Saturday, June 7, 2008

Poet's Forum-Sent From Awaraja Agame (Tigray)




ወጊድ በሉዎም ተጋሩ! (ታደለች እዮብ ካብ ዓጋመ)

ዓመታት ሓሊፉ ብሞት ብስቓይ
ተጠሊምኩም ተድሂልኩም ህዝቢ ትግራይ።
መሰልኩም ተመንዚዕኹም ብተበለጽቲ
ክሳብ መዓዝ ክትፆሩዎ’ቲ መግዛኢቲ?
ይኣክል! በልዎም ንዞም ዓዲ ሸየጥቲ
ደም ተጋሩ መጸይቲ
ዓልየትን ሃይማኖትን ማላኻዕቲ
ጊዜ ዝፈጠሮም አጋንንቲ።
ወጊድ በሉዎም!
ዞም ታሪኽ ክሓድቲ
ባህልን ዓድን መርከስቲ
ንባዕዳን አምለኽቲ
ህዝቢን ዓድን መጥፋእቲ።
ወጊድ በሉዎም ተጋሩ! ታሪኽኩም ዘክሩ
ርእሲ ምድናን ዘይናትኩም
ስረኹም ዕጠቑ አገልድሙ ዝናርኩም
ሃገርኩም ክተድሕኑ
ከም ትማሊ ከምቶም ወለድኹም
ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሐልፍ
ቅያ ስርሑ ብጊዜኹም።
ይኣክል በሉዎም ንዞም ፀበብቲ
ብህይወት ደቂ ስብ ተላገጽቲ
ንዓና መሲሎም ተሓወስቲ
ብጎኒ ግና ሉኣላዊነት ሀገር ሸየጥቲ
ቀንዲ ናይ ኢትዮጵያ ፀላእቲ።
ወጊድ በሉዎም! ጊዜ ከይሓለፈ
ሙሉእ ንሙላእ ዓዲ ከይፈረሰ
ህዝቢ ከይተራኸሰ
ዘልኣለማዊ ብስረት ከይለበሰ።
ወጊድ በሉዎም ተጋሩ!
ካብ ሱሮም ማሓዉዎም
ከም ዘይጥጥዑ ዳግም
ክጠፍኡ ንዘልኣለም
ገሃነም ይቀበሎ ታሪኽ መቓብሮም።
ወጊድ በሉዎም! ከምቶም ናይ ትማሊ ጀጋኑ ወለድኹም
ቅያ ስርሑ ከም ስባጋድስ፤ ዮሐንስ፤
አሉላ፤ ዘርኣይ ደረስ
ተስፋይ ደበሳይ
ማርቆስ ሓጎስ
ተቐበሉ ታሪኽ ሓለፍነት
ሀገርኩም ህዝብኹም
ክተድሕኑ ካብ ጥፋኣት።
ቅያ ስርሑ ብእዋኑ
ሃገርን ነፃነትን ክተዉርሱ ንደቅኹም
ንዝቕፅል ወሎዶኹም
ተልዓሉ ተጋሩ ግዘ ከይከደኩም
አመስክሩ ዳግማይ ዘይሕበል ኢትየጵያዊነትኩም።
ወጊድ በሉዎም!
ትኸሉዋ እታ ሰንደቕና
ቕጠልያ ብጫ ቐያሕ
ምልክት መንነትና
ማዕተብ ሓድነትና
አርማ ናይ ሀገርና
ሓበን ናጽነትና
አብ መድረኽ ናይ ዓለም
ምስክር ክብርና።
ኪዱ ትኸሉዋ
ታሪኽ ይታሓደስ
አብ ወደብ አዱሊስ
አብ ባሕሪ አሉላ አብታ ናቱ ፈረስ!
ዳግም ንገሩዎም ወየነ ሻዕቢያ
ባድመ ኣይኮነን ደረት ኢጦብያ።
አወ!ንገሩዎም ጓና አይ ኮነን ህዘቢ ኤርትራ
ዓፅመ ሥጋና እዩ ተፈልዩ ዘሉ ብባዐዲ ሽጣራ።
ወጊድ በሉዎም! ደጊም ይኣከል ምሕዛን
ይኣክል ምብካይ ርእሲ ምድናን
አብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን
ይኣክል ሞትን ስደትን
ምዕራፍ ግበሩሉ ንስቓይ ንሓዘን።
ተልዓሉ ደቂ ኣግአዚ ደቂ ዮሐንስ፤
ደቂ ስሑል፤ ደቂ ስባጋድስ፤
ደቂ ጀጋኑ፤ ደቂ ዘርኣይ ደረስ
ሀገር ተደፊራ ታሪኽ ተራኺሱ
ባሕርና ስኢንና ሽምና ተናኢሱ
ደም ዮሐንስ ዝነጠበላ መሬት ደረት አፍሪሱ
ብግዘ ወየንቲ ረጊጽዋ ሎሚ “ድርቡሽ” ተመሊሱ


እወ! “ድርቡሽ ተመሊሱ”!
ወጊድ በሉዎም ተጋሩ! ስምረት ፍጠሩ ንሀገርኩም
ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዓልየትኩም
ጸበብቲን ተፈንጨልቲን አደብ ክገብሩ
ህዝቢ ካብ ምዝራግ ክምከሩ።
ሀገር ክትቀስን ብሰላም
ኢትዮጵያ ትንበር ንዘልኣለም!



No comments: