Wednesday, March 7, 2018

ብ ‘ቐ’ ን ብ “ራይ” ን ፊደል ጽላለ (መልሲ ን ወዲ ፸)



ን ብ “ራይ” ን ፊደል ጽላለ
(መልሲ ን ወ ፸)
ጌታቸው ረዳ
(አሰናዳኢ ኢትየፕያን ሰማይ)
Beja people
ወዲ “፸” ዝተብሃለ ጸሓፋይ ኣብ መርበብ ዓይጋፎረም <<ንሙሁራን ቋንቋ ግእዝ/ትግርኛ (ንህዝቢ ትግራይ-ትግርኚ)>> http://www.aigaforum.com/amharic-article-2018/Question-to-Tigrian-Elites.pdf እትብል ‘ጽሕፍቲ’ ተለጢፉ አንቢበ።  ናትና “ሚሽን” እንተዘይከይድካ ጹሑፍካ ኣይነጋይሾን ዝብል መርበብ ዓይጋ-ፎረም ኣሳናዳኢ “ብናይ ሳንሱር” “ሞቑሕ” ስለዝተቐየድና ምሳኻትኩም ክንካታዕ ኣይካኣልናን። ስለዝኾነ’ውን ብዙሓት ተጋሩ ምስ ሳዓብቲ ወያነን ምስ መንበብቲ ትግርኛን ክንማያየጥ ንደል’ሞ እንታይነት ‘ናፃ ምይይጥ ዘይተረዳኦም” ውልቀሰባት “ብሰንኮም” ክንማያየጥ ኣይካኣልናን። ብተጋሩ ስለዝተዓበጥና ጽሑፋትና ሰናይ ናብ ዝኾኑ መርበብ ኤርትራውያን ንልእኽ ኣለና (ይልጥፉልና’ውን ኣለው)። ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩስ ካልኦት መካይ ዝበሉ ናብኣታቶም እንደላኣኹ ከምዝልጠፍ ይገብሩኣለው። ምስጋና ይግባኦም። ስለዚ’ውን ኣምሓርኛ ከተንብቡ ዘይትኽእሉ ተጋሩ በቶም ‘ሰብ ሳንሱር” ዝህቡኹም ውሱን ፍልጠት ጥራሕ ክትዕ ተሓጺርኩም ንክትነብሩ ስለዝተወሰነ፤ ጊዜን ታሪኽን ክሳብ ዝፈቅድ፤ ካባኻትኩም ተፈሊና ክትዕና ከየስተማቐርኩምዎ ይሓልፍ ስለዘሎ ብዙሕ ንሓዝን።
 
ዝኾነ ኾይኑ፤ ‘ወዲ ሰብዓ’ እትጽሕፎም ጹሑፋት እካታተሎም እየ። ባህታ የብሎምን። ንሎሚ ግን እንሆ።

ቀደም ተምሃሮ ዝነበሩ “ሊቃውንቲ” ሃገርና ተሓጂጁለይ ያኢ “ብወዝ አደርንብላብ ኣደርን” ዝብሉ ቃላታት “መፍለይ” ጉጅለ ፖለቲካታቶም ገይሮሞም ብጠያይት ይዋድኡ ይሮም (ቅድሚ 40 ዓመት)። ናብ’ዚ ሎሚ እውን በጺሕና ብ “ቐ” ን  ብ “ራይ” ን   “ሬ” ን  ንዋጠጥ አለና።

ወዲ (ወዲ ሰብዓ)  እታ ፊደል “ቐ” ናይ መንያ? ንእትብል ሕቶ፤ ከምኡውን <<ድምፂ ፊደል “ቐ” ንምውፃእ ዝኽእል ጎሮሮ ዝተዓደለ መን እዩ?>>  ዝብል ዘስደምም ሕቶ ሒዝካ መጺኢካ ኣብ ዓይጋፎረም ኣንቢበ። ነታ ፊደል “ቐ” ናይ መን እያ? እትብል ሕቶኻ፤ ናይ ተጋሩ እምበር ናይ ኣምሓሩ ወይ ናይ ግዕዝ ፊደል ኣይኮነትን እያ መልሰይ። ነታ ካልኣይቲ ሕቶኻ ድማ ኣብታ መደምደምታ ጽሑፍተይ ምልሲ ተዋሂባ ስለዘላ ንሳ ኣንብብ።

ከም’ቲ ንስኻ እትብሎ ዘለኻ “ቐ” ናይ ግዕዝ እያ እትብሎ ኣይኮነትን። ግዕዝ እንመን እዮም? ከም እዚ ሎሚ ብኢደወረዳኦም ግዕዝ ማለት “ተጋሩ/አጋአዚያን” ማለት እዮም ኢሎም በዘይግባእ ታሪኽ ዝውንኑ ጎበጥቲ ዘይኮኑስ ግዕዝ ዝባሃሉ ወይ ግዕዝ ተዛረብቲ፤ እዞም ናይ ሎሚ “ተጋሩ” ኣይኮኑን። ንጉሥ ኤዛና ወዲ ኣኽሱም እኳ ንባዕሉ ወደ ኣኽሱም እየ ኣይበለን። <ዒዛና፤ወልደ፤ ‘አሌ፤ዐሚደ’ ብእስየ፡ ሐሌን>> ኣነ ኤዛና እባሃል፤ ዓልየተይ ‘ሐሌን’፤ ስልጣነይ ድማ  ንጉሥ ኣክሱም ይብል እሞ፤ ምስ ኣኽሱም ደሪቡ ብዙሓት ሀገራት/ከባቢ/አሕዛብ ከም ቢጃ (ብጋ) ዝበሉ ንጉሦም ምንባሩ፤ እምበር “ትግራዋይ” እየ ወይ ወዲ ኣኽሱም እየ ኣይብልን። ወይ ኣጋአዚ እየ ኣይበለን።

እኳዳ ናይ ኣዶሊስ ንጉሥ ምስ አጋአዝያን ከምእተዋጋኤ ኣብትዝተረኽበ  ጽሑፍ አዱልስ ይገልጽ።

ተጋሩ ዘይኮኑስ ህዝቢ አገው እዮም  ኣብ  ጥንታዊ ናይ ታሪክ መዛግብቲ (primary sources) ምስ ውሑዳት ናይ’ቲ ከባቢ ኣሕዛብ አስማቶም ተጠቒሱ ዝርከብ።  ኣብ ናይ ሓውልተ አዶሊስ  (Adulis Inscription) 4ብዓይ ክፍለ ዘመን (ጽሑፍ ሓውልቲ ንጉሥ ኢዛና)  (Ezana Inscription) ከምኡ’ውን ኣብ 5/ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ናይ “ኮስሞስ” ጽሑፍ (Christian Topography of Cosmas Indicopleustes) ሕዝቢ /ነበርቲ ኣኽሱም ‘አገው-ግዕዝ’ እምበር ናይ “ተጋሩ” ስም ተጠቒሱ አይንረክብን። ቤጃ ስሞም ኣይቀየሩን፤ አገው እውን ከምኡ፤ዓፋር (ዓፋን) እውን ከምኡ። ክሳብ ሎሚ’ውን ብኡ ይጽውዑ ኣለው።

ካብ እዚኦም ወጻእ ካልኦት “አጋአዚ” ዝብል ስም ኣብ ጥንቲ መዛግብት ዝተገልጹ እንትኾንተዛረብቲ ግዕዝ” ከምዝነበሩ’ውን የግለጽ።  ኮይኑ ግና ኣብ ሓወልቲ አዶሊስ ዝተረኽበን ዝንበብን  ጽሑፍ (Adulis Inscription) ግን እቲ ናይ አክሱም ንጉስ ምስ እቶም  ነገደ አጋአዚያን  ከምእተዋጋአ ይጠቅስ። እዚ ምስጢር እዚ ካባኻ ንደልዮ ኣለና።

 ናብቲ ነጥቢ ከምጽኣካ። ስለዚውን፤ ተጋሩን ኣምሓሩን ፈጠርቲ ግዕዝ ኣይኮኑን። ገለ ፊደላት ግን ፈጢሮም እዮም። ብሕልፊ ድማ ተጋሩ ኣብ መበል 7ይ ክ/ዘመን ዝተቐልቀሉ ስለዝኾኑ ፈጠርቲ ‘ግዕዝ’ ወይ አጋአዝያን ክባሃሉ ኣይካኣልን። ኣብ ከተማ አኽሱም ዝነበሩ “አገው” ዝባሃሉ እዮም (ኮንቲ ሮዚኒ ዝጸሐፎ ከምኡውን ኮስማስ (5ሻይ ክ/ዘመን ዝጻሐፎ ተመልከት)። ቅድሚ ተጋሩ ወይ ትግርኛ ኣብ ኣኽሱም ምቕልቃሎም ‘ቤጃውያን’ (ሓባብ/ዚናፊጅ) ናይ ኢዛና ሙሩኻት ስለዝነበሩ ኣብ ኣኽሱም ከም ወታደር ኮይኖም ዝነበሩ ‘ቤጃ ትግረ’ ነይሮም እዮም። (ቤጃውያን (ብጋ) ይብሎም ንጉሥ ኤዛና። ብጋ ድማ ብዘበን ኤዛና ዝነበሩ ግዝኣት ኤዛና /አባላት ማሕበረሰብ አኽሱም እዮም ነይሮም) ።

ኣብ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ጥቓ ወሰን ሱዳን ዝተረኽበ ሓውልቲ ኢዛና ግና ምስ ሕዝቢ ቤጃ ተዋጊዙ (ክልቲኦም አብርሃን አጽብሃን) ኣህዋቱ ናብ ኩናት ሰዲዱ ነቶም 6 ነገሥታት ሕዝቢ ቤጃ ማሪኾም 4400 ሕዝቢ ቤጃ ናብ ኣኽሱም (ምስ 6 ነገሥታቶም) ምስ 3010 ላም ፤ ምስ 5224 አባግዕ ምስ 677 እንስተ ዘቤቶም   ተማሪኾም ቀለብ/ስንቂ/ አንዳተውሃቦም ድሕሪ 4ተ ወርሒ ናብ ከተማ አኽሱም አትዮም። ይብል። ብድሕሪኡ ንሱ ድማ ነቶም ዝተማረኹ ነገሥታት ቤጃን 4400 ሰባት ሐደሽቲ ክዳውንቲ ከምዝልበሶም ይዛረብ። ብድሕሪኡ፤ ካብቲ ሒዘሞ ዝመጹ ጥሪት ንላዕሊ ወሲኹ ሕድሕዶም ነቶም 6 ነገሥታት ንሓደ ንጉሥ “4190” ኣላሕም (ላም/ብዕራይ) ብድምሩ 25,140 ሂበ ኣብ ከባቢየ ዝርከብ “ማጫ” (?) ናብ ዝባሃል ከይዶም ከምዝሰፍሩ ገይረ። እንትብል ኣብቲ ሓወልቲ ጽሒፉ ገዲፉልና እዩ።

