Wednesday, July 12, 2023

ከመከላከያ ጎን እንቆማለን ብለው ጦርነቱ ሲካሄድ ድጋፍ ከሰጡ የትግራይ አባ ሰላማ ቦርድ አባላት ጥቂቶቹ በማስረጃ ተጋለጡ ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay) 7/12/23


ከመከላከያ ጎን እንቆማለን ብለው ጦርነቱ ሲካሄድ ድጋፍ ከሰጡ የትግራይ አባ ሰላማ ቦርድ አባላት ጥቂቶቹ በማስረጃ ተጋለጡ

 ጌታቸው ረዳ

(Ethiopian Semay)

7/12/23

ለዛሬ አጥብያ ሌሊቱኑ ለትግርኛ አንባቢዎቼ በትግርኛ ይህንን በሚመለከት ጽፌ ነበር። በዚያው የትግርኛ መልእክቴ ያጠነጠነውም አቤቤች አደኔ የተባለች “የኦሮሙማ አዲስ አባባ ከንቲባ” ፤ ፋሲል የኔአለም” (አሳት EMS) በተባለው ወራዳ ግለሰብ በትግራይ ጦርነት ወቅት የዘመናችን “ጣይቱ” ሲል የሰየማትን ሴትዮ አዲስ አባባ ሆና በጦርነቱ ወቅት << ትግሬዎችን ፈቅደን እንዲኖሩ ብናስቀምጣቸው ጁንታው አሸነፈ እያሉ ይጨፍራሉ>> እያለች “የቀይ ሽብር” ዘመቻ ዘርግታ ትግሬ ሁሉ እያደነች ፤ ትግሬ የተባለ (ሁሉም ትግሬ) የከተማው ኗሪ በፕሮፋይል አጀንዳ “እያስደበደበች፤ ንብረቱ እያስቀማች ስታስር እና ስታስገድላቸው የነበረቺውን አቤቤች አዳኔን እነዚህ “የትግራይ ሃገረሰብከት ተዋህዶ አባ ሰላማ ክሳቴ ብርሃን” የሚል ሕገ ወጥ ተቛም የመሰረቱ ጳጳሶች እኔ <<የትግራይ ጳጳሶች ማሌሊታዊ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን”>>  ብየ የምጠራቸው ጉደኞች የትግሬ ጳጳሶች፤ መቀሌ ድረስ ጋብዘው “አሉላ አባ ነጋ አየር ማረፊያ” በቀይ ምንጣፍ እ፤ል፤ል እያሉ እጅ እየነሱ ተቀብለዋታል። አብረዋትንም የሄደው ሽመልስ አዱኛም እንደዚሁ መስቀላቸው እያወዛወዙ በፍቀር ሲቀበሉ <<ለትግሬዎች እንባቸው ያፈሰሱትን አባ መትያስን>> ግን አናነጋግርም ብለው ቤተክርስትያን እንዳይገቡ ዘጉባቸው።   ጉዳቸው ግን ከዚህ በታች ያስቀመጥኩት የቪዲዮ ርዕስ እና ቀን አደምጡ።

ቪዲዮውን እስከ መጨረሻ ተከታተሉት። በቪዲዮው ላይ በፎቶ የምታይዋቸው የትግራይ አባሰላማ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቦርድ አባላት ሁለቱ ለምሳሌ በNovember 17/2020 <<አቡነ ኤልያስ እና አቡነ እንጦስ>> ጦርነቱን ደግፈው ለመከላከያ እደግፋለሁ ብለው ደረታቸው ላይ መስቀል አስደግፈው “መሃላ ገብተው፤ባርከው” ድጋፍ ሲሰጡ ጦረነቱን እንደ ተቀረነው “ይለይለት” እያሉ አዲስ አበባ ሆነው በወቅቱ November 17/2020  በወጣው የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኮርፐረሽን የሕዝብ ግንኙነት መምርያ  ፌስ ቡክ” ላይ ዜናው ለጥፎት ነበር ሲል Ethio 360 ሃብታሙ አያሌው መረጃውን ይፋ ድርጎታል።

 ሁለቱ ትግሬዎች ሲሆኑ እመሃል ያሉት ደግሞ ኦሮሞ ናቸው። ኦሮሞውን ትተው አማራ ጳጳሳትን ብቻ ነበር፤ የትግራይ አባ ሰላማ ተብየው “የወያኔ ሃይማኖታዊ ክንፍ” አማራ ጳጳሳትን እየመረጡ ሲያወግዙ የሰማናቸው። ጸረ አማራነታቸው በግልጽ ከወያኔ የተረከቡት ፖለቲካ ተግባራዊ አድርገውታል።

እነዚህ የወያኔ ጳጳሳት በምን ሞራላቸው ይሆን ሌሎቹን ጳጳሳት ጦርነቱን አላወገዙም ብለው የኮነንዋቸው?

አራት ከሎ እና የመቀሌ ፖለቲካ፤ የብርሃኑ ጁላ ወለፈንዲ ዛሬ ምን አለ ? ሓምሌ 4 2015 Ethio 360 ቪደዮውን አድምጡ

ጽሑፉን  አሰራጩት እባካችሁ!

 ጌታቸው ረዳ

ሃብታሙ አያሌው የትግራይ “መንበረ አባ ሰላማ” ጳጳሳትን አጋለጣቸው

https://youtu.be/v2lKqitVw_U

 

           

“ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ትግራይ” ከፍሊ ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ግልግለ ወያነ (TPLF wing) እዩ! ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay) 7/12/23

 

“ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ትግራይ” ከፍሊ ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ግልግለ ወያነ (TPLF wing) እዩ!

ጌታቸው ረዳ

(Ethiopian Semay)

7/12/23

ኣብ’ቲ ተለጢፉ ዘሎ ስዕሊ ሽመልስ አብዲሳን ከንቲባ ኦሮሙማ አቤቤች አዳነ ናብ ትግራይ ከይዳ እኒ  ሕፍረት ዝማዕረጎም ከም እኒ ኣቡነ ኢሳያስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረስብከት ዞባ መቐለን ዝበሉ አባላት “ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ትግራይ” እንተቕበሉዎም ዘርኢ እዩ።

ብቅድሚ ትማሊ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ መራሒ “አቡነ ማትያስ” ናብ ትግራይ ከይዶም ምሰ እቲ ጉጅለ “ጳጳሳት ማለሊት ትግራይ” ክዛተይን ይቕረታ ክሓትት ኢሎም ከምዝኸዱ ንፈልጥ።

 ኣነ ብዛዕብኦም ዘለኒ ልቢ ክሳብ ክንዲ’ዚ እዩ።

ኮይኑ ግና ብዘገርምን ብዘሐፍርን መንገዲ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝዝውሩዎን ነቲ ውግእ ዘካይዱን ኣብ አዲስ አባባ ውሽጢ ተጋሩ ኣብ ዘዘለውዎ እንዳታሃደኑ ከም ቀይሕ ራዕዲ “ብኤትኒክ ፕሮፋይል” ክእሰሩን ንብረቶም ክውረሩን ክዝበጡን ክቕተሉን፤ ክዋረዱን፤ዝገበረት “ኦሮሙማዊት ከንቲባ አበበች አደኔን” ነቲ ውግእ ቀንዲ የማናይ ኢድ ዝነበረ ናይ አብይ አሕመድ  ዋና ካድረ “ኦነጋዊ ሽምልስ አብዲሳን”

ናብ መቐለ ክኸዱ ከለው፤ “ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ትግራይ “ቀይሕ ሃሪ ምንጻፍ” ኣንጺፎም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ “አሉላ አባ ነጋ” ክሳብ ከተማ መቐለ ብጭብጨባን ብሰላምታን ብናእዳን  “ተጎምቢሖም” ኢድ እንዳነስኡ እንትቕበሉዎም ዘይሓፈሩ ነቶም ፓትርያሪክ ማትያስ ግና ምሳኹም ኣይንዛተይን ኢሎም ከምዝነጸጉዎም ርኢናዮም። ልቢ በሉ!

ብተማሳሰሊ መራሒ ወያነ ጌታቸው ረዳን መሰል ብጾቱን ናብ ምድሪ ኦሮሞ ከይዶም ምስ ሽመልስ አብዲሳን አበበች አደኔን ጭማራን ጋቢን እንዳተሸለሙ ክማሳገኑን ሕሽክርና አብይን አንጻር አማኢሓራን ኢትዮጵያን ተንኮል “ሽርሒ” ክኣልሙ ርኢና፡ኣለና። እዚ ድማ ዘርእየና ነገር፤ ወያነ ነቶም “ጳጳሳት ማሌሊት ትግራይ” ከምዝመርሖም መርኣያ እዩ።

ምኽንያቱ ድማ ፤ እኒ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘይኽእሉዎ  ውግእ አትዮም ብዝኮሉዑዎ ውግእ ሕዝቢ ምስ ኣጽነቱ፤ “የሻል ኢሎም፤ተሳዒሮም” ተጎምቢሖም እኒ ጻድቃንን ጌታቸው ረዳን ምስክር ወረቐት ካብ እቲ “አጽኒቱና” ዝበሉዎ ኦነጋዊ መሸበራይ ኣብይ አሕመድን ዲያቆን ክብረትን ከም ተመረቕቲ ተመረቕቲ ተምሃሮ አስማቶም እንዳተጸውዑ  “አብየት ጎይታይ” እንዳበሉ ካብ መንበሮም እንዳተስኡ “ሰርቲፊኬት” ተሸሊሞም”። ሓደ ጉድ በሉ!

ካልእ ድማ  ማሌሊት ጳጳሳት እዚ ጉድ እዚ ይፈልጡ እዮም።

ብዘገርም ኩነታት ግን ንአባ መትያስ ነጺጎም ነቲ ውግእ መታሓባበሪት ኮይና እኒ “ፋሲል የኔአለም” (አሳት EMS) “ጣይቱ” ኢሎም ዝሰመዩዋ “ዩዲት ጉዲት አቤቤች አዳነ” ክቕበሉን ክዛተዩን ከለው በየናይ መንገዲን ብዓይኒ ፍትሒን ተመዚኑ ኮን ይኾን  ንኣየኖም እዮም ብክብሪ ክቕበሉዎም ዝግባእ ዝነበረ? ንዓዓ ዶስ ንአቡነ ማትያስ? እስኪ ንፍትሒ ኢልኩም መስክሩ?

አቤቤች አዳኔ ኣብ’ቲ ጊዜ ኩናት << ኣብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ “ፕሮፌሰር ዮናስ ዝባሃል” መንእሰይ ናይ ፍሎሶፊ መምህር መራሒ ገይራ “ጎመድ በትሪ” ኣትሒዛ ትግራዋይ ንዝባሃል ኣብ ሙሉእ አዲስ አበባ <<ወፍሪ ሃደን ተጋሩ >> ከፊታ ተሳራጥዮም  ከምዝነበረት ኣንቱም ለቕለቕቲ  ከመይ ኢልኩም እዚ ረሳዕኩም “አምሓራ” ኢልኩም ንእትሰምዩዎም ጳጳሳት ኦርቶዶክስ  ክትውንጅሉ ትጓየዩ ኣለዅም? ቁሩብ ሕንከት ዶ የብልኩምን? ኣየ ጳጳሳት ትግራይ ደቂ  ደደቢት!!!

ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ መራሒ “አቡነ ማትያስ” (ምንም እኳ ወገንተኛ ትግራዋይ ኮይኖም ንሕዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ዋጋ ዘይሃቡ ኰይኖም እንተረኸብኩዎም እውን) መንበረ ሰላማ ዝባሃል ሓሳዊ ጉጅለ “ግልግለ ወያነ” ግና “ኢአቤቤች አዳኔን” ንሽመልስ አዱኛን ጎምቢሑ ኢድ ነሲኡ እንዳናአደ ኣታኣናጊዱ  ነቶም ንትግራይ ዝነብዑ አቡን ግና ነጺጉዎም።

አበበች አደኔ ኣብ ጐድኒ  ኣብይ ኣሕመድ ኮይና ኣብ አዲስ አበባ ወፍሪ “ሃደን ተጋሩ” ከፊታ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት እያ ኢልና ደጋጊምና እንዘረበሉ ምኽንያት ምሰዞም ጉጅለ ጳጳሳት ማሌሊት ርክብ ስለዘለዎም እዩ (ርክብ ኦሮሙማ ወ ሃገረ ትግራይ ማለት እዩ)።

“ሸፋቱ ጳጳሳት ማሌሊት ትግራይ” ከፍሊ ፖለቲካ “ግልግለ ወያነ (TPLF wing) እዩ” እንብል ምኸንያት ብመርትዖ ኢና!

እዚ ጉጅለ “ሸፍቱ ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ” << አምሓራ ዝባሃል ነገድ ብታሪኽ ኣይፍለጥን>> ዝብል እዚ ጉጅለ ናዚ ፍጹም ጎጣይ ፍጹም ጸረ-ኦርቶዶክስ ጉጅለ እዚ ዝተዛረቦ ዘረባ ብቪዲዮ ዝቐሰዳሕኩዎ አሎ።  

“ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ትግራይ” ብሃይማኖታውያን ኣቦታት ዘይምራሕ “ፋሉል” ፀሐይ ብምዕራብ እያ እትበርቕ ዝብል ፖለቲካ ደደቢት ዝተዓጥቀ ጉጅለ “ጳጳሳት ማሌሊት መንበረ ሰላማ ትግራይ” ክንጸግ ዝግበኦ ከፍሊ “ሃይማኖታዊ ፖለቲካ” ዝተዓጥቀ ግልግለ ወያነ (TPLF wing)  እዩ። ምሰቶም ጉጅለ ኦሮሙማ ርክብ ኣለዎ እንብለኩም ብመርትዖ እዩ!!

አበበች አዳኔ ከሚዝ ትብል፡

፡ << “ትግሬዎች በአገራችን ፈቅደን ብናኖራቸው…..<የትግራይ ተወላጆች ፈቅደን ብናኖራቸው ጁንታው አሸነፈ ብለው ይጨፍራሉ>>

<<ተጋሩ ኣብ ሃገርና ንክነብሩ ብፍታውና ክቕመጡ እንተፈቐድናሎም ጁንታ ተዓዊቱ እንዳበሉ ይላሃዩ ኣለው>> ኢላ። ጸረ- ተጋሩ ዝኾነት አቤቤች አዳኔ እዚ ኹሉ ገበን እንዳሃለዋ "አቡነ መንበረ ሰላማ ጳጳሳት ማሌሊት ትግራይ”  ቀይሕ ሃሪ ምንጻፍ ዘርጊሖም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ  አሉላ አባ ነጋ ነዛ “ሃዳኒት ተጋሩ” እንዳ ዓለሉ “ኢድ እንዳነስኡ” ኣኽቢሮም ተቐቢሎማ። እሞ  ኣባ ማቲያስ ድዮም ወይስ እታ ቐንዲ “ሃዳኒት ተጋሩ”  ክብሪ ዝግባኦም?

ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay)