Monday, September 21, 2009

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክግበር ዘለዎ መኸተ፤












ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክግበር ዘለዎ መኸተ፤ ሻቕሎት ብዛዕባ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ
ተስፋጽዮን መድሃኔ ብረመን፣ ፈደራላዊት ረፑብሊክ ጀርመን ነሓሰ 2009
__________________________________________________________________________ እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ብ1 ነሓሰ 2009 ዓ. ም.፡ ኣብ ከተማ ካስል፤ ፈደራላዊት ረፑብሊክ ጀርመን፡ ኣብ ዝተኻየደ መበል 24 ሰፊሕ-በዓል (ፈስቲቫል) ኤርትራ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ’ዝን እቲ ናይ ካስል መደረን ብትሕዝቶኡ (ቃል-ብቓል) ሓደ ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ መደረ ንማሕተም ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ ጊዜ ትርጉም ናይ’ቲ ትሕዝቶ ፈጺሙ ዘይለወጠ፡ አዚዩ ውሑድ ዝዀነ ናይ ቃላትን ሓረጋትን ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብኮምፒዩተር ተዳልዩ ንኽሕተምን ብመርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት) ንኽዝርጋሕን፡ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ፈተውቲ ሃገሮም ዝዀኑ ኤርትራውያን ወሳኒ ምትሕብባር ገይሮም ኢዮም። ልባዊ ምስጋና አቕርበሎም። ተስፋጽዮን መድሃኔ
____________________________________________________________________________
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!! ኣቐዲመ ንኣዳለውቲ ናይ’ዚ ፈሰቲቫል፡ መልእኽቲ ንኸመሓላልፍ ብዝገበሩለይ ዕድመን ብዝኸፈቱለይ ዕድልን ምስጋናይ ከቕርበሎም እፈቱ። ከምቲ ዓሚ ዘስማዕኩዎ ምስክርነት፡ ሕጂ’ውን ፈስቲቫል ካስል፡ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ - ከም ሓላይ ዲሞክራሲ ዝኾነ መድረኽ - ኣገዳሲ ምዕራፍ ኮይኑ ከምዝምዝገብ ዘለኒ ዕግበት ክገልጽ እደሊ። ካብ 1997 ንደሓር ኣብ ፈስቲቫል ካስል ኣብ ገለ እዋናት ሕጽር ዝበለ ርእይቶታት ኣስሚዔ እንተኾንኩ እኳ ብመልክዕ ስሩዕ መደረ ሎሚ ንፈለማ እዋን እዬ መልእኽቲ ዝፍኑ ዘለኹ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ - ማለት መበል 24 ፈስቲቫል- ንኽምድር ሓሳብ ኣይነበረንን። እንተኾነ ግን ኣብ ሃገርና ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ሰፊኑ ከም ዘሎን፡ ገና’ውን ኣብ ልዕሌና ከቢድ ሓደጋታት ተንጠልጢሉ ምህላዉን፡ ስለ ዘስተብሃልኩ ንናይ’ዚ እዋን’ዚ ጸገማትና ብዝርኢ ናብ’ቲ ብዛዕባ ሓይልታት ተቓውሞ ዘሎ ሻቕሎት ዘትኮረ ሕጽር ዝበለ ንጹርን ልባውን መልእኽቲ ከመሓላልፍ ወሰንኩ። ናይ ሎሚ መልእኽተይ በቲ ምሒር ዘጉሂ ኩነታት ህዝብና ዝተደፋፍአ ኮይኑ፡ ንገሊኡ ሕቶታት ብዝርኢ ቃል-ዓለም ዘይብሉ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ከም’ዚ ንዝኣመሰለ መልእኽቲ፤ ምስ ኩሉ ትርጉማቱን ኣመታቱን፡ ከም ውልቀ-ሰባት ሓላፍነት ወሲድና ክንፍንዎ፡ እቲ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ኩነታትና ንዓይን ንኸምዚ ኸማይ ብዕድመ ዝስጉሙ ዘለዉ ደቂ ሃገርን ብሓበራ ኣሰኪሙና ዘሎ ዕማም እዩ።
1. ኤርትራ ነጻ ወጺኣ ካብ እትበሃል ዛጊት 20 ዓመታት ቀሪቡ። ዳርጋ ካብ ኢትዮጵያ ካብ እትፍለ ጀሚራ ግን ኩነታታ እንዳጸልመተ ከይዱ፡ ሕጂ ኤርትራ መዳርግቲ ዘይብላ ገሃነም ኮይና ኣላ።ሕሰቡዎ! ሳላ ጃህራን መናፍሓትን ህ-ግንባር: ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ገነት ክትከውን’ያ ተባሂላ ትጽቢት ዝግበረላ ዝነበረ፡ ገሃነመ-እሳት ኮይና ክትርከብ ከላ ክሳብ ክንደይ ዘጉህን ዘሕፍርን ዘስደምምን ሙኻኑ!!
ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ’ቲ ፈለማ ዓመታት ብወገን ብዙሓት ደቂ ሃገር ከመይ ዝበሉዎ ተስፋን ድሙቕ ትጽቢትን ከም ዝነበረ ብዙሓት ካባኻትኩም ትዝክርዎ ትኾኑ። ንኣብነት፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ጸጋይ ካሕሳይ ካብ ስደት ንዓዲ ኣብ ዝኣተውሉ - ኣብ መወዳእታ 91 ወይ መጀመርያ 92 እዩ ይመስለኒ ኤርትራ ነጻ ወጺኣ ካብ እትበሃል ዛጊት 20 ዓመታት ቀሪቡ። ዳርጋ ካብ ኢትዮጵያ ካብ እትፍለ ጀሚራ ግን ኩነታታ እንዳጸልመተ ከይዱ፡ ሕጂ ኤርትራ መዳርግቲ ዘይብላ ገሃነም ኮይና ኣላ።ሕሰቡዎ! ሳላ ጃህራን መናፍሓትን ህ-ግንባር: ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ገነት ክትከውን’ያ ተባሂላ ትጽቢት ዝግበረላ ዝነበረ፡ ገሃነመ-እሳት ኮይና ክትርከብ ከላ ክሳብ ክንደይ ዘጉህን ዘሕፍርን ዘስደምምን ሙኻኑ!!
ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ’ቲ ፈለማ ዓመታት ብወገን ብዙሓት ደቂ ሃገር ከመይ ዝበሉዎ ተስፋን ድሙቕ ትጽቢትን ከም ዝነበረ ብዙሓት ካባኻትኩም ትዝክርዎ ትኾኑ። ንኣብነት፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ጸጋይ ካሕሳይ ካብ ስደት ንዓዲ ኣብ ዝኣተውሉ - ኣብ መወዳእታ 91 ወይ መጀመርያ 92 እዩ ይመስለኒ_“ኤርትራ ዕረ ውሒጣ፡ መዓር ጎሲዓ፡ ሳላ ጀጋኑ ደቃ“ ክብሉ ዘስምዕዎ ቅጭን ቃላት ይዝከረኒ። እዚ ኣገላልጻ’ዚ ነቲ በቲ እዋን’ቲ ኣብ ሃገርና ዝነበረ ድምር ሓጎስን ሓበንን እፎይታን ዝኾነ ዓይነታዊ ስምዒት ዘንጸባርቕ እዩ ኔሩ።
ኣቶ ጸጋይ በዚ ሎሚ ኣበይ ከም ዘለዉን፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ እንታይ ይብሉ ከም ዘለውን፡ ዝፈልጦ የብለይን። እቲ በዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዓይነታዊ ስምዒት ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ግን ኣንጻር ናይ’ቲ ብ91-92 ዝነበረ፡ ንሶም ብንጽህና ዘንጸባረቕዎ እዩ። ሕጂ ከም እንርድኦ፡ ኤርትራ ብርግጽ ዕረ ውሒጣ’ያ፤ እንተኾነ ግን፡ ጀጋኑ ደቃ ንሓርነትን ንራህዋን ህዝብና ንወፈ ብዝብል ሕልና ክቡር ህይወቶም ሂቦም ክንሶም፡ ኤርትራ ሃገርና በዚ እዋን’ዚ መዓር ዘይኮነስ ካብ’ቲ ዝወሓጠቶ ኣዝዩ ዝመረረ ዕረ’ያ ትጎስዕ ዘላ! ኤርትራ መዓስ’ዩ ክርህዋ? መዓስ’ያ መዓር ክትጎስዕ? አረ ብመሰረቱ መዓስ’ያ ካብ ዕረ ምውሓጥ ትገላገል? ሕጅስ ዘይዕረ’ያ ትውሕጥ ዘላ ሃገርና!! ነዚ ሕቶታት’ዚ: በዚ ቃላት’ዚ እኳ እንተዘየቐመጥናዮ: ቅድሚ ሎሚ ደጋጊምና ኣልዒልናዮ ኔርና ኢና። “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክግበር ዘለዎ መኸተ“ ብዝብላ ቃላት እኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ዕማማት እንታይ ምዃኑስ ደጋጊምና ተመያይጥናሉ ኢና። እንተኾነ ግን ህዝብን ሃገርን ገና ስለ ዘይደሓነ፡ መሊስና’ውን ንዛረበሉ፤ መሊስና ዓንገረር ንብለሉ!! ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን መታን ክሰፍን፡ ሉኣላዊት ኤርትራ ምስ ጎራባብታ እናተሳነየትን እናተኣሳሰረትን ጥጥሕትን ልምዕትን መታን ክትከውን፡ ህዝብና ከኣ ትርጉም ዘለዎ ቅሱን ህይወት መታን ከሕልፍ፡ እቲ ክትግበር ዘለዎ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን መደባት እንታይ ከም ምዃኑ በብመድረኹ: ብተኸታታሊ: ተኻቲዕናሉን ተማራሚርናሉን ኢና። ሸቶ ወይ መዕርፎ ናይ’ዚ ተታሓሒዝናዮ ዘሎና ደረጃ ቃልሲ፡ ዘሎ ልሉይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኩሉ ዝሳተፈሉ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ሙቛም ምዃኑን፡ እዚ ንኽብጻሕ ከኣ ቅድመ-ዝኣገረ መንግስቲ ኢሳያስ - መንግስቲ ህግድፍ - ክእለ ከም ዘለዎን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ዝተራዳዳእናሉ፡ ሕጂስ ዳርጋ ውሁብ ዝኾነ ነጥቢ እዩ። ንመንግስቲ ኢሳያስ ኣብ ምልጋስ ዓቢ እጃም ክህልዎ ዝግባእ ከኣ እዚ ሕጂ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ እዩ። ካብ’ዚ ሓይልታት’ዚ እቲ ብሽሙን ብመልክዑን ዝዓበየ፡ እቲ ቅድም “ምሕዝነት“ ዝበሃል ዝነበረ፡ ሕጂ ድማ “ኪዳን“ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምትእኽኻብ ወይ ጽላላዊ ውድብ እዩ። “ምሕዝነት“ “ኪዳን“ ካብ ዝበሃል ዛጊት 10 ዓመታት ኮይኑ። እቲ ዝፈረየ ወይ ዝሰለጠ ግን ፈጺሙ ዝዕግብ ኣይኮነን፡ ኣሽምባይ’ዶ ከሐብን። ኣኼባታት’ባ፡ ወርክሾፕ’ባ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ይኹን ኣብ ካልእ ተገይሩ፡ ካብ መራሕቲ በዓል እገለ ኣብ’ቲ’ዶ ኣብ’ቲ ዑደት ፈጺሞም፡ ክበሃል እንተዘይኮይኑ ንመንግስቲ ኢሳያስ ንምእላይ ዝሃቀነ ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ፡ ምዕባለታት ክምዝገብ፡ ኣይረኣናን። ገለ ንጉዳይ ኤርትራውያን ዝከታተሉ ተመራመርቲ እውን፡ ነዚ ኩነታትና ኣስተብሂሎሙሉስ ትዕዝብትታቶም እውን ገሊጾም። ንኣብነት የማነ ናግሽ ዝተባህለ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሕተም ሪፖርተር ዝተባህለ መጽሔት፡ ኣብ ናይ ሕጂ - ማለት ናይ 19 ሓምለ 2009 - ሕታም፡ “ኤርትራና የተቃዋሚዎችዋ ተስፋ“ ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፉ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል: “ኤርትራ ውስጥ ያለው ተጨባጭ ሁኔታ ፋታ የሚሰጥ ኣይደለም፣ የኤርትራ ተቃዋሚዎች ግን ኮንፈረንስ ከመጥራትና ዛሬ ታርቀው ነገ ከመፋታት የዘለለ ተግባር ኣልፈጸሙም ተብለው ይተቻሉ። የኢሳያስ መንግስት ኤርትራን ወደ ትንሽ እስር-ቤት ቀይሯታል በሚባልበት ወቅት፡ ህዝቡን ይደርሱለታል ተብለው ተስፋ የሚጣልባቸው ተቃዋሚዎች ግን እርስ-በርሳቸው ሰጠላለፉና ሲዝናኑ ይታያል። ምናልባትም የኤርትራ መንግስት በሆነ ምክንያት የተወገደ እንደሆነ፤ ኤርትራን እንደ ኣገር መምራት ይችልላሉ ወይ? የሚል ጥያቄ ያጭራል“። እዚ ማለት ብሓጺሩ፡ ’ኩነታት ኤርትራ ኣዝዩ ህጹጽ ክነሱ እዞም ተቓወምቲ ግን ጉባኤ’ዶ ኮንፈረንስ ካብ ምጽዋዕ፡ ወግሔ ጸብሐ ነንሕድሕዶም ካብ ምባኣስን ምትዕራቕን ሓሊፎም ዝገበርዎ የብሎምን ተባሂሎም ይውቀሱ። መንግስቲ ኢሳያስ ንኤርትራ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ቀይሩዋ ኣብ ዝርከብሉ እዋን፡ ንህዝቦም ከድሕኑ ኢዮም ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ተቓወምቲ ግን ነንሕድሕዶም ክተሓናኾሉን ክዛነዩን ኢዮም ዝረኣዩ። ብዝኾነ መንገዲ መንግስቲ ኤርትራ እንተወዲቑ፡ እዞም ተቓወምቲ ዝበሃሉ ንኤርትራ ከም ሃገር ክመርሕዋ’ዶ እንበር ይበቕዑ ኢዮም ኢልካ ዘሕትት’ዩ።“ (እዚ ቃል-ንቓል ዘይኮነስ ዝቐረበ ትርጉም ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ኢዩ።) ኪዳን ዝድግፍኦ ሃገራት ኣለዋኦ እዩ ዝበሃል። ንሳተን ከኣ ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን፡ የመንን እየን። እዘን ሃገራት እዚኣተን ንደገፈን ሰንዓ-ፎረም ብዝብል ስያሜ ዘዋፍራ፡ ኢሳያስ ንኽወድቕ ዝብህጋ ኢየን ይበሃላ። እንተኾነ ግን እዚ ኪዳንስ፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ፡ ኣሽምባይ’ዶ ናይ ሰለስተ ጎረባብቲ መንግስታት ናይ ሓንቲ መንግስቲ እኳ ልባውን ኣድማዕን ደገፍ ዘለዎ ኣይመስልን።
ኣካይዳ ናይ’ዘን ሰለስተ መንግስታት እንተተዓዘብና፡ ዘተኣማምን ትሕዝቶ ከምዘይብሉ ንርኢ። መንግስቲ ሱዳን ደጋፊ ኪዳን ተባሂሉ ምስ ኢሳያስ ይተሓቛቖፍ፤ ቤት-ጽሕፈታት ተቓወምቲ ኤርትራውያን ይዓጹ፤ መንግስቲ የመን ቆስቋስን ተናኻስን ባህርያት ኢሳያስ ሕርሕራይ ገይሩ ዝፈልጥ ክነሱ ንኢሳያስ ምስ መንግስቲ ጁቡቲ ንኸተዓርቖ ይዋፈር፤ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ፕሮፖጋንዳኡ ብዘየገድስ፡ ብጭቡጥስ ኤርትራውያን ንኽውደቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት ንኽሕይሉ፡ ኮታስ ዕላዊ መደብ ኪዳን ንኽትግበር፡ ብዘተኣማምን መጠንን ዓይነትን ክተሓባበር ኣይርከብን። እዚታት ኩሉ የተሓሳስበካ’ሞ፡ እምበር’ዶ እዞም ሰንዓ-ፎረም ዝበሃሉ ጎራባብቲ መንግስታት ክሕግዙና ይድልዩ ኢዮም? ዶ’ምበር ክሕግዙና መደብ ኣለዎም? ገለ እከይ ተልእኾ ድኣ ከይህልዎም? ኢልካ ክትጠራጠር እቲ ኩነታት የገድደካ እዩ። ዝምድና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ ሰለስቲኡ ሃገራት እኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ርኽክቡስ ምስ ኢትዮጵያ፡ ማለት ምስ’ቲ ብመለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢዩ። ስለ’ዚ ንጉዳይ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንተቓወምቲ ውድባትና፡ ብዝርኢ ስትራተጅን ኣካይዳን መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ እዩ? እንታይ’ከ ይመስል? ኢልካ ምምርማር ኣድላዪ ኢዩ!!
2.
ቅድሚ ኣብ’ቲ ከርሰ-ነገር ምእታወይ ነዚ ብህውሓት ዝምራሕ መንግስቲ ብዝርኢ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ ሓደ ነገር ኣሎ። ጽንሕ ኢለ ከም ዝጠቕሶ ውድብ ህ-ወያኔ ብግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልዕለይ ዘካየዶ ዘመተ ብዙሓት ካባኻትኩም ትፈልጥዎ ጉዳይ እዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ብዘየገድስ ኣነ ብ1991 ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ለውጥታት ምስ ተመዝገበ ነቲ ኩነታት ብሓድሽ መንፈስ ክርእዮ ወሲነ፤ ብሓድሽ መንፈስ’ውን ርእየዮ። ብፍላይኳ ድሕሪ 1998 - ማለት ድሕሪ ተረኽቦ ባድመ - ተቓወምቲ ውድባትና ተመሓዝየን ምስ ኢትዮጵያ ኣፍራዪ ዝኾነ ዝምድና ንኽምስርታ፡ ዝምክሓሉ እኳ እንተዘይኮነ፡ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ኣስተዋጽኦስ ገይረ እየ። ካብ እዋን ተረኽቦ ባድመ ጀሚረ ኣንጻር’ቲ ብመንግስቲ ኢሳያስን ደገፍቱን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ወያኔን ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ምንእኣስን ምቁንጻብን መናፍሓት ዓቕመይን ጊዜይን ብዝፈቕዶ ተዋፊረ’የ። ሓው ንዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኤርትራውያን ከቛናጽብዎ ከለዉ ዓሻን ጉዳምን ጥራይ ዘይኮነ እንታይነቱ ክጽናዕ ዘለዎ ሕማም እውን እዩ። ኣነ ነዚ ጸረ ተጋሩ ዝኾነ መናፍሓት ቅድሚ ሕጂ ብመትከል ተቓሊሰዮ’የ፤ ድሕሪ ሕጂ’ውን ክቃለሶ’የ። ሕማም ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ብትሕዝቶ ታሪኽን ባህልን ዝተቓመመ መድሃኒት ንኽርከቦ እጃመይ ከበርክት ክፍትን’የ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣነ እኹን ካልኦት ኤርትራውያን ብመራሕቲ ህ-ወያኔ፡ ወይ ካልኦት ተጋሩ፡ ወይ’ውን ብኻልኦት ኢትዮጵያውያን፡ ብዝኾነ መልክዕ ክንነኣኣስ ወይ ክንቆናጸብ፡ ቅቡል’ዩ ማለተይ ኣይኮንኩን፤ ብርግጽ ከኣ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ዝድለን ቅቡል ዝኾነን መንፈስ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕልላይን’ዩ።
ምስ’ዚ ነጥብ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ቅድሚ ዓሚ፡ ማለት ብ2007 ዓ.ም፡ ገዲም ኣባልን መራሕን ህ-ወያኔ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ንዝምድና ውድቡን ውድባት ኤርትራን ብዝርኢ ዘስምዖ ዘረባ ክዝክር እደሊ። ኣቶ ስብሓት ታሪኻዊ ኣማጻጽኣን ምዕባለን ውድቡ ክገልጽ ከሎ ህ-ወያኔ ንዓወት ቃልሲ ኤርትራ ንዝገብሮ ኣስተውጽኦ ብኣትኩሮት ኣስሚሩሉ። ካብ’ቲ ዘረብኡ እተን ሕጂ ዘገድሳና ነጥብታት እዘን ዝስዕባ እየን። 1. ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ንፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መኪቱ እዩ። ካብ ዝኾነ ኤርትራዊ ውድብ ንላዕሊ ህ-ወያኔ መኪቱ’ዩ ክበሃል ይከኣል በለ። ብዛዕባ ሕቶ ኤርትራ ካብ ኩሉ ውድባት ንላዕሊ“ተሪር፡ ቁልጡፍን ብሱልን’’ መልሲ ዝሃበ ህወሓት እዩ። ጀብሃ (ELF) ሸብረኽ ኢሉ ኔሩ እዩ፣ ምስ ደርጊ ምዝርራብ ጀሚሩ ኔሩ እዩ። ህዝባዊ ግንባር እውን ሸብረኽ ናይ ምባል፡ ወይ ንነጻነት ኤርትራ ናይ ምንጥልጣል ምልክታት የርኢ ኔሩ እዩ። በዚ ጉዳይ’ዚ “ኩሎም ውድባት ኤርትራ ተደሚሮም ማዕረ ህ.ወ.ሓ.ት ኣይመጹን“ ኢዮም ብምባል ንውድባት ኤርትራ ብዘነኣእስ ኣቀራርባ ተሓበነ። ንሕና ህዝባዊ.ወያኔ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው እንተዘይንብለሉ እዘን ሸብረኽ በሃልቲ ውድባቱስ ምናልባት’ውን ምጠለማኦ ኔረን ዘስምዕ መልእኽቲ ኣብ ኣዘራርባ ኣቶ ስብሓት ተነጺሩ እዩ። 2. እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኣቶ ስብሓት ህ-ወያኔ ሕጂ’ውን ንኤርትራ ክዋግኡላ ድሉዋት ምዃኖም ዘመልክት ኔሩ። ኣባሃህላ ኣቶ ስብሓት ህ.ወያኔ ንነጻነት ህዝቢ ኤርትራ መኪቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪ ሕጂ’ውን ነጻነት ኤርትራ ምስ ዝጥቃዕ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ህ-ወያኔ’ዩ ክከላኸል። ቃል ብቓሉ እቲ ኣቶ ስብሓት ዝበሎ እዚ ዝስዕብ’ዩ ነይሩካብ ኢህኣደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ንነጻነት ኤርትራ ዝስለፍ፡ ዝማጎት ሕጂዉን የለን። ዋላ ሕዚ! ምኽንያቱ ፖለቲካዊ መርገጽ ክትናደድ እትስሕቦ፡ ክትሕጎስ እትድግፎ ኣይኮነን።ሕጂ ኣብ ምጥምማት ኩነታት እናሃሎና እውን፡ ኣይኹን እንበር ንኤርትራ ዝጻባእ ሓይሊ እንተተላዒሉ፡ ናይ ኢህኣደግ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ንነጻነት ኤርትራ ከም ዝስለፍ እኣምን በለ። 3. እቲ ዘገድሰና ሳልሳይ ነጥቢ ንዓይ ዝምልከት፡ ቅድሚ ሎሚ’ውን መራሕቲ ህ-ወያኔ ዘዋፈርዎ ዘይርትዓዊ ዘረባ’ዩ ኔሩ።ሽመይ ከይጠቐሰ፡ ግን ዘረብኡ ብዛዕባይ ምዃኑ ብዘየጠራጥር ቛንቛ፡ ናብ’ቲ ብ1986 - ማለት ቅድሚ 23 ዓመት - ዝጸሓፍኩዎ መጽሓፍ ብምትዃር፡ ኣቶ ስብሓት ከም’ዚ ዝስዕብ በለቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይዕወትን፤ ዘይዕወተሉ ምኽንያት ድማ ቅኑዕ ቃልሲ ኣይኮነን እቲ ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ዝብል መጽሓፍ ተጻሒፉ ነይሩ!! ካላሽን ንቑልቁል ኣፉ ዝገበረ መጽሓፍ። እታ ካላሽን ንዓቐብ ጌርና 200፡ 300 ዝኣክል መጽሓፍ“ዩ ተጻሒፉ ብህ.ወ.ሓ.ት“. በለ። እተን ሎሚ መዓልቲ ኣሕጽር ኣቢለ ክዝክረን ዝደለኹ ነጥብታት ኣቶ ስብሓት እዘን ዝጠቐስኩወን’የን። እዚ ዘረባ ኣቶ ስብሓት ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። ንኢትዮጵያውያን ዘሰከፎም ኣባሃህላ ኢዩ ኔሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ኢትዮጵያውያን ተዓዛቦ ’’እንታይ ጉዱ ደኣ እዩ’ዚ፤ ካብ’ቶም ቀንዲ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ክነስኻስ ንኤርትራ እሕለቕ’የ እንዳበልካ ዘረባ፤ እሞ ኸኣ ንህዝብካ ምስ ኤርትራ ኣብ ምትፍናን ኢና ዘሎና ኢልካ እንዳነገርካ! እንታይ ደልዎ ንዕቀት ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ እንታይ ደልዎ ጉድለት ኢትዮጵያዊ ሓርበኝነት ኢዩ እዚ“ ብምባል ጓሂኦም ኣስሚዖም፡ ነቐፌትኦም ገሊጾም ኢዮም። ኤርትራውያን’ከ? ሀ/ ነቲ ቀዳማይ ነጥቡ ብዝምልከት፡ ንዓይ እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ኣቶ ስብሓት ጀብሃ ሸብረኽ ኢላ ኔራ፤ሻዕብያ ኸኣ ሸብረኽ ናይ ምባል ምልክታት የርኢ ኔሩ እዩ፥ ካብ ውድባት ኤርትራ ንላዕሊ ንሕና ህ-ወያኔ ኢና ንነጻነት ኤርትራ ደው ዝበልናሉ ክብል ከሎ ዓገብ ዝበሎ ኤርትራዊ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣይነበረን። እተን ተቓወምቲ ውድባት ተሸምጢጠንን ተጸሪፈንን ደኣ ተረፋ እንበር፡ ነቔፌታስ ይትረፍ መኣረምታ ብዝብል ልስሉስ ቋንቋ እኳ ዘተምብሀኦ ነገር የብለንን። ብሒም ዝበለት ውድብ ኣይነበረትን። ስለምንታይ? እንታይ ዓይነት ተቓወምቲ ውድባት’የን እዚኣተን፤ ብፍላይ እተን ካብ ጀብሃ ዝተወለዳ ውድባት ንታሪኸንን ንመስዋእቲ ተጋደልተንን ክከላኸላሉ ኣይተረኽባን። እንታይ ውድባተን’የን እዚኣተን ንታሪኸን ዘይከላኸላ፡ ንስዉኣተን ዘየኽብራ፡ ዝብል ሕቶ እናጎሃኻ ክለዓል ናይ ግድን’ዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ከይዱ ከይዱ ብዛዕባ’ዚ ብሽም ኪዳን ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ገለ ጥርጠራታት ዝፈጥር ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ቁሩብ ጸኒሐ ገለ ሓሳባት ክእምት’የ። ሕጂ ከመሓላልፋ ዝደሊ ሓጻር መልእኽቲ ግን ኣላ። ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ንመሰሉ ደው ዝበለሉን ዝተሓለቐሉን ኣካል የልቦን። ካብ 1961 ጀሚርካ ውድባት ኤርትራ ዓቕመንን ኩነታተንን ብዝፈቐዶ መጠን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሰን ኢየን። ንህዝብና ዝጠለምኦ ናይ ውድባት መሪሕነታት ኣይነበራን ማለት ግን ኣይኮነን። ንኣብነት ኣቶ ስብሓት ነጋ ሕርሕራይ ገይሩ ከም ዝፈልጦ፡ ወይ ክፈልጦ ከም ዝግባእ፡ መሪሕነት ውድብ ህ-ግንባር ምስ ህ-ወያኔ ተሻሪኹን ሓደ ኮይኑን፡ ንጀብሃ ብሕሱም ዓጥቂዑ ክሳብ ሱዳን ምብራሩ ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጥልመት’ዩ ነይሩ። ኣቶ ስብሓት ንሕና ህ-ወያኔ ኤርትራ ነጻነታ ከም እትረክብ ጌርና ኢና ዳርጋ እዩ ዝበለ። ሓቂ’ዩ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንኽትፍለ ምስ ህ-ግንባር ብምትሕብባር ህ-ወያኔ ዓቢ ግደ ነይሩዎም እዩ። እሞ እዚ ደኣ ኤርትራ ነጻ ንኽትከውን ወያኔ ዓቢ እጃም ኣበርኪቶም ኢዮም የብል ድዩ? ንኤርትራ ብዝርኢ እንታይ ግዲ’ዮም ኣሳሊጦም ወያኔ? እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሕቶ.ዩ፤ ንጹርን ሓቀኛን መልሲ ከኣ የድልዮ። ህዝባዊ ወያኔ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይና ከም እትፍለን እትግዛእን ኢዮም ዝገበሩ፤እዛ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሰፊና ዘላ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመካየዲኣ ገሃነመ-እሳት ንኽትትከል ኢዮም ዝገበሩ። እዛ ናይ ኤርትራ ኩነታት ናይ ነጻነት ኣይኮነት፡ ናይ ሓርነት ኣይኮነት። እዛ ኩነታት እዚኣ ናይ ባርነትን ሞትን ኩነታት’ያ። እንበኣር እዚ ንባርነትን ሞትን ተዳሪጉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝባዊ ወያኔ ነጻነት’ዶ ሓርነት ኣምጺእኩሙልና ኢሉ ዘመስግነሉ ኣብነት የብሉን። ህ-ወያኔ ንጀብሃ ኣጥቂዖም ክሳብ ዶብ ሱዳን ዝደፍኡዋ፡ ብድሕሪኡ’ውን ምስ ህ-ግንባር ኮይኖም ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ደርጊ ዝተዋግኡ፡ ብዝኾነ ትርጉም ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዮሙሉ ከይኮነስ ንጥቕሞም ኢሎም ኢዮም። እኳ ደኣ፡ ከም ዝበሃልስ፡ ምስ መራሕቲ ህ-ግንባር ዝተሰማምዑሉ፡ ንሓድነት ኤርትራ ዝጻባእ ናይ ርሑቕ መደብ ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ነዚ ነጥቢ’ዚ ጸኒሐ ክምለሶ እየ። ለ/ ኣቶ ስብሓት ኣብ’ቲ ዘረብኡ ሕጂ እንተኾነ’ውን ካባና “ንላዕሊ ንነጻነት ኤርትራ ዝስለፍ የልቦን፣ ..... ንኤርትራ ዝጻባእ ሓይሊ እንተተላዒሉ ናይ ኢህኣደግ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ንነጻነት ኤርትራ ከም ዝስለፍ እኣምን“ ክብል ገሊጹ’ዩ። ኣቶ ስብሓት “ንኤርትራ ዝጻባእ ሓይሊ“ ክብል ከሎ፡ ንኤርትራ ዘጥቅዕ፤ዝዕምጽ፤ ዝውጽዕ ማለቱ እዩ። ኣንጻር ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ንናጽነት ኤርትራ ክንስለፍ ኢና ክብል ከሎ ድማ፡ ሓልዮቱ ነቲ ህዝቢ’ዩ ኢለ እግምት - እቲ ህዝቢ ከይጭቆን፣ ከይምዝመዝ፣ ከይበርስ ዝብል ሓልዮት!! ስለ’ዚ እንበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኾነ ዓይነት፡ ብዝኾነ ኣካል ክጥቃዕ ከሎ ህዝባዊ ወያኔ ክካላኸሉሉ ድሉዋት’ዮም ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ዝጽላእ ኣይኮነን፤ ወዮ ተረኺቡ!! እሞ ሕጂ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ይጥቃዕ እንድዩ ዘሎ! ኤርትራ ዕረ ትውሕጥ፡ ዕረ ትጎስዕ እንድያ ዘላ! ህዝብና ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ጭቆናን መጥቃዕትን እንድ’ዩ ዘሕልፍ ዘሎ! ካብ ባዕዳዊ ወራርን መግዛእትን ዝሓስም ገሃነማዊ ኩነታት እንድ’ዩ ንህዝብና ዘሳቕዮ ዘሎ! ካብ መንግስቲ ኢሳያስ ንላዕሊ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጻባእ ሓይሊ ኣሎ ድዩ? እንታይ ይገብር ኣሎ መንግስቲ ኢህኣደግ! እንታይ ይገብር ኣሎ መንግስቲ ህ-ወያኔ? ሕራይ፡ መንግስቲ ኢህኣደግ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ናይ ባርነትን ሞትን ኩነታት ክንገላግሎ ኢሉ ንኤርትራ ክወርር ኣይንጽበዮን። እቲ ተቓዋሚ ውድባት ንኽሰምር፡ ንኽዓቢ፡ ንኽሕይል፡ እሞ ኣድማዒ ንኽኸውን ዝከኣሎ ንኽገብር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጉዕዞ ቃልስታቱ እዉን ሙሉእ ብሙሉእ ንኽተሓባበሮ ግን ንጽበ ኢና - እንተድኣ ከም’ቲ ኣቶ ስብሓት ዝበሎ ኢህኣደግ ንኤርትራ ንዝጻባእ ሓይሊ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ክምክቶ ኮይኑ። ህ-ወያኔ (ወይ ኢህኣደግ) ነዚ ዘይገብር እንተኾይኑ ግን ኣዘራርባ ኣቶ ስብሓት ነጋ ወይ ትርጉም የብሉን፡ ወይ ከኣ ካልእ - ማለት ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘየገልግል - ትርጉም’ዩ ዘለዎ ማለት’ዩ። ምስ እዚ ብዝተተሓሓዘ ክጥቀስ ዘለዎ ሓደ ነጥቢ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፋላለየ መድረኻት ከም ዝተራእየ፡ እዚ ሕጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ብእኒ ኣቶ መለስ ብእኒ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝምራሕ ህ-ወያኔ ንመንግስቲ ኢሳያስ - ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጻባእ ዘሎ መንግስቲ - ኣብ ስልጣን ንኽመጽእን፡ ንኽህልውን፡ ንኽቕጽልን ሓጊዝዎን፡ ብወድዕነት ይሕግዞን ኣሎ፤ እንበር ኣይመከቶን፡ ኣይምክቶን’ውን ዘሎ። ከም እንፈልጦ፡ በዚ እዋን’ዚ፡ ገለ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ኣገባብ ቃልሲ - ማለት እንኮላይ ብረታዊ ኣገባብ - ተጠቒምና ንስርዓት ኢሳያስ በንቍስና ክንድርብዮ ኣሎና ይብላ፤ ገሊኤን ከኣ ብሰላማዊ ኣገባብ (ብዘተ) ጽገና መሳሊ ምስላጥ ምዃኑ እቲ ዕላምአን ይእምታ። ብዙሓት ኣብ ተቓዉሞ ውድባት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ መሰረታት፡ ከም ዝብሉዎስ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ዘሎ ህዝብና ኣራኣእያ መንግስቲ ኢሳያስ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ተሓባቢርካ፡ ብብረት ይኹን ብዝኾነ ካልእ ኣገባብ ክእለ ዘለዎ እዩ ዝብል እዩ። እዚ ብእኒ ኣቶ መለስ፡ ብእኒ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብብረታዊ ቃልሲ ንመንግስቲ ኢሳያስ ንኸልግስዎ ክተሓባበር ይኽእል’ዶ? ነዚ ንምምላሽ ሓደ ከነቕልበሉ ዘሎና ነገር ኣሎ። እዚ እዋን’ዚ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ናይ ምጥምማት ወይ ምትፍናን እዋን ተባሂሉ እንተተገለጸ እኳ፡ መንግስቲ ህ-ወያኔ (ኢህኣደግ) ንኢሳያስ ብዕጥቂ ክምክቶ ከምዘይደሊ እኹል ምልክታት ንርኢ ኣሎና። ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ መንግስቲ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ዶብ ዘሎ፡ ከም ከልካል ጽሕታረ-ኲናት ዝተሓዝአ፡ 25 ኪሎ-ሜተር ዝጐድኑ መሬት ኣትዩዎ እዩ። ምስ’ዝን ምስ ካልኦት ጉዳያትን ብዝተተሓሓዘ ኣቶ መለስ ሕቶታት ክምልስ ከሎ “ኤርትራ (ማለት) ኢሳያስ ንውሽጢ ዓድና ሰራዊት ሰዲዱ ቅሉዕ ወራር እንተዘይኣካይዱ፡ ዝገበረ ይግበር ኣብ ውግእ ኣይንኣትውን ኢና“ ዝተሕዝቶኡ መርገጽ’ዩ ዘስምዐ። ውግእ ምስ ኢሳያስ ፈጺሙ ከም ዘይደሊ ገሊጹልና’ዩ። ንዓይ ከምዝመስለኒ፡ ውግእ ኣንጻር ኢሳያስ ንዝበሃል ነገር መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ፈጺሙ ዘይደልዮ ስለ ዝኾነ፡ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ንመንግስቲ ኢሳያስ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንኸውድቕዎ ብሓቂ ክተሓባበሮም ዘሎ ዕድል ዝማህመነ’ዩ፣ ዳርጋ ፈጺሙ የለን። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘተኩር ኤርትራዊ ተቓዋሚ ውድባት ካብ’ዚ ብእኒ ኣቶ መለስ ብእኒ ኣቶ ስብሓት ዝምራሕ መንግስቲ ኢህኣደግ ልባዊ ምትሕብባር ዝረክብ፡ ወይ ክረክብ ዝኽእል፡ መሲሉ ኣይረኣየንን። ሐ/ እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ናይ ኣቶ ስብሓት ንዓይ ዝምልከት ነይሩ። መራሕቲ ወያኔ፡ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ንምጥባቕ ያኢ፡ እታ ካላሽን ንዓቐብ ገይሮም “ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን“ ዘርእስቱ መጽሓፍ ብምዝርጋሕ መልሲ ከም ዝሃቡ ብሓበን ገሊጹ።
ንእግረ-መንገደይ ኣብ’ዚኣ ሓንቲ ሓበሬታ ክህበኩም። ነዚ ዝተባህለ ናይ መሪሕነት ወያኔ መጽሓፍ ዘዳለወ ኣቶ መለስ ዜናዊ ምዃኑ ገዲም ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት ኣስገደ ገብረስላሴ ብትግርኛ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ከምኡ ኸኣ ኣቶ ካሕሳይ በርሀ፡ ተቐማጣይ ጀርመን፡ ብቛንቋ እንግሊዝ ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣቶ መለስ ዝጸሓፎ፡ ንዓይ ንምክፋእ ዝህቅን፡ ዘይተኣደነ ጸርፍን ወቐሳን ዝመልኦ ማህደር፡ ናይ ኣቶ መለስን ገለ ካልኦት መራሕትን እንበር፡ ናይ መሰረታት ተጋደልቲ ወያኔን ደገፍቱን መንፈስ ኣየንጸባርቕን’ዩ። ኣቶ መለስ ነቲ መጽሓፍ’ቲ ብምጽሓፉ “ዝበዝሕ ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ትን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ደጋፊ ህ.ወ.ሃ.ትን ደስ ኣይበሎን“ ኢሉ ኣስገደ ገብረስላሴ፡ ኣብ ገጽ 142 ናይ’ዛ ጋህዲ (ክፍሊ.1) ትብል መጽሓፉ ነጊሩና ኣሎ።
ኣነ ኣብ’ቲ መጽሓፍ ዘስፈርኩዎ ናይ ፍታሕ ርእይቶ ንኤርትራውያን ዝጠቅም እንታይ እዩ ካብ ዝብል ሓልዮት ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። ከም ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ኩነታትና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዝበለጸ ዝጠቕመና ፍታሕ እዚ’ዩ ኢለ እቲ ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእየኒ ሓሳባት ክገልጽ መሰለይ እዩ። መራሕቲ ህ-ወያኔ ነቲ መጽሓፈይ ክጻረርዎ ከለው ንጥቕሞም ዝርኢ ምኽንያት ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ነዚ ንምርዳእ ዕላማ ወይ ሸቶ ህ-ወያኔ እንታይ ከም ዝነበረ ምዝካር የድሊ። ቀዳማይ ምዕራፍ ዕላማ ወያኔ ንደርጊ ምወዳቕ.ዩ ዝነበረ። ዕላማ ሰውራ ኤርትራ ግን ንመንግስቲ ኣዲስ-ኣበባ (ናይ ሃይለስላሴ ይኹን ናይ ደርጊ) ምውዳቕ ኣይኮነን ዝነበረ። ዕላማ ሰውራ ኤርትራ ነጻነት፡ ወይ ከኣ ምርግጋጽ መሰል-ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ኢዩ ዝነበረ።
ህ-ወያኔ ንደርጊ ናይ ምልጋስ፡ ደሓር ከኣ መንግስታዊ ስልጣን ንናይ ምሓዝ፡ ዕላምኦም ንሰውራ ኤርትራ ተመርኲሶም ጥራይ ኢዮም ከዐውትዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ። ስለ’ዚ ንጥቕሚ ህ-ወያኔ ዕላማ ሰውራ ኤርትራ ክቕየር ነይሩዎ። ግብራዊ ዕላማ ሰውራ ኤርትራ ብቐዳምነት ንደርጊ ምውዳቕ ክኸውን ነይሩዎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ደርጊ ኣብ ስልጣን እንከሎ ጉዳይ ኤርትራ ብፈደረሽን ወይ ብዝኾነ ካልእ መንገዲ (እንኰላይ ብሙሉእ ነጻነት) ንኽፍታሕ ዝቐርብ ርእይቶ ኣንጻር ጥቕሚ ህ-ወያኔ ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ መራሕቲ ወያኔ ንጥቕሞም ኢሎም ነቲ ኣነ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ እንተተቓለስዎን እንተኣካፍኡዎን ዘገርም ኣይኮነን። ኣስተውዕሉ! ህ-ወያኔ ኣብ ስልጣን ደይቦም ዘለው እኮ ንሰውራ ኤርትራ ምርኩስ ጌሮም’ዮም። ድሕሪ ምስጓግ ጀብሃ ብህ-ግንባር ዝተዓብለለ፡ ብሽም “ኤርትራ“ ዝቐጸለ ብረታዊ ምንቕስቓስ፡ ዕላምኡ ናብ ምውዳቕ ደርጊ ተቐይሩ፡ ደርጊ ንኽወድቕ እሞ ህ-ወያኔ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ስልጣን ንኽሕዙ ኢዩ ዘገልገለ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኢየ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘመሓላለፍኩዎ ገሊኡ መልእኽትታት፡ ሰውራ ኤርትራ ተጨውዩ፡ ናይ’ቶም ንደርጊ ኣውዲቖም ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ክሕዙ ዝደልዩ ኣካላትን ደገፍቶም ዝኾኑ ምዕራባውያን ሓይልታትን መሳርሒ ኮይኑ’ዩ፡ ዝበልኩኹም።
ብሓጺሩ እምበኣር፡ መራሕቲ ህ-ወያኔ ደገፍቲ ምፍላይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ፡ ወይ ከኣ በቲ ንሳቶም ዝመረጽዎ ቋንቋ፡ ደገፍቲ “ነጻነት ኤርትራ“ ዝኾኑ እሞ ነቲ መጽሓፈይ’ውን ዝተቓወምዎ፡ ንጥቕሞም ኢሎም’ዮም እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዮም ኣይኮኑን።
ከም እትዝክርዎ፡ እቲ ኣነ ቅድሚ 23 ዓመት፡ ሕጂ’ውን ንእግረ-መንገደይ ሓንቲ ኣገዳሲት ሓበሬታ ክህበኩም። ነቲ ሽዑኡ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ፡ ኤርትራ ንኽትፍለ መሰል እንተለዋ እኳ፡ እቲ ንኹላትና ዝሐሸ ፍታሕ ሓቀኛ ፈደረሽን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ኢዩ ኔሩ። በቲ እዋን’ቲ ኤርትራ እንተዘይተፈልያ ኢሎም ሑሕ ዝብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ ካድራት ህ-ግንባር፡ ሕጂ፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ኣይነበራን፤ ምፍላይ ጌጋ’ዩ ነይሩ፡ እናበሉ ጣዕሳኦም ይገልጹ ኣለው። ነዚ ጣዕሳ’ዚ፡ እንዳጎሃዩ፡ ንኢትዮጵያውያንን ንኣመሪካውያንን ይገልጽዎ ከም ዘለዉ፡ ብጽሑፍ ከይተረፈ፡ ካብ ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ዓበይቲ ምሁራት ተነጊሩኒ ኣሎ። ገለ ካብ’ዞም ሕጂ ተጣዒስና ኢና፤ ኤርትራ ክትፍለ ኣይነበራን፡ እናበሉ ቅድሚ 23 ዓመት ዘስማዕኩዎ መርገጽ ቅኑዕ ከም ዝነበረ ብተግባር ዝምስክሩ ዘለዉ ዓበይቲ ካድራት ህ-ግንባር፡ ንጽሑፋተይ ዝኹንኑ ዝነበሩ ኢዮም
ነዛ ኣርእስቲ’ዚኣ ክድምድማ፡ ንኣቶ ስብሓት ነጋ ይኹን ንኣቶ መለስ ዜናዊ ወይ ንዝኾነ ካልእ ኣብ መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ንዘሎ ኣካል ክብሎ ዝደሊ እዚ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኣሎና፤ ብመሰረት እዚ መሰል’ዚ፡ ብፍታውናን ብነጻ ድልየትናን፡ ምስ ዝኾነ ጎረቤት ሃገር፡ ንዓና ይጥቕመና’ዩ ዝበልናዮ ዓይነት ዝምድና ክንገብር ንኽእል ኢና፣ - ምስ ሱዳን ድዩ፡ ምስ ጅቡቲ ድዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ድዩ፡ ምስ ዝኾነ ጎረቤት - ዝመረጽናዮ ዓይነት ዝምድና ካብ ምግባር፡ ብዝኾነ መንገዲ ክኽልክለና መሰል ዘለዎ ኣካል የልቦን። 3. ሕጂ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ ከም ዘላ ብዙሓት ደቂ-ሃገር፡ ብመንፈስ ጓህን ሓልዮትን፡ ይገልጽዎ ኣለዉ። በዚ እዋን’ዚ ሃገርና ንኸቢድ ሓደጋ ተሳጢሓ፡ እኳ ድኣ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት፡ ከም ዘላ ንብዙሓት ካባና ብሩህ ኮይኑ፡ ሕጂ ኣነ ከትኩረሉ ደልየ ዘለኹ ነጥቢ ንምድኻምን ምምሳንን ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝርኢ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ድኽነት፡ ጥምየት፡ ሕማም፡ ማእሰርትን፡ ካልእ ጭቆናን፡ ምስ’ዚ ኹሉ ዝተተሓሓዘ ጭንቀትን ስለ ዝበዝሐ፡ እቲ ነጻነት ዝበሃልስ ይትረፍ እቲ ሃገር ብቐንዱ ትርጉም ይስእን ኣሎ። ብርግጽ ኤርትራዊ ሃገራውነት ይብለል ኣሎ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ዓዶም ብኤርትራውነቶም ክሕበኑ ኣይከኣሉን። ንኽሕበኑ መበገሲ ስኢኖም!! ብተወሳኺ ህዝቢ ኤርትራ ንኸይሰምር መታን ገለ ውጥናት ብረቂቕን ዝተሓላለኸን ኣገባባት ይትግበር ኣሎ። እዚ ውጥናት ወይ መደባት እዚ ንህዝብና ብዝተፈላለየ መዳያት ነንሕድሕዱ ከም ዝጠራጠር ብምግባር ንሓድነቱን ሃገራውነቱን የዳኽሞ ኣሎ። ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ በዚ እዋን’ዚ ዝትግበር ዘሎ ናይ ኣስገዳድ ሰፈራ ክጠቅስ እደሊ። ሰብ ከበሳ ካብ ዓድታቶም ብሓይሊ ተደፊኦም ኣብ ባርካን ጋሽን ከምዝሰፍሩ ይግበር ኣሎ። እዚ ንህዝብና ነንሓድሕዱ ዘፋልሶ ስለዝዀነ፡ ኣጥቢቕካ ክኹነን ዘለዎ’ዩ። መንግስቲ ኢሳያስ ብዝትግብሮ ዘሎ ፖሊሲ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ሓድነትን ብውሽጢ ይዳኸም ኣሎ። ብወጻኢ ከኣ ንሓድነት ኤርትራ ዝብድህ፡ እኳ ደኣ ዝፍርፍር፡ ኣምራትን መደባትን ኣሎ። ሓደ ካብ’ቲ ምስ’ዚ ሓሳባትን መደባትን ዝተተሓሓዘ ተኣፋፊ ጉዳያት እቲ መሰል ብሄራት ክሳብ ምፍላይ ዝብል ፖሊሲ ኢዩ። እዚ ፖሊሲ እዚ መርገጽ ናይ ገሊአን ውድባትና ኮይኑ፡ ምስ ስትራጂ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተዛመደ ይመስል። ሕቶ ብሄረ-ሰባትና ኣገዳሲ ኢዩ። ኣገዳስነቱ ዓቢ ስለዝኾነ ገለ መጽናዕትታት ተገይሩሉ ኢዩ። ሓደ ካብ’ቲ መጽናዕትታት ኣብ’ቲ ኣነ ኣቦ መንበር ዝነበርኩሉ ሽማግለ ማኒፈስቶ ካስል፡ ብ 2006 ዓ.ም ዘዳለዎ ‘ንሃገራዊ ዋዕላ’ ዝርኢ ሰነድ፡ ከም ጥብቆ ተለቂቡ ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ። መሰል ብሄረ-ሰባት እንታይ ምዃኑን፡ ምስ ሓድነት ኤርትራ ብዝሳነ ኣገባብ ብኸመይ ከምዝትግበር ከኣ ኣብ’ቲ ጥብቆ ተገሊጹ ኣሎ። ኣንብብዎ!! ብመሰረቱ ክፍለጥ ዘለዎ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብፖለቲካዊ ሸነኹ ናይ ምፍላይ መሰል ጥራይ ከምዘይኮነ ኢዩ። ናይ ምዝማድን ምሕባርን መሰል እውን ኢዩ። ሓደ ሃገር ወይ ብሄረ-ሰብ ወይ ህዝቢ ብፍታዉ ምስ ካልእ ክሓብር ወይ ክዛመድ ሉኡላዊ መሰል ኣለዎ። እዚ እውን መሰለ ርእሰ ውሳኔ ኢዩ። እዛ ኣብ ናይ ምፍላይ ሸነኽ እትጸቅጥ፡ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ትምልከት ናይ ገሊአን ውድባትና ፖሊሲ፡ እንታይ ኢዩ መግለጺኣ? ብግምት ብዙሓት ኤርትራውያን ተንቀሳቀስቲ ፖለቲካ፡ እዛ ፖሊሲ እዚኣ ምስ ጥቕምን ስትራተጂን ህ-ወያኔ ዝተዛመደት ኢያ ትመስል። ነዚ ነጥቢ እዚ ንምብራህ፡ ባህርያት ዝምድና ህ-ወያኔን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ምርዳእ የድሊ። ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት፡ ማለት ድሕሪ 2000 ዓ.ም፡ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ዶክተር. ሰሎሞን ዕንቋይ፡ ‘ጥልመት’ ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፎም። ኣብ’ቲ መጽሓፍ፡ ‘ምትሕግጋዝ ምስ ውድባት ኤርትራ’ ዘርእስቱ ሓደ ምዕራፍ ኣሎ። ኣብ’ዚ ምዕራፍ እዚ (ኣብ ገጽ 57) ዶክተር ሰሎሞን ከምዚ ይብሉ። “ቀንዲ ዕላማ ምትሕግጋዝ ውድባት ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ንጸላኢ ምድኻም፡ ኢልካ’ውን ቃልሲ ክሓጽር፡ ብዓወት ተጸንቢሉ ዕላማኻ ሸቶኡ ክወቅዕ ምግባር ኢዩ። ዕላማ ናይ እቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ መንጎ ህ.ወ.ሓ.ትን ውድባት ኤርትራን ዝነበረ ምትሕግጋዝ እዚ ኢዩ ዝነበረ። ይኹን እምበር ከም’ቲ እናረኣናዮ ዝመጻእና ግን፡ ኣብ’ዚ ዓቢይን ወሳንን ዝኾነ ቁም-ነገር፡ ውድባት ኤርትራ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘርእያኦ ዝነበራ ባህርይ፡ ኣብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘተኮረ ዘይኮነስ ብዓይኒ ዓርሰ-ጥቕሚ ጥራሕ ነይሩ።” ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ፡ ዶክተር ሰሎሞን ውድባት ኤርትራ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጥቕሚ ኢለን ጥራይ ኢየን ምስ ህ-ወያኔ ዝተሓጋገዛ ዝነበራ ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። ንናይ እዋን ቃልሲ ውድባት ኤርትራ ክከላኸለለን ኢለ ኣይኮንኩን ነዚ ኣበሃህላ ዶክተር ሰሎሞን ዝጠቕሶ ዘለኹ። ውድባት ኤርትራ ንጥቕመን ኢለን ኣይኮናን ምስ ህ-ወያኔ ዝዛመዳ ዝነበራ ኢለ ክምክት ኣይደልን ኢየ። ነዘን ውድባት ብዝርኢ፡ ኣበሃህላ ዶክተር. ሰሎሞን ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ውድብ ህ-ግንባር ክትጥቀም ጥራይ ኢላ ትዛመድ ከምዝነበረት ፍሉጥ ኢዩ። እታ ጀብሃ’ውን ከምኡ ክትገብር ፈቲና ነይራ ትኸውን፡ ወዮ ደኣ ኣይከኣለትሉን እምበር!! ኣብዚ ኣበሃህላ ዶክተር ሰሎሞን ንዓይ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ዶክተር ሰሎሞን ‘ውድባት ኤርትራ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጥቕሚ ጥራይ ኢየን ዝዛመዳና ዝነበራ’ ክብሉ ከለዉ ‘ንሕና ህ-ወያኔ ግን ንናይ ገዛእ ርእስና ጥቕሚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ኢና ንዛመድ ዝነበርናን ዘሎናን፡ እትብል መልእኽቲ ኢዮም ዝፍንዉ ዘሎዉ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ተኣማኒት ኣይኮነትን፡ ሓቅነት ኮነ ቅንዕና የብላን። እቲ ሓቂ እዚ ኢዩ - ህ-ወያኔ እውን ምስ ውድባት ኤርትራ ክዛመዱ ከለዉ፡ ቀደም ይኹን ሎሚ፡ ንጥቕሞም ኢሎም ኢዮም። ነቲ ዝምድና ብመንጽር ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ኢዮም ዝርእይዎ፣ ብፍላይ ምስ ናእሽቱን ድኹማትን ውድባት ዝገብርዎ ዝምድና ብመሰረቱ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ጥራይ ዘተኮረ ኢዩ። እዘን ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚረን፡ ምስ ህ-ወያኔ ጽኑዕ ዝምድና ዘለወን፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምፍላይ ንዝብል ኣምር ኣትሪረን ዝጣበቓ ውድባት ኤርትራ፡ ብዕብየት ኮነ ብዓቕሚ፡ ምስ ህ-ወያኔ ዝማዓራረያ ኣይኮናን። ጽግዕተኛታት እምበር ብማዕርነትን ክብረትን ዝረኣያ፡ መጻምድቲ ህ-ወያኔ ክኾና ኣይክእላን ኢየን። ካብ’ዚ ተበጊሶም፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ተዓዛቦ፡ እዚ መሰል ብሄራት ክሳብ ምፍላይ ዝብል ኣምር ዝጽቀጠሉ ዘሎ፡ ምስ’ቲ ናይ ህ-ወያኔ መደብ ዝሳነ ስለዝኾነ ኢዩ ይብሉ።
4. ህ-ወያኔ ካብ ጊዜ ብረታዊ ገድሊ ጀሚሮም ንመደቦምን ጉዕዞኦምን ብመሰረት ናይ’ቲ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምፍላይ ዝብል ኣምር ኢዮም ዘካየድዎ። ሕጂ እንተኾነ እውን ህ-ወያኔ መንግስታዊ ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ ሒዞም፡ ነታ ዓዲ ብብሄራዊ መስመራት ናብ ዝቖማ ክልላት ከም እትከፋፈል ገይሮም፡ ነዚ ብሄረ-ሰባዊ ምክፍፋል’ዚ ሕጋውነት ኣልቢሱ መሰል ብሄራት ክሳብ ምፍንጫል ዝፈቅድ ሕገ መንግስቲ ከም ዝጸድቕ ገይሮም። ብዙሓት ተዓዘብቲ ህ-ወያኔ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ምስ ዘይክእሉ ገለ ምኽንያት ገይሮም፡ ነዛ ሕገ መንግስቲ ተጠቒሞም ንትግራይ ክፈልይዋ ክፍትኑ ኢዮም ዝብል ግምት ወይ ጥርጠራ ኣለዎም። ቅድሚ ዓሚ - ማለት ብ 2007 ዓ.ም - ነዚ ጥርጠራ እዚ ዘደልድል ኣቶ ስብሃት ነጋ ዝተዛረቦ ነጥቢ ነይሩ። ብኣምሓርኛ ኣብ ዝተኻየደ ቃል-መሓትት ኣቶ ስብሃት “ይህ ኮንስቲቱሽን ከተነካ የኢትዮጵያ ኣንድነት የሚባል ነገር የለም”፣ “ኮንስቲቱሽኑን የሚያደናቅፍ ከመጣ እንበታተናለን”፣ “ኮንስቲቱሽን ከተቀማን ለቀማን ጦርነት እናውጃለን”፤ ወዘተ፡ ወዘተ በለ። እዚ ማለት፡ እዛ ሕገ መንግስቲ እንተተቀዪራ ውግእ ክንእውጅ ኢና! ንኢትዮጵያ ፋሕ ከነብላ ኢና! ማለት ኢዩ። ብንጹር ኣዘራርባ ግን፡ ንሕና ንኢትዮጵያ ዘይንመርሓ እንተዀንና ክንፍለ ኢና! ክንፈላልያ ኢና! ማለት ኢዩ። ነቲ ኣብ’ቲ ሕገ መንግስቲ ኣስፊሮሞ ዘለዉ፡ መሰል ብሄረ-ሰባዊ ዞባታት ክሳብ ምፍላይ ዝብል ኣምር፡ ካብ ስልጣን እንተወሪድና ንኢትዮጵያ ፋሕ ከነብላ ኢና! ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክንፈልያ ኢና! ኢሎም ንምፍርራሕ እሞ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። እዚ መሰል ብሄራት ክሳብ ምፍላይ ዝብል መደብ ገለ ውድባት ኤርትራ ምስ’ዚ ናይ ህ-ወያኔ ንኢትዮጵያ ፋሕ ከነብላ ኢና፡ ንትግራይ ክንፈልያ ኢና! ዝብል ዘፈራርሕን ዘፍርሕን ፖሊሲ ዝተዛመደ ኢዩ። ስለዝኾነ ኸኣ የሰክፈና ኢዩ፡ ንዓይ ብርግጽ የሰክፈኒ ኢዩ። ንስከፈሉ ምኽንያት፡ ንፖሊሲ ምዕራባውያን ሓይልታትን ንታሪኽ ዝምድና ግንባርን ወያኔን ብዝምልከት፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣሻቓሊ ጸብጻባት ስለዘሎ ኢዩ። ብፖሊሲ ምዕራባውያን ሓይልታት ክጅምር፡ ኣብ መፋርቕ ናይ 70ታት፡ ኣመሪካውያንን ተሓባበርቶምን ደርጊ ዝወድቀሉ መንገዲ ይደልዩ ነይሮም። ሓደ ንስትራተጂኦም ዝጸለወ ሓሳብ ወይም እማመ እቲ ጆን ስፐንሰር ዝተባህለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝሰርሐ ኣመሪካዊ፡ ዘቕረቦ ነይሩ። ስፐንሰር ነቲ እማመኡ ብኸምዚ ሰረቶ። ንደርጊ ከውድቑ ዝኽእሉ ሓይልታት እቶም ንነጻነት ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ውድባት ኢዮም። እንተኾነ ግን ነጻነት ኤርትራ ኣንጻር ጥቕሚ እስራኤል ብሙዃኑ ኣመሪካ ትድግፎ ዕላማ ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ከም ፍልይቲ ሃገር ነብሳ ትኽእል ኣይኮነትን። ጸረ ደርጊ ምንቅስቃስ ኣብ ኤርትራ ግን ብሽም ነጻነት ጥራይ ኢዩ ክቕጽል ዝኽእል፡ እምበር ብሽም ኣውቶኖሚ ወይ ካልእ ኣይኮነን። ስፐንሰር ካብ’ዚ መበገሲ ሓሳብ እዚ ተላዒሉ ነዚ ዝስዕብ እማመ ኣቕረበ። እቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝህቅን ምንቅስቃስ ክሳብ ደርጊ ዝወድቕ ሶቭየት ሕብረት ከኣ ካብ’ቲ ዞባ ክሳብ ተልግስ፡ ናይ ኣመሪካን እስራኤልን ስትራትጂካዊ ጥቕሚ ከይሃሰየ ይቐጽል። ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ግን ናይ ምፍንጫልን ኣውቶኖምን መደብ ይትግበር። እዚ ማለት ኤርትራ ነጻ ሃገር ተባሂላ ንቁሩብ እዋን ምስ ጸንሐት ብኸምዚ ዝስዕብ ትመቓቐል፡ እቲ ከበሳን ደንከልን፡ ካብ ባጽዕ ጀሚርካ ንደቡብ ዘሎ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ንኢትዮጵያ ይወሃብ፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይኑ ግን ኣውቶኖሚ (ውሽጣዊ ምምሕዳር) ይህልዎ። እቲ ምዕራባዊ ቆላን ሳሕልን ከኣ ንሱዳን ይወሃብ። ከምዚ ኢላ ኤርትራ ፋሕ ትብል ትጠፍእ። ኣመሪካን ካልኦትን ንግንባርን ወያኔን ብረቂቕ ኣገባብ ዝደገፉዎም ንስትራተጂ እስራኤልን ኣመሪካን ዘገልግል፡ ከይዱ ኸይዱ ግን ንኤርትራ ፋሕ-ብትን ዘብል ዕላማ ንምዕዋት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ’ቲ ብ1986 ዘሕተምክዎ መጽሓፍ ገሊጸ ነይረ። እዚ እማመ’ዚ ምስቲ ንታሪኽ ዝምድና ግንባርን ወያኔን ዝርኢ ገለ ጸብጻባት ክድመር ከሎ፡ ስኽፍታና ይተርር። ካብ 70ታት ጀሚርካ መሪሕነታት ግንባርን ወያኔን ዝተሰማምዑሉ፡ ንኤርትራ ፋሕ-ብትን ከብል ዝኽእል መደብ ኣሎ ዝብል፡ ሸለል ክትብሎ ዘይከኣል ሓበረታ ነይሩን ኣሎን። ብመሰረት ናይ’ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ፈሊኻ፡ ንኤርትራ ከኣ ፈናጪልካ ትግራይ-ትግርኚ ዝትሕዝቶኡ ሃገር ንምምስራት’ዩ። እዚ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ መደብ ትግራይ-ትግርኚ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደገኛ ኢዩ። ንኽልቲአን ሃገራት ፋሕ-ብትን ዘብል ኢዩ። ኤርትራ ክትፈናጣሕ ንዝብል መደብ ኣትሪርና ንጻረሮ። ሓድነት ኤርትራ ንኽሕሎ ኣቦታትና ኣብነታዊ ዝኾነ መስርሕ እንካን ሃባን ኣካይዶም ኢዮም፡ ብክንደይ ቃልስን ጥበብን ሓድነታ ሓልዮም ዘጽንሑልና ሃገር፡ መደብ ትግራይ-ትግርኚ መታን ክሰልጥ ፋሕ-ብትን ክኣትዋ ኣይንፈቅድን። ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር መሳርሒ ኰንካ ኤርትራ ክትበታተን ብዝኾነ መንገዲ ምትሕብባር እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ክድዓት ምዃኑ ክፍለጥ ኣሎዎ። ሓድነት ኤርትራ ክሕሎ ኣለዎ ኢልና። ሓድነት ኢትዮጵያኸ? ሓድነት ኢትዮጵያ እውን ክሕሎ ዘለዎ ነገር ምዃኑ ከስምረሉ እደሊ ኢየ። ንሕና ኤርትራውያን ንሓድነት ኢትዮጵያ ብኽልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ደው ክንብለሉ ይግባእ። 1. ንሕና ሓድነትን፡ መሬታዊ ምሉእነትን፡ ሉዓላውነትን ኤርትራ ክኽበረልናን ክሕለወልናን ንደሊ። ከምኡ ኸኣ እምበኣር፡ ሓድነትን መሬታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ኢትዮጵያ ክኽበርን ክሕሎን ከም ዘሎዎ ብመትከል ክንኣምን ኣሎና። እኳ ደኣ ሉዓላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ሃገራት ክኽበር ከምዘልዎ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ መትከል ኢዩ። 2. ሓድነት ኢትዮጵያ እንተዘይተሓልዩ፡ ማለት ኢትዮጵያ ፋሕ-ብትን እንተኣትዩዋ፡ ኤርትራ ኸኣ ከም እትፈናጨል ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ንኢትዮጵያ ፋሕ-ብትን ዘብል መደብ ንኤርትራ’ውን ይትንክፋ ኢዩ። ስለ’ዚ እምበኣር ቀጻሊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንቐጻሊ ሓድነት ኤርትራ ኣድላዪ ስለዝኾነ ነኽብሮን ንድግፎን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንቐጻሊ ሓድነት ኢትዮጵያ ምኽባር መትከልናን ዓለም ለኻዊ ሕግን ብሙዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጭቡጥ ንጥቕምና እውን ስለዝኾነ ደው ክንብለሉ ይግባእ። ከምኡ ኸኣ ኢትዮጵያውያን ንሓድነትን ሉዓላውነትን ኤርትራ ደው ክብሉሉ ኣለዎም። 5. ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፡ ኤርትራ ኣብ’ቲ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ሃልያ፡ ካብ’ዚ ኩነታት እዚ ንኽገላግሉዋ፡ ንደቃ ጥራይ ዘይኮነ ንኣባላት ዓለም-ለኻዊ ማሕበረ ሰብ እውን ኣውያታ ካብ እተስምዕ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ነዚ ኣውያት እዚ ንኽንደይ ዓመታት ዝሰምዑዎ ሓይልታት ተቓውሞ ግን ክረድእዋ ኣይተረኽቡን። እዞም ሓይልታት ተቓውሞ ንኤርትራ፡ ማለት ንህዝብን ሃገርን፡ ንምድሓን መታን ክበቕዑ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ቅድም ቀዳድም እዚ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ጉዳዩ ወናኒ ንሙዃን ክበቅዕ ኣለዎ። ዋንነት ጉዳይካ ክበሃል ከሎ ‘’ኣውቶኖሚ’’ (ርእሰ ምምሕዳር) ክህልወካ ኣለዎ ማለት ኢዩ። ኣብ ጉዳይካ ብልዕሌኻ ኮይኑ ብዝኾነ መልክዕ ዝቆጻጸረካ ወይ ተጽዕኖ ዝገብረልካ ባዕዳዊ ሓለቓ ክህሉ የብሉን ማለት ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ካብ’ዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኪዳን ዘሎ ውድባት ናይ ጉዳዩ ዋንነት ዘለዎ ኣይመስልን። ወነንቱን ዘወርቱን ካልኦት ይመስሉ። ሓቂ ኢዩ፡ ኣብ ከም ኩነታትና ኮንካ ክትቃለስ ከለኻ ደገፍ ፈተውቲ መንግስታትን ምንቅስቃሳትን የድልየካ። እዚ ደገፍ እዚ ግን ዋንነት ጉዳይካ ዘግድፈካ ክኸውን የብሉን። ስለዚ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ንሕቶ ደገፍ መንግስታትን ምንቅስቓሳትን ብዝርኢ ኣዚዮም ክመራመሩ ኣሎዎም። ተመራሚሮም ናቶም ኣውቶኖሚ ዘረጋግጹሉ ሜላን ኣገባብን ክህንድሱ ኣሎዎም። ሓይልታት ተቓውሞ ካብ ዝኾነ ኣካል፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት መንግስታትን ምንቅስቃሳትን፡ ክርከብ ዝከኣል፡ ዋንነት ጉዳየን ዘይገፈን ሓገዛት ከናድያ ኣለወን። ነዛ ነጥቢ እዚኣ ከስምረላ እደሊ ኢዬ። ብፍላይ ንጎረባብትና ብዝርኢ፡ ንሉዓላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ዘኽብር ክሳብ ዝኾነ ጊዜ፡ ካብ ዝኾነ ኣካል - መን’ዩ ብዘየግድስ - ሓገዝ ክንቅበል መሰልናን ንጥቕምናን ኢዩ። ብኣንጻሩ ከኣ እምበኣር ዋንነት ጉዳይና ብሓቂ ዘየኽብረልና ደጋፊ - መን ኢዩ ብዘየገድስ - ንሉዓላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ብዝምልከት ምሒር ተኣማኒ ክኸውን ስለዘይክእል፡ ብዓቢ ጥንቃቐ ክቕረብ ዘለዎ ኢዩ። ሓይልታት ተቓውሞ ሓቀኛ ሓድነት ክህልወን ኣለዎ። መሰረት ሓቀኛ ሓድነት ከኣ ሓባራዊ ወይ ዝቃዶ ዕላማ ኢዩ። ዕላማኻን ስትራተጂኻን ሓደ ወይ ዝቃዶ እንተዘይኮይኑ፡ ትርጉም ብዘለዎ ዓይነት ሓደ ውድብ፡ ወይ ሓደ ምሕዝነት፡ ወይ ሓደ ኪዳን ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንተቓወምቲ ኤርትራውያን ብዝርኢ እዚ ነጥቢ’ዚ ካብ ዝልለ ነዊሕ እዋን ኣለዎ። እኳ ደኣ ኣብ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ሓድነት ወይ ምቅዳው መታን ክህሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ከም ዘሎዎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተረዳዲእናሉ ኢና። ስለ’ዚ ሕጂ እውን እምበኣር፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ብመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ገይረን ንናይ ቀረባን ርሑቕን መደባተን፡ እንተኾነ ሓደ፡ ከብኡ ተረፈ ዝሳነ ክገብራኦ ኣለወን። ነዚ ምስዝገብራ ነቲ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ተደላዪ ነገራት ንኸማልኣ፡ ንህዝብን ሃገርን ንኸድሕና ኸኣ ይበቕዓ ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ምስኡ ዝተተሓሓዘ እዋናዊ ኩነታትን የምጽኣና። 6. ንሃገራዊ ዋዕላ ብዝርኢ ኣብ ናይ ዓሚ ፈስቲቫል፡ ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ፡ ሓደ መልእኽቲ ምስ ምሕጽንታኡ ኣመሓላሊፈ ነይረ። ሓደ ዓመት ሓሊፉ ከብቅዕ እቲ ኩነታት ኣይተመሓየሸን፣ እኳ ደኣ መሊሱ ዝተሓላለኸን ዘጸግምን ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ”ወርክሾፕ”፡ ‘’ሰሚናር’’ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልእ ቦታታትን ክካየድ ከም ዝቐነየን፡ ‘’ሃገራዊ ዋዕላ’’ ብዝብል ተጸውዖ ስፍሕ ዝበለ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑን ዝሕብር ጸብጻባት ከነንብብ ቀኒና። በዚ ሎሚ፡ ኣፍ ኣውጺኡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝጻረር ኣካል እንተዘየልቦ እኳ፡ ኩሎም ውድባት ኣይኮኑን ሓቀኛ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ዝደልዩን ዝድግፉን። እቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ሓቀኛ ዋዕላ እዞም ሕጂ ሓደ ውድብ ንሙዃን ዝቃራረቡ ዘሎዉ (አረ ዳርጋ ኮይኖም ኢዮም)፡ ሰውራዊ ባይቶ (ማለት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ)ን ሰልፊ ዲሞክራስን፡ ህዝባዊ ምንቅስቃስን ኢዮም። እቲ ኣብ ኩነታትና ጽፉፍን ኣድማዕን ዝኾነ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ፡ እቲ ብሽማግለ ማኒፈስቶ ካስል ዝተዳለወ ሰነድ ብንጹር ኣስፊርዎ ዘሎ ኢዩ። እዚ ሰነድ ወይ መጽናዕቲ እዚ መንግስቲ ኢሳያስ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ክድርበ ኣሎዎ ኣብ ዝብል ዕላማ ዝተመስረተ ኢዩ። ምስ መንግስቲ ኢሳያስ ዘተ’ዶ ዕላል’ዶ ዝበሃል ነገር የልቦን። ሸቶ ናይ እዚ ሓቀኛ ዋዕላ ኣብ’ዚ መድረኽ እዚ እምበኣር ነቲ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝህቅን ቃልሲ ምዕባይን ምሕያልን ኢዩ። እዞም በዓል ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ግን መሰረታዊ ለውጢ ዝደልዩ ኣይመስሉን። ‘ቃልስና ብሰላማዊ መንገዲ ኢዩ’ ኢሎም ኢዮም። እዚ ከይዱ ኸይዱ፡ ምስ መንግስቲ ኢሳያስ ወይ ህግዲፍ ኣብ መኣዲ ዘተን እንካን ሃባን ዘእትዎም ኢዩ። ትጽቢቶምን ድልየቶምን እዚ ምዃኑ ዝእምት እኹል ምልክታት እውን ኣሎ። ሓደ ከነስተባህለሉ ዘሎና፡ ነዞም ውድባት እዚኦም ዝምልከት ነጥቢ ኣሎ።እዞም ውድባት እዚኦም ምስ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ጽኑዕ ዝምድና ዘማዕብሉ ዘለዉ ይመስሉ። እቶም ሰልፊ ዲሞክራስን ህዝባዊ ምንቅስቃስን እኳ፡ ካብ ህግዲፍ ዝመጹ ኮይኖም፡ ምስ ህ-ወያኔ ዝጸንሐ ዝምድና ዝነበሮም ኢዮም። እቲ ዝነበሮም ጥራሕ ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ። እቲ ዘገርም ናይቶም ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜያት ዝተጸንበርዎም፡ ውልዶ ጀብሃ ዝኾኑ ሰውራዊ ባይቶ (ሕጂ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃሉ ዘሎዉ) ኢዩ። እዚ ውድብ’ዚ፡ በዚ እዋን’ዚ ብዘስደምም መጠን ንመንግስቲ ህ-ወያኔ ክውድስ ይርከብ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንታሪኽ ወያኔ ኣብ ሰውራ ኤርትራ የሞጉስ ኣሎ። ንኣብነት፡ ምስ’ቲ ዓሚ ወከልቲ ሰውራዊ ባይቶ ንመቐለ ዝገበሩዎ ዑደት ብዝተታሓሓዘ፡ ናይ’ቲ ውድብ ክፍሊ ዜናን ባህልን ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ብጊዜ ብረታዊ ገድሊ “ደቂ ትግራይ” ምእንቲ ኤርትራ ብጅግንነት ተሰዊኦም ኢሉ ኣሞጒሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ መስዋእት’ዚ ‘’ታሪኻዊ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን’’ ዘመስከረ ኢዩ ክብል ነቲ ነጥቢ ጸቐጠሉ። ነቶም ብግንባርን ወያኔን ዝጠፍኡ ሰማእታት ጀብሃ ጠሊምካ፡ ንግደ ወያኔ (ወይ ከኣ ብቋንቋ ሰውራዊ ባይቶ ንግደ ደቂ ትግራይ) ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምቅንጃው ፈጺሙ ሕሱር ብሙዃኑ በቶም ዝነኣዱ ዘለዉ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ እውን ለቕላቒ ዘብለካን ዘንዕቐካን ኢዩ። ገለ ካብ ካድራት ሰውራዊ ባይቶ እሞ ኸኣ፡ መንግስቲ ኢህኣዲግ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝትግብርዎ ፖሊሲ ከይሓፈሩ ይድግፉን የድንቑን አለዉ። ካልእስ ይትረፍ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2006 ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝተኻየደ ወራር እኳ ‘’ኢትዮጵያ ኣብ ቃሕ ዝበላ ጣልቃ ትእቶ፡… ንዓና ኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነን’’ ብምባል፡ ነቲ ወራር ጨለ ስጉምቲ ኢዩ ዳርጋ ይብልዎ። ካብኡ ሓሊፎም እውን ሶማል ብጊዜ ብረታዊ ገድሊ ዝገበረትልና ዝጠቅም ነገር ኣይነበረን፡ ወያኔ ኢዮም ዝገበሩልና፡ ‘’ብ “2 ኢዶም” እኳ ንናጽነት ፈሪሞምልና፡ እናበሉ ብዘሕንኽ መጠን ንመንግስቲ ኣዲስ ኣበባ የቃባጥሩ ኣለዉ። ንታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብዝርኢ ይኹን ንውሽጣውን ዞባውን ፖሊሲ መንግስቲ ህ-ወያኔ ብዝምልከት፡ ሰውራዊ ባይቶ ሕሉፍ ናእዳ ከስምዑ ክትዕዘብ ከሎኻ ኣብ ገለ እከይ መደብ ተሰሪዖም ኣለዉ ኢልካ ክትግምት ናይ ግድን ኢዩ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዘ ክፍለጥ ዘለዎ ሓደ ነገር ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ተንቀሳቐስትን፡ ብፍላይ እኳ እቶም ሰዓብቲ ህ-ወያኔ ዘይኮኑ፡ ነዚ ብገለ ውድባት ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ናይ ምልቕላቕ ጠባያት ይዕዘብዎን ይምዝግብዎን ኣለዉ። ነቲ ንዳሕራዩ፡ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። 7. ሰውራዊ ባይቶ (ሰልፊ ህዝቢ) ምስ በዓል ሰልፊ ዲሞክራሲ ብመስመር ጽገና ዝዛመዱ ዘለዉ፡ ኤርትራ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ኣብ እትርከበሉ፡ ሕቶታትን ጥርጠራታትን ዘልዕሉ ተርእዮታት ከኣ ኣብ ዝገሃዱሉን ዘሎ እዋን ኢዩ። ገለ ካብ’ቲ ተርእዮታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ። (1) ኤርትራ ከም ዓዲ ሰብ በሪሳ፡ ዳርጋ ሞይታ ኢያ። ድኽነት፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ባርነት፡ ሕማም፡ ሞት፡ - እዝን ምስ’ዚ ዝተተሓሓዘ ሻቕሎትን ኢዩ ሰፊኑዋ ዘሎ። ስርዓተ-ሕግን ቀጥዒ-ምሕደራን ዝበሃል ዳርጋ የልቦን። እቲ ዘገርም ነገር እዚ ናይ ኤርትራ ጸገማር ካብ ጉድለት ዓቕሚ ወይ ጉድለት ትሕዝቶ ዝነቐለ ዘይምዃኑ ኢዩ። መንግስቲ ኢሳያስ እንተዝደሊ፡ ኩነታት ህዝብና ካብዚ ዘለዎ ኣዝዩ ዝሐሸ ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። እኳ ደኣ ንህዝባዊ ኣገልግሎት - ማለት ንዕደላ እኽልን መግብን፡ ሕክምና፡ መጓዓዓዚ፡ ወዘተ.- ብዝርኢ፡ ህ-ግንባር፡ ካብ ከም መንግስቲ ኣብ ኣስመራ፡ ብጊዜ ብረታዊ ገድሊ ከም ውድብ ኣብ ሳሕል ከላ ትሓይሽ ነይራ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። ሕስብ እንተቢልናዮ እኮ፡ መንግስቲ ኢሳያስ ነቲ ህዝቢ ምንም ኣይገብረሉን ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ እቲ ህዝቢ ንገዛእ ርእሱ ክሕግዝን ክተሓጋገዝን እኳ ኣይፍቀደሉን ዘሎ። ካበ’ዚ ተበጊሰ ኣነ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግር ኮነ ኢሉ መንግስቲ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ኢዩ ክብል እደፍር። እዛ ሕጂ ዘላ ኩነታት ከም’ቲ ገለ ኣመሪካውያንን እንግሊዛውያንን ንረብሓ ስትራተጂኦም ኢሎም ዝዛረብዋ ዝነበሩ ‘’ኤርትራ ነብሳ ኣይትኽእልን ኢያ’’ ተብል ኢያ። ስለ’ዚ ኤርትራ ነብሳ ካብ ዘይከኣለት ትፈናጨል እሞ ገሊኡ ኣካላታ ንሱዳን፡ ገሊኡ ኸኣ ንኢትዮጵያ ወይ ንትግራይ ይኺድ መታን ክበሃል ዶኾን ይኸውን ኩነታት ህዝብና ከምዝበርስ ዝግበር ዘሎ ኢልካ ክትግምት ትግደድ ኢኻ። እቲ ሕጂ ምሒር ከፊእዎ ዘሎ ህዝቢ እኽልን ካልእ ኣገልግሎትን እንተ ተዋሂቡዎ እሞ ኩነታቱ ቁሩብ እንተተማሓይሹሉ ሓሊፉልና! ኢሉ ነቲ ሓድሽ ዝምድናታት ክቕበሎ ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ እውን ከይሃለወ ኣይተርፍን ኢዩ ኢልካ ክትጠራጠር ናይ ግድን ኢዩ። (2) እቲ ካልኣይ ተርእዮ ምስ’ዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ነጥቢ ዝዛመድ ኢዩ። በዚ እዋን’ዚ ኣብ ገሊኡ ምሁራዊ ዓንኬላት፡ ኤርትራ ካብ ቅድም እንተኾነ እውን ነብሳ ኣይትኽእልን ኢያ ዝብል ኣዘራርባ ክቀላቐል ጀሚሩ ኣሎ። ምቅላሕ ናይዚ ሓሳብ’ዚ ወዝቢ ይኹን ወይስ ምስ ገሊኡ እከይ መደባት ዝተተሓሓዘ ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን። (3) እቲ ሳልሳይ ተርእዮ ሓደ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስክዎ ነጥቢ ኢዩ። ንሱ ከኣ ንነዊሕ እዋን ዓበይቲ ካድራት ህ.ግንባር ኮይኖም፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንኽትፍለ ኣጽዒቖም ዝዋፈሩ ዝነበሩ ባእታታት፡ ሕጂ ‘’ምፍላይ ጌጋ ኢዩ ነይሩ’’ እናበሉ ጣዕሳኦም ይገልጹ ምህላዎም ኢዩ። ስለምንታይ ሕጂ ከምዚ ይብሉ ኣሎዉ? እዚ ዘረባኦም ስቕ ኢልካ ዝፍኖ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ምፍላይ ኤርትራ ጌጋ ኢዩ ነይሩ እሞ፡ ሕጂ ካልእ ዝምድናታት ንቀበል መታን ክበሃል ክኸውን ይኽእልዶ? እዚ ዘረባታት ወይ ጣዕሳታት እዚ ኣካል ናይ’ቲ ገለ እከይ መደባት ንኽሰልጥ ዝግበር ዘሎ መንጸፍ ክኸውን ይኽእልዶ? ኢልካ ምሕታት ሃጠው-ቀጠው ወይ ሃለውለው ኣይኮነን። (4) እቲ ራብዓይ ተርእዮ ንኣቀዋውማ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝርኢ ኢዩ። ኣብ እዚ ንሽሙ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኪዳን ተጠርኒፉ ዝበሃል ውድባት፡ ንሓድነት ኤርትራ ሓደገኛ ብዝኾነ መስመራት ነንበይኑ ተሰሪዑ ዘሎ ኣካላት ኣሎ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ሰለስተ ልፍንታት ኣሎ፡- ማለት ልፍንትታት ከበሳዊ ውድባትን፡ ምዕራባዊ ውድባትን ብሄራዊ ውድባትን። እዚ ፍልልያት እዚ ክገፍሕ ዝኽእል ነቓዓት ፈጢሩ ንኤርትራ ፋሕ-ብትን ንናይ ምባል መደብ ከገልግል ይኽእል ኢዩ። (5) እቲ ኣገዳሲ 5ይ ተርእዮ ኸኣ ንምርጫ ዝርኢ፡ ካብ ወገን መንግስቲ ኢሳያስ ይመጽእ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ኢዩ። ከም እትፈልጥዎ ዓሚ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሐትት፡ ንምርጫ ይኹን ንጉዳይ ዲሞክራሲ ብናይ ምስትንዓቕ መንፈስ፡ ዳርጋ ‘’እንታይ ዝኸውን ዲሞክራሲ፣ እንታይ ዝኸውን ምርጫ ኢዩ ንሱ’’ ዝዓይነቱ፡ ዘስደምም ዘረባ ኢዩ ዝተዛረበ። ሕጂ ግን ህግዲፍ ሓዲሽ ቋንቋ ክዛረቡ ጀሚሮም ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣሎ። ንኢሳያስ ዝለዓለ ኣማኻሪኡ ዝኾነ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ብዓል ጀርመን ሆላንድ መጺኡ፡ ኣኼባታት ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባታት ን2011 ዓ.ም - ማለት ድሕሪ 2 ዓመት - ኣብ ኤርትራ ምርጫ ክካየድ ኢዩ ክብል ገሊጹ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። ታሪኽን ባህልን ኣረኣእያን ኢሳያስ ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ እቲ ምርጫ - ብሓቂ ክግበር እንተኾይኑ - ንገለ ተወጢኑ ዘሎ እከይ መደባት ንምምላእ ዝካየድ ናይ ሓሶት መስርሕ ጥራይ ከምዝኸውን ምግማት ይከኣል። ንኣብነት ከም እንፈልጦ፡ እዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም፡ ኣገባብ ቃልስና ሰላማዊ ኢዩ ዝብሉ ውድባት፡ ምስ መንግስቲ ኢሳያስ ዘተን ምርድዳእን ዝደልዩ ኢዮም። እምበኣር እቲ ክግበር’ዩ ዝበሃል ዘሎ ምርጫ ነዞም ምስ መንግስቲ ህግዲፍ ክረዳድኡን ክተሓባበሩን ዝደልዩ ውድባት መንገዲ ክጸርገሎም ወይ ማዕጾ ከርሕወሎም ዝተባህለ ሜላ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። 8. ኣብ ክሊ ናይ’ዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ሃዋህው ኢዩ እምበኣር ‘’ወርክሾፕ’’ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ተገይሩ፡ ሃገራዊ ዋዕላ እውን ክካየድ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ። እንታይ ዓይነት ዋዕላ ኢዩ እዚ? ብሓቂ ሉዓላዊ ዲዩ? ነቲ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ - ማለት ንመንግስቲ ህግዲፍ ሚሒኻ ንምድርባይ - ዝግበር ቃልሲ ክድግፍ ዝተባህለ መስርሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ከም’ቲ መንግስቲ ህግዲፍ ከካይዶ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ምርጫ፡ እዚ እውን ‘’ሃገራዊ ዋዕላ’’ ብዝብል ሽም ኣኼባ ገይርካ፡ ምናልባት ምስ ኢሳያስ፡ ወይ ምስ ካልኦት ኣካል ስርዓት ኢሳያስ ዝኾኑ ጉጅለታት ምትዕራቕን ምትሕብባርን፡ እሞ ነዚ ሓቀኛ ተቓዋሚ ሓይልታት ንምቕሃም ዝዕላማኡ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ከም’ቲ ብዙሓት ኣስተብሂልኩምሉ ዘለኹም፡ ኣብ’ዚ ክካየድ ዝቐነየን ዝካየድ ዘሎን ን’’ሃገራዊ ዋዕላ’’ ዝጠቅስ ንጥፈታት፡ ነታ ሽማግለ ማኒፈስቶ ካስል ዘዳለወታ ሰነድ ዝምልከት የልቦን። እዛ ሰነድ እዚኣ ከምዘየላ ተቖጺራ ‘’ሃገራዊ ዋዕላ’’ ምስ ዝተባህለ ነገር ዝተሓሓዘ መደባት ይካየድ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከም’ቲ ዓሚ ዝበልክዎ፡ ነዛ ሰነድ እዚኣ ንምቕባር ከይሲ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። እዚ ጻዕርታት’ዚ ኸአ ታሪኻዊ ገበን ኢዩ። ነዛ ሰነድ እዚኣ ብዝርኢ፡ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ምልላይ የድሊ። (1) እዚ መጽናዕቲ እዚ ብዙሕ ጻዕሪ ዝተገብረሉ ኢዩ። ብትግርኛ ተዳልዩ፡ ተሓቲሙ፡ ናብ ቋንቋ ዓረብ ተተርጒሙ፡ ብኢንተርነትን ከም መጽሓፍን ንኽዝርጋሕ ክንደይ ጊዜን ጻዕርን ወዲኡ። ስለ’ዚ ነዛ ሰነድ እዚኣ ምቕባር ምፍታን ንጻዕርታት ግዱሳት ደቂ ሃገር ዘየኽብር፡ ትርጉምን ልዑል ግምትን ዕዮ ዘይርዳእ፡ ድሑርን ዘይሓላፍነታውን መንፈስ ዘንጸባርቕ ገበን ኢዩ። ብኻሊእ ኣዘራርባ እዚ ገበን’ዚ ተሞክሮ ሰውራ ኣሎና ካብ ዝብሉ ኣካላት ዘይትጽበዮ፡ ድሑርን ጸረ ምዕባለን ኣተሓሳስባ ዘግህድ ኢዩ። (2) እቲ ካልኣይ ነጥቢ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይ’ዛ ሰነድ ዝርኢ ኢዩ። እዛ ሰነድ እዚኣ ህዝባዊ መንቀሊ ዘለዋን፡ ተልእኾ ህዝቢ ዝሓዘለትን ኢያ። ሳላ ንጡፍ ምንቅስቓስ መሰረታት ሃገራዊ ጉባኤ - ወይ ከአ ኣባላት ዲሞክራስያዊት ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ - ኣብ ካስል ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ወከልቲ ህዝቢ ተኣኪቦም ሓደ ማኒፈስቶ ተኸቲሙ፡ ህዝቢ ኻአ ተቐቢልዎን መሪቕዎን። ምስ ትግባረ ማኒፈስቶ ብዝተተሓሓዘ ኸኣ እዛ ሽማግለና ሓደ ቁም-ነገር ከተስልጥ ቆይማ፣ ውጽኢት ጻዕሪ ሽማግለና ኻአ እዛ ሰነድ እዚኣ ኢያ። ብሓቂ፡ ብሓቂ እዛ ሰነድ እዚኣ ታሪኻዊት ኢያ። ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ምድላው እዛ ሰነድ ዓቢ ግደ ዝነበሮም ኣባላትና፡ ሓው እስማዒል ዓሊ ኣሕመድ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ኣፈጣጥረአንን ብሃገራዊ ሓልዮተንን ተልእኾአንን፡ ብድምቀት ዝልለያ ሰለስተ ሰነዳት ኣለዋ ይብል። ንሳተን ከኣ እታ ናይ 1952 ሕገ መንግስቲ ኤርትራን፡ እታ ናይ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ዝኣወጃ ፕሮግራምን፡ እዛ ሽማግለ ማኒፈስቶ ካስል ዘዳለወታ ‘’ሃገራዊ ዋዕላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ’’ ዘርእስታ ሰነድን ኢየን። እስማዒል ናይ ታሪኽ ምሁር ኢዩ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ዝህቦ ርእይቶ ሚዛን ዘለዎን ተኣማንን ክኽበር ዘለዎን ኢዩ። እምበኣርከስ ነዛ ሰነድ እዚኣ፡ ብቑሉዕ ዲዩ ወይስ ብሰላሕታዊ ኣገባብ ምቅዋም፡ ጸረ ዕዮ፡ ጸረ ዲሞክራስን፡ ጸረ ህዝብን ዝኾነ ተልእኾ ኢዩ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ነዛ ሰነድ እዚኣ ዝቃወም ዘሎ ኣካላት ብተግባር ካብ ክሕደት ሃገር ኣብ ዘይንእስ ገበን ኢዩ ተዋፊሩ ዘሎ። እምበኣር ኩሉ ደላይ ሓቀኛ ለውጢ ዘበለ ምንቅስቓሳትን ውድባትን፡ ንመንግስቲ ኢሳያስ ንምውዳቕ ምስ ዝተተሓሓዘ ጻዕሪ፡ ኣብ’ዛ ሰነድ ማኒፈስቶ ካስል ዝተመስረተ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽካየድ አእጃሙ ንኸበርክት እናተሓሳሰብኩ ዘረባይ እዓጹ። ስለ ዝሰማዕክሙኒ ብዙሕ አመስግነኩም! የቐንየለይ።