Sunday, March 10, 2024

ከይተረምጠጠ ኣብ ባዓቲ ሰይጣን ዝዓበየ ስዲ ወዲ አባዲ ካብ ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay) 3/10/24

 

ከይተረምጠጠ ኣብ ባዓቲ ሰይጣን ዝዓበየ ስዲ ወዲ አባዲ

ካብ

ጌታቸው ረዳ

(Ethiopian Semay) 3/10/24

ማሳሰቢያ ለአማርኛና ትግርኛ አንባቢ ተከታዮቼ፤

ይህ ጽሑፍ በትግርኛ የተጻፈ ሲሆን መልእኩቱም መዘክር አባዲ ዘሞ ለተባለ በሱዳን የወያኔ አምባሳደር የነበረው የአንድ እጀ ቆራጣው  የአምባሳደር አባዲ ዘሞ ልጅ የተሰጠ መልስ ነው። ልጁ በትግርኛ ጽሑፍ ትናንት የዘረጋው  በዮሃንስና በምኒልክ መካከል “የልቼ ውል” ስምምነት ሲፈጸም ራስ አሉላ “ምኒሊክን” በድብቅ አስረው እንጀራ እንዲጋግሩ አስገድደዋቸው ነበር”፡ ለሚለው ውሸት እና በቪዲዮው ላይ ይምትመለከቱት የትግራይ ሕዝብ እባብም አህያም አምበጣም መብላት እንዲለማማድ የደሰኮረበት ቻይና አገር ሆኖ “የተጠበሰ የእባብ ቋንጣ” ሲያኝክ ስለዘረጋው አስነዋሪ ተግባር፤ ከባህልም ከሞራልም የሚያስኮንን ተግባር መሆኑ የሰጠሁት መልስ ነው። አማርኛው አንድ ቀን እተረጉመዋለሁ እና እስከዚያው ትግርኛውን ማስቀደም ግድ ሆኖብኛልና ቪዲዮውን ብቻ እዩ። Video attached below at the end of this post.

ንተጋሩ፡

ነዊሕና ከይትብሉ ሕሶት እምበር ታሪኽ ብሓጺር አይስነድን። ታሪኽ እንዳጋናዘብካ ዝቐርብ ስለዝኾነ ተጸሚምኩም ጉዱኩም ስምዑ።

ቆልዓ እንተስድድ መን ይጽረፍ ? ወለዲ! እወ ዶ? ስዲ ወዲ ስዲ ይባሃል። ናይ ቀደም ወለዲ ለባማት እዮም። ኣነ እውን እታ ናይ ወለዲ እየ ዝስልሞ ዘለዅ። ለሚ ክዝቲየሉ ዝደለኹሉ ምኸንያት ክልተ ነገራት እየን። ትማሊ በመዘክር አባዲ ዘሞ፤ ወዲ “አስመላሽ ዘሞ ገብሩ” ንሃጸይ ምንሊክ ዘዋርድ ስድነት ዝተመልኦ ብበለካ ለኽዓካ ዝሰምዖ ጽሑፍ ስለዘንበብኩ ብኡ ክዝቲ እየ። ምስኡ’ውን “ዝተጠብሰ ቋንጣ ተመን” እንዳሓየኸ እውን ንህዝቢ ትግራይ አምበጣን አድጊን ምብላዕ ነውሪ የብሉን (ልመዱዎ) ዝብል ወፍሪ አንጻር “ሃይማኖትናን ባህሊ ሃገርናን” ቪዲዮ ለጡፉ ርኢናዮ።  ከይ ተሰከፈ’ውን ከምዚ ይብል፡-

<< “ኣድጊ ናይ Biniam Tewolde ንምሳሕ በሊዕኻ ፤ ድሕሪኡ ኣንበጣ ናይ Woldegiorgis G. Teklay ነቲ ኣብ ኣስናንካ ዝተቐርቀረ ናይ ኣድጊ ስጋ ንምውፃእ ከም “ስቴክኒ” ትጥቀመሎም:: ድራር'ኳ ተመን እዩ:: ... ኖርማል እዩ”።>> ብምባል ሥልጣን ወለዱ ተሓንኪቡ ፎቖዶ ቻይና ምስ አዋልድ ቻይና ንክዕንድር  (‘ቢኒያም ተወልደ” ኣብ ትግራይ ዝነብር (ብጻዩ ንአብይ አሕመድ ዝነበረ ይመስለኒ) ሥጋ አድጊ ዝበልዕ ይመስለኒ፤ ብድሕሪ ድማ አምበጣ ቆልዩ እንትበልዕ ብቪዲዮ ዝራኣናዮ ወ/ገርግስ ገ/ተኽላይ ዝባሃል ኣብ ካናዳ ዝነብር )፤ ክልቲኦም ንመዘክር ከም “አይካን /መርኣያ/” ኰይኖሞ ናቶም አሰር ስዒቡ አድጊን አምበጣን ተመንን ሉሙድ ‘ምሳሕን ድራርን” እገብሮ ኣለኹ ብምባል፤ ኣብ ቻይና ዝገበሮ ጽያፍ ባህረ ዝተጠብሰ ቋንጣ ተመን እንዳሓየኸ ንመንእሰይ ትግራይ (ምናልባት እውን ንዓበይቲ) ጸያፍ ባህረ ከምህር ርኢናዮ ። እኒ መዘክር አባዲ ‘ጽባሕ ቅንይ ኢሎም” ሥጋ ሰብ ጡዑም እዩ ‘ሰብ ሓሪድኩም ብልዑ” ከምዘይብሉና ርግጸኛታት ኣይኰን’ናን። የድሕነና እዩ ዝባሃል!!  ብክልቲኤን ክዝቲ እየ።

መዘክር አባዲ መን እዩ?

እዚ መንእሰይ እዚ ኣብ ጓጓ ወያነ ዝዓበየ ፤ ወለዱ ሕዝብና ዘሳራጠዩ፤ ሓፍቲ ኣቡኡ ብወላዲኡ “እሺታ” ብጥይት ወያነ ዝተቐትለት ሕማቕ “ማሕደረ ገበን” ካብ ዘለዎም ስድራ ወየንቲ ዝተረኽበ እዩ።

ድሕሪ 2020 “ስዕረት ወለዱን ስዕረት ናቱን” ናብ መቐለ ምስ ኣተወ ፤ ካብ መቐለ ሃዲሙ ‘ምኒሊክ ኣብ ዝመስረታ ከተማ አዲስ አባባ ኮይኑ’፤ ‘ዘሎን ዘየለን’ ካብ ጓጓ ወየንቲ ዝረኸብኩዎ <<ኣነ ዝፈልጦ ምስጢር ክቃድወኩም>> እንዳበለ ዝዝርግሖ ዝነበረ ምስጢራት ፤ኩላትና ኣሚን’ናዮ እንተነበርና እውን ‘ሎሚ’ እቲ ዝዝርግሖ ወረ “በለካ ለኽዓካ ሕሶት እንዳቃረመ” ሰብ የጋጊ ከምዘሎ ‘ተራጢረ’ ኣለዅ። እቲ ምንታይ፤ “ራዕሲ አሉላስ ንአፄ ምኒሊክ ‘ቡን’ ወቒትካ አፍልህ ዶ፤  ቢሑቕ ለዊስካ ዓይኒ ዘለዎ  እንጀራ ሰንክት ኢሉ ብግዲ ኣድኒኑ አሰንኪትዎ” ፡ ኢሉ ምስ ጻሐፈ “በቃ ዝወዲ እዚ ንሕሶት ዝተፈጥረ ‘ብተፈጥሮ መናግዒ (ፓተሎጂካል ላየር) ኮይኑ ከምዝተፈጥረ ኣሚነ ኣለዅ። ስለዚ ዝኾነ ጹሑፋቱ አድቂቅኩም ብጥርጣረ ዓይኒ ራኣዩዎ።

መዘክር አባዲ ዘሞ ወዲ አስመላሽ ዘሞ እዩ። አስመላሽ ወለዱ ዝሰመይዎ መጸውዒ ሽሙ እዩ። ምስ ወደነ ግና (ምስ ሸፊተ ግና) ዝተውሃቦ መጸውዒኢ ስሙ “አባዲ” ይባሃል። ካብቶም ቀዲሞም ዝወደኑ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሻዕቢያ ከረክቡ (ናብ ደደቢት ዝኾብለሉ) ዑሱባት ሻዕቢያ ሓደ እዩ። ኣብ ኵናት ሓንቲ ኢዱ ዝሳኣነ እዩ። “ኤፈርት” ዝባሃል ብሽም ዘኽታማት ዝታአከበ ብቢሊዮናት ዝንቃሳቐስ “ቄሳራዊ ንግዲ” (ቢዝነስ ኤምፓር) ዝመስረተ ፤ ብዘይ ሕጊ ንብረት ዘኻዕበተ ‘ሰብ ኣክስዮን’ ተባሂሎም አስማቶም ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጣታት ነጋሪት ዘአወጁ ካብቶም በጋሚዶታት ሓደ እዩ። ክሳብ መወዳእታ ኣብ ሱዳን ናይ ወያነ ወኪል ኮይኑ ብስም አማባሳደር ዝሰርሕ ዝነበረ ማእለያ ዘይበሎም ተጻባእቲ ወያነ ዘጭወየ እዩ።

አባዲ ዘሞ ወለዱ ካብ ይሓ (ዓድዋ) ተሰዲዶም ናብ ኣኽሱም መጺኦም ካብ ደቂ ኣኽሱም ተደቒሉ ዝተወልደ እዩ።ምሳይ ቀረባ ምሕዝነት ነይሩና። መታዕብይቲ ኢና። አስመላሽ ዘሞ (አባዲ ዘሞ) ብባህሪኡ ግሩም ሰብ ይንበር አምበር፤ ልክዕ ከም ማሓዝኡ አባይ ፀሃየ ምስ ብዙሕ ሰብ ኣይሕወስን። “ተብርህ ዘሞ” እትብሃል ምንኣስ ምንኣሱ ኣንጻር ወያነ መትክል ስለዝነበራ ምስኪነይቲ “ብጥይት ወያነ ንክትቅዘፍ” ዝገበረ፤ በምጥርማም ዝወሰነ ዘገርም ሰብ እዩ።

  እዚ ካብ በልኩ ናብ እቲ ዘይተረምጠጠ (ስዲ) ወዱ ናብ መዘክር አባዲ ክምለስ።

ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ፤ ክልተ ነገራት ርኢየሉ። ሓደ ንሃጸይ ምኒሊክ ብዘይግባእ ብዘይመርትዕ ሁቦቡላ ከወርዶሎም አንቢበዮ። አቲ ካልእ ድማ ሕዝቢ ትግራይ ሥጋ  አድጊን ኣምበጣን ተመንን ምብላዕ ልመዱዎ እንዳበለ ባህልናን ሃይማኖትናን ክዳፈር ምርኣይ እዚ ጣላይንን ወጻእተኛታትን ክገብሩዎ ዘይደፈሩዎ ወፍሪ ብከላ ‘ፊት ንፊት’ ክደፍር ርኤዮ።

 ንሃገርናን ንሃይመናኖትናን ንባህልናን ክብርዝ ብቆልዕነቱ ኣትሒዙ ዝተምሃሮ ብከላ <<ወያኔዊ “ሰብቨርዢን” ወየንቲ ተጋሩ ይቀበሉዎ’ ይኾኑ ምበር፤ ንሕና ኢትዮጵያዊያን ተጋሩ ግና ክውገዝ ዘለዎ ‘በካሊ ሃይማኖትን ባህልን’ ፤ጉዙእ ሰብ ሙኸኑ ነውግዞ። ባሕርና ዘመንጠሉና ከይኣኽሎም ሎሚ ድማ ብደቆም አትባን ብልዑ ይብሉና ኣለው። እቶም አባሓጎታቶምስ እዚ እንትሰምዑን እንተዝርእዩን እንታይ ኮን ንበሉ?

እቶም ብህይወት ኣለው ዝባሃሉ ወለዱ እንታይ ኮን ይብሉ ከይንብል፤ ያው ወለዱ ንኢትዮጵያ ዝኻሓዱ ካሓድቲ እዮም (ወየንቲ እዮም)፤ ስለዚ ባህሊን ሃይማኖትን ሃገርን ክክሕዱ ዝተጋደሉ ስለዝነበሩ ፤መዘክር አባዲ ዘሞ’ ዝስከፎን ዝፈርሖን ዓይኒ ወላዲ የብሉን ኢልና ንዛዝሞ።

ወላዱ ኮነ ንሱ ንባህሊ ጥራሕ ዘይኮኑስ ንኢትዮጵያ ዝኻሓዱ ኢትዮጵያ ናይ 100 ዓመት ሰረት ዕድመ ዘለዋ ሃገር እያ፤ ኢትዮጵያ ማለት ትግራይ ጥራሕ እያ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝባሃል ዮሃንስ ካብ ግዝኣት አምሓራን ትግራይን አይሰግርን፤ዝበሉ ኣንጻር ዮሐንስ፤ አንጻር ታሪኽና ዝተበገሱ ስድራ ቤት እዮም።

ሕዚ ናብ’ቲ ብሕሶት ዓብዩ ብሕሶት ዝደበለ ‘መዘክር ዘሞ’ ዝሓሰወና ኣብ እዋን ሰምምዕ “ውዕል-ሊቼ” ራዕሲ ኣሉላ ንሃጼ ዮሃንስ “አገዲዶም እንጀራ ክስንክቱ ገይረሞም” ናብ ዝብለና ዘሎ ታሪኽ እስኪ ንርኣይ።

መቸም መዘክር እንትዓቢ ዘይተረምጠጠ ስዲ ከምዝኾነ ገላ ለባማት ዝተገረምኩም ሰብ ሕሊና ከም’ትህልው እአምን። ካብ ምግራም ንንየው እንታይ ምባል ይካአል? ዘለናዮ ዘመን ወየንቲ “ስሚ ዘለዎም ተኽሊታት” እዮም ኣብቒሉልና ከይዶም። ምኒሊክ እንኳይዶ ዳሓር ዘሐሽከሩዎም ንኣሉላ ቡን ክወቕጡን አንጀራ ክስንክቱን ንኣሉላ ንዮሐንስ እውን ተናሓናሓይ ከምዝነበሩ ንፈልጥ።

እቲ ታሪኹ ከምዚ’እዩ፦

ሃጸይ ምኒልክ 1857 ሃጸይ ቴዎድሮስ ከም ዝሞቱ ምስ ሰምዑ  ሃጸይ ምዃኖም ኣወጁ። ተክለ ጻድቅ መኩርያ "ሃጸይ ተዎድሮስ ንሓድነት ኢትዮጵያ " ኣብ እትብል ዘርእስታ መጽሓፎምሸዋ፤ ጎጃምን ካልኦትን ዝመሰሉ ዓበይቲ ኣውራጃታት ኣምሓራ ክውንኑ ይፍትኑ ከምዝነበሩ ይጠቕሱ።ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ግን ድሕሪ ሞት ሃጸይ ቴዎድሮስ 1864 ኣብ ውግእ ንሃጸይ ተክለ ጊዮርጊ ስዒሮም ሃጸይ ኰኑ።

ሃጸይ ምኒሊክ ካብ 1864 ክሳዕ 1870 ሃጸይ ዮሃንስ ሃገር ክገዝኡ ከለው ንሸውዓተ ዓመታት ክልቲኦም ንስልጣን ይናሓንሑ እዮም ነይሮም ። እዞም ክልተ መራሕቲ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ጋግ ንምትዕራቕ ተሰማምዑ። ከመይሲ እቲ ናይ ስልጣን ንሕኒሕ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ውሽጣዊ ኮነ ደጋዊ ጸገማት ምስ ዝነበረ ኩነታት ተወሳኺ ዕግርግር ውግእ እንተዳኣ ተወሲኹዎ ንሓድነት ነታ ሃገር ጠቓሚ ከም ዘይኰነ ስለዝተገንዘቡ፤በ1870 ዕርቂ ክገብሩ ወሰኑ::"ውዕል ልቼ" ተባሂሉ ዚፍለጥ ውዕል ሰላም ድማ ፈጠሩ።

ብመሰረት እቲ ውዕል ንጉስ ምኒልክ ነቲ "ንጉሠ ነገሥት ዝብል ማሕተሞም " ሃጸያዊ መዓርግ ምጥቃምን ምሕታምን  ከቋርጽዎ ተሰማምዑ ንጉሥ ጥራሕ ክባሃሉ። ብሕጊ እንተዳአ ኮይኑ ንጉስ ምኒልክ ነዊሕ ዝምዘዝ ወዲ ነገሥታት እዮም፤ ካሳ ምርጫ ግና እቲ ንግሥነት ብናይ እንግሊዝ ብረት ሓገዝ ዝረኸቡዎ “ኣጭዋዳ” እምበር ንግሥና ሰረት ክሳብ ክንዲዚ ዝመዘዝ ንግሥና ትውልዲ የብሎምን። ኣብ ትግራይ ድሕሪ ንግሥና ኣኽሱም ፤ ኣነ እየ ነጋሲ ኣኽሱም ወይ ዝውለድ ኢሉ ካብ ኣኽሱም ዝመዝዝ መራሒ (ንጉሥ ትግራይ) አይነበረን።

 ኰይኑ ግና ነቲ ካብ ኣቦሓጎኦም ዝወረሱዎንግስና” ሸዋ አጼ ዮሐንስ ኣጽደቑሎም (ብስምምዕ) ካብቶም ፌርማ ዝርዝራት ሓደ “ዮሐንስ እንተ ሞይቱ ንግሥና ዝወስድ ምኒልክ ከምዝኾኑ ተስማሚዖም እዮም” (እቲ ኣብ ትግራይ ዝቦኩኽ ዝነበረ ዘራጊቶ (ኣባ ኾበራ) መንገሻ ዮሐንስ እዩ ወራሲ፤ ዝብል ‘ከርከባ’ ነቲ “ናይ 1870 ውዕል ልቼ ዝጥዕስ እዩ”።

ከመይሲ እቲ ናይ ስልጣን ንሕኒሕ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ውሽጣዊ ኮነ ደጋዊ ጸገማት ምስ ዝነበረ ኩነታት ተወሳኺ ዕግርግር ውግእ እንተዳኣ ተወሲኹዎ ንሓድነት ነታ ሃገር ጠቓሚ ከም ዘይኰነ ተገንዚቦም ዝተሳማምዑሉ ምኒሊክ ገዚፍ ተራ ነይሩዎም።

ዮሀንስ ግና ካብ ናፒየር ዝተዓጥቑዎ ንንግስና መደየቢ ሰረት ዝዀኖም ሓይሊ ሒዘ እየ ኢሎም ብምከሐ ገስጊሶም ንሽዋ ይምጽኡ እምበር ፤ ኣመኻርቲ ምኒሊክን ባይቶ ቁሸታትን ግና ዮሐንስ “እንዳ ሃለሉ ካብ መጹ ኣብ ዘይፈልጡዎ ከባቢ ስለዝኾኑ ኣኳሊምና ክንወቕዖም ንኽእል ኢና” ኢሎም ንምኒሊክ “እንተማዓዱዎም” ድሕሪ ብዙሕ ምስልቻው ኣኳሊሞ ከምዘጥቁዑ ህዝቢ ከይቕበሎም ከምዘአድሙሎም እውን ዝግምት እንተነበረ እውን  እቶም ንጉሥ ሚዛን ሓይሊ ክንደዚ ዘየፍረሖም ኮይኑ እንተገመቱ እውን፤ እቲ ቀንዲ ግና ሓድነት ሃገር ስለዝህውኽ ሕዘቢ ከይውዳእ  ኣነ ንጉሥ ክኾን ዮሐንስ ንጉሠ ነገሥት ይኹን ብምባሎም መኳንንቲን ህዝቢ ሽዋ ከ”ምዘይተሐጎሱ” ግጥሚ ገጢሞሙሎም እዮም። እቲ ግጥሚ ናብ ትግርኛ ምትርጓም ገዲፈ ከምዘሎ ከቕርቦ እየ።

<<ሲሆን ተከናነብ ሳይሆንም አጣፋው

መታጠቅ (ማደግደግ) አይሆንም

ለ’ንዳንተ ያለ ሰው::

እንዴት ያለ ሩቅ ነው ጭንቅ ያለው መንገድ

አሻቅቦ ወጥቶ ወደታች መውረድ:>>

ዝብል ግጥሚ ብኩራ ገጢሞሙሎም እዮም። ተጋሩ ነዚ “ፍርሒ” አሎም ክትርጉሙዎ ከለው ሊቃውንቲ ግን “በሊሕ ዲፕሎማት” ኢሎም ንምኒሊክ ይንእዱ።

 ምኒሊክ ጊዜ ዝሕሉው፤ቀስ ኢሎም ዝጥምቱ መስተውዓላይን ዲፕሎማትን ሙዃኖም “ደቂ ፊውዳላት ወያነ ተጋሩ” ተዘይፈለጡዎም እውን ወጻእተኛታት ግን ይምስክሩሎም እዮም።

ንምሳሌ ኣብ ሓጋይ ኤርሊክ ዝተብሃለ መጽሐፍ ታሪኽ አሉላ ዝደረሰ እስራላዊ ኣይሁድን ከምኡ እውን ኣብ እዋናት ውግእ ዓድዋ ዝነበረ እንግሊዛዊ “Wylde” ዝተብሃለ ኣብ ሞንጎ ዮሀንስን ምንሊክን ዘለዎ ናይ ሕሊና ብስለት ከምዚ ይገልጾ፡-

 << Alula was also undoubtedly moved deeply by Menlik’s well organized political and military power. By far greater than which the shattered Tigre could have mobilized, even if united.>  The British traveler A.Wylde who thought that <<King Yohannes as a monarch certainly ranks before any of his modern predecessors was also impressed in his first visit to Addis Ababa in late 1896:” (አሉላ ጥራሕ ዘይኮኑስ ዮሐንስ እውን  ናብ ኣዲስ አባባ አብ ፈላማይ እግሮም ከይዶም ምስ ንጉሥ ምኒሊክ ምስተራኸቡ ብምኒሊክ ተገሪሞም ይብል” Wylde

ብምቕጻል Wylde ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ጋዜጣ እንግሊዝ ጽሒፉዎ እዩ።

<< King Menlik seems to be a very eloquent speaker and a very intelligent man. Well informed on all things local and foreign, and certainly the cleverest Abyssinian that I have ever came across. King Yohannes was a child compared to him. Ras Mengesha, the would be pretender to the throne, who says the world is flat, can never hope to make any headway against such powerful opponent. As long as King Menlik, his nephew Ras Mekonnen and his brother-in-law Ras Woly are alive there can be no chance of any rebellion” (Wylde unofficial mission  to Abyssinia- the Manchester  Guardian) (Ras Aula and the scramble for African  -Political biography; Ethiopia & Eritrea 1875-1897 Haggai Erlich- p. 187-188)

ብሓጺሩ Wylde ዝብለና ዘሎ ‘ብስለት ምኒሊክን ብስለት ዮሃንስን ፍጹም ናይ ቆልዓን ናይ ለባምን ፍልልይ’ ከምዘለዎም እዩ ኣብ ጊዜ ውግእ ዓድዋ ዝነበረ Wylde ዝነግረና ዘሎ።

ንጉስ ምኒልክ ክኢላ ልሳነ ርቱእ ፤ በሊሕ ተዛራባይን ወረጃን መስተውዓላይን እዩ። ዳርጋ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘሎ ነገራት ዝፈልጥ ፤ ክሳዕ ሕዚ ካብ ዝረኣኽዎም መራሕቲ ኣቢሲንያ እቲ ዝበሰለ በሊሕ መሪሒ ኮይኑ ረኺበዮ። ንጉስ ዮሃንስ ምስኡ (ምስ ንጉሥ ምኒሊክ) ኪነጻጸር ከሎ  ብስለት ዮሐንስ ዘይበሰለ ቈልዓ እዩ ነይሩ ክብል እኽእል።>> ኢሊ እዩ መስኪሩ። ተጋሩ እዚኣ ትዋሓጠሎም ዶ? እግዚሔር እንተዝብላ እውን ኣይቅበሉዋን።

አሉላ ኸ?፡ብዝብል አርእስቲ ብሓጺሩ እቲ መጽሐፍ ከምዚ ይብል ፤-

አሉላን ራስ መንገሻን ንምኒሊኽ ክግብሩ ኢድ ነሲኦም ናብ ሽዋ ምሰከዱ “ራስ አሉላ” እውን ብሃጸይ ምኒልክ ብስለትን ድርጀውናን ወረጃነት ዝመልኦ ብክእለት መንግሥታዊ ምምሕዳሮምን ሓያልነቶምን ከምዝተገረመን ስምዒቱ ኩሉ ከምዝተስሓበን ይገልጽ። እኳዳኣ “ራእሲ መንገሻ ናብ ትግራይ ክምለሱ እንተለው ራእሲ አሉላ ኣይከድን ምስ ንጉሰይ እየ ዝጸንሕ ኢሎም ንምኒሊክ ከገልግል እየ ፤ ኢሎም ከምዝቐረዩን፤ ምኒሊክ ድማ በል ካብ በልካ ጽናሕ ከምዝበሉዎም ኣብ እቲ ዝተጠቕሰ መጽሐፍ ገጽ 187-188 ኣሎ።

ቡን ቁለወለይ እንጀራ ሰንክት ታይዶስ በይዶስ….ኢሎም አሉላ ንምኒሊኽ ብግዲ አሰንኪተሞም ዝብለና ዘሎ ምስኪናይ መዘክር እቶም ራእስ አሉላኻ ንምኒሊኽ ምስራአዩ ተገሪሞም ዶ? እትብል ሕቶ ከመይ ከምዝነበረ ንርኣይ፡

Was Alula also so impressed?

When on 11th June 1894, the Tigrayan rases came to the court to swear allegiance to Menelik and to ask permission to return to Tigre. Alula reportedly refused to go north. Instead “he asked the Emperor’s permission to stay with him and not to follow Mangascia to Tigre.” “Menelik quickly agreed” “as my master’s son submits “Alula was quoted as saying when he left the room “I will go to the real master”. (Two years later Alula told this secret to Wylde )

ብሓጺሩ “ራስ አሉላ” እውን ከም ዮሐንስን ከም መንገሻን ብሃጸይ ምኒልክ ብስለትን ድርጀውናን ወረጃነት ዝመልኦ ህንጸት መንግሥታዊ ምምሕዳሮምን ሓያልነቶምን ከምዝተገረሙ ስምዒቶም ኩሉ ከምዝተስሓበን እዩ Wylde ዝነገረና።

እቲ ኣብ “ባዓቲ ሰይጣን” ዝዓበየ “ስዲ” ወዲ አባዲ ግና አሉላ “ንምኒሊክ እንጀራ ዶ ቡና ዶ አሰንኪትዎ” ሰሚዔ ኢሉ እቲ ዝሰምዖ ሕሶት ከምቁም ነገር ቆጺሩ እሞ ድማ ኣብ ግዝኣት ምኒሊክ ኣብ ሽዋ ኣብሞንጎ ኣንኮበርን ደብረብርሃን እትርከብ ዋና ከተማ ምኒሊክ ወዲ አባዲ ከይሓፈረ ከምዚ ይብል፡=

<< …ንሚኒሊክ ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ ፀሊእዎ ዘሎ:: ክቐትሎ ዋላ እንተደለየ ዮሃንስ ከሊእዎ እዩ ዘሎ:: ምቕታል ዋላ'ኳ እንተዘይክኣለ ከዋርዶ ግን ደለየ:: ሓደ ሓሳብ'ውን መፅኢሉ ኣሉላ::

ራእሲ ኣሉላ ንምኒሊክ ቡሑቕ እውሂቡ እንጀራ ንኽጋግር ኣገደዶ:: ምኒሊክ ድማ ነታ ክቢ ከስሓተ ከመይ ዝበል ዓይኒ ዘለዎ እንጀራ ጋገረ:: እንጀርኡ ጋጊሩ ምስ ወድአ ድማ ምኻድ ከም ዝኽእል ተነገሮ:: ጎዩ ከይዱ'ውን ንሃፀይ ዮሃንስ እንጀራ ኣጋጊርኒ ኣሉላ ኢሉ ነገሮም:: ዮሃንስ ድማ ብጣዕሚ ተቆጢዖም ንኣሉላ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቦምዎም::”” ይብል ስዲ ወዲ ስዲ መዘክር አባዲ።

መዘክር ንሃጸይ ምንሊክ ኣንታ እንዳበለ ከቋናጽቦም ከሎ ንአጼ ዮሃንስ ግና “ብኣኽብሮት-አንቱታ’ ክጽውዖም ምርኣይ ዘርእየና መረዳእታ ኩሉኹም እትፈልጡዎ “ልኢ ዝተጣጠነ ነፋሒቶ ወየንቲ ተጋሩ” ከምዝኾነ መሰረቱ ትፍለጡዎ ኢኹም ኢለ እግምት። እቲ መጸለምታ እውን ካብኡ ዝነቐለ እዩ። ኩሉ ሕሶት ወዲኦም ሙኻን ምስኣበዮም ናብ’ዚ ሕሶት እዚ ኣትዮም።

   ነገሥታትን ዓበይቲ ዓዲን ምውራድ ካብ ጥልያንን ካብ ሻዕቢያን ዝተምሃሩዎ ፎቖዶ ዱር ዝዓበዩ መንእሰያት ወየንቲ ትግራይ እዚን ወዲዚን እንዳተዛረቡ ትግራዋይነትና ክንፍንፍኖ ይገብሩና ኣለው።ይኹን እምበር ኢትዮጵያዊ ተጋሩነትና ሒዝና ብታሪኽ ክንስዕሮም ኢና (ናይ ጊዜ ጉዳይ)። ኣይትገብሩዎን ኢሎም አናሺወሙና ነይሮም ግና ሞጚትና ካብ ሥልጣን ሰጒጙናዮም ፡ ሎሚ መብዛሕቶም ኣብ ባዓቲ ትግራይ ተቐርቂሮም ከም ጠበቕ ሐሪሮም ከምዝተርፉ ገይርናዮም። ሎሚ እውን ምስቶም ከም ብሓዱሽ ዝተተክኡ  “ሓደሽቲ ደቂ ሙሶሎኒ” ቃልስና ቀጻላይ እዩ፡፤

መዘክር ዝላአኾ መን እዩ? ስለምንታይ ባህሊን ሃይማኖት ሓበሻን ከባላሹ ይፍትን ኣሎ?

መጀመርታ አጼ ዮሐንስ ብዛዕባ ባህሊ ብዝምልከት ንግሥቲ ቪክቶርያ ዝላኣኹዎ ደብዳቤ ካብ ዶ/ር ገላውዴዎስ አርአያ (ቀደም ኢትየጵያዊ ትግራዋይ ሎሚ ወያነዊ ትግራዋይ) ብ2006 Martyerd King of kings Emperor Yohannes iv of Ethiopia (Gelawdewos Araia July 3 2006) ከምዚ ይብል፡-

<< “An enemy is not just the one that comes and grabs our land; it is also the foe that corrupts our culture and social system by creating half castes.(Emperor Yohannes letter)

እዛ <<it is also the foe that corrupts our culture and social system by creating half castes.>>

 እትብል ንመዘክር አባዲ እትምልከት እያ። ጸላኢ ወራሪ ጥራሕ ኣይኮነን ፤ ጸላኢ ማለት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተወልዱ ደቂ ሃገር  “ድቃል ባህሊ” ናብ ሃገር ክኣቱ ብምግባር ንባህልናን ንማሕበራዊ ስርዓትናን ዘበላሹ ጸላኢ ኢዩ። ማለት እዩ። ደብዳበ አጼ ዮሃንስ ዝነግረና ድማ ባህሊን ሃይማኖትን ዘባላሹ ወዲ ሃገር ይኩን ወዲ ወጻእ ‘ቀንዲ ጸላኢ ሕዝቢ” ከምዝኾነ እዮም ብደብዳቤ ዝገልጹዎ ዝነበሩ። ብግብሪ ድማ ከም እኒ መዘክር ዝበሉ “ድቃላት ወያነ” ዝገብሩዎ ዘለው ባህላዊን ሃይማኖታዊን ወራር  (ሳብቨርዥን) እቲ አጼ ዮሐንስ ክኻላኸሉዎ ዝፈተኑዎ “ብከላ በህሊን ሃይማኖትን” ወዲ አባዲን መሰላቱን ኣብ ወፍሪ ብከላ (ካልቸራል ሳበ ቨርዥን) ይዋፈሩ ኣለው። ሰጋ ኣድን ፤ አተማንን ንልመድ ይብሉ’ለው፡፡

እቲ ካልእ መዘክርን ወለዱ ወየንቲ ኤርትራ እትባሃል ምስ ትግራይ/ኢትዮጵያ ርክብ ኣይነበራን ዝብሉና ዝነበሩ ጥራሕ ዘይኮነስ “ኢትዮጵያ እትባሃል” ካብ ትግራይን ካብ ጎንደርን ጎጃምን ኣይትሓልፍን ነይራ ዝብሉዎ ዝነበሩ ሑሶት እውን እቶም አጼ ዮሃንስ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐሱዎ እንደገና ምጥቃስ የድሊ።

 ሕዚውን ብገላውዴዎስ ምስክርንት ናይ አጼ ዮሃንስ ደብዳቤ፡-

<<You must understand, what we call our country is from Massawa to Atbara; from Berbera to Gedarif; from Gambella to Kassala. This is our country Ethiopia. I am enraged when they touch my Ethiopia that I always think of when I pray and read the Songs of David.>>

<<ክትርድኡለይ ዘለኩም፤ ኢትዮጵያ ኢልና እንሰምያ ሃገርና ካብ ምፅዋ ክሳብ ኣትባራ ካብ በርበራ ክሳዕ ገዳሪፍ ካብ ጋምቤላ ክሳዕ ከሰላ፤ እዚይ ኩሉ መሬት ሃገርና ኢትዮጵያ እዩ። እታ ዝግደሰላን ዝስውንወነላን መዝሙረ ዳዊት ዝጽልያላ ሃገረይ ኢትዮጵያ (ጸላእቲ) ክትንክፉዋ ከለው ኩል ጊዜ እነድር።>> ይብሉ ንጉሥና አጼ ዮሐንስ።

 ሎሚ ደቂ ሙሶሎኒ ዝዘርውዎ ዘለው እኒ መዘክር ኣንፃር ወለድናን ኣንጻር ባህልናን ኮይኖም ወለዶም  ባሕሪና ዓጽዮም መሬት ኢትዮጵያ በቁንጣር አውራጃታት እትልካዕ ከምዝነበረት ን 17 + 27 ዓመታት ዘምሃሩዎ ጉጉይ “ወፍሪ’ ዘርጊሖም ዘባላሸውዎ ከይኣክል ደቆም እኒ መዘክር እውን ናይ ወለዶም ባህሊ እንደሳዓቡ ብዘይ ኣግባብ ነገሥታት ምድፋር “ተመን ምብላዕ” ስልጣነ ገይረሞ ባህልናን ሃይማኖትናን የበላሽው ኣለው።

ካብዞም ካብ ግሃነመ ሰማይ ዝነጠቡና ሞትን፤ስደትን፤ መከራን፤ ሓዘንን ድኽነትን ዘምጽኡልና ጉልሓያት “ደቂ ሙሶሎኒ” ትግራይ ሓራ ንክትወጽእ ጸሎትን ምህለላን ግበሩላ!

ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay) 3/10/24