Saturday, October 23, 2021

ሒቕታ ገላውዴዎስ ኣርኣያ ብጌታቸው ረዳ (Editor Ethiopian Semay) 10/23/2021

 

 

ሒቕታ ገላውዴዎስ ኣርኣያ

ብጌታቸው ረዳ

(Editor Ethiopian Semay)

10/23/2021

ከመይ ሓገኹምዶስከመይ ከረምኩምክንብልነዊሕ ኮይኑ፡ ዝኾነ ኾይኑ ሰላም ንኩሉኹም ንመንበብቲ ቶጎርባ።

 ናብ ኣርዕሰይ ቅድሚ ምእታወይ ኣብ መጻኢ ሰሙንክፍሊ 2” “ወያነ ይኸስብ ወይስ ይኸስር?” ናብ ዝብል ብምዕራባዊያን ዝስነ ዘሎወራድ መርዓ ክትንትነልኩም እየ።

 መቸስትግራይ ትዕወትእንዳበሉ ከም ቁልጡፍ ሽሮ    ቶኽ ቶኽልቦም ሞሊቋቶም ዘላ ጋንታትግራይ ትስዕር” “ዓወትና ይዕምር ኣሎዝብሉዎትርጉም ዓወትዘይተረዳኦምምስ ዓለቕቱ ዝሰትዩዎዘለውዓወት” “pyrrhic victory” ምኳኑ ኣይተረደኦምን። ብዛዕባ እዛ ቃል እንግሊዝ ምስታ እትቐርብ ሓተታ ኣብ ሳልሰይቲ ክፋልኣብሪሕናስለንርእያ ንሎሚ ናብታሒቕታገላውዴዎስ ኣርኣያ ክመርሓኩ

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ቅድሚኣ ዝጻሐፍኩዋ ብሃንደበት ስለዝተደምሰሰትኒ፤ ካልኣይ ጻዕሪ ገይረ እዚኣ ኣቕሪበያ ማለት እዩ።

መቸስሒቕታዝፈቱ ሰብ የለን። ሒቕታተካልድኺም እትብሉ ኤርትራዊያን? “ተካልእያ።  እወዑሾኽጎሮሮ እያ። ሒቕታበዚኣ መጸትእንተይበልካያ ሽዑኣብ ጎሮረኻውርምእንዳበለትኣይ ከይትዛረብ ኣይ ክይትውሕጥ” “ስግድኢላደውእተብለካፍጥራታዊ ደውታ/ ፌርማታእያ።

ዕባይ ኤርትራትግራዋይዶክተር ገላውዴዎስ ትፍልጡዎ ኢኹም ዝብል ግምት ኣለኒ። ቀደም ኣብ ውድብኢሕአፓዝባሃል ተጋዳላይኢትዮጵያዊ ውድብእዩ ነይሩ። ዳሓር ናብ ውድብ ገዛ ወይንቲሰላሕእንዳበለውጥም ቅልቅልይብል ነይሩ፤ሎሚአማን ብኣማንእግሩኣናጊፉናብገዛ ወይንቲ ኣትዩወይኑ! ንኢትዮጵያእንትዝንጥልንሰምዖ ኣለና።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ አዋንትግራይ ሚዲያ ሃውስኣብ ዝባሃልወየንቲብሕሶትዘጉሩዑሉመርበብ ሓበሬታ ቀሪቡ ቃለ-መሕትት ተገይርሉ፤ትግራይን ትግራዋይነትን ብኸመይ ትገልጾ? ትብል ሕቶ ህሊና ታደሰካብ እትባሃል ንእሽቲ *young* ጓል ሓቲታቶ፤ ብዘስደምም መልሲ ክምዝስዕብ ሃበ።

የቐንየለይ!” ጽቡቕ እዩ፤ እቲ ናይ መጀመርታ ሕቶትግራዋይ መን እዩ? ካብምንታይ እዩ መጺኡ? ዝብል ሕቶ እዩ ቀሪቡ፡ብጣዕሚ አገዳሲ ስለዝኾነ….ብመሰረቱ ናይ መንነት ሕቶ እዩ። ብጸቢቡ እንተርኢናዮ፤ትግራዋይዝባሃል ህዝቢትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ ኣብ ትግራይ ዘሎ ክልተ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እውን ከምኢሮብን፤ኩናማንዝኣመሰሉተጋሩ እዮምንብሎም…..

…..ብገፊሑ እንተርኢናዮ ድማኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እቶም ትግርኛ ዝዛረቡ ተጋሩ እዮምኢና ንብሎም።

ምስበለ እንደገና ከም መብርሂ እዚ ዝስዕብ ይህብ፡-

ከም ሮቋሒ፤ብዙሕ ጊዜ ከም መረዳእታ ገይረ ዝወስዶቋንቋ እዩ።ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ሓደ መንነት ኣለዎ ንብል። ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ካልኦት ረቛህቲ እውን ኣለው እዮም። ከም ባህሊ ዝመሰለ ፤ከም ኣገባብ ማእቶታት ፤ብሃይማኖት ዝኣመሰለ፤ ካልኦት ረቛሒታት ዘራኽቦ እውን ኣሎ

…..ግን ሓደ-ሓደ ጊዜ ናይ ስነልቦና ፍልልይ ኣሎ። ተጋሩ ንኤርትራዊያንኣሕዋትና ኤርትራዊያንክብሉዎም ሰሚዔዮም እየ።ርግጽ እዩ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ብቋንቋ፤ብአገባብ ማእቶት፤ብሃይማኖት እንተኸይድና ሓደ ህዝቢ እዩ።ግን ብጥልያን 50 ዓመት፤10 ዓመት ብእንግሊዝ ተገዚኦም ስለዝነበሩ ሓደ ፍልይ ዝበለ መንነት ስለዝተፈጠረ እምበርሓደ ህዝቢ እዩ ስነ ልቦናኦም ድማ ፍልይ ዝበለ እዩ። ስለዚ እቲ ስነ-ልቦና እውን ኣብ ግምት ክነእትዎ ኣለና እምበር፤ተሃንዲድካሓደ ኢናምባል እውን ቡቑዕ ኣይኮነን”…

ይብል እሞ ብምቕጻል ከምዚ ይብል፡

…. “ሓንሳብ ሓንሳብ ንምቅርራብ፤ንዲፕሎማሲ ዝግበር እዩ፤ንሱ ድማ ይርድኣኒ እዩ።እቲ ህዝቢ እውን ኣጸቢቑ ንክፈልጦ እቲ ስነ ልቦና ኣብሮቛሒ ክነእትዎ ኣለና።

እዚ ካብ በልኩ፤ ነታ ካልአይቲ ሕቶትግራዋይ ካበይ መጺኡ ንዝብል ሕቶ ንድሕሪት ኣሻሓት ዓመት ተመሊስና እንተርኢና እቲ ሕቶ ንምምላስብቐሊሉ ዝምለስሕቶ ኣይኮነን”: ብምባል ነታ ካልአይቲ ሕቶ ብምምላስ ብሰፊሑ ይትንትን።  

ናብቶም ተጋሩ እዮም ዝባሃሉ ቅድሚ ምእታውና

 ብሰንኪ ስነ ልቦና ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ  ትግርኛ ተዛረብቲኤርትራዊያን ሓንቲ ነገር ክብል። እታ ገላውዴዎስ ዝዛረባ ዘሎብሰንኪ መግዛእቲ 60 ዓመትዝመጸት ስነልቦና፤ ዝብላ ዘሎ፤ ጌጋ እያ። መብዛሕቶም ከበሳ ኤርትራዊያን (ማለት ብሄረሰብ ትግርኛ) “አንድነትፍቕሪ ሃገር፤ብዝብል ልቦም ብፍቕሪ ሀገረ ኢትዮጵ ዝነደደከም ዋሪብጉጅለ ሓድነት ዝነፍሩ ዝነበሩ ሰብ ከበሳ ልቦም ኣይተተንከፈን ነይሩ። ስነልቦና ማሕበረሰብ ኤትርራ ኣብዕግንግንዘእተውዎ ዳሓር ዝተቐልቀሉ መንእሰያት እዮም።  ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ/ገሊኦም ዝተወልዱ/” ከም እኒ ገላውዴዎስ ዝበሉ ተጋሩን፤ ከም እኒ ኢሳያስ አፈወርቂን ፤ወዘተ…. እምበር እቶም ኤርትራዊያን ሰብ ከበሳትንኩፍ ስነልቦናኣይነበሮምን። ነገር ዝተበላሸወት ድሕሪምሕንጻጽ ፌደረሺንዝተኸስተዛንጣ ማዕንጣእምበር ምስ ስነልቦና ዘራኽቦ ነገር የለን።

ሕዚ ናብታ ቀዳመይቲ ሕቶትግራይ መን እዩ፤ብኸመይ ትግልጾ? ንእትብል ሕቶ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃቦ ምላሽ እንተዳ ርኢና፤ ዘማያይጥ ጉዳያት ኣለው። እታ ሒቕታ ዝበልኩዋ ኣብዚኣ እያ እትቕልቀል።

እስከ እዚኣ ንርኣያ፡

“‘ትግራዋይዝባሃል ህዝቢትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።ይብል ኣሎ። መሊሱ ድማኣብ ትግራይ ዘሎ ክልተ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እውን ከምኢሮብን፤ኩናማንዝኣመሰሉ ህዝቢተጋሩ እዮም ንብሎም።ይብል፡-

ብጻልጣ እንተዳአ ገሊጽናዮትግራዋይንሓደ ሰብ መጸውዒ መንነት መብርሂ ቃል እዩ።ተጋሩድማ ብልግዐንሓፈሻዊ ህዝቢመጸውዒ መንነት ቃል እዩ። ሓደ ትግራዋይትግራዋይእየ ይብል እምበር ተጋሩእየ ኣይብልን።

ገላውዴዎስብውድብ ፍቕሪ ወየንቲ ምስተሓልከ ኣብክልልኣምሓራ ዝርከቡ ከምአገው፤ቅማንት፤አዊ፤ ኦሮሞወዘተ.. ወዘተ..” ዝባሃሉ ዓልየታት (ነገዳት) ብዓይኒ ሚዛን ገላውዴዎስ ኣብኦም ኣይሰርሕን።

እዚኦም ዋላ ቋንቋ አምሓርኛ ከም ካልኣይ ቋንቆኦምን (ሃገራዊ መራኸቢ ቋንቆኦም) ገይሮም ይዛረቡዎ እምበር፤ ገላወዴዎስ ግን ኣብዚኦም ክበጽሕ እንከሎ ከምቶምትግርኛ ከም መራኸቢ ቋንቋኦምገይሮም ዝጥቀሙንኩናማን ፤ሳሆን፤አገውን *ከም* “ተጋሩቆጺሩተጋሩ ይባሃሉዝብሎም ነቶም ኣብ ውሽቲክልል ኣምሓራዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓልየታት ግንአምሓሩኣይብሎምን።

ንምንታይ? ገላውዴዎስ ኣብ ቃሉ ዘይርከብውዕል ፈሰስስለዝዀነ ንምፍራስ ኢትዮጵያ ስለዝብህግ ዘሎነቶም ኣብ ውሽጢክልል አምሓራዝርከቡ ዝተጠቕሱ ዓልየታት ‘’ካብ ኣምሓሩንምንጻል ዝተገብረ ሰይጣናዊ ተንኮል እዩ። ብቋንቆኦምን ባህሎምን ስለዝፍለዩከም ኣምሓሩ ብዘይምርኣይተፈልዮምናቶምክልልከም መንግሥቲ ትግራይ ኢሉ ንትግራይ ዝጽዋዓ ፤ነዚኦም እውንመንግሥቲ አዊ፤ መንግሥቲ አገው፤ መንግሥቲ ቅማንት፤..ኦሮሞ…” ኢሉ ብምስማይ ንኣምሓራ ፈልዩ ንምድኻም ዝገብሮተንኮል ወያኔተረኪቡ ይሰርሓሉን ይሙጉትን ስለእንሰምዖን ዘለና እዩ።

ቋንቋን ባህሊን ከም ረቛሒ/መመዘኒ/ ገይሩ ይወስዶም አሎ እሞ’ “ሃይማኖት፤ባህሊ፤ስነ ልቦና፤ አጻሓሕፋ ፊደል፤ ማእቶትኣብ ውሽጢ ኣምሓራ ዝርከቡ አገውን ፤ቅማንትን ሃይማኖቶምንምስ ኣምሓሩ ፈጺሙ ዝፈልዮም የለን፡ (ተዋሃሂዶም እዮም ምባል ይካአል) ደርፎም፤ሳዕስዒቶም ቋንቋ ዘረባኦም 99% አምሓርኛን ባህሊ ኣምሓራን እዩ። ኣብ ወሎ ዘለው አገው ደርፎም  ሳዕስዒቶም ራአይዎ!!! አምሓርኛ እዮም። ገላውዴዎስናብ ክልል ትግራይክመጽእ እንተሎ ግናኩናማ” “ሳሆ” “ኣገውባህሎምን፤ ቋንቆኦምን፤ሃይማኖቶምን፤ ማእቶቶምን ኣናባብራኦምንፈጺሙ ካብቶምተጋሩዝተፈልዩ ሙኻኖም እንዳፈለጠከም ተጋሩ ገይሩሓደ ሃይማኖት፤ቋንቋ፤ማእቶት፤ባህሊንሓደ እዮም ኢሉከም መዘዘኒ ትግራዋይነትቆጺሩከም ተጋሩ ገይሩ ክሰምዮም ምርኣይ እታ ናይ ታሪኽ ምሁር እየ ዝብላ ዘሎዱክትርንኡብሒቕታተሰጊዳኣብ ንርእያ ኣለና።

ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢትግራዋይእዩ ይብለና ኣሎ። እቶም ትግርኛ ዘይዛረቡ ኣብ ጩው ዝበለ በረኻን ቆላን ዝነብሩኩናማ፤ሳሆ፤ኣገው ካብቶም 96% ኦርቶዶክስ ክርስትያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ዝተረፉ 4% ሃይማኖቶም ካቶሊክ፤ፕሮተስታንትን እስልምናን እዮም። ስለዚ ብሃይማኖት እኳስ ፍልልዩ ራአይዎ፡ ብቋንቋ ድማ ኩናማ ኮኑ ሳሆ ትግርኛ ዝዛረቡ ብኣጻብዕቲ ተዘይኮይኖም ትግርኛ ኣይዛረቡን። ትግርኛኦምኮልታፍእዩ።ዝጥቀሙዎ ፊደል እውንዕድመ ፡ንወያነ/ዕድሚኡ ዳኣ ትሕጽር እምበርፊደሎም ብግዕዝ ፊደል ዘይኮነስብላቲን (A B C..) ከምዝጽሕፉ እዩ ገይሩዎም እቲ ማእቶት ዝብሎ ዘሎ እውን ካብቶም 96% ዝባሃሉ ተጋሩ 4% መናብሮኦም ክልተ ብዕራይ ጸሚዶም ዝሓርሱ ሓረስቶት ዘይኮኑስ እቶም ዝበዝሑሰበኽ ሳግምንከብቲምጥራይን እዩ፤  መብዛሕቶምመነባበሪኦም።

አሳራራሓን ኣማጋግባን ምግቦም እውን ዝተፈላለየ እዩ። ብባህሊ ብቋንቋ ፈጺሙ ከምቲ ገላውዴዎስ ዝሰብከና ዘሎ መመዘኒተጋሩከብሎም ዘኽእል መመዘኒ ኣይኮነን።ስለዚ “‘ትግራዋይዝባሃል ህዝቢትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።ንዝበሎ ብዘረባ ገላውደዴዎስ ንምኽምባት ዝኣክል “‘ትግራዋይዝባሃልትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።ዝብል እቕበሎ እየ። ግን መሊሱ ድማኣብ ትግራይ ዘሎ ክልተ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እውን ከምኣገው፤ ኢሮብን ኩናማን..” “ተጋሩ እዮም ንብሎምምባል ኣይካአልን።

ንገላውዴዎስ ቀንዲ ሚዛንትግርኛእትባሃል ቋንቋ እያ። ምሳአ ካልኣይቲ ቋንቋ ምኽኣልትግራዋይንክትባሃል ወሳኒት ሚዛን ኮይኑ ዝነግረና ዘሎኣብ ትግራይጥራሕ እያ እትሰርሕ። ኣብ ካልእ ግን ኣይትሰርሕን።

 እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኩናማን ዐፋርን፤ሳሆን፤ትግረ፤ቤጃ  ካልኦትንትግርኛ ስለዝተዛረቡትግርኛኢና ኢሎም ይፈልጡ? ኣይብሉን። ዓልየቶም ካልእ ስለዝዀነ!!

ኣብ ትግራይ ግን ገላወዴዎስ ካልእ የምህር ኣሎ። እዚምክሐእዚጨናዊ እዩ፤ ዝበድበደ ጠስሚ ወያነ እዩ!”

ወያናይ ገላውዴዎስ ጉዳይቅማንትለይትን ቀትሪንሒኹእንዳበለዝሓቑኖዘሎ ጸሊም ፀባቀንዲ ፀላእተይ እዮምንዝብሎም ንህዝቢአምሓራብህዝቢ ብዝሓትን ምጣነ ሃብቲን ንምድኻም ብኡውንብቅማንትገይርካመገዲ ሱዳንበሪ ደኾን ንርክብ ብዝብል ወየንቲ ዝሃቡዎቤት-ዕዮእዩ ዝንቁ ዘሎ።

እታ ትግራዋይነትን ኣኽሱማዊነትን ከራኽባ ዒሕ ዝብል ዘሎ ፤ሓጻር መልሲ ክህብ!

 ንሕና ተጋሩ ንሕና ፈጠርቲ፤ንሕና፤ንሕና፤ንሕና እትብል ምንቋይ በዚሓ ኣላ። ምኽንያት ኣለዋ። ብዛዕባ እኒ ንጉሥ ዞስቃለስ/ ሃቃል/ ዝባሃል ነጉሥናይ አኽሱማዊያን ፈላማይ ንጉሥእዩ ንዝብሎ ጌጋ እዩ። መስራታይ ንግሥና ኣኽሱም ካልእ እዩ። ክብረነገሥት ዝብሎ ካልእ እዩ።  ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስተጋሩ ካህናትዝብልዎ ካልእ እዩ። 

ንጉሥ ዞስቃለስትግራዋይ እዩ ነይሩ ንምባል እዩ። ንዓልየትግእዝዝኾርኮሞምንሱ እዩነይሩ። / ገላውዴዎስ ግና ንምንታይ ከምዝረቑሖ እውን ኣይተረዳኣንን። ንጉሥ ዞስቃለስ/ዘሃቃል/ ኣብ ከተማ ኣኽሱም እውን ኣይኮነን መንበሪኡ ነይሩ። ተጋሩ ኣብኡ ኢና መቦቆልናአጋአዚያን፡ንባህልይብል ገላውዴዎስ። ግዕዝ/አጋአዚያን/ እንመን እዮም? ግእዝ/አጋአዚያን/ በንጉሥ ኣዶሊስ ብኸመይ ተወቕዑ? ቀጺሉ ተጋሩ ኣብኡ ምንባርና አስማት ነገሥታትትግርኛዘለዎም ስለዝነበሩ ኢሉ ከም መደገፊ ዘቕርቦ ዘሎ መቦቆል፤ ብሽም እንተዳኣ ከይድናነገሥታት ኣኽሱምመብዛሕቶም፤እስራኤላዊያን፤ግሪኻዊያን፤ ኩናማ፤ አምሓርኛኣለዎም። ኣምሓርኛ ዘደምጽ ጥንታዊ ቦታታት (ኣብ ኣኹም ከተማ) አለው (ቡዙሓት) ነይርና ክፋእ የብሉን፡ ግን ንሕና ኢና መቦቆል ኣኽሱም፡  ካልኦት ግናካልኣይ” “ተረፍ መረፍ እዮምድቓሉእዮም ምባል ግን ተመሊሳ ዝባንካ እትድፋእሓመኹሽቲ  እውን ከምዛ ምፍላጥ ኣሎ።

ተጋሩ ዝባሃሉ ኣይፍለጡን እዮም። ትግረ ግን ኣለው ነይሮም እውን (አስማቶም ኣይቀየሩን) ኣገው ነይሮም፤ ሎሚ እውን ኣለው። ዓፋር ነይሮም ሎሚውን ኣለው፤ ቤጃ ነይሮም ሎሚውን ኣለው። እታትግራይ/ተጋሩእትባሃል ስምብኸመይ ተሰወረትበይዛ!!?”

ሑሙምን ሰነፍን ጥራሕ እዩብጽርየትዝምድር። እንኳን ወዲ ሰብቋንቋትግርኛ ከም እቲ ቀዳማይ ትግርኛ ኣይኮነን። ፈጺሙ!

 ነግሥታት ኣኽሱማዊያን ደቂ እዚ ተባሂሎም ብግልጺ ዝፍለጥ የለን። ምኒሊክ ሓንፈጽ እዩ!! እስራላዊ። ናበይበይ  ሮማ!

ዞስቃለስ ዝባሃል ትግራዋይ ብኸመይ ትግራዋይ ኮነ? ወዲ ኣይተ ገብሩ፤ ወዲ እምበይተይ ለምለም…. ኢልካ ዝጽዋዕ ዓልየት ኣለው? ንጉሥኢዛና ወልደ ኣለ ኣሜዳማለት እንታዋይ ይባሃል? ትግራዋይ? ብኸመይ?

ኢዛና ምስ ህዝቢ ዓፋን (ዓፋር) ውግእ ገጢሙ ምስ ህዝቢ ግእዝ፤ ምስ አገው ውግእ ገጢሙ (አኽሱም ዝነበሩ አገው) ምስ በጋ (ቤጃ) ውግእ ገጢሙ ነይሩ። ኩሎም ስዒረዮም ይብል።

ሽሙ ዘይተገልጸ ናይ ኣዶሊስ ንጉሥምስ ህዝቢ ዓጋመውግእ ገጢሙአምበርኪኸዮም ይብል እዚ ንጉሥ እዚ ኣብ ኣዶሊስ ደው ዘበሎ ሓወልቲ ዝገደፎ ጽሑፍ እዩ። 

ግን ኣነ ትግራይ ወዲ እገለ ኢሉ ኣይጸሓፈን። ዓጋመ ናይ ሎሚ ተጋሩ እዮም። ዓፋር ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ትግራይ እዮም ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ንጉሥ ኣገቢሩ ስሒቡዎም ማለት እዩ። እሞዝኹሉ ስም ክጽዋዕ ብኸምይአነ ትግራዋይ ንጉሥ፤መቦቆሎይመቐለ” “ዓዲ ቐርኒወይሰለኽለኻማይጨው  ተምብየንኣይብልን። ኣኽሱም እውንንጉሠ አክሱምእዩ ዝብል እምበርወዲ አኽሱምኣይብልን። ኣብ ከተማ አኽሱም ዝነገሰ ዝነበረ ኩሉመቦቆሉአኽሱም ማለት ኣይኮነን። እታአክሱምእትብል እኳስናብኢልና ነምብባለና። ንምንታይ? ቃላትን ዘርእን ተለዋጢ እዩ። ቃል እንትቕየርትግራይዝብል ወይ ተጋሩ ዝብል ምስአጋዚያንፈጸሙ አይገጥምን። ሱቕ ጡዑም!

ተጋሩ ተሰኲንና ኣይንፈልጥን፤ ይብል ገላውዴዎስ።

ዋእ! ናይ ጥዕና ድዩ? እንተዳኣ ገለውዴዎስ ንሕና ተጋሩ ኣኽሱማዊያን ኢና ዝብል ኮይኑ እቶምቤጃናብ ኣኽሱም መጺኦም ብኸመይ ንነገሥታትን መኳንቲ ኣኽሱምንኣህዲሞምስልጣነ ኣኽሱም ብኸመይደርዓሙዋ”? ጉዲት ? ውቤ ክንደይ   ዓመት ገዝኣ ንትግራይ! ምኒሊክ? ድሮ ኵናት ባድመ ተረሲዑ? ክልተ ዓመት ሙሉእ ሻዕቢያ ንባድመ ሒዙ ብርስት እንተውርድ፤ ብዓቕሚ ተጋሩ ዝምለስ ስለዘይነበረ ከምታ ናይ ብዘበን ምኒሊክ ኣብ ዓድዋ ርድኡና ዝበሉ ኣብ ባድመ አውን ኡይታ! በይዛኹም ርድኡና ኢሎም ተጋሩ ንኢትዮጵያዊያን ጠሪዖም ኣይኮነን እዮም ተጋሩ ነጻ ዝወጹ? ድሮ ባድመ ተረሲዑስተጋሩ ተሰኲና ኣይንፈልጥን ይባሃል ኣሎ?!  !!! ኣይጽወይን!!

ጥልያን ራእሲ መንገሻ ካብ ኣከለጉዛይ ጀሚሩ ምስ ኣህደሞም ኣይኮን እዩተጋሩ ምንሊክ ጸዊዖም ርዳእ ኢሎም ኣብ ዓድዋ ንጥልያን ዘሰኮኑዎ? ተጋሩ ጥራህ እንተዳአ ኣሰኲኖሞ ነይሮም፤ ስለምንታይ ናብ ምኒሊክ ጠሪዖም እዝ ኩሉ ሽሾ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብጎቦ ሶለዳዋዓለ? !!! “ባጥንምጥዋቕ ኣየድልን።

ንሕና ብታሪኽና ወሪርና ኣስፋሕፊሕና ህዝቢ ኣጋፊዕና ኣይንፈልጥን። ይብል ገላውዎስ። መንዳኣ? እንተበልካአምሓራምኒሊክ ይብል። ወይትጉዱ። ኣኽሱማዊያን፤አጋአዚያን ኢና ይብል፤ እቶም ኣኽሱማዊያን ድማ ኣብ ልዕሊ ዓፋር፤  ኣብ ልዕሊ ኑባ (ሱዳን ኑቢያ)፤ኣብ ልዕሊ ሳባዊያን፤ ኣብ ልዕሊ ቤጃ ፤ኣብ ልዕሊ ወልቃይት፤ ዘውረድዎ ነገሥታት ኣኽሱም ምስፍሕፋፍ ወይ ግፍዒ ኣይኮነን ማለት ድዩ? ንፈጣሪዓረስ” (ማሕረም) 50 ከብቲን 10 ሰባትን ሓሪዶምመስዋእቲዘቕርቡ ዝነበሩ ኣይኮኑን እዮም ነገሥታት ኣኽሱም። ተጋሩዘይተኸየጥና/ዘይተዳቐልና/” “ጹርያት አክሱማዊያንኢና ዝብሉ እንተዳኣ ኰይኖም፤ እዞምንእኒ አጼ ምኒሊክ ምውቃስ እንታይ እዩ ጥቕሙ? “ራእሲ ኣሉላ ኣይኮኑን እዮም ምስ ምኒሊከ ዘሚቶም ንደቡብን ምብራቕን ኢትዮጵያን ውግዕ ዝገጠሙ?

 ቀታሊ ነብሲ እንታይ እዩምልክቱ?” እንተተብሃለደም አብ ኣጻብዕቱይብሉ።

ካብ እኒ ገላውዴዎስ እንታይ ክንጽበ? ንደቃሲ ሓልወኒ ይባሃል!? ባዕሉ ፈጣሪ ዳኣ ይሓልወና እምበር።

ዳሓንኩም!

ጌታቸው ረዳ

(Editor Ethiopian Semay)

ትግራዋይ መን እዩ? 09/26/2021

https://youtu.be/3GzShcYQYyc