Sunday, March 25, 2018

ግበረ መልሲ ንዶ/ር ሙሉወቅርን መምህር ገረኺዳን ደስታን ጌታቸው ረዳ (ኣሰናዳኢ Ethio Semay) ፩



ግበረ መልሲ ንዶ/ር ሙሉወቅርን መምህር ገረኺዳን ደስታን
ጌታቸው ረዳ (ኣሰናዳኢ Ethio Semay)
ዶ/ር ሙሉወርቅ!- ኣነን ንስኻን ብሓባር ኣብ ሓደ ማኣዲ ቤት ትምህርቲ እንትንማሃር ዝራኣኹልካ ዓሌታዊ ባህረ ኣይነበረን። ብድሕሪኡ ተፋላሊና፡ ናብቲ ጸጋማዊ ጉጅለ ዝባሃል ኢሕአፓ ከይድካ ሰሚዔ። ተመሊስካ ናብ ዓዲ ኣቲኻ ሰሚዔ። ጸቢብ ዓልየታዊ ትግራዋይነት ኣስዲዑካ ናብ’ቲ ስጋኡ ዘቐድም ፋሺስታዊ ባህረ ዝዓሰሎ መንገዲ- መገዲ ወያነ ብምሓዝ ፤ ካብ ሕማቕን ጹቡቕን ክፈልጥ እዩ ተባሂሉ ዝግመት ምሁር ዘይተጸበይኹዎ ኣብ ልዕሊ “ህዝቢ- አምሐራን ታሪኽ መንነትን” ማእለያ ዘይብሉ ‘ብራሪያ’ ጸርፊታት ብምዝሓው፤ ‘መዋስእቲ ኣልቦ’ ኮይንካ፤ “ወያነ” ዝስዕቦ ፖለቲካዊ ፖሊሲ ዘይተረዳኦም ‘መንእሰያት ወያነ ትግራይ’ እንተንጨብጭቡልካ ምርኣይ ጠገለ ዘይብሉ ጸረ አምሓራ ‘እህታኻ’ ዝሰመረልካ ይመስል።

መመህር ሙሉወርቅ! እዞም ዘንጨብጭቡልካ ዘለው መሳኪን መንእሰያት ንቕሓቶም ንፈልጦ ኢና።  እዞም መንእሰያት እዚኦም፤ ወያነ ኣብ በረኻ <“06”> ዝባሃል ወዲ ሰብ ዝሳቐየሉ “ሲኦል” ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ  “ከም ስልጣነን ከም ህንጸት ልምዓት ገይሮም ብምውሳድ”  <<ወያነና ካብ ብዃናን ብቃንጫ ዳስን ዝተሰርሔ  “06” ናብ “ቃሊቲን” “ማኣከላዊን” ዝባሃል ሰብ ዝእሰረሉ ገዘፍቲ ኣሻሓት ኣዳራሻት ዚንጎ “ዓብያ” ኢያ፡ ነዚ ድማ ንሕበነሉ ኢና>>  ኢሎም <<ገዛ ተጋሩ ያንግ እስታይል> ኣብ ዝባሃል ናይ ተጋሩ ፓልቶክ ‘ኣትየ ብእዝነይ ዝሰማዕኩዎ’ ንሓደ ተቓዋማይ ትግራዋይ ብኹርዓት ‘ተሸንዲሖም’ መልሲ እንትህቡዎ ዝሰማእኩዎም ‘መሳኪን’ መንእሰያት እዮም፤ እቶም ንዓኻ ዘንጨብጭቡን ዝንእዱን ዘለውን እዚኦም እዮም። (እቲ ዘገርም ድማ እቶም ክልተ ዝጓራፈጡ ዘለው ድማ ክልቲኦም ደቂ እንደርታ እዮም) 

መምህር ገረኺዳን ደስታ!-
ብዕድመ ኣቦና ኢኻ፤ ግብርኻ ግና ‘ከማዓልካ’ አየብልን። ዘለካ ጽልኣት ኣምሓሩን ታሪኾምን መጠን ሓሊፉዎስ ሙሉእ ህዝቢ ኣምሓራ “ቀትሪ ሰይጣን” ኢሉ ሳጓ ሂቡካ ኣሎ። እቲ ንስኻ እትነዝሖ ‘ከልቢ ዘይበልዖ’ ዘይንቡር ጠቐነ ተቐቢሎም ምሳኻ ዝማራቑሑ፤ ‘መኽደን ዘይብሎም’ (ስክፍ ዘይብሎም) ምስ’ቶም ሙሁራት ተጋሩ ኮይንኩም ንመንእሰያት ትግራይ ክንደየናይ ተጋግዩዎን ትጽዩቑዎን ከምዘለኹም ኣብ ‘ዩቱብ’ ተሰኒዱ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። እዚ ዓይኒ ምራን ዘይብሉ ኩውንን ዘይኩውንን ታሪኽ እንዳጣጠንካ መንእሰያት ክጋገዩ እተጓሃህሮ ዘለኻ ወፍሪ ‘እግዚሔር ዋንኡ’ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ክሙጎት ዘለዎ ወፍሪ እዩ።

ብሕልፊ ክልቴኹም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓዊ ትብንጭሩ ኣለኹም። እቲ እትብንጭርዎ ዘለኹም መናኸሲ ወፍሪኹም፤ ኣደብ ንክህልዎ ‘ክእረም’ ኢልና ጌጋኻትኩም ብመረዳእታ ነቶም እተጋግዮዎም ሰዓብትኹም ንክርእዩዎ ሰነዳትና ናብ ተጋሩ ‘መርበብ ሓበሬታ’ ከም ናብ ዓይጋፎሮም.ካምን አውራምባ ዝባሃልን ክልጥፍዎ እንተሰደድናሎም’ውን ፤  ‘በታ ናትና መስመር’ ተዘይኬድኩም ኣይንልጥፈልኩምን ኢሎም ናይቲ ገዊዱ ዘሎ ሥርዓት መጋበሪያ ኰይኖም ግዝኣት ፎርኦን ክንእዱ ንርእዮም ኣለና።ስለዚ’ውን ከማይ ዝበሉ ገለ ተጋሩ ናብቶም ካብ ልቢ ዝተሓባበሩናን ንሕና’ውን ዝናአድናዮም ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ እንዳላኣኽና መልእኽትና ንመንእሰይ ትግራይ ንክማሓለፍ ንገብር ኣለና። ንገረገርን ንተጎሩባ መርበብ ሓበሬታ አሰናዳእቲ ኣቐዲመ ምስጋናይ የቕርብ።

ናብ’ቲ ዋኒንና ንእቶ።
   ክልተ ጠመተ ክነድህብ ኢና። መጀመርታ ብገረኺዳን ደስታ ክጅምር እየ። ንሳ’ውን ብዛዕባ ግዕዝን፤ብዛዕባ ተጋሩን ኣምሓሩን ብዝምልከት ዝሓቦ ጉጉይ መረዳእታን ትምክሕቲን ብዝርኢ ክጅምር።

እታ ካልኣይቲ ድማ ሙሉወርቅ ኪዳነ ማርያም ስልጣነ/ግዕዝ/ሓወልቲ/ዝማሬ/ጥበብ…. አኽሱም ናይ ተጋሩ እምበር ናይ ኣምሓሩን ናይ አገውን፤ናይ ማንም  ኣይኮነትን ብዝብል ንሕና ተጋሩ መጥወብቲ ጡብ ፤ካልኦት ድማ ጦወብቲ፤ “አልፋን ኦሜጋን” ኢና እንትብል ዝተዛረቦን፤ ከምኡ’ውን ውግእ ዶጋሊ፤ ጉንደት፤ ጉራዕ፤ ሳሓቲ….ከምኡውን ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን፤ ከምኡ’ውን ኩናት ባድመን ተጋሩን፤ ከምኡውን ‘ንዮሀንስ’ ሓራ ገይርካ ‘ንምኒልክ’ ምውንጃል ዝግበር ዘሎ ማዕረ ዘይኮነ ጠቐነ መልሲ ክህበሉ እየ።

ዓዲ ሃገር (ካልእ ህዝቢ) ታሪኽን ጅግንነትን ዘይሰርሕ ‘አልቦ ስረን ተሓንጋርን’ ገይርካ ትግራይን ተጋሩን ግና “ሓንገርቲን መራሕቲን፤ ተሳዒሮም ዘይፈልጡ ፍሉያት ፍጥረት” አምሲልካ “ማርያም ባዕላ” ገይርካ “ደቂ አጋአዚያን” ኢና እንደተብሃለ ዝቦቁል ዘሎ ‘ዓርሰ ስዕሊ’ ናይ ምስኣል ባህረ ‘ፋሽቲ” ንምዝርዛር ሰፊሕ ምይይጥ ዝሓትት ብሙኻኑ እንዳካታተልኩ ብተመቕለ ክፍሊታት ከቕርብ እየ።

መጀመርታ በገብረኪዳን ደስታ ክጅምር።
‘ድሙስያ ኣኮይ ነብሪ እዩ ኢላ ተነፊሃሓ ሞተት’ ይብሉ ወለድና። ወያነ ያ (“ካብ ኣቦይዝጊ ዘይተሓስበ ፉርትና”) ረኺቡ ንደርጊ ስዒሩ ኢትዮጵያ ተቋጻጺሩ ኢልካ ንምሉእ ሃገር ከም <‘ጃጃዊን ሓሽከርን ተሓንጋራይን’> ገይርካ ኢትዮጵያ እትባሃል ናይ ተጋሩ <‘ውጽኢት ውዕለት> ኢያ እንዳበሉ፤ ካብቶም ልዕለ ትምክሕቲ ዝጭድሩ ተጋሩ ሓደ መምህር ገብረኪዳን ንስኻ ኢኻ። መንእሰያት ኣኪብካ ግዕዝን ትግርኛን ከምኡውን አምሓርኛን ብዝምልከት ዝገበርካዮ ዘረባ ኣብ ዩ ቱብ ተለጢፉ ሰሚዔዮ ኣለዅ። ከምዚ’ውን ትብል።
<<ትግርኛን ግዕዝን ድልኽን ጠስምን ከምኻኖም፤ ንስኻትኩም መንእሰያት እውን ብዝበለጸ ድልኽን ጠስምን ክትገብርዎ ኣለኩም፡>> ትብል።

 ተጋሩ ኣይኮኑን ንግዕዝ ምስ ትግርኛ <ጠስምን ድልኽን> ዝገበሩዎ። ህዝቢ ቤጃ (ዛናፍጅ) እዮም። ቤጃውያን ንነገሥታትን መኳንንቲ ኣኽሱም ኣህዲሞም ንኣኽሱም ምስተቋጻጸሩዋ እዚ ሕዚ እንዛረበሉ ዘለና ቋንቋ ትግርኛን ትግራይ/ትግሬ/ ዝባሃል መጸውዒ ከባቢን፤ ተጋሩ ዝፈጠሩዎ ዘይኮነስ ‘ቤጃ’ ዝፈጠሩዎ ቋንቋን መጸውዒ ከባቢን እዩ። ቤጃውያን ድሕሪ ምስ ኣኽሱማውያን ‘ግዕዝ አገው’ ተዛረብቲ ተሓዋዊሶም ምንባር ድሕሪ ጊዜ ቋንቋ ‘ቤጃንግዕዝንአገውን” ሓዊሶም ‘ትግርኛ’ ዝባሃል ሓዱሽ ቋንቋ ፈጢሮም እቲ ከባቢ ድማ ‘ትግራይ’ ኢሎሞ “ጠስምን ድልኽን” ገይሮሞ ኣብ እዚ ሕዚ ዘሎ ዕብየት በጺሑ። ስለዚ እቲ ትብሎ ዘለኻ ትግርኛን ግዕዝን፤ እቶም ‘ደለኽቲ” ተጋሩ ዘይኮኑስ “ቤጃውያን፤ ሙኻኖም ኣይትረስዕ። ዋለ እቲ ናይ ቀደም ትግርኛ ከም እቲ ናይ ሎሚ ትግርኛ ኣየድምጽን!!!! ደሊኽካ ደላሊኽካ ናብ እዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ትግርኛ ተበጺሑ ኣሎ።

ብዛዕባ ፊደላት ትግርኛን ግዕዝን አምሓርኛን ብዝምልከት ከምዚ ትብል።

<…..<ሕዚ ካህናታትና ዘድምጽዎ ዘለው ግዕዝ ናይ አምሓርኛ ድምፂ እምበር ናይ ግዕዝ ድምጺ ኣይኮነን። ቀደም ዝነበረ ናይ ግዕዝ ድምጺ ሕዚ የለን።ንምሳሌ ዕለት (እለት) ኣይብልን ‘ዕለት’ ( “ዕ” ብጎሮሮ ዝጣሓን ማለቱ እዩ)።ኡኹየ ዝብል “ኡሁየ” እዩ ዝብል። ስለዚ ግዕዝ ምስትግርኛ ተሳፊጡ ክዓብይ ኣለዎ። ‘ሰላም እለኪ’ እምበር ‘ሰላም እለቺ’ አይኮነን። ‘ቺ’ ዝብልዎ ናይ አምሓርኛ ድምፂ እዩ። ግእዝ ‘ኪ’ እዩ ዝብሎ። ግዕዝ ተከዘ ንንየው ሰጊሩ ምስተሳገረ እዩ ድምጹ ቀይሩ። ኣቦታትና ነቲ ግዕዝ እንትፈጥሩዎ እንተለው፤ናይ ከንፈር፤ናይ መልሃስ…ዘገልግል ቅርጺ ፈጢሮም።ቅርጺ ድምጺ እዩ ዝውክል። አምሓሩን ሐ “ሐመሩ ሐ” ንበሎ ኢሎም ዝሰመዩዎ እውን ‘‘ጭንቂ ዝፈጠሮ እዩ”፤ ናይ ጭንቂ እዩ። ጸ/ፀ ከምኡ ።ንጉስ ኢሎም እንትጽሐፍ ንጉሱ ‘ሠ’ ይብሉ፤  እዚ አምሓሩ ዝፈጠሩዎም ናይ ጭንቂ እዩ።…..>>
  
ብምባል ተጋሩ ብዝጥዕሞም ገይሮም ነቲ ግዕዝ ከዳቕሉዎ እንዳመኸርካ፤ ኣምሓሩ ግና ከም ልሳኖም ከየዳቕሉዎ ዋሃቢን ፈቓድን ከልካልን ወረቐት ኮይንካ ሰሚዕናካ።እወ ልክዕ ኢኻ ፤ ‘ቺ’ ናይ ኣምሃሩ እዩ ‘ኪ’ ናይ ተጋሩን ግዕዝን እዩ። እቲ ዘገርም ግና፤ “ኣቦታትና ንግዕዝ እንተፈጥሩዎ” ትብል ተለኻ መን እዮም እቶም ኣቦታትና ትብሎም ዘለኻ? ብግምት ኣቦታትና ክንብል ይካኣል ይኸውን እምበር፤ እቶም ኣቦታት ዝባሃሉ ብርግጽ  እቶም ግዕዝ ዝፈጠሩ “ተጋሩ” እዮም ኢሉ ዝዛረብ ታሪኽ መሃራይ ኣይትረክብን። ፈጺምካ! 
 
እቶም አኽሱማውያን/አክሱማውያን/ ዝባሃሉ ተዛረብቲ ግዕዝ (ነገሥታት) እኽሱም/አክሱም ንባዕሎም “ብዕስየ ሐሌን” (ዓልየተይ/ብሔረይ ሐሌን) እዩ ይብሉ እምበር፤ እቲ ሐሌን ዝባሃል ዓልየት እውን እንመን ምንባሮም ብርግጸኛ ዝዛረብ የለን። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሕዝቢ መጸውዒኦም ሓደ ጊዜ “ሕዝቢ ከለው” ይባሃሉ ሓደ ጊዜ “አጋአዚ” ይባሃሉ…..እምበር  “ተጋሩ” ኣይባሃሉን ነይሮም። ወያነ ድማ ኣብ ማኒፌስቶኡ ‘አጋአዚያን ማለት  ካብ ደቡብ  ዓረብ ዝፈለሱ ዓዕራብ እዮም ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ንሕና እንፈልጦ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ‘አገው’ ‘ሳሆ’ ‘ብጋ” (ቤጃ) ዝባሃሉ ከምዝነበሩ ኢና እንፈልጥ።  ነገሥታት ኣኽሱም  ጽሒፈሞም እዮም (ኣብ እምኒ)። ተጋሩ ወይ ትግራይ ዝባሃል ፈጺሞም የለውን።

 ንባዕሉ ንጉሥ ኢዛና እውን ዓልየተይ “ትግራዋይ” ኣይበለን። ብእስየ (ዓልየተይ) “ሐሌን” ኣቦይ “አሌ ዐሚዳ” ይባሃል፡ ይብል እምበር ዓሌተይ “ትግራዋይ” ኣይብልን። ስለዚ ንመን ኢኻ “ወለድና እትብሎም ዘለኻ? እቶም ንዓና ዒሕ ኢሎም ዝወለዱና ወለድና ኣብ ትግራይ ስለዝተውልዱን ቋንቋ ትግርኛን ስለዝዛረቡን?  ግደፎ ቅድሚ 2000 ዓመትስ ቅድሚ 200 ዓመት (እዚውን አንትበዝሕ እዩ) እኳስ ናይ ግድን ኩሎም ተጋሩ ‘ዓልየቶም ተጋሩ’ እዮም ነይሮም ኢልካ ንክትዛረብ “ሳይንሳዊ” ኣይኮነን። ብጊዜ አኽሱም ክንደይ አሕዛብ እዮም “ካብ ቦታ ናብ ቦታ”  ካብ “ሓገር ናብ ሓገር”፤ ካብ “ዓሌት ናብ ካልእ ዓሌት” ተሓዋዊሶም፤ ተዳቒሎም ዝነብሩ ዝነበሩ! (ብውግእን ብስደትን እኳስ፤ ካልእ ቀርዩ ‘ኤዛና’ ዝሓዋወሶም ዘግዓዞም ቁጽሪ አህዛብ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሙሩኻት ጽሒፉ ገዲፉልና እዩ)። ስለዚ ኣብ ትግራይ ስለዝተወለድካን ትግርኛ ስለትዛረብን ግና ፈጠርቲ “ግዕዝ” ወይ አጋአዚአን ኢና ወይ ደቂ ‘ሐሌን’ ኢና ኢልካ ብፍጹምነት ምዝራብ ኣይካኣልን። “ትግራዋይ” እየ ክትብል ትኽእል አምበር “ግዕዝ” እየ ኢልካ ብርግጽ (ብ ዲ ኤን ኤ) ክተራጋግጾ ኣይትኽእልን። ሐሌን ዝባሃሉ እንታዎት ዓልየት ሙኻኖም እውን መረዳእታ የብልናን። 

ርግጽ እዩ ቋንቋ ግዕዝ ካብ ንኣምሓርኛ ንትግርኛ ይቐርብ። ግን ስለዝቐረበ ንስኻ መን ይብሉኻ ኣብ ምዕራምን ኣብ ምንሻውን እትኣቱ ዘለኻ? “ትቤ አክሱም መኑ አንተ?” አኽሱም መን ኢኻ ትብለካ? ኢሎም ትሓተቱኻ “አነ ኣጋኣዝያን እየ” አነ “ሐሌን“ ትብል ትኸውን።  እዚ ግን ግምት እዩ። ዓልየቱ ትግራዋይ ዝነበረ ‘ትግርኛ ዝዛረብ” ኣጋኣዚ ወይ ‘ሐሌን’ ምንባሩ እንታይ መረዳእታ ኣለካ? ትግርኛ ንግዕዝ ቀረባ እዩ ይባሃል እምበር ካብ ትግራይ ትግርኛን ካብ ኤርትራ ትግርኛ ተዛረብቲን ካብ ትግራይን (ካብ ኣኽሱምን) ርሒቖም ዝርከቡ ኣብ ኤርትራ ዘለው ተዛረብቲ ቋንቋ “ትግረ” (ዓሌት አገው) ንግዕዝ ዝተጸግዑ እዮም ። <<(እስልምና ምስ ተኣታተዎም ሕዚ፤ሕዚ ግና  ናብ ዓረባዊ ልሳን ይስዕሮም ኣሎ) አርእስ አክባር (ቀንዲ ዜና/አርዕሰተ ዜና ማለት እዩ፡) ይብሉ፤ ምስ ቃላት ዓረብ ሓዊሶም ማለት እዩ። እታ ግን ከም ተዛረብቲ ትግርኛ “ሓንካስ ‘ኣ’ ኣይገብሩን። ከምታ ግዕዝ “አ” እዮም ዝጽሕፉዋ።)>>  እዚ ድማ ቤጃውያን ንቖላ ኤርትራ ወሪሮም ‘ትግረ’ ኢሎም ዓሌት ብሔረ ቤጃን ብሔረ ትግርኛን ፈጢሮም። ነቲ ዶጉዓ (ከበሳ) ድማ ትግራይ ኢሎሞ። ነቲ መዛራረቢ ቋንቋ ድማ ‘ትግርኛ’ ፈጢሮም። ኣብ’ዚ ክነስተብህሎ ዘለና ነጥቢ “ተጋሩ” ዝባሃል መጸዋዕታ ሕዝቢ ኣብ ግዕዝ ፈጺሙ ኣይፍለጥን፤ፈጺሙ፤ፈጺሙ (ሕዚ’ውን ክደግሞ) ዘይነበርካሉ ነይረ ክትብል ኣይካአልን። ሎሚ ‘ትግሬ’ ወይድማ ‘ትግራይ’ ዝብል ግን አሎ። ንቡሱሩ’ውን ትግርኛን ትግራይ ዝባሃል መጸውዒ ናብ ዕዝኒ ሰብ ዝኣተወ፤ ኣብ መበል 7 (ሻውዓይ) ክ/ዘመን እዩ። ትግረኛ ጹሑፍ ኣይነበሮን። ዳሓር እዩ ኣምሓርኛ ምጽሓፍ ምስተጀመረ ፤ትግርኛ’ውን ግዕዝ ተጠቒሙ ምጽሓፍ ተጀሚሩ (እንተነይሩ ኣርእዩና)። ን ግዕዝ ዝፈጠሩዎ/ወነንቱ/ “ተጋሩ” እዮም ኢልካ ንምእማን መረዳእታ የድሊ።ክሳብ ሕዚ ዝቐረበ መረዳእታ ኣብ በረኻ ደደቢት ኮይኖም እኒ ገረኺዳን ደስታ ‘ወየንቲ’ ዝጫሕገሩዎ ተዘይኮይኑ ጥንታዊ ቅርሲ መረዳእታ ታሪኽ የለን (ክሳብ ሕዚ!!!)።  

