Monday, May 7, 2018

ክፍሊ 4 መልሲ ንሙሉወርቅ ኪማርያም ፋሺስተነት እንታይ እዩ? ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay)



      ክፍሊ 4 መልሲ ንሙሉወርቅ ኪማርያም
ፋሺስተነት እንታይ እዩ?
ጌታቸው ረዳ (Ethiopian Semay)
ጌታቸው ረዳ
   
ሰላም ከመይ ቀኒኹም? ንሙሉወርቅ ኪዳነማርያምን ንመምህር ገብረኪዳን ደስታን ብዝምልከት ዘቕረብኩዎም ኣብ ዝሓለፋ ተኻታተልቲ 3 ጽሑፋት ብዙሓት አንበብቲ (ተጋሩን ኤርትራውያንን) ብዙሕ ቁምነገር ከምዝተምሃሩ ብደብዳቤኦም ገሊጸሙለይ እዮም። ንኹሉኹም የቐንየለይ እብል። ሎሚ’ው ንኢትዮ-ሚዲያ (ኢትዮጵያዊ መርበብ ሓበሬታ) ንቶጎሩባን ንገረገር (ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ) እተን ጽሑፋት ንህዝቢ ክንበባ ብምግባሮም ዝላዓለ ምስጋና የቕርብ። የቐንየለይ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ብርክት ዝበሉ አርዕስታት ኣልዒለ ንሎሚ ከንማያየጠሎም አጽኒሔዮም ከምዝነበርኩ እዝክር። ኮይኑ ግና ንሳቶም ንካልእ ጊዜ ንክንዛራረበሎም ብሓዲግ (ብይደር) ገዲፍና ወያነ በየናይ ፖለቲካዊ መግለጺ ይስየም? መምዘኒኡኸ እንታይ እዩ ዝብሉ ክንርኢ ኢና።

ብዘይ ምፍላጥ ብዙሓት ሰባት ንወያነ ብዝተፋላለየ መጸውዒ ክጽውዑዎ ምጽንሖም ኩሉና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ካብ’ቶም ዝተውሃቡዎ አስማት ገሊኦም ንምጥቃስ - ‘ተጋደልቲ’ ፥ “ሓራ መውጻእቲ’ ፥ “መለኽቲ” (ዲካታቶር)፥ ጉዙእ (ባንዳ)  ፥ ከዳዕ ፥ ሸያጢ ሃገር ፥ ቀያሪ ባንዴራ ፥ ጸቢብ ጎጣይ….ወዘተ.. ወዘተ.. ወዘተ.. ዝብሉ አስማት ክዋሃቦም ጸኒሑ እዩ። ኩሎም እዚኣቶም መቐጸልታ ሳጓ እምበር ናይ’ቲ ውድብ መግለጺ እንታይነት ክኾኒ ኣይክእሉን። ስለዚ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፖለቲካዊ መለለይ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ እያ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ሒዛ ቀሪባ ዘላ። እኒ ዶ/ር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ፥ እኒ መምህር ገብረኪዳን ደስታ ፥ እኒ ዶ/ር ዘፅኣት/ወዲ ሰብዓ (ቆዛሚ ፖለቲካ ኣጋኣዚያን)  ወዘተ..  ዝመሳሰሉ ሙሁራት ተጋሩ ዝስዕብዎን ዝንእድዎን ፖለቲካ ወያነ “ፋሺሰትነት” ከምዝኾነ ብጭቡጥ ክምጉቶም እየ እዛ ጽሑፍቲ እዚኣ ኣቕሪበያ ዘለኹ።

ብዘይምምርማር ብዙሓት ሰባት ብሕለፊ ኣባላትን ደገፍቲ ወየነ ዘይተጸበይዎ መጸውዒ ኮይኑ ክሰምዑዎ እንተለው ከምዝስምብዱን ክቕበሉዎ ከምዝጽግሞምን እግምት። እዚ’ውን ንብዙሕ ዘበን ከም “ወኪል ህዝቢ ፥ ዲሞክራሲያዊት ውድብ ፥ በይዛ ህዝቢ ዝሐለፈት ፥ ህንፃ ዝሃነጸት ፥ ፋንታሁን ሸው ፥ ወዝወዝ ሸው ወለላየ ትግራዋየ ደርፍታት ዝፈጠረትልና ፥ ሳላ “ታላቁ መሪያችን” ፥ ‘ግዛዕ ምዛዕ’ ዝብሉ መራጎዲቲ ፕሮፓጋንዳታት እንዳተውሃቦ ብድንቁርና ልግዔ ሕልናኡ መሪቱ ስለዝተጉዓዘ እታ ውድብ “ክትትንከፍ ፥ ክትውቀስ ፥ ክትፍረድ’ ዘይትኽእል ምንባራ ‘ከም ሃይማኖታዊት ታቦት” እትርኣይ ዝነበረት ውድብ ድሕሪ ብዙሕ ምጽማም ከማይን ከማይ ዝበሉን ተማራሚርና “ፖለቲካ ወድብ ወየነ” ‘ፋሺስቲ እዩ’ ኢልካዮም ንከይኣምኑኻ ባህሪያዊ እዩ (ድሕሪ አዋን ክርድኦም እዩ፤ ግና ጊዜ ክወስደሎም እዩ)።

ብልምዲ ወይ ብጌጋ ደርጊ ከም ፋሺስቲ ተገይሩ ዝውሰድ፤ ኢሕአፓ ከምኡ’ውን ካልኦት ሕድሕዶም ፋሺስቲ እንዳተብሃሃሉ ይጻራረፉ ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እዚ ግን “እቲ ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ግህሰትን ቅትለትን፤ ጭካነን …ወንጀልን” ሙርኩዝ ገይሮም ኩሎም በተለምዶ ሕድ ሕድ ዝጽላጣጠፉዎ ዝነበሩ እምበር “ትርጉም ፋሺስትነት” ምስ እቲ ኣነ ኣብ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣቕሪበያ ዘለኹ ሳይንሳዊ ትርጉም ‘ፋሺዝም’ ፈጺሙ ዘይራኸብ ስለዝኾነ መንበብቲ ሓዲሽ ትምህርቲ ከም እትረኽቡሉ ተስፋ እገብር።

ኢሳያስ ዝምርሖ ውድብ ፋሺሰቲ ድዩ ኢሉ ሓደ ማሓዛይ ሓቲቱኒ፡ መልሰይ እወ እዩ። ጀብሃኸ ብምንታይ ትርእዮ? ኢሉኒ ምናልባት ከም ደባይ ተዋጋኣይ ‘ወንጀል ሰብኣዊ ግህሰት’ ክህልዎ የኸውን ግና ብሳይንሳዊ ኣታናትና ጀብሃ ‘ፋሽቲ’ ኣይኮነን። ገና ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብሓጺሩ ዝተጎጭዐ (ዝተገምየ) ውድብ ስለዝኾነ።

 ንሱ ንጎኒ ገዲፍና ልቢ ክትብሉ ዝለደሊ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ብፋሺስትነት’ ክውሰዱ ዘለዎም ውድባት ንምሳለ ወያነን ኦነግን (ውድብ ሓርነት ኦሮሞ) ካብ’ቶም ብቀንዲ ዝጥቀሱ እዮም።  ኣብ ሕልናኹም ክትርስዑዎ ዘይብልኩም ግና ሃይማኖታዊ ፋሺስታውያን (ኢስላሞ ፋሽት) ዝባሃሉ ብዘበን ወያነ ዝተቐልቀሉ ብዙሕ ብርሰት ዘውረዱ ኣብ ዕዳጋ እንዳዘሩ ክስታኖት ዝኣሰሩዎ ማዕተቦም እንዳበተኹ ፥ ኣብ ቤተክርስትያንን ገዳማትን አቕሽቲ እንዳኣተው ብስሚላህ በል ኢሎም ንክርስትያን ብጐዞሞ/ብሰይፊ (ገጀራ/ሜንጫ) ዝሰየፉ በተኽስያን (መስጊድ ተይቀረየ) ብሓዊ ዘቃጸሉ ኣብ ‘አርሲን፥ሐረርን፥ ጅማን ከምኡ’ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ምድሪ ዓፋር ዝነደደ ጥንታዊ ገዳም….’ ዝተቐልቀሉ ፋሽታውያን ከይጠቐስና ማለት እዩ። ኩሎም እዚኦም ‘ጥርናፈ ፋሺስታውያን’ ይኹኑ’ምበር ወያነ ፍልይ ዝገብሮ ባህረታት ኣለውዎ።‘

 እቲ ትርጉም ናይ ስነ ሞገትን ባህረን (ኣክቲቪቲ) ፋሺስተነት ከመይ ከምዝተገልጸ ኣብ እዚ ጽሑፍ እዚ እንትትርእዩ “ወያነ” ፋሺስቲ ምኻኑ ንምግላጽ ወያነ እንታይ ሙኻኑ ንዘይተረደኦም ዜጋታት፤ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተሓትምት የትግራይ ብሔረተኞች በአማራ ላይ ያላቸው ጥላቻ ከምን የመነጨ ነው? እትብል ሓዳሽ መጽሐፈይ ክጽሕፋ እንተለኹ ብቀንዲ ኣርእስቲአክራሪ  የትግራይ ብሄረተኛነትና ፋሽዝም በኢትዮጵያ! ብዝብል ኣብ ንዑስ አርእስቲ  በጦርነቱና በአብዮቱ ምክንያት ትግራይ ውስጥ የተጸነሰው ፋሺዝም (አሰፋ ነጋሽ) እትብል ጽሕፍቲ ሰዲዱለይ ኣብ’ታ መጽሐፈይ ተሓቲማ ትርከብ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሓበርኩኹም ናይ ቀረባ ምሕዝነት ዘለና ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ (ነባራይ-አምስተርዳም - አውሮጳ) ኣብ እዚ  ጹሑፍ እዚ ቀሪቦም ዘለው ብዛዕባ ፋሺስትነት ዝሕብሩ ስነሞገታዊ ምርምራት ዝሃበኒ ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ እንትኾን፡ ናተይ አውን ክውሰኹ ዘለዎም ሓሳባት እንዳወሰኽኩ ዘቕረብኩዎም ስነ ሓሳባት ኣለው። ፋሺስትነት ወያነ ትግራይ ባህርያዊ ፖለቲካዊ አባጋግስኡ ንምግላጽ “ፋሺስትነት” እንታይ ማለት ከምዝኾነ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ እታ መፅሐፈይ ምስቀረበት ቡዙሓት አንበብቲ ከምዝተሓጎሱ ኣብ‘ቲ ዝላአኹለይ ድብዳቤታትን ብስልኪ ዘዛራረቡንን ክርዳእ ክኢለ እየ። ስለዚ ንዶ/ር አሰፋ ነጋሽ ብሰም ኣንበብቲ ሕዚ’ውን የቐንየለይ እብል።

ናብ’ቲ ስነ ሞገት ንእቶ።
ፋሺስትነት እንታይ እዩ ኢልካ ንክትገልጽ ከቢድ ስነፍልጠትን ምምርማርን ስለዝሓትት፤ ንዕዑ ንክትገልጽ ‘ጽባቐ ጹሑፍ’ ገይርካ ተዘይተንቲንካዮ ንምርድኡ ከቢድ እዩ። ብዝተኽኣለኒ መጠን ግና ብዛዕባ ፋሺሰዝም ብትግርኛ ኮነ ብኣምሓርኛ ክርዳእ ብዝኽእል ትርጉም ቀሪቡ ስለዘይፈልጥ ናይ ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ ምርምር/ጽንዓት ምስናተይ ኣዳቒለ ብፎኲስ ትግርኛ ብቐሊሉ ንመንበብቲ ብዝርዳእ ኣግባብ ኣቕሪበዮ ኣለኹ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ፋሺስትነትን ፋሺስታዊያንን እንታይን እንታዎትን ይመስሉ?
ብሓጺሩ ፋሺስትነት እንታይ እዩ?

ፋሺስነት ናይ ዝረሰነ ጠዋት መኽረራይ ብሄረተኛ መግለጺ ማለት እዩ።ዝረሰነ እንትንብል “ዝናፋነፍ ከባቢያዊ ዑቡይ” ማለት እዩ (ጎበዝ አድሪ ንዝብል ትርጉም ንከይንህቦ ክንጥንቀቕ ይግባእ። በበይኖም ትርጉማት ኣለውዎም)።

ዶ/ር አሰፋ ከመዚ ይብል፦
“አክራሪ  የትግራይ ብሄረተኛነትና ፋሽዝም በኢትዮጵያ!” ኣብ እትብል ጽሕፍቱ፤
“ተቃዋሚዎች ወያኔን ፋሽስታዊ ተፈጥሮውን ሳናውቀው አርባ ሁለት አመታት አስቆጠርን! (ዶ/አሰፋ ነጋሽ) (ኣብ መጽሐፈይ ኣብ ገጽ (120)

ትርጉም ፤- ተቋወምቲ ፤ ባህርያዊ ፍጥረት ውድብ ወያነ ‘ፋሽስቲ’ ምዃኑ እንተይፈለጥናዮ 42 ዓመት ኣቑጺርና” ይብል ዶ/ር አሰፋ።

 ወያነ በቲ መጸውዒኡ ፋሽታዊ እንታይነቱ እንተይፈለጥና ብዝተፈላለዩ አስማት ንጽውዖ ምንባርና ኩላህና ንፈልጥ። እሞ ፋሺዝም ንምፍላጥ እዚ ዝስዕብ ናይ ደ/ር አሰፋን ናይ ካልኦት ሊቃውንትን ስነሞገት ንርዓይ።

“ንፋሽዝም ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ መግለጺታትን ባህረታትን እንተሃለው’ውን ዕድመ ሙሉእ ብዛዕባ ፋሺዝም እንታይነት ዝተማራመሩ ሊቃውንቲ  ኣለው።” ይብል ዶ/ር አሳፋ ነጋሽ፦ ካብኦም በቲ ጽንዓት ዝተፈልጠ እንግሊዛዊ ሊቅ ግሪፊን እተን ዝስዕባ መሰረት ባህረ ፋሺሰትነት እየን ኢሉ ዝዘርዘረን እተን ዝስዕባ እየን ይብል ዶ/አሰፋ ነጋሽ (ብኣምሓርኛ)፦


1)    ፋሽዝም ማለት መበገሲኡ ሙሩጽ ህዝበይ ኢሉ በቲ ምሩጽ ዓልየት መንነት ተመስሪቱ ደው ዝበለን ልዕለ ምሩጽነቱ ዝሰብኽ ተኣንዳራይ ዓልየተዊ (ultranationalism) ፍልስፍና እዩ። ይብል።
ዕላምኡ ድማ ነቲ ምሩጽ ህዝበይ ዝብሎ ዓልየት ዳግም ልደት (palingenesis) ብምብሳር ነቲ ዳግም ልደት ግብራዊ ንምግባር ሓደሽቲ ብዝኾኑ ናይ ሞራል ተበግሶታት (እሴት) ዝተሃንጸ ‘ሓዱሽ ሰብ’ ምፍጣር እዩ። ብሓጺሩ ፋሺስታዊነት  ኣብ ሓደ ሙሩጽ (ሳምረታይ ሙዚቀኛ ሕሉፍ አለሙ ንህዝቢ ትግራይ እንትገልፆ9 “ዑንቂ ባሕሪ”  ዝብሎ  ዓይነት?) “ብዑንቂ ባሕሪነት” መንነት ተደሪኹ ደው ዝበለ፤ ብዛዕባ ናይ ሓደ ዑንቂ ባሕሪ/ሙሩጽ ሕዝቢ/ ልዕልነት (ነጋሲን ኣንጋሲን ኢሉ ሙዚቀኛ ወዲ ሮሚጥ/ሙሉጌታ ካሕሳይ/ ከምቲ ዝደርፎ) ዝሰብኽ ፈታላይ/ቀራን ብሔረታዊ (ultranationalism) ፍልስፍና እንትኾን ዕላሙኡ’ውን እቲ ዝብለኩዎ ሙሩጽ (ዑንቂ ባሕሪ) ዝባሃል ሕዝቢ ዳግማይ ልደት (palingenesis) ብምብሳር ብሓደሽቲ ናይ ሞራል መግንሒ/እሴታት/ ዝተሓንጸ ብጽርየት ዝፍክር/ዝጭርሕ/ (ጉርዲ ዘይብልና ዝብል=(ልክዕ ከየንቲ ትግራይ ከምቲ ዝደርፉዎ ማለት እዩ)  ሓዱሽ ወለዶ/ሓዱሽ ሰብ ምፍጣር ማለት እዩ ።
2)   ፋሺሰታዊያን ከም’ታ ኣብ ቃልቃል ዝብል ጓህሪ (ኣብ ሓዊ) ነዲዳ ዝሞተት እንደገና ህይወት ዘሪኣ ንዳግም ልደት ዝተፈጥረት ናይ ፊኒክስ Phoenix ዒፍ፤ ንስኻው’ን ምሩጽነትካ ኣብ ታሪኽ ዘመስከርካ ስለዝነበርካ ዳግም ልደት ተፈጢርካ ዝዓበየ ዝናን ወናናይ ክብርን ክትከውን ኢኻ ብዝብል  ህዝቦም ንዳግም ልደት ኣባራቢሮም፡ ሓዲሽ ታሪኽ ንክሰርሕ ‘ደቂስካ ኢኻ’ እሞ ‘ተባራበር’ ኢሎም የባራብርዎ። 

ቀው ዘበለኒ እዚ ዝስዕብ እዩ። "ፊኒክሷ ሞታም ትነሳለች፡ ያልተቋጨው የትግራይ ሴቶች ገድል"  ፊኒክስውን ድሕሪ ሞት ክትትስእ እያ፡ ዘይተዛዘመ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዝብል መፅሃፍ ዘሕተመት ወይዘሮ የውብማር (ባዓልቲ ገዝኡ ንገብሩ አስራት)፥  ፊኒከስ ‘Phoenix/ እትባሃል ዒፍ ንምንታይ ከምዝተጠቐመቱሉ ኣነ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ፋሽታዊያን” ዝጭርሑሉን ዝጥቀሙሉን ርዕሲ ምስ ምኳኑ ግን “ኣግሪሙለይ” ኣሎ። 

ናይ የውብማር መጽሐፍ ዘገርም ነገር፤ ፋሽስታት ዒፍ ፎኒክስ ዝጥቀሙላ ኣባሃህላና ኣጣቓቕማን ያታ ምሳለ እያ ተጠቒማ። እዛ እትባሃል ዘላ ብልበ-ምሂዝ (ብልብ ወለድ) እትግለጽ ዘላ ዒፍ ‘ብሓዊ ነዲዳ፤ ሐመድ/ሐሞኽሽቲ (ሓሞሹኽቲ) ምስ ኮነት እንደገና (ዳሕራይ) ህይወት ዘሪኣ ከምታ እተወልደት እዛ ዒፍ ፎኒክስ እትባሃል ዒፍ ፤ ፋሽስታውያን እውን “ወነንቲ ሰብ ክብርን ወነንቲ ዝናን ክትከውን ኢኻ” ብዝብል  ብነበረያ ነበረ (አፈታሪክ) ተመስሪቶም ሓደ ሕዝቢ በስምዒት ልዕልነትን ዝናን ኣላዓዒሎም  ሓዲስ ታሪኽ ንኽፈጥር ዝጽዕሩ ዝጥቀሙሉ ምሳለ እዩ። ዘገርም ነገር   ተጋዳሊት የውብማር አስፋው (ሰበይቲ ገብሩ አስራት) “ፊኒክስዋ ሞታም  ትነሳለች” (2001 ዓ.ም. ዝተሓትመ)

ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ መርበብ ሓበሬታ ተለጢፉ ዘንበብኩዎ ንሳ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ እዚ ስያመ እዚ ዝሓበትሉ ምኽንያት ከም’ዚ ዝስዕብ ትገልጾ።


“ፊኒክስ ኣብዝተፋላለዩ ክፍሊ ዓለም ብሕልፊ ኣብ ግሪኽን ኣብ ግብጽን ዝውጋዓላ በውቁብ መልካዓን ብሰዊት/መረዋ/ድምጻን እትፍለጥ ታኣምረኛ ዒፍ እያ። ከም’እቲ ብ ያታ (ነበረያ ነበረ) ዝዝረብ፤ ፊኒክስ ካብ ሓሙሽተ ምኢቲ ክሳብ ሓደ ሺሕ (ካብኡ’ውን ንላዕሊ) ዓመታት ኣብዝዓለም ምስነበረት ድኻምን እርጋንን ምስተዳዕነና ዝተፋላለየ ናይ ማዕጠንቲ ዓዕጻው ኣራርያ፤ ሓዊ ኣጚዳ፤ ንባዕላ ኣብቲ ሓዊ ኣንዲዳ ዝሞተት ዒፍ እያ።ኮይኑ ግና፡ ካብቲ ዝነደደትሉ ፋሓም ሐሞኹሽቲን ረመጽን ዳግማይ ታሓዲሳ ህይወት ዘሪኣ፤ ጠዊታ/ተጣናኺራ/ መንእሰይ ኰይና ተሰአት። ስለዚ’ውን ፊኒክስ ብብዙሕ እምነታት ትንሳዔ ሙታንን፤ ህያውነትን፤ ጽንዓትን፤ ፈኸት ዘይምባልን ፤ ተስፋ ምስናቕን፤ ወዲቅካ ምትሳእን እተርድእ ምስሊ እያ ”። ትብል የውብ ማር ትርጉም ፊኒክስ ኣብ’ቲ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ እንትትህብ (ትርጉም ናብ ትግርኛ- ጌታቸው ረዳ) ።

ንኣንበብቲ ዘዛኻኽሮ  ናይ ዒፍ-ፊኒክስ ‘ዳግም ውልደት’ ምሳለ ዝጥቀሙ ፖለቲከኛታት ብዙሕ ጊዜ  ፋሺስታዊያን ዝጥቀሙሉ ያታ እዮ ። እዚ ናይ ዒፍ ፊኒክስ አፈ ዛንታ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘበን ፋሺስታዊያን ንሳዐብቶም ዘባራብሩሉ ሓደ ህዝቢ ኣሪጉ ምሰሞተ ብሕገትነቱ ከም እንደገና ብትንሳኤ ከምዝትስእ ዘብሰር ናይ ፋሺስታዊያን “ዳግም ልደተ ጭርሖ” እዩ።

ኣብዝሎሚ ዘመን ናይ ወያነ ትግራይ ፋሽዝም እንሰምዖን እንርእዮን ቁዘማታት “ዑንቂ ባሕረነት፤ ሙርጽነት” ፤ ሓደ ሕዝቢ ኣሪጉ ምስሞተ  ፈተኽ ብዘይብል ጽንዓት ተበጊሱ እንደገና /ዳግም/ ከም ብሓዲሽ ‘ብትንሳኤ ሙታን’ ዘብስር ቅያ ከምዝሰርሕ ከም እታ ‘ስርዓት ፋሺዝም’ ናይ ዳግመ ትንሳዔ ሙታን ሓዲሽ ልደት ንሶም እውን ዝቃናጠጡላ ናይ ሓባር እንሶላ እያ።

 (3)- ፋሽዝም- ብመኽረራይ ዓልታዊነት ተበጊሱ ኣብዘባራብሮ ናይ ሓደ ሙሩጽ ዓልየት (ህዝቢ) ድርኩኺት ደው ኢሉ እንዳቖዘመ ብቐጻላይ ማሓዋይ ናዕቢ (ስር-ነቀል) ተሊሙ፤ ነቲ ሙሩጽ ዝብሎ ዓልየት “ብሓደ ልቢ (ብሓደ ህርመት)” ንክስጉም ሓደ ዓይነት አታሓሳሰባ መስመር ዘለዎ ማህብረተሰብ ንምፍጣር ዝነቅል ናይ ፓለቲካ ርዕዮተ ዓለም ኣታሓሳስባ እዩ።

እዚ ንምግባር ፤ እቲ ዝነበረ ነባር ማሓውር ኣፍሪሶም ብሓዲሽ ናይ ምትካእ እምነቶም፤ ንምሳሌ ፋሺስታዊያን ዝኾኑ ተጋሩ  ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ እሴታት (ማሓውራት)፤ እታ ሃገር ዘጥረየቶም ነባር ባህሊታት፤ እምነት፤ ወዘተ.. ብብረታዊ ናዕቢ ቦርቂቖም (ስር-ነቀል) ብምጉሓፍ ባዕሎም ብዝፈጠሩዎም ሓደሽቲ ማሓውራትን ብናታቶም ሞራላዊ መበገሲታትን ይትኩኡዎም ማለት እዩ።

ናይ ፋሽስቲ እንታይነት ተማራማራይ ሊቅ ዝኾነ ፕሮፌሰር ስታንሌ ጂ. ፓይን ዝነግረና ዘሎ፤- ‘መኽረራይ ዓልየታዊ ፋሺስቲ’ ናይ ሓደ ምሩጽ ህዝቢ ዳግም ልደት ዝሰብከሉን ዝጽዕረሉ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ “ሥልጣን እዩ”። ስልጣን ክውንኖ ዝግባእ እቶም ደቂ ዑንቂ ባሕሪ ዝባሃሉ ሙሩጹት ዓልየት ክኾኑ ኣለዎም ባሃላይ እዩ። እቲ ስልጣን ድማ ክግብቶ ምእንታን ዝጥቀመሉ ተንኮል (ዘዴ) “ካብቶም ነቲ ዓልየት እቲ ወጺዖሞ ነይሮም ኢሉ ብቐትሪ ሕልሚ” ንህዝቢ ኣእሚኑ ብቀንዲ ጸላኢ ገይሩ ዝምድቦ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሰርወ መንግስቲ ወይ ‘ዓልየት’ “ብትምክሕቲ ዓልየታዊነት ፈሪጁ ምስ  ዓለዎ” እዩ ስልጣን ዝግብት።

እዚ ድማ ኣብ ወያነ ዝራአናዮ ባህረ እዩ። ነባር ሰፈራት (መንደራት) ብስም ለምዓት ወይ ብስም ቅያረ ባህሊን ብጽልኢ ተበጊሱ ነባራት ታሪኻዊ መንደራትን ሃወልቲታን መቓብራትን አፍሪስካ ሓደ ህዝቢ ካብዝተዋለደሉን ደቁን ደቂ ደቁን ዝተወለዱሉን ከባቢ እንዳቦረቆቕካ ዝዓበየሉ ድርኩኺት ካብ ኣእምሩኡ ትውስታ ነክድምሰሱ ብምግባር ሓዲሽ ወለዶ (ሰብ) ናብቲ ከባቢ ብምግዓዝ ብሓደ ልቢ ዝጓዓዝ ዓልየት ንምኽርካም ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ መርኣያ እዩ።እቲ ዝገበቶ ስልጣን’ውን እዚ ንምግባር ዝዓለመ ስለዘነበረ ናብ ዳግም ልደት መጺእና (ተወሊድና) እንትብል ንሳዓብቱ ኣበሲሩ እዩ።

‘ስለዝኾነ እውን ወየነ ዳግም ልደቱ በብዓመቱ እንተኽብር ኣብ ሀገርን ኣብ መሉእ ዓለምን ሓሻክር ሙዚቀኛታቱ እንዳላኣኸ ዳግም ልደቱ ክኽብሩሉ እንርእዮም ዘለና ሓደ ምኽንያት ናይ ዳግም ልደት ብስራት ምርኢት እዩ።’ (ጌታቸው ረዳ)

ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ ከምዚ ይብል፡

“ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ጀጋኑ ሓርበኛታትን ፥ ናይ ቅኔ ፥ ናይ ድርሳን፤ ግጥምን ተዋስኦን ሊቃውንቲ ሓወልቲታትን መቓብሮምን ምፍራስ ርኢና ኢና። ንምሳለ ከም ናይ ቀኝጌታ ዮፍታሄ ንጉሴ ዝበሉ ሓወልቲታት ፥ ናይ መልአከ ብርሃናት አድማሱ ጀንበሬ መቓብር አፍርሲ ዓጽሞም ኣርዩ ካብ አዲስ አበባ ክስደድ እንትገብር፤ ሓወልቲ እኒ ደጃዝማች አፈወርቅ ወልደ ሰማያትን (ኣብ ቆራሄ  ፋሽስቲ ጣሊያን ተዋጊኦም ብጀግንንት ዝተሰውኡ ‘ኤርትራዊ’ ህይወቶም ንሃገሮም ንኢትዮጵያ ነፃነት ዝለገሱ ሓርበኛ) ብስሞም ደው ዝበለ ሓወልቲ ኣብ ኦጋዴን ክፈርስ ገይሩ እዩ። (ኣብ ዘበን ወየነ!!)። ካልእ ድማ እቶም ብሓርበኝነቶም ዝተፈልጡ ሓርበኛ ልጅ ኃይለማርያም ማሞ ዝባሃሉ ብስሞም ኣብ ናዝሬት ዝተሰየመ ሆስፒታል ስሞም ንክፏሓቕ ተገይሩ እዩ (እዚ ድማ ኣንጻር ፋሽቲ ዝነበሩ ጀጋኑ ስለዝኾኑ ንፋሽቲ ምውጋእ ብዘበን ወያነ ገበን እዩ)። ነባር ሓርበኛታት ደምሲስካ ሓዲሽ ባህልን፤ብኣምሳያ ወያነ፤ ብብጻይነት ዝጭርሕ ፥ ብሓደ ልቢ ዝስጉም ብሓዲሽ ማሕበራዊ ምህንድስና “ሶሺያል ኢንጂኔሪንግ” ተሓኒጺ ዝፍጠር ሓዲሽ ‘ሰብ ምፍጣር’ ቀንዲ ናይ ተጋሩ ፋሺስታዊ መንግስቲ ስራሓቲ እዩ። (አሰፋ ነጋሽ)

(4) ፋሽዝም ደቂ ሰባት ብዘየቋርጽ ገድላዊ ህይወት እንትኣትው ነቲ ናተይ ዝብሎ ህይወት ዘድከሞ ማሕበረሰብ ብምእካብ ንዓዓ መዝሚዙ ጉልቡት ምስ ኣጥረየ ፡ በቲ ናይ ዝተረምተተ ማሕበረሰብ ኪሳራ መደላድላዊ ህይወት ክቕጽል ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን እዩ። እዚ ድማ በሶሻል ዳርዊንዝም ፍልስፍና ዝተቓነየ ኣታሓሳስባ እዩ። ብሓጺሩ ፋሽስታውያን ብዘይምቁራጽ ኣብ ሞንጎ መሰኮናይን ተሰኮናይን ቃልሲ ዝኣመን ‘ዓለም ናይ መሰኮንቲ መድረኽ እያ” ኢሎም ዝኣምኑ እዮም።

ናይ ፋሽስታዊያን ፍልስፍና ‘ብሄር፥ዓልየት፥ህዝቢ’ ዝባሃሉ ናይ ውልቀሰባት ምትእኽኻብ (ስብስብ)  ከም ቀንዲ ጠመተ ገይሩ ዝንቃሳቐሰሉ ጠመተ እዩ። ፋሽዝም ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ወየንቲን ኦነግን “ብሄር/ ብሄረሰብ/ ሕዝቦች” ዝብሉዎም ኣብ ሞንጎ እዞም ብሰለስተ መዲበሞም ዘለው ምዳበታት መሰረታዊ ዝኾኑ ተፈጥሮኣዊ ፍልልያት ኣለዎም ኢሉ ዝኣምን ፍልስፍና እዩ። ፋሽዝም (ወያነ) ናይ ቡድን (ጉጅለ) መሰል እምበር፤ ብሓደ ነጻ ውልቀሰብ ምርጫ/መሰል/ ጥራሕ እምነት ገይሩ ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣምሪሩ’ዩ ዝቃወም። ማለት ፋሽዝም ኣብ’ታ ሃገር ዝነብሩ ካብ ዝተፈላለዩ ዓልየታት ዝወጹ ኩሎም ዝቐበሉዎም/መመዘኒኦም ዝገብሩዎም

ዓልየት-ዘለል (supra-ethnic)

ኃይማኖት-ዘለል (supra-religious)

ሐበራዊ-ዛሃታት/ እሴቶችን (collective values)

ዝባሃሉ ቅርሕንቲ ዘርሕቑ ነባራት ኮይኖም ዝተፈትሉ ሓባራዊ ዛሃታት ይበትኮም/ይቃወሞምን/ የፍርሶም። 

ፋሽዝም ቅድሚ ሰብዓዊነት ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ ዓልየት መንነት ክቐድም ኣለዎ ዝብል ኣታሓሳስባ ብሰፊሑ እዩ ዘጋውሖ።

ብፋሽቲነት ዝተመስረተ ናይ ፓለቲካ ስርዓት ናተይ ንዝብሎ ዓልየት/ ህዝቢ/ ኪሳራ ተደሪኹ ‘ቅድሚ ኩሉ’ ንናቱ ዓልየታት ብምሃብ ኣብ ጎኑ የሰልፎም። እዚ ድማ ነቲ ክወልዶ ዝደለየ ሓዲሽ ሰብ ህንጸት ንምንዳቕ ዝገብሮ ዕላማ እዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ እቲ ዝገርም ግን ፋሽስታውያን ነቲ ናተይ ዝብልዎ ህዝቢ ዓትዒቶም ብጥሙር ዓልየታዊ ዲስፕሊናዊ ቁጽጽርን (ምፍርራሕን/ቅትለትን እውን ኣሎ) ተጠቒሞም ምስ ሰርዑዎ ንካልኦት ዓልየታት ከምዝድሕሮምን፤ ከምዝፈርሖምን፤ ብክፋእ ከምዝጣራጠሮምን ገይሮም ብምህናጽ ናብኦም ይጠምሩዎ (ወያነ ዝገበሮ ስራሕቲ እዚ እዩ “ንሶምን፤ ንሕናን” ብዝብል)። ብኻልእ ኣዛራርብ ነቲ ሓድሽ ህዝቢ ንምፍጣር ዝጽዕርዎ ዓልየት ናቶም ቁርኑይ “አካላዊን ሕልናዊን” –(ካፕቲቭ) ገይሮም ናብ ዝኣዘዙዎ ይምራሕ (ይስለብ) ማለት እዩ።

 ኣብ መስመርካ ጽናዕ/ መስመርካ እዩ ሓይልኻ ኢሎም መራሕቲ ወያነ ነቲ ዓልየቶም ኣብ ሓደ ዝጠምሩዎ ‘ጽኑዕ ድሲፕሊናዊ’ ስራሕቲ ናይ ፋሽታዊ አሳራርሓ መስርዕ እዩ። ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት ወይ ብዓልየት ዘይስጉሙ ስርዓታት ከም እቶም ፋሺሰታውያን “መስመር” ገለ መለ ዝባሃል የለን። ፋሽታዊያን ጥራሕ እዮም ብዝሓንጸጽዋ ዳግማይ ልደት መበሰሪት መስመር፤ብሓደ ልቢ ተጓዒዞም ‘እቲ ሲቪላዊ ህዝቢ’ ከም ወታሃደር ሰሪዖም ፈተኽ ከምዘይብል ዝጭርሑ። ስለ ዝዀነ’ውን እዩ መለስ ኣብ ሽረ አውራጃ ከተማ እንዳስላሰ  (ገባር ሆቴል) ኣኼባ ገይሩ እንተሎ ፤ካብቶም ሰዓብቱ ሓደ ተሲኡ “ንስኻ እንተዳኣ ሞይትካ መንእዩ ክመርሓና፤ ወያነ ክትፈርስ ዶ ይመስለካ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ፤ መለስ እንትምልስ “ኣነ ኮነ ዝዀነ መራሒ ወያነ ከም ማንም ተጋዳላይ ኢና እጃምና ነበርክት ዘለና፤ ብዙሓት ቡሉጻት ብጾትና ተሰዊኦም እዮም ግን ወያነ ቀጺለ ኣላ፡ አነ’ውን ጽባሕ እንተሞትኩ ወያነ ክትቅጽል እያ ‘ምኽንያቱ መስመር እዩ ነዛ ውድብ ዝመርሓ እምበር ውልቀሰባት ኣይኮኑን፡ ወሳኒ ‘መስምር እዩ፡ ነታ መስምር ክሳብ ዝሓለኹማ ጊዜ ነባሪት እያ።” ኢሉ መሊስሎም ከምዝነበረ ኣነ ይዝከረኒ። ስለዚ’ውን ፋሽታዉያን ወየንቲ “መስመር’ዩ ሓይልና” ዝብል ጭርሖ ዝጭርሑ። ብሓደ ልቢ  ማለት  ብ(homogeneous) ምጭራሕ ማለት እዩ።  

ፋሽስታውያን ብሓደ ‘መስመር’ (homogeneous/ሓደ ልቢ/ ሓደ ህርምት) ኣሰሊፎም ካብ ዓልየቶም ወጻእ ንዘሎ ወይ ብመስመሮም ዘይግናሕ ቀተልቲን ጨወይቲን ሰሪዖም ሓይሊ ተጠቒሞም እንዳሳናበዱን እንዳጨወዩን ክሳብ ናይ ውልቀሰባትን ጅምላዊ መቕተልቲ ስጉምትታት በምውሳድ ኣብ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ሰፍ ዘይብል ድንጋጸን ሽብር ከምዝኣቱ ገይሮም ናብኦም “ከምዝምብርከኽ” ብምግባር ዕላማኦምን/ መስመሮምን ብግዲ ከምዝቕበሉዎ ይግብሩዎ።

ሎሚ ወየንቲ ብፋሽታዊ ባህረታቶም ተበጊሶም “መስመሮም” ንከስፋሕፍሑ ኣብ ጎንደር፤ ኣብ ጎጃም፤ ኣብ ወሎ፤ ኣብ ሸዋ፤ ኣብ ኦጋዴን፤ ኣብ አርሲ፤ ኣብ ባሌ፤ ኣብ ወለጋ፤ ኣብ ጎሙ ጎፋ ኣብ ጋምቤላ ክሳም መቓዲሾ ሶማል ….ወዘተ ዝገብሩዎ ዘለው ግብሪ እዚ እዩ።ስብሓት ነጋ እውን “መስመር ወያነ ክስብ ሙሉእ ኣፍረካ ክሳገር ዝኽእል መስመር እዩ” እንትብል ሰሚዔዮ ኣለኹ።

(5) - ፋሽስታውያን ፍጹማዊ (ቶታሊቴሪያን) ብዝኾነ መንገዲ ናይ ሓደ ስርዓተ- መንግስቲን ስርዓተ-ማሕበረሰብን ብኩሉ ገጹ ማለት ፓለቲካዊ፤ ኢኮኖሚያዊ፤ ባህላዊ፤ ስነ-ጽሁፉን፤ ስነ-ጥበቡን፤ ሃይማኖታዊ ተጻብኦን፤ ስነ-ምግባርን ወይ ድማ ሞራላዊ ጉዳያትን ወዘተ… ሙሉ በሙሉእ ኣብ ቁጽጽሩ ብምግባር ሓዲሽ ዓይነት ማህበረሰብ፤ ሓዲሽ ዓይነት ዜጋ ብምፍጣር ማህበረሰባዊ፤ ፓለቲካዊን፤ ባህላዊን ናዕቢ ብምክያድ ካሊእ ምስታ ናይታ ሃገር መንፈስ ዝራጸም ማህበረሰብ እንደገና በዳግም ልደት ንምፍጣር ዝትስእ እ

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዓን ክልተን ዓመታት ኣብ ትግራይ ሱር ዝሰደደ (ዝገየደ)መኽረራይ-ትግራዋይነት ቦቒሉ እዚ ዝመስል ብፋሺስታዊ ኣታሓሳስባን ብ“ሓደ ልብን/ሓደ መስመርን/”ዝሰኸረ ዓልየተኛ ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተፈጢሩ እዩ ኢሉ እሙጉት። (አሰፋ ነጋሽ)

ሎሚ ተጋሩ ነዚ ዝምጉቶ ዘለኹ መራጋገጺ ናይ ትግራይ ከየንቲ /ደረፍቲ/ ተዋሳእቲ ዘስምዑና ዘለው ደርፍታት፤ፈኸራታት፤ፊልምታት፤ግጥምታት ወዘተ…. ነዚ ዝብሎ ዘለዠኹ ዘራጉድ ምልክት እዩ። ናይ ሙሉጌታ ካሕሳይ (ወዲ ሮሚጥ) “ከመይ ኣለኻ” ዝብል ደርፊ፤ ናይ ‘ሑሉፍ አለሙ’ ከምኡ’ውን ሰለሞን ባይራይ….ወዘተ…. ነቲ ፋሽታዊ መኽረራይ ብሄረታዊ ትግራዋይነት ዝገልጹ መባራበሪታት እዮም።

 ብዛዕባ ናይ እዞም ደርፍቲ እዚኦም ምስ ፋሺዝም ዘራኽቦ ግጥሚታቶም ክንምለሶ ኢና። ንሕዚ ግን ንቐጽል።

ፋሽዝም ካብ እቶም ካልኦት ፖለቲካታትን ባህረታቱ ፍልይ ዝገብሮም ነገራት፤ ዓልየታዊ ጠመትኡ ‘ሽምሩር’ ስለዝኾነ ኣብ እቲ ሕዝበይ ዝብሎ ሕሊና ዝፈጥሮ ስምዒት ሓደ ሙሩጽ ህዝቢ ወይ ዓልየት እቲ ዝነበሮ ልዕልነት ተመንጢሉ ‘ብውርደት ተቐቢረ እነብር ኣለኹ ኣብዝብለሉ ከርፋሕ ገሃነማዊ ናብራ ብታኣምራዊ ‘ትንሳኤ ሙታንነት’ ኣተሲኤ መሊሰ ኣብ እታ ዝነበርካያ ልዕልነት ከቐምጠካ እየ ዝብል ተስፋ ብምሃብ ብምልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ’ቲ ከተሰኣካ እየ ኣብ ዝብለሉ ገፊሕ ዓልየታዊ ‘ሒላብ’ ኣኪቡ ምንቅስቓስ ብምጅማር ‘ብፓለቲካ መልሚሉ (ወዲቡ)  ናይ’ቶም ዝስዕብዎ ሰዓብቱ ልቢ ጨውዩ ኣብሰለሎ ናይ ምእታው ክእለቱ ፍሉይ ይገብሮ።

ብከምዚ ዝጀመረ ብውሑዳት ሰባት ዝተበገሰ ፋሺስታዊ አታሓሳስባ ናብ እቲ “ሙሩጽ ህዝቢ” ኢኻ ዝብሎ  ሕዝቢ ንክላገብ (ክታኣታተው) ምስገበረ እቲ ሕዝቢ ባዕሉ ናይ’ቲ መስመር ሳዓባይ ኮይኑ ተዋሳኣይ ምስኮነ ብመንፈስ ትንሳዔ ሙታን ጨሪሑ ትማሊ ኣብ እቲ ዝነበሮ ማሕበራዊን ምጣነ ሃብታዊን ስነ ልቦናዊን ከርፋሕ ናብራ ጎቲቱ ኣውጺኡ ልዕሉ ኩሉኹም እየ ‘ናብ ዝብል ምክሐ (ዑቡይነት)’ ኣትዩ ሓይሊ ተጠቒሙ ‘ናይ ካልኦት ጎረባብቲ’ ኣህዛብ ወይ ዓልየታት ዶብ (ወሰን) ኣብ ምጉባጥን ናይ ካልኦት መንነት ኣብ ምግሃስን (ምድርጻጽን) ምንሻውን (ምስርጣይን) ይኣቱ።

 ካብ ሸውዓተ ምኢቲ ሽሕ ዘይውሕዱ ‘ተጋሩ ወይንቲ‘  አምሓሩ ኢና ናይ ዝብሉ ናይ ወልቃይትን፤ ፀለምቲን ጸገዴን ነበርቲ መሬት ኣሕዲጎም ብምውራር ንብረቶም እንዳመንዝዑ ብምእሳርን ብምስዋርን፤ ‘ብምጭዋይን’ ፤ ካብ ከባቢኦም እንዳሳጐጉ ንክስደዱ መንግስቲ ወየነ ገይሩ እዩ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ መንግሥቲ ነዞም ብትንሳኤ-ሙታን አተሲኤኩም ዝበሎም ተጋሩ  ናብ እቲ ብሓይሊ ዝተወረረ ቦታ ወሲዱ ፤ “ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ ተጋሩ ብምስፋር” ክሓርሱን ክነግዱን ብምግባር ህይወት ተጋሩ ኣብ መደላድል (ምችው) ናብራ ቀይሩ ኣብ ልዕሊ መቓብር ወልቀቶት ኣምሓሩ “ሓዱሽ ህይወት”  ንክምስርቱ ገይሩ እዩ። መሬት ምምንዛዕን፤ ንፖለቲካዊ ክስበት ኢሉ ‘ብሶሺያል ኢንጂነሪነግ’ ተበጊሱ ዘርኢ ብምጽናት ኮነ ዘርኢ ንክዳቐሉ/ክዕብለሉ ምግባር ናይ ‘ፋሺሰቲ’ መለለይ ባህረ ሓደ እዩ።

 እዞም ብዳግም ልደት ተወሊድና ዝብሉ ብዑቡይ ትግራዋይነት ጨሪሖም ኣብ መድረኽ ‘ልዑል መንነት’ ደይብና ኣለና ኢሎም ንብርትን መሬትን አምሓሩ ኣሕዋቶምን ጎረባብቶምን (ሕልፍ ኢልካ እውን ሰብኡተን እንዳኣሰሩ ኣንስቶም እንዳመንዝዑ) ልክዕ ዳግም ሞይቶም ካብ መቓብር ወጺኦም ዝተወለዱ ዝዓይነቱ ስምዒት ብምሕዳር ናይ’ቲ ከባቢ ገበርቲን ሓደግቲን ኰይኖም ቅድሚኡ ሪኦሞ ዘይፍልጡ (መብዛሕቶም ተጋደልቲ ዝንበሩ ) ምቸታን ዱልዱል ናብራን ወነንቲ ንግዲን ኰይኖም አለው።

ፋሽዝም ጅምር እንትብል መበገሲኡ ብዙሓት ‘ምሩጻት ኢና ንዝብሉ’ ነቶም ውሑዳት ብዘይ ምውልዋል ተኣዘዝቲ ኰይኖም፤ ብዘይ ሓንቲ ሕቶ ግበሩዋ ንዝተብሃሉዋ ትእዛዝ ተቐቢሎም ክፍጽሙ ዝገብር፤ ወታሓደራዊ ኣጣራንፋ ዘለዎ ኰይኑ ንፖለቲካዊ ስርዓት ዝጥርንፍ “ዓንተርነት’ ፤ ‘ ነግራምነት’ ተበጊሱ ‘ምጽሕታር ውግእ’ ከም ኑቡር ባህረ ገይሩ ዝርኢ ናይ ዑሙታት መለኽቲ ስርዓት እዩ።

ፋሽዝም ዲሞክራሲን፤ ሊበራሊዝምን፤ ሶሻሊዝም/ ኮሚኒዝም ኣትሪሩ ይጸልእ (እንዳዛነቐ ዝጥቀም እንተመሰለ እውን)። ስርዓት ፋሽቲ ምንቅስቓሳትን ውሳነታትን ሸምሪሩ ብምሓዝ (ሰንትራሊዝም) ብውሑዳት ልሂቃን (ብሉጻት) ዝምራሕ ንደቂ ሰባት ወይ ድማ ንዓኹም ደው ዝብልኩ እየ፤ ክመርሓኩም እየ ፤ ንዝብሎም  ዓልየታት (ህዝቢ) ህይወቶምን ምንቅስቓሳትቶምን ‘ዓትዒቱ ብምሓዝ’ ምትንፋስ ዝኸልእ፤ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ ምምሕዳራቱ ኣእትዩ አምባገነናዊ (ቶታሊቴሪያን) መላኻይ ፓለቲካ ይምስርት። ሓይሊ መርኣያ መንነቱ ስለዝዀነ፤ስርዓት ፋሽታውያን ብጉልበት ስለዝምራሕ ዝኾነ ይዅን ነገር በግዲ ክፍጸም ከምዘለዎ ዝገብር ሰርዓት ይሃንጽ።

ናይ ፋሽስቲ ርዕዮተዓለም (ዝስዕቦ ጠመተ ስርዓት) ውሱን ስለዝዀነ ናይ ደቂ ሰባት አታሓሳስባ ፤ ባህጊን ትምኒትን ኣብ’ቲ ንሱ ዝሸለለሎም ጎጣይ ዝኾነ ዓልየታዊ ሓፁር (ክልል) ከዊሉ ውሽጣዊ ዑጉታት (ሙሩኻት) ይገብሮም። ፋሽዝም ደቂ ሰባት እቲ ዝተፈጠሩሉ ዓልየትን ከባቢን ሓጹር (ድምበር) ተሳጊሮም ካብኣቶም ወጻእ ዝርከቡ ንንየው ዘለው ካልኦት ዓልየታትን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ዘራኽቦም ኩለመናዊ ሕቑፍቶ (inclusive values) ንከይዋሃሃድን ከይማቐልን ዕንቅፋት ይኸውን።  ብዛዕባ ‘ፋሽዝም’ ዝመጠቐ (ዑሙቕ ዝብለ) ፍልጠት ዘምሓረና “Nolte” ዝባሃል ሊቅ “ፋሽዝም ናይ ደቂ ሰባት ካብ ዓልየቶምን ሃይማኖቶምን ውጽእ ኢሎም ናብ እቲ ካሊእ ከባቢ ተሳጊሮም ካልኦት ምስ ዝፈጥሩዎም ሰብኣዊ መስተጋብራት ከይሳተፉ ዝእግድ እዩ (Fascism opposes transcendence)።” ይብል።

 ፋሺዝም ብትእዛዙ ዝምርሑ ‘ብቃንጫ መርዓት’ (ከም ባምቡላ- ሰው ሰራሽ) ዝሰርዖም ‘ሰዓብቱ’ ካብ እታ ዝተውሃበቶም ‘ቤት ዕዮ’ ፈተኽ ዘይብሉ ዓልየታውያን ይኹኑ  ሃይማኖታውያን ሰዓብቱ ‘ምስ ካልኦት ወይ ምስ ዓለም ዘራኽበና የለን ስለዝብሎም’ ‘ምስ ካልእ ዓለም (ዓልየት/ሕዝቢ) ከይራኸቡ ናይ ሕልና ሓፁር ሓፂሩ ናብ ካልኦት ክይሳገሩ ዝእግድ ጅሆታይ (ዓጋታይ) እዩ ። ኣነ ልዑል እየ፤ ወናኒ ፍጹማዊ ሓቂ እያ (I am the source of absolute truth) ስለዝብል፡ ባህሊ ፡ ማህበራዊ ምዝናቕ ዘርኣዊ ምትሕውዋስ (a society with cultural, social and ideological diversity) አይፈቱን (ምስ’ቲ ዝሰብኮ ዓልየታዊ ጽርየት ስለዝራጸም)። ምስ ነገሠ እውን፤ እቲ ዘይምትሕውዋስን ተዓጊትካ በብ ክልልካ (ከም ኣፓርታይድ) ምንባር ‘ሕጋዊ ምምሕዳር ስርዓት” ገይሩ፤ ኣህዛብ ‘በብዓልየቶም’ ጠርኒፉ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመርሖ ማህበረሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ‘ብሓይሊ’ ኣንጊሱ ሕዝቢ ዝድዕነን (ዝዕምጡቕ) ሙኩሕ (እብሪተኛ) ፍጹም መላኺ ዝኾነ ፓለቲካዊ ሰርዓት እዩ።  

እቶም ዝስዕቡዎ ኮነ እቶም ሓደሽቲ ምዕግርጋር ወይ እያኣይ እንተበሉ ድማ ብሓይሊ ዳዕኒኑ ምስ ሰርዖም፤ እቲ ዝነበረ ዋላ እቲ ዘይጓዳእ ነባር ማሓውር (እሴት) ተይቀረየ ‘ቀይሩ’ አቲ ህዝቢ (ዓልየት) ብሓደ መስመር ዝተሃንጸ ኣታሓሳስባ (ኣዛራርባ) ብምፍጣር መሰረታዊ ዝኾኑ ማሓውራት ንምቕያር ሕራይ ከምዝቡሉ ይገብር።

እዚ በዝምልከት ይብል ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ

“ፋሺስታውያን ወይ ናዚያውያን ዝስዕብዎ ሕልናዊ ተበግሶ ፍልስፍነኦም “The Nazi Conscience” ብዝብል ርዕስ መጽናዕቲ ዝገበረት Claudia Conz ዝተብሃለት ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጽሐፈ መጽሓፋ ከምዚ ትብል፦ 

<<ኣድላይ ዝኾነ እሺታ ወይ ስምምዕነት ብርኪ ንምምጻእ መሰረታዊ ዝኾኑ ማሕበረሰባዊ ማሓውራት ምልዋጥ ወይ ድማ ምቅይያር ግድን ይብል።” ትብል Claudia Conz (አሰፋ ነጋሽ)

“ቀንዲ ናይ ፋሽዝም አባጋግሳ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ሞራል (ኤቲክስ-መንፈስ) ብናዕቢ ኣባራቢሩ፤ ነቲ እወክሎ እየ እሕለቐሉ እየ ፤ ንዝበሎ ዓልየት ወይ ህዝቢ እምነቱን አታሓሳስባኡን ካብ ሰራውሩ ምሒዩ (‘ቦረቂቑ’) ክድርበ ከምዘለዎ ዝደልየሉ ምኽንያት አሎ። እዚ እውን ናዕቢ ፋሽስቲ  ብቀንዱ ክልወጡ ዘለዎም ኢሉ ዝጥምቶም  ሓደ ናይ ባህሊ ለውጢ እዩ። እዚ ድማ ፋሽዝም ነቲ ከም ሓዲሽ ንዝፈጥሮ ስርዓት ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ሓደ ዓልየት ተወለድቲ ‘ኣታሓሳሰባ፤ ግብረገብ ፤ ስነምግባርን ናይ ሞራል መምርሕታት ሙሉእ በሙሉእ ብምልዋጥ ብሓደ እምነት/መስመር/አታሓሳስበ(homo fascisticus) ንክፍጠር ዝዓለመ እዩ።>> (ዘኒ ከማሁ (ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ (ኣብ መጽሐፈይ ገጽ 116)
 
እዞም ስርዓት ፋሽስቲ ዝፈጥሮም ሓደሽቲ ሰባት (ማሕበረሰብ) ዋለ ካብ እቶመ ጹቡቓት ዝባሃሉ ዝነበሩ ካብ እቲ ናቶም ዝጽንሔ ነባር ታሪኾም ዝጫደሩ (ዝወጹ) ፤ ነባር ናይ ሓገሮም ታሪክ፤ ባህሊ፤ ልምዲ፤ ያታ ዝፍንፍኑ (ዝጽየኑ) ሰባት ይኾኑ ማለት እዩ። እዚ ድማ ብዘበን ወያነ “ታሪኽ ሰንደቕ (ባንዴራ) ፥ ባህልን ያታን ዝፈልጡ ዓበይቲ ዓዲን ጀጋኑን” ምንሻው/ምጽያፍ/ምጽራፍ/… ተራእዩ እዩ።

ዶከተር አሰፋ ነጋሽ ከምዚ ይብል፤

 “አነ ንአርባዓን ክልተን ዓመታት ‘ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከም እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝዓይነቱ አታሓሳስባ፤ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ማለት ምስ ካልእ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ባህላዊን ስነምግባርዊን ዝቃረን ኣብ ትግራይ ዝተፈልፈሉ በዚ ፋሺስታዊነት ዝተጠምቁን ዝኣምኑን በሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ማሕበረሰብ ትግራይ ውሽጢ ተፈጢሮም ኣለው ኢለ ክምጉት እኽእል እየ።” (አሰፋ ነጋሽ)

 ናይ አደባባይ ሙሁራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ተመርኲዞም ናይ እኒ አሉላ አባነጋ ታሪክ እንዳተወከሱ ዝነግሩና ናይ ህዝቢ ትግራይ ሓርበኛነት፤ ከምኡ’ውን ሕዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያዊነት ዝነበሮ ቀናኢነት (ፍትወት) ኣብ ዝሓለፉ  ኣርባዓን ክልተን ዓመታት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ውድብ ወያኔ ብዝፈጠሮ “ዑቡይ መኽረራይ ዓልየታዊ ትግራዋይነት’ ስዒቡ ዝሃነፆ “ፋሺስታዊ ፍልስፍና” ምኽንያት ጠፊኡ ኢዩ (ተደምሲሱ እዩ) ኢለ ክማጎት እኽእል እየ።”  (አሰፋ ነጋሽ)

ከምዚ ዝበልኩሉ ምኽንያት ድማ ይብል ዶ/ር አሰፋ

“ እዞም ናይ አደባባይ ምሁራን በስምዒት ዘይኮነሰ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ተወለድቲ ትግራይ ካብ’ቲ ዘርእዩዎን ዝደጉሑዎን ቁሉዕ ዝኾነ ብጸር-ኢትዮጵያዊነት ዝተቓነዩ ብውልቂን ብሓበራን ዝገብሩዎም ፍልይ ዝበሉ ተግባራቶም (ግብሮም) ብምብጋስ እየ። ከም ምሳሌ ንክኾነኩም ሓደ ሓደ መረዳእታ ከቕርብ። ካብ ኢትዮጵያዊነት ባህሊ ዝጫደሩ ኢትዮጵያዊ ባህሊ አምነት ዝንበረና ይሉኝታ (ሓልዮት ከይብሉኒ ዝብል ቁጡብ ዝኾነ ትሑት ስነ ምግባር ስክፍታ…) ዝባሃሉ  ዋጋ ብዘይምሃብ ካብ ባህሎም ዝወጹ ናይ ተጋሩ ፋሺስታዊ ትምክሕቲ ቁሩብ ምሳለ ክህበኩም።
  
“ብዘበን ዓልየትነት ማሕበረሰባት ወረጃዊ (ሙቕሉል) ዝነበረ ባህሎም ዝሽፍነሎም ዝነበረ ጉልባቦም ደርቢዮም ብጋህዲ ከይተሰከፉን ከይሓፈሩን “ኣብ ዓርሰ” ምምላኽ አትዮም ክጫድሩ ንርኢ ኣለና። ንምሳሌ ኣብ ዩቱብ ዝተለጠፈ ቪዲዮ ‘ዓሚ ኣብ ናይ ትግራይ ፌስቲቫል ኣብ ከተማ አምስተርዳም’ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ተወልደ ዝተብሃለ መንእሰይ ተጻዋታይ ጭራዋጣ ከምዚ ይብል “ 1 ትግሬ ለ50 ይበቃል”  (ንሓምሳ ሓደ ትግራዋይ ይኣክል) እንዳበለ ተጋሩ ከሳዕስዖም እንተሎ እቶም ተላሃይቲ ‘ጋእ እንተይበሉ’ ብስምዒት ክንፍሩ ይብሉ ነይሮም።

ፋሽዝም ብዝፈጥሮ ብትምክሕቲ ዝረሰነ ብመን ክሕዘና ስምዒት ስለዝጫድር  እቶም ብናይ ሓደ  ምሩጻት ዓልየትነት ክኣምኑ ዝተገደዱ ተወለድቲ ትግራይ ‘እቲ ሓዲሽ ፋሽስታዊ ስርዓት’ ዘምሃሮ ትምክሕቲ ተቐቢሎም ‘ብዘይካ ንሕና ካልእ ሰብ የለን ፡ ናብ ዝብል ምትእናን (ትምክሕቲ) ይጅምሩ ማለት እዩ። ካብኦም ወጻእ ንዘሎ ካሊእ ህዝቢ ብንዕቀት ክፍንፍኑዎምን መዳርግቶም ከምዘይኮኑን ገይሮም ምርኣይ ይጅምሩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ናይ ‘ተወልደ ዋጣ’ “ 1 ትግሬ ለ50 ይበቃል”  (ንሓምሳ ሓደ ትግራዋይ ይኣክል) ዝብል ሙኩሕ ፋሺስታዊ ጭርሖ ካብኡ ዝተበገሰ እዩ። (ብመሰረቱ እቲ ቖልዓ (ተወልደ) ወያነ ኮስኲሱ ገና ህጻን ከሎ ኣብ ሰርከስ ትግራይ ዘዕበዮ መንእሰይ እዩ) ።

ካብኡ ተበጊሶም ንባዕሎም ካብ እቶም ካልኦት ፍሉያት ገይሮም ብምርኣይ ብዝኾነ መገዲ ናቶም ዝኾኑ ሙሩጻት ዘርኢ እንዳናኣዱ “ፍልይ ዝበልና ሰብ ታሪክ” ሰብ ባህልን   ካልእ ዘይዳረጎ ጅግነንት ዘጥረና’ ‘ወነንቲ ሰብ ጥበብ’ ንካልኦት ደናቑር ፊደል ዘምሃርና ንሕና ከም ‘ሲም ካርድ’ ኩሉ ዝወነንና’ እንዳበሉ ኣብ አደባባይ ወጺኦም ብዘይ ስክፍታ ምስባኽን ምልፍላፍን ይጅምሩ። ንሕና ቆናጁ ኢና ፉሉይ ቁናኖን ሙሩጽ ወዝን ኣለና ናብ ዝብል ’ንባዕሎም ምእማን’ ይጅምሩ ማለት እዩ። Gellner ዝተብሃለ ብዓልየት ዝተሞርኮዘ ስነ ሓሳብ እንግሊዛዊ ተማራማራይ ከምዚ ይብል፡- 

<ብዘበን ዓልየተኛታት ዝተፈጥሩ ማሕበረሰባት ጉልባቦም ቀሊዖም ከይሓፈሩ ንባዕሎም የምልኹ”>

ን27 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዓዘብናዮ ትዕዝቢቲ ቃስታ ዝተንከፈ ናይ መን ከማይ መን ክሕዘኒ ‘ዑንዱር’ ዝኾነ ናይ ተጋሩ ትምክሕቲ መሰረቱ ኣብ ትግራይ ዝቦቖለ ፋሽታዊ ሓዱሽ ስነ ምግባር ዝተበገሰ ሓዲሽ ባህሊ እዩ። ናይ  ትግራይ ዓልየታዊ ፖለቲካ (የጎሳ ብሄረተኝነት) ብከመይ ዝዓይነቱ ዑንዱር ትምክሕቲ ዝተወጠረ ኣልቦ-ሕሊና ዝኾነ ሓዲሽ ትውልዲ ከምዘፍረየ ንምርኣይ ካልእ ምሳሌ ክህበኩም።

እዚ መንእሰይ እዚ ትግራይ ኦን ላይን ዝተብሃለ ድረ-ገጽ ብተወፋይነት ‘ንተጋደልቲ ወያነ ትግራይ ዝወፈይኩዎ እዩ ዝብል ሓደ ኣብ  ካናዳ ነባራይ እየ ዝብል ናይ ራዕሲ ስሁል ሚካኤል ዘርኢ ዘለኒ ‘ወዲ ደቂ ደቂ ደቂ… ወዶም ….እየ’ ብምባል ኣብ እቲ  ‘እውንኖ’  እየ ዝብለና  ዘሎ  “ TIGRAI-ONLINE” ዝጻሓፎ ከምዚ ይብል።

“ትግራይ ኣብ ቀንዲ አፍሪቃ ዝርከቡ ስልጣኔታት ኩሎም ኣዶ እያ። ናይ ግእዝ ፊደል ክርስትናን እስልምናን ፍልፍል እያ። ትግራይ  መበቆል ቅዱስ ያሬድ መስራቲት ሥልጣነ አክሱም ይሓን መበቆል ውቕሮ ነጋሽ ሓገር እያ። ትግራይ ናይ ዘይድፈሩ ሰብሰረ ‘ዓንተራት  ንጉሰ ነገስታት’ ናይ እኒ ኤዛና ካሌብ አርማሃ አብርሃ ፍላምዳ ዘርዓያቆብ ዮሃንስ ራስ አሉላ ጄኔራል ሃያሎምን ዝፈጠረት ሃገር እያ ። ትግራይ መንበሪ ታቦተ ሙሴ ሰብ ፍትሒ ዝተወለዱላ መረበት ደፋራት ብሚዛናዊ ዳኝነቶም ዝፍልጡ ናይ በላሕቲ ሰባት ሃገር እያ። ኣብ ታሪኽና ይቕረታ እንሓቶን እንፈርሖን ኮነ  ‘ማሓሩና’ እንብሎን ‘በዲልና ኢና ኢልና እንሓቶ’ ምኽንያት የብልናንን።” (ሚካል ስሑል) (ዘኒ ከማሁ (2006 Tigrai Online website ካብ እንግሊዘኛው ናብ አምሓርኛ ትርጉም አሰፋ ነጋሽ) ካብ አምሓርኛ ናብ ትግርኛ ትርጉም ጌታቸው ረዳ ኣብ መጽሐፈይ ገጽ (117)

ናይ ፋሽዝም መኸየጢ (ማጠንጠኛ) ዝኾነ ናይ ‘ዓልየታዊ ትግራዋይነት” ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ማሕበረሰብ ትግራይ ጉሁድ ዝኾነ  ሓዲሽ ናይ ስነልቦና  ለውጢ ኣስዒቡ እዩ። ፋሽዝም ዝተጋነነ ስምዒት ጀግንነት ስለዝፈጥር፤ ደረፍቲ ተጋደልቲ ወያነ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብኦም ተሳጊሩ’ውን ተጋሩ ሙዚቀኛታትን ጸሓፍቲን ገጠምቲን ናይ ትግራዎት ልዕለ-ጀግንነት ፍሉይ ናይ ታሪኽ ወናንነት (ዋና ገባሪን ሓዳጊን) ናይ አዴታት ተጋሩ ማህጸን ‘ቅድስና’ ፍሉያት ጀጋኑ እትወልድ…..እንዳበሉ ብምድራፍ ከምኡ’ውን ኣቐዲምና ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዋ ‘ሰበይቲ ተጋዳላይ ገብሩ አስራት’ ‘የውብማር አስፋው” ኣብ መጽሓፋ ዝጠቐሰቶ ናይ ‘ትግራዋይ ጽንዓት ተምሳሌትነት’ ብኩርዓት ክደርፉን ክጽሕፉን ክገጥሙን ንሰምዖም ኣለና። 

ፋሽዝም ካብ ‘ቀይዲ ሞራል በተኽ’ ስለዝገብረካ ኣብ ማሕበረሰብ ትግራይ ወያነ ብዘስተምሃሮ ፋሺስትነት ‘ንእርኑብ አንደብትን ስነምግባርን’ ዋጋ ስለዝሰኣነ ብዘስዓቦ ናይ አታሓሳስባ ለውጢ ምኽንያት  ልዕሊ ሸውዓተ ምኢቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ተወልደቲ ትግራይ በሓይሊንሩባ ተከዘ ተሳጊሮም ኣብቲ ላዕሊ ከምዝተገልጸ፤ ‘መሬት ወልቃይትን ጸገዴ ጸለምት ወዘተ..’ በጉልበቶም እንትምንዝዑ ብኣራኣእያ እምነት ፋሽስቲ ዝተሃንጸ እቲ ናይ ሓዲሽ ማሕበረሰብ ትውልዲ ትግራይ መራሕቲ ወያነ ተከዘ ተሳጊርኩም ሓዙዎ እተው ስለዝበሎም ‘ኣትዮም’። መሬት መንዚዖም ቀደም ዘይነበሩ 700,000 ሺሕ ሓደሽቲ ተጋሩ ሰፊሮም መሬት ብጉልበት እንትምዝዑ ስክፍ እንተይበሎም ‘ን ነበራት ነበርቲ’ እንዳሳጎጉ ክሰፍሩሉ ዝተገብረ ግብሪ ከም ነውሪነት ወይ ከም ህገ ወጥን ኢ-ሞራላዊ ግብሪ ከምዝኾነ አይቆጸሩዎን።

ያውም ይብል ዶ/ር አሰፋ ነጋሽ ‘እዚ ሕገ-ወጥን ‘ነውረኛ ግብሪ’ ከም ስራሕ ጅግንነት ተገይሩ ስለዝተቖጽረ “ዝተመነኹኺ ሎሚ ረኸብኩኺ” እንዳበሉ “ሃነን ይበሉ ሃነን” ዝብል ብደርፍን ብፈኸራን ኣብ ማእኸል ሕዝብን ዓለምን ዝተደረፉዎን ዝፈከሩዎን ፈኸራ  ኣብ ዩቱብ ተለጢፉ ንሕዝቢ ይስማዕ ኣሎ።

ሃነን ይበሉ ሃነን

 
       ካብ እታ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት “ሃነን ይበሉ ሃነን” እትብል ደርፊን ፈኸራን ከምዚ ዝስዕ ገለ ፍረ ሓረጋት ዝሐዘት እያ፦

 “ፀላእትና ከምዝጠመየ ከልቢ ብቕንኢ ሃነን ኢሎም እንጥፍጣፎም ይልዝዩ ኣለው ንሕና ተዓዊትና ኢና ሓሊፉልና እዩ ደስ ኢሊና አሎ ዝሓሰብናዮ ፈጺምና ኣለናጸላእትና ግና ፈዚዞም ቀርዮም ኣለው። ብኡ ገይሮም ፈዚዞም ይትርፉ! ሃነን ይበሉ ሃነን! ኣንቲ ቆንጆ ትግራይ ሃገረይ ንስኺ ኢኺ ሞራለይ ንስኺ ኢኺ ወነይ ወዲ ወልቀታይ ወዲ ትግራይ ምድርዳር ዘይፈቱ ወዲ ወያነ ብዓወት ዝወጸ መሰኮናይ ኰነ! ብስሪኡ መሰስ ዝበለ ብጽፍሩ ጽዒሩ ዝበልዕ ናይ እንዳማቱ ዘይደሊ አሰይ ይብል ኣሎ አሰይ ወዲ ትግራይ! ዘራፍ በለ ወዲ ወልቃይት ደጀናና ወልቃይት! ሕዚ ረኺበኪ ኣለኹ! ንትምክሕቲ ሓይሊ ‘ሓንቲ ፍረ ኣይነጥዕሞምን’ ለዚዮም ይትረፉ ሃነን ኢሎም ሃነን!  ለምልም መሬት ወልቃይት ንትምክሕቲ ሓይሊ ኣይነጥዕሞምን!  ሆ በል ተጋዳላይ ወያነ ወዲ ትግራይ!  ፍረ ዘፍረየት መሬትና ኣይንህብን! ትግራዋይ ባዓል ድርብ ዋልታ! ሃነን አበልካዮም ሃነን! ..ወዘተ…..”


እዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናዮ ፋሽታዊ ልሳንን ፈኸራን ደርፍን  ዝተዓጀበ ጸያፍ ልሳን ካብ ትግርኛ ናብ አምሓርኛ ዝተርጎመለይ  ማሓዛይ  (አቶ ጌታቸው ረዳ) እዩ። (አሰፋ ነጋሽ)

ሓደ ፍልይ ዝበለ ሕዝቢ ፋሺስታዊ ብዝኾነ ‘ሩሱን ፈረስ’ ተፋናጢጡ ብመኽረራይ ዓልየታዊ ጽላለ ዕዝር ኢሉ እንተጓዓዝ ፥ ‘ብልጓም-በተኽ’ ስለዝጫድር ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ (ዝሰማዕናዮን) ዝዓይነቱ ደርፊን ፈኸራን እንዳስምዔ ስክፍታን ይብሉኒን ወይ ድማ ንጽባሕ ዘይብል ብሙኩሕ ባህረ እንዳታዓጀበ “ምጉሳዕ”  ይጅምር ማለት እዩ።

 

ኣብ ክፍሊ 5 ኣብ እዋን ኩናትን ብሰንኪ ማሕበረሰባዊ ምንቅስቓስ ናዕቢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተጠንሰ ፋሺዝም ፤ እንታይ ኣስዒቡ? ከየንቲ ሙዚቀኛታት ትግራይ  ዘበርክትዎ ዘለው ፋሺስታዊን ባህላዊን ለውጢ፤ ከምኡ እውን ፋሽቲ ወያነ ‘ሃይማኖትን ባህልን ህዝባዊ ባዓላትን” ብኸመይ ይኸስበሉ ኣሎ?” እቲ ህዝቢኸ ስቕ ኢሉ ይቕበሎ አሎ’ዶ? ንምንታይ? ዝብሉ ብሰፊሑ ክንርኢ ኢና። ክቕጽል እዩ

የቐንየለይ ጌተቸው ረዳ (getachre@aol.com)  Ethiopian Semay


No comments: