Monday, April 7, 2008

Amora




አሞራ

ደራሲ ግደይ ባሕሪሹም


አዚ መደብ አዚ “ማህደር ገበን ወየንቲ” ብዝበል ካብቶም ዘዳልዎም ዝተፋላለዩ መደባት ሓደ መደብ እዩ። ንአቶ ግደይ ባሕሪሹም ብአካል አቕሪበ ቃለ ምልልስ ክሳብ ዘቕርበለኩም፤ “አሞራ” ብዝበል ብኣምሓረኛ ብ1985 ዝጸሓፉዎ አንቢበካ ዘይምኖ መጽሓፎም ኣብ ገጽ፤-207፡209 ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋሩ ንክትሰምዖ ዘስካህክሕ ናይ ወየነ ትግራይ ጭካነዊ ግብሪ ዝሰነዱዎ ከቕሩበለኩም እየ።

ደራሲን ገጣሚን ኣቶ ግደይ ባሕሪሹም ትግራዋይ እዮም። አቶ ግደይ መስራታይን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ጠራናፊትን ኢድዩን ዝነበሩ ኢዮም። አቶ ግደይ ዝጸሓፉዎ “ኣሞራ” ዝብል መጽሓፍ ኣብ መዋዕል ታሪኾምን ፡ ኣብ ጊዜ ገድሎም ዘሕለፉዎ ፤ጸበባን ገድላዊ ህይወትን ከምኡዉን ናይ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ እንታይነት፤ ኣብ ልዕሊ ህዘቢ ትግራይ ዝፈጸመቶ ሰብኣዊ ግህሰትን ፡ ብሰፊሑ ዘረድእ ደጋጊመካ ኣንቢብካዮ መሊስካ ንክትምለሶ ዘብህግ ታሪኽ እዩ።

እዚ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ዝመለስኩዎ ትርጉም አብ ገጽ 207 ክሳብ 209 ዝተዘርዘረ ናይ ወየንቲ ጭካነ ሰነባህረ ምስተነበበ፤ ካብ ከምቲ ዝበለ ሰብኣዊ ሕልና ዘይተላበስ ግበሪ ወየንቲ፤ አቲ ዝስዕቦም ዘሎ ዝተዓሸወ መንእሰይ ሎሚ እኳ እነተዘይኮነነኖም ንሓዋሩ ቀስ ብቐስ ከምዝኹኑኖም ኣይንጣራጠርን። ከምኡ’ዉን አብ መራኸቢ ሓበሬታን ኣብ አደባባይን ጠራዕ ኢሉ (ዓዉ ኢሉ -ተጠሊዑ) ብዛዕባ ናይ ህዘቢ ትግራይ ተሓላቕነትን ሰብኣዊነትን ብዘይ “ተሓህት” ካሊእ ሰብኣዊ ዉድብ የለን ኢሉ “እንትፍስፈስ” ፡ ኢቲ ሂተለራዊ በጋሚዶ ባህረቱ ንዝፈልጡ ግን ፤ ገበኑ ንምሽፋን ዝገብሮ ዘሎ ጓዕጻጽ መኸወልታ ሙኻኑ ብሩህ እዩ።

እቶም የዋሃን ግና ከጣቑዑሉ ንርእዮም፤ አዚ ድማ ዘገረም ክኸዉን የብሉን። ስለምንታይ፤ ክሳ ብ ሎሚ ብጋህዲ ገበናት ወያነ ትግራይ ንህዘቢ ምዝረጋሕ ባኣብዝሓ አይተጀመረን። ታሪኽ ግን ዉዒሉ ሓዲሩ ከርተት እንዳበለ ንዘልኣለም መቦሮኺ እነተይረኸበ ስለዘይነብር እቲ ዝተሸፈነ ገበን ክንበብ እዩ። ሽዑ ሓቂን ሑሶትን ጎፍ ንጎፍ ክፋጠጣ እየን። ንኣንጭዋ ከም ድሙ ዝሕይላ የለን፤ ንዓመጽ ድማ ከም ሓቂ ዝሕይላ የለን። ሰናይ ንባብ!

ኣሞራ ገጽ 207- 209
ካብ ግደይ ባሕሪሹም -

< ናይ ኢድህ ማለት ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ሕብረት ደጋፋይ ኢኻ ወድኻ ወይ ሓዉካ ናይ ኢድሕ ኢዩ ተባሂሉ ይታሓዝሞ፡ ናብ “06 ቤት ማእሰርቲ ይውሰድ። ኣብኡ ምስበጽሐ ዘለዎ ንብረትን መጠንን፤ ብዝሕን ኣበይ ከምዘሎን ይጥየቕ። ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ ምስወደአ፡ ንቑሩብ መዓለቲ እዚ ዘይባሃል ጡዑም ብልዒ እንዳተቐለበ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ መዓልቱ ምስ ከምኡ ዝበሉ እሱራት እንዳታሓጋገዘ እንተዋሓደ ክልተ ሜትሮ ዑምቀት ዘለዎ ጉድጓድ ንክኹዕት ይእዘዝ።ብስፍሓቱ ኮነ ብዓይነቱመቓብር ሰብእዩ ዝመስል ከም ጉድጓድ ጽብብ ኢሉ እንዳተኹዓተ እቲ ዝተፍሓረ ሓመድ ኣብቲ ኣፍ ጉድጋድ ከባቢ ወሰን-ወሰኑ "ዙርያ ምላሽ" ይኹመር። አቲ ኡሱርብደው ዝቕበረሉናይደዋደዉ መቓብሩፍሒሩ እንተብቅዕ፡ ካብቲ ጉድጓድ ይወጽእ።

ብድሕሪኡ ብገመድኢዱን እግሩን ተኣሲሩናብታ ዝፋሓራ ጉድጓድኣለም በቃኝይመልሱዎ። ወየንቲ ኡሱር ቅደሚ ሞቱእንዳተሳቐየ ምርኣይ ብጣዕሚ እዩ ዘርዉዮም- ባህ ይብሎም - ይፍስሁ። ቀለጢፉ ንከይሞት እውንሽርማም ቅጫን - ጽንቃቕ ማይንብመገለል ዝመስል መትሓዚ ብገመድ ሰዲዶም የቐብሉዎ። ሽንቲ ማይ ኮነ - ቀልቀል ዝናፈሰላ -ኣብታ ውሽጢ ጉድጓድ እዩ። ሓንሳብ ናብታ ዝዃዓታ ጉድጓድ ምስተደርበየ ፡ምስኣተወ- ብምንም ታኣምር ተመሊስካ ምዉጻእ የላን።

እቲ ኡሱር ኣብታ ጸባብ ጉድጓድ ዉሽጢ እግሩ ምዝርጋሕ ወይ ብጎኒ ምድቃስ ኣይኽእልን። ክገብሮ ዝኽእል ተኾርሚኻ ኮፍ ምባል ጥራሕ እዩ። ኩርምይ ኢሉ፤ ቀትሪ ብጻሓይ ሃሩርን ለይቲ ብቁራም አሳሒታ፤ ብሁቦ እነዳተሳቐየ - ዝተወለደላ መዓልቲን ሃገርን ዝተወለደሉ ዘርኢን እንዳረገመ ሞቱ ንክትፈጥን ይጽበ አቲ ዘሰክሕ ከይዲ ሞት ቅድሚ ሙማቱ ግና እቶም ኣብቲ ጉድጓድ መሬትን ኣብቲ ኣካላቱን ዝፍጠሩ ሓሳኹ መርዛማት ስለዘይኮኑ ዓይጓድኡን፤ ቀለጢፎም ኣይቀትሉዎን። ቆርበቱ ሰርሲሮም፤ ሥጋኡ በሊዖም ዓዕጽሙ ጎጥጚጦም ምፍርካሽ እንትጅምሩዎ፡ አቲ አሱር ኣብ መወዳእታ ብኣፉን ብኣፍንጭኡን ከምኡዉን ብዓይኑን ሓሰኻ ድድቛታት ፎሎቕሎቕ ይብሉሞ መሰክሕ ብዝኾነ መርገም ህይወቱ ምስሓለፈት፤- ካበዚ መርገምቲ ትርኢት ጭጉርጉር ዘይብሎም ወየንቲ አብቲ ኣፍ ጉድጋድ ዝተኾመረ ሓመድድፍን ድፍንኣቢሎም ኢዱን እግሩን ታአሲሩ ብኹርምዩ አብኡ ይቕበር።

እሞ ካብ ኮም ዝበለ መስገልገላይ ሞት፤ አብ ማዕከል ሜዳ አብ ማዕኸል ጸምጸም በረኻ ፤እንተይታአሰረ ማይን እኽልን ብምስኣን፤ ህይወቱ እንዳሃለወት ዓቕሚ ስኢኑ ዓይኑ እንዳራኣየኣሞራዓይኑ እንትምንጥሎ፤ ዓርሱ ምክልካል ምስስኣነ፤ ህይወቱ እንዳተጋዓረት ስጋኡ ብኣሞራ እንዳተተኹቶኸ ተባዛጊሉ ተማናጣጢሉ ህይወቱ ዝሓለፈ_ ምስ ሻዕቢያ ግፍዒ ካብዝፈጸመሉ ሙሩኽ ሰራዊት ኢትዮጰያ አየናይ ኮን ይሓይሽ? ኢልና እንተጠየቕና፤

 ንዘስካሕክሕ ዝተፋላለየ ስቅያት ሞት ምምርማር ካብናዚ ውጥጥ ኢሎም ብጭካነ ልዕል ኢሎምዝተረኽቡ ወየንቲን ሻዕቢያን - ሰብ ንሰብ ካብ ሕማሙ ንክፍወስ ምርምር ዘካይዱ ጥበብ አብዝተስፋሕፋሓሉ ዘበን እንትንዕዘብ፤- ናይ ሻዕቢያን ወያነን ናይ ጭካነ-ተፋላሰፍቲን ተማራመርቲን፤ ደቂ ኣኮን ደቂ ሓትኖን ግን ኣብ ታሪኽ ንትዉልዲ ዘሕፍር ዘኹንን ግብሮም አብ ልዕሊ ወገን ዝፈጸሙዎ እንትናጻጸር፤ አሸጋርን መስካሕክሒ ጨካን ኣቃታትላኦም ክልቲኦም ወያነን ሻዓብያን ኣይባላለጹን ፤ኣይሳኾኑን፤- ኢለካ ጥራሕ አዩ ምሕላፍ ዝካኣል።

ብሂይወቶም እንዳሃለዉ ኣብ ዉሸጢ ጉድጓድ አትዮም እንዳተሳቐዩ ንክሞቱ ዝፍረዶም ተጋሩ ብመትከሎም ዘይኣምንን ኣብጥርጣረ ዝኣቱን እዩ።

ብከመዚ ዝበለ አቃታትላ ተፈሪዱዎም ዝሞቱ እኒሃበተ ገብረተንሳይ፤ ተኽላይ ገብረመስቀል ወይዘሮ ወርቂ ምንጭራን አቶ አታክልቲ ሥዩም (አብ ከተማ ሸራሮ ራፖል ጸሓፊ ዝነበረ ወዲ ራዕሲ ሥዩም)” ዝመሳሰሉ ተጋሩ ይርከቡዎም።

ኣብ እግረ-መንገድና ምናልባሽ አታኽልቲ ሥዩም መን ሙኻኑ ዘይትፈልጡ እንተዳሃሊኹም፤ ራዕሲ መንገሻ ሥዩም «ሓወይ አይኮንካን ኣቦይ እዉን ኣይተዛረቡንን፤ ኢሎም ሕዉነቶም ዝካሓዱዎ» ኣብ ኣዉራጃ ሽረ ኣብ ሰየምት ኣብ ዉሽጢ ኣድያቦ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ትዉልዲ ዕብየት ወላዲቱ አብ መደባይ ታብርን ኣብ ሠመማን እየን። ኣዲኡ ካብቶም ብናይ ቀደም ኣጻዋዋዓጸለምቲ” (ባሮት) ታበሂሎም ተናዒቆም ዝጽረፉ ዝነበሩ ስደራቤታት ወረጃ ወይዘሮ እየን። ንሰን እዉን ብክብሪ በቲ ዝነበረ ባህላዊ መስፈናዊ ሥርዓት መሰረት ታሓዛይ ጽላል ገቲረን አሕሽኪረን ብስናር በቕሊ ዝኸዳ፤ ክሳብ ጊዜ እርጋነን ብክብረት ተኸቢረን ዝነብራ ዓባይ ወላዲት እየን።>>

ግደይ ባሕሪሹም (አሞራዉ ካብ ዝብል መጽሓፎም

ትርጉም ትግርኛ - ጌታቸው ረዳ Ethiopian Semay

 


No comments: