ደራሲን ገጣሚን ኣቶ ግደይ ባሕሪሹም ትግራዋይ እዮም። አቶ ግደይ መስራታይን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ጠራናፊትን ኢድዩን ዝነበሩ ኢዮም። አቶ ግደይ ዝጸሓፉዎ “ኣሞራ” ዝብል መጽሓፍ ኣብ መዋዕል ታሪኾምን ፡ ኣብ ጊዜ ገድሎም ዘሕለፉዎ ፤ጸበባን ገድላዊ ህይወትን ከምኡዉን ናይ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ እንታይነት፤ ኣብ ልዕሊ ህዘቢ ትግራይ ዝፈጸመቶ ሰብኣዊ ግህሰትን ፡ ብሰፊሑ ዘረድእ ደጋጊመካ ኣንቢብካዮ መሊስካ ንክትምለሶ ዘብህግ ታሪኽ እዩ።
እዚ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ዝመለስኩዎ ትርጉም አብ ገጽ 207 ክሳብ 209 ዝተዘርዘረ ናይ ወየንቲ ጭካነ ሰነባህረ ምስተነበበ፤ ካብ ከምቲ ዝበለ ሰብኣዊ ሕልና ዘይተላበስ ግበሪ ወየንቲ፤ አቲ ዝስዕቦም ዘሎ ዝተዓሸወ መንእሰይ ሎሚ እኳ እነተዘይኮነነኖም ንሓዋሩ ቀስ ብቐስ ከምዝኹኑኖም ኣይንጣራጠርን። ከምኡ’ዉን አብ መራኸቢ ሓበሬታን ኣብ አደባባይን ጠራዕ ኢሉ (ዓዉ ኢሉ -ተጠሊዑ) ብዛዕባ ናይ ህዘቢ ትግራይ ተሓላቕነትን ሰብኣዊነትን ብዘይ “ተሓህት” ካሊእ ሰብኣዊ ዉድብ የለን ኢሉ “እንትፍስፈስ” ፡ ኢቲ ሂተለራዊ በጋሚዶ ባህረቱ ንዝፈልጡ ግን ፤ ገበኑ ንምሽፋን ዝገብሮ ዘሎ ጓዕጻጽ መኸወልታ ሙኻኑ ብሩህ እዩ።
እቶም የዋሃን ግና ከጣቑዑሉ ንርእዮም፤ አዚ ድማ ዘገረም ክኸዉን የብሉን። ስለምንታይ፤ ክሳ ብ ሎሚ ብጋህዲ ገበናት ወያነ ትግራይ ንህዘቢ ምዝረጋሕ ባኣብዝሓ አይተጀመረን። ታሪኽ ግን ዉዒሉ ሓዲሩ ከርተት እንዳበለ ንዘልኣለም መቦሮኺ እነተይረኸበ ስለዘይነብር እቲ ዝተሸፈነ ገበን ክንበብ እዩ። ሽዑ ሓቂን ሑሶትን ጎፍ ንጎፍ ክፋጠጣ እየን። ንኣንጭዋ ከም ድሙ ዝሕይላ የለን፤ ንዓመጽ ድማ ከም ሓቂ ዝሕይላ የለን። ሰናይ ንባብ!
ኣሞራ ገጽ 207- 209
ካብ ግደይ ባሕሪሹም -
< ናይ ኢድህ ማለት ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ሕብረት ደጋፋይ ኢኻ ፡ ወድኻ ወይ ሓዉካ ናይ ኢድሕ ኢዩ ተባሂሉ ይታሓዝ’ሞ፡ ናብ “06 ቤት ማእሰርቲ ይውሰድ። ኣብኡ ምስበጽሐ ዘለዎ ንብረትን መጠንን፤ ብዝሕን ኣበይ ከምዘሎን ይጥየቕ። ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ ምስወደአ፡ ንቑሩብ መዓለቲ እዚ ዘይባሃል ጡዑም ብልዒ እንዳተቐለበ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ መዓልቱ ምስ ከምኡ ዝበሉ እሱራት እንዳታሓጋገዘ ፤ እንተዋሓደ ክልተ ሜትሮ ዑምቀት ዘለዎ ጉድጓድ ንክኹዕት ይእዘዝ።ብስፍሓቱ ኮነ ብዓይነቱ “መቓብር ሰብ” እዩ ዝመስል ከም ጉድጓድ ጽብብ ኢሉ እንዳተኹዓተ ፤ እቲ ዝተፍሓረ ሓመድ ኣብቲ ኣፍ ጉድጋድ ከባቢ ወሰን-ወሰኑ "ዙርያ ምላሽ" ይኹመር። አቲ ኡሱር “ብደው ዝቕበረሉ” ናይ “ደዋደዉ መቓብሩ” ፍሒሩ እንተብቅዕ፡ ካብቲ ጉድጓድ ይወጽእ።
ብድሕሪኡ ብገመድ “ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ” ናብታ ዝፋሓራ ጉድጓድ “ኣለም በቃኝ” ይመልሱዎ። ወየንቲ ኡሱር ቅደሚ ሞቱ “እንዳተሳቐየ ምርኣይ ብጣዕሚ እዩ ዘርዉዮም”፡- ባህ ይብሎም - ይፍስሁ። ቀለጢፉ ንከይሞት እውን “ሽርማም ቅጫን - ጽንቃቕ ማይን” ብመገለል ዝመስል መትሓዚ ብገመድ ሰዲዶም የቐብሉዎ። ሽንቲ ማይ ኮነ - ቀልቀል ዝናፈሰላ -ኣብታ ውሽጢ ጉድጓድ እዩ። ሓንሳብ ናብታ ዝዃዓታ ጉድጓድ ምስተደርበየ ፡ምስኣተወ- ብምንም ታኣምር ተመሊስካ ምዉጻእ የላን።
እቲ ኡሱር ኣብታ ጸባብ ጉድጓድ ዉሽጢ እግሩ ምዝርጋሕ ወይ ብጎኒ ምድቃስ ኣይኽእልን። ክገብሮ ዝኽእል ተኾርሚኻ ኮፍ ምባል ጥራሕ እዩ። ኩርምይ ኢሉ፤ ቀትሪ ብጻሓይ ሃሩርን ለይቲ ብቁራም አሳሒታ፤ ብሁቦ እነዳተሳቐየ ፤- ዝተወለደላ መዓልቲን ሃገርን ዝተወለደሉ ዘርኢን እንዳረገመ ሞቱ ንክትፈጥን ይጽበ ። አቲ ዘሰክሕ ከይዲ ሞት ቅድሚ ሙማቱ ግና እቶም ኣብቲ ጉድጓድ መሬትን ኣብቲ ኣካላቱን ዝፍጠሩ ሓሳኹ መርዛማት ስለዘይኮኑ ዓይጓድኡን፤ ቀለጢፎም ኣይቀትሉዎን። ቆርበቱ ሰርሲሮም፤ ሥጋኡ በሊዖም ዓዕጽሙ ጎጥጚጦም ምፍርካሽ እንትጅምሩዎ፡ አቲ አሱር ኣብ መወዳእታ ብኣፉን ብኣፍንጭኡን ከምኡዉን ብዓይኑን ሓሰኻ ድድቛታት ፎሎቕሎቕ ይብሉሞ መሰክሕ ብዝኾነ መርገም ህይወቱ ምስሓለፈት፤- ካበዚ መርገምቲ ትርኢት ጭጉርጉር ዘይብሎም ወየንቲ አብቲ ኣፍ ጉድጋድ ዝተኾመረ ሓመድ “ድፍን ድፍን” ኣቢሎም ኢዱን እግሩን ታአሲሩ ብኹርምዩ አብኡ ይቕበር።
እሞ’ሲ ካብ ኮም’ዚ ዝበለ መስገልገላይ ሞት፤ አብ ማዕከል ሜዳ አብ ማዕኸል ጸምጸም በረኻ ፤እንተይታአሰረ ማይን እኽልን ብምስኣን፤ ህይወቱ እንዳሃለወት ዓቕሚ ስኢኑ ዓይኑ እንዳራኣየ “ኣሞራ” ዓይኑ እንትምንጥሎ፤ ዓርሱ ምክልካል ምስ’ስኣነ፤ ህይወቱ እንዳተጋዓረት ፡ ስጋኡ ብኣሞራ እንዳተተኹቶኸ ተባዛጊሉ ተማናጣጢሉ ህይወቱ ዝሓለፈ_፤ ምስ ሻዕቢያ ግፍዒ ካብዝፈጸመሉ ሙሩኽ ሰራዊት ኢትዮጰያ አየናይ ኮን ይሓይሽ? ኢልና እንተጠየቕና፤
ንዘስካሕክሕ ዝተፋላለየ ስቅያት ሞት ምምርማር ካብ “ናዚ ውጥጥ ኢሎም ፤ ብጭካነ ልዕል ኢሎም” ዝተረኽቡ ወየንቲን ሻዕቢያን ፤- ሰብ ንሰብ ካብ ሕማሙ ንክፍወስ ምርምር ዘካይዱ ጥበብ አብዝተስፋሕፋሓሉ ዘበን እንትንዕዘብ፤- ናይ ሻዕቢያን ወያነን ናይ ጭካነ-ተፋላሰፍቲን ተማራመርቲን፤ ደቂ ኣኮን ደቂ ሓትኖን ግን ኣብ ታሪኽ ንትዉልዲ ዘሕፍር ዘኹንን ግብሮም አብ ልዕሊ ወገን ዝፈጸሙዎ እንትናጻጸር፤ አሸጋርን መስካሕክሒ ጨካን ኣቃታትላኦም ክልቲኦም ወያነን ሻዓብያን ኣይባላለጹን ፤ኣይሳኾኑን፤- ኢለካ ጥራሕ አዩ ምሕላፍ ዝካኣል።
ብሂይወቶም እንዳሃለዉ ኣብ ዉሸጢ ጉድጓድ አትዮም እንዳተሳቐዩ ንክሞቱ ዝፍረዶም ተጋሩ ፤ ብመትከሎም ዘይኣምንን ኣብጥርጣረ ዝኣቱን እዩ።
ብከመዚ ዝበለ አቃታትላ ተፈሪዱዎም ዝሞቱ እኒ “ሃበተ ገብረተንሳይ፤ ተኽላይ ገብረመስቀል ፤ ወይዘሮ ወርቂ ምንጭራን አቶ አታክልቲ ሥዩም (አብ ከተማ ሸራሮ ራፖል ጸሓፊ ዝነበረ ወዲ ራዕሲ ሥዩም)” ዝመሳሰሉ ተጋሩ ይርከቡዎም።
ኣብ እግረ-መንገድና ምናልባሽ አታኽልቲ ሥዩም መን ሙኻኑ ዘይትፈልጡ እንተዳሃሊኹም፤ ራዕሲ መንገሻ ሥዩም «ሓወይ አይኮንካን ኣቦይ እዉን ኣይተዛረቡንን፤ ኢሎም ሕዉነቶም ዝካሓዱዎ» ፡ ኣብ ኣዉራጃ ሽረ ኣብ ሰየምት ኣብ ዉሽጢ ኣድያቦ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ትዉልዲ ዕብየት ወላዲቱ አብ መደባይ ታብርን ኣብ ሠመማን እየን። ኣዲኡ ካብቶም ብናይ ቀደም ኣጻዋዋዓ “ጸለምቲ” (ባሮት) ታበሂሎም ተናዒቆም ዝጽረፉ ዝነበሩ ስደራቤታት ወረጃ ወይዘሮ እየን። ንሰን እዉን ብክብሪ በቲ ዝነበረ ባህላዊ መስፈናዊ ሥርዓት መሰረት ታሓዛይ ጽላል ገቲረን ፤ አሕሽኪረን ፤ ብስናር በቕሊ ዝኸዳ፤ ክሳብ ጊዜ እርጋነን ብክብረት ተኸቢረን ዝነብራ ዓባይ ወላዲት እየን።>>
ግደይ ባሕሪሹም (አሞራዉ
ካብ ዝብል
መጽሓፎም
ትርጉም ትግርኛ - ጌታቸው ረዳ
Ethiopian Semay

No comments:
Post a Comment