ሒቕታ ገላውዴዎስ ኣርኣያ
ብጌታቸው ረዳ
(Editor Ethiopian Semay)
10/23/2021
“ከመይ ሓገኹም” ዶስ “ከመይ ከረምኩም” ክንብል? ነዊሕ ኮይኑ፡ ዝኾነ ኾይኑ ሰላም ንኩሉኹም ንመንበብቲ ቶጎርባ።
ናብ’ታ ኣርዕሰይ ቅድሚ ምእታወይ ኣብ መጻኢ ሰሙን “ክፍሊ 2” “ወያነ ይኸስብ ዶ’ሎ ወይስ ይኸስር?” ናብ ዝብል ብምዕራባዊያን ዝስነ ዘሎ “ወራድ መርዓ”፤ ክትንትነልኩም እየ።
መቸስ “ትግራይ ትዕወት” እንዳበሉ ከም ቁልጡፍ ሽሮ “ ብ
“ቶኽ ቶኽ” ልቦም ሞሊቋቶም ዘላ ጋንታ “ትግራይ ትስዕር” “ዓወትና ይዕምር ኣሎ” ዝብሉዎ “ትርጉም ዓወት” ዘይተረዳኦም “ምስ ዓለቕቱ ዝሰትዩዎ” ዘለው “ዓወት” “pyrrhic victory” ምኳኑ ኣይተረደኦምን። ብዛዕባ እዛ ቃል እንግሊዝ ምስታ እትቐርብ ሓተታ ኣብ’ታ ሳልሰይቲ ክፋል “ኣብሪሕና” ስለ’ንርእያ ንሎሚ ናብታ “ሒቕታ” ገላውዴዎስ ኣርኣያ ክመርሓኩ
እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ቅድሚኣ ዝጻሐፍኩዋ ብሃንደበት ስለዝተደምሰሰትኒ፤ ካልኣይ ጻዕሪ ገይረ እዚኣ ኣቕሪበያ ማለት እዩ።
መቸስ “ሒቕታ” ዝፈቱ ሰብ የለን። ሒቕታ “ተካል” ድኺም እትብሉ ኤርትራዊያን? “ተካል” እያ።
እወ ‘ዑሾኽ” ጎሮሮ እያ። ሒቕታ “በዚኣ መጸት” እንተይበልካያ “ሸ ሽዑ” ኣብ ጎሮረኻ “ውርም” እንዳበለት “ኣይ ከይትዛረብ ኣይ ክይትውሕጥ” “ስግድ” ኢላ “ደው” እተብለካ “ፍጥራታዊ ደውታ/ ፌርማታ” እያ።
ዕባይ ኤርትራ “ትግራዋይ” ዶክተር ገላውዴዎስ ትፍልጡዎ ኢኹም ዝብል ግምት ኣለኒ። ቀደም ኣብ ውድብ “ኢሕአፓ” ዝባሃል ተጋዳላይ “ኢትዮጵያዊ ውድብ” እዩ ነይሩ። ዳሓር ናብ ውድብ ገዛ ወይንቲ ‘ሰላሕ’ እንዳበለ ‘ውጥም ቅልቅል’ ይብል ነይሩ፤ሎሚ ‘አማን ብኣማን’ እግሩ ‘ኣናጊፉ’ ናብ “ገዛ ወይንቲ ኣትዩ” ወይኑ! ንኢትዮጵያ ‘እንትዝንጥል’ ንሰምዖ ኣለና።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ አዋን “ትግራይ ሚዲያ ሃውስ” ኣብ ዝባሃል “ወየንቲ’ ብሕሶት ‘ዘጉሩዑሉ’ መርበብ ሓበሬታ ቀሪቡ ቃለ-መሕትት ተገይርሉ፤ “ትግራይን ትግራዋይነትን ብኸመይ ትገልጾ? ን’ትብል ሕቶ ፡”ህሊና ታደሰ” ካብ እትባሃል ንእሽቲ *young* ጓል ሓቲታቶ፤ ብዘስደምም መልሲ ክምዝስዕብ ሃበ።
“የቐንየለይ!” ጽቡቕ እዩ፤ እቲ ናይ መጀመርታ ሕቶ “ትግራዋይ መን እዩ? ካብምንታይ እዩ መጺኡ? ዝብል ሕቶ እዩ ቀሪቡ፡ብጣዕሚ አገዳሲ ስለዝኾነ….ብመሰረቱ ናይ መንነት ሕቶ እዩ። ብጸቢቡ እንተርኢናዮ፤ ‘ትግራዋይ’ ዝባሃል ህዝቢ ‘ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ’። ኣብ ትግራይ ዘሎ ክልተ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እውን ከም “ኢሮብን፤ኩናማን” ዝኣመሰሉ “ተጋሩ እዮም” ንብሎም”።…..
…..ብገፊሑ እንተርኢናዮ ድማ ‘ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እቶም ትግርኛ ዝዛረቡ ተጋሩ እዮም” ኢና ንብሎም።”
ምስበለ እንደገና ከም መብርሂ እዚ ዝስዕብ ይህብ፡-
“ከም ሮቋሒ፤ብዙሕ ጊዜ ከም መረዳእታ ገይረ ዝወስዶ “ቋንቋ እዩ”።ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ሓደ መንነት ኣለዎ ንብል። ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ካልኦት ረቛህቲ እውን ኣለው እዮም። ከም ባህሊ ዝመሰለ ፤ከም ኣገባብ ማእቶታት ፤ብሃይማኖት ዝኣመሰለ፤ ካልኦት ረቛሒታት ዘራኽቦ እውን ኣሎ
…..ግን ሓደ-ሓደ ጊዜ ናይ ስነልቦና ፍልልይ ኣሎ። ተጋሩ ንኤርትራዊያን “ኣሕዋትና ኤርትራዊያን” ክብሉዎም ሰሚዔዮም እየ።ርግጽ እዩ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ብቋንቋ፤ብአገባብ ማእቶት፤ብሃይማኖት እንተኸይድና ሓደ ህዝቢ እዩ።ግን ብጥልያን 50 ዓመት፤10 ዓመት ብእንግሊዝ ተገዚኦም ስለዝነበሩ ሓደ ፍልይ ዝበለ መንነት ስለዝተፈጠረ እምበር ‘ሓደ ህዝቢ እዩ”። ስነ ልቦናኦም ድማ ፍልይ ዝበለ እዩ። ስለዚ እቲ ስነ-ልቦና እውን ኣብ ግምት ክነእትዎ ኣለና እምበር፤ተሃንዲድካ “ሓደ ኢና “ ምባል እውን ቡቑዕ ኣይኮነን”…
ይብል እሞ ብምቕጻል ከምዚ ይብል፡
…. “ሓንሳብ ሓንሳብ ንምቅርራብ፤ንዲፕሎማሲ ዝግበር እዩ፤ንሱ ድማ ይርድኣኒ እዩ።እቲ ህዝቢ እውን ኣጸቢቑ ንክፈልጦ እቲ ስነ ልቦና ኣብሮቛሒ ክነእትዎ ኣለና።”
“እዚ ካብ በልኩ፤ ነታ ካልአይቲ ሕቶ ‘ትግራዋይ ካበይ መጺኡ ንዝብል ሕቶ ንድሕሪት ኣሻሓት ዓመት ተመሊስና እንተርኢና እቲ ሕቶ ንምምላስ “ብቐሊሉ ዝምለስ” ሕቶ ኣይኮነን”: ብምባል ነታ ካልአይቲ ሕቶ ብምምላስ ብሰፊሑ ይትንትን።
ናብቶም ተጋሩ እዮም ዝባሃሉ ቅድሚ ምእታውና ፤
ብሰንኪ ስነ ልቦና ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ “ትግርኛ ተዛረብቲ” ኤርትራዊያን ሓንቲ ነገር ክብል። እታ ገላውዴዎስ ዝዛረባ ዘሎ “ብሰንኪ መግዛእቲ 60 ዓመት” ዝመጸት ስነልቦና፤ ዝብላ ዘሎ፤ ጌጋ እያ። መብዛሕቶም ከበሳ ኤርትራዊያን (ማለት ብሄረሰብ ትግርኛ) “አንድነት”፤”ፍቕሪ ሃገር” ፤ብዝብል ልቦም ብፍቕሪ ሀገረ ኢትዮጵ ዝነደደ “ከም ዋሪ” ብጉጅለ ሓድነት ዝነፍሩ ዝነበሩ ሰብ ከበሳ ልቦም ኣይተተንከፈን ነይሩ። ስነልቦና ማሕበረሰብ ኤትርራ ኣብ “ዕግንግን” ዘእተውዎ ዳሓር ዝተቐልቀሉ መንእሰያት እዮም።
“ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ/ገሊኦም ዝተወልዱ/” ከም እኒ ገላውዴዎስ ዝበሉ ተጋሩን፤ ከም እኒ ኢሳያስ አፈወርቂን ፤ወዘተ…. እምበር እቶም ኤርትራዊያን ሰብ ከበሳ “ትንኩፍ ስነልቦና” ኣይነበሮምን። ነገር ዝተበላሸወት ድሕሪ “ምሕንጻጽ ፌደረሺን” ዝተኸስተ “ዛንጣ ማዕንጣ“ እምበር ምስ ስነልቦና ዘራኽቦ ነገር የለን።
ሕዚ ናብታ ቀዳመይቲ ሕቶ “ትግራይ መን እዩ፤ብኸመይ ትግልጾ? ንእትብል ሕቶ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃቦ ምላሽ እንተዳ ርኢና፤ ዘማያይጥ ጉዳያት ኣለው። እታ ሒቕታ ዝበልኩዋ ኣብዚኣ እያ እትቕልቀል።
እስከ እዚኣ ንርኣያ፡
“‘ትግራዋይ’ ዝባሃል ህዝቢ ‘ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።” ይብል ኣሎ። መሊሱ ድማ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ክልተ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እውን ከም “ኢሮብን፤ኩናማን” ዝኣመሰሉ ህዝቢ “ተጋሩ እዮም ንብሎም።” ይብል፡-
ብጻልጣ እንተዳአ ገሊጽናዮ “ትግራዋይ” ንሓደ ሰብ መጸውዒ መንነት መብርሂ ቃል እዩ። “ተጋሩ” ድማ ብልግዐ “ንሓፈሻዊ ህዝቢ” መጸውዒ መንነት ቃል እዩ። ሓደ ትግራዋይ “ትግራዋይ” እየ ይብል እምበር ፡ ”ተጋሩ” እየ ኣይብልን።
ገላውዴዎስ ‘ብውድብ ፍቕሪ ወየንቲ ምስተሓልከ’ ፤ ኣብ “ክልል” ኣምሓራ ዝርከቡ ከም “አገው፤ቅማንት፤አዊ፤ ኦሮሞ… ወዘተ.. ወዘተ..” ዝባሃሉ ዓልየታት (ነገዳት) ብዓይኒ ሚዛን ገላውዴዎስ ኣብኦም ኣይሰርሕን።
እዚኦም ዋላ ቋንቋ አምሓርኛ ከም ካልኣይ ቋንቆኦምን (ሃገራዊ መራኸቢ ቋንቆኦም) ገይሮም ይዛረቡዎ እምበር፤ ገላወዴዎስ ግን ኣብዚኦም ክበጽሕ እንከሎ ከምቶም “ትግርኛ ከም መራኸቢ ቋንቋኦም” ገይሮም ዝጥቀሙ “ንኩናማን ፤ሳሆን፤አገውን *ከም* “ተጋሩ” ቆጺሩ “ተጋሩ ይባሃሉ” ዝብሎም ነቶም ኣብ ውሽቲ “ክልል ኣምሓራ” ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓልየታት ግን “አምሓሩ” ኣይብሎምን።
ንምንታይ? ገላውዴዎስ ኣብ ቃሉ ዘይርከብ “ውዕል ፈሰስ” ስለዝዀነ ንምፍራስ ኢትዮጵያ ስለዝብህግ ዘሎ “ነቶም ኣብ ውሽጢ “ክልል አምሓራ” ዝርከቡ ዝተጠቕሱ ዓልየታት ‘’ካብ ኣምሓሩ” ንምንጻል ዝተገብረ ሰይጣናዊ ተንኮል እዩ። ብቋንቆኦምን ባህሎምን ስለዝፍለዩ” ከም ኣምሓሩ ብዘይምርኣይ “ተፈልዮም” ናቶም “ክልል” ከም መንግሥቲ ትግራይ ኢሉ ንትግራይ ዝጽዋዓ ፤ነዚኦም እውን “መንግሥቲ አዊ፤ መንግሥቲ አገው፤ መንግሥቲ ቅማንት፤..ኦሮሞ…” ኢሉ ብምስማይ ንኣምሓራ ፈልዩ ንምድኻም ዝገብሮ “ተንኮል ወያኔ” ተረኪቡ ይሰርሓሉን ይሙጉትን ስለእንሰምዖን ዘለና እዩ።
ቋንቋን ባህሊን ከም ረቛሒ/መመዘኒ/ ገይሩ ይወስዶም አሎ”። እሞ’ “ሃይማኖት፤ባህሊ፤ስነ ልቦና፤ አጻሓሕፋ ፊደል፤ ማእቶት” ኣብ ውሽጢ ኣምሓራ ዝርከቡ አገውን ፤ቅማንትን ሃይማኖቶምን “ምስ ኣምሓሩ ፈጺሙ ዝፈልዮም የለን፡ (ተዋሃሂዶም እዮም ምባል ይካአል) ደርፎም፤ሳዕስዒቶም ቋንቋ ዘረባኦም 99% አምሓርኛን ባህሊ ኣምሓራን እዩ። ኣብ ወሎ ዘለው አገው ደርፎም
ሳዕስዒቶም ራአይዎ!!! አምሓርኛ እዮም። ገላውዴዎስ “ናብ ክልል ትግራይ” ክመጽእ እንተሎ ግና “ ኩናማ” “ሳሆ” “ኣገው” ባህሎምን፤ ቋንቆኦምን፤ሃይማኖቶምን፤ ማእቶቶምን ኣናባብራኦምን” ፈጺሙ ካብቶም “ተጋሩ” ዝተፈልዩ ሙኻኖም እንዳፈለጠ “ከም ተጋሩ ገይሩ “ሓደ ሃይማኖት፤ቋንቋ፤ማእቶት፤ባህሊን” ሓደ እዮም ኢሉ ‘ከም መዘዘኒ ትግራዋይነት” ቆጺሩ “ከም ተጋሩ ገይሩ ክሰምዮም ምርኣይ እታ ናይ ታሪኽ ምሁር እየ ዝብላ ዘሎ “ዱክትርንኡ” ብሒቕታ “ተሰጊዳ” ኣብ’ዚ ንርእያ ኣለና።
ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ‘ትግራዋይ” እዩ ይብለና ኣሎ። እቶም ትግርኛ ዘይዛረቡ ኣብ ጩው ዝበለ በረኻን ቆላን ዝነብሩ ‘ኩናማ፤ሳሆ፤ኣገው ካብቶም 96% ኦርቶዶክስ ክርስትያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ዝተረፉ 4% ሃይማኖቶም ካቶሊክ፤ፕሮተስታንትን እስልምናን እዮም። ስለዚ ብሃይማኖት እኳስ ፍልልዩ ራአይዎ፡ ብቋንቋ ድማ ኩናማ ኮኑ ሳሆ ትግርኛ ዝዛረቡ ብኣጻብዕቲ ተዘይኮይኖም ትግርኛ ኣይዛረቡን። ትግርኛኦም “ኮልታፍ” እዩ።ዝጥቀሙዎ ፊደል እውን “ዕድመ ፡ንወያነ/ዕድሚኡ ዳኣ ትሕጽር እምበር” ፊደሎም ብግዕዝ ፊደል ዘይኮነስ “ብላቲን (A B C..) ከምዝጽሕፉ እዩ ገይሩዎም ። እቲ ማእቶት ዝብሎ ዘሎ እውን ካብቶም 96% ዝባሃሉ ተጋሩ 4% መናብሮኦም ክልተ ብዕራይ ጸሚዶም ዝሓርሱ ሓረስቶት ዘይኮኑስ እቶም ዝበዝሑ “ሰበኽ ሳግምን ‘ከብቲ’ ምጥራይን እዩ፤ “መብዛሕቶም” መነባበሪኦም።
አሳራራሓን ኣማጋግባን ምግቦም እውን ዝተፈላለየ እዩ። ብባህሊ ብቋንቋ ፈጺሙ ከምቲ ገላውዴዎስ ዝሰብከና ዘሎ መመዘኒ “ተጋሩ” ከብሎም ዘኽእል መመዘኒ ኣይኮነን።ስለዚ “‘ትግራዋይ’ ዝባሃል ህዝቢ ‘ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።” ንዝበሎ ብዘረባ ገላውደዴዎስ ንምኽምባት ዝኣክል “‘ትግራዋይ’ ዝባሃል ‘ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ እዩ።” ዝብል እቕበሎ እየ። ግን መሊሱ ድማ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ክልተ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ እውን ከም “ኣገው፤ ኢሮብን ፤ ኩናማን..” “ተጋሩ እዮም ንብሎም” ምባል ኣይካአልን።
ንገላውዴዎስ ቀንዲ ሚዛን ‘ትግርኛ’ እትባሃል ቋንቋ እያ። ምሳአ ካልኣይቲ ቋንቋ ምኽኣል “ትግራዋይ” ንክትባሃል ወሳኒት ሚዛን ኮይኑ ዝነግረና ዘሎ “ኣብ ትግራይ” ጥራሕ እያ እትሰርሕ። ኣብ ካልእ ግን ኣይትሰርሕን።
እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኩናማን ዐፋርን፤ሳሆን፤ትግረ፤ቤጃ…
ካልኦትን “ትግርኛ ስለዝተዛረቡ “ትግርኛ” ኢና ኢሎም ዶ ይፈልጡ? ኣይብሉን። ዓልየቶም ካልእ ስለዝዀነ!!
ኣብ ትግራይ ግን ገላወዴዎስ ካልእ የምህር ኣሎ። እዚ “ምክሐ” እዚ “ጨናዊ እዩ፤ ዝበድበደ ጠስሚ ወያነ እዩ!”
ወያናይ ገላውዴዎስ ጉዳይ “ቅማንት” ለይትን ቀትሪን “ሒኹ” እንዳበለ “ዝሓቑኖ” ዘሎ ጸሊም ፀባ “ቀንዲ ፀላእተይ እዮም” ንዝብሎም ንህዝቢ “አምሓራ” ብህዝቢ ብዝሓትን ምጣነ ሃብቲን ንምድኻም ብኡ’ውን “ብቅማንት” ገይርካ “መገዲ ሱዳን” በሪ ደኾን ንርክብ ብዝብል ወየንቲ ዝሃቡዎ “ቤት-ዕዮ” እዩ ዝንቁ ዘሎ።
እታ ትግራዋይነትን ኣኽሱማዊነትን ከራኽባ ዒሕ ዝብል ዘሎ ፤ሓጻር መልሲ ክህብ!
ንሕና ተጋሩ ንሕና ፈጠርቲ፤ንሕና፤ንሕና፤ንሕና እትብል ምንቋይ በዚሓ ኣላ። ምኽንያት ኣለዋ። ብዛዕባ እኒ ንጉሥ ዞስቃለስ/ዘ ሃቃል/ ዝባሃል ነጉሥ ‘ናይ አኽሱማዊያን ፈላማይ ንጉሥ” እዩ ንዝብሎ ጌጋ እዩ። መስራታይ ንግሥና ኣኽሱም ካልእ እዩ። ክብረነገሥት ዝብሎ ካልእ እዩ። ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ “ተጋሩ ካህናት” ዝብልዎ ካልእ እዩ።
“ንጉሥ ዞስቃለስ’ ትግራዋይ እዩ ነይሩ ንምባል እዩ። ንዓልየት “ግእዝ” ዝኾርኮሞም “ንሱ እዩ” ነይሩ። ዶ/ር ገላውዴዎስ ግና ንምንታይ ከምዝረቑሖ እውን ኣይተረዳኣንን። ንጉሥ ዞስቃለስ/ዘሃቃል/ ኣብ ከተማ ኣኽሱም እውን ኣይኮነን መንበሪኡ ነይሩ። ተጋሩ ኣብኡ ኢና መቦቆልና ‘አጋአዚያን’፡ንባህል” ይብል ገላውዴዎስ። ግዕዝ/አጋአዚያን/ እንመን እዮም? ግእዝ/አጋአዚያን/ በንጉሥ ኣዶሊስ ብኸመይ ተወቕዑ? ቀጺሉ ተጋሩ ኣብኡ ምንባርና አስማት ነገሥታት “ትግርኛ” ዘለዎም ስለዝነበሩ ኢሉ ከም መደገፊ ዘቕርቦ ዘሎ መቦቆል፤ ብሽም እንተዳኣ ከይድና “ነገሥታት ኣኽሱም” መብዛሕቶም፤ “እስራኤላዊያን፤ግሪኻዊያን፤ ኩናማ፤ አምሓርኛ” ኣለዎም። ኣምሓርኛ ዘደምጽ ጥንታዊ ቦታታት (ኣብ ኣኹም ከተማ) አለው (ቡዙሓት)። ነይርና ክፋእ የብሉን፡ ግን ንሕና ኢና መቦቆል ኣኽሱም፡
ካልኦት ግና “ካልኣይ” “ተረፍ መረፍ እዮም” ፤ “ድቓሉ” እዮም ምባል ግን ተመሊሳ ዝባንካ እትድፋእ “ሓመኹሽቲ”
እውን ከምዛ ምፍላጥ ኣሎ።
ተጋሩ ዝባሃሉ ኣይፍለጡን እዮም። ትግረ ግን ኣለው’፤ ነይሮም እውን (አስማቶም ኣይቀየሩን) ኣገው ነይሮም፤ ሎሚ እውን ኣለው። ዓፋር ነይሮም ሎሚ’ውን ኣለው፤ ቤጃ ነይሮም ሎሚ’ውን ኣለው። እታ “ትግራይ/ተጋሩ” እትባሃል ስም “ብኸመይ ተሰወረት” በይዛ!!?”
ሑሙምን ሰነፍን ጥራሕ እዩ “ብጽርየት “ዝምድር። እንኳን ዶ ወዲ ሰብ ‘ቋንቋ” ትግርኛ ከም እቲ ቀዳማይ ትግርኛ ኣይኮነን። ፈጺሙ!
ነግሥታት ኣኽሱማዊያን ደቂ እዚ ተባሂሎም ብግልጺ ዝፍለጥ የለን። ምኒሊክ ሓንፈጽ እዩ!! እስራላዊ። ናበይ- ናበይ ናብ ሮማ!
ዞስቃለስ ዝባሃል ትግራዋይ ብኸመይ ትግራዋይ ኮነ? ወዲ ኣይተ ገብሩ፤ ወዲ እምበይተይ ለምለም…. ኢልካ ዝጽዋዕ ዓልየት ዶ ኣለው? ንጉሥ “ኢዛና ወልደ ኣለ ኣሜዳ” ማለት እንታዋይ ይባሃል? ትግራዋይ? ብኸመይ?
ኢዛና ምስ ህዝቢ ዓፋን (ዓፋር) ውግእ ገጢሙ ፤ ምስ ህዝቢ ግእዝ፤ ምስ አገው ውግእ ገጢሙ (አኽሱም ዝነበሩ አገው) ምስ በጋ (ቤጃ) ውግእ ገጢሙ ነይሩ። ኩሎም ስዒረዮም ይብል።
ሽሙ ዘይተገልጸ ናይ ኣዶሊስ ንጉሥ “ምስ ህዝቢ ዓጋመ” ውግእ ገጢሙ “አምበርኪኸዮም ይብል” ። እዚ ንጉሥ እዚ ኣብ ኣዶሊስ ደው ዘበሎ ሓወልቲ ዝገደፎ ጽሑፍ እዩ።
ግን ኣነ ትግራይ ወዲ እገለ ኢሉ ኣይጸሓፈን። ዓጋመ ናይ ሎሚ ተጋሩ እዮም። ዓፋር ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ትግራይ እዮም ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ንጉሥ ኣገቢሩ ስሒቡዎም ማለት እዩ። እሞ “ዝኹሉ ስም ክጽዋዕ ብኸምይ” አነ ትግራዋይ ንጉሥ፤መቦቆሎይ “መቐለ” “ዓዲ ቐርኒ” ወይ “ሰለኽለኻ” ፤ “ማይጨው” ፤
“ተምብየን” ኣይብልን። ኣኽሱም እውን “ንጉሠ አክሱም” እዩ ዝብል እምበር “ወዲ አኽሱም” ኣይብልን። ኣብ ከተማ አኽሱም ዝነገሰ ዝነበረ ኩሉ “መቦቆሉ” አኽሱም ማለት ኣይኮነን። እታ “አክሱም” እትብል እኳስ “ክ” ናብ “ኽ” ኢልና ነምብባ’ለና። ንምንታይ? ቃላትን ዘርእን ተለዋጢ እዩ። ቃል እንትቕየር “ትግራይ” ዝብል ወይ ተጋሩ ዝብል ምስ “አጋዚያን” ፈጸሙ አይገጥምን። ሱቕ ጡዑም!
ተጋሩ ተሰኲንና ኣይንፈልጥን፤ ይብል ገላውዴዎስ።
ዋእ! ናይ ጥዕና ድዩ? እንተዳኣ ገለውዴዎስ ንሕና ተጋሩ ኣኽሱማዊያን ኢና ዝብል ኮይኑ እቶም “ቤጃ” ናብ ኣኽሱም መጺኦም ብኸመይ ንነገሥታትን መኳንቲ ኣኽሱምን “ኣህዲሞም” ስልጣነ ኣኽሱም ብኸመይ “ደርዓሙዋ”? ጉዲት ከ? ውቤ ክንደይ
ዓመት ገዝኣ ንትግራይ! ምኒሊክ? ድሮ ኵናት ባድመ ተረሲዑ? ክልተ ዓመት ሙሉእ ሻዕቢያ ንባድመ ሒዙ ብርስት እንተውርድ፤ ብዓቕሚ ተጋሩ ዝምለስ ስለዘይነበረ ከምታ ናይ ብዘበን ምኒሊክ ኣብ ዓድዋ ርድኡና ዝበሉ ኣብ ባድመ አውን ኡይታ! በይዛኹም ርድኡና ኢሎም ተጋሩ ንኢትዮጵያዊያን ጠሪዖም ዶ ኣይኮነን እዮም ተጋሩ ነጻ ዝወጹ? ድሮ ባድመ ተረሲዑስ “ተጋሩ ተሰኲና ኣይንፈልጥን ይባሃል ኣሎ?!
ዎ!!! ኣይጽወይን!!
ጥልያን ን ራእሲ መንገሻ ካብ ኣከለጉዛይ ጀሚሩ ምስ ኣህደሞም ዶ ኣይኮን እዩ “ተጋሩ” ን ምንሊክ ጸዊዖም ርዳእ ኢሎም ኣብ ዓድዋ ንጥልያን ዘሰኮኑዎ? ተጋሩ ጥራህ እንተዳአ ኣሰኲኖሞ ነይሮም፤ ስለምንታይ ናብ ምኒሊክ ጠሪዖም እዝ ኩሉ ሽሾ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ “ጎቦ ሶለዳ ‘ ዋዓለ? ዎ!!! “ባጥን” ምጥዋቕ ኣየድልን።
ንሕና ብታሪኽና ወሪርና ኣስፋሕፊሕና ህዝቢ ኣጋፊዕና ኣይንፈልጥን። ይብል ገላውዎስ። መንዳኣ? እንተበልካ “አምሓራ” ምኒሊክ ይብል። ወይትጉዱ። ኣኽሱማዊያን፤አጋአዚያን ኢና ይብል፤ እቶም ኣኽሱማዊያን ድማ ኣብ ልዕሊ ዓፋር፤
ኣብ ልዕሊ ኑባ (ሱዳን ኑቢያ)፤ኣብ ልዕሊ ሳባዊያን፤ ኣብ ልዕሊ ቤጃ ፤ኣብ ልዕሊ ወልቃይት፤ ዘውረድዎ ነገሥታት ኣኽሱም ምስፍሕፋፍ ወይ ግፍዒ ኣይኮነን ማለት ድዩ? ንፈጣሪ “ዓረስ” (ማሕረም) 50 ከብቲን 10 ሰባትን ሓሪዶም “መስዋእቲ” ዘቕርቡ ዝነበሩ ዶ ኣይኮኑን እዮም ነገሥታት ኣኽሱም። ተጋሩ “ዘይተኸየጥና/ዘይተዳቐልና/” “ጹርያት አክሱማዊያን” ኢና ዝብሉ እንተዳኣ ኰይኖም፤ እዞም “ንእኒ አጼ ምኒሊክ ምውቃስ እንታይ እዩ ጥቕሙ? “ራእሲ ኣሉላ” ዶ ኣይኮኑን እዮም ምስ ምኒሊከ ዘሚቶም ንደቡብን ምብራቕን ኢትዮጵያን ውግዕ ዝገጠሙ?
“ቀታሊ ነብሲ እንታይ እዩ “ምልክቱ?” እንተተብሃለ “ደም አብ ኣጻብዕቱ” ይብሉ።
ካብ እኒ ገላውዴዎስ እንታይ ክንጽበ? ንደቃሲ ዶ ሓልወኒ ይባሃል!? ባዕሉ ፈጣሪ ዳኣ ይሓልወና እምበር።
ወ ዳሓንኩም!
ጌታቸው ረዳ
(Editor Ethiopian Semay)
ትግራዋይ መን እዩ? 09/26/2021
https://youtu.be/3GzShcYQYyc
No comments:
Post a Comment