Monday, April 21, 2008

My Message to the Die Hard TPLF Artists







ኣብዚኣ’ስቲ?
መልእኽቲ ንደረፍቲ


ንደርፊስ ከማይዶ ገይሩ ዝፍትዋ ይህሉ ዶኾን ኢለ ክጥይቕ ጋእ-ጋእ የብለኒ’ሞ፤ በይነይ ጥራሕ እንዳመሰለኒ።ከማይ ዝበሉ እንትርኢ ድማ “ዋእ” ተጋግየ እየ እብል! …….አየ እወ! ደርፍስ ንፍቕርን ንሰነያን ጥራሕ ዘገልግል ተዝኸዉን እመበር፤ ንመቃያየሚን ንመጓራፈጢስ እንታይ ክኾን!?

ወለላ ዜማ ንህዋሳት ክንደየናይ ርምትት ኣቢሉ ከምዘፍዝዝ ክትግምቱዎ ምእንታን እታ ለጢፈያ ዘለኹ ናይ እያሱ በርሄ ጥዕምቲ ደርፊ እሞ ስምዑዋ፤ ጥዑም ዜማ ከመይ ንጸላኢኻ ‘ዉን ከይሓሰብካዮ ብድድ ኣቢሉ ክተጣቓዓሉ ዘገድድካ ሰባብ ፈወሲ ሙኻኑ ደንድኑዎ!

እንታይ’ሞ ክኾን፤ዓለም ተማዓራርያ ኣይጸንሓትናን። ነቶም ሰናያት ጥራሕ ዘይኮነትስ ነቶም ግበረ ኣኻኢስ’ዉን መረዋሕ ድምጺ ዓዲላቶም እያ። እቲ ዝገርመኒ ድማ ካብቶም ከየንቲ ወያነ ገሊኦም ናይ ቀረባ አዝማደይ ሙኻኖም እንትፈልጥ ማዓንጣይ ሕርር፤ሕምትል እብል።ታይ ሞ ይገበር! አቦ ዝጎይ ዝሀበካስ ምኽኣል እዩ ድዮም ዝብሉ ወለዲና?

እወ ናይ ጊዜና እኩያት (መርዛማት) ጸሐፍቲን ደረስቲን
፤ብስም ህዝቢ እንዳገጠሙን እንዳዜሙን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጣቑስ ድርሰቶም ዘርጊሖም መንእሰይ ባህሪያተ ጠመትኡ ዉሱንን ጎጣይን ንኩኾን ጎዳኢ-እጃም ከምዘወፈዩ ዝፍለጥ ነገር እዩ።

ከየንቲን ደረስቲን፤ ሕብረተስብ ብጉጉይ ወይ ብሓናጻይ ህይወት ንክህነጽ ዘኽእል ጸጋ ከምዘለዎም ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ይመስለኒ። ብተፈጥሮ ወይ ብታዕሊም ዝረኽቡዎ ጥበብ ክያነ፤ በቲ ታኣምራታዊ ናይ ምስሓብ ክእለቶም ተደሪኾም ናብቲ ዝደልዩዎ ጎደና “ሰናይ” ወይ ናብ “ጸድፊ፤ ናብ ሑጋ” ክጎ’ቱዎ ዉሁበቶ ስለዘለዎም፤ ማሕበረስብ ብዓይኒ ከየንቲ ኢዱ ዝሀበ ናቶም “ሙሩኽ” እዩ ። ናብ ዝመርሑዎ ዝምራሕ ዓይኒ ዘለዎ ኣይነስዉር እዩ ማለት እዩ።

ንድሕሪት ተመሊስና ዕብየት ወያነን ሻዕብያን እንትንምልከት አብዚ ሕዚ በጺሐሞ ዘለዉ ብርኪ ንክበጽሑ ካብቲ ብረታዊ ተጋድሎኦም ዝጸብለለ እጃም ዘበርከተ እቲ “ክፍሊ ባህሊ” ኢሎም ዝጽዉዑዎ ዝነበሩ፤ ዘየምቲን ተዋሳእቲን ሒዙ ዝነበረ ባእታ እዩ።ደርጊ ብፋሽስቲ ባህርያቱ ንመንእሰይን ንዓበይቲን ይቕንጽልን የባሳብስን ስለዝነበረ፤ በቲ ጊዜ’ቲ ወየንቲ ካብ ሜዳ ናብ አየር ዝፍኑዉዎም ዝነበሩ ንሕልና ዘወይኑ ብሙዑዝ ዜማታት ዝተመርጉ ሉዑኽቶታት ነቲ መንእሰይ ሸዉ ኢሉ ንበረኻ ክጸድፍን ናብቲ ገድሊ ንክጽምበርን ተራ ነይሩዎ (ተኾርሚኻ ሞትየ- ደዉ ኢለካ’ዉን ሞትየ- ናዓናይ በረኻ ቀቲልካ ክትሞትየ!)።

