Thursday, February 3, 2022

ዋዕላ ጋንታ ሞሶሎኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ 2ይ ጌታቸው ረዳ ካብዝሓለፈ ቀዳማይ ክፍሊ ዝቐጸለ፤… ETHIOPIAN SEMAY 2/3/2022

 

ዋዕላ ጋንታ ሞሶሎኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ

2ይ

ጌታቸው ረዳ

ካብዝሓለፈ ቀዳማይ ክፍሊ ዝቐጸለ፤…

ETHIOPIAN SEMAY

2/3/2022

ምስ’ዚ ጽሑፍ እዚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ጽራብ እምኒ ኣብ ቤተመንግሥቲ ንግሥተ ሳባ (ድንጉር) (ኣብ ትሕቲ ጎቦዱራ-ማለት ኣብ ምቕማጥ ዒፎይ) ዝተረኽበ ጥንታዊ ጽርበት ምስሊ ሰብ እዩ። እቲ “ምስሊ ሰበይቲ” እያ ኢሎም ተመራመርቲ ይጽሐፉዎ እምበር፤ ኣነ ግና “ምስሊ ተባዕታይ” ኮይኑ ረኺበዮ ኣለዅ። ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ምስሊ “ምስሊ ሐበሻ” ዘይኮነስ “ይሁዳ ወይ ዓልየት ጻዕዳ” ክመዝኾነ ካብቲ ጽርበት ጨጉሩ ምርኣይ ይካአል እዩ። ነዚ’ውን እየ “ተጋሩ” ደምና ካበይ ከምዝተዳቐለ ስለዘይንፈልጦ “ጸረይረይ” ምባል ግደፉዎ ዘብለኒ ዘሎ።

 

እዚ ካብ’ቲ በቐዳማይ ዘቕረብኩዎ “ጋንታ ሙሰሎኒ” ዝጃሃሩሉ “ጽርየት ዘርኢ” ከም ተወሳኺ መረዳእታ እዩ።

ንሕና ተጋሩ ምስዓር እምበር ተሳዒርና ኣይንፈልጥን ዝብል “ብታሪኽ ዘይተረጋገጸ ሕሶትን ትምክሕትን” ብተጋሩ ክድጓሕ ሰሚዕና ኢና። ሰዓራይ “ጊዜ እምበር ናይ ሰብ ጅግና” ከምዘየለ ደጋጊምና ዝብልናዮ ይኹን እምብር እዚ ብዝምልከት ኣብ “ሳልሳይ ክፍሊ” ክንርእዮ ኢና

ካሊእ ድማ ኣምሓራ ገዚኡና፤ ተጋሩ ተወጺዕና ኢና ስለዝኾንና፤ ሃገር ክንምስርት ተገዲድና ይብሉ ኣለው። እቲ ዘቕርቡዎ ሙጉት ድማ “ንሕና ተጋሩ ሥልጣን እንትንሕዝ “ሰላምን ዲሞክራሲን” ዝመስረትና፤መሰል ህዝቢ ዝሓለና ሰብ ጥንታዊ ታሪኽ ፤ ቁኑዓት መማሓደርቲ ነይርና ዝብልዎ ሕሶት፤ ኣብ ዝመጽእ ሳልሳይ ክፍሊ ክንርእዮ ኢና።

ንሎማዓንቲ ግና  እቶም “ጋንታ ሞሶለኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ” በቲ “ኣቦ ሕሶት” ዝነበረ “መምህሮም መምህር ገብረኪዳን ደስታ” እንዳተመልኡ “ሽዋውያን የይሁዳ ኣምበሳ ነገደ እስራል” እንዳበሉ ኣብ ማሕተሞም ዘቕርቡዎ ንግሥና ሕጋዊነት የብሎምን ፤ ደቂ እስራል ነገሥታት ንሕና ጥራሕ ኢና ንዝብሉ ሎሚ ንርኣዮ።

እታ  ሕማሞ  ናይ “ደቂ ሞሶሎኒ ምስረታ ሃገረ ትግራይ” ፍልጥቲ እያ። ንሳ ድማ  “ሸዋ” “ሸዋ” እተብሎም ባዕሎም ዝማሃዝዋ እተእውዮም ዘላ “ቃንዛ” እያ። ንሳድማ ርድእቲ እያ። ንምንታይ ብናይ ሽዋ ንጉሥ ብሃጸይ ምኒሊክ “ተምበርኪኽና ንግሥናና ተመንጢልና” እያ። ንምንታይስ ‘ተሳዓርና’ እያ እታ “ሒሕ” ተብሎም ዘላ።

 

እዞም ደናቑር እዚኦም ታሪኽ “ዝድርጽጹ” ሓሰውቲ እዮም።  ነገሥታት ትግራይ ራእስታትን ነገሥታት ይንበሩ እምበር ንተጋሩ “ረገጽቲ መሰል” እዮም ነይሮም።ንሕድሕዶም ብዓልየትን ንግስና ሐረግን እንዳተማዘዙ ምእንተ “ዙፋኖም” ክብሉ “ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን” ብድሕሪኦም ጠባናጁ እንዳሓንገጡ ሕድሕድ ዘዋድኡዎ ነበሩ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ዘምጽኡሉ ሓንቲ ጨና ዲሞክራሲ ኣይነበረትን።  ሕድሕዶም ራዕሲ ሓጎስ ምስ አሉላ ደበብ ምስ መንገሻ ወዘተ…….እንዳተናቖቱ ሕድሕድ ይቃታተሉን ዝንበሩ እዮም።

እታ ትግራይ ተዘይንውለደላን ተዘይንፈልጣን እኮ ብማዕዶ ንዝሰምዖም  ሰብ ዘስምዑዎ “ዋጭ ዋጭ” ሓቂ ይመስሎ ይኾን።

ኣብ ዶጋሊ፤ሰሓቲ፤ጉንደት…ወዘተ ተጋሩ ጥራሕ ዝተዋጉኡሉ ውዕሎ ኣይኮነን ኢለ ካብ ጎንደር ፤ጎጃም፤ ናይ ወሎ ተዋጋእቲ  ወዘተ.. “መጻዋዕታ ዮሃንስ” ሰሚዖም ኣብ’ቲ ውግእ ዝተዋግኡ ሰራዊት አምሓራ፤ናይ የጁ (አሮሞ) ፈረሰኛታት ብወዲ ልዕልቲ ወለተ እስራል (ዮሃንስ- ንመንገሻ-መንገሻ- ንሥዩም ሥዩም ንወለተእስራል- ንዘውዴ ገብረስላሴ) ወዲ ደጃዝማች ገብረስላሴ ዝኾኑ “ዶ/ር ደጃዝማች ዘውዴ  ገበረስላሴ ብ ቋንቋ እንግሊዝ ዝጸሐፉዎ  ምጽሐፍ ከም ማስረጃ ዝጠቐስኩዎ መረዳእታ “ሓደ ብዘበን ወያነ ዝጸመመ ኹርኩር ወያነ” ዝጻሓፈለይ መልሲ ብእግረ መንገደይ ክነግረኩም።

ክምትዝፍለጥ ደጃዝማች ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ሃገረ እንግሊዝ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝተምሃሩን ዘምህሩን ዝነበሩ ሊቅ እዮም። እሞ እቲ ኹርኩር እንታይ ይብል “ዘውዴ ትግራዋይ ትውልዲ ይንበሮም እምበር አዲስ አባባ ስለዝዓበዩ ናይ ሸዋ ባህረ ሒዞም ሸዋውያን ዝበሉዎም ሒዞም እዮም ጽሒፈሞ” እንትብል ካብ ወዲ ወዶም ንአጼ ዮሐንስ ንላዕሊ ውዕሎ ኣባሓጉኦም ዘናኣእስ “ትማሊ ዝተወልደ ውልዶ ጋንታ ሙሶሎኒ” ንሱ ፈሊጡስ መልሲ ጽሒፉለይ ማለት እዩ።እዚኦም እዮም “ትግራይ፤ትግራይ ሸዋ ሸዋ፤አምሓራ” እንዳበሉ ዝንቁው ታሪኽ ዘባላሽው ዘለዉ ዳናቑር።

እስቲ ናብ እታ ንግሥና ዘርኢ ሰለሞን ናትና ናይ ተጋሩ እምበር ሽዋውያን አምሓሩ ደቂ ወሎን ጎንደርን ንግሥና “ውልዶ ሰለሞንን ይሁዳን” የብሎምን ናብ  እትብል ክትዖም ክትዕ “ኣትባን ደቂቀ ገብረኪዳን ደስታ” ንእቶ።