ንምሳሌ ተዛረብቲ ትግረ (ኤርትራ) ቁጽሪ ወይ አመተምህረት (አውደ ምህረት) እንተንብቡ ‘ብግዕዝ’ እዮም ዘንብብዎ። ተጋሩ (ትግራይን ኤርትራን) ግን ብትግርኛ እዮም ዘንብብዎ። ትግረ <“ኣርባዓ ምእት ወ ዕስራ”>  እንትብሉ ተጋሩ ግና <“ኣርባዕተ ዕስራ”> ኢልና ፊደላት ቀያይርና ነንብብ። ንሶም እውን ኣብ ልዕሌኻ ከባጭቡ እንተደለዩ እንታይ ኢልካ መልሲ ትህቦም?
ርግጽ ንሶም ግዕዝን ቤጃን ዓረባዊን ዝተሃወሶ ቃላት/ልሳን ይዛረቡ እዮም፤ ግን ዓረባዊ/ቤጃዊ ልሳን ስለዘለዎ ንስኻ እውን ብዖዖም እውን ከም ቶም ን‘ኣምሓሩ ናይ “ጭንቂ” ኢልካ ’ ክተባጭወሎም ዲኻ? ግዕዛውያንን ኣምሓሩን “አክሱም” ኢሎም የድምጹ። ተጋሩ ግና “ኣኽሱም” ይብሉ። እታ (‘’) እውን እግራ ኣሕጺሮም (“ኣ”) ኢሎም ነታ ‘ክ’ እውን ቤጃዊ.ዓረባዊ ልሳን ስለዘለና “ኽ” ኢልና ብጎሮሮና ነድምጻ ኣለና። ስለዚ ኩሉ በብድምጹ ገይሩ ንግዕዝ ይጥቀመሉ ኣሎ። ምኽንያቱም ንግዕዝ ክልውጡዎ ዘኽኣሎም ምኽንያት ‘ተዛረብቲ ግዕዝ ስለዘይኮንና ኢና! ተዛረብቲ ግዕዝ እንተንኸውን ኣብ’ዚ ኹሉ ከርከባ ኣይንኣተናን። ስለዚ ግዕዝ ተጋሩ በብዝመስሎም፤ትገረ እውን አምሓራ እውን በብድምጾም ለዊጦም ይጥቀሙሉ ኣለው። “ንግዕዝ ሰብ ዋና” ስለዘይኮኑን ስለዘይኮንናን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከባጭዋሉ ‘መሰል’ የብሉን። ተጋሩ ንግዕዝ ሰብ ዋና ሙኻኖም ስጂ ከቕርቡ ኣይክእሉን። 

ንምሳሌ ‘ኦሮሞ’ መሬት ኣምሓራን መሬት ተጋሩን ኣብ መበል 16 ክፍለዘመን ብወራር ስለዝሓዝዎ አምሓርኛን ትግርኛን ስለዝተዛረቡ ወይ ድም እቲ ሎሚ ዝሓዝዎ ቦታ ብኦሮምኛ ስለዝተሰመየ ‘ሰብ ዋና/ጥንታዊያን ወነንቲ’ እዮም፤ ወይ ድማ ‘ኦሮሞ’ እዮም ነይሮም ንምባል ኣይካአልን። “ራያ” ኢልካ “ጨርጨር” ኢልካ “መንቻረ” ኢልካ “ትግርኛ ዶ አሎ እዩ?”። ግን ጨርጨር/ራያ/መንቻረ….ዝባሃል ስም ቦታ ኣብ ትግራይ አሎ። ንምንታይ? ወረርቲ ብስሞም ስለዝሰመዩዎ። ትግራይ እውን ቤጃውያን መጺኦም ምስ ወረረሩዎ “ትግርኛ” ፈጢሮም እቲ ከባቢ “ትግራይ’ ወይ “ትግሬ/ትግረ” ኢለሞ። <ተጋሩ> ኢሎም ዝጽውዑዎ ግን ዳሓር ባዕልቶም እቶም ናይ ሎሚ ተጋሩ እዮም። 

ዋላ ትግራይ ዝባሃል ቦታ መጸውዒ እታ ሎሚ ዘላ ምልዕቲ ትግራይ ኣይኮነትን። ካብ ዓድዋ ንንየ ዘሎ እዩ “ትግራይ” ዝባሃል ዝነበረ። ምኽንያቱ እቶም ቤጃ ኣብኡ እዮም መሠረቶም ዝገበሩ። ዳሓር እንዳሰፍሑ ምስከዱ ሙሉእ መሬት ንትግራይ’ መጸውዒ ገይረሞ። ኣብ እንደርታ ኮይንካ ብኡቶቡስ ወይ ብኣብቃል/ብእግሪ ክትገይሽ እንተለኻ “ናበይ ገጽካ ትገይሽ ኣለኻ? ኢሎም እንተዳአ ተሓቲትካ “ንትግራይ” ገጸይ እዩ ዝባሃል ነይሩ። ትግራይ ዝባሃል ዘሎ እተን ሰለስተ ኣውራጃታት እየን።  

ስለዚ ገረኺዳን <ግዕዝ ካብ ተከዘ ንንየው ሰጊሩ ምስተሳገረ እዩ ድምጹ ቀይሩ።> ብምባልካ ዘገርም ትምኽሕቲ እዩ።  ተጋሩ እዮም ሰብ ዋና ናይ ግዕዝ ዝብል ከንቱ አነነት ተዛሪብካ። ንግዕዝ እኮ ኣምሓሩ ጥራሕ ኣይኮኑን ከምዝጥዕሞም ገይሮም ዝቐየሩዎ። ተጋሩ እውን ትግረ እውን ገይረሞ እዮም። እታ ኣብ ላዕሊ ዝሃብኩዋ ምሳሌ እኮ እኽልቲ እያ።  ትግረን ግዕዝን <“ኣርባዓ ምእት ወ ዕስራ”>  እንትብሉ ተጋሩ ግና <“ኣርባዕተ ዕስራ”> ኢልና ፊደላትን ድምጽን ቀያይርና ነንብብ ኣለና። ዋእ!  ዓገብ! እንታይ ዝብሉዎ ዘረባ እዩ? 

ግዕዝ ተከዘ እንተይ ተሳገረት ኣብ ማዕኸል መቦቆል ግዕዝ “ኣብ ኣኽሱም” <“ኣርባዕተ ዕስራ”> እንዳተብሃለስ ናበይ እዩ ተከዘ ሰገር ንጎንደርን ጎጃምን ኣሕሲርካ ምንሻው!?
“ዕለት” ኢልና ብጎሮሮና እነንብብ እኮ ተጋሩ እምበር ግዕዝ እኮ “እ” ዘድምጽ እምበር “ዕ” ኢሉ ብጎሮሮ ኣየንብብን። ምኽንያቱ ትግርኛ ከም ዓረብ ከም ቤጃ ብጎሮሮ እዩ ዘድመጽ (ተጋሩ አገው፤ዐረብን ፤ቤጃን……ካልእ ማሕበረሰብን ሑውስዋስ ስለዝኾኑ) ። ንምሳለ ግዕዝ (ሴም) ዘይዛረቡ ኢትዮጵያውያን (ዶርዜ፥ ሐዲያ፥ አዳል፥ኦሮሞ) አማርኛ እንዳተዛረቡ አምሓሩ ዝኾኑ ኣለው።  ናቶም ቋንቋን/ልሳንን/ ኣብ ልዕሊ አዛራርባ/አዳማምጻ ግዕዝን አምሓርኛን ማለት (ቃላት፥ ሰዋስው) ለውጢ ከምዘለዎም ንርኢ። ስለዝኾነ’ውን ተጋሩ ግዕዝ እንተንብቡ ከምታ ግዕዝ አይኮነትን ዘድምጽዋ፤ ከምታ ዝዛረቡዋ ድምጺ ትግርኛ ዝስዕሮም ኣዛራርባ እዮም ዘድምጽዎ ዘለው። 

ተዛረብቲ  ተግረ ‘ንህብ” ይብሉ ተጋሩ ድማ “ንህቢ” ይብሉ አምሓሩ ድማ “ንብ” ይብሉ። ትግረ “ዕምቦባ” ይብሉ ፤ ተጋሩ ድማ “ዕምባባ ይብሉ፤ አምሓሩ ድማ “አበባ ይብሉ።  ሰለስቲኦም ነገዳት (ብሔራት) “አዝማድ” ሙኻኖም ክንፈልጥ ኣለና። እኒ ገብረኪዳን ግና ፈላልዮም ክፍንጭሉ ወፍሪ ሰያጥን ይወፍሩ ኣለው።  ንሱ እውን እዩ ወፍሪ ገረኺዳንን ወፍሪ እኒ ዶ/ር ሙሉወረቅን። እዚ ድማ ምሕንፋጽ እምበር ‘ግዕዝ’ ከምታ ዝነበረታ ምሕላው (ፕሪዘርቭ) ምግባር ኣይኮነን። ግዕዝ “ለይኩን” እንትብል ተጋሩ “ይኹን” ይብሉ። እታ “ከ” ብጎሮሮኦም ደርጺጾም “ኸ” ኢሎማ። አምሓሩ ድማ “ይኹን” (ይሁን) ኢሎም ብጎሮሮ ከይተንከፉ የላ የላ ናብ “ሁ” አድሚጾም የንብቡዋ። ስለዚ ኩሎም ከከም ዝጥዕሞም እንዳቐየሩ እዮም አድሚጾም እምበር <ግዕዝ> ‘ተከዘ ምስተሳገረት” ኣይኮነትን ግዕዝ ድምጻ ቀይራ። ከይተሳገረት እውን እያ ኣብ መረበታ ከላ ብተጋሩ ተቐይራ ዘላ።  ኣብ ግእዝ እንትድመጽ በትግርኛ ግን ብጎሮሮ እያ እትድመጽ (ግዕዝ አሕዛብ ይብል ተጋሩ ግን ልክዕ ከምታ ግዕዝ የንብቡዋ እምበር-- ኣብ ፊደል አጣቓቕማ ግና ብጎሮሮኦም እዮም ፊሒቖም ዘድምጽዋ ዘለው። ንምንታይ? ምኽንያቱ ቤጃውያን/ዓረባውያን/ ብጎሮሮ/ትንሓግ/ እዮም ዝጥቀሙ።

ቀጺልካ መምህር ገብረኪዳን  ‘ሰላም እለኪ’ እምበር ‘ሰላም እለቺ’ አይኮነን አሊካ። ‘ቺ’ ዝብልዎ ናይ አምሓርኛ ድምፂ እዩ። ኢልካ። ልክዕ ኢኻ። ግን ከምቲ ዝበልኩኻ ተጋሩ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቃላታት ከምታ ድምጾም ንግዕዝ ከድምጽዋ ይስምዑ እዮም።
እዚ ዝስዕብ ትብል ኣለኻ፤-

<<ግዕዝ ተከዘ ንንየው ሰጊሩ ምስተሳገረ እዩ ድምጹ ቀይሩ። ኣቦታትና ነቲ ግዕዝ እንትፈጥሩዎ እንተለው፤ናይ ከንፈር፤ናይ መልሃስ…ዘገልግል ቅርጺ ፈጢሮም።ቅርጺ ድምጺ እዩ ዝውክል። አምሃሩ <ሐመሩ> ሐ ንበሎ ኢሎም ሠለስተ እግሩ ዝሰመዩዎ ‘ጭንቂ ዝፈጠሮ እዩ፤ ናይ ጭንቂ እዩ። ወይ ሓመሩ ሓ ዝባሃል የለን።አምሓሩ ንጉስ እንትጽሐፍ ንጉሱ ‘ሠ’ ይብሉ፤  እዚ አምሓሩ ዝፈጠሩዎም ናይ ጭንቂ እዩ።…..>> ትብል።

ዘገርም እዩ!!!!! ተጋሩ እውን እኮ ንዖዖም ዘድምፅ ቅርጺ ፈጢሮም እዮም። ግዕዝ ዘይፈልጦም ቛ ቓ ቐ……ዝባሃሉ ናይ ግዕዝ ፊደላት ኣይኮኑን። ግን ተጋሩ ንዖዖም ክጥዕሞ ኣብ ልዕሊ ቀ፤ቃ፤ቀ - ሕንጻጻት/ሽለላት/ ወሲኾም ይጥቀሙሎም ኣለው። እሞ እዚኸ ናይ ጭንቂ ድዩ ክባሃል?
 እዞም ዝስዕቡ ፊደላት ተመልከት።

ርኮሙ፥ ተመክይለ፥ ርደአኒ.፥ ሜዳ፥ ማይ፥ ንጉርየ፥ ሊም

፩.
እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለው ናይ ግዕዝ ቃላታት ካብ ናይ ጥንቲ ሓወልቲ ኤዛና ዝተረኽቡ/ሎሚ እውን ዘለው ጹሑፋት እዮም። እዚ ዘረዳኣና ነገር እንተሃልዩ፤ እዞም ፊደላት እዚኦም ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣብ ውሽጢ መስርዕ ናይ ግዕዝ ፊደላት ምንባሮም እዩ ዘረዳኣና እምበር ኣምሓሩ “ብጭንቂ” ዝፈጠሩዎም ኣይኮኑን።

፪. 
እቲ ዘገርም ግና፤ ዝኾነ ሕዝቢ ንሓደ ድምፂ ሓንቲ ፊደል እዩ ዝቐርጽ። እሞ ድኣ ኣብ ውሽጢ ግዕዝ ንሓደ ድምጺ ንምንታይ ሓደ ፊደል (አ፥ ዐ፤ ሰ፥ ሠ፤ ፀ፥ ጸ)፥ ሕልፍ ኢሉ እውን ንሓደ ድምጺ ሰለስተ ፊደል (ሀ፥ ሐ፥ ኀ)  ንምንታይ ኣድለየ? ዝብል ህቶ ብኸመይ ክንመልሶ ንኽእል እንተይልና፤ እቲ ድሕሪ ግዕዝ ዝተፈጥረ “ዳሕረዋይ ወለዶ” እቶም ዝተጠቕሱ ፊዳልት ምስ ድምፆም ከድምፆም ስለዘይካአለ እቶም ድምጽታት ጠፊኦም እዩም። እቶም ፊደላት ግን አለው። ከምቃሕ ዝበለና ንጥቀመሎም አለና ማለት እዩ። እሞ ሕዚ እቶም ፊደላት እንታይ ንግበሮም? ርግጽ፥ ከክንዲ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ጥንታዊ አጻሓሕፋ (አዳማምጻ)  ተመክ ይለ ፥ ሜዳ ፥ ንጉ ሊም   ናብ -  ተመክይለ፤  ሜዳ፤ ንጉሊም እንዳበልና ክንጽፍ ንኽእል ኢና። ከም መቐይሮ ሓሳብ ቀሪቦም እውን ተቐባሊ ረኺቦም ቀይርና ንጥቀሞሎም ኣለና (ብሕለፊ ተጋሩ)። እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን “እቶም በዞም ቃላታት እዚኦም ዝተጽሐፉ/ዝተሰነዱ ጥንታዊ መጻሕፍቲ እንታይ ንግበሮም? እዩ እቲ ሕቶ። ንሶም እውን ዶ ብመደምሰስ ገይርና “ንፍሓቆም/ነጥፋኣዮም/”? እዞም ቃላት እዚኦም ከምቲ ገብረኪዳን ዝጋገዮ ዘሎ “ሠ” ንጉሥ ዝባሃል የለን ጸ/ፀ (ናይ አምሓሩ ፈጠራ እዩ) ኢሉ ዝዛረቦ ዘሎ ዘይኮነስ ኣብ “ጥንታዊ ግዕዝን” አምሓርኛን እውን ኣለው። እሞ ገረኺዳን ኣምሓርኛን ኣምሓሩን ስለዝጸልኤ “ካብ ተከዘ ነንየው” ዘለው ተጠቀምቲ ግዕዝ ስለዘናሸዎም፤ እቲ ካብ ግዕዝ ዝረኸቡዎ አምሓሩ ዝጥቀሙሉ ፊደል ኣምሓርኛ እውን ዶ ንፍሓቆ?

እተን ዘለዋ ምርጫታት ‘ክልተ’ እየን። ከምታ ጥንታውያን ግዕዝ ዝጥቀሙላ ኣጻሓሕፋ ምጽሐፍ ወይ ድማ እቲ ናይ ቀደም መልከዖም ምውጋድ። እዚኤን እየን እተን ክልተ መማረጽቲ መንገዲ። ግን ከምታ ናይ ቀደም ግዕዝ ንምጽሓፍ ድማ spelling ምምሃር ይሓተት። ምብልሻው ግን ኩላህና ንኽእሎሉ ኢና (እቶም ጸረረይ ዝብሉ “አጋዚያን” ዝብሉ እኒ ገረኺዳን “ተጋሩ” እውን ማለት እዩ)።

ገብረኪዳን ዘይተረደኦ ቀንዲ ነገር አሎ። ኣዛራርባ ናይ አሜሪካውያን እንግሊዝኛን ናይ ደቂ እንግሊዝ እንግሊዝኛን ይፋላለ እዩ። ስለምንታይ፤ ካብቶም ደቂ እንግሊዝ ዝተፈልየ ኣዛራርባ ኣሜሪካውያን እንግሊዝኛ  ዝተፈለየሉ ምኽንያት እንግሊዛውያን ዘይኮኑ “አሕዛብ” ቋንቋ እንግሊዝ እንዳተጠቕሙ ‘አሜሪካውያን’ ስለዝኾኑ እዩ። ናይ ግዕዝ እውን ከምኡ እዩ። ግዕዝ ተዛረብቲ ዘይነበሩ ተጋሩን አምሓሩን ግዕዝ ምዝራብ እንትጅምሩ ነናቶም ባህረ  ሒዞም ፤ ምስ ናቶም ልሳን አዛኒቖም (ከም’ቲ ‘ጠስምን ድልኽን’ ዝብሎ ገብረኪዳን) ክዛረቡ ጀሚሮም። ኮይኑ ግና ብባህረን አፋጣጥራን ‘ጠስምን በርበረን” መቦቆሎም በበይኑ እዩ።

ኣዳቒልካ ለዊስካ ደሊኽካ ‘ክጥዕም/ክምቅር” ምግባር ግን ናይ ለባማት እዩ። ስለ ዝደለኽካዮ ግን ፈጠሪ ግዕዝ ኣነ እየ ንምባል ኣይካኣልን። ክትድልኽ እንተለኻ ጠስምን በርበርን ክትጨኑ ትኽእል ኢኻ ፤ግና ፈጣሪ ጠስሚን በርበረን ኣነ እየ ክትብል ኣይካኣልን። ክልቲኦም መቦቆሎም ካብ ካልእ ዝተረኽቡ እዮም። ጠስሚ ካብ ላም፤ በርበሬ ካብ “ተኽሊ ጉዕ” ዝተረኽቡ ኢዮም። “ደለኽቲ” ተጠቀምቲ እምበር “ፈጠርቲ” ክኾኑ ኣይክእሉን”። ቋንቋ ግዕዘን አምሓርኛን ትግርኛን፤ትግረን፤  ንግዕዝ ቀይሮም ነናብ ናቶም ምድላኾም ግን ሰብ ዋና ግዕዝ እዮም ከብሎም ኣይክእልን። እንተዝነብሩ ብግዕዝ እዮም ክዛረቡ ዝግባኦም ዝነበረ። ናብ ትግረን ናብ ተግርኛን፤ ናብ ኣምሓርኛን ዘንጥሮም ነገር ኣይነበረን (ግዕዝ ንክገድፉ ወይ ካብ ግዕዝ ንክልቅሑ/ከድምጹ/ ዘገደዶም ምኽንያት ክህሉ ኣለዎ)። ዘንጥረም ነገር ስለዝረኸቡ ግን ደላሊኾም ኣብ’ቲ ሎሚ ዘለዎ ብርኪ ኣብጺሐሞ (ትግረኛ፥ተግረ፥አምሓርኛ)።  እኒ መምህር ገረኺዳን ደስታ ምስ’ቲ ኩሉ ናይ ግዕዝ ትምህርቶም ክባላሸው ምርኣይ <<ሰያብ ኣይትጸውዕ ለባም ጸውዕ>> ዘብል እዩ። ቀጺለ ኣብ ካልኣይ ክፋል እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕብ ዶ/ር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ከቕርብ እየ። ሠናይ ቅንያት!
        ጌታቸው ረዳ (Ethiopian semay) getachre@aol.com