ናብ ሜዳ ምስወጹ’ዉን ፤ ነብሰ-ወከፍ ተጋዳላይ አብዝሃለወ ሃሊዩ ፤ አብ አኼባ ኮነ ዉግእን መገሻን - ነቲ ብጥመየት ዝተሐለገ ማዓንጣ ከም “መቐነት” ኮይኑ ዘደልድሎምን ንስንቂ ተኪኡ መንፈሶም ዓንጊሉ ዘትርሮም “ጓይላ” ከምዝነበረ ንፈልጦ ጉዳይ እዩ።ብጓይላ ተኾስኲሱ ዝዓበየ ሕልና ድማ አብ ዉሽጢ ዜማ ተመሪጉ ዝማሐለፍ <ፈጻግ-ቋነቁኛ> ብዘይምስትበሃል ተቐቢሉ ይደግሞ፤ የዚሞ’ዉን። በዚ ንሐዋር (ነመጻኢ) ጸገም ይፍጠር። ጎጣያት ዘየምቲ ብሕልፊ ድማ እንኮላይ አብ ዕድመ ሸዊት ብርኪ ዘለዉ (ሰገናት) “ቆልዑ” ከም “ፈልሲ” ስለዝጥቀሙሎም ናይ ፈላማይ ጭማተኦም (target) እዮም። ሻዕብያን ወያነን ብሽም <ቀይሕ- ዕምባባ>ን ፤ብሽም <ሰገናት>ን ድማ ከሲበሙሎም። ብኸመይ ከሲበሙሎም፤ ንኡዑ ዝተመደበ ፍሉይ መደብ ስለዘለና፤ አብ ካሊእ ጊዜ እንምለሶ እዩ።

ዜማ አንኳይዶ ንደቂ ሰብ ንኣራዊት እዉን ዘፍዝዝ ሓይሊ -ሳሕቢ (ማግኔት)እዩ። ጓይላን ዜማታት ግጥምን ናይ ሕልናና “ጋጉንቻራት” (መፋትሕ) አዮም። አብ ጊዜ ዓጸባ (ሽግር) ሓቦን ተስፋን ዘስንቑ ተጠፈጥሮኣዊ ጸጋታት እዮም።ክተስተንትን ክትናፍቕ የብክዩዃ፣የባራብሩኻ ፤የስቆርቁሩዃ፤ዝን ኣቢሎም ናብ ዕዝር ይስዉሩኻ፤ ሕንቕንቕ ንክትብል የድንኑኻ ፤ባህ ተይሉዎም’ዉን የስሕቁዃን ፤ የሐጉሱዃን እዮም። ስለዚ’ዉን፤ ክንቋጻጸሮም ዘይንኽእል ምኽንየታት (means) ብሙዃኖም ደረፍቲ ከም መረዋሕ (ካብ እምኒ ዝስራሕ ዝተፋላለየ ድምጺ ዘስምዕ ካብ እብን/እምኒ ዝስራሕ ጥንታዊ ደወል እዩ) ዝድዉል ሙቁር ቃናኦም እንዳታዓጀቡ ዝፍኑዉዎም ቃላት/መልእኽቲታት እንተዳአ አሉታዊ ኮይኖም፡ ዋላ’ኳ ሙቁር ዜማ ይሃሉዎም እመበር ሳዕቤኖም ጎዳኢ እዩ።

ዘፈን /ደርፊ “ዕጽ” እዩ። መደንዘዛይ ባህረት አለዎ።”ስዋ ከምጾማቒቱ “ይባሃል። ስዋ አብክልተ - “ዘስክርን” “ዝምዕዝን” ተባሂሎም ይምደቡ። ዋንጫ ምስወርወርካ “ሃለፍለፍ” ዘብል አሎ። ስትይ ዉዒልካዮ ዘይምኖ ዘይትረዉዮ “ድገምኒ” አንዳበልካ ዝስተ’ዉን አሎ። ዘፈን’ዉን ከምዘፋኒኡ/ከምዘያሚኡ እዩ።

ህይወት ዘለዎም ዜማታት ካብ ምሒር “ወለላ ኣቶም” (ጡዑምነት) አብ ጊዜ ጓይላ ከመይ ከም’ንላሃይ’ኳስ ክቋጻጸሩና ንርኢ። ልብና ሰዊሮም አብ ማዕኸል ኡኩብ አብቲ ጓይላ ስምዒትና ቆንጪዎም፤አባራቢሮም እንገብሮ ከስእኑና ንርኢ። ተላሃያይ በታ ምቅርቲ ዘፈን “ዉኒኡ” ስለዝስሕት አብ ከባቢኡ ንዘሎ ተዓዛባይ ቅጭጭ (ከበር) አይህቦን። አብቲ ዓወደ ትልሂት ዝራኣዩ ምንቅስቓሳት ዘገርሙ እዮም። ፈናን (ዘህንን ) ደራፋይ መድራፍ እንትጅምር፤ ድንገት ልብኻ ይፈታሕ፤ትነጥር፤ዓዉ ኢለካ ትፋጺ፤ ገሊኡ ይፍሳህ፤ ገሊኡ የጉርዕ፤ት’ሓደ ይነብዕ፤ አብሰመም ይአቱ፤ገሊኡ ይዕመት ምስኡ ይቓኒ። ገሊኣ ትጠቀስ ምስቲ ደርግስና ዕጽፍ -ዝረግህ ትብል፤ክሳዳ ትነንዉ ናብ “ርግቢት ትቕየር”- ሰዓመኒ! ቁሪ ቑሪ -ሑቖፈኒ! ትብል። <ልብ ያነሆልላል!> ዝብሉዎ ዝዓነቱ ደርፊ፤ “sedactive” ኢሉ ዝጽዉኦ አንግሊዝ! ማለት እዩ። “ዲቕ ዝበለ ወናም ጓይላ!” ዝበሉዎ ደቂ ዓድና።

