Monday, July 5, 2010

Haykama (my new TigriNNa Book)

Haykama (my new TigriNNa Book) ሓይካማ

ይህ ዓምድ ሓይካማ በሚል ርዕስ በትግርኛ የጻፍኩት ሌላዉ አዲሱ መጽሐፌ ነዉ።በዚህ ዓመድ የርዕሱ ትርጉምና ይዘት ለትግርኛ አንባቢዎች ይተነተናል። ከዛ በፊት ግን አንድ ማሳሰቢያ አለኝ። “ይድረስ ለጎጠኛው መምህር” መጽሐፌ ተሽጦ ስላለቀ፡ ሌላ ቅጅ እስኪታተም ድረስ ትንሽ ጊዜ ጠብቁኝ። ለመግዛት የምትፈልጉ- በቼክ ወይም በፖስታ ቤት በማኒ ኦርደር ብትልኩ መጽሐፉ አንዳንድ መጠነኛ እርማት ተደርጎበት ከሕትመት እስኪወጣ ድረስ አይመነዘርም። Getachew Reda p o Box 2219 San Jose, CA 95109 telephone 408) 561-4836 ሆኖም አስቀድማችሁ ብትልኩ ቅድሚያ ስለምታገኙ ተሎ ይላክላችሗል። አሁን ወደ ትግርኛዉ “ሓይካማ” ትንተና እንግባ። ትንተናዉ ለትግርኛ አንባቢዎች በትግርኛ የተዘገበ የመጽሓፉ ርዕስ ትርጉም ነዉ። አዘጋጁ።
ሓይካማ እንታይ ማለት እዩ?
ሓይካማ ዝብል ቃል ”ቶርቸር” ንዝብል ቋንቋ እንግሊዝ ንምትካእ ዝተጠቐምኩሉ ቃል እዩ። ሓደ እሱር ”ናብ ሓይካማ ኣእትየሙኒ” ወይ ድማ ”ብሓይካማ ተመርሚረ” እንተዳኣ ኢሉ”ብከቢድ መርመራ/ቶርች ገይሮሙኒ” ማለት እዩ።ኣብ ጊዜ ደርጊ ብፖለቲካ ተጠርጢሩ ዝተትሓዝ እሱር ዘይተቐጥቀጠ ሰብ ዉሑድ እዩ፡፡ ንምሳሌ ኣብ ክፍለሃገር ትግራይ ኣብ መቐለ ከተማ ብፖለቲካ ተጠርጢሩ ተታሒዙ እንዳተደፍአ ‘ሕዝብ ድርጅት’ ኢሎም ናብቲ ዝጽዉዑዎ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዝነበረት መመርመሪት ደብሪ/ክፍሊ ዝኣተወ እሱር ብድሕሪ ማዕጾ ብየማን ብጸጋም ተላሒጎም ዝጽበዩዎ “ስፔሻል ፎርስ” ዝተብሃሉ ኮማንዶ “ብቕርዳድ ጽፍዒት” ጉንዲ-እዝኑ ምስ ኣጽመሙዎ፡ሓይካማ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ኣላጉማ በቕሊ ብገምድ ተኣሲሩ ጎማ ብዝለበሰ በትሪ እዩ ዝቕጥቀጥ ነይሩ።ናብ ሓይካማ ዝኣተወ ተመርማራይ ብገመድ ክልተ ኢዱ ጠዉዮም ብኣፍ ልቡ ኣደቂሶም፤ክልቲኡ ኢዱ ንድሕሪት ምስ ዓካር ኣእጋሩ ቆርኒዬም ዕጻፍ ሞንኮቡ ምስ ኣጎድጎዱዎ፡-እታ ቀጻሊት ገመድ ኣብ ሞንጎ ኣስናኑ ንመልሓሱ ጸቒጣ ፤ኣፍ ልቡን ማጅራት ክሳዱ ከም ልጓም በቕሊ ንድሕሪት ወጢጣ ምስቆርነየቶ ፤ ከም መሸንቀቕ ከረጢት መንጠልጠሊት ምስ ሰርሐት በታ መተሓዚት መሸንቆቖ “ሓፍ” ኣቢሎም ካብ ባይታ ናብ ኣየር፤ካብ ኣየር ናብ ባይታ ደጋጊሞም ከም ሎቖታ “ሰፍ ኮፍ” ምስ ኣበሉዎ በፍንጭኡ ደም በለል እንዳበለ ትንፋሱ ተጨኒቑ “ቀልቀል ሽንቱ” ኣብ ክቋጻጸር ዘይኽእለሉ ብርኪ< ከናፈር ምንጭሩን ምንጋጋ ሞጉሎጩ> በታ ገመድ “ምስገዝገዙዎ” በፍንጫኡ ደም ቦለል ምስ በለ፤ ብስቅያት ዓቕሊ ጽበት ከም “ታሓራዳይ በጊዕ” ኣካላቱ ብገመድ ተገኒዙ ናይ “ዓዕ!!!! ታ” ድምጺ ካብ’ታ በራኽ ደብሪ ናብ ታሕቲ ገስጊሱ ናብ ኣእዛን ኡሱራት ዘቃልሕ ኣዉያት ፡“ልቢ ዝበልዕ” “ንብዓት ዓይኒ ብዝነቅስ” መሕዘናይ ኣዉያት ታዓጂቡ ዝካየድ እሱር ዝፈልጦ ምስጢር ንክናዘዝ ዝጥቀሙሉ ጨካን ኣማራምራ ስልቲ እዩ። መንእሰይ ትግራይ ምንጋግኡ ከም እንስሳ ብሓይካማ ተሎጚሙ ደም ዓፈራ ክሳብ ዝጎርፍ ኣብ መጉለጩ ዝተሎጎሞ ገመድ ዘይጠፍእ ተለላ ስመብራት ብምጥራይ ብገመድ ተኣሲሩ መስፈር/መዕቀኒ ዘይብሉ ድንጋጸ ምስወረዶ ሕልናኡ ጃጂዉ፡ ሕልናኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካላቱ ብበትሪ ብጎማ ብኾርማጅ መግረፍቲ፤ ከናፍር ምንጋግኡ ብገመድ ብስልኪ እንዳተሓርሐረ ደንዚዙ፤ ገጹ ዓምቢሱ፤ዓይንቱ ዓንቁይሎም፣ “ከብዲ እግሩ” ሎቖታ ማይ ሒዙ መግልን ደምን ዓቑይሩ ፣መልሓሱ ተመቲሩ ኣስናኑ ብጭብጢት ዉቅዒት ጎሪፉ፣ ኣፉ ተኣንዲሩ፤ ተላጊቡ ነቒጹ፤ ምሕያኽ ምስትምቓር ኣብዩ፣ ታሕናግ ጎሮሮኡ ምዉሓጥ ኣብዩዎ፣ “ማይ ጥሕኒ በጽቢጹ” ብስቅያት “ሱት” ዝበለሉ ወዙ ተደምሲሱ ጨጎርጎር ኢሉ፣ብጥቑሉል ካልሲ ናብ “ሸምቦቆ ቡምባ መስተንፈሲ ጎሮሩኡ” ተወቲፉ ፤ብምሒር ዓዕታ ድምፁ ሰሊሉ፤ እንትፍታፉ ነቒጹ ብኣዉያት ርእሱ ኣጊሉ፤ ተረዉ ዘብል“መርዘን ርእሲ” ከምረዚን እምኒ ተሸኪሙ፣ ጎሮሮኡ ስለዝቖሰለ ሃፈታ ትንፋሱ ናብ “ጎምዛዝ ዕረ ዝተቐየረሉ ሽብር ዘእቱ ጨካን አማራምራ እዩ። “ሓይካማ” ዝብል ቃል ብመሰረተ ትርጉሙ ክጥቀመሉ ዝደለኹሉ ምኽንያት ብዙሓት መንበብቲ ትርጉሙ ንምፍላጥ ይሽግሮም ይኸዉን። “ካ” ዝብል ፊደል እዉን ላሕሊሑ ክንበብ ኣለዎ።ሓይካማ ማለት ካብ ዕንጨይቲ ዝተፀርበት ኣብ ሞንጎ ኣፍ በቕሊ እትቕርቀር ክልቲኡ ምንጋጋ ፈልያ ኣብ ነዊሕ መገሻ ሳዕሪ ብምጉማም (ብምጥጣም/ብምብላዕ) ጊዜ ከይተቃጽል “ዕርፊ” ትመስል ቅርፂ ዘለዋ ብሜላ ዝተፀርበት “ልጓም በቕሊ” ኢያ። እታ ልጓም ንነዊሕ ሰዓታት ካብ ኣፉ ናይ’ታ በቕሊ ከይለገሰ እንተዳኣ ጸኒሑ “ደም ዓፍራ” ብኣፋ ንክጎርፍ ዝገብር ተሪር ቃንዛ ዘለዎ ሉጓም እዩ። ሓይካማ መብዛሕቱ ጊዜ ዝጥቀሙሉ ጊዜ ነጋዶ “ጌላ-ጨዉ”ናብ ዝምረቶ ኣርሆ/ረገድ/በራሕለ/ዳሉል (ዓዲ ዓፋር) ኣብ ነዊሕ መገሻኦም “ዝተጸርበ እምኒ ጨዉ” (ጌላ) ከምጽኡ እንትኸዱ ኣብቅልቶም ሳዕሪ ንክጎ’ማ ፎቖዶ መንገዲ ደዉ እንዳበላ ከየዳናጉየኦም ዝቋጻጸሩ ኣፈንን ምንጋጋአንን ከይከፍታ ዘጸግመለን ሉጓም እዩ። ቃሉን እቲ ልጓምን (ሓይካማ) ድማ ብነጋዶ እንደርታን ከባቢኣን ዝፍለጥ እዩ። ብ“ሓይካማ” ተለጚሙ ዝምርመር ኡሱር ብዘስምዖ ኣዉያት እትዕጀብ እታ መመርመሪት ክፍሊ ኣብ ርእሲ ርእሲ ብዘይዕረፍቲ እንዳተደፍኡ ብዝኣትዉ ተመርመርቲ ምስ መናብር እንዳተሓላለኹ ተወቒዖም ናብ ጣዋሉ ወዲቖም ደምበርበር ብዝብሉ ኡሱራትን፣-ገልጠምጠም፤ዓነዉነዉ ድምጺታት ናይ ጣዉላ ወናብር፤”ኣዉያት” ዝዓጀባ ክፍሊ “ኡፎይ” እትብለሉ ጊዜ እንተሃሊዩ እቲ ተመርማራይ ህይወቱ ኣካላዊ ስነ ምንቅስቓሳቱ ተፈጥሮዊ ስራሕቶም ምቁጽጻር ምስሳኣኑ፤ኣካላቱ ብመዝበጥቲ ሓቢጡ፤ ኣፍ ልቡ ክዳኑ ብደም ተኣሊኹ፤ዝባኑ ደም ቲፍ-ቲፍ እንዳበለ ገጹ ሓቢጡ ናብ ዘፈርሕ ቅርጺ ተቐይሩ፤ ብቕርዳድ ጽፍዒት የዒንቱ ደም ሰሪቦም፤ኩሊቱ ደም ምስሸነት፤ዝተኸድኖም ነጸላታት ብደም ቆርቢዖም፤ ጠረኑ ቀይሩ ጠቕላላ ናልኡ ናብ “ጽላለ” ተቐይሩ ሽንቱ ምቁጽጻር ምስ ሳሓተ ከላፋለፍ ምእንታን-ዝጥቀሙሉ-ጨካን-ምርመራ-እዩ።getachre@aol.com www.ethiopiansemay.blogspot.com