ትግራይ ባንዴራ ኢሉ ብኣርማነት ካብ ምሰቃል ጀሚሩ ክሰብ ህዘቢ አትዮጵያ በብ ዓልየትኩም “ብቜንቜ” ተሰርዑ ኢሉ፡ ብሄረሰባት ነናቶም ኣጉዶ ሒዞም ዘይነበረ፤ዘይተገብረ <ዘየድሊ> ባንዴራታት ክተኸሉን ከምልኹን ገይሩ ሓደሽቲ ዓይነት ባንዴራታት ኣምሂዙ ክዉኩሉዎም ብምትግባር ባዕዳዊያን ዝማዓዱዎ ዑሱብ ስራሕቱን ኮሚኒሰታዊ መደቡን ብግብሪ ይፍጽም ኣሎ። እታ ክብርቲ ኣርማ ንጉስ ኣመደጽዮን ሒዞማ ፎቖዶ ጎቦታት ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተኽሉዋ ዝነበሩ <ቆጻል፤ቀያሕ፤ብጫ> ባንዴራና ከም’ትስነግ ቀስ በቐስ በቲ ሓዱሽ ወለዶ ንክትፍንፈንን ንከየትፍለጥን ይጽዕር ኣሎ።ቅድሚ ምኒሊክ ኢትኦጵያ እትባሃል ሃገር ኣይነበረትን ዝበል ዑሱብ ክሕደቱን፤ ባንዴራና’ዉን <ብጣቕ - ጨርቂ> ብምባል ጸረ-ኢትዮጰያ ደዉቱዑ ጋህዲ ገየሩልና እዩ። ናይ ዑሱብነት ተርጉም ካብዚ ንንየ ደሊኻ ኣይርከብን!!! ኣህዛብ ነንሕድሕዶም ኣባሊዑዎም (ማስረጃ ኣለና!)፤ ብዙሓት ተጋሩ (ቁጽሮም ዘይናዓቕ) ብርክት ዝበሉ ኣሕዋትና’ዉን ኣንጻር “ኣምሓሩ” ኣራኣእያ ክሓድሮም ወያነ ዘይገበሮ የለን። ንሕና ከምተጋሩ መጠን ን ፋሽታዊ ዑሱብ ዉድብ ወያነ ስለዝተቓወምና ፤ብዘስደምም <ሂትለራዊ> ባህረታቶምን መትከሎምን ትግራዋይነትና ክግህሱዎ ዘይገበሩዎን <ብኤልክትሮኒክ ኢመይል> ኣምሓሩ ኢኹም፤<ሽዋዉያን ተጋሩ ኢኹም>፤ እንዳበሉ ዘይተዛረቡዎ “ግስሩጥ” ናይ በረኻ ኣንደበት ኣይነበረን።ዱሑር ሂትለራዊ ጎጣይነቶም እንትንዕዘብ፤ ክሳብ ከንደየናይ ከም’ተጫማለቑ ዘህዝን እዩ። መን ትግራዋይ መን ዘይተግራዋይ <ብመጻረያ ክፍሊ ደም መርመራ ወያነ > ዋሃባይን ከላኣይን መን ከምዝገበሮም ይገርመና’ሎ። አቲ ፋሽታዊ ጎጣይነቱ ድማ ፍትሒ ምስሰፈነ ክሕተተሉ ሙኻኑ ድማ ክበርሃሉ ይግባእ። መገዲ ሂትለር ንሂተለር ንባዕሉዉን ኣይራሃዎን!ሽዑ መን ትግራዋይ መንከ ዘይትግራዋይ ክሙጉተና ነሰምዖ! <ዓሻስያ ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቡኽራ ትናፈስ>! ሕማም “ለበዳ” ጎጣይነት ንተጋሩ ኣይለበደናን አይትበሉ ! ኩሉ ትግራዋይ ጎጣይ እዩ ኣብዝበል ሙጉት ተዘይኣተናዉን (እቲ ገርሂ “ሃገረስብ” ገዲፈና) ኣብከተማ ኣብ ዓዲ፤ ኣብ ወጻእ’ዉን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ተጋሩ <ብጉህዶን> <ብዉሸጦም ኣንጻር ኣምሓራ ሑቡእ ስምዒት> “ዝደጕሒ” ከምዘለዉ ከነስተብህል ይግባእ። እቶም ብርክት ዝበሉ ቁጽሮም ደገፍቲ ወያነ እዮም።እቶም ዝቐረዩድማ፤ ካብ ኣባላት ወያነ ዝነበሩ ሎሚ ንወያነ ዝቃወሙን፤ ከምኡዉን ደወታኦም ዘየነጸሩ ኣብ መንገዲ ዝታዓነዱ ገለ ካብቶም ሙሁራት ተጋሩ እዮም። ጽርየትና (ደዉታና) ካብ ወየነ ዝተፈለየ እዩ እነተዳአ ንብል ኮይንና ፡ካብ ጎጣይ ባህርያት ምድጓሕ ክንርሕቕ’ለና። ኩላህና ተጋሩ ስለዝኾንና እቲ ዝዓበናሉ እተወለድናሉ ማሕበረስብ ትግራይ <መስራታይ> መስፍናዊ ስርዓት ከም’ሙኳኑ፡”መስፍናዊ ማሕበረ ሰልፍታትናን ”መዉሱቦታትናን ማህበራዊ ርክብናን ባህረታትና’ዉን ከመይ ይመስል ፡ “መን መን “ሙኻኑ እንፋለጥን፤ እንታይ ይመስልን ኣጸቢቕና ስለ’ንፈልጦ ፣ነነራእስትና <ኩኩ -ዕንዱቡ> እነዳተጻወትና ድነቁርናና ኣይንድጓሕ። ወያነ ጸረ- ሀዘቢን ሀገርን እዩ ዝብል ደዉታ እንተዳኣ ሃሊዉና፣ ንወያነ ስለምንታይ ንጽመሞ ኣለና? መርገጺና ዓዉ ኢልና ዘይንጋልሆ እንታይ እዩ’ቲ ዑጉመጉም ፤ ሰንከልከል፡ ዝበለ ቃልሲ እንገብሮ ዘለና? ኣረጋዊ በርሄ አብ ኣዉሮጳ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ኮይኑ <ወየነ ንደገፍቱ ጥራሕ> ብሚሽጥር ንዝገበሮ ኣኼባ ብጽንዓት ብድፍረት ናብቲ ኣዳራሽ ኣትዩ ፤ንሕናዉን ኢትዮጵያዉያን ተጋሩ ኢና ብዛዕባ ሃገርና የእትወና’ዩ ኢሉ እቶም መሳርሒ ናይቲ ጎጣይ ዉድብ ኮይኖም ነቲ ኣኼባ ዝኣከቡዎ ሹማምንቲ ወያነ ፤ <ኣስማቶም> እንዳጸወዔ ፤ ዝምስገን መስተነክራዊ ዘረባ ገይሩ ከምዘፍሸለሎም ዝዘከር’ዩ ።የዒስ ኣቦ! ፡(ብራቮ!) ንብሎ። አቲ ቪድዮ ምስክር’ዩ። ከምዚ ዝበለ ስጉመቲ ደወታ ኣብ ሞንጎና ሎሚ የለን። ተፋላሊና ስለዘለና ብቐጻሊነት ከነርእዮ ኣይካኣልናን። እተን ኣለዋ ዝባሃላ ናይ ፖለቲካ ዉድባት ከም’ኒ <ታንድ> ኮና ከም በርጌሳዊ (ሲቪክ) ማሕበራት ከም <ትግራይ ሶሊዳሪቲ>፡ <ጋሻ ለኢትዮጵያ> ወዘተ,, ናይ ተጋሩ ማሕበራት ምህላወን ዘመስግነን እነተኾነ’ዉን ፡ ካብ ዝምስረታ ጀሚረን (ወያነ ኣብ ክለተ ምስተመቕለት እየን ተመስሪተን- ቅድሚኡ ኣይነበራን) ኣብ ዉሽጢ 7 ዓመት ናብ ኢትዮጵያ፤ ናብ ህዝቢ ትግራይ ሸሊኸን ምእታዉስ ይቕረ፤ ኣብ ወጻእ ንዘለዉ ወያነ ንዝኸስበሎምን ንዘዒሽዎምን ዘሎ ተጋሩ’ኳስ ክስሕቦኦ ኣጸጋሚ ኮይኑወን ይራኣያ’ለዋ። ብሕጽበት ኣእምሮ (ብሬይን ዋሽ) ዝተሰብከ ሕልና ቀለጢፉ ክሳሓብ አጸጋሚ እነተኾነዉን፤ (ምስ’ቲ ወያነ ዘለዎ መንግሰታዊ ምልኪ፤ ሓይሊ ገንዘብን ፤ ተጋሩ ንትግራይ ስድራ ክርእዩ ምስ ዝደለዩ ዘለዎም ፍረሒ፤ ጥርጣረ ፡..ወዘተ ኣጋናዚበካ) ፤አቲ ትግራዋይ “ጋእታ” ንርእየሉ’ለና”። ኣብ ሞንጎ’ተን ማሕበራት ኮነ አባላታተን እዉን ጹኑዕ ርክብ የብለንን (አዚ ድማ ብዝገበርኩዎ ናይ ዉለቀሰባትን ማሕበራትን ናይሑደት ሰሙናት ጽንዓት ተደሪኸ’የ)። ካልእ ቀርዩ ፤ ናይ ባዕለን ዝኾነ ንተጋሩ ከምህርን ከካትዕን ዝኽእል ብትግርኛ ዝዳሎ ጋዜጣ፤ መጽሄትን፣ ወይ ድማ ብትግርኛ ዝዳሎ ድረ -ገጽ (ዌብ ሳይት) የብለንን። ነቲ ማሕበረስብ ተጋሩ ብዝርደኦ ቓንቋ እንተዳኣ ዘይኣቕረባሉ ብየናይ መንገዲ ክራኸባኦ ኢለን ይግምታ? ወያነ ትግራይ ብድምጺ ወያነ ን ፤ ብጋዜጣ ወይንን ብተሌቪዥንን ዘቕርቦም <ነፍሕታትን፤ ዘቕርቦም ዘሎ ዝተዛብዑ ታሪኻትን፤ ከም ዑሉላት ኣጋይሹ ገይሩ ናይ ታሪኽ ተማራመርቲ ገይሩ ዝቖጽሮም ብኣጋይሽነት ዝዕድሞም ናይ ባዕሉ ተጋደልቲ ፤ ብሕሶትን ብጎጠይነት ዝተመረዙ ፤ ጸረ ኣምሓራ ነፍሒ (ፐሮፖጋንዳ) ኮነ ኢሎም ዝነፍሑ ከም’ኒ ተጋደለቲ ፡”ኣታኽልቲ ሓጎስ” ዝበሉ ዉለቀሰባትን ‘ዘርአዊነት’ ዝሰበኩ መጻሕፍቲ ጽሒፎም ዝዘርጉሑ፤ ን ኣእምሮ መንእሰያት ተጋሩ ዝምርዙ ፡ ናይ ግድን፡ ዘን ንወያነ ንቃወም ኢና ዝብላ ማሕበራት በትግርኛ ዝሕተም ጋዜጣን መጽሄትን እንተዝምስርታ፡ ንማሕበረስብ ትግራይ ብቐሊሉ ነቲ ብ ካድረታት ወየንቲ ዝተነዝሐ መጣቖሲ ነፍሒን፤ ጉጉይ ታሪኽን ብቐሊሉ ከምህራን ኣባላት ከራብሓን ንቐለለን ነይሩ። ግን መራኸቢ ሚድያ የብለንን። አዚ ክሓስበሉ’ለወን ንብል።ኢቲ ኣለና ዝብላኦ መራኽቢ ሓበሬታ’ዉን ብቓነቋ እንግሊዝ እዩ። ከምኡ ኮይኑ’ዉን ዑቱብ ቀጻላይ ሓበሬታ እንተቕረባዉን፤ <ቢቢሲ፤ ከምዚበለ፤ <ሲ-ኤን-ኤ> ብዛዕባ ህንዲ ከምዚበለ; እዩ እመበር ዘቕርበኦ ሓበሬታ ወድዓዊ ዝኾነ ኣብትግራይ እንታይ ኩነታት ኣሎ ነቲ መንበባይ ክሕብረኦ ኣይካአላን። ህይወት ዘለዎ (አብቱዴት) ሓበሬታ የብለንን። እቲ ካሊእ ክሕሰበሉ ዘለዎ ዱኹም ጎኒና ድማ፤ እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ ዉሽጥና ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ካብቲ ሑምቱል ምንቅስቓሳትና ክንርደኦ ንኽእል ኢና ።ምኸንያታቶም ድማ <ኣዉራጃዊነት ኣሎ > <ጽርየትን ምፍሑሓቕ ዓጽሚን ጽርየት ደምን ቤተሰባዊ ከባቢያዊ ስምዒታትን ሕምየትን ኣሎ>፤ <ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዉዳበ ዝታኣኻኸብና ስለዝኾንና ዘይ ምርድዳእን ኣልቦ ምትእምማንን ኣሎ> ፡ <ኣካዳሚያዊ ብርጣጠ ዝተሓወሶ አቲ ሓደ ነቲ ሓደ ምንዕዓቕ ኣሎ>፡ <ታ ማሕበር ኣነ ተዘይ መሪሔያ ፋሕ ትበል ዝብሉ ኣለዉ>፡ ወዘተ…ወዘተ.. ባህረታት ነቲ ፋሕታና ምኽንያታት ዕንቀፍቲ ኮይኖም ከምዘለዉ አቲ ዝረኽብኩዎን ዝተዓዘብኩዎን ሓበረታ ክገልጸለኩም እደሊ። እቲ ዝራኣይ ዘሎ ስንፍና ብኡዋኑ ተዘይተኣራሪምናን፤ ነነራእስትና ናይ ከብዲና ኣብ ከብዲና ሒዝና ‘፤ ፖለቲካዊ እምነትናን ኣራኣአያታትናን ናይ ብሕትና (ከምዘሎ) ኮይኑ ነቲ ብዓልየትብሰንኪ ነፍሒ ወያነ ዝጻባእን ዝዳናገርን ዘሎ ዜጋ ከነህድኦ ተዘይኪኢልና ፡ወያነ ብዘለዎ ዑሱብ <ኤርትራዊ መርገጹ> ቀስ ብቐስ እታ ሀገር ከም ግራቱ ይልዉጣን ይሻኾተላን ስለዘሎ፡ አብ መጨረሽታ ምስቶም ካልኦት ኣሕዋትና ኢትዮጵያዉያን አናቒቱ ናብ ዘልኣለማዊት መንጠቢቱ ምንጣቡ ኣይቐርዮን። ከም’ቲ ስብሓት ዝበሎ’ዉን አቲ ብሓይሊ ዝገበትዎ ስልጣን ዝጻበኦም’ተዳ ረኺቦም (ካብ ስለጣን ወሪዶም) “ኣዉቶማቲካሊ” ትግራይ ከም እትፍንጨል ተናዚዙ እዩ። ሃገር ምስ ተበተነት፤ ኣደዳ በጋሚዶታት ኮይና ኣናርኪ ምስ ዓሰላ <ያ ዓዉይ! ሃገረይ> ምባሉ ትርፉ <ዝብኢ ምስ ከደ፤ከልቢ እንተነብሔ> ዝተጨዉየት ዝተበልዐት ላሕሚ ምስ ምራኻ ኣይትርከብን። ጥሪትን ኣብዝባንካ ዝዓረቐ ክዳንን እንተበሊዩኳ ይትካእ፤ዩ፡ ሃገር እንተጠፍአት ግን ኣይትትካእን። መቐየረታ ኣይርከባን! <ቅያር ክዳን እመበር ቅያር ሃገር የለን> ንስመር፤ንዛራረብ። ሰላም ንምነ !!! ጌታቸዉ ረዳ ሳንሆዘ ካሊፎርኒያ // -//

You can find a spare for an old garment, but never a spare for a coutry! ቅያር ክዳን እምበር ቅያር ሃገር የለን!
(ቁሩብ ዶ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ክንዛራረብ?) ኣብዘለኹሞ’ሊኹም ሰላምታና ይብጻሕኩም። ሎሚ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ቁሩብ ሃሰሰስ ክንበል’ሞ ዓርሰነትና ክንፈትሽ። ብዛዕባና ንዛራረብ ክብል ከለኹ<ትግራዋይነት ድዩ ዝፍልም ወይስ ኢትዮያዊነት> ፤ <ደርሆ ድዩ “ቦኹሪ” ወይስ እንቁላሊሕ? > ናብ ዝብል ከም “ሰንቲ - ኣሸንዳ> ናብ “ምጭዳድ ጨጉሪ” ኣይንኣቱን። ስለምንታይ ከምዚ ዝዓይነቱ ሞጎተ ንቤት ትምህርቲ “ንኣካዳሚ ተምሃሮ” ንግደፎሞ ፤ አቲ ኣብ ቅድሜና ኮፍ ኢሉ ዝራኣይ ዘሎ ካባና ካብ ነነብስወከፍና ዝኣከብናዮ ናይ ስንፍናና <ኩምራ /accumulation> ጎዲፍ ቀዳምነት ሂብና እቲ ከይንሰምር ፤ እሂን ምሂን ከይንባሃሃል “ከዉሊ” (ሓበላ) ኮይኑ ዝኽዉለና ዘሎ ስንፍናና ንዛራረብ። ብዛዕባ እንታይ’ና ንዛራረብ ዘለና? ስለምንታይከ ምዝርራብ ኣደላይ ኮይኑ? ከምቲ ዓንተዎይ ዝበለኩኹም፤ ንሕና ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያዉያን እንዳበልና በብዝጥዕመና ኣጻዋዋዓ ንባዕልና እንተጸዋዕና፤ ዘንዉር የበሉን። ስለዚ ንሕና “ተጋሩ” ወይ ንሕና “ኢትዮጵያወያን” ኢለ እንትረቁሕ ወይ ፈሊና እንትንዛረብ ንመን ንዛረብ ከምዘለና ክጥዕመና መመልከታይ ኮይኑ ስለዝረድእ ክጥቀመሉ እየ። እዚ መድረኽ’ዚ ንኹሉ <ዋላ ንሳዓብቲ ወያነ-ትግራይ(ዉድብ መለስ-ስብሓት) እዉን ነጻ ምይይጥኩም ክትህቡ ኩፉት ስለዝኾነ -አእሙኑና ወይ ክነእምነኩም ሃየ!!) ነዛራረብ። ናብቲ ዋና ዛዕባና ንእቶ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንነዊሕ ዘበን መስተነክራት እነዳሰርሐት ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ። ደቃ’ዉን ኮሪዕና “ደቂ ኣበይ ኢኹም? እንትብሉና፤ <ደቂ ኢትዮጵያ> ንብል (ደቂ’ታ ብሕማቕን ብጽቡቕን እትልለ!) እታ ሃገርና ኢልና እንጽዋዓ ሃገርና - “ሓጎታትና” (ወለዲና ኣቦታትን ኣዴታትን) ብደም፤ብራሃጽ፤ብሸቓሎት ብዉርደት፡ ኮታ ብኽንደይ ጸበባ እዮም ሃኒጾም ኣረኪቦሙና። ጂኦግራፊያዊ ዝርጋሐ መሬት ሃገርና፤ ከምታ ዘረከቡና ዶ’ላ? ባህልናኽ ኣሎዶ ተለዊጡ? አቲ ዘረከቡና ምትሕግጋዝ፣ እህን ምህን ባህሊና ፡ ካልእ ቀርዩ፡ እቲ <ሓቦ> ምሳና አሎ’ዶ? ወየንቲ እወ ምሳና’ኣሎ የብሉና’ለዉ (ብደርፎም)፤ እንተዳኣ እቲ ሓቦ ኣቦቱኡ ሃልዩ፣ ስለምነታይ ዳኣ ንሕና ብኣንጻር ወያነ ደዉ ዝበልና ተጋሩ ሓድነትና ከምትጉቡኡ ኣቦቱኡ ዘየለ? ክምርመር ዝግባእ ነገር ይመስለኒ! እወ፤ ዘበን ተቐይሩ’ዩ!! ኢቲ ዘበን ንምንታይ ተቐይሩ? ዘበናት ናቶም ፈለግ ሂዞም ምምሐዳር፡ ኣናባብራ ክቕይሩ ናይ ግድን’ዩ። ዘይልወጥ <ሬሳ> ጥራሕ እዩ/ ህይወት ዘይብሉ! ካብ ህልዊ ናብ ዘይምህላዉ።ኮይኑ’ግና ኩሉ ነገር ኣይቕየርን። ክቕየሩ ዘይበሎም “ሀግጋት ኣለዉ። ”ባህላዊን ጉዳይ ሉኣላዊነትን”! ኣብ ጊዜ ማሕበራዊ ለዉጢ ካበቶም ብዕቱብ ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝገባእ ነገራት እዮም ። ሎሚ ሃገርና ኣ’ምንታይ ትረከብ? መሰረት ዘለዎ ዓንዲ ሕቶ እዩ። እታ ሃገር ኣብ ምንጋጋ ዉድብ “ወያነ ትግራይ” ኣትያ ካብ ብተሪር እትንከስ ደጊም 17 ዓመት ኮየኑዋ’ሎ። ኣብ ዓሰርተ 17 ዓመት በዙሕ ካብ ሰብኣዊ ግህሰት ጀሚርካ ክሳብ ባዓልቲ ገምገም ባሕሪ (ወደባት) ዝነበረት ሃገር ከልኤቱ ወደባታታ ክትምንጠል ተገይሩ’ዩ።መራሕቲ ወያነ ሀገራዊ ክድዓት ወንጀል ፈጺሞም እዮም!! ወያነ ዉድብ’ዩ።<ሳኣን> ተሪር ድምጺ ሓድነትን፤ ፖለቲካዊን ፡ በርገስ (ስቪክ) ማሕበራትን ፡ ሎሚ ብጽንዓት ዝጋታገቶ ስኢኑ ካብ ምሽዳን ሓሊፉ <ወያነ ትግራይ> ናብ <መለኮትነት> ተለዊጡ ዝኣርሞን <ያእ! ሕማቅ ግብሪ ትፍጽም’ለኻ!> ኢሉ ክእርሞ ዝፍትን ትግራዋይ፡ ከም ደመኛ መዲቡ ፍጹም አብዘይገባእ <ሕሪካ> ኣእትዩና እነሆ ኣብ’ዚ ሕዚ ዘለናዮ ኩነት ንረከብ። ገምገም ባሕሪ ወደባታታ ኣስኢኑዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም <እተን ኣባጊዔይ ሓሉወን ተባሂሉ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ዝተዉሃቦ ሃዋረያ ጴጥሮስ> ገይሩ ነባዕሉ ስለ ዝሸመ፤ ብዛዕባ ተጋሩ አሕዋተናን ወለድናን መነባብሮን መሰላቶምን ኣየእትወኩምን <ናዓይ ጥራሕ ግደፉለይ ክዉንኖም> ይብለና’ሎ። “ካሊእስ ይትረፍ” ናይ ዉልቀ ዉድብ (ድረጅት) ባንዴራ’ዉን ብዘይ ሕጋዊ አግባብ ብብረት ዕንትርና ተመኪሑ “ቅዳሕ” ኮሚኒሰታዊት “ባንዴራ ቻይና” ቀዲሑ ናይ ህዘቢ ትግራይ ባንዴራ ኢሉ ብኣርማነት ካብ ምሰቃል ጀሚሩ ክሰብ ህዘቢ አትዮጵያ በብ ዓልየትኩም “ብቜንቜ” ተሰርዑ ኢሉ፡ ብሄረሰባት ነናቶም ኣጉዶ ሒዞም ዘይነበረ፤ዘይተገብረ <ዘየድሊ> ባንዴራታት ክተኸሉን ከምልኹን ገይሩ ሓደሽቲ ዓይነት ባንዴራታት ኣምሂዙ ክዉኩሉዎም ብምትግባር ባዕዳዊያን ዝማዓዱዎ ዑሱብ ስራሕቱን ኮሚኒሰታዊ መደቡን ብግብሪ ይፍጽም ኣሎ። እታ ክብርቲ ኣርማ ንጉስ ኣመደጽዮን ሒዞማ ፎቖዶ ጎቦታት ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተኽሉዋ ዝነበሩ <ቆጻል፤ቀያሕ፤ብጫ> ባንዴራና ከም’ትስነግ ቀስ በቐስ በቲ ሓዱሽ ወለዶ ንክትፍንፈንን ንከየትፍለጥን ይጽዕር ኣሎ።ቅድሚ ምኒሊክ ኢትኦጵያ እትባሃል ሃገር ኣይነበረትን ዝበል ዑሱብ ክሕደቱን፤ ባንዴራና’ዉን <ብጣቕ - ጨርቂ> ብምባል ጸረ-ኢትዮጰያ ደዉቱዑ ጋህዲ ገየሩልና እዩ። ናይ ዑሱብነት ተርጉም ካብዚ ንንየ ደሊኻ ኣይርከብን!!! ኣህዛብ ነንሕድሕዶም ኣባሊዑዎም (ማስረጃ ኣለና!)፤ ብዙሓት ተጋሩ (ቁጽሮም ዘይናዓቕ) ብርክት ዝበሉ ኣሕዋትና’ዉን ኣንጻር “ኣምሓሩ” ኣራኣእያ ክሓድሮም ወያነ ዘይገበሮ የለን። ንሕና ከምተጋሩ መጠን ን ፋሽታዊ ዑሱብ ዉድብ ወያነ ስለዝተቓወምና ፤ብዘስደምም <ሂትለራዊ> ባህረታቶምን መትከሎምን ትግራዋይነትና ክግህሱዎ ዘይገበሩዎን <ብኤልክትሮኒክ ኢመይል> ኣምሓሩ ኢኹም፤<ሽዋዉያን ተጋሩ ኢኹም>፤ እንዳበሉ ዘይተዛረቡዎ “ግስሩጥ” ናይ በረኻ ኣንደበት ኣይነበረን።ዱሑር ሂትለራዊ ጎጣይነቶም እንትንዕዘብ፤ ክሳብ ከንደየናይ ከም’ተጫማለቑ ዘህዝን እዩ። መን ትግራዋይ መን ዘይተግራዋይ <ብመጻረያ ክፍሊ ደም መርመራ ወያነ > ዋሃባይን ከላኣይን መን ከምዝገበሮም ይገርመና’ሎ። አቲ ፋሽታዊ ጎጣይነቱ ድማ ፍትሒ ምስሰፈነ ክሕተተሉ ሙኻኑ ድማ ክበርሃሉ ይግባእ። መገዲ ሂትለር ንሂተለር ንባዕሉዉን ኣይራሃዎን!ሽዑ መን ትግራዋይ መንከ ዘይትግራዋይ ክሙጉተና ነሰምዖ! <ዓሻስያ ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቡኽራ ትናፈስ>! ሕማም “ለበዳ” ጎጣይነት ንተጋሩ ኣይለበደናን አይትበሉ ! ኩሉ ትግራዋይ ጎጣይ እዩ ኣብዝበል ሙጉት ተዘይኣተናዉን (እቲ ገርሂ “ሃገረስብ” ገዲፈና) ኣብከተማ ኣብ ዓዲ፤ ኣብ ወጻእ’ዉን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ተጋሩ <ብጉህዶን> <ብዉሸጦም ኣንጻር ኣምሓራ ሑቡእ ስምዒት> “ዝደጕሒ” ከምዘለዉ ከነስተብህል ይግባእ። እቶም ብርክት ዝበሉ ቁጽሮም ደገፍቲ ወያነ እዮም።እቶም ዝቐረዩድማ፤ ካብ ኣባላት ወያነ ዝነበሩ ሎሚ ንወያነ ዝቃወሙን፤ ከምኡዉን ደወታኦም ዘየነጸሩ ኣብ መንገዲ ዝታዓነዱ ገለ ካብቶም ሙሁራት ተጋሩ እዮም። ጽርየትና (ደዉታና) ካብ ወየነ ዝተፈለየ እዩ እነተዳአ ንብል ኮይንና ፡ካብ ጎጣይ ባህርያት ምድጓሕ ክንርሕቕ’ለና። ኩላህና ተጋሩ ስለዝኾንና እቲ ዝዓበናሉ እተወለድናሉ ማሕበረስብ ትግራይ <መስራታይ> መስፍናዊ ስርዓት ከም’ሙኳኑ፡”መስፍናዊ ማሕበረ ሰልፍታትናን ”መዉሱቦታትናን ማህበራዊ ርክብናን ባህረታትና’ዉን ከመይ ይመስል ፡ “መን መን “ሙኻኑ እንፋለጥን፤ እንታይ ይመስልን ኣጸቢቕና ስለ’ንፈልጦ ፣ነነራእስትና <ኩኩ -ዕንዱቡ> እነዳተጻወትና ድነቁርናና ኣይንድጓሕ። ወያነ ጸረ- ሀዘቢን ሀገርን እዩ ዝብል ደዉታ እንተዳኣ ሃሊዉና፣ ንወያነ ስለምንታይ ንጽመሞ ኣለና? መርገጺና ዓዉ ኢልና ዘይንጋልሆ እንታይ እዩ’ቲ ዑጉመጉም ፤ ሰንከልከል፡ ዝበለ ቃልሲ እንገብሮ ዘለና? ኣረጋዊ በርሄ አብ ኣዉሮጳ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ኮይኑ <ወየነ ንደገፍቱ ጥራሕ> ብሚሽጥር ንዝገበሮ ኣኼባ ብጽንዓት ብድፍረት ናብቲ ኣዳራሽ ኣትዩ ፤ንሕናዉን ኢትዮጵያዉያን ተጋሩ ኢና ብዛዕባ ሃገርና የእትወና’ዩ ኢሉ እቶም መሳርሒ ናይቲ ጎጣይ ዉድብ ኮይኖም ነቲ ኣኼባ ዝኣከቡዎ ሹማምንቲ ወያነ ፤ <ኣስማቶም> እንዳጸወዔ ፤ ዝምስገን መስተነክራዊ ዘረባ ገይሩ ከምዘፍሸለሎም ዝዘከር’ዩ ።የዒስ ኣቦ! ፡(ብራቮ!) ንብሎ። አቲ ቪድዮ ምስክር’ዩ። ከምዚ ዝበለ ስጉመቲ ደወታ ኣብ ሞንጎና ሎሚ የለን። ተፋላሊና ስለዘለና ብቐጻሊነት ከነርእዮ ኣይካኣልናን። እተን ኣለዋ ዝባሃላ ናይ ፖለቲካ ዉድባት ከም’ኒ <ታንድ> ኮና ከም በርጌሳዊ (ሲቪክ) ማሕበራት ከም <ትግራይ ሶሊዳሪቲ>፡ <ጋሻ ለኢትዮጵያ> ወዘተ,, ናይ ተጋሩ ማሕበራት ምህላወን ዘመስግነን እነተኾነ’ዉን ፡ ካብ ዝምስረታ ጀሚረን (ወያነ ኣብ ክለተ ምስተመቕለት እየን ተመስሪተን- ቅድሚኡ ኣይነበራን) ኣብ ዉሽጢ 7 ዓመት ናብ ኢትዮጵያ፤ ናብ ህዝቢ ትግራይ ሸሊኸን ምእታዉስ ይቕረ፤ ኣብ ወጻእ ንዘለዉ ወያነ ንዝኸስበሎምን ንዘዒሽዎምን ዘሎ ተጋሩ’ኳስ ክስሕቦኦ ኣጸጋሚ ኮይኑወን ይራኣያ’ለዋ። ብሕጽበት ኣእምሮ (ብሬይን ዋሽ) ዝተሰብከ ሕልና ቀለጢፉ ክሳሓብ አጸጋሚ እነተኾነዉን፤ (ምስ’ቲ ወያነ ዘለዎ መንግሰታዊ ምልኪ፤ ሓይሊ ገንዘብን ፤ ተጋሩ ንትግራይ ስድራ ክርእዩ ምስ ዝደለዩ ዘለዎም ፍረሒ፤ ጥርጣረ ፡..ወዘተ ኣጋናዚበካ) ፤አቲ ትግራዋይ “ጋእታ” ንርእየሉ’ለና”። ኣብ ሞንጎ’ተን ማሕበራት ኮነ አባላታተን እዉን ጹኑዕ ርክብ የብለንን (አዚ ድማ ብዝገበርኩዎ ናይ ዉለቀሰባትን ማሕበራትን ናይሑደት ሰሙናት ጽንዓት ተደሪኸ’የ)። ካልእ ቀርዩ ፤ ናይ ባዕለን ዝኾነ ንተጋሩ ከምህርን ከካትዕን ዝኽእል ብትግርኛ ዝዳሎ ጋዜጣ፤ መጽሄትን፣ ወይ ድማ ብትግርኛ ዝዳሎ ድረ -ገጽ (ዌብ ሳይት) የብለንን። ነቲ ማሕበረስብ ተጋሩ ብዝርደኦ ቓንቋ እንተዳኣ ዘይኣቕረባሉ ብየናይ መንገዲ ክራኸባኦ ኢለን ይግምታ? ወያነ ትግራይ ብድምጺ ወያነ ን ፤ ብጋዜጣ ወይንን ብተሌቪዥንን ዘቕርቦም <ነፍሕታትን፤ ዘቕርቦም ዘሎ ዝተዛብዑ ታሪኻትን፤ ከም ዑሉላት ኣጋይሹ ገይሩ ናይ ታሪኽ ተማራመርቲ ገይሩ ዝቖጽሮም ብኣጋይሽነት ዝዕድሞም ናይ ባዕሉ ተጋደልቲ ፤ ብሕሶትን ብጎጠይነት ዝተመረዙ ፤ ጸረ ኣምሓራ ነፍሒ (ፐሮፖጋንዳ) ኮነ ኢሎም ዝነፍሑ ከም’ኒ ተጋደለቲ ፡”ኣታኽልቲ ሓጎስ” ዝበሉ ዉለቀሰባትን ‘ዘርአዊነት’ ዝሰበኩ መጻሕፍቲ ጽሒፎም ዝዘርጉሑ፤ ን ኣእምሮ መንእሰያት ተጋሩ ዝምርዙ ፡ ናይ ግድን፡ ዘን ንወያነ ንቃወም ኢና ዝብላ ማሕበራት በትግርኛ ዝሕተም ጋዜጣን መጽሄትን እንተዝምስርታ፡ ንማሕበረስብ ትግራይ ብቐሊሉ ነቲ ብ ካድረታት ወየንቲ ዝተነዝሐ መጣቖሲ ነፍሒን፤ ጉጉይ ታሪኽን ብቐሊሉ ከምህራን ኣባላት ከራብሓን ንቐለለን ነይሩ። ግን መራኸቢ ሚድያ የብለንን። አዚ ክሓስበሉ’ለወን ንብል።ኢቲ ኣለና ዝብላኦ መራኽቢ ሓበሬታ’ዉን ብቓነቋ እንግሊዝ እዩ። ከምኡ ኮይኑ’ዉን ዑቱብ ቀጻላይ ሓበሬታ እንተቕረባዉን፤ <ቢቢሲ፤ ከምዚበለ፤ <ሲ-ኤን-ኤ> ብዛዕባ ህንዲ ከምዚበለ; እዩ እመበር ዘቕርበኦ ሓበሬታ ወድዓዊ ዝኾነ ኣብትግራይ እንታይ ኩነታት ኣሎ ነቲ መንበባይ ክሕብረኦ ኣይካአላን። ህይወት ዘለዎ (አብቱዴት) ሓበሬታ የብለንን። እቲ ካሊእ ክሕሰበሉ ዘለዎ ዱኹም ጎኒና ድማ፤ እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ ዉሽጥና ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ካብቲ ሑምቱል ምንቅስቓሳትና ክንርደኦ ንኽእል ኢና ።ምኸንያታቶም ድማ <ኣዉራጃዊነት ኣሎ > <ጽርየትን ምፍሑሓቕ ዓጽሚን ጽርየት ደምን ቤተሰባዊ ከባቢያዊ ስምዒታትን ሕምየትን ኣሎ>፤ <ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዉዳበ ዝታኣኻኸብና ስለዝኾንና ዘይ ምርድዳእን ኣልቦ ምትእምማንን ኣሎ> ፡ <ኣካዳሚያዊ ብርጣጠ ዝተሓወሶ አቲ ሓደ ነቲ ሓደ ምንዕዓቕ ኣሎ>፡ <ታ ማሕበር ኣነ ተዘይ መሪሔያ ፋሕ ትበል ዝብሉ ኣለዉ>፡ ወዘተ…ወዘተ.. ባህረታት ነቲ ፋሕታና ምኽንያታት ዕንቀፍቲ ኮይኖም ከምዘለዉ አቲ ዝረኽብኩዎን ዝተዓዘብኩዎን ሓበረታ ክገልጸለኩም እደሊ። እቲ ዝራኣይ ዘሎ ስንፍና ብኡዋኑ ተዘይተኣራሪምናን፤ ነነራእስትና ናይ ከብዲና ኣብ ከብዲና ሒዝና ‘፤ ፖለቲካዊ እምነትናን ኣራኣአያታትናን ናይ ብሕትና (ከምዘሎ) ኮይኑ ነቲ ብዓልየትብሰንኪ ነፍሒ ወያነ ዝጻባእን ዝዳናገርን ዘሎ ዜጋ ከነህድኦ ተዘይኪኢልና ፡ወያነ ብዘለዎ ዑሱብ <ኤርትራዊ መርገጹ> ቀስ ብቐስ እታ ሀገር ከም ግራቱ ይልዉጣን ይሻኾተላን ስለዘሎ፡ አብ መጨረሽታ ምስቶም ካልኦት ኣሕዋትና ኢትዮጵያዉያን አናቒቱ ናብ ዘልኣለማዊት መንጠቢቱ ምንጣቡ ኣይቐርዮን። ከም’ቲ ስብሓት ዝበሎ’ዉን አቲ ብሓይሊ ዝገበትዎ ስልጣን ዝጻበኦም’ተዳ ረኺቦም (ካብ ስለጣን ወሪዶም) “ኣዉቶማቲካሊ” ትግራይ ከም እትፍንጨል ተናዚዙ እዩ። ሃገር ምስ ተበተነት፤ ኣደዳ በጋሚዶታት ኮይና ኣናርኪ ምስ ዓሰላ <ያ ዓዉይ! ሃገረይ> ምባሉ ትርፉ <ዝብኢ ምስ ከደ፤ከልቢ እንተነብሔ> ዝተጨዉየት ዝተበልዐት ላሕሚ ምስ ምራኻ ኣይትርከብን። ጥሪትን ኣብዝባንካ ዝዓረቐ ክዳንን እንተበሊዩኳ ይትካእ፤ዩ፡ ሃገር እንተጠፍአት ግን ኣይትትካእን። መቐየረታ ኣይርከባን! <ቅያር ክዳን እመበር ቅያር ሃገር የለን> ንስመር፤ንዛራረብ። ሰላም ንምነ !!! ጌታቸዉ ረዳ ሳንሆዘ ካሊፎርኒያ // -//

You can find a spare for an old garment, but never a spare for a coutry! ቅያር ክዳን እምበር ቅያር ሃገር የለን! (ቁሩብ ዶ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ክንዛራረብ?) ኣብዘለኹሞ’ሊኹም ሰላምታና ይብጻሕኩም። ሎሚ ብዛዕባና ብዛዕባ ተጋሩ ቁሩብ ሃሰሰስ ክንበል’ሞ ዓርሰነትና ክንፈትሽ። ብዛዕባና ንዛራረብ ክብል ከለኹ<ትግራዋይነት ድዩ ዝፍልም ወይስ ኢትዮያዊነት> ፤ <ደርሆ ድዩ “ቦኹሪ” ወይስ እንቁላሊሕ? > ናብ ዝብል ከም “ሰንቲ - ኣሸንዳ> ናብ “ምጭዳድ ጨጉሪ” ኣይንኣቱን። ስለምንታይ ከምዚ ዝዓይነቱ ሞጎተ ንቤት ትምህርቲ “ንኣካዳሚ ተምሃሮ” ንግደፎሞ ፤ አቲ ኣብ ቅድሜና ኮፍ ኢሉ ዝራኣይ ዘሎ ካባና ካብ ነነብስወከፍና ዝኣከብናዮ ናይ ስንፍናና <ኩምራ /accumulation> ጎዲፍ ቀዳምነት ሂብና እቲ ከይንሰምር ፤ እሂን ምሂን ከይንባሃሃል “ከዉሊ” (ሓበላ) ኮይኑ ዝኽዉለና ዘሎ ስንፍናና ንዛራረብ። ብዛዕባ እንታይ’ና ንዛራረብ ዘለና? ስለምንታይከ ምዝርራብ ኣደላይ ኮይኑ? ከምቲ ዓንተዎይ ዝበለኩኹም፤ ንሕና ተጋሩ ወይ ኢትዮጵያዉያን እንዳበልና በብዝጥዕመና ኣጻዋዋዓ ንባዕልና እንተጸዋዕና፤ ዘንዉር የበሉን። ስለዚ ንሕና “ተጋሩ” ወይ ንሕና “ኢትዮጵያወያን” ኢለ እንትረቁሕ ወይ ፈሊና እንትንዛረብ ንመን ንዛረብ ከምዘለና ክጥዕመና መመልከታይ ኮይኑ ስለዝረድእ ክጥቀመሉ እየ። እዚ መድረኽ’ዚ ንኹሉ <ዋላ ንሳዓብቲ ወያነ-ትግራይ(ዉድብ መለስ-ስብሓት) እዉን ነጻ ምይይጥኩም ክትህቡ ኩፉት ስለዝኾነ -አእሙኑና ወይ ክነእምነኩም ሃየ!!) ነዛራረብ። ናብቲ ዋና ዛዕባና ንእቶ። ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንነዊሕ ዘበን መስተነክራት እነዳሰርሐት ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ። ደቃ’ዉን ኮሪዕና “ደቂ ኣበይ ኢኹም? እንትብሉና፤ <ደቂ ኢትዮጵያ> ንብል (ደቂ’ታ ብሕማቕን ብጽቡቕን እትልለ!) እታ ሃገርና ኢልና እንጽዋዓ ሃገርና - “ሓጎታትና” (ወለዲና ኣቦታትን ኣዴታትን) ብደም፤ብራሃጽ፤ብሸቓሎት ብዉርደት፡ ኮታ ብኽንደይ ጸበባ እዮም ሃኒጾም ኣረኪቦሙና። ጂኦግራፊያዊ ዝርጋሐ መሬት ሃገርና፤ ከምታ ዘረከቡና ዶ’ላ? ባህልናኽ ኣሎዶ ተለዊጡ? አቲ ዘረከቡና ምትሕግጋዝ፣ እህን ምህን ባህሊና ፡ ካልእ ቀርዩ፡ እቲ <ሓቦ> ምሳና አሎ’ዶ? ወየንቲ እወ ምሳና’ኣሎ የብሉና’ለዉ (ብደርፎም)፤ እንተዳኣ እቲ ሓቦ ኣቦቱኡ ሃልዩ፣ ስለምነታይ ዳኣ ንሕና ብኣንጻር ወያነ ደዉ ዝበልና ተጋሩ ሓድነትና ከምትጉቡኡ ኣቦቱኡ ዘየለ? ክምርመር ዝግባእ ነገር ይመስለኒ! እወ፤ ዘበን ተቐይሩ’ዩ!! ኢቲ ዘበን ንምንታይ ተቐይሩ? ዘበናት ናቶም ፈለግ ሂዞም ምምሐዳር፡ ኣናባብራ ክቕይሩ ናይ ግድን’ዩ። ዘይልወጥ <ሬሳ> ጥራሕ እዩ/ ህይወት ዘይብሉ! ካብ ህልዊ ናብ ዘይምህላዉ።ኮይኑ’ግና ኩሉ ነገር ኣይቕየርን። ክቕየሩ ዘይበሎም “ሀግጋት ኣለዉ። ”ባህላዊን ጉዳይ ሉኣላዊነትን”! ኣብ ጊዜ ማሕበራዊ ለዉጢ ካበቶም ብዕቱብ ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝገባእ ነገራት እዮም ። ሎሚ ሃገርና ኣ’ምንታይ ትረከብ? መሰረት ዘለዎ ዓንዲ ሕቶ እዩ። እታ ሃገር ኣብ ምንጋጋ ዉድብ “ወያነ ትግራይ” ኣትያ ካብ ብተሪር እትንከስ ደጊም 17 ዓመት ኮየኑዋ’ሎ። ኣብ ዓሰርተ 17 ዓመት በዙሕ ካብ ሰብኣዊ ግህሰት ጀሚርካ ክሳብ ባዓልቲ ገምገም ባሕሪ (ወደባት) ዝነበረት ሃገር ከልኤቱ ወደባታታ ክትምንጠል ተገይሩ’ዩ።መራሕቲ ወያነ ሀገራዊ ክድዓት ወንጀል ፈጺሞም እዮም!! ወያነ ዉድብ’ዩ።<ሳኣን> ተሪር ድምጺ ሓድነትን፤ ፖለቲካዊን ፡ በርገስ (ስቪክ) ማሕበራትን ፡ ሎሚ ብጽንዓት ዝጋታገቶ ስኢኑ ካብ ምሽዳን ሓሊፉ <ወያነ ትግራይ> ናብ <መለኮትነት> ተለዊጡ ዝኣርሞን <ያእ! ሕማቅ ግብሪ ትፍጽም’ለኻ!> ኢሉ ክእርሞ ዝፍትን ትግራዋይ፡ ከም ደመኛ መዲቡ ፍጹም አብዘይገባእ <ሕሪካ> ኣእትዩና እነሆ ኣብ’ዚ ሕዚ ዘለናዮ ኩነት ንረከብ። ገምገም ባሕሪ ወደባታታ ኣስኢኑዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም <እተን ኣባጊዔይ ሓሉወን ተባሂሉ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ዝተዉሃቦ ሃዋረያ ጴጥሮስ> ገይሩ ነባዕሉ ስለ ዝሸመ፤ ብዛዕባ ተጋሩ አሕዋተናን ወለድናን መነባብሮን መሰላቶምን ኣየእትወኩምን <ናዓይ ጥራሕ ግደፉለይ ክዉንኖም> ይብለና’ሎ። “ካሊእስ ይትረፍ” ናይ ዉልቀ ዉድብ (ድረጅት) ባንዴራ’ዉን ብዘይ ሕጋዊ አግባብ ብብረት ዕንትርና ተመኪሑ “ቅዳሕ” ኮሚኒሰታዊት “ባንዴራ ቻይና” ቀዲሑ ናይ ህዘቢ ትግራይ ባንዴራ ኢሉ ብኣርማነት ካብ ምሰቃል ጀሚሩ ክሰብ ህዘቢ አትዮጵያ በብ ዓልየትኩም “ብቜንቜ” ተሰርዑ ኢሉ፡ ብሄረሰባት ነናቶም ኣጉዶ ሒዞም ዘይነበረ፤ዘይተገብረ <ዘየድሊ> ባንዴራታት ክተኸሉን ከምልኹን ገይሩ ሓደሽቲ ዓይነት ባንዴራታት ኣምሂዙ ክዉኩሉዎም ብምትግባር ባዕዳዊያን ዝማዓዱዎ ዑሱብ ስራሕቱን ኮሚኒሰታዊ መደቡን ብግብሪ ይፍጽም ኣሎ። እታ ክብርቲ ኣርማ ንጉስ ኣመደጽዮን ሒዞማ ፎቖዶ ጎቦታት ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተኽሉዋ ዝነበሩ <ቆጻል፤ቀያሕ፤ብጫ> ባንዴራና ከም’ትስነግ ቀስ በቐስ በቲ ሓዱሽ ወለዶ ንክትፍንፈንን ንከየትፍለጥን ይጽዕር ኣሎ።ቅድሚ ምኒሊክ ኢትኦጵያ እትባሃል ሃገር ኣይነበረትን ዝበል ዑሱብ ክሕደቱን፤ ባንዴራና’ዉን <ብጣቕ - ጨርቂ> ብምባል ጸረ-ኢትዮጰያ ደዉቱዑ ጋህዲ ገየሩልና እዩ። ናይ ዑሱብነት ተርጉም ካብዚ ንንየ ደሊኻ ኣይርከብን!!! ኣህዛብ ነንሕድሕዶም ኣባሊዑዎም (ማስረጃ ኣለና!)፤ ብዙሓት ተጋሩ (ቁጽሮም ዘይናዓቕ) ብርክት ዝበሉ ኣሕዋትና’ዉን ኣንጻር “ኣምሓሩ” ኣራኣእያ ክሓድሮም ወያነ ዘይገበሮ የለን። ንሕና ከምተጋሩ መጠን ን ፋሽታዊ ዑሱብ ዉድብ ወያነ ስለዝተቓወምና ፤ብዘስደምም <ሂትለራዊ> ባህረታቶምን መትከሎምን ትግራዋይነትና ክግህሱዎ ዘይገበሩዎን <ብኤልክትሮኒክ ኢመይል> ኣምሓሩ ኢኹም፤<ሽዋዉያን ተጋሩ ኢኹም>፤ እንዳበሉ ዘይተዛረቡዎ “ግስሩጥ” ናይ በረኻ ኣንደበት ኣይነበረን።ዱሑር ሂትለራዊ ጎጣይነቶም እንትንዕዘብ፤ ክሳብ ከንደየናይ ከም’ተጫማለቑ ዘህዝን እዩ። መን ትግራዋይ መን ዘይተግራዋይ <ብመጻረያ ክፍሊ ደም መርመራ ወያነ > ዋሃባይን ከላኣይን መን ከምዝገበሮም ይገርመና’ሎ። አቲ ፋሽታዊ ጎጣይነቱ ድማ ፍትሒ ምስሰፈነ ክሕተተሉ ሙኻኑ ድማ ክበርሃሉ ይግባእ። መገዲ ሂትለር ንሂተለር ንባዕሉዉን ኣይራሃዎን!ሽዑ መን ትግራዋይ መንከ ዘይትግራዋይ ክሙጉተና ነሰምዖ! <ዓሻስያ ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቡኽራ ትናፈስ>! ሕማም “ለበዳ” ጎጣይነት ንተጋሩ ኣይለበደናን አይትበሉ ! ኩሉ ትግራዋይ ጎጣይ እዩ ኣብዝበል ሙጉት ተዘይኣተናዉን (እቲ ገርሂ “ሃገረስብ” ገዲፈና) ኣብከተማ ኣብ ዓዲ፤ ኣብ ወጻእ’ዉን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ተጋሩ <ብጉህዶን> <ብዉሸጦም ኣንጻር ኣምሓራ ሑቡእ ስምዒት> “ዝደጕሒ” ከምዘለዉ ከነስተብህል ይግባእ። እቶም ብርክት ዝበሉ ቁጽሮም ደገፍቲ ወያነ እዮም።እቶም ዝቐረዩድማ፤ ካብ ኣባላት ወያነ ዝነበሩ ሎሚ ንወያነ ዝቃወሙን፤ ከምኡዉን ደወታኦም ዘየነጸሩ ኣብ መንገዲ ዝታዓነዱ ገለ ካብቶም ሙሁራት ተጋሩ እዮም። ጽርየትና (ደዉታና) ካብ ወየነ ዝተፈለየ እዩ እነተዳአ ንብል ኮይንና ፡ካብ ጎጣይ ባህርያት ምድጓሕ ክንርሕቕ’ለና። ኩላህና ተጋሩ ስለዝኾንና እቲ ዝዓበናሉ እተወለድናሉ ማሕበረስብ ትግራይ <መስራታይ> መስፍናዊ ስርዓት ከም’ሙኳኑ፡”መስፍናዊ ማሕበረ ሰልፍታትናን ”መዉሱቦታትናን ማህበራዊ ርክብናን ባህረታትና’ዉን ከመይ ይመስል ፡ “መን መን “ሙኻኑ እንፋለጥን፤ እንታይ ይመስልን ኣጸቢቕና ስለ’ንፈልጦ ፣ነነራእስትና <ኩኩ -ዕንዱቡ> እነዳተጻወትና ድነቁርናና ኣይንድጓሕ። ወያነ ጸረ- ሀዘቢን ሀገርን እዩ ዝብል ደዉታ እንተዳኣ ሃሊዉና፣ ንወያነ ስለምንታይ ንጽመሞ ኣለና? መርገጺና ዓዉ ኢልና ዘይንጋልሆ እንታይ እዩ’ቲ ዑጉመጉም ፤ ሰንከልከል፡ ዝበለ ቃልሲ እንገብሮ ዘለና? ኣረጋዊ በርሄ አብ ኣዉሮጳ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ኮይኑ <ወየነ ንደገፍቱ ጥራሕ> ብሚሽጥር ንዝገበሮ ኣኼባ ብጽንዓት ብድፍረት ናብቲ ኣዳራሽ ኣትዩ ፤ንሕናዉን ኢትዮጵያዉያን ተጋሩ ኢና ብዛዕባ ሃገርና የእትወና’ዩ ኢሉ እቶም መሳርሒ ናይቲ ጎጣይ ዉድብ ኮይኖም ነቲ ኣኼባ ዝኣከቡዎ ሹማምንቲ ወያነ ፤ <ኣስማቶም> እንዳጸወዔ ፤ ዝምስገን መስተነክራዊ ዘረባ ገይሩ ከምዘፍሸለሎም ዝዘከር’ዩ ።የዒስ ኣቦ! ፡(ብራቮ!) ንብሎ። አቲ ቪድዮ ምስክር’ዩ። ከምዚ ዝበለ ስጉመቲ ደወታ ኣብ ሞንጎና ሎሚ የለን። ተፋላሊና ስለዘለና ብቐጻሊነት ከነርእዮ ኣይካኣልናን። እተን ኣለዋ ዝባሃላ ናይ ፖለቲካ ዉድባት ከም’ኒ <ታንድ> ኮና ከም በርጌሳዊ (ሲቪክ) ማሕበራት ከም <ትግራይ ሶሊዳሪቲ>፡ <ጋሻ ለኢትዮጵያ> ወዘተ,, ናይ ተጋሩ ማሕበራት ምህላወን ዘመስግነን እነተኾነ’ዉን ፡ ካብ ዝምስረታ ጀሚረን (ወያነ ኣብ ክለተ ምስተመቕለት እየን ተመስሪተን- ቅድሚኡ ኣይነበራን) ኣብ ዉሽጢ 7 ዓመት ናብ ኢትዮጵያ፤ ናብ ህዝቢ ትግራይ ሸሊኸን ምእታዉስ ይቕረ፤ ኣብ ወጻእ ንዘለዉ ወያነ ንዝኸስበሎምን ንዘዒሽዎምን ዘሎ ተጋሩ’ኳስ ክስሕቦኦ ኣጸጋሚ ኮይኑወን ይራኣያ’ለዋ። ብሕጽበት ኣእምሮ (ብሬይን ዋሽ) ዝተሰብከ ሕልና ቀለጢፉ ክሳሓብ አጸጋሚ እነተኾነዉን፤ (ምስ’ቲ ወያነ ዘለዎ መንግሰታዊ ምልኪ፤ ሓይሊ ገንዘብን ፤ ተጋሩ ንትግራይ ስድራ ክርእዩ ምስ ዝደለዩ ዘለዎም ፍረሒ፤ ጥርጣረ ፡..ወዘተ ኣጋናዚበካ) ፤አቲ ትግራዋይ “ጋእታ” ንርእየሉ’ለና”። ኣብ ሞንጎ’ተን ማሕበራት ኮነ አባላታተን እዉን ጹኑዕ ርክብ የብለንን (አዚ ድማ ብዝገበርኩዎ ናይ ዉለቀሰባትን ማሕበራትን ናይሑደት ሰሙናት ጽንዓት ተደሪኸ’የ)። ካልእ ቀርዩ ፤ ናይ ባዕለን ዝኾነ ንተጋሩ ከምህርን ከካትዕን ዝኽእል ብትግርኛ ዝዳሎ ጋዜጣ፤ መጽሄትን፣ ወይ ድማ ብትግርኛ ዝዳሎ ድረ -ገጽ (ዌብ ሳይት) የብለንን። ነቲ ማሕበረስብ ተጋሩ ብዝርደኦ ቓንቋ እንተዳኣ ዘይኣቕረባሉ ብየናይ መንገዲ ክራኸባኦ ኢለን ይግምታ? ወያነ ትግራይ ብድምጺ ወያነ ን ፤ ብጋዜጣ ወይንን ብተሌቪዥንን ዘቕርቦም <ነፍሕታትን፤ ዘቕርቦም ዘሎ ዝተዛብዑ ታሪኻትን፤ ከም ዑሉላት ኣጋይሹ ገይሩ ናይ ታሪኽ ተማራመርቲ ገይሩ ዝቖጽሮም ብኣጋይሽነት ዝዕድሞም ናይ ባዕሉ ተጋደልቲ ፤ ብሕሶትን ብጎጠይነት ዝተመረዙ ፤ ጸረ ኣምሓራ ነፍሒ (ፐሮፖጋንዳ) ኮነ ኢሎም ዝነፍሑ ከም’ኒ ተጋደለቲ ፡”ኣታኽልቲ ሓጎስ” ዝበሉ ዉለቀሰባትን ‘ዘርአዊነት’ ዝሰበኩ መጻሕፍቲ ጽሒፎም ዝዘርጉሑ፤ ን ኣእምሮ መንእሰያት ተጋሩ ዝምርዙ ፡ ናይ ግድን፡ ዘን ንወያነ ንቃወም ኢና ዝብላ ማሕበራት በትግርኛ ዝሕተም ጋዜጣን መጽሄትን እንተዝምስርታ፡ ንማሕበረስብ ትግራይ ብቐሊሉ ነቲ ብ ካድረታት ወየንቲ ዝተነዝሐ መጣቖሲ ነፍሒን፤ ጉጉይ ታሪኽን ብቐሊሉ ከምህራን ኣባላት ከራብሓን ንቐለለን ነይሩ። ግን መራኸቢ ሚድያ የብለንን። አዚ ክሓስበሉ’ለወን ንብል።ኢቲ ኣለና ዝብላኦ መራኽቢ ሓበሬታ’ዉን ብቓነቋ እንግሊዝ እዩ። ከምኡ ኮይኑ’ዉን ዑቱብ ቀጻላይ ሓበሬታ እንተቕረባዉን፤ <ቢቢሲ፤ ከምዚበለ፤ <ሲ-ኤን-ኤ> ብዛዕባ ህንዲ ከምዚበለ; እዩ እመበር ዘቕርበኦ ሓበሬታ ወድዓዊ ዝኾነ ኣብትግራይ እንታይ ኩነታት ኣሎ ነቲ መንበባይ ክሕብረኦ ኣይካአላን። ህይወት ዘለዎ (አብቱዴት) ሓበሬታ የብለንን። እቲ ካሊእ ክሕሰበሉ ዘለዎ ዱኹም ጎኒና ድማ፤ እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ ዉሽጥና ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ካብቲ ሑምቱል ምንቅስቓሳትና ክንርደኦ ንኽእል ኢና ።ምኸንያታቶም ድማ <ኣዉራጃዊነት ኣሎ > <ጽርየትን ምፍሑሓቕ ዓጽሚን ጽርየት ደምን ቤተሰባዊ ከባቢያዊ ስምዒታትን ሕምየትን ኣሎ>፤ <ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዉዳበ ዝታኣኻኸብና ስለዝኾንና ዘይ ምርድዳእን ኣልቦ ምትእምማንን ኣሎ> ፡ <ኣካዳሚያዊ ብርጣጠ ዝተሓወሶ አቲ ሓደ ነቲ ሓደ ምንዕዓቕ ኣሎ>፡ <ታ ማሕበር ኣነ ተዘይ መሪሔያ ፋሕ ትበል ዝብሉ ኣለዉ>፡ ወዘተ…ወዘተ.. ባህረታት ነቲ ፋሕታና ምኽንያታት ዕንቀፍቲ ኮይኖም ከምዘለዉ አቲ ዝረኽብኩዎን ዝተዓዘብኩዎን ሓበረታ ክገልጸለኩም እደሊ። እቲ ዝራኣይ ዘሎ ስንፍና ብኡዋኑ ተዘይተኣራሪምናን፤ ነነራእስትና ናይ ከብዲና ኣብ ከብዲና ሒዝና ‘፤ ፖለቲካዊ እምነትናን ኣራኣአያታትናን ናይ ብሕትና (ከምዘሎ) ኮይኑ ነቲ ብዓልየትብሰንኪ ነፍሒ ወያነ ዝጻባእን ዝዳናገርን ዘሎ ዜጋ ከነህድኦ ተዘይኪኢልና ፡ወያነ ብዘለዎ ዑሱብ <ኤርትራዊ መርገጹ> ቀስ ብቐስ እታ ሀገር ከም ግራቱ ይልዉጣን ይሻኾተላን ስለዘሎ፡ አብ መጨረሽታ ምስቶም ካልኦት ኣሕዋትና ኢትዮጵያዉያን አናቒቱ ናብ ዘልኣለማዊት መንጠቢቱ ምንጣቡ ኣይቐርዮን። ከም’ቲ ስብሓት ዝበሎ’ዉን አቲ ብሓይሊ ዝገበትዎ ስልጣን ዝጻበኦም’ተዳ ረኺቦም (ካብ ስለጣን ወሪዶም) “ኣዉቶማቲካሊ” ትግራይ ከም እትፍንጨል ተናዚዙ እዩ። ሃገር ምስ ተበተነት፤ ኣደዳ በጋሚዶታት ኮይና ኣናርኪ ምስ ዓሰላ <ያ ዓዉይ! ሃገረይ> ምባሉ ትርፉ <ዝብኢ ምስ ከደ፤ከልቢ እንተነብሔ> ዝተጨዉየት ዝተበልዐት ላሕሚ ምስ ምራኻ ኣይትርከብን። ጥሪትን ኣብዝባንካ ዝዓረቐ ክዳንን እንተበሊዩኳ ይትካእ፤ዩ፡ ሃገር እንተጠፍአት ግን ኣይትትካእን። መቐየረታ ኣይርከባን! <ቅያር ክዳን እመበር ቅያር ሃገር የለን> ንስመር፤ንዛራረብ። ሰላም ንምነ !!! ጌታቸዉ ረዳ ሳንሆዘ ካሊፎርኒያ // -//