እወ፤ ኩላትና አብቲ ሙቁር ጓይላ አትዩ ዘይተማረኸ ዘይፈተነ የለን። ደርፊ “ዕጽ” እዩ። ዘጸልል፤ዘንጥር፤ክዳንካ ዘድርቢ ሰንካም እዩ! በቲ ጊዜ’ቲ እዩ እቶም ኡኩያት ገጠምቲ፤ ነቲ መረዋሕ ድምጺ ዘለዎ ደራፋይ መሪጾም “አሉታዊ” ግደ ዘለዎ ሉኡኽቶታቶም ሂቦም በቲ ወለላ ድመጹ ናብ ህዘቢ “ክማሓለፍ” ዝገብሩ። ይዝከረኩም ዶ ወያነን ሻዕብያን ቅድሚ ምንቛቶም- አብቲ ጊዜ “ኡፍ - ኡፍ” ፍቕሮም፤ ሻዕብያ ዘይገበሮ ወየንቲ ብፍቕሪ ሻዕብያ ተጸሊሎም ባንዴራ ሸዕብያ ሒዞም ፎቖዶ ዓለም እንትዘሩ? አብ ዋሽንግተን አብ ቅድሚ ካሜራ፤እዳዘለሉ እንተስዕሙዋኸ? ከምዚኸማይ “በይዛኽኒ “ባንዴራ ና ባንዴራ ኢትዮጵያ ታይኮን ትብሊ’ለኺ? ዝበልኩሙሉ ጊዜ’ዶ ትዝክሩ? <ኤርትራዊት አዶ እዚ ኹሉስ ኣይሳላኽንዶ!> አንዳተብሃለ ማህጸን ኣዶታት ኢትዮጵያዉያን ግና አብጥርጥር አብታሓታትነት አትዩ ፤አዴታት ኤርትራዉያን ግና አናብር ዝወለዳ ተገይሩ ተማሂዙ ዝተጫደረ ጭዳረ ዝርሳዕ አይኮነን። ምስኡ -ታሪኽ “ወለድና” “ዘናእስ” ገድሊ “አሉላ” “ዘማራስሕ” ዝተዘርበ አዛራርባ’ዉን ንዝክር። ኤርትራ መንእሰይ፤ጋመ ሳድላ ዝተቖነነት ፤ብሩህ ተስፋ ዝተዓጥቀት፤ ሐዳረይ ክወጽእ እየ ዘበለት። “አፍላ” (ዕሸል)-፡ ኢትዮጵያ ድማ -ጮግሪ ርእሳ ሸማሕ ዝበለ፤ ጡረታ ክትወጽእ ዝተቓረበት ዓባይ ወይዘሮ፤ ወጻዒት ጓላ (ሪፕረሲቭ) ተባሂላ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ መድረኽ “ባጫ” ከቶ መን ክርስዖ? አንቱፍ….. ቱፍ!!! ይቕረ በለሎም ጎይታይ!

ዘይሓልፍ የለን- እቲ ኹሉ ረስኒ ዝሒሉ። ሰራሕቲ ሰላም ኢና ዝብል ደርፎም’ዶ ይዝከረኩም?፤ ዝተረፉና ግና ደቂ ነፍጠኛታት ኣንጻር ሰላም፤አንጻር ህዝቢ ኤርትራ ተገይርና እነትንሳኣል? ብመጉልሂ እንትዘልፉና? ዝኹሉ ጊዜ ኣለዎ ድዩ ዝበለ፤ መን እዩ “ዳዊት?” እቲ ድዩን ታሪኾምን ባህረቶምን ግና ክሽፍኑዎ ብዘይምኽአሎም ናብ “ዉግእ” አትዮም ህዘቢ አወዲኦም!! ጎጣያት ደረፍቲን ደረስቲን -ነቲ ዉግእ ከጓሃህሩ ነቲ ሀዝቢ ዘናቑት ጸርፊታት ሚሂዞም ዘስምዑና ዝነበሩ

መስደመም’ዉን “እወ!” ንዝክር። 100,000 ዝኣክል ህይወት ቁጽሪ ደቂ ሰብ ዓረር ጨዊይዎም ኬኢተመለሱ ብኡቢሎም ተሪፎም። ክልቲኦም ሰባባትመራሕቲ ግና አብ ክንዲ ቤት ማእሰርቲ ምእታዎም፤ ሕዚዉን መሊሶም ሰብ ከወድኡ ይሻባሸቡ አለዉ። አቲ ዘሕዝን ድማ ደረፍቲ ሕዚዉን ፎቖዶ አሜሪካ እንዳተዛዋሩ አብ ናይ ዓሚ ፈስቲቫል ወያነ “ወጋሕ ትበል ለይቲ” ጓይላ ከፊቶም ፤ <ኣይ ላቭ መለስ!> ዝብል ምስሊ መለስ ዜናዊ ዝተስኣሎ “ካናቴራ” ለቢሶም/ለቢሰንን፤ እንትጫድሩን አንትጫድራን አብ ቪድዮ ተቐዲሑ አንትንርእዮም፤ ብሓቂ እምበርከ ………….? ዘብል ሕቶ ይመጸካ።

ባንዴራ ኢትዮጵያ ብኻልኣይ ብርኪ መዲቦም፣ አብ ጊዜ ጓይላ ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ “ሓደ” ፓርቲ” ምልክት ዝኾነት ብበረት አፋራሪሖም ባንዴራኻ እያ ኢሎም ካብ ኮሚኒሰት ቻይና ዝተቐድሐት “ኮሚኒስታዊት ባንዴራ” ወያነ ሐቒፎም ምስከቦሮ አንዳዘለሉ እንዳሰዓሙ አንትትርእዮም’ዉን -- ዋእ! እመበርከ………….? ዘብል ሕቶ መመሊሱ ይዉረመካ። ብሀንደበት ሰላም እንተዳኣ ፈጢሮም መሊሶም ደኾን <ባንዴራ ሻዕብያ ሒዞም እንዳዘለሉ ፤ ኤረትራዊት አዶ እዚ ኹሉስ አይሳለክንዶ!> ዶኾን ይብሉ ዘብል ጥርጠረ’ዉን ይሓድረና።ኣያም በሉ!

ወለድና ኢትዮጵያ ሃገርና ወሰናታታን ባሕሪ ወደባታታን ከይትምንጠልን ከይትድፈር ኢሎም ነዚ ህዝቢ እዚ ህይወቶም ሂቦም እዮም። እዞም ኩሎም በይዛ ሀገሮም ዝሓለፉ ምስ ኣሉላን ምስ ምኒሊክን፤ዮሃንስን …..ብሙሉእ “ኢዶም” አትዒቶም “ዘጽግቦም” ኩላሶ ኮሊሶም ዘይፈልጡ፡ ንስድራን፤ንከባቢኦምን ጥራሕ ዘይኮነስ ጀጋኑ ተጋሩ ወለድና ዝተሰዉኡሉ ዕላማ ሃገሮም እንትብሉ እዮም ቀላጽሞም ተተርኢሶም ቤዛ ዝሓለፉ። ሎሚ ተዝትስኡስ ፤“Ethiopia” ንከመዚኦም ዝበሉ “ባንዳታት” መጻወቲ ንክትኮን? ንበሉ።

ሎሚ አብ ወጋሕ ትበል ለይቲ፤ አብ ጓይላ ወያነ “ነታ ባሕርና ንክንምንጠል ዝገበረት “ኮሚኒሰታዊት” ናይ “መለስ ባንዴራ” “ባንዴራ ወየነን” ናይ መለስ ዜናዊ ስእሊ ዘለዎ ከናቴራ ተኸዲንካ ምጭዳር ማለት “አብ ልዕሊ ናይ አሉላን ናይ ዮሃንስን፤ ንዖዖም ስዒቦም አብ ፎቖዶ ኤረትራ ዝወደቑ ጀጋኑ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ደም ወለዲ- ደም ሐርበኛታት እንዳረገጹ ይላሃዩ ከምዘለዉ ከነዘኻኽሮም ንፈቱ። ደረፍቲ’ዉን ካብ ጌጋኹም ተማሃሩ ንብለኩም “ደጊምና ደጋጊምና”። ናይ ባንዳታት መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ አይትኹኑ ንብል። ቶም ብደም አሉላን ዮሀንስን ዝቐለዱ ባንዳታት ጽባሕ ንጎሆ ናብ መንጠቢኦም ምንጣቦም ዘይቐሪ እዩ፡ -ንሱኹም ግና ምሳና ተረፍቲ ኢኹም። ተዘይታአዲብኩም ብግብርኹም ከምትሐፍሩ ሩጉጽ እዩ። -ኣሰር ኣሉላ፤ኣሰር ዮሃንስ ስዒበኩም ነቶም ዘጋግዩኹም ዘለዉ፤ ታሪኽ ዝጸየቑ “ዑሱባት መራሕቲ ወያነ” አንጻሮም ደዉ አሊኩም ታሪኻዊ ግደ ፈጽሙ። ንዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመት ዝተጋደልኩሙሉ ናይ ጀጋኑ ታሪኽ “መኽሰብ ኤርትራዉያን ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ”! ብሽምኩም ተፈጺሙ ዘሎ ዘሕፈር ፍጻመ ናይ “ዑሱባት” ታሪኽ አሽኳይዶ ብተጋሩ ክፍጸም እዩ ኢልካ ክሕሰብስ ፤ብደቂ ወጻእተኛ አውን ከመዚ ዝበለ መሰደመም ክስራሕ ዘይግመት እዩ ነይሩ። ግና ተፈጺሙ! ወደባት አባሓጎታትኩም ተምነጢልኩም አመንጢለኩሙና! ዝገርም ፍጻመ!

ስለዚ አብ ልዕሊ ታሪኽ ወለድኹም እዚ ኹሉ ታሪኻዊ ዉርደትን ብርሰትን ከምጽኡ “ተጋሩነቶምን ኤርትራዊነቶምን” ተጎልቢቦም ሰሪጎም አብ ዉድብ መሪሕነት ወያነ ዝኣተዉ “አትባን ሙቁራት ተዛረብቲ” እኒ መለስ ዜናዊን ስበሐት ነጋን “ኮነ ኢሎም ታሪኽ ተጋሩ” ስለዝጸየቑዎ ኣንቱም የዕንትኹም ተሸፊኑኩም ዘሎ “ከየንቲ-ተጋሩ” ፎቖዶ ጓይላ አንዳኸድኩም መሳርሒ ባንዳታት ካብ ሙኻን ንክትእደቡ አብ ጎኒ ጽቡቕ ታሪኽ ደዉ ንክትበሉ መጸዋዕታ ነቕርብ። ሰብ ይመዉት ታሪኽ ግን ኣይመዉትን!

ታሪኽ ኢትዮጵያ ብወየንቲ ታሪኻ ኣይሃስስን።ዘይወግሕ የለን ክወግሕ እዩ! ሰላም ንምነ።
ጌታቸዉ ረዳ
ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ
አሜሪካ

My Message to the Die Hard TPLF Artists

ኣብዚኣ’ስቲ? መልእኽቲ ንደረፍቲ ደርፊስ ከማይ ገይሩ ዝፍትዎዶኾን ይህሉ ኢለ ክጥይቕ ጋእ-ጋእ የብለኒ፤ በይነይ ጥራሕ እንዳመሰለኒ።ተጋግየ!.... አየ እወ! ደርፍስ ንፍቕርን ሰነያን ጥራሕ ዘገልግል ተዝኸዉን! ወለላ ዜማ ንህዋሳት ክንደየናይ ርምትት ኣቢሉ ከምዘፍዝዝ ክትግምቱዎ ምእንታን እታ ለጢፈያ ዘለኹ ናይ እያሱ በርሄ ጥዕምቲ ደርፊ እሞ ስምዑዋ፤ ጥዑም ዜማ ንጸላኢኻ ‘ዉን ከይሓሰብካዮ ብድድ ኣቢሉ ክተጣቕዕ ዘገድድካ ሰባብ ፈወሲ ሙኻኑ ራኣይዎሞ ንማያየጥ! እንታይ’ሞ ክኾን፤ዓለም ተማዓራርያ ኣይጸንሓትናን። ነቶም ሰናያት ጥራሕ ዘይኮነትስ ነቶም ግበረ ኣኻኢስ’ዉን መረዋሕ ድምጺ ዓዲላቶም እያ። እቲ ዝገርም ድማ፤ ካብቶም ከየንቲ ወያነ ገሊኦም ናይ ቀረባ አዝማደይ ሙኻኖም እንትፈልጥ ማዓንጣይ ሕርር እብል።ታይ ሞ ይገበር! አቦ ዝጎይ ዝሀበካስ ምኽኣል እዩ ድዮም ዝብሉ ወለዲና? እወ፡ ናይ ጊዜና እኩያት (መርዛማት) ጸሐፍቲን ደረስቲን ፤ብስም ህዘቢ እንዳገጠሙን እንዳዜሙን ህዝቢ ምስ ህዘቢ ዘጣቑስ ድርሰቶም ዘርጊሖም መንእሰይ ባህሪያተ ጠመትኡ ዉሱንን ጎጣይን ንኩኾን ጎዳኢ-እጃም ከምዘወፈዩ ዝፍለጥ ነገር እዩ። ከየንቲን ደረስቲን፤ ሕብረተስብ ብጉጉይ ወይ ብሓናጻይ ህይወት ንክህነጽ ዘኽእል ጸጋ ከምዘለዎም ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ይመስለኒ። ብተፈጥሮ ወይ ብታዕሊም ዝረኽቡዎ ጥበብ ክያነ፤ ተኣምረኛ ናይ ምስሓብ ክእለቶም ተደሪኾም ናብቲ ዝደልዩዎ “ሰናይ” ጎደና ወይ “ጸድፊ” ክጎ’ቱዎ ብምእኻሎም፤ ማሕበረስብ ብዓይኒ ከየንቲ ኢዱ ዝሀበ “ሙሩኾም” እዩ እንተበልኩ ዝተጋገኹ ኣይመስለንን። ናብ ዝመርሑዎ ዝምራሕ ዓይኒ ዘለዎ ኣይነስዉር እዩ ማለት እዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ዕብየት ወያነን ሻዕብያን እንትንምልከት አብዚ ሕዚ በጺሐሞ ዘለዉ ብርኪ ንክበጽሑ ካብቲ ብረታዊ ተጋድሎኦም ዝጸብለለ እጃም ዘበርከተ እቲ “ክፍሊ ባህሊ” ኢሎም ዝጽዉዑዎ ዝነበሩ፤ ዘየምቲን ተዋሳእቲን ሒዙ ዝነበረ ባእታ እዩ።ደርጊ ብፋሽስቲ ባህርያቱ ንመንእሰይን ንዓበይቲን ይቕንጽልን የባሳብስን ስለዝነበረ፤ በቲ ጊዜ’ቲ ወየንቲ ካብ ሜዳ ናብ አየር ዝፍኑዉዎም ዝነበሩ ንሕልና ዘወይኑ ብሙዑዝ ዜማታት ዝተመርጉ ሉዑኽቶታት ነቲ መንእሰይ ሸዉ ኢሉ ንበረኻ ክጸድፍን ናብቲ ገድሊ ንክጽምበርን ተራ ነይሩዎ (ተኾርሚኻ ሞትየ- ደዉ ኢለካዉን ሞትየ- ናዓናይ በረኻ ቀቲለካ ክተሞትየ!)። ናብ ሜዳ ምስወጹ’ዉን ፤ ነበሰ-ወከፍ ተጋዳላይ አብዝሃለወ ሃሊዩ ፤ አብ አኼባ ኮነ ዉግእን መገሻን - ነቲ ብጥመየት ዝተሐለገ ማዓንጣ “መቐነት” ኮይኑ ዘደልድሎምን ንስንቂ ተኪኡ መንፈሶም ዓንጊሉ ዘትርሮም “ጓይላ” ከምዝነበረ ንፈልጦ ጉዳይ እዩ።ብጓይላ ተኾስኲሱ ዝዓበየ ሕልና ድማ አብ ዉሽጢ ዜማ ተመሪጉ ዝማሐለፍ <ፈጻግ-ቋነቁኛ> ብዘይምስትበሃል ተቐቢሉ ይደግሞ፤ የዚሞ’ዉን። በዚ ንሐዋር (ነመጻኢ) ጸገም ይፍጠር። ጎጣያት ዘየምቲ ብሕልፊ ድማ እንኮላይ ንዝዓብዩ አብ ዕድመ ሸዊት ብርኪ ዘለዉ (ሰገናት) “ቆልዑ” ከም “ፈልሲ” ስለዝጥቀሙሎም ናይ ፈላማይ ጭማተኦም (target) እዮም። ሻዕብያን ወያነን ብሽም <ቀይሕ- ዕምባባ>ን ፤ብሽም <ሰገናት>ን ድማ ከሲበሙሎም። ብኸመይ ከሲበሙሎም፤ ንኡዑ ዝተመደበ ፍሉይ መደብ ስለዘለና፤ አብ ካሊእ ጊዜ እንምለሶ እዩ። ዜማ አንኳይዶ ንደቂ ሰብ ንኣራዊት እዉን ዘፍዝዝ ሓይሊ -ሳሕቢ (ማግኔት)እዩ። ጓይላን ዜማታት ግጥምን መፍቱሕ ናኢ ደቂ ሰብ አዮም። አብ ጊዜ ዓጸባ (ሽግር) ሓቦን ተስፋን ዘስንቑ ተጠፈጥሮኣዊ ጸጋታት እዮም። የብክዩዃ፣የባራብሩኻ የሕዝኑዃ፤የስቆርቁሩዃ፤ናብ ዕዝር ይስዉሩኻ፤ ሕንቕንቕ ንክትብል የድንኑኻ ፤ባህ ተይሉዎም’ዉን የስሕቁዃን ፤ የሐጉሱዃን እዮም። ስለዚ’ዉን፤ ክንቋጻጸሮም ዘይንኽእል ምኽንየታት (means) ብሙዃኖም ደረፍቲ ከም መረዋሕ (ካብ እምኒ ዝስራሕ ዝተፋላለየ ድምጺ ዘስምዕ ካብ እብን/እምኒ ዝስራሕ ጥንታዊ ደወል እዩ) ዘድምጽ ሙቁር ቃናኦም እንዳታዓጀቡ ዝፍኑዉዎም ቃላት/መልእኽቲታት እንተዳአ አሉታዊ ኮይኖም ዋላ’ኳ ሙቁር ዜማ ይሃሉዎም እመበር ሳዕቤኖም ጎዳኢ እዩ። ዘፈን /ደርፊ “ዕጽ” እዩ። መደንዘዛይ ባህረት አለዎ።”ስዋ ከምጾማቒቱ “ይባሃል። ስዋ አብክልተ - “ዘስክርን” “ዝምዕዝን” ተባሂሎም ይምደቡ። ዋንጫ ምስወርወርካ ሃለፍለፍ ዘብል አሎ። ስትይ ዉዒልካዮ ዘይምኖ ዘይትረዉዮ “ድገምኒ” አንዳበልካ ዝስተ’ዉን አሎ። ዘፈን’ዉን ከምዘፋኒኡ/ከምዘያሚኡ እዩ። ህይወት ዘለዎም ዜማታት ካብ ምሒር “ወለላ ኣቶም” (ጡዑምነት) አብ ጊዜ ጓይላ ከመይ ከም’ንላሃይኳስ ክቋጻጸሩና ንርኢ። ልብና ሰዊሮም አብ ማዕኸል ኡኩብ አብቲ ጓይላ ስምዒትና ቆንጪዎም፤አባራቢሮም እንገብሮ ከስእኑና ንርኢ። ተላሃያይ በታ ምቅርቲ ዘፈን “ዉኒኡ” ስለዝስህት አብ ከባቢኡ ንዘሎ ተዓዛባይ ቅጭጭ (ከበር) አይህቦን። አብቲ ዓወደ ትልሂት ዝራኣዩ ምንቅስቓሳት ዘገርሙ እዮም። ፈናን (ዘህንን ) ደራፋይ መድራፍ እንትጅምር፤ ድንገት ልብኻ ይፈታሕ፤ትነጥር፤ዓዉ ኢለካ ትፋጺ፤ ገሊኡ ይፍሳህ፤ ገሊኡ የጉርዕ፤ት’ሓደ ይነብዕ፤ አብሰመም ይአቱ፤ገሊኡ ይዕመት ምስኡ ይቓኒ። ገሊኣ ትጠቀስ ምስቲ ደርግስና ዕጽፍ -ዝረግህ ትብል፤ክሳዳ ትነንዉ ናብ “ርግቢት ትቕየር”- ሰዓመኒ! ቁሪ ቁሪ -ሑቖፈኒ! ትብል። <ልብ ያነሆልላል!> ዝብሉዎ ዝዓነቱ ደርፊ፤ sedactive ኢሉ ዝጽዉኦ አንግሊዝ! ማለት እዩ። “ዲቕ ዝበለ ወናም ጓይላ!” ዝበሉዎ ደቂ ዓድና። እወ፤ ኩላትና አብቲ ሙቁር ጓይላ አትዩ ዘይተማረኸ ዘይፈተነ የለን። ደርፊ “ዕጽ” እዩ። ዘጸልል፤ዘንጥር፤ክዳንካ ዘድርቢ ሰንካም እዩ! በቲ ጊዜ’ቲ እዩ አቶም ኡኩያት ገጠምቲ ነቲ መረዋሕ ድምጺ ዘለዎ ደራፋይ መሪጾም አሉታዊ ግደ ዘለዎ ሉኡኽቶታቶም ሂቦም በቲ ወለላ ድመጹ ናብ ህዘቢ ክማሓለፍ ዝገብሩ። ይዝከረኩም ዶ ወየነን ሻዕብያን ቅድሚ ምንቓቶም፤ አብቲ ጊዜ “ኡፍ - ኡፍ” ፍቕሮም ሻዕብያ ዘይገበሮ ወያነ ግን ብፍቕሪ ሻዕብያ ተጸሊሉ ባንዴራ ሸዕብያ ሒዙ አብ ዋሽንግተን አብ ቅድሚ ካሜራ፤እዳዘለሉ እንተስዕሙዋ? ከምዚኸማይ “በይዛኽኒ “ባንዴራ ና ባንዴራ ኢትዮጵያ ታይኮን ትብሊ’ለኺ? ዝበልኩሙሉ ጊዜ’ዶ ትዝክሩ? <ኤርትራዊት አዶ እዚ ኩሉስ ኣይሳላኽንዶ!> አንዳተብሃለ ማህጸን ኣዶታት ኢትዮጵያዉያን ግና አብጥርጥር አብታሓታትነት አትዩ ፤አዴታት ኤርትራዉያን ግና አናብር ዝወለዳ ተገይሩ ተማሂዙ ዝተጭደረ ጭዳረ ዝርሳዕ አይኮነን። ምስኡ -ታሪኽ ወለድና ዘናእስ ገድሊ አሉላ ዘማራስሕ ዝተዘርበ አዛራርባ’ዉን ንዝክር። ኤርትራ መንእሰይ፤ጋመ ሳድላ ዝተቖነነት ፤ብሩህ ተስፋ ዝተ ዓጥቀት፤ ሐዳረይ ክወጽእ እየ ዘበለት “አፍላ” (ዕሸል)-፡ ኢትዮጵያ ድማ -ጮግሪ ርእሳ ሸማሕ ዝበለ፤ ጡረታ ክትወጽእ ዝተቓረበት ዓባይ ወይዘሮ፤ ወጻዒት ጓላ (ርፐርሲቭ) ተገይሩ ዝቐርብ ዝነበረ ባጫ ከቶ መን ክርስዖ? አቲ ኹሉ ሓለፉ ሰላም ከነምጽእ ኢና፤ ዝተረፉና ግና ኣንጻር ሰላም እዮም አንዳተብሃለ ብመጉልሂ እንትዘልፉና ፤ እቲ ድዩን ታሪኾምን ባህረቶምን ግና ክሽፍኑዎ ብዘይምኽአሎም ናብ ዉግእ አትዮም ህዘቢ አወዲኦም!! ጎጣያት ደረፍቲን ደረስቲን ናይ መድረክ አላለይቲን -ነቲ ዉግእ ከጓሃህሩ ነቲ ሀዝቢ ዘናቑት ጸርፊታት ሚሂዞም ዘስምዑና ዝነበሩ መስደመም’ዉን “እወ!” ንዝክር። 100,000 ዝኣክል ህይወት ቁጽሪ ደቂ ሰብ ዓረር በሊዑዎም ተሪፉ። ክልቲኦም ሰባባትመራሕቲ ግና አብ ክንዲ ቤት ማእሰርቲ ምእታዎም፤ ሕዚዉን መሊሶም ሰብ ከወድኡ ይሻባሸቡ አለዉ። አቲ ዘሕዝን ድማ ደረፍቲ ሕዚዉን ፎቖዶ አምሪካ እነዳተዛዋሩ “ወጋሕ ትበል ለይቲ” ጓይላ ከፊቶም ፤ መለስ ዜናዊ ምስሊ ዝተስኣለ ከናቲራ ለቢሶምነ/ለቢሰንን፤ እንትጫድሩን አንትጫድራን አብ ቪድዮ ተቐዲሑ አንትንርእዮም፤ ብሓቂ እምበርከ ………….? ዘብል ሕቶ ይመጸካ። ባንዴራ ኢትዮጵያ ብኻልኣይ ብርኪ መዲቦም፣ አብ ጊዜ ጓይላ ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ “ሓደ” ፓርቲ” ምልክት ዝኾነት ብበረት አፋራሪሖም ባንዴራኻ እያ ኢሎም ካብ ኮሚኒሰት ቻይና ዝተቐድሐት “ኮሚኒስታዊት ባንዴራ” ወያነ ሐቒፎም ምስከቦሮ አንዳዘለሉ እንዳሰዓሙ አንትትርእዮም’ዉን -- ዋእ! እመበርከ………….? ዘብል ሕቶ ይዉረመካ። ሀነደበት ሰላም እንተዳኣ ፈጢሮም መሊሶም ደኾን <ባንዴራ ሻዕብያ ሒዞም እንዳዘለሉ ፤ ኤረትራዊት አዶ እዚ ኹሉስ አይሳለክንዶ!> ዶኾን ይብሉ ዘብል ጥርጠረ’ዉን ይሓድረና።ኣያም በሉ! ወለዲና ኢትዮጵያ ሃገርና ወሰናታታን ባሕሪ ወደባታታን ከይትምንጠልን ከይትድፈር ኢሎም ነዚ ህዝቢ እዚ ህይወቶም ሂቦም እዮም። እዞም ኩሎም በይዛ ሀገሮም ዝሓለፉ ምስ ኣሉላን ምስ ምኒሊክን፤ዮሃንስን …..ብሙሉእ “ኢዶም” አትዒቶም “ዘጽግቦም” ኩላሶ ኮሊሶም ዘይፈልጡ ንስድራን፤ንከባቢኦምን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገሮም ኢሎም እዮም ቀላጽሞም ተተርኢሶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ትግራይ አምበር ፤“Ethiopia” ንከመዚኦም ዝበሉ ናይ ወያነ “ባንዳታት” መጻወቲ ክትኮን አሎም አይተሰዉኡን። ሎሚ አብ ወጋሕ ትበል ለይቲ፤ አብ ጓይላ ወያነ “ነታ ባሕርና ንክንምንጠል ዝገበረት “ኮሚኒሰታዊት” ናይ “መለስ ባንዴራ” “ባንዴራ ወየነን” ናይ መለስ ዜናዊ ስእሊ ዘለዎ ከናቴራ ተኸዲንካ ምጭዳር ማለት “አብ ልዕሊ ናይ አሉላን ናይ ዮሃንስን፤ ንዖዖም ስዒቦም አብ ፎቖዶ ኤረትራ ዝወደቑ ጀጋኑ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ደም ወለዲ- ደም ሐርበኛታት እንዳረገጹ ይላሃዩ ከምዘለዉ ከነዘኻኽሮም ንፈቱ። ደረፍቲ’ዉን ካብ ጌጋኹም ተማሃሩ ንብለኩም “ደጊምና ደጋጊምና”። ናይ ባንዳታት መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ አይትኹኑ ንብል። ቶም ብደም አሉላን ዮሀንስን ዝቐለዱ ባንዳታት ጽባሕ ንጎሆ ናብ መንጠቢኦም ምንጣቦም ዘይቐሪ እዩ፡ -ንሱኹም ግና ምሳና ተረፍቲ ኢኹም። ተዘይታአዲብኩም ብግብርኹም ከምትሐፍሩ ሩጉጽ እዩ። -ኣሰር ኣሉላ፤ኣሰር ዮሃንስ ስዒበኩም ነቶም ዘጋግዩኹም ዘለዉ፤ ታሪኽ ዝጸየቑ “ዑሱባት መራሕቲ ወያነ” አንጻሮም ደዉ አሊኩም ታሪኻዊ ግደ ፈጽሙ። ንዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመት ዝተጋደልኩሙሉ ናይ ጀጋኑ ታሪኽ “መኽሰብ ኤርትራዉያን ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ”! ብሽምኩም ተፈጺሙ ዘሎ ዘሕፈር ፍጻመ ናይ “ዑሱባት” ታሪኽ አሽኳይዶ ብተጋሩ ክፍጸም እዩ ኢልካ ክሕሰብስ ፤ብደቂ ወጻእተኛ አውን ከመዚ ዝበለ መሰደመም ክስራሕ ዘይግመት እዩ ነይሩ። ግና ተፈጺሙ! ወደባት አባሓጎታትኩም ተምነጢልኩም አመንጢለኩሙና! ዝገርም ፍጻመ! ስለዚ አብ ልዕሉ ታሪኽ ወለድና እዚ ኹሉ ታሪኻዊ ዉርደትን ብርሰትን ተጋሩነቶምን ኤርትራዊነቶምን ተጎልቢቦም ሰሪጎም አብ ዉድብ መሪሕነት ወያነ ዝአተዉ እኒ መለስ ዜናዊን ስበሐት ነጋን “ታሪኽ ተጋሩ” ስለዝጸየቑዎ አንቱም የዕንትኹም ተሸፊኑኩም ዘሎ “ከየንቲ-ተጋሩ” ፎቖዶ ጓይላ አንዳኸድኩም መሳርሒ ባንዳታት ካብ ሙኻን ንክትእደቡ አብ ጎኒ ጽቡቕ ታሪኽ ደዉ ንክትበሉ መጸዋዕታ ነቕርብ። ሰብ ይመዉት ታሪኽ ግን ኣይመዉትን! ታሪኽ ኢትዮጵያ ብሰሪ ገበን ወያነ ኣይሃስስን፤ዘይወግሕ የለን ክወግሕ እዩ! ክትሓዊ እያ፤ታሪኻ ድማ ክህደስ እዩ! ጌታቸዉ ረዳ ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ አሜሪካ