እዚ ካብ’ቶም ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ምስ አኽሱም በብዝሒ ንመጀመርታ ቤጃውያን ናብ ኣኽሱም ምሕዋስ/ምጽምባር/ የርኢ። ብኹናት ሙርኮ ተማሪኾም ናብ ናይ ሎሚ ከባቢ ዝተሐውሱ እዮም ማለት እዩ። ዳሓር ድማ ጊዜ ሓሊዮም ንሶም እውን (ቤጃ) ብወገን ኤርትራ ኣቢሎም ብዝሒ ሠራዊት አሰሊፎም እንዳወረሩ ናብ ኣኽሱም መጻኦም ንአኽሱም ወሪሮማ። ነቶም ነገሥታትን መኳንንቲ አኽሱም እውን “ኣሕዲሞም” ዙፋን ሒዞም። ብድሕሪኡ ታሓዋዊሶም። ብድሕሪኡ ዝተሰምየ ኣስማትን ዝተሰምየ ቋንቃ ከባቢን ዝተፈጥረ ዝንቕ ግዕዝን/አገውን/ቤጃዊ-ግዕዝን/ዓረብን ታሪኽ ይተንትኖ!!!!

ስለዝኾነ አውን እዩ ተማራመርቲ አኽሱም ናይ መብዛሕቶም ‘ተጋሩ/ትግራይ’ መሰረቶም ‘ቤጃ” እዩ ይብሉ። አሰማቶም እውን ፈጺሙ ብዘብ አኽሱም ከም አገውን ፤ቤጃን (ብጋ) ከም ዓፋን (ዓፋር) ተጠቒሶም ኣይፈልጡን እዮም ይብሉ። ኩናማ ድማ መሰረቶም “ሰሸ” እዩ ይብሉ። መን እዮም ሰሸ ዝባሃሉ? ሰሸ ማለት ልክዕ ከም “ተጋሩ” መሠረቶም “ቤጃ” ካብ ምስሓብ “አጋኣዝያን” ኢና ዝብሉዎ፡ ኩናማ ድማ ካብ “ሰሸ’ አይብሉን። ተጋሩ አጋኣዝያን ኢና ይብሉ። ወየንቲ ድማ ‘ኣጋኣዝያን ዝባሃሉ ድማ መን እዮም? አንተተብሃሉ- “ደቡባዊ ዓረብ” እዮም ይብሉ። ስለዚይ “ካብ ሳባ ካብ የመን ዝመጻእና ኢና ኢሎም ተጋሩ ከምዝብልዎ ፤ኩናማ ድማ መሠረቶም ‘ሰሸ’ ክባሃሉ አይፈትውን እዮም።

ንስኻ’ውን ከምዚ ትብል።

<<ጨሪስካ እቲ ትግራዋይነት ኣጋኣዛዊነት መንነት ንምጥፋእ መጀመሪያ ቋንቋ ናይ ምድኻም ስራሕቶም ብቑሉዕ እንትርአ ማለት እዩ፡፡>> ትብል።

 እቲ ንስኻ “አጋኣዚያን” ኢና እትብሎ ዘለኻ አጋኣዚያንነት እንታይ እዩ? እንመንከ እዮም?

ወያነ ትግራይ “ማኒፌስቶ”  ከምዚ ይብል፡

(ልቢ ንኽትብሉዎ ዝደሊ ሓደ ነገር ግን ፤ ተጋሩ ኣኽሱም ብዝብል ስም ይጽውዑ ነይሮም ይበል ‘ማኒፌስቶ’ ወያነ። ኣብ’ቲ ዝስዕብ ናይ ወያነ ማኒፌስቶ ማለት እዩ። ይኹን እምበር ‘ተጋሩ’ በዚ ስም እዚ ዝጽውዑ ምንባሮም ዋላ ሓንቲ መረዳእታ የለን)። ኮይኑ ግና አጋኣዚያን ካብ ደቡብ ዓረብ ዝፈለሱ ኣዕራብ እዮም እዩ ዝብል። እነሆ፤-

“The people of Tigray have a rich history of thousands of years. In the past, they were known by various names such as Axumites, Habeshas, etc. Before 1000 BC, present day Tigray was inhabited by Nilotic and Hametic peoples of African origin, who led a primitive communual life.....the tribes of South Arabian origin known as the Sabean, Agazeans, Habeshats, and Himyarites began to cross the Red Sea and settle in the areas which are todayTigray and Eritrea. These tribes were at a more advanced stage of development than the indigenous people. / People's Democratic programm of TPLF, May 1983) >>

ትግርኛ ብኸምይ ተፈጥረ ወይ ትግረ (ተጋሩ/ትግራይ)? ፈጠርቲ ቋንቋን መጸውዒ እቲ ቦታን (ትግራይ) ዝሰመዩዎ እንመን እዮም?

 መልሱ ድማ- “ንአኽሱም” ዘፍረሱዋ ደቂ ቤጃ ነቲ ከባቢ ‘ትግረ/ትግሬ/ ዳሓር እቶም ተጋሩ “ትግራይ” “ትግርኛ” ዝብል መጸውዒ ስም እንዳሓዙ ካብኡ  እዚ ሕዚ ሒዘሞ ዘለው መጸውዒተሰምዮም እዮም መጺኦም። ንሶም እውን ማለት እቶም “በጃ”  ‘ቤጃ ትግረ’ ስለዝነበሩ ብዘበን ኤዛናን ቅድሚኡን ‘ግዕዝ’ አትይዎም እውን ስለዝነበረ (ኣብ ቋንቋ ዓረብ/ዕብራይስጥ ‘ግዕዝ’ ከምዘሎ ኣይትረስዑ)። ቋንቋ  ግዕዝ “ምንጻፎም” ገይሮም ምስ እቲ ናይ ቤጃ ትግረን ሕዋስ ግዕዝ ደሪቦም ምስ ነበርቲ አገው-ግዕዝ ኣኽሱማውያን ሓዊሶም “ትግርኛ” ዝባሃል ቋንቋ ፈጠሩ። ተጋሩ ድማ መሰረቶም ቤጃ ምኻኑ ዝተፈልጠ ድማ ቅድሚ ተጋሩ ቤጃውያን (ብጋ) ከምዝነበሩ ኤዛና ባዕሉ ገሊጽዎ እዩ። ኣብ አኽሱም ኮነ ኣብ የመን ኣብ ዝኾነ ይኹን ጥንታዊ ቦታታት “ተጋሩ” ወይ “ትግርኛ” ትግራዋይ” ዝባሃል ቃል ፈጸሞም ተጠቒሶም፤ተራኢዮም ኣይፍለጡን። ዝነበሩን ዘይነብሩን ምንባሮም ክሳብ ሕዚ ዝረኣኹዎ ስለዘየ፤ንክትሕብሩ እጽበ (ብማስረጃ ማለት እዩ)።

 ክቡር ሓው ወዲ ሰብዓ። በታ ብትኽክል ዝመለስካያ መልሲ ክጅምር፤
 ከምዚ ትብል።

<<እንትርፊ ፊዳላት ግእዝ ፊደላት ኣምሓርኛ ዝባሃል ዘየለ ሙኻኑ  ነስተውዕል >> ትብል።

 ልክዕ ኢልካ። እንትርፊ ፊደላት ግዕዝ ፊደላት ትግርኛ ዝባሃል እውን ከምዘየለ ክትኣምን ኣለካ።

 ክእርመካ ዘለኒ ግን ኣምሓሩን ተጋሩን በብድምፆም ንከድምፁ እንትብሉ ዝፈጠሩዎም ፊደላት ከምዘለው ግን ኣይትረስዕ። ንስኻ ዝተጋገኻዮን ቡዙሓት ተጋሩን እንተስ ብትምኽሕቲ፤ እንተስ ብዘይምፍላጥ፤ ‘ ቐ‘ ኣምሓሩ ዘይጥቀሙላ ናይ ግዕዝ ፊደል ኮይና ተጋሩ ዝጥቀሙላ እያ ትብል። እዚ ማለት ድማ “ግዕዝ/ኣጋኣዚያን/” ዝብል “ተጋሩ” ሙኻኖም ምስ ጸዋዕካዮም እታ ፊደል ናይ ግዕዝ ፊደል እያ ትብል። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ “ተጋሩ” ባዕሎም “ግዕዝ/ አጋአዚያን/ኦሪታውያን” እንዳበሉ ንባዕሎም ክሰምዩ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ ኣብ ትግራይ ስለዝነበሩ ግን “ጥንታውያን” እዮም ንኽትብል መረዳእታ ምቕራብ ኣለካ። ኦሮሞቶት ኣብ ወሎ ኣብ ትግራይ ይብሩ አለው፤ እቲ ቦታ ድማ ብስመ ኦሮሞ “ወሎ” ኢሎም ሰምየሞ። ግን ቅድሚኡ “ሎኮ መልዛ’ ቤተ አምሐራ” እንዳተብሃለ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ተጋሩ ድማ ኣብ ትግራይ ስለዘለው ቀዳሞት ኢና ኢልካ መረዳእታ ዘይብሉ ምጅሃር ናብ ኦሮሞ ወሎ ዝዓይነቱን ናብ ኦሮሞ ትግራይ እውን (ጨርጨር፤መንቻረ… ኢሎም ኣብ ውሽቲ ሀገረሰብ ትግራይ መጸውዒ ሂበሞ ዝጽዋዕ ዘሎ) ተጋሩ አውን ናብ ታሪኽ ቤጃ  ከምጻኣና እዩ ማለት እዩ።

ክሳብ ሕዚ “ተጋሩ” ግዕዝ/አጋኣዚአን” እዮም ዝብል ማስረጃ ኣይራኣናን። ኣብ ኣኽሱም ዝነበሩ ጥንታውያን ‘አገው” ከምዝነበሩ ብዘበን ኣኽሱም ዝነበሩ ማለት ጸሐፍቲ/በጻሕቲ/ተመራመርቲ ዝገደፉዎም ስጂታት ግን ተጋሩ ዘይኮኑስ “አገው ግዕዝ’ ከምዝኾኑ እዩ። አገው ድማ ናብ ኣምሓርኛ/ናብ ኣምሓሩ ዝተለወጡ አገው-ግዕዝ እዮም። ከም እቶም ቤጃ-ግዕዝ ናብ ትግራይ /ትግርኛ ዝተለወጡ ማለት እዩ።

ንኣብነት ንስኻ ኣብ ጽሑፍካ  <<“ካብ’ዚ “ቓል” እዚ>> ዝብል ጽሑፍ ጽሒፍካ አንቢበ ኣለኹ። ምስ’ታ ዝጻሓፍካያ ተወሳኺ እዛ እስዕብ ሕቶ መሊስካ ትጥይቕ።ከምዚ ትብል፦ ኤርትራውያን ዳኣ መቐለ ዘብል ከተማ ዘይብሎም ንምነታይ ቐ ይጥቀሙ ትብል ኣለኻ።

 <<“እሞ ንምንታይ እዮም ኤርትራውያን ከማይ “ቓል” ክንድምባል “ቃል” ዝብሉ ወይድማ እንዳተጠቕሙ ቓል ዘየድምጹ?>> ኢልካ እንተትሓትት መልሲ ንረኸብካ። 

ግዕዝ ግና ከም ትግርኛ “ብትንሓጉ/ብዓንቀሩ/ብጎሮሩኡ/ ኣየድምጽን። ግዕዝ ቤተሰብ ‘ቀ’ ጥራሕ እዩ ዝጥቀም ማለት ክሳብ “ቆ” ዘሎ ማለት እዩ። ንምሳለ “ቃል/ቃለ” ይብል ግዕዝ። አምሓርኛ እውን ልክዕ ከም ግዕዝ ድማ ‘ቃል’ እዩ ዝብል። ኤርትራውያን ንምንታይ መቐለ ዝባሃል ከተማ ዘይብሎም ዳኣ እንዳተጠቕሙ ንምንታይ ቓል ኢሎም ዘይጥቀሙ እስቲ ንስኻ ድማ  ሕተቶም? እንታይ ዝብልዎ ዕሽነት እዩ።

ከባቢን ማሕበረሰብን ነናቱ ዘድምጾ ድምጺን ፊደልን ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ንነዊሕ ዘበን ምስ ካልኦት ዓሌታት (ትግረ/ ዓፋር/ ኩናማ/ ሳሖ/ ቤጃ/አምሓራ/ዓረብ፤ጥልያን/ግሪኽ……) ምስዝዳቐሉ ኣዳማምጻን፤ ኣጣቓቕማ ፊደልን እንዳተለወጠ ይመጽእ። ከም እቶም ተጋሩ ንኣምሓሩ “ሓ” ኢልና ብጎሮሮና እንዳፋሓቑና እንጽውዖም፤ ንሶም ከም እቲ ግእዝ ‘ሃ’ ኢሎም ብምድማጽ እዮም ንባዕሎም ‘አምሃራ’ ኢሎም ዝጽውዑ እምበር አምራ ኣይብሉን። ንስኻ ድማ ንኤርትራውያን ንምንታይ ዘይጥቀሙ ዝብል ዕሽነት ትሓትት። ንምኻኑ ንስኻ ንኣምሓሩ “መቐሌ” ኢሎም ይጽውዑና ኣለው ኢልካ ተማርር ኣለኻ። ዋእ! ንስኻን ከማኻ ዝበሉ ትግርኛ ዝዛረቡ ተጋሩንከ መን እዩ “ኣምሓሩ” /ኣምሓራይ/ ኢልኩም ንክትጽውዑዎም መሰል ሂቡኩም? ንሶም ንባዕሎም ኣማራ/አማሃራ/ኣማራዎች/ ኢሎም እዮም ዝጽውዑ ተጋሩ ግን “ኣምሓሩ” /ኣምሓራይ/ ኢልኩም ንክትጽውዑዎም መን መሰል ሂቡኩም? ዝብል ሕቶ እንተቕረብኩልኩም መልስኹም እንታይ እዩ? ዝገርም እዩ!!!

ኤርትራውያን አውን ከምኡ። ከማኻ “ቓል” ኣይብሉን። ኤርትራውያን “ቃል” ዝብል ይጥቀሙ። ንስኻ ቐይሕ ባሕሪ ትብል ፤ንሶም ‘ቀይሕ ባሕሪ’ ይብሉ። ግዕዝን ኣምሓርኛን እውን ከምኡ “ባህር/ባህረ/” ይብል እምበር ከም ተጋሩን ኤርትራ ትግርኛ ተዛረብቲን ብጎሮሮኦም እንዳዳሃፁ “ባሪ” ኢሎም ኣየድምጹዎን። ንምንታይ ከማይ ብ ‘ቓ’ ዘየድምጹ ክትብል ኣይትኽእልን (ልክዕ ከምቶም ንኣምሓሩ ልክዕ ከማና ከምተጋሩ ንምንታይ <<መቐለ ወይ ትግራይ/ትግሬ>> ዘይብሉና አሊኩም እትሙጉትዎም/ እትኸስዎም/፡ ኣብ ልዕሊኦምን ኣባኻ (*‘ጹሩይ’* ትግራዋይ ዘሎ ምትሕውዋስ ዘርኢን ዓልየትን ዝፈጠሮ ጽዕንቶ (ኢንፍልወንስ) በበይኑ ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ እቲ ትግርኛ ናትካን ናቶም ብፊደላትን ኣብ ምድማጽን ይፋላለ እዩ። ኣብ ኤርትር አውራጃታት ትግርኛ ተዛረብቲ እውን ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ትግራይ እውን ከምኡ።  ዓድዋቶትን፤ኣኽሱመቶትን ሽረን ምስ ራያን፤ እንደርታን ዝተፋላላየ ትግርኛ እዩ ዝድመጽ። ሓቀይ ዶ? ሲረ ዝብል ናይ ቀደም/ጥንቲ/ ሽም “ከተማ ሽረ” ተጋሩ ናብ ሽረ ቀይሮሞ። ወገሮሙ ዝብል ግዕዝ ኣምሓርኛ ወገሮም (ቀጥቀጦም) እንትብል ተጋሩ ድማ ከምጓሳ እዮም ዝትርጉሙዎ። ቀጥቀጠ ዝብል ግዕዝ ገለ ተጋሩ ቅጥቅጥ ኣቢለዮ እንትብሉ ገሊኦም ድማ “ቕጥቅጥ” አቢለዮ ይብሉ። ግዕዝ “መአልት” እንትብል ተጋሩ ድማ እታ ጎሮሮ ብምጥቃም “ማዓልቲ” ኢሎም እታ “ዓ” ብጎሮሮራኦም ይድርጽጽዋ። እታ ጎሮሮረ ንምነታይ መጻኣ? መን ይጥቀመላ ኣሎ? ንምንታይ? ዝብል፤ መልሱ ካባኻ ንደሊ።ከምታ ንስኻ “ቓል” ኢልካ ካልኦት ድማ ‘ቃል’ ዝብሉ ማለት እዩ። ምኽንያታ’ዶ ምስነገርካና?

ንምሳለ ኣብ መበል ዘመን 17ን 18….. ዝነበረ ትግርኛን ሎሚ ዘሎ ትግርኛን ገፊሕ ፍልልይ ኣለዎ። ምስ ናይ ሎሚ ዝጋጠም ኣይኮነን። ሓንቲ ምሳለ ክበካ። ብዘበን ሓጸይ ዮሐንስ ዝነበሩ ‘ደብተራ ፍስሓ አብየዝጊ (ታሪኽ ኢትዮጵያ) ዝጻሓፉዎ ናይ ኢድ ጽሑፍ አምቢብካ አንተዳኣኮይንካ “እንጀራ” እንትብሉ “ጣቢታ” ይብሉ። እሞ እዚኣቶም ከምቶም ንኤርትራውያን እትሓቶም ዘለኻ ንምንታይ “ጣቢታ/እንጌራ” ይብሉ ኣለው ዲኻ ክትብል? ሎሚ ሓደ ትግራዋይ ኣብ ዱኳን ተጋሩ ሹቕ (አምሓሩ ሱቅ ይብሉዎ) ከይዱ እንጀራ ንክዕድግ “ጣቢታ” ሃባኒ እንተይሉ “ክምዝስሕቑዎ” ርግጸኛ እየ። ወይድማ ኩናማ ድዩ? ሳሆ ድዩ? ዓፋር ድዩ? አምሓራይ ድዩ እንጀራ ምባል ብትግርኛ ኣብዩዎስ “ጣቢታ” ዝብል ዘሎ? …….ናብ ምባል ከምዝጉየ ርግጸኛ እየ። ስለዚ ኤርትራውያን ንምንታይ “ቐ” ዘይጥቀሙ እትብሎ መልሱ ቡዙሕ ምኽንያታት ስለዘለው ብሓጺሩ ዝሃብኩዎ መረዳእታ ከምዝበርሃልካ ተስፋ እገብር። 

ኩቡር ወዲ ሰብዓ።
 ኣብ ውሽጢ ሓደ ቋንቋ ዘለው ድምፅታት ኣብ ካልእ ቋንቋ ውሽጢ “ኣይድመፁን/ኣይዝረቡን/ኣይስማዕን/ኣየገልግልን/”። ስለዝኾነ’ውን ልክዕ ከምቶም ተጋሩ “ግዕዛውያን” ንባዕሎም ዘድምፅ “ፊደል” ምሒዞም (ወተዛመድናወተዋለድና…..እንዳበሉ ገለ ሱዳናውያን ተዛረብቲ ኣብ ራዲዮኦም እንትትሰምዕ እንተለኻ “ዋእ” ግዕዝ ብምንታይ መጸ? የብለካ)። ዝኾነ ይኹን ቋንቋ ካብ ካልእ ዝወርሶም ፊደላት ምስ’ቲ ናቱ ዘድምፅ ፊደል ኮይኑ እንተዳኣ ረኺቡዎ፤ እቶም ፊደላት ከምዘለው ከይለወጦም ብምውራስ/ብምውሳድ/ ብምልዋጥ (ሞዲፋይድ ብምግባር) ዝጥቀመሎም መንገዲታት አለው።
ግን ካብ ካልእ ተለቂሑ ወይ ወሪሱ ዘድምጽ ቋንቋ ተዛራባይ ንምሳሌ ትግርኛ/ኣምሓርኛ “ቋንቋ ግዕዝ” ዘይፈልጦም ድምጽታት እንተዳኣ ሃሊዮም፤ ነቲ ድምጾም (ጎሮሮኦም) ዘድምጽ ሓዱሽ ፊደል ክፈጥሩ ነይሩዎም። ፈጢሮም እውን።  ክፈጥር እንተሎ፤ ካብቶም ዝወረሶም ፊደላት ኣዳቒሉ ካልእ ፊደል ምፍጣር ዘማልእ ጥበብ እዩ።
ንምሳለ፡ ኣብ  ላቲን ዝብል ድምፂ የለውዎን። ኣብ እንግሊዝ ግን አለው። ስለዝኾነ’ውን ፥ እንግሊዝ ካብ ላቲን ፊደል እንተወስድ፥ ናቱ  ዝኾኑ    ድምፁ ድምጽታት  በምንታይ ፊደል ይጽሐፎም? እታ ዝገበሩዋ ምህዞ እታ መጀመርታ “s” h (sh) ነታ ካልኤይቲtን-ንh (th) ካልእ ጊዜ’ውንtን-ንch (tch) ብምጥማር እቲ ዝሓሸ/ዝቐለለ/ ብልሓት ኮይኑ ረኺበሞ ማለት እዩ ።ስለዝኾነ’ውን  እኒ ä ö é ዝባሃሉ ፊደላት መፍትሕ ንክኾኑ ዝተወለዱ እዮም።  ግዕዝ  ሸ፥ ቸ፥ ኘ፥ ዠ፥ ጀ፥ ዸ፥ ዝባሃሉ ፊደላት የብሉን። ኩሎም (እኒ አምሓርኛ፥ ትግርኛ፥ ወዘተ. ነንባዕሎም ዘውለዱዎም ቋንቋ ፊዳልት እዮም። ፊደል ዝብል ግዐዝ ስለዘይብሉትግርኛ’ ከም አምሓርኛን ግዕዝን ዘይኮነስ  ከም ኣዕራብን ከም ቤጃን ጎሮሩኡን/ትንሓጉን “ፊሒቑ” ስለዘደምጽ፤ ንባዕሉ ክጥዕሞ እንትብል እታ እትብል ድምፂ ፊደል ካብ እትብል ግዕዝ (ቐ ኣብ ግዕዝ የለን) ፊደል ዘውለዳ/ዝማሃዛ ጥበብ እያ።
ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ተጋሩ ክዛረቦም ዝደሊ ሓንቲ ምኽሪ ኣላ። ጽልኣት ኣምሓራ፤ አምሓራ ዝባሃል ዘይግባእ  ጽልኢት ፖለቲካ ነንየ በሉዎ። ንምሳለ ግርማይ ግበሩ ዝተብሃለ ናይ ቀደም ተጋዳላይ ናይ ሎሚ ድምፂ ቮኦኤ ትግርኛ ጋዜጠኛ ቅድሚ ቁሩብ   ዓመታት ብፊደል “መቐለ” “ትግሬ” ብዝብል ምስ ከምኡ ዝበሉ ብጾቱ ወፍሪ “መቐለ” (መቀሌ) “ትግሬ” (ትግራይ) ዝባሃል ሳሓቦ ጉተቶ “ኣብ ፔቲሽን” ኣዋዓዊዖሞ ነይሮም። ምስ እኒ አብርሃ ደስታ እውን ብሓሳብ ተዋጢጦም ከምዝነበሩ እዝክር። ኣብቲ ዝተገብረ ወፍሪ ድማ ‘አምሓሩ መንነትና ንክግህሱ ዝጥቀሙሉ ኣበር እዩ” ዝብሉ ቡዙሓት ኣሕዋት እንትናፋነፉ ሰሚዔ መልሲ ሂበዮም ነይረ።
እታ ብኣምሓርኛ ዝሃብኩዋ ሰፊሕ መልሲ እታ እትድለ ነጥቢ ከምዚኣ ነይራ። ናብ ትግርኛ ክትርጉማ።
When you pronounce English words, you would like to pronounce them exactly like an English speaker. Is it not it?ቋንቋ እንግሊዝ ንክትዛረብ እንትትደሊ፤ እቲ ትምኒትካ ልክዕ ም’ቶም እንግሊዛውያን ንክትዛረብን ንክተድምጽን እዩ ቀንዲ ትምኒትካ: ኣይኮነን ዶ?   ‘That is your wish, you “the speaker.” ግን ቋንቋኻ ስለዘይኮነት፤ ናብ ዘይትደልዮ ድምጺ ይጠውየካ። (But your language takes you to where you do not wish to go.’) ምኽንያቱ ድማ ቋንቋኻ ናብቲ ዘይደለኻዮ ድምጺ እዩ ዝውጥጠካ። ስለዚ እንግሊዝኛ ( ዓረብኛ፤ጣሊያንኛ፤…) እንትትዛረብ እውን እቲ ዝድመጽ ልሳንካ እቲ ናይ ኣዴኻ ቋንቋኻ ብዝግበረልካ ፅዕንቶ ይወሰን ማለት እዩ። (‘So you pronounce the English words as your language dictates.’) 

ንኣብነት ግዕዝ ዘለዎ ድማ እንተዳኣ ከርእየኩም ደሊኹም (አምሓርኛ)ብዕራይ” (“cow” ) ዝብል ናይ ግዕዝ ቃል “bi’iray.”  በአማሓርኛ እንትጻሓፍ ወይ ክዝረብ/ክድመፅ ከሎበሬይብል። ሕጂ ኣጸብቕኩም አስተብህሉ!ራይዝብሉ ፊደላት ናብከመይ ከምእተለወጠ። ትግርኛ ድማ “ዕ” እትብል ፊደል ግዕዝ ከምዘላ ኣፉኲሱ እንተንብባ ‘ተጋሩ’ ግን እታ ኣብ ማዕኸል ዘላ “ዕ” ፊደል ብጎሮሮኦም እዮም ጢሒንና ኢና እነድምጻ። 

እቲ ዝራኣናዮ ብዕራይay” አምሓርኛ ከምይ ናብ ሬ” (e). ከምዘድምጽዎ ልቢ በሉ። ስለዚ ተዛረብቲ አምሓርኛ (ብዕራይ)ራይ” ዝብል ናብ “ሬ” (በሬ)  ክብሉ ዝተገደዱ ንግዕዝ ጽልኢት ስለዘሕደሩ ኣይኮነን። ቋንቆኦም ስለዘገድዶም እዩ። ቋንቆኦም ይቋጻጸሮም ኣሎ ማለት እዩ።(But their language takes control.) በግዕዝ እውንትግራይዝብል ትረክብ። (Similarly, in Ge’ez you find Tigray.)  ልክ ከምታ ኣብ ላዕላዕላይ ዝራኣናያ (ብዕራይ) ራይእትብል ናብ (በሬ) ዝተደምጸት እታ (ትግራይ_ እትብል አውን ‘ሬ’ ለዊጦም ትግሬይብሉዋ። ከም’ቲ ገለ ጸበብቲ ዝትርጉሙዎ ጽልኣት ትግራይ ስለዘለዎም ወይ ጸቕጢ ንምግባር ዘይኮነስ ቋንቆኦም ስለዝቋጻጸሮም እዩ። (These Amharic speakers do not hate people from Tigray. But their language takes over and changes the ay to e. There is no malice at all.)። ስለዚ ኮነ ኢሎም  ኣብ ልዕሊ ህልውና ተጋሩን ባህሊ ተጋሩን ንምጽራር ተባሂሉ ተፈጸመ ሴራ አይኮነን። በዚ መልሲ ከምእትዓግብ ተስፋ እገብር። 

ኣብ መወዳእታ እታ ዘቕረብካያ <<ድምፂ ፊደል “ቐ” ንምውፃእ ዝኽእል ጎሮሮ ዝተዓደለ መን እዩ?>> ዝብል መስደመም ዘረባ ቆልዑን “ዘገርም ምክኼ ድንቁርናን” ክመልሰልካ።

ግዕዝ ዝብል ፊደል ስለዘይነበሮ ወይ ኤርትራውያን ወይ አምሓሩ ዝብል ፊደል  በጎሮሮራኦም እንዳሓኸኹ ስለዘይጥቀሙ፤ ተዛረብቲ ‘ቐ’ ኣብ ልዕሊ እዞም ብጎሮሮኦም ዘይጥቀሙ ተዛረብቲ ካልእ ቋንቋ ልዕልና ምርኣይ መስሓቕ ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ጥንታውያን ተዛረብቲ ግዕዝ ባዕሎም “ብዕራይ” ዝብል ብጎሮሮኦም ስለዘየድምጹዎም ተዛረብቲ “ቐ” ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ግዕዝ ልዕልና ምርኣይ ማለት “ዳሕረዎትስ ንቀዳሞት ሳሓቐአን” ይባሃል።

ግዕዝ <<“ወትሐውር እስከ ትቀርብ”>> ክብል ተሎ እቶም ኣብ ማእኸል ዘለው ፊደላት ከም ቀ (ትቀርብ) ዝብል “ተጋሩ” ብ “ቐ” እዮም ዘንብቡዎ <<ማየ ባሕር/ ወትሓውር/ ኩሎም ተጋሩ “ሐ” እውን ከምኡ ብጉሮራኦም እዮም ዘድምጹዎም። ግዕዝ ብጎሮሮኦም ኣየድምጹን። ግዕዛውያን <ላሕም> ብ ድምጺ “ላህም” ብዝብል እንትንብብዎ፤ ዳሕራይ ዝመጹ  ‘ተጋሩ’ ብጎረሮኦም “ላሕሚ” ኢሎም እታ “ሕ”  ብጎረሮኦም ይፍሕቑዋ። ግዕዝ (ዓረብ) “አረብ’ ብዝብል እንትድመጽ ግዕዝ ሐውልት (ሃውልት) እንትብል ተጋሩ ሓወልቲ ኢሎመ ነታ “ሓ” (ብጎረሮኦም ይፈትልዋ)። ኤርትረውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ቃልሲ እንትብሉ ፤ንስኻ ድማ “ቓልሲ” ኢልካ ተድምጽን ኣብዝጽሑፍካ’ውን ይራኣይ። ምስ ቓን ምስ እታ ቐ ን ሓያል ፍቕሪ ሒዙካ’አሎ።  እሞ ነዚስ እንታይ ምዕዳልን ምጅሃርን ኣድለየ?

ተጋሩ ድማ እታ “ዓ” ብጎረሮኦም ሊሒጾም የድምጽዋ። ግዕዝ (ዓ.ም) “መተምህርት”  እንትብል ‘ተጋሩ’ ነታ ብጎረሮኦም ፍሒሶም “ዓ” የድምጽዋ። ግዕዝ “ምሕረት” ምህረት ኢሉ አፍኲሱ እንተድምጻ ፤”ተጋሩ” ግና  እታ “ሕ”  ኣብ ጎሮሮኦም ‘ፍሒሶም’ “ሕ!” ኢሎም “ኣቲ ምረት” ኢሎም ንጓሎም ወይን ነሰበይቶም ይጽውዑ (ወይድማ ምረት የውርደልካ) ብምባል እታ “ሕ” ብጎረሮኦም ይድርጽጽዋ!!!!!!!።

ኣብ  መወዳእታ በታ ሽምካ “ወዲ ሰብዓ” ክጠቅስ እሞ ግዕዝ “ሰብዓ” እንትብል እታ “ዓ” ብ ‘አ’ (ሰብአ) እዩ ዘንብባ ፤ተጋሩ ግና ነታ ናይ ግዕዝ “ዓ” ብጎሮሮኦም ደርጺጾም “ዓ!” ‘ሰብዓ’ ኢሎም የድምጽዋ። እዚ ኹሉ ናይ ጎሮሮ ምድርጻጽ ዘስዓበ ምኽንያት ብዙሕ ብዕድለኛ ኮይንካ ዘይኮነስ፤ ምኽንያታት አለዎም። ካብቶም ምኽንያታት ካብ ቤጃን ዓረብን ዝድመጽ መስሕብ ስለዘለዎም እዩ። ስለዚ ‘ቐ’ ወይ ‘ሐ’ ወይ “ዓ” ብጎሮሮ ደርጺጽካ ስለዝተዛረብካ ወይ ከም እቲ ንስኻ እትጃሃሮ ዘለኻ <<ድምፂ ፊደል “ቐ” ንምውፃእ ዝኽእል ጎሮሮ ዝተዓደለ መን እዩ?>> ኢልካ ንኣምሓሩን ንተዛረብቲ ግዕዝን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብጎሮሮ ምጅሃርን፤ ከምዚ ዝበለ መስደመም ሕቶ ምቕራብ፤እንታይ ዝብልዎ ዘበን መጻእና ዘብልን ዘገርምን እዩ! ብ “ቐ” ን ብ “ራይ” ን ፊደላት ጽላለ ንግደፎ።
                            የቐንየለይ።
ጌታቸው ረዳ  getachre@aol.com