Monday, September 1, 2008

Open Letter to the Eritrean oppositions

Open Letter to the Eritrean Opposition ንኤርትራዊያን ተቓወመወቲ ዉድባት ካብ ጌታቸው ረዳ www.Ethiopiansemay.blogspot.com (ኢትዮጵያዊ) ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ The above photo from top -down 1- The TPLF man Ato Hubur G/Medhin who is the Eritrean political oppositions guardian as director of the "Sanaa-Forum" in Addis Ababa. The next second photograph shows the 13Eeritrean Opposition groups to Isayas pose a Photo aportunity holding the symbol of the TPLF monument in MeKele presented to the group by TPLF Public relation. The third last photo is ato Tewelde Gebreselassie the chair person to the 13 political groups known as "Kidan" (Alliance) adressing to the conference held in Tigray (Ethiopia).

ትብጻሕ ስምዕታይ ንኣባላት ሰልፍታት "ህደግኤ"

- 1. ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ 2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 3. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ 4. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ 5. ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ 6. ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ 7. ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ 8. ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ 9. እስላማዊ ሰልፊ ንልምዓትን ፍትሕን 10. ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ 11. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ 12. እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ 13. ህዝባዊ ጉባኤ ኤርትራ

እዛ ደብዳበ’ዚኣ ክልእከልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት አብ ዝተፋላለዩ ጊዜታት ጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን አብ ሞንጎ ህዝቢታት ክህሉ ዝግባእ ዝመድና ርክብ፤ንህዘቢ ዘማሃለፍኩሞም ዉድባዊ ጽሑፋትኩምን ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ምስ ወያነ ወይ ምስ “ህዝቢ ትግራይ” (ቃልኩም ንምጥቃም) ጥራሕ እትፍጥርዎም ዘለኹም ዝምድናታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣትሒቱ ዝጠመተን፤ ዘግለለን ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ፤ ቅድሚሕዚ መራሕቲ ህዝባዊ ግምባር (ሻዕቢያ) ዝገበሩዎ ዝነበሩ ጌጋታትን ድንቁርናን (ጠምባር ርክብ) ንስኹም እዉን መሊስኩም ትደግምዎን በቲ ዝተጉዓዘሉ ጉጉይን ሓደገኛ መትከል ትጓዓዙ ከምዘለኹም ኣብ ዉሳነታትኩም ነንብቦ ኣለና። ዘሰክፍ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ድማ ንክንዛራረበሉ ከተስተብህሉዎን ክትእርሙዎን ብዝብል እዛ ልእኽቶ ልኢኸልኩም። አስከ ብሽም ተቓወምቲ ዉድባት ኤርትራ ብቋንቁዋ እንግሊዝን ብቋንቁዋ ዓረብን ንህዝቢ ዝዘርጋሕኩሙዋ ጽሕፍቲ ካብታ ናይ እንግሊዝ ክጠቅስ።

"...people of Tigray and Eritreaare also remarkably evidenced in other historical events. Indeed, those historical ties were translated to reality when the people of Tigray sent their sons and daughters to Sahil, Eritrea to fight side byside with their Eritrean brothers against the then occupying forces. The commitment, martyrdom, and heroic display of deki Tigray on behalf of Eritrean cause is vivid and historic. The same is true for Eritrean freedom fighters for their gallantry display and martyrdom inside Ethiopia sitting side by side with their Tigrayan comrades." (ዋሕታ/ኢታሊክ ናተይ) < EPP's Information & Culture, 2008-08-26.>

ቅድሚ ናጽነትኩም እንታይ ትብሉ ነይርኩም? “ኣድጊ፤ ኣምሓራ ኣብ ሀገርና ከይንነብር ዕንቀፈቲ ኮይኑና፤ ኣምሓራ ሰጒግና፤ኣምሓሩ እንተዳኣ ካብ ሀገርና ወጺኦም፤ ድሕሪ ናጽናት ምስ ህዝብና አብ ኮምብሽታቶ ከይተሰከፍና “ፈጣዕ” ክንብል ኢና፤ ክነኹድድ፤ ብናጽነት ክንፍሳሕ፤ክንዛወር ኢና…” ይባሃል ነይሩ። እታ ንስኹም ዝበልኩማ ድማ ህጻዉንቲ ደድሕሬኹም ይደግሙዋ ነይሮም።መንእሴአትኩም ድማ ረኸብቲ መከራን ስደትን ኮኢኖም ሎሚ’ዉን ንሪኦም ኣለና>>

እታ ናጽነት ዝበልኩማ ድማ ከም ጻሓይ በሪቓ።ኩርምቲኹምን ኩርምቲ ወያነን “ሓይኹ” ዘይጸገቦ፤ክሳብ ሕዚ ካብ ዝባኖም ምዉራድ ዝኣበኹሙዎም “አምሓሩን/ኢትዮጵያን” እትብለዎም ቋንቁኛኹም’ዉን ካብ ኮምብሽታቶ ወጺኦምልኩም። ሎሚ የለዉን።ከምቲ ዘጽመምኩምናን፤ ዝተጃሃርኩሙዎን መርዓ ሕጽኖትኩም አብ እታ እትጃሃሩላን እትፈትዉዋን ጎደና አብ ጎደና ጥልያን አብታ “ኮምብሽታቶ” ዘይኮነሰ አብ አምሰተርዳም፤ለንደን፤አብ-ኦክላንድ አብ ዲሲ፤ ኦምዱርማንን ኮይኑ። ሓዘንኩምን ሓጎስኩምን .ከምቲ ናይ ቀደምኩም አብ ስደት ሃገራት ኮይኑ።

ኣምሓራ ምስወጹ “ፈጣዕ” ክንብል ኢና ዝተብሃለላ ጃህራ ሎሚ ደሊና ስኢንናዮ።”ስርዓት ኢሳያስ ካብቶም ገዛእቲና ዝነበሩ ካብ እኒ መንግስቱ ዝገደደ እዩ” አልኩም’ዉን ብዕሊ ገሊጽኩም። “አንኳዕ ደስ በለኩም” ከይንብለኩም፤ወሊድና ተዋሊድና ኢና’ሞ ከርስና ከም ከርሲኹም ጸንቂቕካ ምዝራብ ሰብኣዊነት ክጎድሎ እዮ’ሞ፤ “ዝባኣሰ ኣይተምጽእ፤የቑሩሮ!” ጥራሕ ንብለኩም።

ንስኹም ከም መጠን ተቓወምቲ ንመንግሥቲ ሻዕቢያ ከተልግሱ ብመንግስቲ ወያነ ትግራይ ተሓጊዝኩም ንኢሳያስ ከተልግሱ እትገብሩዎ ዘለኹም ጻዕሪታት ብዕቱብ ንካታተሎ ኣለና። ንኢሳስ ከተለግሱ አብ’ትገብሩዎ ተጋድሎ ንሕና ስኽፍታ የብልናን።ተፃብኦ’ዉን የብልናን። ዉራይኩም’ምበር ዉራይ ህዘቢ ኢትዮጲያ አይኮነን።

ኮይኑ ግና፤ብሓደ ወገን ስክፈታ ኣለና።ጉጉይን ብዘርኣዊን ብድንቁርና ዝተመስረተ ምስ ዉሱናት መራሕቲ ዉድብ (ምስ ወያነ)ን፤ ምስ ህዝቢ ትግራይን መስሪትና እትብሉና ዘለኹም ዲፕሎማሲያዊ “ሂጥ-ሂጥ” ስራሕትኹም ምስኣንበብና ድማ ንሓዋሩ ህዝብታት ናብ ካሊእ ቅርሕንቲን ምዉጣጥን ዘእቱዉ ኮይኖም ስለዝተረዳእናዮም ክትእረሙሉን “ያእ” ክትባሃሉ ናይ ግድን ኮይኑ ረኺበዮ።

አብ’ቲ ላዕሊ ዝጠቐስኩዋ ብእንግሊዝ ዝተጸሓፈት ናትኩም ጽሕፍቲ፤እንተዳኣ ትሕዝቶኣ መርሚርናዮ ፤ምስ ተጋሩ እመበር ምስ ኢትዮጵያዊያን አብ ወጻእ ኮነ አብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ብኣካል ተረኺብኩም ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ብሽም ዉድባትኩም ዝገብርኩሙዎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ የለን።ጹሑፍኩምን መትከልኩምን ርክብኩምን ዘመልከተና ግና ምስ ህዘቢ ትግራይን ምስ ዉድብ ወያነን ጥራሕ ዝጠመተ ሙኻኑ ካብ’ቶም እትዝርግሕዎም ዘለኹም ዜና ጹሑፋትኩም ክንርዳእ ክኢልና።

እቲ ሻዕቢያ ዝገብሮ ዝነበረ ጸቢብን ዘርኣዊን ዝኾነ “ቆራይ” ኢንተርናሺናልን ኢንተር-ሪጅናል ህዘባዊ ዝምድና፤ንስኹም’ዉን ሎሚ ትደግሙዎ ኣለኹም። ሻዕቢያ ርክቡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ምስ ወያነ ጥራሕ መስሪቱ አብዝነበረሉ ጊዜ፡ ህዘቢ ኢትዮጵያ ዘግለለ ብምንባሩ፤ሰበብ ናይቲ “ኡፍ-ኡፍ” ፍቕሮም ህዝቢ ናብ ዘቃትልን ናብ ዝገደደ ንሕኒሕ ኲናት ተለዊጡ እቲ “ሰሚርና” ኢሎም ዝሓሰዉና መልሓሶም ህዘቢ ብዘዳመየ ርክብ ዛዚመሞ።ሕዚ’ዉን ህዘቢ ከዉድኡ ይናሓንሑ አለዉ።

ጽሑፈኩምን ርክብኩምን ዘርእየና ዘሎ ሓበሬታ፡ ኢሳያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ምስወያነን ምስ ህዘቢ ትግራይን ምትሕቑቓፍ’ምበር፡ ምሰታ ንስኹም እትጸልኡዋ፤ እትጸልኡዎ፤ ዘምሃረኩም ፤ዝዓንገለኩምን ክሳብ ሎሚ’ዉን ምስ ዘጽልለኩምን ዘጋይሸኩምን ዘሎ ሓፋሽ ህዘቢ ኢትጵዮያ አይኮነን ርክብኩም።

ርክብኩም።ንስኹም እትጥምትዋ ዘለኹም ጸባብ ስልጣን ኢሳይስ ብኸመይ ንኣልዮ እ’ምበር፤ ካብ ቋንቋ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዘቢ ንንየዉ ካሊእ ቋንቋ ምስ ዝዛረብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕለፊ ምስ ህዘቢ አምሃራን ዝነበረ ህዉነታዊ ዝምድና ንምምላስ ምስ ዝጽዕሩ ሙሁራት አምሓራን ኮነ ምስካላኦት ዘለኩም ዝመድና ግና አብ ርሑቕ ዝጠምተ ዘይኮነስ ካብ ሰገር እግሪ መረብ ካብ ዓድዋ ካብ ኣኽሱም ካብ መቐለ ካብ ሽረ ንንየዉ ዘሎ አድማስ ከም ግኡዝ ህዘቢ ቆጺርኩሞ ንዕዘበኩም ኣለና።

ወያነ… ወያነ… ወያነ…አንዳበልኩም፤ ነቶም ብሓይሊ ብረትን ሕልክስናን ንስልጣን አብ ኢዶም ዝጨበጡ “ክብሪ” ሂብኩም ዝመድና እንትትፈጥሩ፤ ነቶም አብ ስልጣን ንዘየለዉ ንወየነ ከልግሱ “ሒኹ” ንዝብሉ ዘለዉ ካልኦት ዓልየታት ኢትዮጵያ ግና አግሊልኩም ምስቶም ስልጣን ብብረት ዝገበቱ ወየንቲ “ኡፉ ኡፉ” ፍቕሪ ኣለና ኢልኩም እትብሉና ዘለኹም እስቲ ብኣንደበት ወየንቲን መጽሄታት ወየንቲን ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ እንዳበሉ ከምዝጽሕፉሉ ንዜነበቡዎ ከነንብበሎም፤ እነሆ፦

እቲ ዝጠቕሶ ዘለኹ ጻሓፊ ትግራዋይ እዩ። ጉዑሽ ወ/ግብርኤል ይባሃል።ኣብ ሃገር ጀርምን እዩ ዝነብር። ዳሃይ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ አብ ከተማ መቐለ ዝሕተም ናይ ወየንቲ መጽሄት ካብቶም ወርሓዊ ጽሑፍ ዘዳልዉ 4 ኣባላት ጻሓፍቲ ሓደ እዩ።ጉዕሽ ካብቶም ኣብ ትግራይ መጣቖሳይ ዝኾኑ ዓልታዊ ጹሑፋት ዝጽሕፉ ሓደ እዩ። “ቅንጅት ሓንካሪ” አብዝብል ጸሑፉ ህዝቢ ትግራይ ሑንጉጋይ መጹኻ፤በልዑኻ፤ከጥፉኡኻ ኢሎም ነይሮም፤……..ካብ ወለዶም ብሓደራ ዝተቐበሉዎ ግበረ ኡኩይ ዉርሻ….ወዘተ..ወዘተ” እንዳበለ አንጻር ተቓወምቲ ወያነ (ቅንጅት) ወያነ ካብ መንበሩ ንከይወርድ እንትብለ አብ ጊዜ ምርጫ 97 መራሕቲ ወየንቲ ዝነዝሑዎ ብተንኮል ዝዘርጉሑዎ ምስጢራዊ ጸሑፋትን ዓልየታዊ ነፍሒን ካብ ቅንጅት እዩ ኢሎም በዘዳናገሩዎ ተቐቢሉ ንሱ ተጋሩ ንክዳናገጹ እሞ ምስ ወዲ ዜናዊ ክለግቡ ዝጻሓፎ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብታ መጸሄቱ;-

<<ኤርትራ ዓገብ ባሃላይ ኣልቦ ሀገር>> ኣብ ዝብል ጹሑፉ ከምዚ ይብል። ክጠቅስ፤- <<…….ግና ወረጃን ማዓዳይን ሽማግለ ካበይ ይምጻእ? አቲ ኣማዕዲኻ ዝረኤ /ሽበት ኤርትራዊያን ንሽምግልናን ንዕርቅን ንሰናይ ጉርብትናን ንፍቕሪን ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ንጌይጺ ዝኸዉን ሰዉ ሰራሽ ዝዓይነቱ ዘይዉርዙይ ቀለም’ዩ>> {ጉዑሽ ወ/ገብርኤል (ጀርመን) (ኤርትራ ዐገብ በሃላይ ኣልቦ ሃገር- ደሃይ መጽሄት -ቀዳማይ ዓመት መጋቢት/ሚያዚያ 2000 ዓ.ም}

ኢዞኦምን ከምዚኦምን ዝበሉ “ማሃይማን-ጎጣያትን” እዮም ንወያነ እንዳሰገዱ ባህ ትብሎም ኤርትራዊያን ኣሕዋትና ይብሉ፤ባንዴራኹም የዉለብልቡ፤ "ኤርትራዊት ኣዶ እዚ ኩሉ ኣይሳላኽንዶ ይብሉ":: ባህ ተዘይበሎም ድማ ከምቲ ኣብላዕሊ ዝተነብበ “ጉስሩጥ” ጽሑፍ አብ መጽሄታቶም ሓቲሞም ድንቁርና ንህዘቢ ክምግቡ ይርከቡ። አዚኦም ብከሚዚኦምን ዝበሉ ሳዓብቶም ዝተሃንጸ ዉድብ እዩ ንስኹም “ወየንቲ፤ ወየንቲ፤ ወየንቲ….” ዝብል ቁዛመ ሒዝኩም፤ ሎሚ ኣብ ዉድባዊ መግለጺ ዜናታትኩምን ፡ ንሶም ድማ “መቓልሕ” አብዝብል ጋዜጣኦም ናይ ክልቴኹም ሓዲሽ ሩሱን ርክብ አንዳሓሰዉን አንዳሓሰኹምን እቲ ህዘቢ’ዉን ምሳኹም ንክሕሱ ተዳናግሩዎ’ለኹም።

ክትሓብኡና ኢልኩም አንተዘይኮይንኩም ባህረ ወያነ መንነት ወየንቲ አጸቢቕኩም ትፈልጡዎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትየጵያ ንሶም ዝቋጻፀሩዋ ተዘይኮይና፤ ንእገለ ኢሎም ከምዘይናሕስዩልኩም ፍለጡ (ቅድሚ ህዚ አብ ጎንኹም ዝለዝረኩማ ኣይትርሱዑዎን ንብል) ።ሎሚ ተቓወምቲ ኤርትራ ክገብራኦ ዝግባእ ምሰቶም ጊዜኦም ዝበለየን፤ ምስቶም ጠምባር ፖለቲካ ዝስዕቡ ወየንቲ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን እዉን ርክብ ክትምስርቱ ይግባእ ንብል።ክትፈጥሩ ድማ ምሰቶም ንኢትዮጵያ ክብትኑ ንኢሳየስ ድግድጊት ተዓጢቖም ኢድ ዝነስኡ “ዑሱባት” ዘይኮነስ ህዝቢ ከራኽቡን ሰላም ክፈጥሩን ምስ ዝጽዕሩ ክኾን ከምዘለዎ እገረ መገድና ንዉከፍ።

አስቲ ሕዚ ድማ ናትኩም ገዲፈና ናብ’ቶም ምሳኹም ዘይተቓደዉ ግና ንሸዕብያ ዝቃወሙ ካልኦት ዉድባት ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ ከይዶም ናብ ትግራይ ናብ “ሽመልባ” ነቶም ሱዱዳት ኤርትራዊያን ኩነታቶም ፤ክዕዘቡ ንሰበ ስልጣናት ወያነ ፈቓድ ጠይቖም፤ ናብ ትግራኢ ከይኸዱ ንምንታይ ከምዝታኣገዱ ካብ አቦ መንበር “አቶ ረዘነ ሃበተን- መሓመድኑር ዑስማን” ሓለፊ ጉዳያት ወጻእ ክልቲኦም ካብ ዩናይትድ ኤርትርያን ናሽናል ፍሮንት ማለት “ግምበር ሃገራዊ ሓርነት ኤርትራ” “ግ.ሃ.ሓ.ኤ”)ምስ ክፍሊ ዜናታቶም ዝገበሩዎ ቃለ መጠይቕ ክጠቅስ’ሞ እቲ ዝባሃል ዘሎ ሓቅነት እንተዳኣ ሃሊይዎ “ወያነ ብሓቂ ድዩ ኤርትራዉን ከምታ ንኢትዮጵያ ብዓልየት ጎዛዚዩ ከጥፋኣ ዝደሊ ዘሎ ንዓኹም’ዉን ክጎዛዝየኩም ደልዩ?”

ወዲ ዜናዊ “ሰንዓ-ፎረም” ኢሉ ቤት/ጽ ከፊቱ፤ ንወያናይ ሕቡር ገ/መድህን ብአቦ መንበርነት ሰይሙ ክእክበኩምን ክመርሃኩምን ንገሌኦም’ዉን ነቶም ምሳኹም ብፓሊሲን ብናይ ስልቲ ወያነ አግባብ ቃለሲ ንዘይሓበሩ’’ዉን ከም-ከደምቱ ብነድሪ ይኹሪን የንጸርጽርን ከምዝነበረ ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ ምስ መራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ዝገበረሎም ጋዜጣዊ ቃለ መጠይቕ ዘንበብናዮ እነሆ።

ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ <<ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተኹም ስራሕኩም ብምንታይ ፈሊምኩም?

መሪሕነት ግ.ሃ.ሓ.

ኤኣዲስ ኣበባ ዝኣተናሉ ዕለት ዓርቢ ስለዝነበረ፡ ከምኡ’ዉን ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ኣየር ዝፈጠሮ ናይ ድኻም ተጽዕኖ ስለዝነበረና፡ ብቐጥታ ንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ Iትዮጵያ ምእታዉና ክንሕብር ኣይከኣልናን። ቀዳምን ሰንበትን’ዉን መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ዑጹዉ ምዃኑ ስለንፈልጥ፡ ክሳዕ ሰኑይ ንኽንጽበ መሪጽና።ምስ ናይ ዝተፈላለያ ዉድባት ኤርትራ መሪሕነትን ኣባላትን ግን ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚርና ክሳብ ቀዳምን ሰንበትን ዘቲና ሰንበት ሰንበት ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ኣጋ ምሸት ኣቢሉ፡ ናይ መንግስቲ ኣካላት ይደልዩኹም ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ንረክብ። ንሕና’ዉን ብወገንና ተሌፎንናን ናይ ዝዓረፍናሉ ሆቴልን ኣድራሻ ብምንጻር ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታና ንህብ።ድሕሪ ሓደ ሰዓት (ሰንበት ማለት’ዩ) ሰዓት ሽዱሽተ ኣቢሉ ይኸዉን፡ ኣቶ ተኸስተ ዝበሃል ናይ ሰንዓ ፎረም ቤት ጽሕፈት ምክትል ዳይሬክተር ኣብ ዝዓረፍናሉ ሆቴል ብምምጻእ ይረኽበና፡ ኣቶ ተኸስተ ብዛዕባ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉና ካብ ሽዱሽተ ኣባላት ኪዳን ዝኾና ዉድባት ተዳጋጋሚ ናይ ቴሌፎን መልዕኽትታት ስለዘጽመሞ ንክረኽበና ከምዝተገደደ ብምሕባር፡ ነቲ ናይ ሽዱሽተ ዉድባት ናይ ቴሌፎን ጥርዓን ንዑደትና ምስ ንኪዳን ንምፍራስ ዝዓለመ ዕላማ ብምግምጋምን ብምትእስሳርን ዝቐረበ ጥርዓን ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃሱ ኪዳን ዑዉት ኣኼባ ከምዝገበረን ተዓዊቱ ከምዝወጸኤን መድረኻዊ ጽላል መስሪቱ ከምዘሎን ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኪዳን ዘለዎ ኣወንታዊ ሚዛን ይሕብረና፡

ብሸነኽና ብሰንኪ ናይ ሽዱሽተ ዉድባት ጥርዓን ንክትረኽበና ምዉሳንካ ቅኑዕ ኣገባብ ኮይኑ ኣይስምዓናን፡ ኣመጻጽኣና ሕጋዊ እዩ። ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ምስ ዝርከብ ወኪልኩም ብዛዕባ ፖለቲካዊ መንነትናን ዉድባዊ ዕላማናን ዝግባእ ምርድዳር ኣካይድና ኢና፡ ስለ’ዚ ኣብ ክንዲ ሽዱሽተ ዉድባት ጥርዓን ስለዘስማዓ ምኽንያት ጌርካ ክትረኽበና ትዉስን ከም ኣጋይሽ መጠን ህድእ ኢልካ ብዛዕባ ዑደትና መጽናዕት እንተትገብር ዝበለጸ ነይሩ ብማለት ነቲ ዝተወሰደ ኣገባብ ቅኑዕ ከምዘይኮነን ካብ ትጽቢትና ኣዝዩ ዝረሓቐ ምዃኑን ንሕብሮ።

ብምቕጻል ከም ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ /ግ.ሃ.ሓ.ኤ/ መጠን ኪዳን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሽገር ንኽፈትሕ ብቕዓት ይኹን ሞራል ልዕሊ ኹሉ ድማ ፖለቲካዊ ስትራተጂ የብሉን ዝብል መርገጽ ዉድብና ጹኑዕ እምነትና ምዃኑ ንገልጸሉ። ኣስዒብና’ዉን ምስ ኪዳን ተጠርኒፍና ንክንሰርሕ ፍቓደኛታት ከምዘይኮንና ንሕብሮ።

ኣቶ ተኸስተ ብሸነኹ፡ ምስ ኪዳን ንዘይሰርሕ ዉድብ ኣይንሕግዝን፡ ይኹን እምበር ኣይትንቀሳቐሱ፡ ፖለቲካ ኣይትስርሑ ኣይንብልን፡ ማንም ኤርትራዊ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምዉጋድ ክቃለስ ይኽእል’ዩ፡እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ እዩ ብማለት መሊሱልና። ብወገንና ምስ ኪዳን ተጠርኒፍና ኣይንሰርሕን ክንብል Eንከሎና ብመሰረቱ ኣብ’ቲ ፐይሮል ናይ ሰንዓ ፎረም ኣይንኣትዉን ማለትና ምዃኑ ግልጺ ንገብረሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ንዉድብና ዝዉክል ቤት ጽሕፈት ንምኽፋትን ዉደባን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ንምክያድ ሕጋዊ ተቐባልነትን መሰልን ጥራሕ ኢና ንሓትት ዘሎና እምበር፡ ምስ ኪዳን ካብ ምትእስሳር ናይ ዝርከብ ናይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ተጸበይቲ ኣይኮንናን ብማለት ነቲ ቀንዲ ናይ ዑደትና ተልእኾ ብግልጺ ነነጽረሉ። ኣቶ ተኸስተ ቆጸራ ኣላትኒ፡ ካልእግዜ ክንራኸብ ኢና ብማለት ንርክብና ይድምድሞ።

ቤ/ ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ እተን ጥርዓን ዘቕረባ ሽዱሽተ ዉድባት ብዓል መን ምዃነን ተሓቢርኩም ዲኹም? ዋላስ ቁጽሪ ጥራሕ እዩ ተነጊሩኩም? ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከ ርክብኩም ከመይ ቀጺሉ?

መሪሕነት ግ.ሃ.ሓ.ኤ:-

ኣስማት ናይ’ተን ጥርዓን ዘቕረባ ዉድባት ኣይተዋህበናን፡ ጥራሕ ተቓዉሞ ከም ዘስመዓን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዉና ሕጉሳት ከምዘይኮናን፡ ዓቕመን ብዘፍቅደለን ደረጃ ኣንጻርና ክሰርሓን ክጉስጉሳን ምዃነን ብጭቡጥ ተሓቢርና፡ ብተግባር’ዉን ርIናዮ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን ናይ ምሕሳዉን ምድንጋርን ሓያል ዓቕምታት ተጠርዩ ምህላዉ ጋህዲ ኮይኑልና።

ብ5/19/2008 ሰኑይ ንግሆ፡ ንናይ ሰንዓ ፎረም ቤት ጽሕፈት ዳይሬክተር ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ተሌፎን ደዊልና ምምጻእና ክንሕብሮ ኣብ ዝፈተንናሉ እዋን፡ ኣዝዩ ብናህርን ብቑጥዔን መሊሱልና፡ ይትረፍዶ ከም ዳይሬክተር ናይ ሓደ ቤት ጽሕፈት፡ ከም ተራ ሰብ ነቲ ኢትዮጵያዊ ናይ ትሕትነት ባህሊ ከንጸባርቖ ኣይበቕዔን።

ኣቶ ሕቡር ዝመረጾ ኣገባብ፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ እዩ ቀሪቡና ዝብል ገምጋም ከምዘይብልና ግልጺ ክኸዉን ኣለዎ Iልና ንኣምን። ስለዝኾነ’ዉን ምእንቲ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ንጹርን ብሩህን ክኸዉን፡ ንጉዳይ ኡደትና ዝምልከት ዕላዊ ጹሑፍ ምቕራብ ግቡ እኮይኑ ስለዝተሰምዓና ነዚ ስዝዕብ ጹሑፍ ኣዳሊና ብኣካል ናብ ቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎረም ብምኻድ ንዝምልከቶ ኣካል ኣረኪብና።

ኣቶ ሕቡር ግን ፈጺሙ ንክረኽበና ይኹን ንኸዘራርበና ፍቓደኛ ኣይነበረን፡ ብኣንጻሩ ኣካየድቲ ሰንዓ ፎረም ኣይትራኸቡዎም ይብሉና ኣለዉ ዝብሉ ብዙሓት ኤርትራዉያን የጋጥሙና ነይሮም።

ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤናብ ኣቶ ሕቡር ዝጸሓፍኩሞ ደብዳቤ ከምዝሕብሮ፡ ዑደትኩም ኣብ ክልተ ዝተኸፈለ ምዃኑ ክንርዳእ ክኢልና። ቀዳማይ ንግ.ሃ.ሓ.ኤ ዝዉክል ቤት ጽሕፈት ንምቛምን ዕላዊ ተፈላጥነት ንምርግጋጽን እዩ ነይሩ፡ ብካልኣይ ደረጃ ድማ ናብ ናይ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ብምብጻሕ ንናይAmerican Eritrean Organization for Justice Democracy and Development ዝብሃል ናይ NGO ማሕበር ጸብጻብ ንምቕራብ ምንባሩ ክንርዳE ክIልና። ስለ’ዚ ንቀዳማይን ንካልኣይን ክፋል ዑደትኩም ንምዕዋት እንታይ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣካይድኩም?

መሪሕነት ግ.ሃ.ሓ.ኤንኣስታት ዓሰርተዉ ክልተ መዓልቲ ዝኣክል፡ ድሕሪ መልሲ ምጽባይ፡ ሓዲሽ ምዕባለ ስለዘይረኣና ነቲ ካልኣይ ክፋል ዑደትና ንምስላጥ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ናብ Administration for Refugee and Returnee Affairs (ARRA) ብምኻድ ንናይ ሕግን ፕሮቴክሽንን መምርሒ ሓላፊ፡ ኣቶ ሃይለስላሴ ገብረማርያም ንረኽቦ፡ ነቲ ካብ AEOJDD ዝተዋህበና ደብዳቤ ድማ ነረክቦ። ኣቶ ሃይለስላሴ ገብረማርያም ኣዝዩ ትሑትን ዝበሰለ በዓል ሞያን፡ ንስርሑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ዝመልኽኑ ኮይኑ ረኺብናዮ፡ ብሓፈሽኡ ብዛዕባ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡና፡ ይኹን እምበር ናብ ሽመልባ ንምኻድ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ከድልየኩም እዩ ይብለና፡ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሉ ድማ፡ ናይ’ዚ ሃገር ጸጥታ ንምሕላዉ ተባሂሉ ሰባት ብፍላይ ኤርትራዉያን ብመንግስቲ ደረጃ ፖለቲካዊ መንነቶም ክፍለጥ ስለዝግብእ ነዚ ስራሕ’ዚ ድማ ኣካላት መንግስቲ ስለዝዉስኑዎ ናይ ግድን ናይ ፍቓድ ወረቐት ከድልየኩም እዩ ይብለና።

ቀጺሉ ምስ ናይ ሰንዓ ፎረም ኣካላት እንታይ ርክብ ጌርኩም ይብለና፡ ብወገንና ክሳዕ ሕጂ ዝገበርናዮ ርክብ የለን፡ ምምጻእና ግን ብዕሊ ስለዝሓበርናዮም ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ከምዘሎና ይፈልጡ እዮም ዝብል መልሲ ምስ ሃብናዮ ዮ ባዕለይ ደዊለ ከዛርቦም እሞ ቴሌፎን ደዊለ መልሲ ክህበኩም ይብለና’ሞ፡ ብሸነኽና ሕራይ ንብሎ። ኣቶ ሃይለስላሴ ገብረማርያም፡ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ቴሌፎን ደዊሉ፡ ናብ ሽመልባ ንክንኸይድ ፍቓድ ከምዘይተዋህበና ይሕብረና፡ ሽዑ ጉዳይና ይተሓላለኽ ከምዘሎን ይትረፍዶ ቤት ጽሕፈት ክንከፍትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከነካይድን፡ ብመሰረቱ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣንጻርና ዘቕንዔ ናይ ምትዕንቓፍ ወፍሪ ከምዘሎ ኣጸቢቑ በሪሁልና።

ይኹን እምበር ብናትና ጽኑዕ እምነት ዘጋጠመና ዕንቅፋት ክሳዕ ሕጂ ካብ ናይ ሰንዓ ፎረም ቤት ጽሕፈት እምበር ካብ ካልእ ኣካል’ዩ ኢልና ኣይንግምትን። ካብ’ቲ ዘስደመመና ካሊእ ኣጋጣሚ፡ ምሳና ዝራኸቡ ዝነበሩ ምኽንያቱ ብዘይፈለጥናዮን ዘይበርሃልናን ነገር፡ ናይ ወጻእ ጉዳያት ኣማኻሪ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ክንራኸብ፡ ዕድል ንረክብ፡ ፖለቲካዊ መንነትናን ዉድባዊ መርገጻትናን እምነታትናን ብንጹር ድሕሪ ምሕባር ንዘጋጠሙና ጸገማት ንገልጸሉ፡ ጹን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ፡ ብሓፈሽኡ ኣዝዩ ብሱል ብዝኾነ ኣገባብ፡ ኣብ ከባቢና ሰላም ንኽሰፍን ምእንቲ ብዛዕባ ክፍትሑ ዝግብኦም ጸገማት ስፍሕ ዝበለ መግለጺን ሓሳባትን ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክትቃለሱ ክሳዕ ዝደለኹም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንኩም ንክትንቀሳቐሱ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ የፍቅድ እዩ።

ዝኾነ ኮይኑ ግን ንኣቶ ሕቡር ክረኽቦ እሞ ምስኡ ክመያየጥ፡ ብድሕሪኡ ተራኺብና ንመዝኖ ይብለና፡ ንሕና’ዉን ጹቡቕ ሕራይ ንብሎ፡ ቃሉ ብምኽባር ድማ ምስ ኣቶ ሕቡር ይራኸብ፡ ድሕሪ ምስ ኣቶ ሕቡር ምርኻቡ ቴሌፎን ደዊሉ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ይህበና። ምስ ኪዳን ክትሰርሑ ከምዘይትደልዩን ዋላዉን ብሚኒመም ዝኾነ ይኹን ርክብ ክትገብሩ ፍቓደኛታት ከምዘይኮንኩምን ብተወሳኺ ንሕና ልኡኻት ናይ ኣሜሪካ ኢና፡ FBI ኢዩ ዘዋፍረና ዘሎ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ሰሰለስተ ሚኢቲ ዶላር እንዳኸፈልና ከነቃልሶም ንኽእል ኢና እንዳበሉ ፕሮፖጋንዳ ይነዝሑ ከምዘለዉ ሓበሬታ ንረክብ ስለዘሎና ሰደረስኪ እንታይ’ሞ ክገብሩ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ ብማለት ካብ ምዕዛብ ሓሊፍና ካሊእ እንገብሮ የብልናን ኢሉኒ ብማለት ሓበሬትኡ ይድምድም።ንዝርርብና ብቴሌፎን ስለዝነበረ ይቆራረጽ ምንባሩን፡ ጽቡቕ ንሰማማዕ ከምዘይነበርና ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይመስለና።

ብሓፈሽኡ ሕጂ’ዉን ካብ ትጽቢትና ኣዝዩ ታሕቲ ዝወረደ ገምጋም ኣቶ ሕቡር፡ ፍጹም ሓቅነት ዘይብሉ ዘይተዛረብናዮን ዘይበልናዮን ዘይበልናዮን ነገራት ከም ጭቡጥ ነገር ወሲዱ ስምናን ፖለቲካዊ መንነትናን ከካፍእ ምፍታኑ ናይ ብሓቂ ዘይሓላፍነታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ዉን ነዉሪ ምዃኑ ክንሕብሮ ንፈቱ።

ንኣቶ ሕቡር ብቴሌፎንን ከምኡ’’ዉን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብኣካል ከይድና ደብዳቤ ኣረኪብናዮ ከነብቅዕ፡ ዝኾነ ይኹን መልሲ ዋላ’ዉን ኣይፋል ኣይፈልጠኩምን’የ ዝብል መልሲ ንክህበና ዘይፍቓደኛ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስምና ንምክፋእ ከም’ዚ ኢሎሞም ከም’ዚ ተባሂሉ ዝብል ናይ ሓሶት ቤላቤለዉ ምምራጹ ነቲ ብዕሊ ዘቕረብናሉ ናይ ዑደትና መግለጺ ጹሑፍ ይጻረር ምዃኑ ማንም ሰብ ክመዝኖ ዝኽእል ጉዳይ ስለዝኾነ ብዙሕ ምትንታን ኣየድልዮን። ሕቶ ሕቡር ሓበሬታ ካበይ ረኺቡ ብዘየገድስ እቲ ዝበሎ ዉጹእ ሓሶት ምዃኑ ደጊምና ክንጠቅስ ንፈቱ፡ ካሊእ እቲ ምስ ኪዳን ንኽንጥርነፍ ዘይምምራጽና ናትና ናይ ኣባላት ግ.ሃ.ሓ.ኤ መሰል ኮይኑ ንዘይ መጠርነፊና ምኽንያት ቅድሚ ሕጂ ብዉደብ ደረጃ ግልጺ ገይርናዮ ‘ና። ኪዳን ክሰርሕ ይኹን ከስርሕ ዝኽእል ምትእኽኻብ ስለዘይኮነ ምስ’ኡ ንኽንጥርነፍ ፍቓደኛታት ኣይኮንናን። ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ግን ንኪዳን ቅድሚ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣይንሰርዕን፡ ሰሪዑናዮ’ዉን ኣይንፈልጥን፡ ብማለት ነቲ ናይ ወጻእ ጉዳያት ሚዛንና ሂብናዮ።

<<………… እዚ ሕጂ ንሪኦን ንዕዘቦን ዘሎና ኪዳን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምዉጋድ ዝኾነ ይኹን ብተግባር ክሰርሕ ዝኽእል ዕላማ የብሉን፡ ንጸቢብ ብሄራዊ ዝምባሌታት ቅድሚ ናይ ሃገር ድሕነትን ናይ ኹሉ ሃገራዊ ሓበራዊ ወጽዓ ኣብ ግምት ዘየእቱ ጉጅላዊ ስሚዒታትን ሰሪዖም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ርኡይ ጸገም ክዉንነታዊ መልኩዑን ባህርያቱን ደምሲሶም፡ ንታሪኻዊ ሓድነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጾም ይጉዓዙ ንዘለዉ ናይ ጽበት ሓይልታት ዝጠርነፈ ኪዳን ክዕወት’ዩ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸገም ክፈትሕ’ዩ ኢልና ከምዘይንኣምን ብግልጺ ሪኢቶናን እምነትናን ነቐምጠሎም ነይርና።>> << ንባዕሉ ናይ ሓዉ ተወልደ ገብረስላሴን ናይ ሓዉ ዓብደላ ማሕሙድን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መሪሕነት ምምጻእ ዉጽኢት ናይ ዝነበረ ግርጭት ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ‘ዩ እምበር፡ ተሓሲቡሉ ምርድዳእ ተገይሩሉ፡ መጽናዕቲ ተኻይዱ፡ወይ’ዉን ንኪዳን ኣብ ምምራሕ ልዑል ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ኣካላት’ዮም ካብ ዝብል ዕግበትን እምንቶን ብምንቃል ኣይኮነን። ናይ ብሄር ዉድባት፡ ንህዝቦም ማለት ንህዝቢ ኩናማን ህዝቢ ዓፋርን ነጻ ዘዉጽእ ሰራዊት እዩ ዘለዎም እምበር ብሃገር ደረጃ ክሓስብ ዝኽእል ዕጡቕ ሓይሊ የብሎምን፡ ስለዝኾነ’ዉን ኪዳን ናይ ሓባር ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከወግድ ዝኽእል ዕጡቕ ሓይሊ ክፈጥር ኣይኽእልን።>> << ናይ ዜናን ሓበሬታን፡ ናይ ወጻI ጉዳያት፡ ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት፡ ናይ ምጣነ ሃብትን ቁጠባን ክፍልታት ወይድማ ቤት ጽሕፈታት መስሪቱ ኣሎ፡ ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ዝበሃል ነገር የለን፡<<እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ ብሄራዊ ሰራዊትን ሃገራዊ ሰራዊትን ብሓደ ሰሚሩ ንሓደ ዕላማ ክስለፍ ስለዘይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ኪዳን ንቻርተሩ ንምዕዋት ሓደ ሰራዊት ይሃልወና እንተድኣ Iሉ ክዉስን ፈቲኑ እቲ ዕድል ምብትታን ምዃኑ ስለዝኣምን ሓደ ሰራዊት ዝብሃል ነገር ፈጺሙ ኣይዝረበሉን እዩ።>>

ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ

ናይ ብሄር ሕቶ መዓስ ተጀሚሩ? ናይ ብሓቂ’ኸ ናይ ብሄር ኣድልዎ፡ ናይ ብሄር ወጽዓ ኣሎ ድዩ? ስለምንታይከ እንተድኣ ናይ ብሄር ወጽዓ ኣሎ ኮይኑ ናይ ኩናማን ናይ ዓፋርን ብሄራት ጥራሕ ክምስረታ ኪ’ለን?

መሪሕነት ግ.ሃ.ሓ.ኤ ናይ ብሄር ዉድባት ኣብ መወዳእታ ተስዓታት እየን ተመስሪተን፡ መጀመርታ ደምሓኩኤ ቀጺሉ ድማ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብሄራዊ ዉድብ ተመስሪቱ፡ ደምሓኤ (ሰ.ደ.ግ.ኤ) ንህ.ዲ.ግ.ኤ (ሳግም) ኣብዉሽጢ Iትዮጵያ ናይ ንዉሕ ዝበለ ዓመታት ህልዉና ዘለወን ዉድባት ኣብ ሓደ መድረኽ’ዉን ከም እስትራተጂካዊ መሓዙት ኢ ሃ.ዲ.ግ ዝፍለጣ ዝነበራ ዉድባት፡ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ይዓንብብ ዝብል ጭርሖታትን ፖለቲካዊ ኣስተምህሮታትን ምንቅስቓሳት የካይዳ ነይረን እየን። ስለ’ዚ ብዛዕባ ምስረታ ካብኡ ንላዕሊ ምግላጽ ብዙሕ ተደላይነት የብሉን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ብሄር ኣድልዎ ይኹን ወጽዓ ኣሎ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ስርዓት ፋሺሽቲ Iሰያስ ዝፈጠሮ ወይድማ ዘተኣታተዎ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ጸገም ብዉድብ ደረጃ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዓፊኑ ጭቚኑ ዘሎ ስርዓት ኢዩ እምበር፡ ናይ ገለ ህዝቢ ፈታዊ ናይ ገለ ህዝቢ ድማ ፉሉይ ጸላI ኣይኮነን፡ ስለ’ዚ ናይ ብሄር ወጽዓ ናይ ብሄር ኣድልዎ ኣሎ እንዳተባህለዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳትን ፕሮፖጋንዳታትን ትሕዝቶ የብሉን።

ኣየናይ ናይ ኤርትራ ብሄር’ዩ ተጠቃሚ ዘሎ ምናልባት እቲ ተጠቃሚ ወይ ድማ ተረባሒ ዝብሃል ዘሎ ኣዝዩ ዝተጎድኤን ዝተበደለን ድኣ ከይኸዉን። ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብብሄር ደረጃ ርቡሑን ዉጹዕን የለን፡ ነቲ ስርዓት ዝድግፍ ካብ ዝኾነ ይኹን ብሄር ወይ’ዉን ሃይማኖት ይኹን ብዘየገድስ ርቡሓት ኢዮም። ብኣንጻሩ ዘይድግፉዎ ድማ ካብ ዝኾነ ብሄር ወይ ሃይማኖት ይኹን ብዘየገድስ ጸላእቲ ኢዮም። ስለምንታይ ናይ ኩናማን ናይ ዓፋርን ናይ ብሄር ዉድባት ጥራሕ ተመስሪተን ንዝብል ሕቶ ንባዕሎም መስረትቲ’ዉን ክምልስዎ ስለዘይበቕዑ፡ ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ድማ ሓቅነት ኣለዎ ኢልና’ዉን ስለዘይንኣምን ብዛዕባ ምኽንያት መመስረቲኡ ብዙሕ ክንዛረብ ኣይንመርጽን፡ ናይ ሳሆን ናይ ብሌንን ናይ ብሄር ዉድባት ንምምስራት’ዉን ፈተነታት ተኻይዱ ፈሺሉ ኢዩ።

ሕጂ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርናሉ ሰዓት፡ ናይ ሳሆ ብሄራዊ ዉድብ ምስረታ ከምዝተኣወጀ ሰሚዕና። እዚ ድማ ንጅግንነታዉን ሓርበኛዉን ታሪኽ ደቂ ብሄረ ሳሆ ኣብ ክልቲኡ ዉድባት መሪሕ ተራ ብምጽዋት ንዝሰርሕዎ ተኣምር ንዘረጋገጹዎ ዓወትን ምርሳሕን ምድፋርን እምበር ንኽብርታትን መሰልን ህዝቢ ሳሆ ዝቖመ ከምዘይኮነ ከም ግ.ሃ.ሓ.ኤ ብድፍረት እነቐምጦ ሚዛን ኢዩ።

ንዉድብና’ዉን ኣብ ምምራሕ ደቂ ብሄረ ሳሆ ኣዝዩ ዑዙዝ ተራ ይጻወቱ ስለዘለዉ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ታሪኽ ዝሰሓተ ኣሉታዊ ምዕባሌታት ከም’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝፈሸለ ፈተነ ሕጂ’ዉን ክፈሽል ምዃኑ ንተኣማመን ኢና።ገለገለ ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ፡ እዚ ናይ ብሄር ሕቶ ካብ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዝተቐድሔ እዩ፡ ገለ’ዉን ብድፍረት ብመደብ መንግስቲ Iትዮጵያ ዝፈጠሮ እዩ ብማለት ዝግምግሙ ኣለዉ፡ ብሸነኽና ግን ከም’ቲ ኣቐዲምና ዘነጸርናዮ ናይ ብሄር ወጽዓን ኣድልዎን ኣሎ ኢልና ስለዘይንኣምን ኣመጻጽኡኡ ብዘየገድስ ሓቅነት የብሉን ዝብል ተሪር መርገጽ’ዩ ዘሎና። ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ኩነታት ኣጸቢቑ ኢዩ ዝፈላለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መስፍናዊ ስርዓት ማዕቢሉ ልዕልና ናይ ሓደ ህዝብን ሓደ ሃይማኖትን ምንባሩ ብጭቡጥ ዝፍለጥ ሓቂ ኢዩ፡ መን ገዛኢ መን ተገዛኢ ነይሩ ፉሉጥ ኢዩ።

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ነገር ክንምሃር ከምንኽእል ክንምሃር’ዉን ምዃንና ንኣምን ኢና፡ ምስ ኩነታትና ምስ ጭቡጥ ኣተሃላልዋና ምስ ዘየሳንን ዘይከይድን ዘይጠዓዓምን ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ቀዲሕና ክንጥቀመሉ ግን ኣይግባእን ኢልና ንኣምን፡ ንኢትዮጵያ ክንመስል ናይ ብሄር ሕቶ ንሱዳን ክንመስል እስላማዊ መንግስቲ ከነቛምት ኣይግባእን ኢልና ብጹኑዕ ንኣምን።

ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ ዝምድና ደምበ ተቓዉሞ ኤርትራን Iትዮጵያን ከመይ እዩ ክግለጽ ዝኽእል? ግ.ሃ.ሓ.ኤ ኸ እንታይ ዓይነት ዝምድና ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን?

መሪሕነት ግ.ሃ.ሓ.ኤ

ብሓፈሽኡ ንጹር ዝኾነ ዝምድና ኣብ መንጎ ተቓዉሞ ዉድባት ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣሎ ክብሃል ኣይኽእልን፡ ካብ ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ዝዓይነቱ ዝምድና ንላዕሊ ዝስገር ኣይመስለናን። ብሸነኽና ከም ግ.ሃ.ሓ.ኤ መጠን፡ ኣብ መንጎ ደምበ ተቓዉሞ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ስጡም ዝኾነ እስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክህሉ ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ስርዓት ፋሺሽቲ ኢሳያስ ምስ እስትራተጂካዊ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ስጡም ምትእስሳር ብምግባር ን ኢትዮጵያ ንምብትታን ተዓጢቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምዉጋድ ምስ ናይ ኤርትራ ናይ ተቓዉሞ ሓይልታት ንጹር ዝኾነ እስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንኽገብር ዘይምረጸሉ ምኽንያት ስለምንታይ ምዃኑ ክሳዕ ሕጂ መልሲ ዘይረኸብናሉ ጉዳይ እዩ።

እስትራተጂካዊ ዝምድና ንምምስራት መንታ ዝኾነ ኣረኣኢያ ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ብእምነትና ከም ግ.ሃ.ሓ.ኤ መጠን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምስ እስትራተጂካዉያን ጸላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ሻራዊ ዝምድና ኣይንገብርን። ናይ ኢትዮጵያ ምእባይ ምምዕባል ምስልጣን ከም እስትራተጂካዊ ረብሓና ኢና ንሪኦ። ስለ’ዚ ብእምነትና ጉዳይ ተቓዉሞ ኤርትራዉያን ብናይ ዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ ዝላዓሉ ኣካላት ፋይሉ ክትሓዝን ዝግባእ ምክትታል ክግበረሉ ይግባእ ኢልና ንኣምን። ኢዚ ፖለቲካዊ እምነትና’ዚ ድማ ናይ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ሰላምን ቅሳነትን ሕድሕድ ምክብባርን ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ። ንፋሺሽቲ ኢሰያስ ንምዉጋድ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ኤርትራዉያንን እስትራተጂካዊ ምሕዝነት ንምምስራት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ረብሓ ንምርግጋጽ ዝግበር ፍትሓዊ ሽርክነት ምዃኑ ብኽልቲኡ ሸንኽ ክእመነሉ ይግባእ። እዚ ሕጂ ብናይ ሰንዓ ፎረም ዝፍለጥ ንጉዳይ ተቓወምቲ ኤርትራዉያን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ብዝኾነ ይኹነ መዕቀኒ ብቕዓት ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን። ካብ ሒዙዎ ዘሎ ሽም ኣትሒዝካ ብዙሕ ለዉጢ ኪግበረሉ ይግባእ ኢልና ንኣምን። ሱዳንን የመንን ስርዓት ፋሺሽቲ ኢሳአስ ይወገድ ኣይወገድ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ የብሎምን። እንዓ ፎረም ዝብል ምትእኽኻብ ካልእ ዝሰፍሓ ኹን መደባት እንተ ድኣ ኣለዎ ኾይኑ፡ ይቀጽል ኣይቐጽል ጉዳይ ንዝምልከቶም ኣካላት ዝግደፍ ኢዩ። ብዛዕባ ጉዳይ ተቓዉሞ ኤርትራ ግን ሰንዓ ፎረም ፈሪሱ ስለዝኾነ ትርጉም የብሉን፡ ኣካላት ሰንዓ ፎረም ንናይ ኤርትራ ተቓዉሞ ንምድካም ምስ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ብዕዉጅ ኣንዳዕዲዖም የተግብሩዎን ይገልጹዎን ስለ ዘለዉ ንማንም ብሩህ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ስለ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ተቓዉሞ ኤርትራ ብዑቱብ ክሕዞን ኣብ እስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣሚኑ ንጹር ፖለቲካዊ ፖሊሲ ንክሕንጽጽን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንላቦ። ናይ ፋሺሽቲ ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ንኤርትራዉያን ጥራሕ ብምርማስ ዝዕቀን ጸገም ጌርካ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን ኢልና’ዉን ንግምግም።

ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ ርክብኩም ምስ መንግስቲ Iትዮጵያ ከመይ ክቕጽል ኢዩ፡ ንዘጋጥመኩም ዕንቅፋት ንምፍታሕ እንታይ ዓይነት ስርሓት ክትሰርሑ Iኹም? መሪሕነት ግ.ሃ.ሓ.ኤ ናይ ግዜ ሕቶ ምዃኑ ኢና ንፈልጥ እምበር ዉIሉ ሓዲሩ ግ.ሃ.ሓ.ኤ ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ከምዝቃለስ ናይ ግድን ኢዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ተፈጢሩ ዘሎ ምድንጋራት ክፍታሕ ኢዩ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ኪዳን ዘቐመጥናዮ ሚዛንን ገምጋምን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ክንክላዕ ግቡእ ኣይኮነን፡ ከም’ቲ ደጋጊምና ዝገለጽናዮ ኢቲ ጸገም ካብ ዳይሬክተር ሰንዓ ፎረም ምስ ኪዳን ዘለዎ ቅርበት ዝተፈጥረ ጸገም’ዩ እምበር ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ ኢልና ደጊምና ከነዘኻኸር’ዉን ግቡ ኢዩ ኢልና ንኣምን። << ንኪዳን ቅድሚ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣይንሰርዕን፡ ሰሪ ኢናዮ’ዉን ኣይንፈልጥን፡ ክሰርሕ ኣይኽእልን’ዩ ጸገም ኣለዎ ምባል ድማ ዝተጋነነ ወይ ድማ ብዘይ መጽናዕቲ ብስምIት ወይድማ ካብ ቂም ዝነቅል ኣመዛዝና ዘይኮነስ ሓቂ ኢዩ። እንተድኣ ጉጉያት ምዃንና ክንኣምን ዝድለ ኾይኑ ድማ ብተግባር የርእዩና፡ብሰላማዊ ቃልሲ ንህ.ግ.ደ.ፍ ክትስዕር ምጽባይን፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ባዕሉ ሓሲቡ ክቕየር ይኽእል’ዩ ኢልካ ምጽባይን ፍልልይ የብሉን፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ብጀካ ብጎነጻዊ ቃልሲ ብኻሊእ ተኣምር ክዉገድ ኣይኽእልን’።

ኪዳን ብሰላም ዝፍታሕ ነገር ከምዘየለ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ’ዉን ብኹሉ መልክዓት ክንገጥሞ ኣሎና ዝብል ዘንባዕ መርገጽ’ዉን የቐምጥ ኢዩ፡ እንታይ’ዩ እቲ ኩሉ መዳያት ዝብሃል ኣገላልጻ ብሰላምን ብጎነጽን ማለት እንተድኣ ኮይኑ እቲ ናይ ሰላም ቃልሲ ከመይ ኢሉ እዩ ክስራሕ ዝድለ ዘሎ እቲ ጎነጽከ እንተድኣ እንተድኣ ወትሃደራዊ ስራሕ ንምስራሕ ዘብቅዕ ቤት ጽሕፈት ወይ’ዉን ኣሰራርሓ ዘየለኾይኑ ከመይ ኢሉ ኢዩ ተግባራዊ ስራሕ ክስራሕ ዝሕሰብ ዘሎ። ዓሰርተ ሰለስተ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ዩኒፎርምን ፖለቲካዊ መንቀልታትን ዘለዎም ጉጅለታት ኣዋፊርካ? ኣይፋልን፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራን ንምድሓን እንተድኣ ዝድለ ኣሎ ኮይኑ፡ ሓደ ሃገራዊ ኤርትራዊ ዕላማ ንምዕዋት ሰሚሩ ክቃለስ ዝበቅዕ ዕጡቕ ሓይሊ ምምስራት ጥራሕ’ዩ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ። ካብ’ዚ ወጻኢ ከንቱ ሕልሚ እንተዘይኮይኑ ከም’ናይ ፖለቲካ ምርጫ ዝዉሰድ ነገር የለን፡ ብዘይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከተወግድ ምሕሳብ ዘበት ኢዩ። ቃለ መሕትትና ንድምድም፡ የቐይንየልና፡ ወኪል ቤ/ጽ/ዜ/ሓ ግ.ሃ.ሓ.ኤ 8/12/2008 >.

መታሓሳሰቢ - 1-ዝተዉሃቡ ሓሳበት ኣንበብቲ ኣረጊጸም ንክርድኡዎ ብዝብል ብሕብሪ ዝደመቑ/ዝተሰነዩ ወይ ብዋሕታ/ ወይ ብኢታሊክ ዝተጠቕሱ ኩሎም ካባይ እዮም። 2-ንመሪሕነት ግሃሓኤ - አብ ቃል መጠይቕኩም አቲ ንነዊሕ ዘበን ጉጉይ ፖለቲካዊ ነፍሒ ተደሪኸኩም እትነዝሑዎ ዘለኹም “ህዝቢ አምሓራ” ገዛኢ ኔይሩ፤ ካብ ካልኦት ብዝተፈልየ ምዕብልና ማዕቢሉ፤ ዓንቲሩ፤ ብህዘቢ ኣምሓራ ተገዚእና እትበሉዎ እምነትኩም ክትእርሙዎ ንደሊ። ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንታሕቲ እምበር ልዕሊ ኤርትራዊያን ኣይነበሩን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ኤርትራዊያን ምስ ኣብስልጣን ዝነበሩ ብትዉልዲ ሓረግ ኣምሓሩ ውልቀሰባት እንተዳኣ ኣስማቶም ብቑጽሪ አናጻጺርናዮም ኤርትራዊያን ከምዝበዝሑ ንርኢ። ከምዘይሓለፈሉን ከምዘይማዕበልን አብ ስልጣን’ዉን ከምዘይነበረ - ገጌጋኹም ብጭቡጥ ክንማጎተኩም ዘኽእለና ማህደራትን ባይታን ስለዘሎ አቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝበልኩሞ ማለት <<ኣብ ኢትዮጵያ መስፍናዊ ስርዓት ማዕቢሉ ልዕልና ናይ “ሓደ ህዝብን” ሓደ ሃይማኖትን ምንባሩ ብጭቡጥ ዝፍለጥ ሓቂ ኢዩ፡ መን ገዛኢ መን ተገዛኢ ነይሩ ፉሉጥ ኢዩ>> ዝብል ነፍሒን ዝበለየን ጸምባዕ ፖለቲካ ክትእርሙዎ ደጊምና ነታሓሳስብ። ህዘቢ ኣምሓራ ንዝኾነ ይኹን ህዘቢ ገዚኡ ኣብ ታሪኽ ኣይራኣናን። ነዚ ጽሑፍ ኢዚ አብ መድረኽኩም ዘተኣናገድኩም ኣሕዋት ኤርትራዊያን የቐንየለይ ይብል።www.ethiopiansemay.blogspot.co