Friday, June 20, 2008

Tigrayans are suffering hellish persecution in Saudi Arabiaya





ተጋሩ አብ ሱዑዲ ይኹርሞጁ’ለዉ
ኤርትራዊ ወያነ ትግራይ ግና አደብ ግበሩ ኢሉዎም
!

(ንኣዉያቶም መቓልሕ ንኹኖም!!!!!!!)

ወያነ ዝኣመነን ሐሞኹሽቲ ዝዘገነን ሓደ እዩ።”ኤርትራዊ ወያነ ትግራይ”፤ብዛዕባ ተጋሩ እጣበቕ እየ ኢሉ ብኣፉ ይፈሽኩል እምበር፤ጸረ ትግራይ ገበናት ማህደራቱ ከም ጎባጉብ አሸንዳ “ተኾሊዖም” ዝራኣዩ እዮም።
ብ1977 ህዘቢ ትግራይ ብደርቂ እንትረግፍ “ማለሊት” (ማርክሳዊት ለኒናዊት ወያነ ትግራይ) ካብ’ቲ ንደርቂ ተባሂሉ ዝተዉሃበ ሓገዝ፤ ጉሒሉ ብደርዘን ካርቱናት ዊስኪ ካብ ሀገርን ካብ ወፃእን አዚዙ ንመብዓሊ ዕለት “ማለሊት” ንተሳተፍቲ ኣባላቱ ብሜስን ብዊስኪን ክሕጸቡ ይገብር ከምዝነበረ ቅድሚ ሕዚ ዝዘተናሉ ዝዝከር ጉዳይ እዩ።

ሻዕቢያ ንኢትዮጵያዊያን ተጋሩ ንብረቶም ገፊፉ ብበትሪ ካብ ኤርትራ እንተባርሮም፤”ኣሰይ ገበሮም!”፤ አባላት “ቲ-ጂ” ፤ሰለልቲ ደርጊ፤ ቀተልቲ ነብሲ፤ፀላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋፍዑ ዝነበሩን እዮም” ኢሉ ከምዘባሳበሶም ዝዝከር እዩ። እዚ ድማ አብዚ መድረኽ እዚ ኣቕሪብናዮ ኢና።

አብ ሊብያን አብ ፎቖዶ ስደትን ደቂ አንስትዮ ተጋሩ ክብረ ድነግልነተን እንዳተደፍራ ናብ ድቂ (ጥንሲ) ዝተቓልዓ ከምዘለዋን፤ ኣወዳት እዉን አብ ሊቢያ ቤት ማእሰርቲ ፤አብ ዉስተ መሬት ተዳጒይኖም አንትሳቐዩ “ኣፈርኩቡ፤ኣርክበልና”እ ንተበሉዎ’ዉን፤ እዝኒ አይሃቦምን።

ሱዳናዊያን ወሰን ጥሒሶም ናብ ምድሪ ጎንደር ኣትዮም ተጋሩን ካልኦት ሓረስቶትን ጨዊዮም ኣባሳቢሶም እንዳጋፍዑ ናብ ሱዳን አስጊሮም አሲሮም እንተሳቕዩዎም፤ ወያነ ትገራይ ንሱዳን ኣሻሪዉ፤ “ዝተጨዉዩ ዜጋታት የለዉን! እቲ ጎሩሁት/መሬት ምድሪ ሱዳን እዩ! እንትብል ዓይኑ ብጨዉ ደሪዙ አብ ቅደሚ ዓለም ንሱዳን ወጊኑ ምሒሉሎም።እዚ ድማ እቲ ቅድሚ ሕዚ አብ መሬት ፆሮና (ፎርቶ ከርዶና) ንኤርትራዊያን ወጊኑ ዘስማዓና ዑሱብ ጥልመቱ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ኣብ ገባራት ጎንደር ዝደግሞ ዘሎ፤ ሓዲሽ ኣይኮነን።

ኣብዚ ሰሙን (ብሶኒ) ድማ አብ ቪ-ኦ-ኤ መደብ ትግርኛ ዝቐረበ ዜና፤-ኣብ ሱዑዲ-ዓረብ 30 ዝኾኑ ተጋሩ ካብ ሽኮር ቀሚምኩም አረቂ ትፆምቁ’ለኹም ተባሂሎም ሕድሕዶም ካብ 5 ዓመት ክሳብ 10 ዓመት እስራትን ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲን፤ ከምኡዉን ሓሓሙሸተ ሺሕ (5000) ብኩርማጅ /ሓለንጊ ክቕጽዑ ተፈሪዱዎም ከምዘሎ ዘሕዝን ዜና ሰሚዕና።

እቲ ዝገርም ነገር፤-አዞም ተጋሩ አዚኦም ፀላኢ ዝዋዓሎ ሕሶት እዩ’ምበር ንሕና አዚ ግብሪ አዚ ኣይዋዓልናዮን፤ እኳዳኣ እቶም መርመርቲ ዝተዛረቡና- “ኣብዚ ገበን እዚ ከምዝተሳተፍኩም ዝሓበሩና አባላት ሓርነት ኦሮሞ እዮም አሎም ስለዘማላኸቱና፤ንሕና ድማ መንግሥትና አለና፤ክጣበቐልና እዩ፤ ኢልና አሚንና ነቲ አብ ከባቢ አቲ ቦታ ዝርከብ አይተ ታደስ ንዝተብሃለ አባል አምባሲ ኢትዮጵያ ጉዳይና ክርእየልናን ካብ ሲኦል መግረፍቲ ከናግፈናን ቅደሚ ክልተ ዓመት ተጠራዕና፤ “ተኣደቡ!” “ተዓገሱ!” ምስበለና ተስፋ ቆሪጺና እነሆ አብ ሲኦል ንርከብ፤ንጎሆ ንጎሆ 50 ሓምሳ ኮርመጅ ንግረፍ አለና’ሞ አብ ወጻእ እትርከቡ አሓትና ካብ ዚ ዘለናዮ ሲኦል አናግፉና ንህዝቢ ዓለም ንገሩልና፤ክንዳኣፍና ኮይንኩም አእዉዩልና” ኢሎም አዉያቶም አማሓሊፎም አለዉ።

እዞም ሰባት እዚኦም ገሊኦም ብሕጋዊ ወረቐት ብመንግሥቲ ወያነ እዮም ወጺኦም። ክሽቅሉ ተፈቒዱሎም ህጋዊ ብጣቓ (መንነት ወረቐት) ዝተዉሃቦም ተጋሩ ድኻታት ሸቃሎ እዮም። ወያነ “መንግስቲ እየ፤ንህዝቢ ትግራይ ዝጣበቕ እየ!” እንትብል ብኣፉ ይንሸነሽ አሎ።መንግስቲን ደጀን ተጋሩን እየ እንተዳኣ ዝብል ኮይኑ (ከም’ቲ አፉ ዝብሎ)፤ነዞም ጠበቓ ዝሳኣኑን ነዳያትን ሱዱዳት ተጋሩ ስለምንታይ “አደብ ግበሩ!!” “ትዕግስቲ ግበሩ!” ብምባል አይፈልጠኩምን ኢሉ ነጺጉዎም? ዶስ- ምሱኡ አባላቱ ነይሮም ምስጠለሙዎ ናይ ባህ አይበሎ ንሱዉን ከምቶም አባላት “ኦነግ” ጠቍሙ አረኪሱዎም ኮይኑ? ዝብል ሕቶ ሕቶ እንተስዓብና ጌጋ የብሉን። ተዘይኰይኑ አንታይ መግለጺ ክህልዎ ይኽእል?

ጋዜጠኛ ቪ-ኦ-ኤ በትረሰልጣን ነቶም ኣብ አወራጃ ጣይፋን(ሱዑዲ ዓብ) ተኣሲሮም ዳሮም ዝሪኡ ዘለዉ ተጋሩ ብስልኪ ካብቶም ዘዛራረቦም ሰባት ዝበሉዎ ብሓጺሩ ከምዚ ይብሉ፦

ጋዜጠኛ ቪ ኦ ኤ ስለምንታይ ተኣሲርካ?

ኡሱር፡ ጠቕላላ አነ ኣይፈልጦን’የ ንሶም ዝዉንጅሉና ዘለዉ “ሽኮር” በጽቢጽኩም ኣረቂ ትሰርሑ’ለኹም ኢሎም እዮም ናብቲ “ሽርጣ” (እንዳ ፖሊስ) ኣእቲየሙና ዘለዉ>>።ናብ መርመራ ምስቀረብና “ትሰርሑዶ? ኢሉና።ጠቕላላ እዚ ነገር እዚ አይዋዓልናዮን ኢልናዮ።

ጋዜጠኛ፤- መርመራ ካብዚፍጸም ክንደይ ይኸዉን?

ኡሱር፦ ክልተ ዓመትን ሠለስተ ወርሒን ይኸዉን።
ጋዜጠኛ፦ ካልኦት ምሳኻ ዝታአስሩ’ለዉዶ?
ኡሱር፤-እወ።ቢያነስ 35ን ንኸዉን ኢና።አብዚ ዘለና ፍርድና ካብ 5 ዓመት ክሳብ 10 ዓመት እዩ።ንዓይ 5 ዓመትን ከምኡዉን 5000 ርያል ገንዘብን 5000 በትሪን ተፈሪደ። ሠለስተ ወርሒ ገይረ አለኹ።በትሪ ግን ንጎሆ ንጎሆ ሓምሳ 50 ኩርማጅ እቕጻዕ አለኹ።ጠቕላላ 5000 ኩርማጅ እየ ክግረፍ።ክሳብ ሕዚ 2000 ኮርማጅ በጺሔ’ለኹ። ክሳብ ሕዚ ገና መቕጻዕተይ ኣይወዳእኹዎን ዘለኹ።ብሓለንጊ ዝባንካ ይጥፍጥፉዃ፡”ደም” “ጠብ!ጠብ!” ክሳብትብል! እቲ ስቅያት ብቃላት ክገልጾ ቃላት የብለይን”።
“ኣነ ብህጋዊ ወረቐት ንክሰርሕ እየ ካብ ዓደይ መጺኤ።ምናልባሽ ደኾን ድራር ምሸት ክረክብ ኢለ /ኢና ናብ’ዚ ተጓዒዝና። አማረጭ ስለዝሳኣንኩ እየ ናብዚ መጺኤ።

ጋዜጠኛ፤-ካሊእ ኡሰር መን’ሎ?

ኡሱር፦ብዘይገበርኩዎ ገበን 7 ዓመት ተፈሪዱኒ 1500 ሓለንጊ ቅጽዓት ገንዘብ አውዩን ተፈሪዱኒ። ህዘቢ ዓለምን ህዘቢ ኢትዮጵያን ክረድኣና እንደልዮ ነገር አሎ። “ብመግረፍቲ ድቃስ ስኢ’ንና፤ ትኻስ ዝባሃል የብልናን።አብስቓይ ኢና እንርከብ።ክልተ ዓመት ሙሉእ “ታደሰ” ንዝተብሃለ ናይ መንግስትና ወኪል ክንረኽቦ ፈቲን’ና፤ ስቓይና ከነረድኦ ፈቲን’ና (ቅድሚ ክልተ ዓመት ማለት እዩ) “ስርዓት ግበሩ!” ምስበለና ተስፋ ቆሪጽና ገዲፍናዮ።

መንግሥቲ ኢትዮጵያ ክገብረልና እንደልዮ ጉዳይ፡ እዚ ነገር አዚ ናይ ኢድ አባላት “ኦነግ” አታዊነት ስለዘለዎ መጺኡ ክካላኸለልና ኢና እንደሊ። አባላት ኦነግ ምስ ሱዑዲ ፖሊሳት ተማሳጢሮም “ኢዚኦም ክስታን እዮም።ናይዚኦም ብሄር’ዩ ንሶማል ዘሳቕዮም ዘሎ” ኢሎም ዘይህጋዊ ነገር’ዉን ዝገብሩ ዘለዉ አዚኦም እዮም። አሎም አሕሊፎም ሂበሙና እዮም

ጋዜጠኛ፤-ንዓድኹም ተመለሱ ዝብል ዉሳነ አንተመጸ ንተቐበሉኩሞ’ዶ?

ኡሱር፦ዋእ!ከመይዳኣ! ብጸጋ!እንታይ ደሊና ዲና ንዛራረብ ዘለና?
ብምባል እቶም ኡሱራት አብ ዓለም እንርከብ ወገናቶምን ንህዝቢ ዓለምን አዉያቶምን ስቅያቶምን ገሊጽና ካብቲ ዘለዉዎ ሲኦል ከነዉጻኦም ሕድርኹም ይብሉና ለዉ። ንሕና ድማ ከም መጠን ተጋሩ ኢትዮጵያዊያን ተሓባቢርና ክንሕግዞም ሕድሪ እንዳበልኩ እዚ ዝስዕብ ነጥቢ ከተስተብህሉ የማላኽት።

በትረስልጠን፤- ንአፈኛ ሽብርተኛ ሓርነት ግምባር ኦሮሞ ንዶክተር በያን ዝተብሃለ ብዛዕባ እቶም ኡሱራት ዘስምዑዎ ቅሬታ ብዝምልከት ብስልኪ አዛራሪቡዎ ነይሩ። በያን ከም ኣመሉ “ሕሶትን ኣሉ ቀጣንን ናይ ኦነግ መለለይ ፍሉይ ምልክት ሙኻኑ ንፈልጥ። ንሱ ዝብል ዘሎ፡ “አባላትና አብ ከምዚ ዝበለ ረሳሕ ስራሕ ኢዶም አየእትዉን”፤”እዚ ስራሕ እዚ ወያነ ዝመሃዞ ጠቐነ እዩ (ህዘቢ ንህዘቢ ከጣቑስ)”። ይብል።

ኣባላትና አይገበሩዎን! ቅድሚ ምባሉ፤ አጻሪና ንህዘቢ ጉሁድ ክንገብሮ ኢና ክንድምባል “ወያነ እዩ ገ ይሩዎ!” ኢሉ ብዘይ መረዳእታ (“ምናልባሽ” “ንጥርጥር”፤ እኳስ ተዝብል ዳሓን እዬ) ናብ ወያነ ተጓይዩ ምጥቃን፤ “ኣሉ ቐጣን” መለለይ ኦነግ ሙኻኑ ንፈልጥ።

ኣባላት ኦነግ ከምቲ ንሱ “ጸረይረይ” ዝብሎ ዘሎ ዘይኮኑስ እቶም ዘነዉሩ ዘረባታትን ወንጀል ቅትለት ምጽናት ዘርኢን ዝፈጸሙ እዮም። ካሊእ ቀርዩ፡ ኣብ ኢንቴርነት ቶክ ሾዉ/ፓል ቶክ መደብ ከፊቶም “ህዝቢ አምሓራን ተጋሩን ካብ መሬት ኦሮሞ ተዘይወጺእኩም ቆርበትኩም ፤ ናብ ሎቖታ ሰፊና ገፊፍና መትሓዚ ማይ ክንገብሮ ኢና”” እንትብሉ ዝፈከሩዎ ምጽናት ህዝቢ አብ “ኢትዮላዮን ዳት ካም” ለጢፍናዮ ንህዝቢ ቀሪቡ ከምዝተሰምዔ ዝፍለጥ እዩ። “ቅዳሕ ቴፕ” ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢድና ይርከቡ። ስለዚ፤ “ዶ/ር በያን” ኣሉ ቐጣን “ነኺሱ” አባላትና ኣብ ከምዚ ዝበለ ረሳሕ ስራሕቲ አይኣትዉን ፤ብዝናኣድ ድሲፕሊን ዝተሃንጹ እዮም ኢሉ “ጸረይረይ” እንተበለዉን “ኦነግ” ከምቲ እትፈልጡዎ “ካብ መራሕቶም” ጀሚሮም ፀረ- ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያንን ሃይማኖትን ዘቃልሉ ብረሳሓት ቃላታት ዝተዓጀቡ ፕሮፖጋንዳ ጽሑፋት በብእዋኑ ዝዝርግሑ ሞኻኖም ዝተግሃደ እዩ። ስለዚ ናይ በያን ሀተወተዉ ንገድፎሞ ።

እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክፍጸሙ ንጥይቕ።

“ፐቲሽን” ምስ ሓደ ፈታዊ ህዝቡ ዝኾነ ትግራዋይ ኮይንና አዳሊና አለና (አብ ቀረባ ጊዜ ክዝርጋሕ እዩ)። ቤይዛኹም ፐቲሽን (ጥርዓን)አዳሊና ንህዝቢን ንኣብ ዋሺነግቶን ዝርከብ አምባሳደር ሱዑዲን ንህዘቢ ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ወያነን ንክፈልጡዎ ተሃባበሩና። ማሓዛይ “ድንቂ፤ጉዳይ ኩላትና እንድዩ! ደስ ይብለኒ!” ኢሉ ጊዜኡ ሰዊኡ የዳሉዎ ስለዘሎ አንደማስገንኩ፤--
----ኣንቱም ብስልኪ/ቴሌፎን ኣሊሸ ስርሔይ ኢለ፤ ደዊለ ኣብ ምጽሓፍ (ምድላዉ) ፐቲሽን ንክትታሓጋገዙ ተጠይቕኩም ዘዕጎመጎምኩም ብጾት፤ ብሓቂ “ቅር” ዘብል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብፍትሒ ትሳቐ’ለኻ፤ማዓንጣኻ “ሸጥ” ኣብል፤ዝናርካ፤አገልድም፤እንዳበልና ንጽሕፍ፡ ክፋእ በጺሕዎ ሓገዝና ክደሊ ብግበሪ ክንሕግዞ እንትጥይቐና ግና፤ናይ ክልተ ሰለስተ ሰዓት ወፈያ ግና ከመይ ንስእነሉ ይገረመኒ?

ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ሙሁራት ተጋሩ ኣብ ኣሜሪካ ኣለዉ። ቁጽሮም ካብ 5ንላዕሊ ዝኾኑ ማሕበር ተጋሩ ኣለዉ። ኩሎም ጥርዓን ድኻታት ተጋሩ ክገልጹሉ ዝኽእሉሉ ምስ ህዝቢን ዓለምን ዘራኽቦም ኢንቴርኔት ኣለዉዎም። ነዚ ሰቅያት ተጋሩ ኣሕዋትና ሰሚዖም ነዚ “ህጹጽ ኣዉያት”ብእዋኑ ንምንታይ ከፍልጡናን “ንዑ ተኣኪብና ብፓልቶክ (ብዘኾነ መራኸቢ) ዘቲና ነሕዋትና ንርዳኣዮም” ከምዘይበሉና፤ንምንታይ ከምዘጽቀጡን፡ አነ ገሪሙኒ’ሎ!

ካብ ማእገር ህዝቢና ንመለስ ከነልግሶ’ኮ መለስ ዝፈንፈኖም ዜጋታት ክንረድእ ክንኽእል አንተለና ጥራሕ እዩ።ተዚኣለማ -ሰዓባይ አይክህልወናን።
መቸስ ስለዝተወቐስኩም “ባህ” ዘይብለኩም ኣህዋት ክትህልዉ ትኾኑ፤ አቲ ኩነታት ስለዝበልዓኒ፤ዘጉሃየኒን እምበር ብወልቂ ክትንኩበኩም ኢለ ከምዘይኮንኩ ትርድኡኒ ትኾኑ።(ጉዳይ ህዘቢ ስለዝኾነ ፤አሕዋት ኢና እሞ ናበይ ከይንባጻህ ብዝብል!)።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ


አብቲ ዝዝርጋሕ ማህደር ጥርዓን (ፐትሽን) ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክፍርም አታሓባብሩልና።

ሳልሳይ ነጥቢ፦ኣብ ዋሽንግቶን ከባቢ ዘለኹም ተጋሩ ኣሓትና ንካልኦት ኢትዮጵአዊያን ማሕበራት፤አታሓባቢርኩም/ተራኺብኩም አብ አምባሲ ሱዑዲ ቤት ጽ/ት ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ፤ ናይቶም አርክቡልና ዝብሉና ዘለዉ ኣዉያት አሕዋትና ከምተስምዑ እልምነኩም።ነገራት “ብስቕ ስቕ” ንዓመታት ከምዚ-ኢልና ቁም ነገር ተይሰራሕና ጊዜ ይሓልፍ ኣሎ። “ኤርትራዊ ወያነ ትግራይ” ሰቅያት ህዝብና እንዳትረረሉ ይኸይድ ስለዘሎ፤ ንኡሽተይ ሓገዝ ንደርቢ። ናይ ሓገዝ ንኡሽቶይ ዝባሃል የለን።

ሓንቲ ቀጣን ፈትሊ ምስ ከምኣ ዝበላ ኣሻሓት ቀጠንቲ ፈትሊታት እንተዳኣ ተፋሒሳ ስምረት ፈጢራ ሓያል አራዊት ክትአስር ዘኽእል ታኣምራታዊ ጽንዓት ሓይሊ ከምትፈጥር እትፈልጡዎ ነገር እዩ’ሞ፤ ሃየ! ሕድሪ! ንስመር። ነዞም ኣብ ሱዑዲን አብ ሀገር ግብጺን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሱዱዳትን አሱራት ተጋሩን አብየት ንበለሎም።”ሕድሪ ብሰማይ ሕድሪ ብምድሪ” ኢለሙና እዮ’ምሞ ጊዜዊ ቅርሕንትኹም ንጎኒ ገዲፍኩም “ሓቢርና ንጥራዕ፤ንኣዉያቶም “መቓልሕ” ንኹኖም። ሓደራ!
ጌታቸዉ ረዳ
ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ
ኣሜሪካ
2000ዓ/ም