እታ ንግሥቲ ሳባ ትግራወይቲ ኣኽሱማዊት እያ ኢሎም ዝምኩሑላ ንግሥቲ ሳባ ካብ ኣይሁዳዊ ሰለሞን ዝወለደቶ “ቀዳማዊ ምንሊክ” ኣብ’ቲ ላዕሊ ዝራኣይ ዘሎ ምስሊ ክኸውንን ዘይክኸውንን “ንታሪኽ” ክገድፎ’ሞ ምስ ሽዋን ከምኡውን ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ከምዝተዘርኡ መጽሐፍ “ዛንታ ሀዘጋን ጸዓዘጋን” ከመይ ከምዝመዝገቦ ንርኣይ።

እቲ መጽሐፍ ካብ እቲ ናይ ሎሚ “ትግርኛ” ብብዙሕ መንገዲ “ኣዳማምጻን አጣቓቕማ ፊደል “ጽሕፈትን” ምስ ናይ ሎሚ ዘበናይ ትግርኛ ዘይጣዓዓም ብሙኻኑ ጥንታዊ ትግርኛ ንምንባብ ልምዲ ንዘይብልኩም ኣንበብቲ ንክጥዕመኩም ብዝብል ከይለወጥኩ ከምዝርዳኣኩም ገይረ ከቕርቦ እየ።

“ዶ/ር ፓስተር ዮሃንስ ኮልመዲን” ዝተብሃለ ወዲ ሽወደን  “ዛንታ ሀዘጋን ጸዓዘጋን” ኣብዝተብሃለ ካብ 16ከፍለ ዘመን-ክሳብ 19 ክ/ዘመን ታሪኽ ተጋሩን ኤርትራን ዝነበረ “ኩነታትን ውግእን፤ሐረግ ወለዶን” ብዝምልከት ብትግርኛ ዝጸሐፎ ዘገርም መጽሐፍ ከምቶም “ጋንታ ደቂ ሙሰሎኒ” ዝብልዎ ዓልየትና ጽሩይ፤ ወይ ንግሥና “ንግሥቲ ሳባ” ናትና ናይ ተጋሩ ጥራሕ ዝብልዎ “ሃተፍተፍ” ናቶም ታሪኽ ጥራሕ ከምዘይኮነ ንርኣይ።

ወዲ ንጉሥ ሰለሞን ካብ እስራል ሒዝዎም ዝመጸ 6 ትውልደ ዓልየተ እስራል ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተዘርኡ ይገልጽ። “ደቂ ሽዋ” “ዘእምነገደ ይሁዳ” እንዳበሉ ንግሥና ሰለሞን ናይ ተጋሩ እምበር ናይ ሽዋ ኣይኮነን “ሰሪቖሙና እዮም” እንዳበሉ “ኣትባን ደቂቀ ገብረኪዳን ደስታ” ኣብ ዝብል ኣብ ምስራሕ ዘለኹ ሓዲሽ መጽሐፈይ ብዝርዝር ዝግለጽ ይኵን እምበር ን “ኣትባን ደቂቀ ገብረኺዳን” ብዘገርም ታሪኻዊ ጽሑፍ ኮልመዲን ዝሃቦ ሰነድ “ንኤርትራዊያን ዓበይቲ ዓዲ” ሐቲቱ  ዝጸሐፎ ጥንታዊ ናይትግርኛ መጽሐፍ ብዘካየዶ ምርምር ካብ ንግሥቲ ማክዳ (ንግሥቲ አዜብ) እንትጅምር፤ ንወዳ “ንምለሊኽ” (በቲ ጊዜ ዝነበረ ትግርኛ ምለሊኽ ማለት  “ምንሊክ” ማለት እዩ። ምንሊክ ካብ ንጉሥ ሰለሞን ወለደቶ ይብል።

 ምስወለደቶ፤ ጎበዝ ኮይኑ “ወዲ ሰበይቲ” ኣቦኻ መን እዩ እንዳበሉ ቆሉዑ ኣኽሱም ስለዘጸገሙሉ፤ ኣቡኡ ንጉሥ ናይ እስራል ሙኻኑ ምስ ፈለጠ፤ ኣዲኡ ፈቒዳ፤ ምስ ወላዲኡ ንኽፋለጥ ናብ “እስራል” ምስ ከደ ምስቶም ጸገም ከይረክብ “ዓጅቡዎ” ኢሉ “ንጉሥ ሰለሞን” ዝሃቦም ካብ 6 ነገደ እስራል ዝውለዱ ደቂ ሌዊ (ሌዋዊያን) “ተማሳጢሩ” ታቦተ ሚካኤል ውሰድ ተባሂሉ ዝተፈቕደሉ ንሳ ገዲፉ ን“ጽላት” ዓልዒሉ ምስ ዓጀብቱ ናብ ሃገሩ ተመልሰ”።  ይብል።

