Tuesday, February 8, 2022

Tigrigna Version ዝተለምደ ልዕለ ሓያልነት መዝሙር ተጋሩ መልሲ ንፕሮፌሰር ዘርኢሰናይ አለምሰገድ ጌታቸው ረዳ 02/09/22

 

Tigrigna Version

ዝተለምደ ልዕለ ሓያልነት መዝሙር ተጋሩ

መልሲ

ንፕሮፌሰር ዘርኢሰናይ አለምሰገድ

ጌታቸው ረዳ ETHIOPIAN SEMAY

02/09/22



 ዘርኢሰናይ አለምሰገድ ቅድሚ 3.3 ሚሊዮን ዓመት ዝነበረት ሰላም ብዝብል ሽም ዝተሰምየት ሬሳ ዓጽሚ “ፍጥረት ሰብ” ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምድሪ ዓፋር ዝረኸበ ፖሊዮንትሮፖሎጂሰት እዩ።

ዶ/ር ዘርኢሰናይ ናብራኡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ቺካጎ እዩ። ኣብ ቺካጎ ዩኒቨርሲቲ  “መምህር እዩ”። ትውልዱን ዕብየቱን ኣብ ከተማ ኣኽሱም እዩ።

ዘርኢሰናይ ኣብ ከተማ ቺካጎ ዝርከቡ ምሁራት ተጋሩ ኣኪቡ ዝተዛረቦ ዘረባ  ብዝምልከት ኣብ ‘ዩ ቱብ’ (ኣብ መወዳእታ እዚ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ከቕበልኩም ኣለኹ) ተለጢፊ  ዝሰማዕኩዎ ታሪኽ ተጋሩ መስደመም ኮይኑ ረኺበዮ። ደጋጊመ እውን ሰሚዐዮ፤መመሊሱ ኣግሪሙለይ።

ዶ/ር ዘርኢሰናይ ብ“አካዳሚክ አቺቭመንት” ዝላዓለ ብርኪ ዝበጽሐ መንእሰይ እዩ። ግና’ኸ ከምቶም መብዛሕቶም ምሁራት ተጋሩ ኣብ’ቲ ወየንቲ ዝፈጠሩዎ “ባሕሪ ትምክሕቲ” ምሕምባስ ዘሕጉሶ “ገዋድ ዓልየተኛ” (አልትራ ናሺናሊሰት) ኮይኑ ረኺበዮ።

መኽረራይ/ ገዋድ/ ጠዋት/ ዓልየተኛ እንታይ ማለት እዩ? ናይ ቀረባ ምሕዝነት ዘለና ኣብ አምስተርዳም ዝነብር ማሓዛይ ዝኾነ ብሞይኡ “ሓኪምን ብእምሮ ሕማም ፍልይ ዝበለ ምርምር ዝገበረ፤ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ዝላዓለ ክብሪ ተዋሂቡዎ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝግበሩ ኣኼባታት ተሓርዩ ዝጽዋዕ  “ሳይኪያትሪሰት” እዩ። ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ ከሚዚ ይበል፡

“ብገዋድ ዓልየትነት” ዝተሰርዐ ህዝቢ ባህረታቱ ፍልይ ዝበለ እዩ። ኣብከምዚ ዝበለ ስርዒት ዝኣተወ ማሕበረሰብ ካብ ሙሉእ ፍጥረት ዓለም “ፍልይ ኢለ ዝተመርጽኩ ሙሩጽ ዘርኢ እየ” ኢሉ ዝምካሕን እቲ ፍሉይ ፍጥረትነቱ ኣብ ኣደባባይ ቀሪቡ “ሰብ እንታይ ይብለኒ” ከይበለ ንባዕሉ፤ እንዳደረፈ፤ እንዳፈከረን እንዳናኣደን “ዝዕንድር” ማሕበረሰብ እዩ።” ይብል።

እዚ ሓቂ እዩ ን30 ዓመት ኣብ ሃገርናን ኣብ ከባቢናን ዝተዓዘብናዮ እዩ። ኣብ ክ/ሃገር ትግራይ ዝቦቖለ “ገዋድ ዓልየታዊ ጉጅለ” ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሓዲሽ ወለዶ ትግራይ በዚ “ገዋድ” ርዕይቶ ንክስለፍ ገይሩዎም እዩ።” ይብል።

ዘርኢሰናይ “ምሁር” እኳዳኣ በደረጃ “ፕሮፌሰርነት” ዘሎ ሰብ ብድፍረት ካብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዝተፈልየ ን1500 ዓመት ዝነበረ ስልጣነ ተጋሩ (*ስልጣነ ኣኽሱም) ናይ ተጋሩ እምበር ሙሉእ ናይ ኢትዮጵያዊያን ኣይኮነን ብምባል ዘርኢሰናይ ናይቶም ካልኦት ገዋዳት እምነት ተቐቢሉ ክቡትሉኽ ሰሚዐዮ።

ናይ ርሑቕን ቀረባን ጎረባብቲ ኣህዛብ ዝተረባረበሉ ስልጣነ ኣኽሱም “ሙሉእ ብሙሉእ” ንካልኦት እንትነፍጎም
“ፓርሻል” “ገለ ክፋል”  ብዝብል ኣጋላልጻ  ኤርትራ እውን ከምዝተሓወሰትሉ ከም ውህብቶ “ንተዛረብቲ ትግርኛ ኤርትራ” ሂቡ ካልኦት ኤርትራዊያን ምንም ብጽሒት ከምዘይነበሮም ከይሓነኸ “ብፓርሻል ኤርትራ” ይገልጽ።

ነዚ “ልጓም በተኽ” ዝኾነ “ስሱዕ ናተይነት” ከም መርትዖ ዘቕረቦ ድማ “እመኑኒ ኣነ ዝዛረቦ ዝፈልጥ እየ፡ ምኸንያቱ “ኣነ ኣርኪኦሎጂሰት ስለዝኾንኩ” ብምባል ኣርኪኦሎጂሰት ስለዝኾንኩ እመኑኒ እዩ እምበር ‘ሓንቲ ጥር እትብል’ መርትዖ ኣይሃበን፤ኣይኽእልን እውን።

እቲ ዝገርም፤ ዋላ’ኳ ምሁሮን ምርምርን ዘይሓትት “ብኮመን ሴንስ” (ብተፈጥሮኣዊ ጠመተ) እንተመዘንናዮ ን1500 ዝኣክል ዘበን ኣብ ኣፍንጫኣ ንዘለዋ “ወሎን ጎንደርን” ዘሎ እኳ ዘይሓወሰ “ጥራሕ ትግራይ ንበይና” ተሓጺራ ነዚኹሉ ዘበናት ብኸመይ ነበረት እንተበልና ክምለስ ዝግብኦ ሕቶ እዩ።

እዚ ድማ ኣኽሱማዊያን ምስ እቶም ካልኦት ከባቢታት ኤርትራ ዝነበሩ ኮነ ምስ ከባቢ ትግራይ ዝጓራበቱ “ሓዊ ዝጻሓተሩ” ዝማራውዑን ዝነግዱን ኣብ እዋን ወግእን ንግዲን ብናይ ጎረባብቲ “ዶብ/ደረት” “መንገዲ ከፊቶም ንክሓልፉ” ዘሳግሩዎም ጎረባብቲ ኣብ ትግራይ ዝነበሮም እጃም ዝጥሕስ ታረኽ ዘይምፍላጥ እዩ።

ብዑምቀት ዘይፈልጦ ታሪኽ ፍልስፍና ከኳማጥዖ እውን ሰሚዕናዮ። ኣባ እስጢፋኖስን ፈላስፋ ዘርኣያዕቆብን በወገን ሙዚቃ እውን ኣደይ “ክርስቲን” ትባሃል ኢሉ ዝገደገፈልና ምስክርነት “ቅዱስ ያሬድ” ዝመሳሰሉ ተወለድቲ ትግራይ ክመዝኾኑ ምስተዛረበ ኣብ  ዓለም ዝነበሩ ዝተፈልጡ ፈላስፋታትን ምሁራትን ዝላዓለ ቀዳምነት ቦታ ከምዝነበሮም ተሸንዲሑ ብትግራዋይነቶም እውን ይዛረብ ሰሚዕናዮ። እታ ትምሕቲ ኣነ’ውን እፈልጣ እንድየ ኣብታ ዘርኢሰናይ ዝተወለደላ ከተማ ቅድሚኡ እንድየ ተወሊደላን  ዓብየላን “እታ ምሽንዳሕ ከምይ ከምእተድምፅ ኣነ እውን ስለ ዝፈልጣ ካብ ዘርኢሰናይ ምስማዕ ዝጽበዮ ነገር እዩ።”

እቲ ዘገርም ድማ እዞም ባዕሎም ብኢትዮጵያዊነቶም ዝጽውዑ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያንነቶም ሰሪዙ ብጸቢብ ትግራዋይነት “ኣጠሚቑ” ናብ ተጋሩነት  ጎቲቱ እንተውርዶም ምስማዕ እዩ እቲ ዘገርም ነገር።

ብወገን ወታሃደራዊ ጉዳያት እውን እኒ ‘ራዕሲ ዓሉላ ኣባነጋ’ ካብዝነበሩሉን ዝተጋደሉሉን ዝለበሱዎ ኢትዮጵያዊ ካባ “ቀንጢጡ”  ናብ ጸቢብ ትግራዋይነት ሰሪዑ እንተቕርቦም ምርኣይ ዘርእየና ነገር ‘ገዋድ ብሄረተኛ” ካብ ምርኮዛ “ሪዝ’ኒንግ” ወጻእ “ምስ ሓቂ ዝተራጸሙ” ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሑንቁቕ ህፃን “ዝራኣዬ ኩሉ” ናተይ እዩ ዘብሎም ባህረ ዝተላበሱ እዮም።

እቲ ዘግርመለይ ነገር፡ ከምናይ ሎሚ “ዘበን ተጋሩ” እንርእዮ ዘለና  ዓልየት ዘተኮረ ምምሕዳር ዘይኮነስ በቲ ዘበን እቲ ብዓልየት ምምሕዳር ኣብዘይነበረሉ ጊዜ እዞም ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ካብ መቓብር ኣውጺኦም ብጸቢብ ትግራዎትነቶም ከጥምቑዎም ምርኣይ ዘሕምም እዩ።

ዘርኢሰናይን ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ሙሁራት ተጋሩ “ወያነ” ብዝተብሃለ “ገዋድ ጉጅለ” ዝተለኽፉ “ምሁራት ተጋሩ” ብዘገርም ኩነታት እቶም ኢትዮጵያዊነቶም አሚኖም ዝነብሩን ዝዳነዩን ንባዕሎም’ውን ዝዳንዩን ዘምህሩን ዝነበሩ ቀዳሞት ወለዲ ካብ ኢትዮጵያዊነቶም መንዚዖም እቲ ኣብ ታሪኽ ዘንበሩዎ “ፌርማኦምን ኣዋጆምን፤ሱታፌኦምን” ሓቲሞም ዝገደፉዎ ታሪኾም “ናትና ጥራሕ እዮም ነይሮም” ብዝብል ድንቁርና ዝሳቐዩ እኒ ዘርኢሰናይ ( irrational sentiment) ሎሚ እውን ኣብቲ ጭቃ   ዓልየትን ዘርኢን “እንዳብኩዑ” እንትንርኢ ካብ ምግራም ንላዕሊ መስደመምን መርምምን እውን እዩ

ክንርድኦ ዘለና ነገር ብirrational sentiment “ወዝ ብዘይብሉ“ሕሊና ዝልከፉ ዘይተምሃሩ ወገናት ጥራሕ ኣይኮኑን “እኳዳኣ” እቶም “ዝተምሃሩ” ነቲ “ዝጫድር  ሕሊና” መራሕቲን ማሃዝትን ንሶም ኰይኖም ንረኽቦም ኣለና።

ብዘበን ሂትለር  ማርቲን ሃይደጋር” ዝተብሃለ ኣብ ዓለም  ዝተፈልጠ ናይ መበል ዕስራ ክፍለዘመን ፍሉጥ ፈላስፋ ፍራይቡርግ” ናይ ዝባሃል ዝተፈልጠ ናይ ጀርመን ዩኑቨርሲቲ መምህር ናይ’ቲ ዩኑቨርሲቲ ቻንስለር ወይ ፕሬዚዳንት” ዝነበረ “ጀርመናዊ ፈላስፋ ትፍልጡዎ ትኾኑ ኢለ እግምትእዚ ፈላስፋ እዚ ኣብ ዓለም ዝተፍልጡ ምሁራት ከም’’ኒ “ሃና አረንት” እትባሃል ብዙሕ ናይ ፓለቲካ መጽፍን ዝጸሓ አይሁዳዊ ዝኾነት ምህርቲ ዘምሃረ ናይ ፍልስና ዝተመርጸ (ቢንግ ኤንድ ታይም ዝብል ፍልስፍና ዝፈጠረ) ፕሮፌሰር እዩ

ኮይኑ ግና እዚ ሰብ እዚ ብዘበን ሂትለር ደጋፊ ኮይኑ  ቀንዲ ተዋሳኣይ “መንግሥ ናዚ” ኮይኑ ዘገልገለ እዩእዚ ሰብ እዚ፤ ሂትለር ዝባሃል ኣታሓሳስብኡ ሓደገኛ ዝነበረ፤ “‘ህዝቢ ጀርመን ምሩፅ ፍጥረት ስለዝኾነ ዓለም ክገዝእ ዝግባኦ ህዝቢ እዩ’ ፤ ብምባል ዝተበገሰ “ንእሸተይ ብ” እዩ ነይሩ። እሞ ፕሮፌሰር “ሃይደጋር” ሂትለር ኣብ ዝፈጠሮ “ገዋድ ውድብ” ኣትዩ ብናዚያዊ ፍቕሪ ወዲቑ እቲ ዝኣምነሉ ዝነበረ ‘ራሺናል ሰንትመንት’ ደው ኣቢሉ “ኩርኩር ሂትለር ኮይኑ” ዓለም ገሪሙዎ

 ሎሚ ኣብ ትግራይ እንርእዮም ዘለና ከም’’ኒ

ፕሮፌሰር ዘርኢሰናይ አለምሰገድ ዝበሉ ሙሁራት ብገዋድ “ዓልየታዊ ግልግለ”
 እንዳነፈሩ ዘርእዩና ዘለው “ጅምላዊ ዕብዳን” ከም’ቲ ኣብ ጀርመን ዝራኣናዮ ከም እኒ ማርቲን ሃየደጋር ዝበሉ ሙሁራት ‘ተጋሩ እውን’ ብናዚያዊ ጽርየት ዘርኢን ብወናኒ ኣነነት ዝጫድር ገመድ ‘
ሓላሊኾም’ ክዓብዱ ንርእኦም ኣለና።

 እቲ ዘርኣዊ ዓልየታዊነት እንዳሰበኹ ኣብ ናይ ኣታሓሳስባ ቅልውላው ኣትዮም “ብደቂ ኣዳማዊ ሰብነት” ክምርሑ ዘምርኣይና ዝተዓዘብናዮ ተመሳሳሊ ዕብዳን ኣብ “ጥልያን ብጊዜ ሙሶሎኒ” ኣብ “ጀርመን ብጊዜ ሂትለር” ዝተርኣየ ኣብ ትግራይ ተደጊሙ ምርኣይና ዘገርም ተመሳሳሊነት ኣለዎ።

ፍልልይ ግን ርኢናሉ ኢና። ኣብ ሃገረ ጀርመን በሻሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ጀርመናዊያን ንጉጅለ ናዚ ብምቅዋብዝገበሩዎ ሕገት ቃልሲ ብኣሻሓት ተሰዊኦም እንትሞቱ ኣብ ዝሓለፊ 30 ዓመታት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ  እንኳይዶ ብኣሻሓት ቑጽሪ “ሓደ ምኢቲ” ዝኾኑ ተጋሩ ገጽ ንገጽ ንቕድሚት ኣብ ኣደባባይ  ወጺኦም እንትቃወሙ ኣይርኣናንእዚ ኣብ ዓለም ታሪኽ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ታሪኽ ዘይተርኣየ መገረሚ ነገር እዩ

 

ናይ ተኸበብና ፤ተዓጸና ኡይታ ሓቅነት ይሃሉዎ እምበር ገዋድ መኽረራይ ዓልየት አጸቢቑ ዝጥቀመሉ ጉልባብ ስልቲ ምስረታ ሃገር እዩ!

ዘርኢሰናይ ከምዚ ይብል፤-

 “አብ’ቲ ድሙቕ ናይ ትግራዋይነት “ታሪኽ ትግራይ” በቲ ዝሃነጽናዮ ባህላዊ ቅርስታትና ምኽንያት ሰሜን ኮነ ደቡብ ዘለው  ጎረባብትና “ብቕንኢ ፍንጽሕ ኢሎም እዮም”። ብሓቂ ይቐንኡልና እዮም። “ናትና እዩ ኢሎም ናትና ዝኾነ ጥሪት ናይ ወለድና ታሪኽ ወሲዶም ክንዕቁና ይፍትኑ እዮም። ቅርስታትና ከጥፉኡዎም ከፍርሱዎም እውን ይደልዩ እዮምታሪኻዊ ህዳገት ቅርስታትና ኣዕኒወሞም እዮም። ቤተክርስቲያናት መስጊዳት ሪሰሞም እዮምናይ ሰማእታት መቓብርን ሓወልቲን አራኺሰሙልና እዮም……ወዘተወዘተ…… “  ብምባል ይኸስስ

 “ኩሉ ጸጽቡቑ ናትና እዩ” ዝብል ምክሐን ዕብዳንን ብኸመይ ተፈጥረ? እንተይልና ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንጉጅለ ወያነ ‘ብዑሙት ዓይኖም’ ዝድግፉ “ናይ ተጋሩ ጸገምን ጉድኣትን ጥራሕ” ዘስተንትኖም ብወገን ካልእ ዝበጽሐ ጉድኣት ግና “ሸለል” እንዳበሉ ጥራሕ ዘይኮነስ “ጉድኣት ኣይበጽሐን” እውን ይብሉ እዮም። ኮይኑ ድማ ብሓደ ወገን ዝጠመተ ክሲ ጥራሕ ብምቕራብ  “በታሪኻዊ ጸላእትና ተኸቢብና ዝብል ስምዒት ጭንቀትን ስምባደን ካብ ዘስምዑና 30 ዓመት ኰይኑ

ሓሻኽር ወያነ ዘስምዑዎ ተኸቢብና ተጠቓዕና psychology of victimhood 30 ዓመት ጥራሕ ዘይኮነስ ንዘበናት እውን ከምዝኾነ ኣብ ዝዝርግሑዎ ምይይጦም ዝሰማዕናዮ እዩ።

 በዚ ስነልቦና ዝሳቐ ኣባል ውድብ ኮነ መራሒ ሃዲኦም (ተራጋጊኦም) ናብ ሕሊናኦም ተመሊሶም ዝርከቡሉ ማህበራዊ ኩውንነት (appreciating and evaluating the social reality they find themselves in a balanced manner and correcting their mistakes) ሚዛናዊ ዕቀና ሓሰስ ኢሎም ንክመዝኑዎን ጌጋኦም ፈቲሾም ንክእርዩ ኣይደልዩን።

 

በዚህ ምንያት ድማ “ጸላኢና እዩ” ኢሎም  “ይቐንኣልና እዩ’ ኢሎም ከም ጸላኢ ዝመደቡዎ አካል ብዝኾነ ጠቐነ እንዳጠቀኑ ወንጂሎም ንኡኡ ከጥፍኡ ይራባረቡዎ ማለት እዩ። እዚ ናዚያዊን ፋሺስታዊ ባህረ ሎሚ የንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓ ፋርን ናብ መንበሪኦም ከይዶም ዝፈጸሙዎ ግብሪ ነዚ መርኣያ እዩ።

ዘረባ ዶ/ር ዘርኢሰናይ ንሰይጣናዊ ስራሕቲ ወያነ ዘታባብዕ እምበር ከም ሓደ “ነጻ ባዕሉ ዝኻኣለ ምሁር” (self-reliant and independent intellectual) ነገራት ገምጊሙ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ጎረባብቲ ትግራይ ዘለውዎ ናብራ ከምኡ’ውን ዘርኢሰናይ ኢትዮጵያ ከም ሃገሩ ተዘይራኣያ እውን ከም ሓደ ምሁርን ከም ሓደ ወዲ ኣዳምን ወዲ ሰብን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ህዝቢ ዘለውዎ ህይወት ብልዋማዊ ርዕይቶ “ብሪዝኒንግ” ዘይመዝን ሰብ ከይኑ ረኺበዮ

ዘረባ ርኢሰናይ በተጻብኦ ዝተመልአ (the self-contradictory speech) መላሊስና ንርኣዮ።

ርኢሰናይ ብዛዕባ ባ እስጢፋኖስ ፍልስፍና ዘርዓያቆብ እንትዛረብ እዞም ክልተ ናይ ትግራይ ብሕታዊ ዑንቁታት ናይ ትግራይ ገይሩ ዘቕረቦም ናይ’ዞም ክልተ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያዊያን  ፍልስፍና ብግብሪ ንባዕሉ ክስዕቦም ኣይካኣለን።

ብዛዕባ ዘርአያዕቆብን ደቂቀ እስጢፋኖስ ብዝምልከት ካብ እቲ ዘርኢሰናይ  ዝዛረቦ ዘሎ ዝተፈልየ ኣብ ኢትዮጵያ ብማንም ኢትዮጵያዊ ደራሲ ዘይተጽሐፈ “ደቂቀ ተወልደመድኅን” ኣብ ዝብል መጽሐፈይ ከተንብቡዎ ዕዕድም።   

ንሱ ዝብለና ዘሎ ደቂቀ እስጢፋኖስ ምባል ጌጋ እዩ፤ “ፍልስፍና እስጢፋኖስ” ክባሃል ነይሩዎ እንትብል እታ ዘይፈለጣ ታሪኽ ደቂቀ እስጢፋኖስ “ክሕምዙቛ” ፈቲኑ። እታ ምሑምዟቕ ይቕጽል እሞ “ከም ኣልበርት ኣነስታይን” ፍልስፍና ንሕና እውን ‘’ፍልስፍና እስጢፋኖስ” ክንብሎ ኣለና ይብል። ኣነስታይን ፈላስፋ ኣይኮነን። እሞ ድማ ‘ሳዓባይ ምስ ዘይነበሮ ሰብ’ ፤ ብእምነቱ ምኽንያት ወይ ብዘስተምሃሮ ምህሮ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዘይተቐጽዐ “ጀርመናዊ አሜሪካዊ ሳይንቲስት ኣነስታይን” ምስ “ሃይማኖታዊ ኣባ እስጢፋኖሰ” እንዳዋዳደረ እቶም ሰዓብቲ እስጢፋኖስ ኣብ ህይወት ኣባ እስጢፋኖስ ምንም ግደ ከምዘይነበሮም ገይሩ እቶም ንአባ እስጢፋኖስ “አባ አስጢፋኖስ” ንክባሃሉ ኣብ ታሪኽ ንክፍለጡን ሓቢሮም ዝተሰቐዩ ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ካብ “ባዮግራፊኦም/ህይወት ታሪኾም” ነጺሉ ክድርበዩ ይሰብኽ ኣሎ። እዚ ድማ
“ድንቁርና” ምስባኽ እዩ።

እሲጢፋኖስ ምስ ካብ ትግራወይቲ ኣዶ ዝተወልደ ምስ ንጉሥ ዘርአያዕቆብ (1426-1460) ዘይኮነ ቀንዲ ከርከባ (ወጥሪ) ፤ ምስቶም ከሰስቱ ዝነበሩ “ተጋሩ” እዩ።

 ንንጉሥ ኢድ ኣይነስእን ኢሉ ከምዝተቐጽዐ ሓቂ እዩ። ኣባ እስጢፋኖስ ንባዕሎም ጌጋ ከምዝገበሩ እቲ ንጉሥ እውን ዝሃቦ ቅጽዓት ተመጣጣኒ ከምዘይነበረ ተሟጚተ እየ። እቲ ንጉሥ እውን ክቐጽዖም ድልየት ኣይነበሮን፡ “ሰፊሕ ሐተታ ስለዘለዎ” ንሱ ገዲፈ “ክንርዳኦ ዝግባእ
ሕቶ ግና “አጼ ዘርኣያዕቆብ” ከም ተጋሩ ብዘበን ዲሞክራሲን መሰል ሰብኣዊነትን ዝኽበረሉ  ጊዜ አይተወለደን።

ሰብኣዊነት ኣብ ዝፍለጠሉ ዘበን ዝተወልዱ ወየንቲ ወዲ ሰብ ብህይወቱ ብሓዊ እንዳንደዱ ዝምርምሩን ሰብ ብህይወቱ እንከሎ ዝቐብሩን፤ ምስ ተቕበረ እውን ሬሳ ካብ መቓብር ኣውጺኦም ኣካላቱ ዝቖራርጹ (ሬሳ ኢንጂነርን ስነሙዚቃዊ ዝነበረ እምብዛ ኣብ መቐለ ዝተገብረ ናይ ቀረባ ታሪኽ ዘክሩዎ) እኩያን ሰያጥን ኣብ ዘበን አጼ ዘርኣያዕቆብ” ዲሞክራሲ ኣብ ዘይፍለጠሉ ዘመን ንዘርኣያዕቆብ ንክኸሱ ሞራል የብሎምን።

 ተጋሩ ግን ነቲ ሰይጣናዊ ፋሽታዊ ዕላማኦም ክብሉ ቅጽዓት ደቂቀ እስጢፋኖስ ብወገን “ጽልኢት ሽዋን ተጋሩን፣ ባእሲ ኣምሓሩን ተጋሩን’’ ከምዝነበረ ገይሮም ኣብ መጽሐፍን ራዲዮን ከይሓነኹ ከታሓሕዝዎን ‘ጽልኢና ምስ ኣምሓራ ዝጸንሐ እዩ’ እንዳበሉ ህዝቢ ከዋድኡ ንሰምዖም ኣለና።

እቶም ዝተምሃሩ ጥራሕ ዛይኮኑ “ጨርቂ ዝጠምጠሙ፤ ’ካባ’ ዝለበሱ” ካህናት ኢና ዝብሉ ተጋሩ እውን ነዚ ሕሶት እዚ እንተጋድድዎ ምስማዕ ዘስሕቕን ዘጉህይን “ወይ ዘበን!?” ዘብል ዘሕፍርን እዩ።

ሓደ ‘ወያናይ ቀሺ’ ኣብ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ቀሪቡ ብዛዕባ ደቂቀ እስቲፋኖስን ዘርኣያዕቆብን ከም ‘ጽልኢ ዘርኢ ትግራይን ኣምሓራን” ገይሩ ዝምህዞ ዝነበረ ዝርዝር ጠቐነ ሕሶት ምስ ሰማዕኩዎ ሰባት ከመይ ሕልናኦም ከምዝድርብዩን ሃይማኖት መሳርሒ “ጽልእን ፖለቲካን” ከምዝኾነ እቲ ዝሰማዕኩዎ ቀሺ ተመሲሉ ዝዋሳእ  ልየታዊ ”ንእሸተይ ሰብ” ምስ ሰማዕኩዎ ገሪሙኒ እዩ።”

ዝቲ ጎንጺ ሃይማኖታዊ ከርከባ እምበር  ልየትን ዘርእን ዘልዓሎ ኣይነበረን።እዚ እንተዝኸውን ነይሩ ሙሉእ ብሙሉእ ብኣዲኡን ብኣቡኡን ካብ ኣምሓራ ዝተወልደ ምዕባዩ ንዘርኣያዕቆብ ዝኾነ (1406-1421) ንጉሥ ይስሐቅ ብተመሳሳሊ “ብተጋሩ ንዝተኸሰሱ ኣባ እስጢፋኖስ” ናብ ከተማ ደብረብርሃን  መጺኦም ኣብ ቅድሚ “አጼ ይስሐቅ” ቀሪቦም መልሲ ምስሃቡ “አባ እስጢፋኖስ ብናፃ አሳናቢትዎም እዩ”።

 እቶም ዝኸሰሱዎም ተጋሩ ግን “ንምንታይ ተሳናብቶ” ኢሎም ካልእ ሕሶት ምሂዞም እታ ሕሶት ድማ እንታይ ትብል?  “ንጉሥ ይስሐቅ እስራኤላዊ ኣይኮነን ዝብል ፈላሲ እኮ እዩ ናባኻ ከሲስናዮ ዘለና” ኢሎም ንይሰሐቅ ነቲ ፍርዲ ክመልሶ ምስሓተትዎ፤ ይስሓቅ ድም “ካብ እስራል ክረስትና እያ እትዓቢ ኢሉ ከምዝተዛረበ እና ተረዲእናዮ ዘለና” ስለዚ ኪዱ ኢሉ አሳናቢተዎም እምብር “አምሓራ ትግራይ፤ትግራይ ኣምሓራ” ዝነበረ ሙግት ኣይነበረን።  ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ ንጉሥ ይስሃቅ ከም ዘርኣያዕቆብ ንቐጽዖም ነይሩ።

‘ኢድ ምንሳእ’ ብዝምልከት እውን “ኢድ ምንሳእ” ንንጉሥ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዙፋን እዩ (ንህዝቢ) ማለት እዩ።ብጥንታዊ ባህሊና ሎሚ እውን ኣብ “ ቤት ፍርዲ፤ኣብ ቤተ መንግሥቲ፤ ኣብ ቤት ሕዝቢ/ ኣብ ቤተክርስትያን ሰብ ክራኸብ ከሎ ፤ ኣብ እንዳ ሓዘን ክትብጽሕ ከለኻ ወይ ምስ ዓበይቲ ከመይ ሓዲርኩም ክትባሃሃል “ኢድ ኢኻ እትነስእ” ትህትና ምርኣይ ናይ ጭዋ፤ ናይ ትሑት ማሕበረሰብ መርኣያ እምብር ከም “ንዕቀት” ወይ “ምስጋድ/ምምላኽ/” ማለት ኣይኮነን። ኣብ አሜሪካ ቤት ፍርዲ ዳኛ እንተስየም “ኩሎም ተኸሰስቲ ብሓበራ ካብ መንበሪኦም ተሲኦም ብኽብሪ ክሳብ ኣብ መንበሩ ኮፍ ዝብል ብደውታ እዮም “ድልውነቶም” ዝገልጹ።

ኣባ እስጢፋኖስ ብ”ኣንታን ብኣንቱታን” ፍልልዩ ብሓደ እዝኒ ኣንጠልጢሎም ኣብ ዘየድሊ (አሮጋንስ/በሊጀረንስ) ኣብ ጸገም ኣትዮም። እዚ ብምንም መልክዑ ፍልስፍና ኣይኮነን። ስለ ጽንዓቶም ግን ዝናአድ ዘገርም እዩ።

ምሁራት ተጋሩ ብዘበን ዘኣያዕቆብ ዝጀመረ ጸረ ተጋሩ ክሳብ ሎሚ ኣሎ እንዳበሉ ብሕሶት እንትቑዝሙ ምስማዕ ዘገርም፤ዘገርም እዩ።

ሎሚ ዘርኢሰናይ ካብ ልቡ ዝፈትዎ ውድብ ወያነ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዓልየተኛ ዝኾነ ኣፓርታይድ ሥርዓት መስሪቱ፤ በሚሊዮን ዝቑጸናይ ኢትዮጵያውያን ህይወት ዘፀልመተ፤ በሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብሕልፊ ድማ ካብ ትግራይ ንታሕቲ ዝርከቡ ኢትዮጵዮዊያን ንሞት፤ ንስደትመከራን ንሓዘን ዳረጎም ሙኻኑ ኣይኣምንን (እቶም ዲያስፖራ ዘለው “ዓለልቲ ወያነ” ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ተጋሩ ግን ናብ ወጻእ አንትመጹ ወያነ ዝሰጎጎም ዝተጻብኦም ከምዘይኮኑ ርዱእ እዩ። ብምንታይን ንምነታይን ከምዝመጹ ንኩላህን ርዱእን ብፕላን/ብምህዞን እዩ።እቲ ደገፍ ድማ ንርእዮ ኣለና።

ርኢሰናይ ምልክት ርዓትና እዩ ኢሉ ዝምድረሉ ዘሎ “ትግራዋይ” ፈላስፋ ዘርዓያቆብ ካብ መቓብሩ ተሲኡ “ተጋሩ” ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሙዎ ታሪ መወዳድርቲ ዘይበሉ እሞ ድማ ዘውረዱዎ ዕንወትን ጥፍኣት ሕድሕድ ምነቓትን እንተዝርኢ ብተጋሩ ክሓፍርን፤ ክሽምረርን ነይሩ’ምበር ከምዘርኢሰናይ፤ ካብ ጎቦታተን ባዓቲታን ተምቤን ወጺኦም ንኣራን ንዓፋርን ወሪሮም ዘዕነውዎ ናይ 4 ወለዶ ብርሰት፤ ደቂ ሰማንያን ሓሙሽተን ዕድመ ዘለወን ኣዴታትን ፈለስቲን ደቂ 8 ዓመት ን 13 ዓምትን ዘለዎን ኣዋልድ ደፊሮም  ዝዓመጹ ወንጀለኛታት ብኹርዓት ውድብ ወያነ ትግራይ ዝመርሑዎ ብድሲፕሊን ዘይተሃንጸ “በደመነብሲን ብሕነ” ዝዋጋእ  ሰራዊት ትግራይ ‘ጀጋኑና’ ኢሉ ኣይምናአዶምን ነይሩ። ዘርኢሰናይ ምስ እቲ ዝተምሃሮ ሙያ ክብሩ ኣብ ዝቕንስ ፖለቲካ ምእታዉ ዘሕዝን እዩ።

እዚ ኹሉ ምስራኣየ ዘርኢሰናይ ብኣፉ ዝንእዶ ፍልስፍና ዘርአያዕቆብ rational philosophical thought ሳዓባይ እንተዝነብር ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ናይ ፍልጠት  መሰረት ዝኾኑ ቤት ትምህር ፤ ዩኑቨርሲቲታትልዕሊ 2500 ዝቑጸሩ ኣብያተ “ሓለዋ ጥዕና”  ንብረት ክልል ኣምሓራን ፋርን ዘፍረሱን ዘዕንውን “ግብሪ ፋሽታዊያን ሰራዊት ትግራይ”  ከውግዞም ብዘተገበአ ነይሩግና ግን ከምቶም ካልኦት ምሁራት ትግራይ ንሱ እውን ኣይተገበረን ባሃላይ እዩ።

እቲ ዘገርም ዘረሰናይ “ገዋድ ዓልየታዊ ወያነ” ዝመርሖ ሰራዊት “ኣፈኛ ኮይኑ” ኦሮሙማ ዝምራሕ ጸረ ትግራይን ጸረ ኣምሓራን ዝኾነ ትርዓት ኣብይ ኣሕመድ ብዘወሰኖ ውሳ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ንክዓኑ “ኮነ ኢሉ” “ፋሺሰቲ ሰራዊት ትግራይ” ቁስሉ ይልሕስ ካብ ዝነበረሉ ካብ ዝተሸጎጠሉ ባዓቲ ምቤ ካብ “ጽምሉውኑኡን ዘረጥረጥን ሓውዩ” ኣብ ዓፋር ኣብ ክልል ኣምሓ ዝፈጸሞም ወንጀላት ከም ጀግንነት እንትቑጸሩዎ ካብ ፈላስፋ ዘርዓያቆብ ፍልስፋና ወጻእ “ዝጫደረ” ግብሪ ሙኻኑ ዘርኢሰናይ አይተረዳኦን።

ርኢሰናይ ቅኑዕ ሕሊና እንተዝነብሮ ወያነ ኮነ ኢሉ ኣብ  ዓፋርን ኣምሓራን ዝርከቡ ናይ ታሪኽን ባህላዊ ቅርስታትን ከፍርሶም እንተሎ  ከጨንቖ ይግባእ ነይሩ። ግን ኣይተሰቆሮን።

ልዕሊ ሓደ ሺህ ዓመት ዕድመ ዘለዎ በተኽስያን ጨጨሆ መድሃኒ ዓለም ዝባሃል ጥንታዊ ቤተክርስትያን ዘፍረሱዎ እኮ ዘርኢሰናይ ጀጋኑ ዝበሎም “ተሓቢኦም ካብ ዝነበሩሉ ቁስሎም እንዳፋሕተሩ “ጸምሊዮም” ካብ ዝነበሩሉ ባዓቲ ተምቤን” ነብሲ ዘሪኦም ሃገር ዘፍረሱ “ዘርኢሰናይ” ካብ ልቡ “ክንእዶም” ዝሰማዕናዮ “ጸረ ታሪኽን ጸረ ቅርስታትን” ዝኾኑ ሰራዊት ወያነ  እዮም።

ዘረሰናይ ከም ነጻ ሰብን ምሁርን ከሓስቦ ዘኽእሎ ሚዛናዊ ሕልና ሒዙ ካብ’ዞም ቅርሲ ዘዕንው “ጉጅለ -ዒዋሉ” ዝፈልዮ መስመር እንተዝሓስብ ቅድሚ 400 ዓመት ዝነበረ ፈላስፋ ዘርኣያዕቆብ ዝስዕቦ ትምህርቲ ሳዓባይ እዩ ንበልና።

ንሱ እንደስደመመና ስብከት ርአሰናይ ብዛዕባ ናይ ተጋሩ “የዋህነት፤ ርህሩህነት” እንትዛረብ ሰሚዕናዮ። ናይ ክፋእን ቅትለትን ብርሰትን ዘርኢ ምቑጻርን (“ምግባጥን”) ን47 ዓመት ዝራኣናዮ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኢትዮጵያዊያንን ዝተፈጸመ “ብሓዊ እንዳለብለብካ ምምርማርን፤ ሰብ ብነብሱ ምቕባርን፡ ምቕታልን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ግበረሰዶም ንክካየድ ዝኣዘዘ፤ ወንጀል ዝፈጸመ “ውድብ ወያነ” ካብ ትግራይ ’ዶ ኣይኮነን እዩ ወጺኡ?

እዚ ኽሉ ስብከት “ሓሳዊ መሲህ” ካብ ሙዃን” ብምንታይ ይፍለ? የዋህነት ጥራሕ ኣብ ተጋሩ ድዩ ቦቒሉ? እዛ ‘ንሕና ማይ ንዝጸምኦ ነስቲ ህዝቢ ኢና’ እንታይ ኣምጻኦ? ተጋሩ ናብ ካልእ ተሰዲዶም እንትነብሩ ዝተቐበሎም፤ማይ ዘስተዮም ፤መሬት ዝህቦም፤ ናብራኦም ዘዳላደለ ካልእ ህዝቢኸ ኣይነበረን ማለት ድዩ? ኢዶእ!ኢዶእ!

ዘርኢሰናይ  ከም ዘርኢሰናይን ዝበሉን ሰላም ኣብዝዓሰሎ ሜሪካ ኣብ ከተማ ቺካጎ እንዳነበሩ ትግራይ ትማሊ ነይራ ሕዚ ኣላንሓዋሩ ክትነብር እያ እንዳበለ መንእሰያት ከክንድኡ ክስውኡሉ ክማጻረይ ምስማዕ ዘሕዝን እዩ።

ብዕደመ መንእሰይ ዝኾነ  ዘርአሰናይ ‘በቶም ብወንጀልን ስርቅን ዝተጣላቐዩ መራሕቲ ወያነ ዝካየድ ዘሎ ’ፋሽስታዊ ዝኾነ ወራር’ ከም ጅግንነት ዝራኣይ ዘሎ ወፈራ ዕንወት፤ ወፈራ ቅትለት ወፍሪ ምንትፍና ስራሐይ ኢሉ ሃገር ክፍርስ ዝዋጋእ ዘሎ ወያነ ምዃኑ እንደፈለጠ ክድግፈኩም እየ ይብሎም ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣምሓራን ዓፋር ፈጸ ወረራ “መዝሓሊ ጥይት” ዝገበሮም “ልዕሊ ሰለስተ ምኢቲ ሺሕ” ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ከምዝተደምሰሱ ወየንቲ ባዕሎም ይነግሩና ኣብ ዘለናዮ እዋን “ዘርኢሰናይ” ከም ዘርኢሰናይን ዝበሉ ሙሑራት ተጋሩ ሎሚ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣትይዎ ዘሎ መሕዘኒ ኵናት ተረዲኦም ካብ ‘ዘርኢ ዝፍሕስ’ ትግራዋይነትን ወያነነትን ወጺኦም ካብ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ መሪርን ቀጻሊን ብርሰት ከምይ ደው ክብል ከምዘለዎ ሕልና ክቕበሎ ዝኽእል “ፍታሕ” ክንዲምንዳይ “ምስረታ ሃገረ ትግራይ ከም መፍትሒ ገይሮም ነቲ ጎደና ጥፍኣት “ይቐጽል” ክብሉ ንሰምዖም ኣለና።

Tigray was, is and will be: A presentation by acclaimed paleoanthropologist Dr Zeresenay Alemseged

https://youtu.be/hmm0PaCFpqc

 

 እዚ “ሓፈሻዊ ዕብዳን’’ ምሁራን ትግራይ ካብቲ ዝዓብድዎ ዘለው “ጽላላ 47 ዓመት” ቀልጢፎም “ርእሰ ፍተሻ” ተዘይኣካይዶም፤ ንህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ንከባቢናን ጉልሓይ ኰይኖም ዝገደደ ብርሰት ከስዕቡ እንተዘይኮይኖም ካልእ ዝረብሑዎ ነገር የለን። ኣብ ሰላም ዘለዎ ሃገር እንዳነበርኩም ሕዝብና ኣይተወድኡዎ! ሓቂ እንተልይኩም ብኣካል ኪዱ ባዕልዅም ተራማራሙ! ሃየ!

ወዳሓንኩም!    

አመሰግናለሁ

ጌታቸው ረዳ (ETHIOPIAN SEMAY)