Monday, July 28, 2008

Tsegay Berhe's Hotchpotch at Pal Talk geza tegaru

Tsegay Berhe’s Hotchpotch at Pal Talk Geza Tegaru ጸጋይ በርሄን ዓዘር ቆዘሩን አብ ገዛ ተጋሩ ፓል-ቶ
ብጌታቸዉ ረዳ
ሳንሆዘ ካሊፎርኒያ (2000ዓ/ም)
ቅድሚ ናብ’ቲ ዉራይና ሒዘኩም ምእታወይ፤ ብጸጋይ በርሄን ብመሳፍንቲ ወያነን ካድረታቶምን ዝዉነን፤ዘዝመጹ ስርዓት ኩሎም “መጸይቲን መለኽቲን” ዘይበትከሉ ህዝቢ ትግራይ፤ ሎሚ ‘ዉን ፍትሒ እንዳረምተቱ ሆቴል ፓላሶታት እንዳነደቑ ፤ፀረ- አምሐራን፤ፀረ- ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት መደረኦም ዝሰብኩሉ፤ብሕልፊ ድማ-“ኮሚኒስታዊ ባንዴራ ባንዳታት” ዝስቀለሉ፤ ምሒር ስምዒት “ዓዲ -ኣቦ” ረስኒ “ጎጣያት” ከም ቁቡል ስነ ሓሳብ ዝዝርገሑሉ ህንጻ ቤትትምህርቲ እንዳነደቑ፤- ፍትሒ ሒዝናልካ መጺእና ዝበሉዎ ዘለዉ ምድንጋር ፤ባዕሉ እቲ ዉድብ ኣብ ስልጣን ዝሰየሞም ተጋደልቱ ፤ተመሊሶም ናብ ደርግነት ተቐይሮም፤ ሓረስታይ ብኸመይ ዝበለ መረረት ይገልጽ ከምዘሎ ክሕብረኩም’ሞ ፤ናብ ዉራይና ሂዘኩም ክኣቱ።
እቲ ዝጥቀስ መረረት ብናቶም ሪፖረተር/ዘጋቢ ኣብ መጽሄት ወይን ዝተሓትም ጸብጻብ እዩ። አዚ መረረት እዚ፤ ብዘበን ደርጊ፤ ወይ ብዘበን ገብሩ አስራት ዘይኮነስ ፤ብዘበን ምምሕዳር “ጸጋይ በርሄ” እዩ። ክጠቅስ-<<ኣብዚኣማ? ካሊእ ድምጺ ጠራዕ ኢሉ መጺኡ።……..> ይብል እቲ ዘጋቢ ኣብ ኣኼባ ሓረስቶት ተረኺቡ ዝዘገቦ መረረት። ጸብጻቡ እንትጀምር ከምዚ’ይብል፡.<< አብዚኣማ? ኣረ እዚ ሱር ዝሰደደ ነገር ከመይ ኢሉ እዩ ክብርቆቕ! ሕዚ ዘለዉ ገለ ኣመሓደርቲ ብነዊሕ ናይ “መን ጠያቒ ኣለኒ” ጉዕዞ ዝመጹን ዝገበሉን እዮም። ዝኾነ -ኮይኑ ኣሎ። ደጊም ንዓኣቶም ክንጥይቕ እንተበልና ብሓያል ማእለማ “ቁርንን” ዝበለ ጉድ -ከመይ ገይርና ክንፈትሖ ንኽእል!…….” በሉ። ምስበለ፡ እቲ ህዝቢ ሓደ- ብሓደ መረረት ምምሕዳርን ግስሩጥ ፍትሒን ዘስካሕከሖም ሓረስቶት እንዳተስኡ ምስገለጹ ፤ሓደ ወላዲ ተሲኦም - (ኣዉት ኦፍ ደስፐረሽን) (ጽልምት -ምስበሎም) ከምዚ በሉ ፤-
<< ጉልበት ዘይብልካ ኣይትዓትዕት-፤ ዳይና ዘይብልካ ኣይትመጉት>> ምስበሉ ኩሉ ተኣካባይ “እዝኑ ጸልዩ” ቀጻሊ ዘረባኦም ንክሰምዕ ተሃነጠወ። ይብል አቲ መጽሄት። ቀጺሎም ከምቲ ዝስዕብ ብምሳለ ገይሮም ነቲ ዝበልዎ ምስላ፤ ብካሊእ ምስላ ቀጸሉሉ።ይብል” << ሓደ ቁስሊ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንገዲ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኣብቲ ቁስሉ ድማ ጽንጽያ ነበርዎ። በዚ ዝሓዘነ ሓላፊ መንገዲ ፡ኣብ ልዕሊ’ቲ ቁስሉ ተጠፍጢፎም ዝነበሩ ፅንጽያ “ኡሽ!”…….ኢሉ ኣባረረሉ። ሰብኣይ በቲ ዝተገበረሉ ሓዘነታ ኣይተሓጎሰን’ሞ፤ ኢቲ “ኢሽ “ኢሉ ነቶም “ ጽንጽያ” ካብ ቁስሉ ዘልገሰሉ ሓላፊ መገዲ፤ ዋእ፤ ነቶም ሃመማ “ኡሽ” ስለዝበልኩልካ “ባህ” ዝበለካ ኣይትመስልን።ስለምንታይ? ተብሃለ። …”ዋእ”..ጎይታይ ዝሓዘንኩሙለይ መሲሉኩም እምበር እቶም ዝጸገቡ ፅንጽያ እንተባረርኩምለይ ዝጠመዩ ካልኦት እንድዮም ክመጹ። ስለዚ ንሶም ምሓሹኒ፤ በሎም ይባሃል>> በሉ። {ሓደ ካድረ ፤ብ ካሊእ ካድረ፤ መላኺን ጉቦኛን ብካልእ ቀጣፊ ኣማሓዳራይን እንተለዋጥኩሞም፤ ዝረብሓና ኣይኮነን። ኩሎም “ሌያቡ” እዮም። እዩ አቲ ምሳለ።} “ይቐጽሉ!” በሎም ኣቦ መንበር ናይ ደገፍ ምልክት ርእሱ አንዳነቕነቐ፤ በቲ ምስላ ተገሪሙ። ይብል አቲ ገዜጠኛ። -
<< ,፣እንታይ እየ ዝብል ዘለኹ’ማ ፃሓይ ብላዕሊ እያ እትወጽእ። መንግስቲ ‘ዉን ብላዕሊ እዩ ዝመጽእ። ሕዚ ኣማሓደርቲ እቲ ዝዋሃቦም መምርሒ ስራሕ ዝመጾም ፤ “ካብ ላዕሊ” እዩ ዝመጽእ።ካብ ላዕሊ ዝመጽእ መደብ ‘ናይ ዉድብን ናይ መንግስቲን’ መደብ ……እዩ ፡እናተብሃለ ኢና ንሕና ሓረስቶት ታአከቡ፤ ፈጽሙ እንትንባሃል እንሰርሕ/እንፍጽም። ታእዛዝ መንግስቲን ዉድብን ዘይፈፀመ ሰብ እንትቕጻዕ “ዉድብ” ዝበለቶ “ኣይፈጸምካን” እንዳተብሃለ እዩ። ዝኾነ መደብ ክዝርጋሕ እዩ እንትባሃል’ዉን “ዉድብ -ኣዚዛ” ይባሃል። ኮታስ “ሕማቅ -ይኹን ጹቡቕ” ዉድብ ዝበለታ ተባሂላ እያ እትፍለጥ…….። …..ብመን ጠያቒ ኣለኒ ጉዕዞ ዝገበሉ እዮም።…..>>””
ብምባል ካብቶም ኣብ ዉሽጢ እንደርታ ካባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት ዘስምዑዎ መረረት መጽሄት “ወይን” ዝቕረቦ እዩ። (ከምዚ ዝዓይነቱ ጸብጻብ፤ ኣብ ጊዜ ደርጊ ጋዜጠኛታት ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀበሌ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ምምሕዳር፤ ሰብ ስልጣን ህዘቢ የሳቕይዎ ‘ለዉ፤ የብድሉ’ለዉ እንዳተብሃለ ‘መረረት ናይ ህዘቢ’ ይጽብጸብ እዩ፤ ንኽባሃል ናይ “ስምዑልና” ዘገባ ዝሕተም ዝነበረ ማለት እዩ።)
እዚ ናኢ ወያነ ብልሽዊ ኣማሓድራ ፤ከም ህዘቢ ቻይና፤ ስታሊናዊት ሩስያን ፤ሂትለራዊት ጀርመንን “ቁዩድ” ዝኾነ ማፍያዊ ስርዒት ፤ ኣብ ልዕሊ ህይወት ተጋሩ ሓረስቶት ብሓንቲ ፓርቲ “ብዉድብ -ወያነ” ካድረታትን መደባትን፤ ከመይ ከምዝሳቐይዎ ዘለዉን አቲ “ዉድብ” ዘይ- ግሰስ መለኮታዊ ስልጣን ከምዘለዎ፤ አንደበት ሓረሰታይ ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብዝበሽቀጠ ስነ-ምግባር ፤ወሰን ብዘይብሉ “ምልኪ” ፤ ወያነ ዝሸሞም ኣማሓደርቲ፤ ማፊያዊ ን ኮሚኒሰታዊ ኣዋዳድባኡን፤ ካብ ደርጊ ዘይፍለ ኮሚኒሰት ዉድብ ሙኻኑ፤ ሊቃዉንቲ “friendly fascism’ ናብ ዝብልዎ ብርኪ’ምበር “ጥር” አትብል “ዲሞክራሲያዊ -ህይወት “አፋፍኖት” (አሰር/ጨና) የብሉን።ስርዓት ክማሓየሽ ኢሎም ዝተሰዉኡሉ “የዋሃት” ተጋደልቲ ኣሕዋትና ”ንበበለል” ንመጫደሪ ዉልቀ መለኽቲ ኮይኑ ምትራፉ የሕዝነና። ሕዚ ናብ ጸጋይ በረሄ ጉዳያት ነቋምት። “ንዉሕ ዝበለ ትንታነ” ስለዝኾነ፤ከይትደኽሙ፤ “ሃየ” ዝቑርጠም ፤ዝሕየኽ ቋንጣ መሳሊ፤ዝማዓጉ “ኣሰር-ዋሃ” መሳሊ አብ ጥቓ ጠረጴዛኹም ንቐደም አዳሉዉ። ----------------------------------------------- ሰናይ ንባብ። ንቀጽል፦ ለንቅነ ፤አብ ሰሌዳ ዓይጋፎረም፤ ሃለቃ ጸጋይ በርሄ ፤አብ ገዛ ተጋሩ-ፓል ቶክ፤ ቀሪቡ ብአወደስቲ ወያነ ዝተዳለወሉ መድረኽ ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከት ዝሃቦ መልስን ዝተገብረ ምይይጥን ተለጢፉ ሰሚዕኩም ትኾኑ።አቲ መድረኽ፤ ብወያነ ንዝኸ’ሱ ተቓወምቲ ዝተዳለወ ዘይኮነስ፤ ንወያነ “ዘወድሱን ዝቕድሱን” በኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ (ተበዝሑ ካብ 15-30 ሰባት ዘይበዝሑ) ስለዝነበረ ፤ ዑምቀት ዘለዎም፤ ትርር ዝበሉ፤ “ገበን” መራሕቲ ወያነነን ፤እቲ ጭፈራ (ኤሊት) ዝስዕቦ ዘሎ ኮሚኒስታዊ፤ዘርኣዊን ማፊያዊን ፋሽስታዊን ፕሮገራማቱን፤ ናይ ታሀገር ታሪኻን ሉዑላዊነታን ዝጻረር “ትልሙ” ዘቃልዑዎ ሕቶታት ካብደገፍቱ ክቐርብ እዩ ኢልካ ዝሕለም አይኮነን። ሰሚዕናዮ ድማ!
ብፖለቲካዊ ቋንቋ እንትሽረፍ ፤ካብ ሓደ አወዳሳይ ነቲ ዝዉደስን ዝቕደስን ባእታ ከብራሃሉ ዝደለዮ ጥያቐ፡ ሉዙብ/ፎኪስ (ፍሬንድሊ) ኮይኑ፤ አቲ ተወዳሳይ፤ ከተኩረሉ ዝደልዮም ን ነቶም ዝተጠየቑ ጥያቐታት ድማ ክምልሾም ተሎ “ዝፎኽሱዎን” ብዜጋታት ዝቐርቡ “ክሲ-ገበናት” መህደሚ ኩኾኑዎ ዝጥቕሙዎ “ጉለባባት-መልሲ” ክህበሉ ዝኽእል ሕቶ ጥራሕ እዩም ዘቕርበሉ። አብ ከምዚ ዝበለ አወዳሲን -ተወዳሲን አብ ዝራኸብሉ መድረኽ፤ እቲ ተወዳሳይ ዝቐርቡሉ ጥያቐታት ሉዙባትን ንምምላሶም ድማ ፎኮስቲ ጥያቐታት ሙኻኖም ስለዝፈልጥ፤ ከም ቀይዲ- ዝበተኸት ማል/ፈረስ ፤ፕሮፖጋንድኡ ክነፍሕ “ ነጻ መድረክኽ” ተዋሂቡዎ ክጫድር ይፎኹሶ ማለት እዩ።
እቲ መድረኽ፤ ብተቓወምቲ ዝተዳለወ እንድሕር ኮይኑ ግን፤ እቶም ጠየቕቲ’ዉን ተቓወምቲ አንተዝነብሩ፤ እቲ ሕቶ ፍጹም ዝተፈልየን፤ወጣራይን፤እንታይን ከመይን ክኾን ከምዝነብር ንምግማቱ አየጸግምን። ይዝከረኩም እንተዳኣ ኮይኑ፤ እታ ነቲ መድረኽ ዝመርሓቶ “ሕድያት ራያ? ኢሎም ዝጽዉዑዋ ዝነበሩ “ ጀዲድ/ሓዳስ” መወደሲት፤አብቲ መእተዊ ዘረባኣ ዝበለቶ ቃል ንጸጋይ ምስ አመስገነት፤<……………… አብዝመድረኽ አዚ ዘለዉ አባላት “ኩሎም ደቂ ዓድና እዮም!”> ዝብል ቃል እንትትጥቀም እንታይ ንክትብል ከምዝደለየት ብጣዕሚ ጉሁድ አዩ።
ከምዚኦም ዝበሉ በአዉራጃዊነትን “ብኩቱር” ትግራዋይነትን ስምዒት ተዋሖጦም አብ <ሰለልታ> ዝኣትዉ ባእታታት “ሳእኒ” (cult) መሳፍንቲ ወያነ ካብ ሙኻን አይሓልፉን። <<ብጣዕሚ፤ብጣዕሚ እየ ተሓጚሰ! መሬት ብዕልልታ ብንቅር ነበልኩዋ! ናማነይ እየ።አግባብነት የብሉን ኢለ እየ “እሽ” ልበልኹ……>> እንትትብል፤ከምዚኦም ዝበሉ ብኩቱር ስምዒት ‘ዝተተፍነጉ” ባእታታት፤ ነቶም ሀገራዊ ክሕደትን ፤ብዝሒ- ዘለዎም ሀገራዊ ወነጀላት/ ገበናት ንዝፈጸሙ “መሳፍንቲ ወያነ”ገበኖም ኣብ ከሚዚ ዝበለ አብ “መድረኽ - መወደስቲ” ክስማዕ እዩ ኢልካ ትጽቢት ምግባር ክስበት የብሉን። ቅድሚ ናብ ናይ ጸጋይ በረሄ- ዓዘር- ቆዘር ዘረባ ምእታዉና፤ብዛዕባ እዘን በፍቕሪ መለኽቲን ፋሽስታዊያን መሳፍንቲ ወያነ ትግራይ ተዓብሊገን “ብዕልልታ መሬት ክብንቅራ” ዝናዘዛ-ዘለዋን ፤ እቶም ሕሶት ተመጊቦም ዝዓግቡ መሳኪን አወደስቶምን ቁርብ -ክንብል እሞ; ናብ ጸጋይ ንኣቱ።
እታ፤ ነቲ መድረኽ ዝመርሓቶ “ምስኪን ዓላሊትን” ምሳኣ ዝዕልሉን ብከባቢያዊ ስምዒት ሕልናኦም ተሸፊኑ ብሳምባ፤ ወያነ ዘስተንፍሱን “መኳንንቲ ወያነ” ዋሃጡዎ- ንዝበሎም ጋእ ከይበሉ ብዑሙተይ ዝዉሕጡ “የዋሃን” ፤ገሊኦም ብትግራዋይነትን በወኣዉራጃዊ -ፍቕሪን ስለዝተሰፈጡ፤ አብታ ዝተወለዱላን ዝዓበዩላን ጎጥ፤ወረዳ፤አዉራጃ ክፈለሃገርን ዝንደቑ መንደቓት -ዝፋሓር ማይ ጉድጛድ፤ዝጭደድ ጽረግያ- መራኸቢ -መንገዲታት ንንየዉ ንዝመጻእ ጎንጺን መሳፍነቲ ወያነ ምስለገሱ አብ ግምት ኣእትዮም ዘይመዝኑ፤- መስኡ’ዉን ንሓዋሩ ምስካልኦት ዘለና ርክብ እነታይ ይጽበየና ከምዘሎ ዜኢፈልጡ፦ ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተማሓላለፈ ናይታ ሀገር ክቡር “ካባ -ሉዓላዊነት” ቀንጢጡ “ባሕሪ -ወደባትና” ንጸላእቲ ኢትዮጵያ “ዓዲሉ”፤ ሕጊ ናይታ ሀገር አብ ቅልጽሙ አእቲዉ፤ ንባዕሉ ናብ መለኮታዊ “ሀግጋት” ቀይሩ፤ ፍጹም መላኺን፤ ቀታሊን፤ቀያዲን ፤ፈታሒን ኮይኑ ግስሩጥ ፍትሒ ዘርጊሑ፤ ግህስት መሰል ዜጋታትን ስደት ስድራቤትን ተስፋሕፊሑ ፤ብዓይኖም እንተራኣዩዎ’ዉን “ንብ ፍፁም ኣባጊዕነት” ስለዝተቐየሩ ተጎተት’ቲ እዮም። ነዞም ካብ ብ “ክላብ”- አዉራጃዊ ፍቕሪን፤ ሰለልታ “ዓዲ አቦን” ፤ ካብ ትግራይ ንንየዉ ዘሎ አድማስ ዘይራኣዮም ናይ ሕልና “ዓይነ -ስዉራት” ከምቶም ጨፊሮም፤ተላህዮም፤መንዮም፤መንዮም፤መንዮም… ባዕሎም ዝገደፉዎም ቅድሚኦም ዝነበሩ መወደስቶም ፤እዞም ናይ ሎሚ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ አብ ሰሌዳ ኢንተርኔታት እንሰምዖም ዘለና ጀዳይድ/ሓደሽቲ መወደስቶም እውን፤ ባዕሎም መንዮም፤ ክሳብ ዝገድፉዎም፤ ንሎሚ ፤ በጎቦ ዓይኒና ርኢና ንሕለፎም ‘እሞ ፡ <ወያነ ብኸመይ አብ ወጻእ ኣወደስቲ ክረክብ ክኢሉ?> ንዝብል ንርኣይ። ወያነ አብ ክልተ ምስተመቕለ፤ መንሚኑ፤ ተዳናጊጹ ምንባሩ ክሓብኦ ዘይኽእል እዩ። ስለዝተዳናገጸ፤ አባላቱ’ዉን ነቲ ዉድብ ተጣራጢሮሞ፤ሰንቢዶም ብዙሓት አንዳሀደሙዎ በይኑ ዳርጋ ዝተረፈሉ ጊዜ እዪ ክባሃል ይካአል። <<ጠምቢዉካ- ኢኻ ፤ በኺትካ -ኢኻ>> ኢልና ንብዙሕ ዓመታት ተተዛረብናዮ’ዉን ዘረባ “ነፍጠኛታት” እነዳበለ እንዳሸፋፈነ ምእማን አቢዩና፤ዳሓር ባዕሉ ከም ገልዒ “ፈጋዕ-ጓዕ” ከም -ኳና “ሃደሽደሽ” ምስበለ <<እወ! ሓቅኹም እባ-ኢኹም፤ በኺትና ፤በስቢስና ፤ጠልቂና፤ጠምቢና ፤ጨኒና ፤ገምቢዉና ፤በትኒዕና>> ኢሉ “መለስ- ዜናዊ” ምስታኣመነ፤ ብተወሳኺ ብ1997 ዓ/ም አብዝተገበረ ህዝባዊ መረጻ’ዉን፤ “ብሳንጃ-ብረት” ዘስተንፍስ ድርጅት እመበር “ህዝባዊ መሰረት” ስለዘይነበሮ ፤ ብሕልፊ አብ ወጻእ ዝነብሩ አወደስቱ “ብብዝሒ” ስለዝካሐድዎን፤ ከምኡዉን ተቓወምቱ ብሰላማዊ ሰልፊ ታትን ብጥርናፈን ሓድነትን እንዳዓንተሩ ወያነ ዝገበሮ ሰብኣዊ ግህሰትን፤ “ሰላማዊ ሰልፊ’ዉን” ከምቲ ደርጊ ዝገበሮ “ኣዋጅ” ኣዊጁ መሰል ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ከልኪሉ፤ ስልጣን ህዘቢ “መንጢሉ” እዩ። እንዳበሉ የቃልዑዎ ስለዝነበሩ፤ ናይ ወጻእ ጋዜጣታትን መሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቑ ትካለት’ዉን <<ካብ ደርጊ ዘይሓይሽ>> ቀታሊ እዩ፤”ገባታይ -ስልጣን” እዩ; ናይታ ሀገር ንግዲን፤ ሀብቲን መሬትን ፤ ብናይ ኣሳራራሓ ኮመዩኒሰታዊ መደብ አቲ ዉድብ ብዉልቃዊ “ዋና-ነት” (ባለ-ቤትነት) ወኒንዎ እዩ። እቶም ተቓወምቱ፤ መጠጥዒ አባላቱ የዉዕሎ አሎ፤ይግብቶ አሎ ፤ እንዳበሉ የቃልዑዎ ስለዝነበሩ፡ በዚ ተሳነቢዱ ብምስጢር ንጨናፍር ቤት/ጽሕፈታቱ ዘማሓለፎም ማፍያዊ- ምስጢራት ናይ “ስለያን- ቅትለትን” መደብ ንምክያድ ዝተለሞ ምስጢራዊ ደብዳበ ስለዝረኸቡዎ፡ዓብይ ሕንከት ተሰሚዕዎ ከምዝነበረ ይዝከር። ንኣብነት 50/ ሓምሳ- ገጽ ዝሓዘ ምስጢራዊ ድርጅታዊ ናይ መለስ ዜናዊ ዝጻሓፎ መምርሒ ታኣዛዝ አንቢብኩሞ ትኾኑ። ካልኦት ማህደራት ንፍታሽ ጊዜ ከይወዳአኩም ምእንታን ክጥዕመልኩም፡ ጭቡጥ ማህደር ናይ ወያነ ኣምባሳደር “ፍስሃ አስገዶም” ካብ ዋሺንግቶን ናብ አዲሰ አበባ ንስዩም መስፍን ዝላኣኸሉ ምስጢራዊ ደብዳበ $50,0000 - $100,000 ዶላር ብህጹጽ ንክላኣኸሉ እሞ ፡ ንተቓወምቲ ክስልለሉን ፎቶገራፋቶም “ብኣዉድዮ ቪድዮ” እንዳተቐድሔ፤ ወያነ ንዝመርሖም ብምስጢር ዝሰርዖም፤ ንሰላልቲን ንቀተልቲ ነብሲን “ክዝርጉሑሎም” ክጥዕሞ ብምስጢር ካብቲ ወጻእ ጉዳይ ቤት/ጽት ተመዚዘዙ ኣብ ኢድ ተቓወመወቲ ዝኣተወ ደብዳበ አንብቡዎ። እቲ ዝበትነዔ ፤ዝበኸተ ዉድብ ፤ መሊሱ ህይወት ክዘርኣሉን (ምብካት ማለት ከምቲ ትፈልጡዎ ካብ ሞት ሓሊፈ “በድኒ” ማለት እዩ፤ “ዝበኸተ-በድኒ” ንከተትስእ ምፍታን ድማ ቀልዲ እዩ) ዝሀደሙዎን፤ ዝተጣራጠሩዎን፤ ዝፈረሱ ሓፋሽ ማሕበራቱን መሊሱ ንምምስራትን ንምጥርናፍን ክብል፡ ንዖዖም ንምትካእ ተጋደልቱ፤ ካደረታቱን ሰለልቲን (ገሊኦም ብጭቡጥ አሰማቶም ረኺብናዮ ኢና-ሓደ አብ ሳንሖዘ ይነብር!) ጨወይቲን ቀተልቲ ነብሲን ብስኮላር፤ ብትምህርቲ. በህክምና፣ ብዓዲ ምጉበናይ፤ ብስራሕ ታዕሊም…………ጉልባብ እንዳገበረ ናብ ዓዲ-ዓረብ፤ አሜሪካ፤ አዉሮጳን ካናዳን ሱዳንን ናብ ኬንያን ብምልኣኽ ፡ ነቶም ዝደኸሙ ማሕበራት ንምጥርናፍ ፤ሕቡእ ባእታ /ህዋስ ብምልኣኽ፡ እቶም ዝመንመኑ ሐፋሽ ማሕበራቱ፤ ትንፋስ ክሰርዕ፤ ናብ ዝነበሮ ብርኪ ንክመልስ፤ ይጽዕር ከምዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታ አለዉና። አዚ እዉን እዩ፤አቲ “ፓል- ቶክ” ዝባሃል መድረኽ ክጥቀመሉ ዝጓየይ ዘሎ። አብ ‘ቲ ካብ ኩቱር ትግራዋይነት ስምዒት፤ ካብ አዉራጃኦም ንየዉ ዘሎ ኣድማስ ፤ክጥምቱ ዘይካአሉ፡ ብፎኪስ ካቢያዊነት ዘረባ “ዝገር’ሩ” እቶም ኣብ ላዕሊ ዝራኣናዮም ኣባላት “ፓል -ቶከ” እንተዳኣ ተዓዚበኩም፡ ብጀካ እታ ነቲ መድረኽ እትመርሖ “ብራያታይ ዓዘቦታይ” አዉራጃዊነት ስምዒት ዝሰፈጣ ሓዳሽ “ ሳእኒ-ወያነ” (cult) ፡መብዛሕቶም አብ ዉሽጢ ወያነ ኣሕዋቶም ዘለዉዎም ደገፍቶም፤ ወይ ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፡ ወያነ ብሰኮላርን ብዝተፋላለየ “ጉልባባት” አሳቢቡ ዝላአኾምን እዮም። (አዚ ክብል ከለኹ አቶም ብኢድ ወያነ አብ በረኻ ኮነ፤ ሕዚ፤ ምስ ኣተዉ’ዉን ብዘይ-አግባብ ፤ብኢድ ወያነ ዝጠፍኡን ብሓዊ ዝተለብለቡን፤ ናይ ወለዲን ህጻዉንቲ መንእሰያትን “ደም” ከም <ደመ-ከልብ> ቆጺሮም ኣብ እዝኖም ክሰምዑዎ ዘይደልዩ-ንወያነ ብዕሙት ዘወድሱ ሰባት፡ ከም ሳዓብቲ “ደቂ-ናዚ” “ንልምዓት” እምበር ንጉዳይ “ሰብኣዊ -መሰል” እምበሽ/ “ዋጋ” ዘይህቡዎ መወደስቶም ኮይኖም ምርኣይና ሕዚዉን ዘሕዝን እዩ። እዞም ብናይ ከባቢያዊን አዉራጃዊን “ልምዓት” ምሒር” ገሪሮም” ዘስቆረቁሩ ዓለልቲን መንጨብጨብቲ ዉሕዳት ሙኻኖም ክነግረኩም እፈቱ። እቶም ነዚኦም ዘናሃህሩዎምን ክዕልሉ ብድሕሪት ዝደፋፍኡዎም ግና፤ ተጋደልቱ ዝነበሩ፤ ብጉልባብ ፤ ነቶም ወያነ ካብ ብስሩ/(ብሕት አንትብል- ካብ ወጋሕትኡ) ንዘይፈልጡዎ ከዳናግሩዎም ዝተልኣኹ “ሰብ-ስራሕ” ካድረታት እዮም።
ሕዚ ናብ ጸጋይ በረሄ ዓዘር ቆዘር ንኣቱ። (1) ማህደር ገበን ወያነ ዘንበብኩምን እትካታተሉን፤ ኣብቲ ዉሽጢ ዉድብ ዝነበርኩም- ጎባጥን ጎጣይን- ግስሩጥ ስራሕቱን ገበኑን ፤ግህስት መሰል ተጋደልቲን፤ ህዝብን አትፈልጡን ፡ብዓይኒኹም ዝራኣኹምን ፤ገሊኹም ከም መሸላ ህንክቶ ከም መሸባሕሪ “ኣብ ሓዊ” ብኣባላት ባዶ 6 ኣካላትኩም ዝተለብለበ፤ከም ክርስቶስ “ኣብ ቃስታ ህደሞ”፤ አብ በረኻ “ቤት-ማእሰርቲ” ብምራን -ብገመድ “ሰቒሎም” ብሓለንጊ ዝተገረፍኩም፤ አብ ፍረነ-ብሲኹም “ኳዳ” ዝመልኤ- ማይ- “አንጠልጢሎም” ብጨካን መርመራ ንሓዋሩ ከይትወልዱ ፍረ -ዘርኢኹም “ሃስዮም” ዝጎድእኹም፤ “ነበሲ- እተዊ” “ነብሲ ዉጺ” ብራሃጽ ጨንቂ ተኣሊኽኩም “አግዚኦ!!” አንዳበልኩም ዘትሳቐኹም ፡ ደምኩም ዝፈሰሰ፤ ስደራኹም ብዘይ ፍትሓትሒን አግባብ ብዘይብሉ ተበዲሎም ፤አልቦ-ገበን፤ ብኣባላት “ባዶ ሽድስተ” ዝተቐትሉኹምን ዝተሰወሩን፤ ሎሚ ብህይወት ዘለኹም፡ህያዉ ምስክራት ዝኾንኩም ተጋሩ፡ አብቲ “ፓል- ቶክ ፡ገዛ- ተጋሩ” ዝሰማዕኩሞ- ---ናይ ጸጋይ በርሄ ዘረባ አብ ትግራይ ፖሊስ ድሕሪ 24 ሰዓት ሰብ ከቕይድ አይኽእልን።ዝብሎ ዘሎ ዘረባ ገሪሙኩም ይኸዉን። ፖሊስ ልዕሊ 24 ሰዓት ንክኣስር ናይ ቤት ፍርዲ ታእዛዝ ክህልዎ ኣለዎ ዝብሎ ዘሎ “ቀልዲ” ካብ ቀልዲ አይሓልፍን። ባዕሉ'ቲ ፈራዳይ (ዳይና) ካብቲ ጉስሩጥ አሳራራሓ ወያነ መን’ዩ ነጻ አካል/ ባእታ/ኢንስቲቱሽን እዩ ዝበሎ? ጸጋይ- ድዩ?! እሞ “ጸጋይ” ኢሉና ተባሂሉስ ክዕለል? መን እዩ እቲ ፖሊስ? መንከ እዩ ትፈራዳይ? አቶም ፈረድቲ ወየንቲ እዮም፡ አቶም ፖሊሳት ወየንቲ እዮም። ወያነ ድማ እቲ እንፈልጦ ወያነ’ምበር ካሊእ ወያነ ኮይኑ ክመጽእ ኣይክእልን። ንስየ ኣብራሃ ብዋሕስ ዝሰደዶ ቤት ፍርዲ፤ ብክልኢት/ብሰከንድ ካብ ደጋኣፍ ቤት ፍርዲ ብናይ ታእዛዝ መለስ ዜናዊ “ፖሊስ” ጎቲቱ መሊሱ “ እአቲዉዎ!” ወያነ አብ አዲስ አበባን ኣብ ካሊእ ካባቢን፤ እዚ ወሰን ዝጣሓሰ መላኺን ገባታይ ስልጣን ን፤ “መን ክጥይቐኒ” ወሰን ዝጣሐሰ ምልኪ፡ አብ ልዕሊ ስየ ምልኪ ባህረታቱ እንተዳኣ ፈጺሙ፤ አብ ታራ ትግራዋይ ዜጋን አብ ከባቢ ትግራይ እዉን ዘይገብሮ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? ንምሳለ አነ ብጭቡጥ ዝፈልጦ ኣብ -ትግራይ ሓደ ወረዳ ከመይን መንን ይመርሑዎን ምሳለ ክህበኩም።
ናይ’ቲ ወረዳ ፖሊስ ኮሚሽነር (ሓላፊ) ሰብኣያ ነታ ናይቲ ወረዳ “ዳይና ዋና ሓላፊት” እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ አማሓድራ ዘሎ ሕብረተሰብ ፖሊስን ዳይናን ሰብኣይን ሰበይቲን አብዝኾኑሉ አሳራራሓ “ኣቤት” ኢልካ እትረኽቦ ፍትሒ ገምቱዎ። ሓላፊ ፖሊስ ንቃሕ ዝበሎ ኣሲሩ ‘ሰሙን'ተዳኣ ቀይድዎ ፤ ተኣሳራይ “ኣብየት!ኣብየት!” ኢሉ ናብ ፈራዳይ እንተዳኣ ጠሪዑ፡ እታ ፈራዲት ባዓልቲ ቤቱ ነቲ አዛዚ ፖሊስ ስለዝኾነት፤ ካብ 24 ሰዓት ንንየዉ ብዘይ ናተይ ታእዛዝ ኣሲርካዮ ኢኻ - ኢላ- ንሰብኣያ ክትቀጽዕ እያ ኢልኩም ትኣምኑ’ ዶ? ወይ ትጉዱ! ወያነ ከምት ዝፍለጥ ከምቶም ናይ ቀደም መሳፍንቲ ካብ መለስ ዜናዊ ጀሚርካ ክሳብ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዝነበረ ብሓዳር ብወዲ ሓዳር- ብስጋ ዝመድና ብብጻይነት ተቛላሊፎም እዮም ( ብኮሚኒስታዊ ‘ካልት’ ተቓላሊፉ እዩ)። እቲ ስርዓት ዝካየድ ብከም’ዚ ዝበለ ናይ መሳፍንቲ ዝዓይነቱ ብዝምድና ፤ብሓዳር፤ ብተጋዳላይነት፤ ብጻይነት ፤ብኣዉራጃዊነት፤ውድባዊ -ርክብ ፤”ዝተፋሕሰ” ስለዝኾነ ፖሊስ ምስቶም ዳያኑ ዘለዎ “ፍለልይን” አማሓደርቲ ምስ ካላኦት ጨንፈራት ዘለዎም ም”ትእስሳርን” እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣቃሊዑ ኣሕሊፉ ዝዋሃሃብ አይኮነን (እቲ ስርዓት ብኣባላት ዉድብ ወያነ እዩ ዝካየድ) ። ከቃልዑዎ-እንተዳኮይኖም እቲ “ኣካል” ኣንጻር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፍንጩል ኣካል ወያነ (ማለት ብመለስ ዝምራሕ ወያነ) ምንቅስቓስ ክጅምር እንተዳኣ ተዓዚበሞ ኮይኑ ጥራሕ እዮም ነቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ፖሊስ ክጣማመቱዎ ዝጅምሩ (ብምኽኒት “ሕጊ ምጥሓስ” አሳቢቦም ደልዮም ይብቀሉዎ/ኒሕ ይፈድዩ ማለት እዩ)። ስለዝኾነ’ዉን እዩ ጸጋይ በረሄ፤ሕዚ ኣብ ኣኼባ ዓረና “ብዙሕ ሰብ “ ዔኢርከብን ዝብል ዝነበረ። ምኽንአት አለዎ። አቲ ሰብ፤ ብፍርሒ ክሕወሶም አይደልን-ምኽንያቱ ብኻሊእ ወንጀል አሳቢቦም ናብራኡ የባለሽዉዎ ማለት እዩ።) (ከይብቀሉዎ- ብሕልፊ ሰራሕተኛ መንግስቲ ተኾይኑ ወይ ነጋዳይ ተኾይኑ፤ አብ ፖለቲካ ተቓወምቲ ከይኣቱ ብጣዕሚ እዩ ዝጥነቀቕ። ስለምንታይ ወያነ ጉልባብ ገይሩ ምቕያድ ይፈልጠሉ እዩ። ንስየ አብራሃ ዝገበሮ ተመልከቱ።) በዚ ምኽንአት እዩ ጸጋይ <ኣብ ወንበርታ፤ኣጽቢ ሕቶ አማሓድራ ዘልዓሉ ሰባት “ብኻልእ ወንጀሎም ተባኢሶም እዮም ተኣሲሮም እምበር፤ ምስቲ ዝተብሃለ ሕቶ ዘራኽቦ ገበን ተከሲሶም ብዝብል አይአሰርናዮምን። ፖሊስ ካብ 24 ሰዓት ዝነዉሔ ኣይኣስርን፡ አብ ቪኦኤ ዝሰማዕኩሞ ህሶት እዩ፤ አቲ ኩነታት ፤ንፖለቲካ ክጥቀሙሉ ዝደልዩ ክፍልታት ዝማሃዙዎ እዮ፡እመበር ሕቶ ኣቕሪቦም ኣይታኣሰሩን። ”>፤ ኢሉ ጸጋይ ነቶም መሳኪን ኣወደስቱ ኣብ “ፓል -ቶክ” እንትምልሰሎም “ኣሚነሞ” ። እቲ ብኻሊእ ገበኖም እዮም አቶም ዝተጠቅሱ ሰባት ታአሲሮም እመበር ንሕና ወይ ናይቲ ወረዳ ፖሊስ ብስልጣኑ ኣይኣአሰሮምን ይብል። አዚ ሽፋን አዚ ብሩህ እዩ። (ኮ-ኢንሲደንት- ድዮም ዝብለዎ ፃዓዱ?!)። ንፈልቶ ኢና። አብ ልዕሊ ስየ አብራሃን ታምራትን ዶክተር ታየን፤ የማነ አብን መኮንን ዶሪን…..ዝተገብረን ብኸመይ መንገዲ ተቓወምቱ ይብቀሎምን፤ ፋሕ ከምዘብሎም ዝሰልጠነሉ ቅጥፈት እዩ። ተጋደልቲ ካብ ድቃሶም ብለይቲ ጨዉዩ ምስ አጥፋኦም፡ ናብ ኣኼባ ከይዱ፤ ጦፍ ከይዱ፤ሰሊሙ፤ደርጊ ቀቲሉዎ፤ ናብ ገጽ ምዕራብ ተመዲቡ ወዘተ….ከምዝብል እትፈልጡዎ ሰባት ትፈልጡዎ ኢኹም። ናይ ጸጋይ በረሄ “ዓጀዉ-ጀዉ” ፖሊስ ልዕሊ 24 ሰዓት ክኣስር አይክእልን ዝብለና ዘሎ “ዘረባ ወያነ” እዩ። ዘረባ ወያነ ዝኣምን ድማ ሕሶት ክምገብ ዝደሊ ጥራሕ እዩ። ካሊእ ዘይንፈልጦ ወያነ ዶ ኣልዩ ኮይኑ?። ኣብ ክልተ ስለዝተመቕለ ክልተ ወያነ ኮይኑ እቲ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ክኾን፤ እቲ ሓደ ድማ መላኺ ክኾን አይክእልን። ኩሎም ሓደ አብዝነበሩሉ ጊዜ “ገበሩ ፕረዚዳንት ጸጋይ በርሄ ምክትሉ” ኮይኖም ትግራይ ኣብዝገዝኡዋ ጊዜ፦ ኣይኮነን ዶ 24 ሰዓት ንዓመታት ገበኖም ከይፈለጡ ተኣሲሮም ገበኖም ብ ቤት ፍርዲ ዘይተርኣየ፤ ዘይተመስከረሎምን ተሳቕዮም እዚ’ያ በደልኩም ተይተብሃሉ ዝተፈትሑ ኣለዉ። ኤልሳ ተስፋይ ብዘይ ገበን ኣሳቕዮም ኣሲሮም ንብረታ ወሪሮም ንቤት-ፍርዲ ከይቀረበት ብዘይ-ገበን አሳቕዮም መጨረሽታ ፈቲሖማ። 'ቲ ዝበጽሃ በደል፤ አብ ሪፖረተር ጋዜጣ ዘንበብኩም ሰባት (ንሳ ጥራሕ ኣይኮነትን ብዙሓት አዮም) መሳፍንቲ ወያነ ክንደየናይ ኣብ ስልጣን ከምዝሻደኑ ኤልሳን ከምኤልሳ ተስፋይ ዝበሉ ኣሻሓት ተጋሩን ፤ካልኦት ኢትዮጵያዊያትን ህያዉ ምስክራት እያ። ኤልሳ አብ መቐለ ሎሚዉን አላ። ወይን መጽሄት ዝዘገቦ ምብልሽዊ ፍትሒን፤ አብ ከርሸለ መቐለ ን 14 ዓመት ዝኣክል ገበኖም ተይተጠየቑ ዝታኣሰሩ የማርሩ ከምዝነበሩ ኣምቢብኩም ትኾኑ። እቲ ዝገርም ነገር፤ ኣብ ትግራይ፤ እቶም ከሰስቲን ዳያኑ ድማ ወየንቲ እዮም። <ልጁ ቀማኛ አባቱ ዳኛ>። ከሰስቲ ንሶም፡ ዳያኑ ንሶም ። ትግራይ ዝገዝኡዋ ዘለዉ “ወየንቲ፤ ፖሊሳት፤ ኣቃቤ -ህጊ ኩሎም ወየንቲ እዮም>! እንተደልዮም ንመዋእል ቀይዶም ብዘይፍረዲ ከፍ ከብሉኻ ሙሉእ መሰል አለዎም። (ንመሳፍንቲን ዳያኑን ዝኸስስ የለን!!! ኣበይ ክተከሶም ?“
አቦይ ዜናዉ አስረስ ዝተዛረብዎ ቃል አብ ዳሃይ መጽሄት ዘክሩ!)። ስልጣን ወያነ እመበር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ኢሉ ብበረት ዝገበቶ ስለዝኾነ “ብዓዘር ቆዘር” ጉልባባት ክነብር ምጽዓሩ ሓድሽ ኣይኮነን።ፖሊስ ካብ 24 ሰዓት ንላዕሊ ኣይኣስርን፤ መሰል ህዚቢን ፍትሒን አምጺእናለኩም ናልኩም ኢኒ! ዝበሉዎ ናይ ሀላቃ ጸጋይ በርሄ “ቀልዲ” ገዲፈና፡ ካብ ፖሊስ ንላዕሊ ነቲ ስርዓት ዘካይዶን ዝመርሖን ፤ዝዉንኖን፤ ዝቋቋጻጸሮን ስርዓት “ወያነ” ኣብ ከባቢ ትግራይ ኮነ፤ ኣብ ካሊእ ከባቢ ኢትዮጵያ፤ዘሎ ዜጋ፡ ብግስሩጥ ፍትሒ ይሳቐይ ከምዘሎ ኣሉ ዝነተበለ እዉን፡ መሕብኢ የብሉን (ግልጺ እዩ) ። ሕዚ ብታኣምር መለስ ዜናዊን ስብሓት ነጋን ዲሞክራትን “ዝሞተ ዝበኸተ ዝገንበወ” ዉድብ ከም ክረስቶስ ስጋ ለቢሱ ናብ ሰማይ ኣሪጉ ብሞት ዝተሳናበተ “ዝበስበሰ- ዝበኸተ” ዉድብ፤ ካልኣይ ብሰማየ ሰማያት ክወርድ ማለት ካብ ቀልዲ ሓሊፉ ዘስሕቅ እዩ። እቲ ስርዓት ጉስሩጥ ሙኻኑ ስለዝፈልጥ ብህዝቢ ኢትዮጵያ <ሞትካ-ዳኣ ተርእየና!!፡መጥፊኢትካ ትምጻእ!!> ስለዝባሃል ፤”አቲ ጉስሩጥ ስራሕቱ ንምሽፋን ይሰርሕ ኣሎ ንክባሃል በብቦታኡ ካድረታቱ እንዳሰደደ ልምዓት የዋድድ ፤እሃንጽ፤ እኹዕት ኣለኹ። አንዳበለ፤ እቲ ዝሞሽሞሸ ፤ዝበኸተ ዝኣገለ ስርዓቱ አርቲፊሽያል ሪሳሲተሽን (CPR) ክገብረሉ ይፍትን ኣሎ። እቲ ዝገረም ኣብ ትግራይ “ዝነቐዘ” ስርዓት ሙኻኑ ይፍለጥ እዩ። ወረዳታት ብኣናእሽቲ መኳንንቲ ወያነ/ካድረታት ተንካላቢቱ እዩ። ፍትሒ ተጫማሊቑ እዩ። 'ቲ ስርዓት ብጉቦን ብስርቂን፤ ነቒዙ በትኒዑ እዩ! ናብ ደርጊነት እዩ ተቐይሩ። 'ቲ ጸገም ጥራሕ አብ ወረዳታት አዉራጃታት ዘይኮነስ ኣብ ላዕሊ ነቲ ስርዓት ዝመርሕዎ ካብ “መሳፍንቲ ወያነ” ሰሪቡ ንታሕቲ ዝላሓኸ’ዉን እዩ። አካላት ስለያ/ደህንነትን ክፍሊ መርመራን ካብ ዝረኽቡዎ ኡቶት ንላዕሊ ዝነብሩሉን እንዳፋራርሑ ብጉቦን ብስርቂን ወዞም ወላህላህ ኢሉ ፡ከምታ አብ ጥቓ ገደል ዝቦቖለ ልምሉም ቆጽሊ ዓቐን ዘይብሉ ጣጠም ጣጢማ “ቆርብታ” ብርቕርቕ ኢሊ “መስመስ” እትብል ናይ ቆላ “ጤል” ዝምራሕ ስርዓት ; ፖሊስ 24 ሰዓት ኣሰረ ኣይኣሰረ እንታይ ለዉጢ ከምጽእ ይኽእል? ገለ ገለ ፖሊሳትን ኣዘዝቶምን አብ ሰርቂ ከም “ክሪሚናል-ጋንግ” ብሰነሰለት/ዋህዮ ተጠርኒፎም፤ሃብታማት ሰብ ድኳንን ንግድን ንዘለዎም ዜጋታት እንዳኸተሩ፡ አብ ጎደና ዝጓዓዛ መኻይን ብብረት ደዉ አንዳበሉ ዜጋታት ዝኸትሩሉን ፖሊሳት ከምዘለዉ አቲ ስርዓት ይፍለጥ እዩ። አዚ ድማ ካበቶም ነቲ ሰንሰለት ዘቃልዑዎ መርመርቲ ብቴፕ ዝተቐድሔ ማሰረጃታት አብኢድና አሎና። 'ዚን ወዲዚን ዝስራሓሉ ገስረጥ ስርዓት ፤ፖሊስ ልዕሊ 24 ሳዓት ክኣስር መሰል የብሉን ኢሊካ ምድንጋር “ቀልዲ” እዩ! ናይ -ጸጋይ ዓዘር ቆዘር መጎልበቢ ዘረባታትን ልምዓትን እቲ ስርዓት ወያነ ገስረጥ ካብ ሙኻን ክኽዉሎ ኣይኽእልን። <<መለኮታዊነት” ተቐይሮም መላእኽቲ ኢና፤ ፈጠርቲኹም ኢና እንዳበሉ ፍትሒ ጸይቐሞ አዮም። አብ ሓደ ቦታ ፍትሒ ኣባላሺዉ ወይ መንቲፉ አንደገና ናብ ካሊእ ቦታ ይሸሙዎ፡ ብጣዕሚ ዘታሓሳሰብ ኩነታት እዩ በጺሑ ዘሎ።ፍትሒ የለን። ሰብ ስልጣን ተባላሺዮም እዮም።…….>> እንትብሉ ወላዲኡ ንመለስ ዜናዊ ኣቶ ዜናዊ አስረስ፤ ምስ ደሃይ መጽሄት ዝገበሩዎ ቃለ ምልልስ ዘክሩ። ዘየንበብኩሞ ተሃሊኹም ሕዚ’ዉን አብ መጽሄት ደሃይ ዌብ ሳይት ወይ አብ ናተይ (አብዚ ሎግ እዚ) ተለጢፉ ስለዘሎ አንብቡዎ። እዚ እንዳፈለጥና ኦሞ ንጸጋይ በርሄ ዲናስ ንኣቦይ ዜናዊ ክንአምን? ፍትሒ እንዳተረግጸ፤ አብ ግዕዙይ ስርዓት ስድራኻን ሀገርካን እንዳነበረ፤ ከም ሰዓብቲ “ሂትለር” ብማተሪያል/በማል/ጥሪት ዚንጎ ወዲ ዚነጎ፤ መንደቕን ይንደቕ አሎ ኢልካ፤ ገሪርካ ብስምዒት ምንጭብጫብ; ምዕላል ባዕልትና ናብ ተጎታቲ በጊዕነት ምቕያር እዩ። ዕንታረ/ ድልዱል ምጣነ ሃብቲ (ልምዓት) ምስ ፡ፍትሒ፡ ሓቢሩ ተዘይ ለሚዑ -፤እቲ ልምዓት “ልምዓት ሂትለር” እዩ ክኾን። ድሕሪ ናዚ ግና ህዝቢ ጀርመን ከመይ ክምተሸምረረን፤ብግበሪ ጭፈራ “ሂትለር” ከመይ ከም ዝሐፈረት ዘክሩዎ። ፍትሒ እንዳረገጽካ፤ስልጣን ህዘቢ ከይግብቶ፤ህዘቢ -ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ፤ካሊእ ሓላይ የብልካን ፤ ብገበነይ እዉን ኣይፍረድን፡ ኢልካ ፦ፍትሒ ምጉባጥ ጥራሕ ናብ “ልምዓት” ምቁማት ከም ናይ “ሂትለራዊያን ዕዋሉ” ናብ “ጥሪት” ጥራሕ ዝጎይሉ ጠመተ “ፍትሒ “ኢሊካ ክትሰምዮ ዘሕፍር እዩ። ። ጸጋይ በረሄ ሓቂነት አንተሃለዩዎ ካብ ወጻእን ካብ ሀገርን ካብ ኩሉ ወገን ናጻ ዝኾነ “ኮሚቴ” ይዋጻ’እሞ ናብ ትግራይን ናብ ኢትዮጵያን ከይዱ ወያነ አብ በረኻን ብድሕሪኡ ስልጣን ምስሓዘ ዝገበሮም ገበናት፤ ግህሰት፤ ቅትለት፤ዘካየዶም ጨካን መርመራታት ፤ጨዉዩ ዝሰወሮም ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን፤ ብጠቕላላ፤ አብ ህዘቢ ዘበጽሖ በደል አጻሪዩ፤ ክንደይ ኡሱር አብ ትግራይን አብ ካሊእ ቦታታትን ከምዝዳጎነን፤ አብ ጉድጓድ ዘለዉ ሙወታትን ህሉዋትን አብየት ዝብሉሉ ነጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ባጀት ይፍቀድ’ሞ ፤ ብድሕሪኡ ሰብ ገበነኛታት መሳፍንቲ ወያነ ተኸሲሶም ዝጥየቑሉ ትካል ክምስርት ፈቓደኛ ይኹን። ወየንቲ ሰብ ፍትሒ ኢና እንዳበሉ ዝጭድሩዎ ሕሶቶም ሓቂነቱ ንክንፈልጦ ይረድኣና ማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ዓዘር ቆዘሩ ብዛዕባ ኣብ ሱዑዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ዝሃቦ ምላሽ ንርኣይሞ በዚ ንሳናበት። (1) ካበቶም ወደስቱ ሓደ ብዛዕባ ኣብ ሱዑዲ-ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ጠይቑዎ ዝሃቦ መልሲ ድማ እንታይ ከምዝበለ አስኪ ንስማዓዮ። ቅደሚኡ ግን ልቢ ክትብሉዎ ዝደልዮ ነገር፤ ብዛዕባ ቶም አብ ሳዉዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፤ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉዎ ተወካላይ ወያነ (ሽሙ ታደሰ ዝባሃል) ኣድሕነና፡ ተማጎተልና ኢለሞ “ኣይተጽምሙኒ፤ አደብ -ግበሩ፤ ተዓገሱ” ኢሉ ዝፈንፈኖም ሙኻኑ ንክትፈልጡ፤ ሎሚ ዉን አብ ስቓይ ዝርከቡ ሙኻኖም ዘይትፈልጡ አንበብቲ ተሃሊኹም፤ ሓበሬታ ንዘይብልኩም ሰባት ኣብ ናተይ ብሎግ (ኣብዚ ማለት እዪ) ቀሪቡ ስለዝነበረ ኣብ ኣርካይቭ ኣቲኹም ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም)። እቲ ጠያቓይ ንሃለቃ ጸጋይ በርሄ ዝሓተቶን ምስቲ ዝተዉሃቦ መልሲ ፈጺሚ ተጻራሪን እዩ። ነቶም አብ ሃገሩ ኣሲሩ ዘሳቕዮም ዘሎ መንግስቲ ሱዑዲ ጸጋይ ከመስግኖም ተሎ ስምዑዎ። ንቐጽል።<<ብዛዕባ ኣብ ሱዑዲ ዘጋጠመ ወይ ድማ ከጋጥም ዝኽእል፤ ክልል ትግራይ ከም ትግራይ መጠን የገድሶ እዩ። የገድሶ ስለዝኾነ እካታተሎ እየ።>> ብዝብል ሕሶቱ ንጀምር። ሰብ ስልጣን ንህዝቢ ብሕሶት እንተዳኣ “ኢንፎረመሽን”/ሓበሬታ አዳነጊሮም ገሊጸሙሉ ኣብ ቁኑዕ ሀገር/ስርዓት ሕሶት የቕጽዕ እዩ። “ቫዮለሽን” እዩ ማለት እዩ። ናይ ጸጋይ በረሄ “ዝበጸሔ ነገር ይካታተሎ እየ…”” ዝብል ሓረግ እንተዳ ወሲድና፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዞም ተጋሩ በጺሑ ዘሉ ዓገብ ይፈልጥ እዩ ማለት እዩ። እንተዳኣ ተኻታቲሉዎን ይካታተሎን ኮይኑ ብኸምይን እንታይ ይገብርን እንታይ ከምዝተገበረሎምን ሕዚ እንታይ ይጽዕረሎም ከምዘሎን ነቲ ሓታታይን ንዓና ንሰማዕቲን ክገልጽ አይካኣለን።
ሓታታይ “እቶም ኡሰራት ተጋሩ እዮም፤ ይሳቐዩ ኣለዉ እሞ እንታይ ትገብሩሎም ኣለኹም? ኢሊ ንዝሓተቶ ጥያቐ ፤መልሲ ክህቦ አይካለን። ወይ እቲ ጉዳይ ኣይተኻታተሉዎን (ብሕሶት ንገብር አላና መበሊ) ወይ ሓበሬታ የብሉን። ስለዚ “ብሕሶት ንካታተሎ ኢና! የገድሰና አዩ! ኢልካ ብሕሶት መዲርካ “እቲ ዝግበር ወይ ዝተገብረ ጻዐሪ” ንህዘቢ “ምንፋግ” ህዘቢ ምድንጋርን. ዘይተገብረ “ንገብር ኣለና” ማለት ብሕሶት ምምሓል ማለት እዩ።
ቀጺሉ እንታይ ኢሊ? < አጋጣሚ ኮይኑ ኣብ -ሱዑዲ ዘሎ ኣምባሳደር -ተኽለኣብ እዩ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝካታተሎ….. እዩ….ባዕሉዉን እንታይ እዩ ስሙ ዝገብሮ እዩ….>> <<ስለዚ ብቐረባ ተኻታቲልናዮ ኢና፤ ክንካታተሎ ኢና።>> ይብል ኣሎ ጸጋይ። እቲ አምባሳደር ዝብሎ ዘሎ “ትግራዋይ” እዩ ይብለና ሎ (ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝብለና ዘሎ ትግራዋይ አዩ ንማለት እዩ)፤. ስለዚ፤ ይብል ጸጋይ _ ተኽለኣብ ከም መጠን ትግራዋይ ናይዞም ተጋሩ ኩነታት ብቐረባ እንተዳኣ ይካታተሎ ነይሩ (ልብ በሉ ሐዲሽ ጉዳይ አይኮነን 2 ዓመት ዝገበረ ግፍዕን ጥርዓንን እዩ) አብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ተኽለ አብ ኮነ ጸጋይ ዝገበሩዎ ጻዕሪ እንታይ እዩ? ብሕሶት ስለዝጠልቀዩ መልሲ የብሉን። ከብራሃልና አይካአለን። እቲ ቀጺሉ ዘሎ ዓዘር ቆዘር ስምዑለይ። << ኣብዙይ ሱዑዲ ይታሓባበሩ እዮም…>> ይብል ጸጋይ። አቲ ሕቶ እቶም ንጎሆ ንጎሆ ብሶጥ/ብሓለንጊ ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ አብ ኢድዉሽጢ ስርዓት መንግስቲ ሱዑዲ ሙኻኖም ንፈልጥ። በየናይ መንገዲ እዮም መንግሰቲ ሱዑዲ ይታሓባበሩ እዮም ዝበለና ዘሎ? እቲ ንሱ ይታሓባበሩ እዮም ዝብሎ ዘሎ ዘረባ፤ ፈጺሙ ምሰቲ መልሶ ዝተብሃሎ ሕቶ ኡሱራት ዘራኽቦ ነገር አይኮነን። ወይ ከምቲ ወያነ ምስ ሱዑዲ ዘኹረምብጦ ዘሎ ማለት ከምቲ ጸጋይ ዝብሎ ዘሎ << ባዕሎም’ዉን ኣብዙይ ዓብይ ደገፍ እዩ ዘለዎም ንኢትዮጵያ። አብዚ ናይ ሶማል ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ብዙሕ ምሊዮን ቅርሺታት አዮም ደጊፎም። ስለዚ ሱዑዲ አብ “ዝጸረየ” (?) “ቴረሪዝም” ምስ ኢትዮጵያ ተሓባቢሮም ይሰርሑ እዮም። ምንቅስቓስ ናይኩላትና እዩ።>> ይብል። እዚ ዓዘር ቆዘር እዚ ምስቶም አብ “ቤት- ማእሰርቲ” ብሽፋን ሃይማኖትን፤ ተጋሩ ብሙኻኖምን (ብፍሕሶ ኣባላት” ኦነግ” ማለት እዩ መንቀሊኡ)፤ ኣረቂ ትጸምቁ’ለኹም ተባሂሎም በቶም ናይ ሱዑዲ ሕጋዊ “ሸኻትን ሓጂታትን” ንፖሊስ ሓቢሮም፤ ብሕጋዊ ናይ ሱዑዲ ቤት ፈርዲ ተፈሪዱዎም፤ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኡስራት፤ ምስቲ ጸጋይ ዝዛረቦ ዘሎ ሃጠዉ ቀጠዉ ጉዳይ ሶማልን “ተረሪዝም” እንታይ አራኸቦ?! እቶም ሰብኣዊ መሰላቶም ተጋሂሱ ብሓለንጊ ዝልብለቡ ዘለዉ ተጋሩ ዜጋታ ምስቲ ጸጋይ ብዛዕባ ርክብን ስምረትን ሕዉነትን ሱዑዲ ንቴረሪስት ክዋግኡሉ ንወያነ አብጅቡኡ ዝስጉዱሉ ዘለዉ ሚሊዮናት ርያል፡ ከም ሃናጻይ መልሲ አላጊብካ ምሃብ ፤ ነቶም ርዳኣና ዝብሉዎ ዘለዉ ኡሱራት አንታይ ክተቕሞም ይኽእል? እንተ ዳኣ ሱዑዲ ምስ ወያነ ጽቡቕ ርክብ ኣለኒ ዝብል ኮይኑ- ስለምንታይ ክለተ ዓመት መመላእታ ብዛይ ኣግባብ ተጋሩ ብሶጥ አንዳተገርፉ “ኡይ!” ይብሉ’ለዉ? ዜጋታት እንዳታኣሰሩ አንዳተገርፉ እንዳተቐትሉ አንዳተዋረዱ (ገሊኦም ባዕሉ ክሽቅሉ ዝሰደዶም አዮም) ምስ’ቶም ዜጋታቱ ዘሳቕይሉ ዘለዉ ሀገራት ጽቡቕ ዝምድናን “ኡፍ አፉ” ፍቕሪ አለና፤ ሚለዮናት ተኺቦሙልና እንዳበልካ መልሓስካ ምዝልዛል ነዉሪ እዩ። እዞም ኣብ ሱዑዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ቅድሚ ክልተ ዓመት ታደሰ ንዝተብሃለ ባዓል ስልጣን አድሕነና ፤ተማጎቱልና ኢሎም ጠሪዖም “ተኣደቡ፤ ትዕግሰቲ ግበሩ!>> ኢሉ ተስፋ ምሰከልኣና ቆላሕታና ናብ ወጻእ ዘለኹም ኣሕዋትና ካበቲ ሲኦል ከተናግፉና ንጠርዕ አለና! ርድኡና! ኢሎም አዮም ንወያነ ኣብ ቅደሚ ዓለም አቃሊዔሞ። ስለዚ ተኽላአብ አብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ዝገበሮ ነገር ንጸጋይ ከመይ ክስወሮ ይኽእል? ጸጋይ ባዕሉ “ተኻታቲልና ኢና ንካታተሎ’ ኣለና፡ ክንከታተሎ እውን ኢና ፤ብዝብል መልሲ ሕሶት ምሃብ “ሕሶት ክሰምዕ” ዝተወለፈ፡ ብሕሶት ገሪሩ ዝዕለል መጣቕዒ መመሊስካ ምድንጋር አብ መሳኪን ዝግበር <<አብዩዝ>> <ግፍዒ> እዩ’ሞ፤ ክትፈትሑዎ ዝፈተንኩሞ ነገር ምዝራብ ነዉሪ የብሉን፤ ዘይተኻታተልኩሞ፤ ዘይጸዓርኩሞ ጉዳያት ግና ከም እትካታተሉዎን ከምእተኻተታልኩሙዎን ገይርኩም ንየዋሃት አይተዳነግሩ። ሒትለርን ድርጅቱን ሙሶሎኒን ድርጅቱን ንህዘቢ አዳናጊሮም አደናጊሮም ብስምዒት ኣስኪሮም ምስኣሰለፉዎን ምስ ኣወደሶምን፤ መድምደመታኡ ክልቲኦም “ኣማዉታ ጸይቑሎም” ብኩፉእ ሞይቶምን ገጻብ ታሪኾም ንወለዶ ገዲፎምን ከይዶም። ወያነ ‘ዉን ፤ናይ ጊዜ ጉዳይ እምበር መደመደምታኡ ካብኡ ኣይሓልፍን።.///- ትግራይ ናይ ኩላትና እምበር ናይ ሓደ ዉድብ መኳንንቲ ጥሪት ኣይኮነትን--/-።../-//--!////-

Tsegay Berhe’s Hotchpotch at Pal Talk Geza Tegaru

Saturday, July 19, 2008

For Your File

ለማስታወሻዎ! ለዛሬ ከወያኔ ማህደር የምንመለከታቸዉ አንዳንድ ማስታወሳዎች አቶ ገብረመድህን አርአያ በረሃ ዉስጥ የወያነ ሓርነት ትግራይ ታጋይ በመሆን 12 ዓመት የድርጅቱ የፋይናንስ ዋና ሐላፊ እና በድርጅቱ የሕክምና ጉዳይ ምክትል ሐላፊ ሆነዉ ተመድበዉ ሲያገለግሉ ቆይተዉ የወያኔን ጸረ ኢትዮጵያዊነት መሰሪ ሥራዎች እንገፍገፎአቸዉ በወቅቱ ለነበረዉ የደርግ መንግሥት ሰጥተዉ በነበሩበት ወቅት ለኢትዮጵያ ራድዮ ጋዜጠኛ ከሰጡት ቃለ መጠይቅ አንዳንድ ነጥቦችን እያነሳን አዲስ የወያነ ጀሌ በመሆን እያገለገሉት ያሉትን የወያኔን ማንነት ያላወቁ አዳዲስ ተከታዮችና ወጣቶች እንዲያዉቁት ይረዳቸዉ ዘንድ ድርጅቱን ከምያዉቁት ነባር ታጋዮች የሰጡትን ተጨባች መረጃዎችን እነዲመረምሩትና እንዲማሩበት ይሄዉ አቅርበናል።

ድርጅቱ ማን ፈጠረዉ? እንዴት ተፈጠረ? ለምን ተፈጠረ? ለሚለዉ ጥያቄ አቶ ገ/መድህን አርአያ እንዲህ ብለዉ በመለሱት መልስ እንጀምር። ድርጅቱ የተፈጠረዉ በቀድሞዉ በቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ትመርታቸዉን ሲከታተሉ በነበሩት በጥቂት የትግራይ ተዎላጆች ነዉ። ማለትም በ65-67 ባለዉ ጊዜ ዉስጥ ነዉ። በዋናነት ድርጅቱ የመሰረተዉ አሁን የት እንዳለ የማላዉቀዉ “መለስ ተኽለ”የተባለ ተማሪ ነዉ። መለስ ተኽለ <ከሻዕቢያ> ጋር የጠበቀ ግንኙነት ስለነበረዉ ፤ከሻዕቢያ ጋር ተነጋግሮ ወደ አዲስ አበባ በመመለስ፤ ድርጅቱን የሚመሩና ሚመሰርቱ እንዳንድ የኤርትራ ተወላጅ የሆኑትንና ትግራይ ውስጥ የኖሩትን መልምሎ አሰባሰበ። ወይንም እነሱ እንዲደራጁ አደረገ። ከነዚያ ዉስጥ ግደይ ዘርዓጽዮን አክሱም ያደገ በትዉልድ ኤርትራዊ፤ መለስ ዜናዊ ትክክለኛ ስሙ “ለገሠ ዜናዊ” የኤርትራዊዉ የደጃዝማች አስረስ የልጅ ልጅ፡ እና የመሳሰሉት ኤርትራዊያንን አሰባስቦ ለማስመሰያ ከትግራይ እንደነ አረጋዊ በርሄ ያሉትን የትግራይ ተወላጆች በሽፋን የትግራይ ድርጅት ነዉ እነዲባል ቀላቅለዉ ስብሰባ አደረጉ። ማሕበር ገስገስቲ ብሔረ ትግራይ (ማገብት) የሚል ድርጅት አቋቋሙ። አብዛኛዎቹ ኤርትራዊያን መሆናቸዉን ገልጫለሁ።በሽፋን ማገብትን ከመሰረቱ በሗላ ብስለታቸዉ ዝቅ ያለ እንዳንድ ሰዎችን በማሰባሰብ በ1967 ጥር ላይ ወደ ሻዕያ ሄዱ። አስፈላጊዉን ትምህርት ከተቀበሉ በሗላ ትግራይ ዉስጥ ሄዳችሁ መንቀሳቀስ ትችላላችሁ ተባሉ። የኤርትራዉ ተወላጅና በሻዕቢያ ዉስጥ ከፍተኛ አመራር የነበረዉ “ሙሴ ባራኺ” እንዲሁም አሁን በህወሓት ዉስጥ ከፍተኛ ቦታ ያለዉ ሰዉ “ጃማይካ” ተብሎ የሚጠራዉ “የማነ ኪዳነ” ሁለቱም በሃላፊነት ድርጅቱን እንዲመሩት ሆኖ ትግራይ ዉስጥ ገቡ። ድርጅቱ ተመሰረተ። ድርጅቱ የሚመራዉ ሻዕቢያ ባወጣለት ፕሮገራም ነዉ። ፕሮገራሙ የሚለዉ “ኤርትራ የኢትዮጵያ አካል አይደለችም።ኢትዮጵያ ቅኝ ግዛት ናት።ስለዚህ መገንጠል አለባት።ኤርትራን ነጻ ለማዉጣት በመላ ሃይላችን እንቀሳቀሳለን።አስከመጨረሻ ደማችን አናፈሳለን።የትግራይ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክን አንመሰርታለን።>> የሚል ፕሮግራም “አረጋዊ በርሄ” ከኤርትራ ይዞት መጣ። አሱ ይዞት ይምጣ አንጂ አሱም አንዳነድ ጥያቄዎች ነበሩት። ጥያቄዎቹ በመነሳታቸዉ ከ1968 ዓ.ም ጀምሮ ትርምስ ተፈጠረ። ይህ ደግሞ የራሱ ታሪክ አለዉ። ባንድ ቃል ከመጀመሪያ አስከ አሁን ድርጅቱ (ህወሃት) የራሱ ነጻ አመራር የሌለዉ፤ ድርጅቱን ከሻዕቢያ በተላኩ የሻዕቢያ ታጋዮች እንዲመሩት፤እንዲቆጣጠሩትና አንዲአቋቋቁሙት በተላኩት “በሙሴ ባራኺ እና በየማነ ጃማይካ” የተፈጠረ ነዉ ማለት ነዉ።

ሲሉ የህወሓት አመሰራረትና ማን እንደመሰረተዉ ግልጽ አድረገዉታል።አርስዎ ወደ ህወሃት በምን ምክንያትና አንዴት ገቡ? ለሚለዉ ጥያቄ አቶ ገ/መድህን ሲመልሱ፦

በመጋቢት1968 ዓ/ም ነዉ የገባሁት። በ1966 ዓ/ም አረጋዊ በርሄን መቀሌ አግኝቸዉ ድርጅት ለመመስረት አስበናል፤ ቀስ በቀስ ለምታቃቸዉ የትግራይ ልጆች ንገራቸዉ አለኝ። በዚያን ጊዜ ብዙም የፓለቲካ ዕዉቀት አልነበረኝም፡ በጭፍን ዓይን <<ትግራኢ ትገነጠላለች የትግራይ መንግሥት አናቋቋቁማለን>> ነበር ያሉኝ።አሁን ፤አሁን ነገሩን ሳስበዉ እንዴት ይህነን ጠባብ ስሜት ልናራምድ ቻልን የሚለዉ ጥያቄ ራሴን ይመታኛል>> መንፈሴ ይረበሻል። በ1966 ዓ/ም የካቲት 11 እንቅስቃሴዉ ሲጀመር ስራየን ትቼ አነሱን ፍለጋ ወደ በረሃ ሄጀ ነበር። ወደ <ሻዕቢያ> ሄደዉ ስለነበር አላገኘሗቸዉም። በዚየዉ ዓመት ክረምት ላይ ገጠር ቤተሰቦቼን ለመጎብኘት ከጓደኞቼ ጋር አንድ ሠርግ ላይ “አረጋዊ በርሄ እና ሥዩም” አገኘሁዋቸዉ።የት ጠፋህ? አሉኝ።

ስለ ድርጅቱ እንቅስቃሴ መንገዶቹን ከገለጹልኝ በሁዋላ ፤ለጥቂት ጊዜ ከተማ ዉስጥ እንድቆይ ተነገረኝ። በ1968 መጋቢት ከነሱ ጋር ተቀላቅየ በረሃ ገባሁ። በዛዉ ዓመት ማለት በ1968 ዓ/ም አረጋዊ በርሄ በፐሮግራሙን አስመልክቶ አንድ ጽሁፍ አቅርቦ ነበር። ጽሑፉም እንዲህ ይላል << ስለትግራይ የመብት ጥያቄ ብቻ ማንሳትና መዋጋት ጠባብ ብሄረተኝነት ስለሆነ ለትግራይ ብቻ ማለት የለብንም፤ በውዩስጥና በዉጭ የሚኖር የተማረዉ ክፍል አይቀበለንም ።ጠባብ ብሄረተኞች ናችሁ ብሎ ሊያገልለን ይችላል። ያስመታናልም።>> የሚል ነበር።<<በስተራተጂ ደረጃ ብሔራዊ ትግል እንደ ስልት ሆኖ ተቀምጦ በእኩልነት የምትመሠረት ኢትዮጵያን ማዋቀር እንደ ዓላማ በፕሮግራማችን ዉስጥ መግባት አለበት።>> ብሎ ነበር።

ከዚያ በሗላ ለማንም ሳያማክሩና ሳያዉቀዉ “ዓባይ ጸሃየ፤ መለስ ዜናዊ እና ስብሓት ነጋ” ወደ ሱዳን በመሄድ <<የ1968 ማኒፌስቶ>> የሚል ጽሁፍ ይዘዉ መጡ። አረጋዊ በርሄ በማኒፌስቶዉ ላይ ያቀረበዉን ኢትዮጵያን በእኩልነት እንመስርት የሚለዉን ሃሳብ ሰርዘዉ <<የትግራይን ሪፑብሊክ መመስረት አለብን፤ የምንታገለዉም ለዚህ ነዉ። ሁለተኛም ብሔር ብሔረሰቦች ተገንጥለዉ የየራሳቸዉን መንግሥት ማቋቋም አለባቸዉ። እኛ ስለ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ እኩልነት ብሎ ነገር አንታገልም። ከፕሮግራመችን ዉጭ አድርገነዋል።>> የሚል ጽሁፍ ይዘዉ መጡ።

በረሃ ላሉት ሁሉ ተበተነ እንደ እነ <ኢሕአፓ> ያሉ ቡድኖች አገኙት። ኢሕአፓ <የትግራይ ወያኔ ጠባብ ብሔረተኝነት የተጠናወተዉ በመሆኑ ኢትዮጵያን ሊያፈራርስና ሊቆርስ ነዉ> ለሚለዉ ክሳቸዉ ማስረጃ አገኙ። በዚህ ጊዜ በነመለስ ዜናዊ የተጻፈ ማኒፌስቶ ሌላ ያልተበቀዉ አቀባበል ጠበቀዉ። በህወሓት ዉስጥ የነበሩ ያንድነት ታጋዮች<<ማኒፌስቶዉ ሲዘጋጅ ጉባኤ ተጠርቶ የተወሰነ ነዉ ወይንስ እንዴት ነዉ? በኢትዮጵያ የእኩልነት ትግል ማካሄድ ከንቱ ነዉ ተብሎ የተጠቀሰበት ምክንያት እንዴት ነዉ?>> የሚል ጥያቄ መጣ። በጣም አስገራሚዉ ነገር ደግሞ ጽሁፉ ዉስጥ << በአሁኑ ወቅት ለኢትዮጵያ እኩልነት ብሎ መታገል ትልቅ ተራራ እንደመግፋት ያህል እልቂትን የሚያስከትል ነዉ።>> ይል ነበር ማኒፌስቶዉ። <<ኢትዮጵያ የሚል ነገር መነሳት የለበትም። እና ለትግራይ ብቻ ተዋግተን ነጻ ካወጣን በሗላ ትግራይን መንገሥት ማቋቋም አለብን።> አሉ። ሁኔታዉ እየተብላላ ፤በ1969 ድርጅቱን አናጋዉ ። <<የህ ጠባብ ብሔረተኝነት ነዉ፡ ማኒፌስቶዉን አንቀበለዉም።ተቀብለን ብንታገል ጠባብ ብሔረተኞች ናቸዉ ተብለን በ ኢትዮጵያዊያን እንወገዛለን-እንመታለን>> በማለት ከፍተኛ ተቃዉሞ ተቀሰቀሰ።

እንደሚታወቀው ከ23 ከፍተኛ አመራሮች 16ቱ እርተራ ተወላጆች-ናቸዉ።አመራሩን አብዛኛዎቹ ኤርትራዊያኖች ስለሆኑ ለስሙ ብቻ በመአከላዊ ኮሚቴ ዉስጥ አረጋዊ በርሄ ብቻ ነበር። ይህ ደግሞ የነሱን አላማ ለማቀላጠፍ ተብሎ የታሰበ ነዉ>> በማለት ብዙ ታጋይ ተነሳባቸዉ። ግማሹ ወደ መንግሥት እጁን በመስጠት ግማሹ ወደ ሱዳን ሄደ። የድርጅቱ ሃይል ብበዛት ተናጋ፤ተከፈለ። በአመራር ላይ የነበሩ አንድ ነገር ሳያደርጉ እርምጃ እንዉሰድ አሉ።ከሻዕቢያ ህወሓትን ለመመስረትና ለመምራት የመጡ በድርጅቱ ዉስጥ ያሉ ሻዕቢያዎች ሁኔታዉን ከኤርትራዉ የመንካዕ እንቅስቃሴ አነጻጸሩት።

ዓባይ ፀሃየ እና መለስ ዜናዊ የሚሰሩት ደባ ተቃዉመናል በማለት ለኢትዮጵያዊነት ዓላማ በመቆም እንቅስቃሴ ያደረጉ የሚከተሉት ሰዎች የማኒፌስቶዉን ተጻራሪዎች ተብለዉ በሌሊት ታፍነዉ እርምጃ-እንዲወሰድባቸዉ ተደረገ። ከብዙዎቹ ጥቂቶቹን ለመጥቀስ ያህል የሚከተሉት ይገኙባቸዋል። መምህር ዳዊት (ዓዲ ግራት) ዑቕባዝጊ በየነ (አክሱም) ሕንጻ ሽፈራዉ (ሽረ) ውርቅነህ ሐጎስ (ዓድዋ) አጽብሃ ዳኘዉ (ዓድዋ)፤በርሐ ጦማለሁ (ዓድዋ) መንገሻ በላይ (ሽረ) ዓባዲ ደገፍ (እንደርታ) ሙሉጌታ አብራሃ (እንደርታ) አልማዝ አስፋዉ (እንደርታ) ኪዳነ ግርማይ (እንደርታ) ሐዱሽ ዮሐንስ (ዓዲ ግራት) ጥቂቶቹ ናቸዉ።

እንዲህ ዓይነቱ ሁኔታ በድርጅቱ ሊከሰት የቻለበት ምክንየት በስልት እና በስትራተጂ ደረጃ ኢትዮጵያን የሚያካትተዉን በእኩልነት ያካተተ ፕሮግራም “ስንኩል” ፕሮግራም ነዉ በማለት ዉድቅ ስላደረገዉ ነዉ።

የሚከተለዉን ደግሞ በጥሞና ያንብቡ። የህወሐት አመራር ቁልፍ ቁልፍ ቦታዎች በሻዕቢያ እነደተያዘ ተገልጿል። ኤርትራ ለማስገንጠል እንደሚታገል በማሌሊትና በማኒፌስቶዉ አስቀምጦታል። ትግራይ ሪፑብሊክም እመሰርታለሁ ይላል። አንደገና ኤርትራና ትግራይ በማዋሃድ “የትግራይ ትግርኚን መንግሥት የመመስረት ነገርም አለ። ድርጅቱ በኤርትራዊያኖች መያዝ ዋናዉ ዓላማ የኤርትራን ጉዳይ ለማስፈጸም ነዉ?

አቶ ገብረመድህን አነዲህ ይላሉ።

ወያነ እና ሻዕቢያ አባትና ልጅ አነደሆኑ አብራርቻለሁ። ወያነ ከጎንደር ሰቲት ሁመራን፤ጠለምትንና ወልቃይትን በስፋት፤ ከወሎም እንዲሁ ራያና ቆቦ አስከ አሸንጌ ድረስ ያለዉን አካልሎ በካርታ አስገብቶ ይዞታል። በወያነ አነጋገር ይህ << ትግራይ ትግርኚ> በማለት ይጠራል። በ1974 ዓ/ም ቀደም ብሎ የወጣዉ <ፈደረሽን> የሚል ጽሁፍ የ “ትግራይን ሪፑብልክ የመመስረት ጉዳይ እንዳለ ሆኖ፤አስፈላጊ ከሆነም ኤርትራ ነፃ ከወጣች በሗላ የትግራይ ህዝብ ከኤርትራ ጋር በፌድረሽን መንግሥት አንድ ግዛት መመስረት ይችላሉ>> ይላል። አመራሩን የያዙትም ይህነን ዓለማ ለማራመድ ነዉ።

የሚከተሉት ሁለት አስገራሚ አንደኛዉ በመለስ ዜናዉ የተፈፀመ ወንጀል እና ሌላኛዉ ደግሞ ድርጅቱ በወያኔ መሳፍንቶችና በተረዉ ታጋይ የነበረዉ የአድልዎ የምቾት ልዩነት የተጠቀሰዉን ልጥቀስና በረሃብተኛዉ ሕዝብ ስም የተገኘዉ ገንዘብና እህል እምን ላይ ያዉሉት እንደነበር እንመልከትና በዚሁ እንሰነባበት። ለድረቅ የመጣዉ እህል ለምን አልታደለም? ለሚለዉ አቶ ገ/መድህን አነዲህ ሲሉ ይመልሱታል።ሱዳን ዉስጥ ይኖር የነበረ ሰዉ አብዛኛዉ ይህ ጉዳይ ያዉቀዋል። ለርዳታ የመጣዉ እህል አብዛኛዉ በፖርት ሱዳን በኩል ነዉ። እርዳታ እህልና ሌላም ዕቃ በገፍ በመምጣቱና የፖርት ሱዳን ወደብም በማጣበቡ፤ደጋግመዉ አንሱልን ይሉ ነበር።

ያ ሁሉ እህል ወደ ትግራይ የሚያመላልሱ ብዙ ካሚዮኖች ነበሩ። አስፈላጊ የሚሆናቸዉን ከያዙ በሗላ ከዚያ ዉስጥ የረባ ለህዝብ አልሰጡም። ትግራይ ዉስጥ ለታጋይ ሰራዊቱ ቀለብ ከተከማቸ በሗላ <<ዋንዛ>> በሚል የኮድ መጠሪያ በብዙ ሚለዮን ብር ለሱዳን ነጋዴዎች ተሸጠ። የሱዳን ነጋዴዎች በእርዳታ የተገኘዉ እሀል ከህወሓት እጅ ለመሸመት ይሽቀዳደሙ ነበር። እኔ ገቢዉን ገንዘብ ብቻ ነበር የምቆጣጠረዉ። ከእጄ ሲገባ የነበረዉ የሱዳን ፓዉንድ ቁጥሩ ትዝ አይለኝም። በብዙ ሚሊዮን የሚቆጠር ገንዘብ ነዉ ገቢ የሆነዉ። ከዚህ ገቢ የወያኔ ታጋይ ሠራዊት ያገኘዉ ነገር የለም። በሙሉ ለወያኔ አመራር አባላት መዝናኛ ነዉ የሆነዉ።

አንድ ነገር ልጥቀስ፤ በዚያ ጊዜ የኔ አለቃ የፖሊት ቢሮ አባል ገብሩ አስራት የሚባለዉ የልብ በሽታ ስለነበረበት ወደ ዉጭ አገር ለሕክምና ይሂድ ተባለ።40,000 (አርባ ሺህ) ዶላር ስጠዉ ሚል ትዕዛዝ መጣልኝ። በጥሬ ገንዘብ አርባ ሺህ ዶላር ቆጥሬ ሰጠሁት። አርባ ሺህ ዶላር ለአንድ ሰዉ በሚከፈልበት ወቅት የትግራይ ሕዝብ እንደ ቅጠል ያለ ምንም እርዳታ እየረገፈ እንደነበረ መታወቅ ይኖርበታል። ህዝባዊ ነኝ የሚለዉ ወያኔ ህዝባዊ አለመሆኑ ይህ አያረጋግጥም? ሲሉ አቶ ገ/መድህን ጠይቀዋል።

እዉነትም ባቶ ገ/መድህን መረጃ መሰረት፤ አሁን እየታየ ያለዉ በሕዝብ ስም እተደረገ ያለዉ የወያነ ትግራይ ኤሊቶቹ/መሳፍነቶቹ ፤በንቅዘት የመበስበሱ ሁኔታ እንታገል ነበር ሚሉትን የበረሃ ኑሮአቸዉ ምን ይመስል አንደነበረ ወለል አድሩጎ ያሳያል። ተወለደ ወልደማ ፤ገብሩ አስራት እና ብዙዎች ከህዘቡ ለህክምና እና ለትምህርት እተባለ ከድሃዉ ገበሬ የተለቀመዉ የግብር ገንዘብና ከራሃብተኛዉና ከመንግሥት ባንክ የተዘረፉ ሀብቶች፡ መሳፍንቶቹ ሲታመሙ ዉጭ ድረስ ሄደዉ እንዲታከሙ መታከሚያ ዶላር ይሰጣቸዉ እንደነበር የታወቀ ነገር ነዉ። ገብሩም ሆነ ተወለደ ወልደማርያም እና ሌሎቹ ወደ ህወሐት በረሃ ሄደዉ ባይቀለቀሉ አገር ዉስጥ ከወላጆቻቸዉ ጋር ቢኖሩና ቢታመሙ አርባ ሺህ ዶላር የሚአክል ገንዘብ ከወላጆቻቸዉ አግኝተዉ እንግሊዝ አገር፤ ጀርምን፤ አስራኤልና ሳዉዲ-ዓረብ ወዘተ…. ሄደዎ ይታከሙ ነበር ብላችሁ ትገምታለችሁ? በፍጹም፡ አይታሰብም።

በመጨረሻም በመለስ ዜናዊ ትእዛዝ እራሱ በተገኘበት፤ በተሳተፈበት የተፈጸመ የብዙ ሰዉ ሕይወት የጅምላ ግድያ ወንጀል እንመልከትና በዚሁ ላብቃ

አንድ ነገር ልጥቀስ በማለት አቶ ገ/መድህን አርአያ እነዲህ ይላሉ። <በ1975 ዓ/ም ከየት ቦታ እንደተማረኩ ባላዉቅም ከሰባ በላይ ምርኮኞች ነበሩ። ለመግደል ተፈለገ።<<ሳይናይድ>> የሚባል መርዝ አለ።ከቀመስከዉ ትሞታለህ። ያበደን ዉሻ መርዙን በስጋ ላይ ጨምረህ ብትሰጠዉ ዉሻዉ ይሞታል። ራሱ መለስ ዜናዊ ለሕክምናዉ የቴክኒክ ክፍል ሃላፊ ለነበረዉ ለአባዲ መስፍን መርዙን እንዲልክለት መመርያ አስተላለፈ። የህወሓት የእስርቤቶች ሃላፊዉ የነበረዉ ብስራት አማረ ወደ አባዲ መስፍን ሄዶ መርዙን ማለት ሳያናይዱን ይዞ መጣ። የቴትራሳይክሊን ዱቄት ካፕሱል እየከፈተ ከካፕሱሉ ዉስጥ የታሸገዉን መድሃኒት ዱቄቱን እያራጋፉ በምትኩ መርዙን ማለት በሳዮናይድ ሞሉና ካፕሱሉ በፊት እንደነበረ አደረጉት። ሁሉን ነገር ካስተካከሉ በሗላ በአካባቢዉ የመነንጃይተስ በሽታ ስለገባ እንዳትታመሙ ይህን መድሃኒት ዋጡ ብለዉ ሰጡዋቸዉ። ዉሃ ከሚጠጡበት እንስራም ጨመሩበት። መድሃኒቱን እንደዋጡ ሁሉም ረገፉ። በመለስ ትእዛዝ እራሱ ባለበት እነዚህ ሰዎች አስፈጀ>>። ይላሉ አቶ ገ/መድህን።

ማን ያዉራ? የነበረ፤ ‘ማን ይናገር’? የቀበረ። አቤቱ ፤ሁሉን የምትችል የሰማዩ ጌታ እነኚህስ ነብሰገዳዮች በየትኛዉ ቀንህ ትፈርዳቸዉ ይሆን? ሱፍ ለብሰዉ፤ አምሮባቸዉ፤ ተዉበዉና ባገልጋዮች ታጅበዉ ጉዳቸዉን በማያዉቁ የዓለም መሪዎች መሃል ጋር የክብር መንበር ተሰጥቶዋቸዉ ሰዉ መስለዉ ስለ የሰዉ ልጆች ችግር ሲወያዩ፤ በትእዛዛቸዉና በ እጃቸዉ ሕይወታቸዉ ያለፈች፤ በሰማይ ቤታቸዉ ሆነዉ በመስኮቱ ብቅ ብለዉ ወደዚቸዉ ምድር እተመለከቱ የሚታዘቡዋቸዉ አእላፍ ሙታኖች ይች ምድር ምንኛ እንደቆሸሸች ይታዘቡ ይሆን? አገሬ ሆይ! የሚያደርጉትን አያዉቁትምና ይቅር በያቸዉ።//---// ጌታቸዉ ረዳ

ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ 2000