እቶም “ዐበይቲ ዓዲ” ከምዚ እንትብል ናይ 300 ዓመት “ኣፋዊ ያታታት” ዝሰምዑዎን ዘንበቡዎን ከምዚ ይብሉ፡

“ንሕና ደቂ ሓማሴን ኣቦታትና ደቂ እስራል እዮም።

ምለሊኽ ግና ምስ ስድርኡ ናብዚ ወጸ። ሽዑ እቶም ደቂ ይሁዳ ምስ ቤተ መንግስቲ ንሸዋ አበሉ። ካብኦም ግና “ዛጓ” እተብሀለ ሐው ምለሊኽ ሐጸይ ሰለሙን ካብ ገረድ ንግስቲ አዜብ ዝተወለዶ አብ ላስታ ተረፈ። ደቂ ሌዊ ኸአ ዝበዝሑ ንተምቤን አበሉ።ገለ ኸአ ንሸዋ ሰዓቡ።

ደቂ ስምኦን ካአ ንሰለዋ ኸዱ። ደቂ ሮቤል ድማ ንቋራ፤ደቂ ሞሴፍ ከአ ናብ ዓጋመ ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ደቂ ሚናብ አብ ደምቢያ ሰፈሩ። ከመዚ ኢሎም አብዚ ምድሪ አትዮም ሰፈሩ። ካብኡ ክምኡ እናበሉ፤ እናበሉ፤እናበሉ በብቑሩብ አብ ኩሉ ምድሪ ኢትዮጵያ ፋሕ በሉ።”

“ ገለ ኸአ ከምዚ ዝበሉ አለው። ብጀካ እቶም ሽድሽተ ዘርኢ  ካልኦት አርባዕተ ደቂ ያዕቆብ፤ዳን፤ንፍታሌም፤ጋድ አሴር እተብሃሉ አብዚ ምድሪ አለው።(ገጽ 5 ዘንታ ሀዘጋን ጸዐዘጋን)።

እሞ መብዛሕትና ተጋሩ ሃይማኖትና “ኦርቶዶክስ ተዋህዶ” ኢና ንብል። ብተዋህዶ እምነት ዝተጽሐፉ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን መጽሐፍቲ ንቕበል ዲና ኣይንቕበልን? እንተዳአ ተቐቢልና ሸዋውያን (ነገደ አምሐራ) ካብ ተጋሩ ዝተፈልየ ታሪኽን፤ ዘርእን ሃይማኖትን ከምዘይብሎም “ሊቃውንቲ ቤተክህነትን” “ዓበይቲ  ዓዲን” ዝመስከሩዎ ሓቂ ሎሚ “ብኸመይ” ትግራይን አምሐራን እንዳበልና ኣብዘሕፍር “ሕምባጠ ጥልያን” ኣብ ጽልእን ውግእን ኣቲና ህዝቢ ነዋድእ ኣለና? እስኪ እዚኣ ምለሱለይ? እስኪ ታሪኽ ተጋሩ ካብ ዘርኢ ነገደ አምሐራ ዝፈልየኩም ነገር ንገሩና?

ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘይኮኑስ ኣብ ልዕሊ ሰገነት ኢትዮጵያ ኮፍ ኢሎም ዝነበሮም ንግሥናን ምቸታን ዘስዐቡዎ ጨካን ግዝኣትን ዘርኢ ምጽናትን ሃገር ብዘይ ባሕሪ ምዕጻውን ፤አፓርታይዳዊ ግዝአቶምን ንንሎሚ ከቕርቦ እየ ኢለ ዝነበርኩዎ ትሕዘቶ ኣብ ሳልሳይ 3ይ ክፍሊ ከቕርቦ እየ…….

3ይ ክፍሊ ይቕጽል……….

ወዳሓንኩም

ጌታቸው ረዳ

ETHIOPIAN SEMAY

 

 

 

No comments: