Friday, July 25, 2025

ካብ “ናዚ ውጥጥ ኢሎም፤ብጭካነ ልዕል ኢሎም” ዝተረኽቡ ወየንቲ ጌታቸው ረዳ Ethiopian Semay 7/25/25

 

ካብ “ናዚ ውጥጥ ኢሎም፤ብጭካነ ልዕል ኢሎም” ዝተረኽቡ ወየንቲ

ጌታቸው ረዳ

Ethiopian Semay

7/25/25

(የፋሽስት ችግኞች  -The Fascist seedlings)

ወያነ ትግራይ ክብል ከለኹ “ሕዝቢ ትግራይ እየ ዝብል ዘለኹ” ። ውደብና ኢሎም አኽሊል ዝደፍኡሉን ፤ ዝዓጀቡዎን ፤ በጃ-ዝኸዱሉን፤ መርሃ ጭካኒኡ “ግብራዊ ንኩኾን” ዝፈጸሙን ዘፈጸሙን፤ ዝተቐበሉን ንመብዛሕቶም “ተጋሩ” እብል ከምዘለኹ ብዙሕ ጊዜ ብመርትዖ  ስለዘቕረብኩ ሕዚ አይምለሶን።

ፋሽስታውያን ተጋሩ ነዚ ጽውጽዋይ ዝፈጠሩዎ “ስሪት ብሄራዊ ሓርነት” መበግሲኡ ጽልኣት ሕዝቢ አምሐራ ከምዝነበረ “ኣብ ፍኖተ-ሽላል 68” ዝነበረ ሰነዶም ይምስክር።

ንፈኖተ-ሽላሎም ተጻባኣይ ንዝኾነ ከማይ ንዝበሉ “ሽዋውያን ተጋሩ” ኢሎም ንዝሰምዩና “ተጋሩ-ኢትዮጰያዊያን” ወየንቲ ትግራይ ዝፈጸሙዎ ገበን ክንፍትሽ ኢና። ትግራዋይ እየ ኢሉ ዝጃሓር ባእታ በዚ ግብሪ እዚ ክሓንኽ ይግባእ። እቲ ግናይ ግበሮም ድማ ንርኣዮ። ቅድሚኡ ግና ከም መበገሲ ዝፈጠሩዎ ነበረያ ነበረ ስሪት “ብሄራዊ ሓርነት” ንፈትሽ። ዝፈጠሩዎ ጽውጽዋይ ስሪት “ብሄራዊ ሓርነት” ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ውዲት ህዝቢ ፋሺስታውያን “ጣላይንን፤ ብውዲት ፋሺስታውያን ጣላያን  ዝተሰርዑ ተጋሩን” ዝፈጠሩዎ ፖለቲካ  ምዃኑ ግብሮም ይምስክር።

ተጋሩ ብሕለፊ ደማ “ምሁራት ተጋሩ” ብወያነ ትግራይ ኣተሓሳስባ እንዳተመርሑ፣ ንኻልኦት ኢትዮጵያውያን ናይ ምቁንጻብ ምከሐን ዕብለላን ባህሪኦም ኣብ ታሪኻዊ ስነ-ልቦና ህዝቢ ትግራይ ዝተሰቕለ ቀፃሊ ባህጊ ከምዝነበሮም ማሕደረ ሥልጣኖም ጦብላሕታ ገዲፉ እዩ። ከምኡ ብምግባሩ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ “ክቡር ፍቕሪ ሓርነት” ዝብል ናይ ሓሶት ጭርሖ ምሂዙ፣ ክሳብ መተማን ፤ ራስ ዳሸንን፤ ጋምቤላ-ቤንሻንጉል ዝተዘርግሐ ክትግ‘በ’ር ዘይካኣል “ዓባይ ትግራይ” ዝብል ባህጊ ምስረታ ሃገር ኣብ ሕልናኦም ዓሲሉ ናብ ጽላለ አድሂቡሎም ንርእዮ ኣለና።

ነቲ ሕልሚ “ዓባይ ትግራይ” መተግበሪ መንገዶም ድማ ኣብ’ቲ ብ68 ዘውጽኡዎ ‘ማኒፍስቶ 68’ ኢለ ዝጽውዖ- ሰነዶም ንኢትዮጵያ ጨቢጥካ ንሕዝቢ አምሐራ ድሂልካ፣ ልዕልና ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምጽዓን ዝተመደበ ህዝቢ ብምዃኑ ፋሽሽትነት ከማዕብል “ተዓዊቱ”።

ተጋሩ ብ91 አብ ሥልጣን ምስደየቡ  (99.9) ብዘይ መጠን ሓጎሶም ነቲ “ፋሺስታዊ ውድቦም” ብምግላጽ ፤ ጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ እሙናትን ውዕውዓት ተኸተልቲን፣ ተጣበቕቲ ፋሽሽትነት ኮይኖም ብዝገርም ትዕቢት ኣብ ቀድሚ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ክዕንድሩ ተራኣዩ። እዚ ብሙኻኑ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን “መልተ-መታሉ” (ክናናን-ምናናን) እዮም ዝብል ደምዳም ተወሰደ። ስለዝኾነ'ውን ህወሓት ማለት፤ ሕዝቢ ትግራይ ማለት ኮነ። በዚ ህዝቢ አኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጽልኣ ፈጠረ። ክንዲ አደብ ምግባር፤ ተጋሩ ዝደጉሑዎ ዝነበሩ በርጣጠን ቅልጽም ትግራዋይ አይምንዛዕን ዝብል ምከሐ ቀጸልሉ። 

 ኢትዮጰያ ንከፍርሱ አብ ሥልጣን ምስ ሓኾሩ ተጋሩ ዝፈጠሩዎም ሓደሽቲ  አሕዛብ ቅልቅል በሉ። ንሶም እውን “ውጹዓት ብሄር፤ ብሄረሰባትን ሕዝብን” ዝባሃሉ ወያነ ዝማሃዞም “ኣርቲፊሻል” (ቃንጫ-መርዓት) ፍጥረታት ፈጠረ።

ካልኣይ ወያነ” ኢሎም ምስ ታሪኽ ቀዳማይ ወያነ ዝለቆሙዎ ምራን።

 ቀዳማይን ዳግማይን ወያነ ከም ኣካል ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ዝተኻየደ ሕዚ’ውን ዘሎ “ዘልኣለማዊ” ቃልሲ ተገይሩ ተስኣለ።እዚ ድማ ኣብ ሓቅታት ታሪኽ ኢትዮጵያን ኣምሓራን መሰረት ዘይብሉ እዩ። ኮይኒ ግና ወያነ ብዝፈጠሮ ግናይ አታሓሳስባ ሕዝቢ አምሐራ ካብ ወልቃይት ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክግፋዕን ክጭፍጨፍን ጀመረ።

‘ኣፖካሊፕቲክ ስናርዮ’ (ኣዕናዊ ፍጻመ) ቅድሚ ምትካሉ፡  ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ምብትታን ከምዝነበረት መናፍሕ ዝርጊሑ፤ ሃገር ከይትበተን ብዝብል ጉልባብ ‘ዓልየት ተኮር ፌደራሊዝም’ ዝብል ምህዞ ፋሽስታውያን ምሂዙ ሕዝቢ ምስ ሕዝቢ ዘባልዕ መጋሪያ ጥፍኣት አጽደቐ ።

ብ1983 ዓ.ም ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ምብትታን ከምዝነበረት ታሪኻዊ ሓቂ የለን። እቲ ስግኣት ንባዕሉ ብህግደፍ እዩ ተፈጢሩ። ደርጊ ክወድቕ ከሎ ባዶነት ከምዝነበረ ሓቂ እዩ። ግን መጻኢ ሃገር ብስነ-ሓሳብ ክቕረጽ ክፉት መጋረጃ ምንባሩ’ውን ሓቂ’ዩ። ነቲ ባዶነት ክመልእ ዝመጸ መን’ዩ ነይሩ? ተጋሩ!! ግን ተጋሩ ዝተኸሉዎ ሥርዓት ነቲ ባዶነት ንምምላእ ኢትዮጵያ ንምሕያል እንተዝመርጹ ነይሮም፡ ነቲ ኩሉ ዝትስፈው ዝነበር ሰላም ዘምጽእ “ኢትዮጵያዊነት ስነ ሓሳብ” ክቕረጽ ናይ ምግሃድ ዝያዳ ዓቢ ተስፋ ምሃለወ ነይሩ። ግና ኣብ ክንድኡ ህወሓት "ዘይነበረ ፀገም ብፍምጣር" ሃገር ዘዕኑ ሕዝቢ ንሕዝቢ ዘዳሚ  ብዓልየትን ብቋን ክማሓደር ገይሩ ክሳብ ሕዚ ዘይዘሓል ሕዝቢ ንሕዝቢ ምተንፋፍን ረጽሚን ፈጢሉ ይርከብ።

እቲ ካልእ ተጋሩ ዝማሃዙዎ ጸገም "ገዛእትና ኣምሓሩ" ዝብል እዩ

ተጋሩ ዝማሃዙዎ ገዛእትና ኣምሓሩ ዝብል ጽውጽዋይ ምስ ኣፈላላይ ቋንቋ ዝተኣሳሰር ንርኣይ። ወያነን መሻርኽቱን “ኣምሓርኛ” ኣብ ልዕሊ “ብሄራት፡ ብሄራትን ህዝብታትን” ኢትዮጵያ ዝተዳዕነነ፡ ባህልን መንነትን ካልኦት ብሄራት ንምጥፋእ ዝተፈጥረ ኣርዑት እዩ ብምባል ኣብ ቅድሚ ታሪኽን ሕዝብን ይሕስው።

ሓቂ እዩ ፤ ኣምሓርኛ ከም ቋንቋ ናይ ኣምሓራ እዩ። ሰለዝኾነ ድማ ዘይተበተነ ጡሙር ጥንታዊ ስነ-ጽሑፋን ባህልን ታሪኽን ስልጣነን መዝጊቡ ዘበርከተ  ሕዝቢ ኣምሓራ እዩ። ግዕዝን ኣምሓርኛን ዘውዲ ዕብየት ስልጣነ እዮም።

ስልጣነ ግዕዝ  ብህይወት ንክህሉ ኣምሓርኛ  "ባላ" (ዓንዲ) ኮይኑ አገልጊሉ እዩ። አምሐርኛ ተዘይነብር ሕዝቢ ግዕዝ ንህዝብና ዝገደፉሉ ጥበብን ፊደልን ምርምርን ህዝቢ ኣምሓራን አምሐርኛን ካብ ትግርኛ ዝላዓለ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ከም መስራትን ኣማዕበልትን ሃገረ ኢትዮጵያ ኣምሓራ መንፈሳውን ንዋታውን ዓወታት መሰረት እምኒ ዘንበሩ እዮም። እዚ ሓቅታት እዚ ዘይከሓድ እዩ።

ብፍላይ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ብሃጸይ የኩኖ-ኣምላክ ስርወ መንግስቲ ሰሎሞን ድሕሪ ምሕዳስ፡ ኣምሓርኛ ከም ቀንዲ ሃዲድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዘገልገለ ሓቂ እዩትግርኛ ግን ካልኦት ዓልየታት ከንብቡዎ ዝኽእሉ ዘበርከቶ ሥነ ጽሑፍ ወይ ትርጉም  ነገር የለን

ህዝቢ ኣምሓራ ዘበርከቶ ቋንቋ ምዕቡልን ጽቡቕ ቅርጺ ዘለዎ ግዕዛዊ ፊደል እዩ። ኣምሓርኛ ዝወለዶ ዝወረሶን ታሪኻዊ ጥንታዊ ስነ-ጽሑፋዊ ቅርስታትን ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምክፋል ለጋስ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ክንዲ ናእዳን ምስግናን ካብ ተጋሩ ዝተውሃቦ “ተጻባእን ጸቓጥን ተባሂሉ።”

እዚ ድማ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት (ናይ ነገሥታት ተጋሩ እውን) ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ቋንቋ አምሐርኛ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጸሓሕፋን ጽቡቕ ዝማዕበለ "ሰውያ" ሰዋሰው ኣለዎ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ ደቀባታዊ፡ ጽሩይ ኣፍሪቃዊ ቋንቋን አካትባ (ስክሪፕትን) ዘለዋ እንኮ ሃገር ክትከውን ዝገበራ ቋንቋ እዩ ።ኣምሓርኛ ከም ቋንቋ ኣምሓራ ዘይኮነስ ከም ሓደ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን መራኸቢ ቋንቋ እዩ ኮይኑ።

ሞሳን ምስግናን ዝይብሉ ወያነ ግና ጸረ አምሐራ ኮይኑ ዕስለ ተጋሩ ኣሕሽኪሩ ን50 ዓመት ንመንፈስ ህዝቢ ኣምሓራን ብእኩብ ድማ ንኢትዮጰያ ንምብታን ዕንወትን ዕግርግርን ፈጢሩ።

ንአምሐራ ጥራሕ ዘይኮነስ “ሃገረ ትግራይ” ንምምስራት ዝብል  "ሙሁራት ዕዋሉን" ብዓርሰ ጎንጺ ዝሕምተሉ ጎጣያት ዝመስረቱዎ ውድብ ወያነ ዝተጻቡኡ ሓቀኛታት ኢትዮጰያዊያን ተጋሩ ኣብልዕሊኦም  ብዙሕ ግፍ  ፈጺሞም እዮም።  መረዳእታ እነሆ። ተጋሩ እዚ ዝሰዕብ ገበን ምስአንበብም ክታሓንኩ ይግባእ።

እነሆ ካብ ምሓዛይ ግደይ ባሕሪሹም ዝቐረበ ስጂ፡

ኣሞራ ገጽ 207- 209

ካብ ግደይ ባሕሪሹም - ትርጉም ጌታቸው ረዳ

< ናይ ኢድህ ማለት ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ሕብረት ደጋፋይ ኢኻ ፡ ወድኻ ወይ ሓዉካ ናይ ኢድሕ ኢዩ ተባሂሉ ይታሓዝ’ሞ፡ ናብ “06 ቤት ማእሰርቲ ይውሰድ። ኣብኡ ምስበጽሐ ዘለዎ ንብረትን መጠንን፤ ብዝሕን ኣበይ ከምዘሎን ይጥየቕ። ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ ምስወደአ፡ ንቑሩብ መዓለቲ እዚ ዘይባሃል ጡዑም ብልዒ እንዳተቐለበ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ መዓልቱ ምስ ከምኡ ዝበሉ እሱራት እንዳታሓጋገዘ ፤ እንተዋሓደ ክልተ ሜትሮ ዑምቀት ዘለዎ ጉድጓድ ንክኹዕት ይእዘዝ።ብስፍሓቱ ኮነ ብዓይነቱ “መቓብር ሰብ” እዩ ዝመስል ከም ጉድጓድ ጽብብ ኢሉ እንዳተኹዓተ ፤ እቲ ዝተፍሓረ ሓመድ ኣብቲ ኣፍ ጉድጋድ ከባቢ ወሰን-ወሰኑ "ዙርያ ምላሽ" ይኹመር። አቲ ኡሱር “ብደው ዝቕበረሉ” ናይ “ደዋደዉ መቓብሩ” ፍሒሩ እንተብቅዕ፡ ካብቲ ጉድጓድ ይወጽእ። 

ብድሕሪኡ ብገመድ “ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ” ናብታ ዝፋሓራ ጉድጓድ “ኣለም በቃኝ” ይመልሱዎ። ወየንቲ ኡሱር ቅደሚ ሞቱ “እንዳተሳቐየ ምርኣይ ብጣዕሚ እዩ ዘርዉዮም”፡- ባህ ይብሎም - ይፍስሁ። ቀለጢፉ ንከይሞት እውን “ሽርማም ቅጫን - ጽንቃቕ ማይን” ብመገለል ዝመስል መትሓዚ ብገመድ ሰዲዶም የቐብሉዎ። ሽንቲ ማይ ኮነ - ቀልቀል ዝናፈሰላ -ኣብታ ውሽጢ ጉድጓድ እዩ። ሓንሳብ ናብታ ዝዃዓታ ጉድጓድ ምስተደርበየ ፡ምስኣተወ- ብምንም ታኣምር ተመሊስካ ምዉጻእ የላን። 

እቲ ኡሱር ኣብታ ጸባብ ጉድጓድ ዉሽጢ እግሩ ምዝርጋሕ ወይ ብጎኒ ምድቃስ ኣይኽእልን። ክገብሮ ዝኽእል ተኾርሚኻ ኮፍ ምባል ጥራሕ እዩ። ኩርምይ ኢሉ፤ ቀትሪ ብጻሓይ ሃሩርን ለይቲ ብቁራም አሳሒታ፤ ብሁቦ እነዳተሳቐየ ፤- ዝተወለደላ መዓልቲን ሃገርን ዝተወለደሉ ዘርኢን እንዳረገመ ሞቱ ንክትፈጥን ይጽበ ። አቲ ዘሰክሕ ከይዲ ሞት ቅድሚ ሙማቱ ግና እቶም ኣብቲ ጉድጓድ መሬትን ኣብቲ ኣካላቱን ዝፍጠሩ ሓሳኹ መርዛማት ስለዘይኮኑ ዓይጓድኡን፤ ቀለጢፎም ኣይቀትሉዎን። ቆርበቱ ሰርሲሮም፤ ሥጋኡ በሊዖም ዓዕጽሙ ጎጥጚጦም ምፍርካሽ እንትጅምሩዎ፡ አቲ አሱር ኣብ መወዳእታ ብኣፉን ብኣፍንጭኡን ከምኡዉን ብዓይኑን ሓሰኻ ድድቛታት ፎሎቕሎቕ ይብሉሞ መሰክሕ ብዝኾነ መርገም ህይወቱ ምስሓለፈት፤- ካበዚ መርገምቲ ትርኢት ጭጉርጉር ዘይብሎም ወየንቲ አብቲ ኣፍ ጉድጋድ ዝተኾመረ ሓመድ “ድፍን ድፍን” ኣቢሎም ኢዱን እግሩን ታአሲሩ ብኹርምዩ አብኡ ይቕበር። 

እሞ’ሲ ካብ ኮም’ዚ ዝበለ መስገልገላይ ሞት፤ አብ ማዕከል ሜዳ አብ ማዕኸል ጸምጸም በረኻ ፤እንተይታአሰረ ማይን እኽልን ብምስኣን፤ ህይወቱ እንዳሃለወት ዓቕሚ ስኢኑ ዓይኑ እንዳራኣየ “ኣሞራ” ዓይኑ እንትምንጥሎ፤ ዓርሱ ምክልካል ምስ’ስኣነ፤ ህይወቱ እንዳተጋዓረት ፡ ስጋኡ ብኣሞራ እንዳተተኹቶኸ ተባዛጊሉ ተማናጣጢሉ ህይወቱ ዝሓለፈ_፤ ምስ ሻዕቢያ ግፍዒ ካብዝፈጸመሉ ሙሩኽ ሰራዊት ኢትዮጰያ አየናይ ኮን ይሓይሽ? ኢልና እንተጠየቕና፤

 ንዘስካሕክሕ ዝተፋላለየ ስቅያት ሞት ምምርማር ካብ “ናዚ ውጥጥ ኢሎም ፤ ብጭካነ ልዕል ኢሎም” ዝተረኽቡ ወየንቲን ሻዕቢያን ፤- ሰብ ንሰብ ካብ ሕማሙ ንክፍወስ ምርምር ዘካይዱ ጥበብ አብዝተስፋሕፋሓሉ ዘበን እንትንዕዘብ፤- ናይ ሻዕቢያን ወያነን ናይ ጭካነ-ተፋላሰፍቲን ተማራመርቲን፤ ደቂ ኣኮን ደቂ ሓትኖን ግን ኣብ ታሪኽ ንትዉልዲ ዘሕፍር ዘኹንን ግብሮም አብ ልዕሊ ወገን ዝፈጸሙዎ እንትናጻጸር፤ አሸጋርን መስካሕክሒ ጨካን ኣቃታትላኦም ክልቲኦም ወያነን ሻዓብያን ኣይባላለጹን ፤ኣይሳኾኑን፤- ኢለካ ጥራሕ አዩ ምሕላፍ ዝካኣል

ብሂይወቶም እንዳሃለዉ ኣብ ዉሸጢ ጉድጓድ አትዮም እንዳተሳቐዩ ንክሞቱ ዝፍረዶም ተጋሩ ፤ ብመትከሎም ዘይኣምንን ኣብጥርጣረ ዝኣቱን እዩ።

ብከመዚ ዝበለ አቃታትላ ተፈሪዱዎም ዝሞቱ እኒ “ሃበተ ገብረተንሳይተኽላይ ገብረመስቀል ፤ ወይዘሮ ወርቂ ምንጭራን አቶ አታክልቲ ሥዩም (አብ ከተማ ሸራሮ ራፖል ጸሓፊ ዝነበረ ወዲ ራዕሲ ሥዩም)” ዝመሳሰሉ ተጋሩ ይርከቡዎም። 

ኣብ እግረ-መንገድና ምናልባሽ አታኽልቲ ሥዩም መን ሙኻኑ ዘይትፈልጡ እንተዳሃሊኹም፤ ራዕሲ መንገሻ ሥዩም «ሓወይ አይኮንካን ኣቦይ እዉን ኣይተዛረቡንን፤ ኢሎም ሕዉነቶም ዝካሓዱዎ» ፡ ኣብ ኣዉራጃ ሽረ ኣብ ሰየምት ኣብ ዉሽጢ ኣድያቦ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ትዉልዲ ዕብየት ወላዲቱ አብ መደባይ ታብርን ኣብ ሠመማን እየን። ኣዲኡ ካብቶም ብናይ ቀደም ኣጻዋዋዓ “ጸለምቲ” (ባሮት) ታበሂሎም ተናዒቆም ዝጽረፉ ዝነበሩ ስደራቤታት ወረጃ ወይዘሮ እየን። ንሰን እዉን ብክብሪ በቲ ዝነበረ ባህላዊ መስፈናዊ ሥርዓት መሰረት ታሓዛይ ጽላል ገቲረን ፤ አሕሽኪረን ፤ ብስናር በቕሊ ዝኸዳ፤ ክሳብ ጊዜ እርጋነን ብክብረት ተኸቢረን ዝነብራ ዓባይ ወላዲት እየን።>>

ግደይ ባሕሪሹም (አሞራዉ ካብ ዝብል መጽሓፎም)

ትርጉም  ትግርኛ - ጌታቸው ረዳ Ethiopian Semay

 

 

 

 

 

 

 

 

No comments: